መልእኽቲ ኤርትራዊ ዓለም-ለኻዊ ምትእስሳር (EGS) ንሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ

ክቡራት ደቂ ሃገር፣

ነዚ ዕድል እዚ ተጠቒምና ነቲ ብእኩብ ይኹን ብተናጸል ኣብ ሃገርና ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ርትዓዊ ዝኾነ ፍታሕ ከተውሕሱ ከይተሓለልኩም ብጽንዓትን ብተወፋይነትን እተካይድዎ ዘሎኹም ቃልሲ ከነመጉስ ንፈቱ። ኢድ-ንኢድ ክሳብ ዝሰራሕና ዕምቈት ፍልልያትና ብዘየገድስ፡ ሓደ ግዜ ቀሊል ይኹን መትከላዊ ሰረት ዘሎዎ ፍልልያትና ኣሊና ሽግር ሃገርና እንፈትሓሉ ሓባራዊ ስምምዕ ክንቀርጽ ንኽእል ኢና። ኣብ ጉዳይ ሃገርና እንታይ ይካየድ ኣሎ ንምርዳእን፣ ናይ ማንም ሃገራዊ ሓላፍነት ብግቡእ ንምንጻርን፣ ብኡ ኣቢልካ ድማ ነቲ መርዛም ዝኾነ ዓማጺ ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ብደሞክርሲያዊ ስርዓት ብምትካእ ቅዋማዊት ኤርትራ ኣብ ኢድ ሃገራውያን ንምርካብን ምእንቲ ክንበቅዕ EGS ካብ ብንጉሁኡ ኣትሒዙ ኣድላይነት ቀጻሊ ምይይጥ ወይ ዘተ ኣብ መንጎ ኩለን ፖለቲካውያንን በርጌሳውያንን ትካላት ኣዝዩ ዕዙዝ ምዃኑ እምነ-ኩርናዕ እምነቱ ዝገበረ ሲቪላዊ ማሕበር እዩ።

ካብ’ዚ እምነት’ዚ ብምጋስ እዩ ድማ EGS ኣብ’ቲ መስርሕ ናይ ኣዳላዊት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ንኽንሳተፍን፤ ኣብ ውሽጢ እቲ መስርሕ ኣትዩ ድማ ነቲ ከይዲ ክጸልዎን ውሕሉል ውሳነ ዝወሰነ። ምስ’ዚ ውሳኔ’ዚ ኢድ-ንኢድ ተተሓሒዙ ዝኸይድ ድማ እቲ ናብ ኣዳላዊት ሽማግለ ሃገራዊ ዋዕላ ንኽንሳተፍ ዘጓነፈና መሰናኽላት ብዘየገድስ፡ ንዘሎና ዕቃቤታትን ትዕዝብትን ንህዝቢ ግሉጽ ክንገብሮ ምዃንና ኣረጋጊጽና። በታ ዝኣቶናያ ቃል መሰረት ድማ ብኣዳላዊት ሽማግለ ንዝተዋህበና ሓላፍነት ብግቡእ ሰሪሕናሉ። ንትዕዝብትና ይኹን ንስክፍታታትና ድማ ብመልክዕ ጋዜጣዊ መግለጺታት ንህዝቢ ከከም ኣድላይነቱ ቃልዕ ጌርናዮ። እዚ ክንገብር እንከሎና ግን ፈተውቲ ይኹን ጸላእቲ ንምጥራይ ኣይነበረን፤ እኳ ድኣ ከም EGS ዝኣመሰላ በርጌሳውያን ማሕበራት ኣብ ዝኾነ ይኹን ብሽም ህዝቢ ኤርትራ ዝግበር ዋዕላታት ናይ ኩሉ ወዲ-ሃገር ውልቃዊ ናይ ምእካብ መሰሉ ቀዳምነት ዝወሃበሉ ዕድል ናይ ምውሓስ ተሓላቕነት ግቡእና ምዃኑ ስለ እንኣምን እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ጋዜጣዊ መግለጺታትና፡ ሃገራዊ ዋዕላ ንዯሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ንዘይተወደቡ ደቂ-ሃገር ንምስታፍን ደገፍ ንምርካብን ኣብ ዝገበሮ ጎስጓስ ርኡይ ሕጽረታት ከም ዝነበሮ ኣነጺርና ሓቢርና ኢና። ብተወሳኺ ኪዳን ከምጥሙር ሓይሊ ሓድነታ ኣረጋጊጻ ናብ ሃገራዊ ዋዕላ እንተድኣ መሪሻ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ሙሉእ ታሪኻውን ፖለቲካውን ሕጋውነት ኣብ ርእሲ ምርግጋጻ ነቲ ዓማጺ ስርዓት ዕድሚኡ ንምሕጻር ዝሕግዙና ራእይ ንምቕራጽ ከም ዘብቅዓና ብተደጋጋሚ ክንሕብር ጸኒሕና ኢና። እንተኾነ ግን ባህግና ኣይሰመረን። ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ድማ ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ ናይ ምትሕርራቕ መንፈስ ይጋባእ ኣሎ። ምስ’ዚ ኩሉ ሕጽረታት EGS መምርሒኡ ከይቀየረ ናብ ሃገራዊ ዋዕላ ክሳተፍ ወሰነ።

እዚ ክንብል እንከሎና ግን ኣብ ዋዕላ ተሳቲፍካ ብዝተኻእለ መጠን ናይ ህዝቢ ተዓዛቢ (watch dog) ንምዃን እዩ። እዚ ተባዕ ውሰኔ’ዚ ኣብ ውሽጢ EGS ይኹን ኣብ መንጎ እቶም ግዯን ትርጉምን ሲቪላዊ ማሕበር ኣብ ቃልሲ ምህናጽ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ዝተፈልየ ኣረኣእያ ዘሎዎምን ኣካላት ግዝያዊ ዘይምርድዳእ ክፈጥር ይኽእል እዩ። ንሕና ግን ነዚ ተሃዋሲ ፍልልያት እዚ ንግዜን ንታሪኽን ንሓድጎ ጉዳይ እኳ እንተኾነ ፖለቲካውያንን ተጣበቕቲ መሰልን ሓዯ ዓይነት ፍታሕ ክህልዎም ውሁብ ጌርና ኣይንወስዶን። ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ነቶም ዓበይቲ ሃገራዊ ውሳኔታት ኮነ ኢሉ ንድሕረ-ምውዳቕ ስርዓት ኢሰያስ ህዝቢ ክዝትየሎምን ፍታሕ ክገብረሎምን ኣወንዚፉ ሕጂ ግን ከመይ ጌርካ ሓድነት ኤርትራዊ ደሞክራሲያዊ ኪዳን ተዯልድልን ኣብ ስዯትን ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ድማ ለውጢ ንምምጻእ ዝሕግዘካ ዝሰፍሐ ሓባራዊ ደሞክራሲያዊ ስምምዕ ንምብጻሕ እንተዝጻዓር ምሓሸ። ኣብ መስርሕ ቀጻልነት ናይ’ዚ ዋዕላ’ዚ እቶም ተሳተፍቲ ዋዕላ ነቲ ኣብ ወውድቦም ዘሎዎም ፖለቲካዊ እምነት ኣብ ድርኩዂት መጋባእያ ሓዲጎም ናይ ማዕጾ ኮንፈረንስ ክኣትው እንከሎው ኣእዳዎም ዘርጊሑ ንኻልኦት ዝጽውዕ ሕልና ሒዞም ክኣትውን ንቐጻሊ ዘተ ዘውሕስ ክፉት ማዕጾ ኣረጋጊጾም ክወጹን ተስፋ ንገብር።

ነዚ ዋዕላ’ዚ ከም ንመጻኢት ኤርትራ ዝውስን ዝላዓለ ዋዕላ ጌርካ ናይ ምቕራቡ ዝግበር ፈተነ ግጉይ መርገጽ እዩ። ዝኾነ ይኹን ራእይ ምንም እኳ ብወርቂ እንተተጻሕፈ ልብን ኣእምሮን ህዝቢ እንተዘይተንኪፉ ንታሪኽ ክንዲ ስድሪ’ውን ዝኣክል ንቕድሚት ከሰጉሞ ኣይክእልን እዩ። ብህዝቢ ተቐባልነት ዝረኸበ ራእይ ጥራይ እዩ ውሕስነት ወሳኒ ዓወት ኣብ ልዕሊ ዓማጺ ስርዓት ህግዯፍ ከረጋግጸልና ዝኽእል። እቲ ኩሉ ብተቓወምቲ ውድባትን ሲቪላውያን ማሕበራትን ዝግበር ናይ ቃልሲ ኣስተዋጽኦ ነዚ ዝተጠቕሰ መሰጋገሪ (bridge) ዝፈጥር ክኸውን ኣሎዎ። እዚ ክሳብ ዝኾነ ድማ ግዯፍዶ ብተሃዋሲ ጉድለት ዝጀመረ ዋዕላስ እቲ ክሳብ ክንዯይ ተጠንቂቕካን፡ ጉድለት የብሉን ኢልካ እተካይዶ ዋዕላ’ውን እንተኾነ ሕጽረታት የመዝግብ እዩ። ኣብ’ዛ ሙሉእ ሕብረተ-ሰብ ዓለም ንባህርያት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግዯፍ ብግቡእ ተረዲኡ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ሓርነቱ ንኽለብስ ዝምነየሉ ዘሎ ህሞት ከም ተቓወምቲ እንተ ወዲቕና ህዝብና ክኽዕበና እዩ። እዚ ሓደገኛ ውድቀት ንኸየጋጥም ድማ ብመጀመርያ ጉዳይ ኤርትራውያን ንኤርትራውያን ክሕደግ ኣሎዎ። ተሓባበርቲ ፈተውቲ ሃገራት ኣብ ሃገራዊ ጉዳይና ኢደን ምስ ዘየእትዋ፡ ብኡ መጠን ድማ ህዝብና ኣብ ተቓወምቲ እምነት የሕድርን ብተቓወምቲ ንዝውሰን ጉዳይ ድማ ከኽብርን ክቕበልን ዝቐለለ ይኸውን። እዚ ኣብ ኣእምሮ ህዝብና ዘሎ ሓቂ እዩ።

ነዚ ርእይቶ’ዚ ብተሓባበርቲ ሃገራት ይኹን ብተቓወምቲ ውድባት ሸፈፍ ኢልካ ዝሕለፍ ስክፍታ ህዝቢ ኣይኮነን። ንሕና ከም EGS ኣብዚ ዋዕላ’ዚ ዝሳተፉ ኤርትራውያን ኣብ ልዕሊ ሃገሮምን ህዝቦምን ዝለዓለ ተገዳስነትን ሓልዮትን ዘሎዎም እዮም ኢዮም ኢልና ኢና ንኣምን። የግዳስ ሕጽረታት ኣሎዎ እንብሎ እንተድኣ ሃልዩ፡ ኣብ መስርሕን ኣተገባብራን ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ጥራይ እዩ። ሕቶ ይኹን ርእይቶ ዋንነት ኩሉ ኤርትራዊ ኢዩ። ብዙሕነትና ድማ ብግቡእን ብዝተመጣጠነ ኣገባብን እንተድኣ ተመሓዲሩ ሃገራዊ ሃብትና ኢዩ። ንዘሎና ስክፍታታትን ንዝተገለጹልና ጉድለታትን ናብ ህዝቢ ቃልዕ ናይ ምግባር ሲቪላዊ መሰልና እንዳዓቀብና ነዚ ዋዕላ’ዚ ዕዉት ክኸውን ንምነየሉ።

ናይ መጨረሻ ውሳኔ ሃገራዊ ዋዕላ ንዲሞክራሲያዊ ለውጢ ንምስማዕ ንጽበ፤
ዓለም-ለኻዊ ምትእስሳር ኤርትራውያን (EGS)
August 1, 2010 

Eritrean Global Solidarity Member organizations 1. CDRiE: Citizens for Democratic Rights in Eritrea 2. EAPF- Greater NY: Eritrean American Public Forum of Greater New York. 3. EAPF-DFW: Eritrean- American Public Forum of Dallas and Fort-Worth. 4. Eritrean Community for Human Rights and Refugee Protection 5. EDPF: Eritrean Democratic Public Forum-Boston. 6. EPF- Minnesota: Eritrean Public Forum –Minnesota 7. EYGM: Eritrean Youth Global Movement. 8. Eritrean Global Solidarity for Justice and Human Rights- Atlanta 9. Eritrean Human Rights Group Toronto (Qualna). 10. American Forum for Democracy in Eritrea (Chicago) 11. Civic Association of Eritreans in Seattle. 12. CUHRE-SD: Citizens United for Human Rights in Eritrea- San Diego 13. Eritrean Civic - Las Vegas


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...