መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ

ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

 
እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ ኪዮስክታት ምስጢር ኮይኑ'ሎ። ንጋዜጣ ተነባቢ ዝገብሮ ኣገዳስነት ናይቲ ኣብኡ ዝጽሓፍ ጽሑፋትን ዝህል ዎ  ህዝባዊ ተኣማንነት'ዩ። ተሳትፎ ህዝቢ ኣብ ጋዜጣታት ልዕሊ ዝኾነ ይኹን እዋን እናዓዘዘ ምምጽኡ፡ መርኣያ ናይቲ ክንሃንጾ እንሕልን ዘሎና ኣሳታፊ ዝኾነ ህዝባዊ ሊበራላዊ ዲሞክራሲ'ዩ። እንተኾነ፡ እዚ ዓይነት ዲሞክራሲ ክውን ዝኸውን፡ ብሰፊሕ ተሳትፎ ህዝቢ፡ ሰራዊት፡ መንግስትን ብልዑል ናይ ስራሕ ተወፋይነት ጋዜጠኛታትን እዩ።
 
ተሳትፎ ህዝብናን ሰራዊትናን ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ዘተባብዕ ኮይኑ፡ እቲ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ንምህናጽ ተበጊሰ ኣሎኹê ዝብል ዘሎ መግንስትና ግን፡ ነቲ ዓንዲ ሕቶ ዲሞክራሲ ዝኾነ ፕረስ ሃገርና ኣብ ክንዲ ምትብባዕ፡ ክሃስይ ዎ  ዝኽእሉ ስጉምትታት ኣብ ምውሳድ ይርከብ ኣሎ።
 
ንኣዳለውቲ ጋዜጣታት ኣብ ቤት ፍርዲ ብብርክት ዝበለ ጉዳያት ምኽሳስ፡ ሰራዊት ኤርትራ(እቲ ቀንዲ ጉዳይ ሃገሩ ናይ ምውሳን ብቕዓትን ሓላፍነትን ዘለ ዎ ) ኣብ ብሕታውያን ጋዜጣታት ንኸይጽሕፍ ምእጋድን ገለ ካብቲ ዓንቃጺ ስጉምትታት ኣብ ልዕሊ ጋዜጣታት ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዝኸፍአ ግን፡ መንግስቲ ንኹሎም ኣባል ጋዜጣታት፡ ንዋና ኣዳለውቲ(ተሓተትቲ) ወሲኽካ ኣብ ክተት ክጸንሑ ብምእዛዝ ህላውአን ኣብ ኣዝዩ ዘስግእ ኩነታት ከም ዝወድቕ ገይሩ'ሎ።
 
እዘን ተሓቲመን ዝወጻ ዘሎዋ ጋዜጣታት ብሕቲ ኣብ ኢድ ነበብቲ ክትርእየን እንከሎኻ ብዙሕ ጸገም ዘለወን'ኳ እንተዘይመሰላ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሕታም ናብ ኣየር ንምብቃዕ ዝሕለፍ ዘሎ መሰናኽላት ግን ተተሪኹ ዝወዳእ ኣይኮነን። እቲ ጉዳይ ከምዚ ዝኸዶ ዘሎ እንተድኣ ቀጺሉ ድማ እቲ ዘጋጥመን ዘሎ ጸገም ዓዚዙ ደው ዝብላሉ ግዜ ክመጽእ'ዩ። ንኹሉ'ቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝጉዓዝኦ ዘሎዋ መንገዲ ዝጸንሕ ገዚፍ ደናጉላ ከሊለንኦ ይሓልፋ ኣለዋ። ሓደ መዓልቲ ግን ካብቲ ደናጉላ ክእለያ ክብላ ክጸድፋ ሙዃነን ርዱእ ኮይኑ'ሎ።
 
ዝበዝሕ ጋዜጠኛ፡ ሞራልን ሓቦን ሰኒቑ ይምርሽ ኣሎ። ስለዝኾነ ድማ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ኢድ ኣንበብቲ ይበጽሓ'ለዋ። ብኸምዚ ዘለውኦ ክቕጽላ ድየን፡ ክማሓየሻ፡ ደው ክብላ ድየን ክዕንብባ ግን ኣብቲ መንግስቲ ዝኽተሎ ፖሊሲ ዝምርኮስ መጻኢ ጥራይ'ዩ ዘለወን።
 
ሃገርና ኤርትራ ካብ ወያነ ንዝተፈነወላ ወራር ንምምካን ኩሉ ሸቂሉ'ዩ። ገለ ብሂወቱ ክሽቅል እንከሎ፡ ገለ ድማ ብጉልበቱ፡ ብኽእለቱን ብንብረቱን ሸቂሉ'ዩ ደው ኣቢል ዎ ። ጋዜጠኛታት ኤርትራ ድማ፡ ብዘይካ'ቲ ንወያነ ንምፍሻል ዘበርከት ዎ  ሞያዊ መኸተ፡ ምስ የሕዋቶም ብምስላፍ ኣብ ግንባራት ደው ኢሎም እዮም። እዚ ድማ ሓደ መርኣያ ናይ'ቲ ኣብ ልዕሊ ሃገሮምን ህዝቦምን ዘለ ዎ ም ፍቕሪ'ዩ።
 
ኣብዚ እዋን'ዚ ግን ሃገርና ብተዛማዲ ኣብ ዝሓሸ ናይ ሰላም ኩነታት ትርከብ ስለ ዘላ፡ መደብ ምጥያስ ተነዲፉ ይርከብ ኣሎ። ብዘይካ'ዚ ገለ ገለ ትካላት ኣገዳሲ ዝኾነ ዓቕሚ ሰበን ክስሕባ ክኢለን ኣሎዋ። እዚ ነቲ ዝበዝሐ ዓቕሚ ሰቡ ከቲቱ ዝርከብ ዓውዲ ብሕታዊ ጋዜጠኝነት ተነፊግ ዎ 'ዩ ዘሎ።
 
ኣብ ሃገርና ብርክት ዝበላ ክለባት ኩዕሶ እግሪ ኣሎዋ። እዘን ክለባት እዚኣተን ብዝወሓደ ንዓሰርተው ሽዱሽተ ሰባት ዝኸውን መንቀሳቐሲ ወረቐት ክህባ ወይ ካብ ግንባራት ንዝደለይኦ ክስሕባ ዕድል ተዋሂብወን ኣሎ። ብርክት ዝበሉ ኣብ ባህሊ ዝነጥፉ ሰባት፡ ማለት ሙዚቀኛታት፡ ደረፍትን ተላሃይትን እውን ፍታሕ ተገይርሎም ኣብ ኣስመራ ይነጥፉ ኣሎዉ። ኣብ መዳይ ብሕታውያን ጋዜጠኝነት ግን ዋላ'ውን ንሓደ ሰብ ከምዚ ዓይነት ፍታሕ ክረክብ ዘይምብቅዑ ንህላወ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደ ዓቢ ናይ ሕቶ ምልክት የእትይ ዎ  ይርከብ ኣሎ። ስለዚ፡ ነተን ኲኖ'ዚ ፍታሕ ካልእ ናይ መንግስቲ ሓገዝን ምትብባዕን ዝጽበያ ዘሎዋ ጋዜጣታትና ንምድሓን መንግስቲ ኣብ ልዕሊአን ዘለ ዎ  ኣተሓሕዛ ከማሓይሽ ንጽውዕ።

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...