“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”
ብስዩም ጸሃየ
 
ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም ብፍለይ ኣብ'ዛ ERythree p’autre pays (ኤርትራ እታ ካልእ ሃገር)እትብል ብ ረሪመላ ሱከ) ዝተባህለ ምትሕግጋዝ ማሕበር ንኤርትራ እትስራሕ ዘላ ፊልም ትየሪ ብዕድመ ዕብይ ዝበለ ከም ዳይሬክተር፡ መንእሰይ ፊሊፕ ከም ሰኣላይ፡ መንእሰይ ክርስትያን ከኣ ከም ናይ ድምጺ ቴክኒሻን ኮይኖም ኢዮም ዝሰርሑ።
 
ኣብ'ቲ ናብ ታሪኻዊት ናቕፋ ዝገበርናዮ ናይ ስራሕ ጉዕዞ፡ ነታ ፊልም የሀብትም ዘበል ዎ ን ካልእን ሕቶታት ከቕሩቡለይ፡ ኣነ ኸኣ ብዛዕባ ኤርትራ ሃገረይ ክገልጽ፡ እቲ ነዊሕ ጉዕዞ ኣይተፈለጠናን። ናይ ዓዲ-ሽሩም ዝነደዳ ታንክታት፡ ድሩዓት መካይንን ኣጽዋርን ምንጋር ዘየድልዮ ኣንጸባራቂ ዓወታት ተጋዳላይ ህ.ግ ተዓዚቦም፡ ኣብ ናቕፋ ድፋዓት ግሎብን ደንደንን ምስ ተዓዘቡ፡ “ክንደይ ዝኣክል ሰራዊት ኢትዮጵያ ሞይቱ?” ኢሎም ምስ ሐተቱ፡ ተጋዳላይ ተኽለ ጸሃየ፡ “ኣብ ቅድምን ከባቢናን ዘሎ ኣዕጽምትን ናይ ቦምባታት ሓጺነ መጺንን ርኢኹም ቁጸሩ፡ ክትግምግም ዎ  ኣየጸግምን ኢዩ።” ዝበሎም መልሲ ብቑዕ ነይሩ። ንኣስመራ ገጽና ኣብ ዝተመለስናሉ ግዜ፡ ንሳቶም ሕቶታቶም እናጸንቀቁ ስለዝመጹ፡ ኣነ'ውን ብዛዕባ ስዊዘርላንድ ሕቶታት ኣቕሪበሎም ነይረ። ኣብ ሓደ ሕቶ ኩሎም ይምልሱ ብምንባሮም፡ ብሓደ ጠሚረ የቕርበልኩም ኣለኹ።
 
ሕቶ፡- ኣፍልጦኹም ብዛዕባ ኤርትራን፡ ናይ ሕጂ ኣመጻጽኣኹምን ክትገልጹለይ?
 
ትየሪ፡- መጀመርያ ሓደ ኣልበርት ዝበሃል ወዲ ስዊዘርላንድ ኣባል ሱከ፡ ብዛዕባ ታሪኽ ኤርትራን መደብ ናይ'ዚ ፊልምን ኣዕሊሉኒ። ብዛዕባ ናይ 30 ዓመታት ቃልስኹም፡ ጽንዓት ናይ ህዝቢ ኤርትራን ዘሕለፎ ከበድቲ ብድሆታትን፡ መትከል ርእሰ ምርኮሳኹም፡ ካብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝፈልየኩም ነጥብታት ኩሉ ጸቒጡ፡ ሓገዛት ምዕራብን ዓለማዊ ባንክን ምእባይኩም፡ ብናይ ገዛእ ርእስኹም ተሞክሮን ፍልስፍናን ኣንጻር ድኽነት ከምትቃለሱ፡ ልዕሊ ኩሉ ኸኣ ብፍላይ ድሕሪ'ዚ ሓድሽ ወራር፡ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኤርትራ ትዝርግሖ ዘላ ግጉይ ሐበሬታ ብኸመይ ይብዳህን፡ ናይ ብሓቂ ገጽ ኤርትራ ንምልላይን ዝዓለመ ኣብ ቴለቪዥናት'ምበር፡ ንመሸጣ ዘይኮነ ፊልም ክንሰርሕ ተረዳዲኢና። ኩሉ ኩነታት ኤርትራ ስለዝመሰጠኒ ከኣ፡ ኣነ ዳይሬክተር ኮይነ ክሰርሕ ተሰማሚዕና። ንሱከ ዘድሊ ባጀት ድሕሪ ምቕራብ፡ ቀደም ኣጸቢቐ ንዝፈልጦ ሰኣላይ ፊሊፕ ምሳይ ክሰርሕ ሐቲተዮ፡ ንሱ'ውን ምስኡ ንዝሰርሕ ናይ ድምጺ ክኢላ ክርስትያን ኣምጺኡለይ። እንሆ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 ምስ ኣቦ መንበር ሱከ ዶክተር ቶኒ ሎኸር፡ ሰበይቱ ሃይዲን ዶክተር ኣልበርትን ብሓባር መጺእና።
 
ከም ዝተረዳእክ ዎ  ኤርትራን ስዊዘርላንድን ክልቲኤን ንኣሽቱን ውሑድ ህዝቢ ዘለወንን ስለ ዝኾና ይመሳሰላ እየን። ስዊዘርላንድ ሃብታም ናይ ነዊሕ ዓመታት ቅዋም ዘለዋ፡ ብኮንፈደረሽን ብዙሓት ገጅለታት ኤትኒክ ዝሓjፈት፡ ብሳላ ኲናት ዝሃብተመት፡ ህዝባ ሃብታምን ሰላማዊ መነባብሮ ዘሕለፍን ኮይኑ፡ ኤርትራ ን30 ዓመታት ንናጽነት ዝተቓለሰ ህዝባ ድኻ፡ ግን ብርእሰ ምርኮሳ ዝኣምን ብምዃኑ ነዚ ፍልልይ'ዚ ብዓይነይ ክርኢ መጺአ። ብዝያዳ ከኣ፡ ሓንቲ ንእሽቶን ድኻን ሃገር ዋላ'ኳ ብዙሕ ሃብቲ እንተዘይብላ፡ ነብሳ ክኢላ ብዘይ ብልሽውና ከምትመሓደር ክርእይ ብሂገ።
 
ፊሊፕ፡- ብወገነይ ኣብ'ዚ ሕጂ እዋን፡ ስራሕ ፊልም ገዲፈ፡ ካልእ ዝበዝሐ ገንዘብ ዝረኽበሉ ስራሕ ባር እየ ክገብር ጸኒሐ። ኣቐዲመ ዝፈልጦ ውሩይን ስልማት ዝረኸበን ዳይሬክተር ትየሪ ከም ሰኣላይ ክሰርሓሉ ምስ ሐተተኒ ተሰማሚዕና፡ ንክርስትያን ሓቲተዮ ኸኣ ሕራይ ኢሉኒ። ትየሪ ሓንቲ መጽሓፍ ብዛዕባ ኤርትራ ሂቡኒ፡ ኣንቢበ ፍሉይ ተሞክሮ ብምዃኑ ተቐቢለዮ። በዓል ዶክተር ቶኒን ካልኦትን ኣድናቖም ብዛዕባ ኤርትራ ሰሚዐዮ ነይረ። ኣነ ግን፡ ባዕለይ ርእየ ከድንj'ምበር፡ ብኣድናቖቶም ክድነቕ ኣይደለኹን። ካብ ተሞክሮ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ፍልይ ዝበለ ስለዝኾነ፡ ክርእይ ተሃንጥየ። ብሓቂ ኸኣ፡ ብፍላይ ባህርይ ናይ'ዚ ህዝቢ ካብ ዝተጸበናዮ ንላዕሊ ኮይኑ ጸኒሑኒ።
 
ክርስትያን፡- መጀመርያ ሕጊ፡ ዳሕራይ ባህርያዊ ሳይንስ ተማሂረ። ጸኒሐ ከኣ፡ ኣብ ናይ ፊልም ስራሕ ምስ ፊሊፕ ኣትየ። ቅድሚ ሕጂ ምስ ፊሊፕ ንስራሕ ፊልም ንደቡብ ኣፍሪቃ ኬድና ብዙሕ ክፉእን ዘሕዝንን ኩነታት ተዓዚብና። ሕጂ ንኤርትራ ክንመጽእ ምስ ሐተተኒ ግን፡ ምስ'ቲ ዘንበብናዮ ካልእ ዝተፈለየ ክንርኢ ኢና ስለዝበልኩ፡ ተቐቢለዮ። ካብ ድኻ ስድራ-ቤት ስለዝተወለድኩ ኸኣ፡ ድኻታት ሃገራት ክርእይ እደሊ እየ። ኣብ'ዚ ምስ መጻእና እቲ ህዝቢ ምንቅስቓሱ ጥራይ ተዓዚበ፡ ሓቀኛን ፈቓርን ምዃኑ ርእየዮ። ኣብ'ዚ ሓጺር እዋን ብዝርዝር እፈልጦ'የ'ኳ እንተዘይበልኩ፡ ብዛዕባ ኤርትራን ህዝባን ክፈልጥ ክኢለ'የ። ሃገርና ስዊዘርላንድ ብዙሓት ጉጅለታት ኤትኒክ፡ ዋላ'ውን እቶም ውሑዳት ከይተረፉ ናይ ቋንቋን ባህልን ማዕርነት ኣረጋጊጻ ብሰላም ትነብር ስለዘላ፡ እዛ ምስ ሃገርና ተመሳሳልነት ዘለዋ ኤርትራ ብሰላም ክትነብር እትስፈወላ። እንተኾነ፡ ኣብ መዋእል ግሎባላይዜሽን ስለዘለና፡ ብናይ ገዛእ ርእሳ ድሌትን ፍጥነትን ክትከይድ ትኽእል'ዶ ዝብል ሕቶ ኣሰኪፉኒ እዩ። ኣብ በዓል ኤውሮጳ ሰባት ብዛዕባ ግሎባላይዜሽን ይፈርሁ ኣለው። ኣብ ከም በዓል ስዊዘርላንድ፡ ማሕበረ-ኮማት ዝበሃል ጠፊኡ እዩ፡ የለን።
 
ሕቶ፡- ስዊዘርላንድ ብኩሉ ኩነታት እንታይ ትመስል?
 
መልሲ፡- ሃገርና ስዊዘርላንድ ኣዝያ ሰላማዊት፡ ኲናት ዘይትፈልጥ፡ ግን ከኣ ብሳላ ካልኦት ዘካይድኦ ኲናት ዝሃብተመት ስስዕቲ ሃገር ኢያ። ብዝሒ ህዝባ 7 ሚልዮን ኮይኑ፡ ዝተፈላለየ ጉጅለታት ኤትኒክ፡ ከም ጀርመን፡ ፈረንሳ፡ ኢጣልያ ወዘተ የጠቓልል። ካብ 1848 ዓመት ኣትሒዛ፡ ብሃገራዊ ቅዋምን ብኮንፈደረሽን ናይ ብዙሓት ጉጅለታት ኤትኒክ ኣብ ትሕቲ ፈደራላዊ መንግስቲ እትመሓደር፡ ሃብታምን ሰላማዊትን ሃገር ኢያ። ሃገራዊ ቋንቋና ናይ'ቲ ዝወሓደ ካብ 15-20ሽሕ ዝበጽሕ ኦረማንሽ ዝበሃል ቋንቋ ኢዩ። ንኣሽቱ ስለዝኾኑ ግን፡ ህላዊኡ የንቖልቁል ኣሎ። ብዙሓት ቋንቋኦም፡ ባህሎምን እንታይነቶምን ከይጠፍእ ይፍራህ ኣሎ። ኣነ ዝነብረሉ ኣብ ዶብ ደርመን ዝርከብ ጁቫ ዝበሃል ዞባ ፈረንሳውያን ከይዕብለሉ ይፈርሁ ኣለው። ሃገርና ሰለማዊት ስለዝኾነት፡ እቲ ኣብ 70'ታት ብፈረንሳውያን ኣንጻር ጀርመናውያን ዝተላዕለ ሰውራ ዘሰንብድ ኢዩ ነይሩ። ነፍሲ ወከፍ ዞባ(ካንቶን)ናይ ገዛእ ርእሳ መንግስቲ ሃልይዋ፡ ብፈደራላዊ ኮንፈደረሽን ኢና ንመሓደር። ገለ ገለ ከም ሽግር ዝተቐላቐሉ ናይ ምትዕብላልን ናይ ሃይማኖታት ከንሻን ካቶሊክን ሽግራት ተራእዩ ነይሩ። ብወገነይ ኩሉ ብዝተቐበለት ስዊዘርላንዳዊት ኣደ ስለዝዓበኹ እዚ ዝጠቐስክ ዎ  ሽግራት ኣብ ህይወተይ ጸልዩኒ ኣይፈልጥን።
 
ኣብ ስዊዘርላንድ ኩሉ ብድምጺ ህዝቢ ኢዩ ዝውሰን። ህዝቢ ኩሉ ግዜ ኢዩ ዝእከብ፡ ብዛዕባ ኩሉ ህይወቱ ከኣ ብድምጺ ይውስን። ካልእ ሕቶታት ዓበይቲ ሕቶታት ፖለቲካ ገዲፍካ፡ ኣብ ሐደ ከባቢ ከም መዘናግዒ፡ መናፈሲ፡ ሜዳ ኩዕሶ፡ መዋእለ ህጻናት ወዘተ ክስራሕ እንተተደልዩ፡ ህዝቢ ብድምጺ'ዩ ዝውስን። ኣድልይ ዎ  ይትግብሮ፡ ኣየድለዮን ይተርፍ። ኣብ'ቲ ፖለቲካዊ ስልጣን'ውን ብድምጺ ኢዩ። ሕጂ ከም ዓብን ኣካታዕን ፖለቲካዊ ጸገም ዝረአ፡ ጉዳይ ዩሮ ወይ ኤውሮጻዊ ሕብረት ኢዩ። እቶም ብዓቢ ድምጺ ዝዕወቱ ፈረንሳውያን ይደልይ ዎ ፡ እቶም ጀርመናዊያን ይቓወም ዎ ። ኣብ ውጻኢቱ ከኣ፡ ድምጺ ናይ'ቲ ዝበዝሐ ህዝቢ ኢዩ ዝውስን። ብዛዕባ ሰራዊት፡ ሃገርና ሰላማዊት ስለዝኾነት ኣየድልይን ኢዩ፡ ክሓቅቕ ኣሎ ዎ  ዝብል ዓቢ ሕቶ ኣሎ። ነዚ ዝጠልቡ ዘለው ፖለቲከኛታት፡ ሃገርና ሞዴል ሰላም ክትከውን ስለዝደለዩ ኢዩ።
 
ነፍስ ወከፍ ዞባ(ካንቶን)ብዝመረጸቶም ሰባት ኣብ'ቲ ፌደራላዊ መንግስቲ ትውከል። ኣብ ስዊዘርላንድ ፕረዚደንት ፍሉይ ስልጣን የብሉን። እቲ ዝለዓለ ስልጣን ኣብ ኢድ ዞባታት፡ ኣብ ኢድ ህዝቢ ኢዩ። ብ1848 ሃገራዊ ቅዋምና ካብ ዝእወጅ ንደሓር፡ ፕረዚደንት ኣብ ሓደ ዓመት ኢዩ ዝቕየር። 7 ሚኒስተራት ኣለውና። ነፍሲ ወከፎም ከከም ዕድሚኦም በቲ ዝዓበየ ጀሚሮም፡ በብተራ ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ። ሐደ ሚኒስተር ይኣኽለኒ ደኺመ እንተይሉ፡ ካልእ ብድምጺ ተመሪጹ ይትክኦ። ኩሉ መስርሕ ፖለቲካ፡ ብኣዝዩ ሰላማውን ብምርጫን ኢዩ ዝካየድ። ሃገርና ናይ ህዝቢ ድምጺ ስለ ዝነገሰላ ኢያ ብሰላም ትነብር ዘላ።
 
ሕቶ፡- እሞ ካብ ስልጣኑ ዝወርድ ሚኒስተር የለን ማለት ኢዩ?
 
መልሲ፡- ስለምንታይ ዝወርድ? ህዝብን ሃገራዊ ባይቶን እንድ'ዩ መሪጽ ዎ ። ብኣዝዩ ፍሉይ ኩነታት ክኸውን ኣለ ዎ ። ሓደ ግዜ ሓደ ኣዝዩ ፍትው ሚኒስተር፡ ጥሮታ ክወጽእ ስለዝሓተተ፡ እቲ ህዝቢ ኩነታቱ ርእዩ ካልእ መተካእትኡ መሪጹ። ሚኒስተራትና 2 ደቀ ንስትዮ 5 ደቂ ተባዕትዮ ኮይኖም፡ ደረት ግዜ ዝበሃል የብሎምን። እናተተኻኽኡ ዝቅጽሉ፡ ክሳብ 7 ዝበጽሑ ዝመሳሰሉን ዘይመሳሰሉን ሃገራውያን ሰልፍታት ኣለዋና። ከም ኣብነት ሓንቲ ብሕሉፋት የማናውያን ሓረስቶት ዝተዓብለለት ሰልፊ ኣላትና። ንኩሉ ንሳ ትፈጥሮ ጸገማት ዝህንድስ፡ ሓደ ካብ'ቶም ዓበይቲ ሃብታማት ዜጋ ኢዩ። ብመርገጺ ኣንጻር ኩሉ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ኮይኑ፡ ሕሉፍ መርገጺ ኣንጻር ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣለ ዎ ። ኣንጻር ስደተኛታት ኢዩ። ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ድሮ ይፋነው ኣለው። ኤርትራውያን'ውን ክስዕቡ ኢዮም።
 
ሽግርን ምግርጫውን ባህርያዊ ኢዩ። ግን፡ ኩሎም ሰልፍታት ብወከልቶም ተኣኪቦም ብልዝብን ብሰላማዊ መንገድን ኢዮም ዝፈትሕ ዎ ። እዚ ናይ ስዊዘርላንድ፡ መግለጺ ዲሞክራስን ሰላምን ኢዩ። ስልጣን ኣብ ከተማታት ዘይኮነ፡ ኣብ'ቲ ዝበዝሕ ናይ ገጠር ህዝቢ ኢዩ ዘሎ። እቲ ዞባታት ብጣዕሚ ዓቃባዊ ኢዩ። ብፍላይ ኣብ ዙሪክ ዶብ ጀርመን ሓያል ናይ ገባሮ ዓቃባዊ ሰልፊ ኢዩ ዘሎ። ንስደተኛታት ኣጸጋሚ ኢዩ። እቲ ናይ ፈረንሳ ኤትኒክ ዝዓበየ ሃገር ስለዝኾነ፡ ቋንቋ ምኽኣል ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ (ኣብ መንጎኦም ሰሓቕን ዘይምስምማዕን ዋጭዋጭን ተላዒሉ፡ ዓው ክብሉ ጀሚሮም። እቲ ሐደ ትቕብል ኣቢሉ ብምቕጻል)፡ ስዩም ከይትስንብድ፡ እዚ ባህርያዊ ኢዩ። ከይንሰማማዕ ንኽእል። ርእይቶና ምስ ወዳእና ግን፡ ግድን ክንሰማማዕ ኢና። ናይ ስዊስ መግለጺ እንታይነትናን ህይወትናን ኢዩ። ክንደይ መንግስታት ኢየን ክቖማ? ኣየናይ'ከ ይሕይል? ኣብ'ቲ ማእከላይ መንግስቲ ብድምጺ ወከልተን ኢዩ ዝውሰን።
 
ሕቶ፡- መነባብሮ ናይ ዝተፈላለዩ ቀጸላታት ህዝቢ ከመይ ይመስል?
 
መልሲ፡- ሃገርና ስዊዘርላንድ ብስፍሓታ 1/3 ናይ ኤርትራ ኢያ ትኸውን። እቲ 7 ሚልዮን ህዝባ ከኣ፡ ጽቡቕ ኢዩ ዝነብር፡ ሃብታም ኢዩ።
 
ሕቶ፡- ብኸመይ ሃብቲሞም? ስለዝሰርሑ ድ'ዮም?
 
መልሲ፡- መነባብሮ ቀሊል ኣይኮነን። ዝበዝሑ ሰባት ናይ ብሓቂ ዕቱብ ስራሕ ኢዮም ዝሰርሑ። ካብ ስራሕ ወጻኢ እንተኾይንካ፡ ናብ'ቲ ሰብ ዝጸልኦ ማሕበራዊ ኣድህቦ (ረተቀቕሽባ ሆሽቶቅ) ኢኻ ትኸይድ። ነዚ ግን፡ ሰብ ብውርደት ኢዩ ዝርእዮ። ካልኦት ሰሪሖም ብዝረኸብ ዎ  ገንዘብ ክትናበር ንስድራኻ ዘዋርድ ኮይኑ'ዩ ዝስመዓካ። ካብ'ዚ ወጻኢ ግን፡ ቅቡል ዝኾነ ሓገዛት ንገባሮ ይወሃብ ኢዩ። ኣነ ዝነብረላ ክሳብ 200 ዝበጽሑ ገባሮ ዘለውዋ ናይ ጎቦ ዓዲ ብምልእታ ናይ መንግስቲ ሓገዝ ይወሃባ'ዩ። ካብ'ቶም ኣብ ስንጭሮታትን ጎላጉልን ዝነብሩ፡ እቶም ናይ ጎቦ ዝያዳ ገንዘብ ይወሃቡ። እዚ ዝግበረሉ ምኽንያት ከኣ፡ ከም በዓል ኣልፕስን ካልእን ዝኣመሰሉ እምባታት፡ ሰብ ዘይብሎም ከይተርፉ፡ ከይባድሙ ናይ ኣግራብን እንስሳታትን ሓለዋታት ስለዘድልዮ ኢዩ። እቶም ገባሮ ግን፡ ከብትን ካልእን ኣለ ዎ ም፡ ኣዝዮም ሃብታማት ኢዮም።
 
ናይ ከባቢያዊ ሽግር ኣሎና። ብፍግረ መሬትን ካልእን ኣግራብ ክጠፍኡ ይኽእሉ ኢዮም። ነዚ ንምዕቃብ ኢዩ መንግስቲ ንገባሮ ገንዘብ ዝኸፍል። ብኣንጻር'ቲ መንግስቲ ንገባሮ ዝኸፍሎ፡ ብቱሪዝም ዓቢ እቶት ኢዩ ዝረክብ። ቱሪስት፡ ጎቦታት፡ ኣግራብ፡ ስንጭሮታትን እንስሳታትን ይርእዩ። ኣገዳሲ ኢዩ እቲ ጎቦታት። ከም ኔስትል ጸባ፡ ዘኮለት ፎርማጆ ዝስርሓሉ ኣዝዩ ፍሉጥን ሃብታምን ቦታ ኢዩ።
 
ሕቶ፡- ምስጢር ባንክታት ስዊዘርላንድ እንታይ ኢዩ?
 
መልሲ፡- እቲ ምስጢር ኣብ ኣዝዩ ዓቢ ውድድር ዝተመሰረተ ኢዩ። ብቅልጡፍ ኢየን ከኣ ዓብየን። ኩሎም ምልካውያን ስርዓታትን መራሕትን፡ ኩሎም ናይ ዓለም ማፍያታት፡ ሚልዮናት ዶላራት ኣብ'ዘን ባንክታት ኢዮም ዘቐምጡ። ብመንጽሩ ኸኣ፡ መዓት ገበናት ኣሎ። ስለ'ዚ፡ ነተን ባንክታት ዝበለጸ ስቱራትን ዘተኣማምናን ክኾና፡ ብዙሕ ኢዩ ዝስራሕ። ኲናት ቀንዲ ባእታ ንምህብታም ስዊዘርላንድ ኢዩ። 2 ኲናት ዓለም ነዛ ሕጂ ሃብታም ኮይና ዘላ ሃገርና፡ ዓበይቲ ሮቋሒታት ኢዮም። እቶም ዝህደኑ ዝነበሩ ሃብታማት ኣይሁዳውያን ነጋዶ፡ ገንዘቦምን ወርቖምን ኣብ ባንክታት ስዊስ ኢዩ ዝቕመጥ ነይሩ። ስዊዘርላንድ መተሓላለፊት ዓበይቲ ንግዲ ኣብ ኤውሮጳ ኢያ። ከም በዓል ሞንቶካርሎ ገንዘበን ኣብ ስዊስ ኢዩ ዘሎ። እቲ ዝያዳ ዘተባብዕ ከኣ፡ ናይ ባንክታትና ናይ ድሕነት ኩባንያታትና ዝሓትኦ ግብሪ፡ ካብ ዝኾነት ካልእ ሃገር ዝተሓተ ብምዃኑ ኢዩ።
 
ሕቶ፡- ስለምንታይ ዋላ 2ይ ኩናት ዓለም ዘይጸለወኩም? ስለምንታይ ኢዩ ኲናት ዘይቀርበኩም?
 
መልሲ፡- 1ይ ኲናት ዓለም ኣብ ሳራየቮ ጀሚሩ፡ ናይ ኤውሮጳ ኲናት ኮይኑ። 2ይ ኲናት ዓለም ብሓቂ ዳርጋ ኩለን መንግስታት ዝተሳተፍኦ ናይ ዓለም ኲናት ኢዩ ነይሩ። ኤውሮጳ ሳላ ግዙኣት ሃገራት ከም ኣፍሪቃ፡ ብዙሕ ገንዘብን ወርቅን ኣኪባ ስለ ዝነበረት፡ ነዚ ውሕስነት ክትከውን ዝተመረጸት ስዊዘርላንድ ኢያ። ልቢ ኤውሮጳ ናይ ሕልሚ ቦታ ኢያ ኮይና።
 
ይቕጽል

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...