ጸብጻብ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ሳልሳይ መዓልቱ (1)

 

ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ናይ ድሕሪ ቀትሪ ርክቡ፣ ሃገራዊ ዋዕላ ንደምክራሲያዊ ለውጢ፣ ኣብ ምምራጽ ኣጀንዳ ዋዕላ እትመርሕ ሰክረታርየት ኣተወ። ተሳተፍቲ ዋዕላ በዚ ጉዳይ እዚ ሓያል ክትዕ ኣካይዶም። ብዛዕባ ምምራጽ ሰክረታርያ ዋዕላ ተሳተፍቲ ብዙሓት ርእይቶን ሓሳባትን ኣፍሲሶም። ካብዚ ዝተኻየደ ዝቐረበ ርእይቶታት ንድፊ ሓሳባትን ንምምራጽ ኣባላት ሰክረታርየት ዋዕላ እዘን ዝስዕባ ንድፊ ሓሳባት ቀሪቡ።

  1. እታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ብመሰረት ምድላው ዝረኸበቶ ተመኲሮ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ፍልጠት ኣጥሪያ ስለዝኾነት ሰባት እንተቆርሐት ዝብል፤
  2.  ተሳተፍቲ ዋዕላ ኣብ ገዛ፣ ማለት ብፍጹም ስምምዕ ተሳተፍቲ፣ ንኹሉ ኣብ ግምት ብምእታዉ ከከም ዝመጽዎ ኣህጉር ንሰክረታርያ ዘገልግሉ ሰባት ብምርቋሕ ከቕርቡ፤

ኣብ ዝብል ክልተ ነጥብታት ጊዜ ሂቡ ዋዕላ ብዕምቆት ዘትዩሉ።

ድሕሪ እዚ ክትዕን ዘተን ምልውዋጥ ሓሳብን፣ ሰክረታርያ ብፍጹም ነጻነት ተሳተፍትቲ ዋዕላ ባዕሎም ክመርጹ ስለዝተሰማምዑ፣ ነታ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ብዘቐረበቶ እማመ መሰረት ሓንቲ ንዋዕላ እትመርሕ ሰክረታርያ እትመርጽ ናይ ምርጫ ሽማግለ ክትቀውም ዋዕላ ተሰማሚዖም።

እዚ ማለት ብመሰረት ቅጥዕታት ዋዕላ፣ ብኣብዝሓ ስምምዕ ተሳተፍቲ ዋዕላ ፡  ሰክረታርያ ካባና ተመሪጻ ትቑም ዝብል ስምምዕ ስለዝተበጽሐ፣ ስራሕ ናይታ ዋዕላ ዘሰናዳአት ሽማግለ ብኡ ንብኡ ኣብቂዑ። በዚ መሰረት ስጋብ ሰክረታርየት ዋዕላ እትምረጽን መደባት ዋዕላ እትመርሕን ሓንቲ ናይ ምርጫ ሽማግለ (ኣምራጺት ሽማግለ) ክትቀውም ዋዕላ ኣብ ስምምዕ በጺሑ።
በዚ መሰረት ተሳተፍቲ ዝተሰማምዕሉ ኣገባብ፣ ሓንቲ ክልተ ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብኦ፣ ካብ ሲቪል ምንቅስቓሳትን ፖለቲካዊ ውድባትን ተመሪጻ ብዝመጸት 14 ዝኣባላታ ኣምራጺት ሽማግለ ንኽትቀውም፣ ብደረጃ ኣውሮጳን ኣመሪካን ኣውስትራልያን ኒውዝላንድን ማእከላይ ምብራቕን ስደተኛታትን ኣብ ኪዳን ዘሎዋን ዘየለዋን ፖለቲካዊ ውድባትን ብዝረቕሕዎም ሰባት ቖይማ።
በዚ ዕማም እዚ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክርሲያዊ ለውጢ ንሳልሳይ መዓልቱ ቆጸራ ጌሩ ድሕሪ ምፍልላዩ፣ እንሆ ሎሚ 2 ነሓሰ 2010 ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ተራኺቡ ኣብ ምምራጽ ዋዕላ እተካይድ ሰክረታርያን ዕማማትን ሓላፍነታን ናይታ ዋዕላ እትመርሕ ሰክረታርያት  ንምዉሳን ኣብ ቅድሚ ቀትሪ ዝነበረ ግዜ  ሽማግለ ምርጫ  ተኣኪቦም ኣርፊዶም፡፡  ልክዕ ኣብ እዋን ናይ ምሳሕ ሰዓታት ከኣ ሽማግለ ምርጫ ብቕዓትን ክእለትን ናይቶም  ኣብ ሰክረታርያት ኣባላት ዝኾኑ ኣብ ምምማይ ኣርፊዶም።
ስለዝኾነ ኸኣ ንኩሉ ወገንን ዉክልናን ዘጣመረት 17 ዝኣባላታ ዋዕላ ኣትመርሕን እተካይድን ሰክረታርያት ተረቑሓ ኣላ፡ እዛ ተረቁሓ ዘላ ሰክረታርያ  ብኣላላይነት  ሽማግለ ምርጫ ኣብ ቅድሚ ተሳተፍቲ ዋዕላ ቀሪባ ድሕሪ ምልላይ፡ ዋዕላ ብሙሉእ ስምምዕ ይርሓሰና ኢሉ  ነቶም ብሽማግለ ምርጫ ዝቐረቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ሰክረታርያ ዋዕላ ክኾኑ መሪጽዎም፡፡

ብድሕሪ እዚ ከም ቅጥዒ ዕድመ እዛ ሽማግለ ምርጫ ነታ ዋዕላ እትመርሕ ሰክረታርያ ሓላፍነታ ኣረኪባ ስራሓ ኣብቂዓ።


መሓሪ ኣብራሃም
ሜድያ ሲቪካዊ ማሕበራት ኣብ ኤውሮጳ
ካብ ኣዲስ ኣበባ


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...