ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ካልኣይ መዓልቱ 1 ነሓሰ 2010

ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ኣብ ካልኣይ መዓልቲ ርክቡ ንግሆ ሰዓት 9፡00፣ ተሳተፍቲ ዋዕላ ኣብ ኣዳራሽ ድሕሪ ምእታዎም ካብ ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ ሱዳንን ዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን (EGS) ወ.ዘ.ተ. የቕርቡ ኣለዉ። ኣብዚ ቃል ናይ ምሃብ ስነ ስርዓት፣ ወዲ ሓደ ካብቶም ጀመርቲ ሰውራ ኤርትራ ስውእ ተጋዳላይ መሓመድ ኣሕመድ ዓብዱ ዝኾነ መንእሰይ ካብ ሃገረ ሱዳን፣ ንኤርትራውያን መንእሰያት ሱዳን ወኪሉ ዝመጸ፣ ሸሪፍ መሓመድ ኣሕመድ ዓብዱ ዝሃቦ ቃል ንብዙሓት ሕልናን ቀልብን ዝሰሓበ ኔሩ። ንሱ “ኣቦታትና ዝሓለፈሉ ቃልሲ ስጋብ ንሕና ደቆም ኣርኪቡ ንቃለስ ምህላውና ዘተሓሳስብ እኳ እንተኾነ፣ ካብ ቃልሲ ናብ ህንጸት ሃገር ክንሰጋገር እዚ ዋዕላ መደምደምታ ከናድየሉ እምነተይ ኢዩ” ኢሉ።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ዋዕላ ምስ ዕቃበታቶም ተሳቲፎም ኣብ ዘቕርብዎ ቃል ዝገለጹ፣ ብዓለም ለኻዊ ምንቅስቓስ (EGS) ዝፍለጥ፣ ብወኪል ናይቲ ምንቅስቓስ ኣቶ  ተኽላይ ኣብርሃ ቃል ሂቡ። ኣብ ዝሃቦ ቃል ዋላኳ ኣብ ኣመሰራርታ ናይ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ዋዕላ ዘሎና ዕቃበታትን ዘምዝገብናዮም ጉድለታትን ከምዘለዎ ኮይኑ፣ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ ክዕወት ስለዘለዎ፣ ምስዚ ዕቃበታትና ዋዕላ ተዓዊቱ ክወጽእ ዘሎና እጃም ክንገብር ጸኒሕና ኣሎና ኢሉ። ሕጅ እውን እንተኾነ እዚ ዋዕላ ስጋብ ንሕዝብና ዘማእከለ፣ ሕዝብና ወዳኢ ነገር ባዕሉ ኮይኑ ናብ ለውጢ ዝሰጋገረሉ ኩነታት ክፈጥር ዘሎና ትጽቢት ዓቢ ምዃኑ ዓወት ንዋዕላ እምነ ኢሉ። ናይ ሎሚ መዓልቲ ውዕሎ መልእኽትታትን ኣብ ምቕራብ መጻኢ መደባት ስጋብ ናይ ፍርቂ መዓልቲ ዕረፍቲ ኣካይዱ።

ብመሰረት ኣሰናዳእቲ ካብ ሎሚ 1 ነሓሰ 2010፣ ኣብ ቀንዲ ኣጀንዳ ዋዕላ ማለት፤ 

  • ምምራጽ ሰክረታርያ ዋዕላ ንደሞክራሲያዊ ለውጢ
  • መጻኢ ኩነታት ደምበ ተቓውሞን ሓድነቱን ከመይነቱን ዝኣመሰሉ ጉዳያት ኣጀንዳ ኮይኑ ክቐርብ ትጽቢት ይግበር።
    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣሰናዳእቲ ሽማግለ ብዘይካ ብቐጻሊ ብቓል ዝነግርዎ ዘለዉ ኣጀንዳ፣ ከይዘርግሕዎኳ ዝጸንሑ እንተኾኑ፣  ካብ ተሳተፍቲ ዋዕላ ብዝቐረበሎም ነቐፈታ ሕጽረታቶም ንምዕራይ ቃል ኣትዮም ከምዘለዉ ሓቢሮም። ኣብ ጎኒ ጎኒ እቲ ዋዕላ፣ ማሕበራት መንእሰይ ደቂ ኣንስትዮ ስቪካዊ ማሕበራትን ካብ ዝተፈላለዩ ክፍሊታት ሕብረተሰብ ኤርትራ፣ ዝተወከሉ ካብ ፖለቲካዊ ውድባት ጸግዒ ዘይብሎም ኣኼባታት ብምክያድ ዋዕላ ንምዕዋት ምምኽኻር ይገብሩ ከምዘለዉን ካብቲ ኣብ ከባቢ ዋዕላ ዝረአ ሃዋህው ምግንዛብ ይከኣል ኣሎ።

መሓሪ ኣብርሃም
ሜድያ መርበብ ሲቪላዊ ማሕበራት
ካብ ኣዲስ ኣበባ  


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...