ብንያም ስምኦን ተሸላሚ Servant leader for justice Award – 2025 ኰይኑ!
መስራቲ፡ ዳይሬክተር፡ ጋዜጠኛን በዓል ሞያ ተክኒክን ኰይኑ ንዓመታት ራድዮ ኤረና ዝመርሐን ዘካየደን ብንያም ስምኦን፡ ናይቲ፡ ንኽብሪን ዝኽሪን ተስፋልደት ኣለም መሓረና፡ ድሕሪ ዕረፍቱ ብስድራቤቱን ኣድነቕቱን ፈተውቱን ዝተጀመረ ንካልኣይ ዓመቱ ዝካወን ዘሎ፡ Servant leader for justice Award – 2025 ተሸላሚ ኰይኑ።
ኮሚተ ሽልማት ናይዚ ዓመት፣ ወ/ሮ ሓረጉ ቀለታ፣ ኣቶ ክብሪኣብ ይመስገን፡ ኣቶ ኢሰይያስ የማነን ኣቶ ተስፉ ስቲፋኖስን ክዀኑ ከለዉ፡ ኣቦ-ወንበር እታ ኰሚተ በዓል ሞያ ሕጊ ኣቶ ኢሰይያስ የማነ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ነዚ ሓድጊታት ተስፋልደት ኣለም መሓረና ንምዕቃብ ተባሂሉ ዝዕደል ሽልማት “ይበቕዕዎ’ዮም” ተባሂሎም ብናይ ጽሑፍ መረዳእታ ካብ ዝተረቚሑ ሕጹያት፡ መምዝኒ ነጥብታት ተኸቲሎም ብዝሃብዎ ድምጺ፡ ብንያም ስምኦን ነቲ ሽልማት ከም ዝተዓወተሉ ገሊጹ።
ብንያም፣ ብሚድያን መራኸቢ ብዙሃንን ዕላዊ ትምህርቲ ድሕሪ ምክትታሉ፣ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና (ኤርትራ) ከም ኣቕራቢ ዜና፡ ክኢላ ቴክኒክ፡ ቪድዮ ግራፈርን ኣርትዓይን ኰይኑ ንሓያሎ ዓመታት ሰሪሑ።
ናብ ስደት ድሕሪ ምምርሑ ኣብ ፈረንሳ ዑቕባ ረኺቡ። ኣብ 2009 ድማ ምስ ካልኦት ብጾቱ ብምዃን ብምትሕብባር ሪፖርተራት ብዘይዶብ (RSF) ካብ ከተማ ፓሪስ እትፍኖ ሳትላይት ራድዮ ኤረና መስሪቱ።
ኣብ ዝቐጸሉ ዓመታት ድማ ራድዮ ኤረና፣ ምስ ብዙሕ ሕጽረታትን ከበድቲ ብድሆታትን እናተራጸመት፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዘተኮሩ፣ ብትግርኛን ዓረብኛን መደባት ብምቕራብን ብምፍናውን፣ ቅድሚኡ፣ ኣብ ምዕሩይን ሚዛናውን ሓበሬታ ዝነበረ ሃጓፍ ኣብ ምምላእ ዓቢ ኣበርክቶ ገይራ። ብንያም ስምኦን ድማ፣ ዳይረክተርን ጋዜጠኛን ብምዃን፣ ዝተፈላለየ ተመክሮን ኣመለኻኽታን ዘለዎም ጋዜጠኛታትን ጽሓፍትን ብምስታፍን ባይታ ብምፍጣርን፣ ናይ ኣመራርሓ ክእለቱ ኣርእዩን ንሞያኡ ተወፍዩን። ራድዮ ኤረና ትካላዊ ተኣማንነት ዘጥረየት ማዕከን ዜና ኰይና ክትርከብ ከኣ ጻዕርን መሪሕነትን ብንያም ልዑል ነይሩ።
Servant leader for justice Award፡ ተስፋልደት ንፍትሒን ኩሉንተናዊ መሰላት ደቂ ሰብን ንዘካየዶ ቃልሲ፡ ኣብ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ ዝገበሮ ኣበርክቶ፡ ኣብነት ምጽዉዋርን ምትሕግጋዝን ኰይኑ ንዝሓለፎ ህይወት… ንምዕቃብ፡ ንካልኦት ድማ ንምምስጋንን ንምትብባዕን ተባሂሉ፡ ካብ 2024 ጀሚሩ ዓመታዊ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝዕደል ሽልማት ኰይኑ፡ ዝተዓወተ/ት ውልቀ ሰብ ገንዘብን ንሻንን ዘጠቓለለ ሽልማት ይቕበል። ተዓዋቲ፡ ቀዳም 24 ጥሪ 2026፣ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ - ካሊፎርንያ፣ ኣብ ዝካየድ ስነ-ስርዓት ብኣካል ተረኺቡ ሽልማቱ ክቕበል'ዩ
ብንያም ስምኦን፡ 2014 ሪፖርተራት ብዘይዶብ (RSF) ኣብ ዘውጽኦ ዝርዝር፡ ኣብ መንጎ 100 ናይ ሓበሬታ ጀጋኑ (100 information heros 2014) ኢሉ ሰምይዎ ነይሩ። ብዘይካዚ ቢንያም ተዓዋቲ ሽልማት ፐን ኤርትራ-2025 ውን’ዩ።

