ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ

“ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን ብዛዕባ ዝምድና ወጻኢ፡ ዲፕሎማሲያዊ ኣሰራርሓ፡ ዝምድና ህዝባዊ ግንባርን ወያነን፡ ኣገባብ ምቕያር ሰበ-ስልጣን፡ ጉዳይ ብልሽውናን ካልእ ኣርእስታትን ብዝምልከት ምስ ጋዜጣ ጽጌናይ ሰፊሕ ቃለ-መጠይቕ ኣካይዱ ኣሎ። እዚ ቃለ-መጠይቕ ኣዝዩ ሰፊሕ ምዃኑ ኣብ ዝሓለፈ ሕታምና ገሊጽና ምንባርና ዝዝከር ኮይኑ፡ ምሉእ ትሕዝቶ ናይቲ ቃለ-መጠይቕ ኣነሆ ንንባብ፡-

*መዓስ ተሰሊፍካ? ቅድሚ ምስላፍካኸ ተወዲብካ'ዶ ኔርካ?

=መጀመርያ ክብሎ ዝደሊ ንጅግና ህዝቢ ኤርትራን ንጅግና ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን እንቋዕ ኣብዚ መበል 10ይ ዓመት ብዓል ናጽነትና ኣብቃዓና ክብል እፈቱ። ምኽንያቱ ናይ መጀመርያ ናይ ዓሰርተ ዓመታት ናጽነት ዘስተማቀርናለን ግዜ ብምዃኑ።

ብዛዕባ ነብሰይ ተመሊሰ ክዛረብ እንተኾይኑ ንሜዳ ዝኣተኹሉ ወርሒ 9/1972 እዩ። ንሜዳ ዝተበገስናሉ ግን ወርሒ 11/1971'ዩ ነይሩ። ብሶማል ኣቢልና ንሜዳ ንምምጻእ'ዩ ነይሩ እቲ ዕላማ። ምኽንያቱ ኣቐዲሙ ምስ ሜዳ ዝነበረ ሓደ ሓደ ርክባት ተበቲኹ ስለ ዝነበረ።

ብዝኾነ ኣብ ሶማል ኣብ ቤት ማእሰ ርቲ ስለ ዝሓዙና ድሕሪ ሓደ ዓመት ካማራን ጌርና ንሱዳን፡ ካብኡ ብመስከ ረም 1972 ሜዳ ክስለፍ ክኢለ።

*ቅድሚ ንሜዳ ምስላፍካ ተወዲብካ'ዶ ኔርካ? ብኸመይ'ዩ ሃገራዊ ስምዒት ሓዲሩካ?

=ሃገራዊ ስምዒት ክሓድረኒ ዝኸኣለ ምናልባሽ ብህጻንነተ'ዩ ክብል እኽ እል። እዚ ድማ ካብ ከባቢ ሓዲሩኒ ኢለ'የ ዝግምት ንዓይ'ኳ ብዙሕ ኣይር ደኣንን'ዩ።ብፍላይ ናይ ቀረባ ዘመደይ ዝኾነ ጸጋይ ካሕሳይ ምስ ሓራካ ብዝ ተኣሳሰር ይእሰር ይፍታሕ ነይሩ። ካብኡ ዝተበገሰ ናይ ኤርትራ ፖለቲካ እንታይ'ዩ?ስለምንታይ ፈደረሽን ይፈ ርስ ኣሎ? ስለምንታይ ቋንቋና ተኸል ኪሉ ክበሃል ከሎ ንኣሽቱ ኔርና እዝከረኒ።

እዚ ስምዒት'ዚ ቀጺሉ ምስ ናይ ተማሃሮ ምንቅስቓስ (ሸብሮ) እናበር ተዐ ከይዱ። ብ1966 ከኣ ብዙሓት ንፈልጦም ንሜዳ ተሰሊፎም ካብ ኣስ መራ ይኹን ካብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨር ስቲ።ስለዚ እቲ ስምዒት ከምኡ ኢሉ ፈኸም እናበለን እናሓየለን ከይዱ። ኣብ መወዳእታ ብ70ታት ኣብ ጀብሃ ሽግር ስለ ዝተፈጥረ ብዙሕ ሰብ ተመሊሱ። ግን መተካእትኡ ሓድሽ ኣረኣእያ ክምዕብል ጀሚሩ።

እዚ ሓድሽ ኣረኣእያ ሽዑ ዝያዳ ናይ ጸጋም ኣተሓሳስባታት ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ'ዩ ተበጊሱ። ናይ ኤርትራ ሕቶ ምስ ናይ ካልኦት ናይ ሓርነት ምንቅስቓሳት ብምትእስ ሳር ክንዕወት ንኽእል ኢና ዝብል ኣተሓሳስባታት መጽዩ።ብሓድሽ መን ፈስ ከኣ ተሓዊስካ ነቲ ነገር ኣዐሪኻ ምቅላስ ይሓይሽ ዝብል ስምዒት መሊሹ ተጓሃሂሩ። ኣብዚ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ብዙሓት ኔርና። ንራኽብ፡ ንመያየጥን ንካታዕን ኔርና። ከምዚ ኢልና ድማ ክሳብ ምስላፍ ንበጽሕ ማለት'ዩ።

*ምሳኻ ዝተሰለፋ ወይ ምስተሰለፍካ ካብ ዝረኸብካዮም ክሳብ ሕጂ ብሂወቶም ዘለው ክትገለጽልና'ዶ?

=ምሳይ ዝተሰለፉ የለውን። ኩሎም ተሰቒኦም ማለት'ዩ። ምናልባሽ ሓደ ክልተ ነቲ ቃልሲ ዝገደፋ ዎ  ይህልው ይኾኑ።መጀመርያ ዝራኣኹ ዎ ም ተጋደ ልቲ ኣብ መርከብ ኢዩ። ካብ ሶማል ንካማራን ክንከይድ። እድሪስ ኣባዓረ፡ ሙሕሲን ዓሊ (ከቢድ ብረት)፡ እድሪስ ኣባዓረ ኣሎ ሙሕሲን ግን ተሰዊኡ። ካልኦት ፈይሰልን መሓመድኑርን ዝበ ሃሉ'ውን ነይሮም።

ኣብ ሜዳ ምስኣተና ከኣ መጀመርያ ዝረኸቡና ሮመዳን መሓመድኑርን ብር ሃነ ጸሃየን'ዮም።ክልቲኦም ከኣ ኣለው።

*ክትሰለፍ ከለኻ ኣገዳሲ ሰብ ክትከውን(ኣባል ፖለቲካዊ ቤት ጽሕፈት፡ሓላፊ ስለያ ድሕሪኡ ሚኒ ስተር ምክልኻል፡ ወጻኢ ጉዳያት፡ ሃብቲ ዓሳ) ትሓስብ'ዶ ኔርካ?

=ክስለፍ ከለኹ ደኣ ክዋጋእ ዓዲ ናጻ ከውጽእ እምበር ሽዑ ደኣ ሚኒስ ተር ክኸውን ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ሓላፍነት ኢልካ'ውን ዝሕሰብ ኣይነበ ረን። ቃልሲ ኣሎ ትኣቱ። ኣስመራ ንበጽሕ'ውን ንብል ኣይነበረናን።

*እሞ ኣቶ ጴጥሮስ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ብዝነበረካን ዘለካን ተራ ዑጉቡ ዲኻ?

ኣነ ዓቕመይ ኣበርኪተ'የ ዝብል። በታ ዘላትኒ ዓቕሚ ኣበርኪተላ'የ ነዛ ሃገር። ካብ ዓቅመይ ንላዕሊ ክገብር ኣይክእልን'የ። ዓቕመይ ዘፍቅዶ ግን ሰሪሐ እብል።

*ቅድሚ ሕጂ ዘበርከትካዮ ርዱ እ'ዩ። ሕጂኸ በዚ እትስርሖ ዘለኻ ዑጉቡ ዲኻ?

= ብወገነይ ዘለኹ ዎ  ስራሕ ዝፈት ዎ  ስራሕ'ዩ። በዳሂ ስራሕ'ዩ። ኣብዚ ሃገር'ዚ ጽቡቕ እንድሕር ተጠቒምናሉ ገለ ሽግራትና ንምፍታሕ ክሕግዘና ዝኽእል ስራሕ'ዩ። እቲ በዳሂ ምዃኑን ሓድሽ ምዃኑን የሐጉሰኒ ብፍላይ ከኣ ኣብ ቁጠባዊ መዳይ ምዃኑ።

ብተወሳከኺ ብጭቡጥ መዐቀኒታት ክዕቀን ስለ ዝኽእል ቤት ትምህርቲ'ዩ ክብሎ እኽእል። ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ ኣብ ቤት ትምህርቲ'የ ነይረ እንተ በልኩ ሓሶት ኣይኮነን። ብድሕር ሕጂ ኸኣ ኣብዚ ዓዲ ዓቕመይ ብዘፍ ቅዶ ክስርሕ ቅሩብ'የ። መጻኢ ከኣ ብዝያዳ ነቲ ንመጻኢ ዝተቐረበ ብሓ ድሽ መገዲ ሒዙ ዎ  ክኸይድ ዝኽእል መንእሰይ ወለዶ ንሓድጎ ዝብል እምነ ት'ዩ ዘለኒ።ኣነ ግን እቲ መወዳእታ ክበጽሖ ዝኽእል ናይ ኣበርክቶ መድረኽ በጺሐዮ'የ ሕጂ ናይ መጻኢ ወለዶ ተራ ኮይኑ ይስመዓኒ።

*ንስኻ ከም ወተሃደራዊ ክኢላ ኢኻ ትፍለጥ፡ ዘለኻዮ ስራሕ ከመይ ትሪኦ?

=ክኢላን ዘይክኢላን ክንብል'ኳ ኣጸጋሚ'ዩ። እቲ ዝነበረ ኣሰራርሓና ሓባራቒ ኣሰራርሓ'ዩ ነይሩ። ብሓንሳብ ኢና ዓቢና ክብል እኽእል። ሽግራት ብሓንሳብ እናተመያየጥካ ከመይ ይሓ ይሽ፡ ከመይ ይኹን እናተባሃልና ኢና ኬድና። ካብ ላዕሊ ጉድለት ክርከብ ከሎ ብታሕቲ መብዝሕትኡ ጊዜ ብብል ሓትን ብፈጢራውነትን ይፍታሕ። ብኣ ጠቃቓላሊ ግን ናይ ነፍስ ወከፍ ገደብ ዘይብሉ ፈጢራዊ ኣበርክቶ ስለዝነበረ'ዩ እቲ ዓወታት ዝመጽእ ነይሩ። ሓባራዊ ዓቕሚ'ዩ ኣዐዊቱና ዝብል። ስለዚ እቲ ክእለት ዝብል ዝያዳ ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ኣብቲ ውድብ (ሠቶዋሽቦቕzሽtቕተቦ) ዝሰረጸ ኮይኑ ይስመዓኒ።

*ሓላፊ ስለያ ኣብ ዝነበረካሉ እዋን ኣመዳድባ ሰባት ብክእለት ዘይኮነ ኣብ ብሄር ዝተመርኮሰ ስለ ዝነበረ ኣቃውማ ናይቲ ትካል ኤትኒካዊ መልክዕ ከምዝነበሮ'ዩ ዝዝረብ። መልስኻ እንታይ'ዩ?

=ብመጀመርያ መምርሒ ናይቲ ውድብ ኣብ ኤትኒክነት ዝተሞርኮሰ ኣይነበረን። ህ.ግ ክበቁል ከሎ ኣንጻር ኤትኒክነትን ኣንጻር ሃይማኖታዊ ምፍ ልላይ ዝተበገስ ስለ ዝኾነ፡ ብኸምኡ ክሰርሕ ዝኽእል ውድብ ኣይመስለንን።

ካልኣይ ነገር ሓደ ስራሕ ክትዕወት ደሊኻን ዘይብቑዕ ሰብ እንተደኣ ኣም ጺኻን ድማ ዝኸውን ኣይመስለንን። ከም ነጥቢ'ውን ኣይላገብን'ዩ። ልዕሊ ኹሉ ግን ስለያ ናይ ህ.ግ. ስርሑ ክሰርሕ እንድሕር ኮይኑ ኣብ ኩሉ ቦታታት ክህሉ ክኽእል ኣለ ዎ ። ኣብ ባረንቱ እንተድኣ ሓበሬታ ደልዩ ደቂ ኩናማ ክህል ዎ  ኣለ ዎ ። ኣብ ኣቑርደት እንተደልዩ ደቂ ቢኒዓምር ክህል ዎ  ኣለ ዎ ። ኣብ ዓዲቀቓይሕ እንተደልዩ ደቂ'ቲ ከባቢ ሳሆ ክሕዝ ክክኸእል ኣለ ዎ ። ብሓጺሩ ብዘይ ናይቲ ከባቢ ህዝቢ ተሳትፎ ክሰርሕ ስለ ዘይክእል፡ ከምቲ ዝበሃል ነይሩ እንተዝኸውን ኣይመሃለወን እየ ዝብል ክሰርሕ'ውን ኣይመኻኣለን።

ካልእ ስለያ ምናልባሽ ከም ክፍሊ ነይሩ ይኸውን እምበር ብሙሉኡ እቲ ህዝቢ ስለያ ነይሩ ኢለ'የ ዝገልጾ ኣነ። ኣብ ውሽጢ ዘሎ ኣብ ደገ ዘሎ ብዝተፈላለየ መገዲ (ምሁር/ዘይምሁር) ከበርክቶ ዝኽእል ነገር እንተሊዩ ከበርክት ከም ዝኽእል ጌርካ'ዩ ዝስራሕ ነይሩ። እቲ ኣገዳስነት ብኡ ዝኸይድ ዝነበረ እመስለኒ። ስለዚ እዚ ዝበሃል ዘሎ ኣብ ሓቂ ዝተመስረተ ኣይኮነን።

*ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ከለኻ ኣተኩሮ ናብ ኣሜሪካ ጥራይ ስለዝተ ገብረ ኤርትራ ካብ ጐረባብታ ብፍላይ ከኣ ካብተን ኣብ ጊዜ ቃልሲ ዝሓገዛኣ ሃገራት ዓረብ ተነጺላ። ብዓል ኡጋንዳ ከይተረፋ ኣብ ውድብ እስላማዊ ጉባኤ ኣባል ነት ክረኽባ ከለዋ ኤርትራ ግን ባዕላ ከምዝኣበየት'ዩ ዝንገር። መልስኻ እንታይ'ዩ?

=ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበርኩ ሰለስተ ዓመታት ኣቢሉ ይኸውን። ኣብዚ ሰለስተ ዓመታት ግን ትካል ምምስራት'ዩ ነይሩ እቲ ዕላማ። ሓደ ሚኒስተር ወይ ዳይረክተር ዝመርሖ ስራሕ ዘይኮነ ትካላዊ ኣሰራርሓ ምትእ ትታ'ዩ ነይሩ እቲ ዕላማ።ብኡ መሰረት ወጻኢ ሜላና እንታይ ይኹን፡ ሃገርና እንታይ'ያ ትደሊ፡ ናይ ወጻኢ ሃቐሁከኸ ከመይ ይመስል ኣብ ዝብል ትንተና ታት ተሞርኲሱ ዓውዲ ስራሓት ኣካይ ድና።ብሃገር ደረጃ ኣብ ከባቢና ዘለዋ፡ ብዞባ ደረጃ ማእከላይ ምብራቕ ካብኡ ሓሊፍካ'ውን ቀይሕ ባሕሪ፡ ካብኡ ሓሊፍካ ኢስያ፡ ኣሜሪካን ኣፍሪቃን ሃገርና እንታይ ክትጥቀም ትኽእል ካብ ዝምድና ዝብል ምምይጥ ተኻ ይዱ ናይ ስራሕ መደብ ኣውጺእና። ዶክመንታት'ውን ኣብቲ ሚኒስትሪ ኣሎ። ብኡ መሰረት ቅርጺ ናይቲ ሚኒስትሪ ወጽዩ።

ማእከላይ ምብራቕ ብፍላይ ዲፓ ርትመንት ተፈልዩሉ። ዕላምኡ ከኣ ኤርትራ ኣብዚ ከባቢ ዝለዓለ ረብሓ ክትረኽበሉ እትኽእል ኩነታት ንምፍጣርን ንምስራሕን'ዩ። ብኸ ምዚ ኣተሓሳስባ ከኣ ንሰርሕ ኔርና። ኣብ ዝኾነ ይኹን ሃገር ዝህልወና ረብሓታት ክነለሊ፡ ከመይ ጌርና ንጥቀመሉ ከኣ ሜላ ነውጽእ ኔርና። ስለዚ መበገሲና እዚ ስለ ዝነበረ ብኻልእ ኣገባብ ሜላ ክወጽእ ዝኽእል ኣይመስለንን። ቀጻሊ ክትዕ ምይይጥን መጽናዕትን ኣብ ምግባር ኢና ኣተኲ ርና ኔርና። እቲ ሰለስተ ዓመት ብዙሕ ስለዘየተሰርሓ ክኸውን ይኽእል።

ኤርትራ ኣባል ውድብ ሃገራት እስ ላም ክትኸውን ዝቀቓርበ ርእይቶ ነይሩ። እዚ ውድብ'ዚ ደፕሎማስያዊ መጋ በርይ እምበር ፍሉይ ሃይማኖታዊ ኣጀንዳ የብሉን። ውሑዳት ኣመንቲ ምስልምና ዘለው'ውን ሃገራት እውን ይኣትዋኦ እየን። ወጻኢ ጉዳይ ንከኸምዚ ኣቶም ዝኣመሰሉ ጉዳያት ርእይቶ ምሃብ እምበር ናይ ምውሳን ሓላፍነት የብሉን። እቲ ሓላፍነት ንመንግስቲ ከም ግቡእ ድማ ንሓጋጊ ኣካል ናይቲ ሃገር እዩ ዝወሃብ። ስለዚ ባይቶ ኤርትራ ክምልሶ ኣለ ዎ ። ብርእይቶ ግን ኤርትራ ኣብዚ ማሕበር ኣባል ብምዃን ትጥቀም እምበር ትጉድኣሉ የብላን።

*ሕራይ ድሕሪኡ ኣብ ዝስዓበ እዋን'ውን ናይ ወጻኢ ዝምድናና ከምቲ ዝድለ ኣይነበረን። እቲ ሜላ ድዩ ቅኑዕ ዘይነበረ? ወይስ ካልእ ጸገም ነይሩ?

=ንሱ ምናልባሽ ንሓደ ሚኒስትሪ ጥራይ ዝምልከት ኣይመስለንን። ወጻኢ ጉዳያት ሕማቕ ስለዝሰርሐ'ዩ ውግእ መጽዩና ክትብል ምኹኑይ ኣይኮነን። ልክዕ'ዩ ሓደ ካብቶም ረቋሒታት ናይ ወጻኢ ጉዳይ ክኸውን ይኽእል'ዩ። ግን ኩሉ ካብኡ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኣብ ዝምድናታትና ምስ ሃገራት ብፍላይ ከኣ ናይ ውግእ መዳ ያት ክንሪኢ ከለና ዘገድሰን ካልኦት ትካላት'ውን ኣለዋ። ከም ምክልኻል፡ ሃገራዊ ድሕነት፡ ቤት ጽሕፈት ፕረሲ ደንትን ኣገደስቲ እስትራተጂያዊ ጉዳ ያት ዝበሃል ዝውሰነሎም ካልኦት መዳያት'ውን ኣለው።

ስለዚ ውጽኢት ናይዚ ኩሉ ደኣ'ዩ ፍረ ዝህብ እምበር ሓደ ሚኒስትሪ ንበይኑ ብዝሰርሖን ዘይሰርሖን ክግም ገም ዝኽእል ኣይመስለንን። ብኣጠቃ ቓላሊ እዚ ብፍላይ ንወጻኢ ጉዳይ ጥራይ ዝምልከት ኣይመስለንን (ዋላ'ኳ ኣብ ወጻኢ ጉዳይ ሕጽረታት የለን ኢልና ክንዛረብ እንተዘይከኣልና) እዚ ሕቶ ብዓቢኡ ነቲ ሃገር ዝምልከት እመስለኒ።

*ኣብ ኣስራርሓና ካብቲ ናይ ቅድም ኣይፍለን'ዩ። ስራሕ ናይ ዝበዝሑ ኣምባሳደራት ከምቶም ናይ ቅድም ወከልቲ ህ.ግ ህዝቢ ኣብ ምውዳብ ዘተኮረ'ዩ። እዚኸ ብመደብ ዝግበር ድዩ?

=ኣነ ሕጂ ኣብኡ ስለዘየለኩ ክዛረብ ወይ ሓበሬታ የብለይን። ግን ሓደ ኣምባሳደር ክልተ ስራሓት ክህል ዎ  ይኽእል።እቲ ሓደ ስርሑ ንናይ ወጻኢ ዝምድናታት ሜላ ክኸውን ከሎ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ነቶም ኣብኡ ዘለው ዜጋታት ክኸውን ይኽእል። ከምዚ ዝገብሮ ምኽንያት ኣብ ስደት ዘሎ ህዝብና ብጣዕሚ ብዙሕ ስለ ዝኾነ'ዩ። ብኡ መጠን ዝመጽእ ጸገማትን ዝተፈ ላለየ ሽግራትን ከኣ ኣሎ። ነዚ ጐስዩ ድማ ነቲ ናይ ወጻኢ ዝምድና ጥራይ ክሰርሕ ኣይክእልን'ዩ።

ንሱ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ኣብ ደገ ዘሎ ህዝብና'ውን ጸጋ'ዩ። ብዝተፈላለየ መገዲ ነቲ ሃገር ስለዘበርክት ከኣ ኩነታቱ ክፈልጦን ክከታተሎን ናይ ግድን እመስለኒ። ክንደይ ሚዛን ነየናይ ስራሕ ይህብ ንዝብል ከከም ከባቢኡ ይፍለ ይኸውን። ግን ነቲ ናይ ህዝቢ ፈጺሙ ክጥምቶ ዘይብሉ ስራሕ'ዩ ክንብል ኣይንኽእልን። መምስ ከባቢኡ ዝዓበየ ዝነኣስን ስራሓት ፈልዩ ጊዜኡ ወሲኑ ክሰርሕ ግቡእ እመስለኒ። እዚ ኸኣ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ክፈላለ ይኽእል ይኸውን።

*ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ከለኻ እንታይ ተማሂርካ? ኤርትራ ምስ ወጻኢ ሃገራት ዝህልዋ ዝም ድና ከምኡ'ውን ንመጻኢ ናይ ወጻኢ ሜላና ከመይ ክኸውን ኣለ ዎ  ትብል?

=ናይ ወጻኢ ሜላ ቀሊል ነገር ኣይኮነን። ረብሓታትካ ክተለሊ እትዋ ሳኣሉ ሜዳ ስለዝኾነ እሞኸኣ ኣብ ሓደ ተለዋዋጢ ባህሪ ዘለ ዎ  ዓለም (ሎሚ ዘውጻእካዮ ጽባሕ ደው ኢሉ ዝጸንሓካ የለን። ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ዝቀያየር'ዩ) ስለዚ ቀጻሊ ምስቲ ኩነታት ክጓዓዝ ዝኽእል ኣሰ ራርሓ የድሊ። መጽናዕቲ ናይ ርሑቑን ቀረባን ይሓትት። ብተዓጻጻፍነት ረብ ሓኻ እትረኽበሉን ምስሊ ሃገረካ ዝዓየብሉን ድሌታ እትረኽበሉን መገድ ታት ምድላይ እዩ።

ስለዚ ናይ ወጻኢ ሜላና ዝያዳ ትካ ላዊ ኣሰራርሓ ክህል ዎ ፡ኣብ መጽናዕቲ ዝተመርኮስ ተዓጻጻፊ ባህርያት ክህል ዎ  ከምዘድሊ ተሞኪረ ወጽየ ክብል እኽ እል። ሕጂ'ኳ ካብ ዝገድፎ ነዊሕ ገይረ ኣለኹ።

*ሕራይ ሓንቲ ኩሉ ጊዜ እትሕተት ኣብዚ ናይ እስራኤል ኤምባሲ እናሃለወ ናትና ኣብኡ ዘይምህላው'ዩ። እዚ ከመይ ትሪኦ?

=ኣብ ከምዚ ፍሉይ ሕቶታት ኣት የ'ኳ ክምልሰልካ ዝኽእል ኣይመስ ለንን። ግን ምስ ዝኾነ ሃገር ዝምድና ክንገብር ዝገትእ ነገር ክህሉ የብሉን። ከምኡ'ዩ እቲ መትካል። ስለዚ እቲ መበገሲ ንሱ ክኸውን ኣለ ዎ ። ኤርትራ ሃገርና ዝኾነ ምስኣ ዝምድና ክገብር ዝድሊ ሃገር ዝምድና ዘይትገብረሉ ምኽንያት የለን።ደረቕ መርገጺ ምሓዝ ግን ኩሉ ግዜ ተመራጺ ኣይኮነን።

*ኤርትራ ንእሽቶን ውሑድ ህዝቢ ዘለዋን ሃገር ብምዃና ካብ ናይ ደገ ተጻብኦታት ብወተሃደራዊ ሓይሊ ጥራይ'ያ ውሕስነት ክትረ ክብ እትኽእል ዝብል ኣዘራርባ ኣሎ። ብወገንካ ውሕስነት ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ብኸመይ ክረጋገጽ ይኽእል ትብል?

=እዚ'ኳ ዓቢ ሕቶ'ዩ። ምናልባሽ ክምልሶ'ውን ብዙሕ ዝኽእል ኣይመስ ለንን። ናተይ ናይ ውልቂ ርኢቶ ንምሃብ ግን እዚ ዘለናዮ ዓለም ብስርዓተ ኣልቦ(ሃቦሽቶቀቓኅ)'ዩ ዝግለጽ። ስር ዓተ ኣልቦ ማለትና ሓደ ንኹለን መንግስታት ዝገዝእ/ዘወሃህድ ለገድድ ዝኽእል ስርዓት ስለዘየለ፡ ስርዓት ኣልቦ ኢና ክንብሎ እንኽእል።

ኣብ ከምዚ ዝኣመስለ ሃዋሁ ከመይ ጌርካ ትነብር፡ በብቅልጽምካን ብሓይ ልኻን ጥራይ ዲኻ? ወይስ ዝምድና ታት ጌርካ? ዝተፈላለየ ፍልስፍናታት ኣሎ። ሓይሊ ኣድላይ እዩ። ንምንታይ ሓይሊ እንተዘይብልካ ትድንደን ኢኻ፡ ሓይሊ እንተዘይብልካ ንናይ ውሽጢ ሃገር ግጭት ክምዝምዙ'ዮም ዝፍትኑ።

ሓይሊ ስለዘለካ ግን ኩሉ ነገር ኣይፍ ታሕን'ዩ። ምኽንያቱ ምስ ሓይሊ ዝመጽእ ጸገማት'ውን ኣሎ። ሓደ ካብኡ ቁጠባዊ ዕብየትካ ክህሰ ይኽ እል። ቁጠባቒ ዓቕሚ እንተጐዲሉ ወተሃደራዊ ዓቕሚ'ውን ይጐድል። ወተሃደራቒ ኣጽዋር ምኹማርን በብጊ ዜኡ ምሕዳስን እንተመጽዩ ዓቢ ጾር'ዩ ነቲ ሃገር። ቁጠባቒ ምዕባሌኻ'ውን ክጐድል ይኽእል።

ካልእይ ነገር ኣጽዋር ውድድር ከም ጽእ ይኽእል'ዩ። ንኣብነት ሓደ ሃገር ነፍሱ ንምክልኻል ኢሉ ዝገብሮ፡ እቲ ኻልእ ክወርር ዝገብሮ ዘሎ'ዩ ኢሉ ካብኡ ዝበለጸ ኣጽቐር ንኸምጽእ ይግ ደድ። እንደገና እቲ ሓደ ካልእ ሲስተ ምስ የምጽእ'ሞ ናይ ኣጽዋር ምዕባይ/ውድድር ከምጽእ ይኽእል። ስለዚ ሓይሊ ኣድላይ'ኳ እንተኾነ፡ እቲ ልክዕ ሚዛኑ ምፍላጥ ኣገዳሲ'ዩ።

በቲ ሓደ መዳይ ኩሉ ነገር ብሰላማዊ መንገዲ ጥራይ ክውዳእ ኣይክእልን'ዩ ኢና ንብል ዘለና።ግን ኣብ ከም ኤር ትራ ዝኣመሰላ ሃገራት መጺእካ እቲ ዝሓሸ ኣማራጺ ኩሉ ድሌታትና ብዘይ ውግእ ክንረኽቦ ምስ እንኽእል'ዩ። ከም ዕላማ እንተወሲድናዮ እንታይ ዕድላት ኣለውና ብዲፕሎማሲያዊ መን ገዲ፡ ብክልተኣዊ ርክብ፡ ብዞባዊ ውድ ባት፡ ብኣህጉራዊ ውድባትን ካልእ ብዝተፈላለየ መግድታትን ስግኣታትና ዝጐድሉሉ ዝዕገቱሉ ወይ ኒውትራላይዝ ዝኾኑሉ መገድታት ሃሰው ክንብል ኣገዳሲ'ዩ። ነዚታት ክንገብር ግን ጽቡቕ መጽናዕቲ ይሕትት፡ካብ ጭቡጥ ኩነታትና ድማ ክንብገስ ኣለና።

ስግኣታትና እንድሕር ነጋንኖም ኮይና ዘየድሊ ፍርሂ ክስማዕና'ዩ፡ ዘየ ድሊ ስጉምቲ'ውን ክንወስድ ንኽእል። ስግኣታትና እምብዝ ኣቃሊልና ንሪኦም እንተኾይና ከኣ ተገሪህካ (ተሃሚልካ) ሽግር ክሳብ ዝመጻካ ከይፈልጥካዮ ክትጸንሕ ትክኸእል። ስለዚ ሓደ ጭቡጥ ገምጋም ናይ ከባቢናን ስግኣትናን ምግባርን ንዑኡ ዝምልሽ ምቅርራባት ክንገብር የድልየና።

እዚ ከም ትሕጂ ኮይኑ ግን ቀንዲ ክንገብር ዝግባኣና፡ ብዝተኻእለ መጠን ናይ ውግእ ተኽእሎታት ንኸይመጽእ ክንስርሕ ይግባእ። እዚ ከኣ ንነዊሕ እዋን ዝጠመተ መጽናዕታት ብምክ ያድ፡ ስግኣታት ካበይ ክመጻና ይኽ እል? ስለምንታይ ክመጹ ይኽእሉ? እንታይ ክንገብር ንኽእል ኢልና ብዝተፈላለዩ መገድታት ንምዕጋኣቶም ክንስርሕ ይግባእ። ኣብ ከምዚ መዳያት ዝዋስኡ ትካላት ዘድልዩና ኮይኑ ይስማዓኒ። ምኽንያቱ ነቲ ዝመጽእ (ልችቻችቶቅ ረቕቦሽቶተ) ኣዕሚቖም ክትንት ኑ ዎ ን ከይመጸ ከሎ ከኣ ዘድሊ ምቅር ራባት ክንገብርን ይሕግዘና። እዚ ኹሉ ጽቡቕ ትንተና ጌርና ሚዛናዊ ፖሊሲ ክነውጽእ ይሕግዘና ይኸውን። ልዕሊ ኹሉ ግን ደሌትና'ዩ ዝውስኖ።

ስለዚ እንታይ ኢና ንደሊ ዝብል ሕቶ'ውን ክንምልሾ ኣለና። ኩሉ ዓቕምና ወዲብና ናብቲ እንደልዮ ነገር ክንበጽሕ ክንክእል ምእንቲ ኣብ ኣዝዩ ኣብ መጽናዕቲ ዝተሞርኮስ ኣብ ጭቡጥ ሓበሬታ ዝተሞርኮስ ኣሰራርሓ የድል የና። ትካላዊ ኣሰራርሓ ከኣ ክነማዕብል ዘድሊ ይመስለኒ።

ትካላዊ ኣሰራርሓ ጥራሕ ብዘይ ንጹር መስርሕ ኣወሳስና (ለቅቀቕዘቕተቦ ምሽበቕቦዋ ሣቶተቀቅዘዘ)ጸገማት ከጓንፍ ይክኸእል ኢዩ። ውሳነታት ፍረ ክትዕን ሞይይጥን ክኮኸኑ ኣለ ዎ ም። እንተዘይኮይኑ ንርእያቶን እምንቶን ናይ'ቲ ዝመርሕ ዘሎ ፈጻሚ መንግስቲ ጥራይ ኢዮም ክንጸባ ርቁ ዝኽእሉ። እዞም ውሳነታት ቅኑዓት ክኮኸኑ ዝክኸእሉ'ኳ እንተኮኸኑ ናይ ምግጋይ ወይ ምግናን ተኽእሎ እውን ኣሎ።ዝኮኸነ ኣብ ስልጣኑ ዘሎ መንግስቲ ኣብ ሞንጐ እቲ ንዑኡ ዘስግኦን፡ ስግ ኣት ሃገርን፡ ዘሎ ፍልልያ ከየስተውዕለል ይክኸእል፡ ወይ'ውን ብፍላጥ ከሓዋ ወሶ ይክኸእል፡በዚ ድማ ነቲ ካብ ውሽጢ ዝነቅል ተጻራሪ ርእይቶ ከምስግኣት ሃገር ጌሩ ብምቅራብ ሕጋዊ ስጉምቲ ንምውሳድ ዘክኸእሎ መመክኸነይታ ክፈ ጥር ይክኸእል እዩ።

ስለዚ ውሳነታት ኣብ ሕጊ ተሞርኲሶም ምይይጥን ክትዕን ክኮኸኑ እንካለውን ጌጋታትን ምግናን ከምኡ'ውን ሓለፋታት ወይ ጌጋ ታት ናይ መንግስቲ ንምቁጻጻሩ ይከኣል።

እንታይ'ዩ ስግኣት ሃገር? እንታ ይ'ዩ ድሌት ሃገር? ዓቅሚ ሃገር፡ ናይ ግዳምን ወሽጢን ተርእዮታ ትኸ እንታይ ትርጉም ይወሃቦም? ዝበሉ ሕቶታት ብክትዕ ኣጻፊፉ ዝምልሽን ዘጽንዕን (ባይቶ፡ ቤት ምክኸሪ) ሓባራዊ ሃገራዊ መረዳእታ ዝፈጥርን ሓለፋታትን ምግናንን መንግስቲን ናይ ጸጥታ ትካላቱን ዝቖጻጻር ባይቶኣቒ ተሳትፎን ኣገ ባብ መስርሕ ውሳነን ኣዝዩ ኣገዳሲ ኢዩ።

ውሳነታት ሓንሳብ ምስ ወጹ'ውን ምስ ዝመጽእ መድረክኸ ዝተዓጻጻፉ ክኮኸኑ የድሊ።ምምሕያሻት ክመጽእ ወሰንቲ ኣካላት ንነቀቓፌታ ክፉት ማዕጾ ክህል ዎ ም የድሊ። ከሉ ሃገር እናተ መሓየሽን እናተኣረመን እዩ ዝከኸይድ። ናይ ልቦናን ፍልጠትን ብሕትውና ዘለ ዎ ም ትካላት ወይ ሰባት ኣለው ኢልና ክንዛረብ ኣይንክእልን፡ ስለዚ ነቀቓፌታ ወይ ተጻራሪ ርእይቶ ኣብ ዝመጸሉ ድፋዕ ሒዝኻ ምኽልኻልን ጠረው ምባልን ወይ ግብረ መልሲ ጥራይ ምሕሳብ ጠቃቓሚ ኣይኮነን። ጉዳይ ድሕነት ሃገር ደፋእ ኢልካ ዝርኤ ኣይኮነን፡ ናይ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ቐኒን እምበር ንፍሉያት ትካ ላት ጥራይ ዝምልከት'ውን ኣይ ኮነን፡ ዜጋታት በብናቶም ኣተና ትና ርእይቶታት ክሕዙ ስለዝክኸእሉ ንነቀቓፌታ ክፉት በሬ ምሃብን፡ ምርድዳእን ምጽውዋርን፡ ንውሳነ ታት ምስ ግዜ ዝመሓየሹን ዝሓሹ ኣማራጺታትን ክኾኑ ይሕግዝ።

ርእይቶ ክትህበሉ ቀሊል ዝመስል'ኳ እንተኮኸነ ምውርዛይ ግን ኣይጽቡቅን እዩ። ኣብ ተግበርቲ ኣካላት መንግስቲ ዝፈጥሮ ጸቕጢ ዓቢ እዩ። ተሃወስቲ ሕቶታት፡ (ረቅቦዘቕtቕቾቅ ቕዘዘችቅዘ) ሕጽረት ግዜ፡ ሕጽረት ዓቅሚ፡ ዝተፈላለየ ርእ ይቶ ወልቀ ሰባት፡ እሞ ኸኣ ብዘይ ተማለኤ ፍልጠትን ብቀቓëዕ ናይ ትንተና ዓቅምን መሳርሕን ስለዝኮኸነ ቀሊል ጸቕጢ ኣይኮነን ደገፍ ናይ ዝተመጻረየ ሓበሬታ ዘለ ዎ ም ትካላት ደገፍ ናይ ምክኸርን ምቁጻጻርን ዝህቡ ትካላት ይሓ ትት። ኣብ መደምደምታ ኩሉ ግዜ ዝላዓለን ዝበለጸን ተፈጻምነት እኳ ካብ ርትዓውነት ዝርሕቕ እንተኮኸነ ዝሓሸን ዝበለጸን ኣማራጺ ንምውሳን ዝከኣል ዘበለ ክግበር ኣለ ዎ  ብውሑዱ ትካላቒ ኣሰራርሓ ክተኣትቶን ክንጥቀ መሉን የድሊ። ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ዝዋስኣ ብቀቓëዓት ትካላትን ብሕጊ ዝተቀቓየደ ኣሰራርሓን ምህላው ይሓትት።

ፍሉጥ ንጹር መስርሕ ናይ ውሳነ ምውሳድ ኣገባብ ክህሉ የድሊ። ካቢነን ባይቶን ኣብዚ መስርሕ ዘለ ዎ ም ተራ ብንጽር ክንስእሎን ክንጥቀመሉን የድሊ።

ኣብዚ ተለዋዋጢን ሽንኩርን ዝኾነ ዓለምና ስእነት ናይ ከምዚኦም ዝኣመ ሰሉ ኣገባባት ንሓንቲ ሃገር ግዳይ ናይ ዘይሓሰበትሉ ሃንደበትነትን" ዘይቅውም ቀጻልነት ዘይብሉ ካብ የማን ንጻጋም ዝጸፍዕ ፖሊሲታት ክገብራ ይክኸእል እዩ።

ርእይቶታ ስለዝኮኸነ እየ ዝልፍልፍ ዘለከኹ'ምበር፡ ካብዚ ዝሓሸ፡ ዝበለጸን ዝተፈለየን ኣማራጺታት ክህሉ ከምዝኽ እል እውን ክዝንጋዕ የብሉን። ስለዚ ምክልካኸል፡ ወጻኢ ጉዳይ፡ ጸጥታ፡ ኩናት፡ ሃገራዊ ስግኣት፡ ሃገራዊ ድሕ ነትን ሃገራዊ ረብሓን ክንብል እንከለና ብስፍሕ ዝበለ መገድን ኣገባብን ክተሓዝ ዘለ ዎ  ይመስለኒ።

*ኢትዮጵያ ብምዕራባውያን ሃገ ራት ኣብ ከባቢና ዝዓበየት ሃገር ስለዝኾነት ኣብዚ ዞባ ብዝኾነ ተራ ኢትዮጽያ ክህሉ ይደልዩ እዚ ከመይ ትሪኦ?

=ኣነ እዚ ጉዳይ ብዕምቖት ክምልሾ ኣይክእልን'የ ምኽንያቱ ኣብዚ እዋን ዘለኒ ሓበሬታ ውሱን ይኸውን። ግን “ሓይሊ መሰል'ዩ” ዝበሃል ፍልስ ፍና ወይ ሓያል ዝኾነስ ኩሉ ክረክብ ኣለ ዎ  ዝበሃል ፍልስፍና ዝስርሉ ዘመን ዘለና ኣይመስለንን። ኢትዮጵያ ዓባይ መንግስቲ እምበር ሓያል ሃገር ኣይብ ላን'የ። ልክዕ'ዩ ብዝሒ ሰብ ኣሎ ሓድነት ዘለ ዎ  ሃገር ግን ኣይኮነን። ኣብ ሓደ ዕላማ ዝኣምን ሃገር ስለዘይኮነ ኣብ ውሽጢ ብዙሕ ሽግራት ኣለ ዎ ።

ስለዚ ነዚ ኣነጺሮም ዘይርድኡ፡ እቲ ግዝፋዊ/ቅርጻዊ ነገር ናይ ኢትዮጵያ ምስ ሓይሊ ኣተኣሳሲ ሮም ክርእይ ዎ  ይኽእሉ። ኢትዮጵያ ግን ናይ ገዛእ ርእሳ ብዙሕ ሽግራት ዘለቐ ሃገር እመስለኒ። ኣብዚ ዘለናዮ ዓለም ከኣ ሓያል ዝደለዮ ይርከብ ዝብል ፍልስፍና ዝሰርሕ ኣይመስለንን። ዝተፈላለየ ክንዋሳእ እንኽእል ዕድላት ኣለና። ስለዚ ንኸባቢ ከስርሕ ዝኽእል ሜላ ክነውጽእ ክንክእል ኣለና። ምናል ባሽ በዚን በትን ኣገባብ ክብል ኣይክ እልን። ግን ብመጽናዕቲ፡ ምይይጥን ጭቡጥ ኩነታት ብምግምጋምን ዘዋጻ ኣና ዝበሃል ከኺደና ዝኽእል ሜላ ክንሕዝ ንኽእል ይመስለኒ።

*ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቅድሚ ምዃንካ ንቑሩብ እዋን ሚኒስተር ምክልኻል ኔርካ እንታ ይ'ዩ መቐየሪኻ? ሓደ ሚኒስተር ናብ ካልእ ቦታ ዝቕየር'ከ በየናይ መምዘኒ'ዩ?

=ክምልሻ ኣይክእልን'የ። ምኽንያቱ ናይ ፕረሲደንት ስራሕ ስለዝኾነ ናቱ መዐቀኒ ይህል ዎ  ይኸውን። ሓደ ስራሕ መን ዝያዳ ከስልጦ ይኸእል ኢሉ ክምዝዝ ይኽእል። ስራሕ ጥራይ'ውን ከም መዐቀኒ ከይወስዶ ይኽእል። ካልእ ኩነታት ኣብ ግምት የእቱ ማለት'ዩ። ቅልጡፍ ምቅይያር ግን ልክዕ ጽቡቕ ኣይከውንን። ምኽንያቱ ሓደ ሰብ ስራሕ ከይተላለየ ኣብ ካልእ ስራሕ ክኣቱ ንዕኡ ይኹን ነቲ ትካል ጽቡቕ ኣይኮነን። ከም ኣሰራርሓ ዝጸ ንሓ ግን ምቅይያራት ይመጽእ፡ ኣብ ዝተቐየርካዮ ኬድካ ትሰርሕ። ኣነ ኸኣ ኣብ ምክልኻል ጸኒሓ ብ1994 ጉባኤ ተገይሩ። ድሕሪ ጉባኤ ኣብ ወጻኢ ጉዳይ ተቐይረ። ኣብ ወጻኢ ጉዳይ ሰለስተ ዓመት ስሪሕ እንደገና ናብ ሃብቲ ዓሳ ተቐይረ ማለት'ዩ።

*ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት'ከ ኔርካ'ዶ?

=እቲ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኩ ዎ  ብደረጃ ሚኒስተር'ዩ።ብሓላፊ ክፍሊ ግን ሓላፊ ውሽጣዊ ጉዳያት'ውን ነይረ።

*እቲ ዝግበር ምቅይያር ኣባላት ካቢነ ቅጥዒ ኣለ ዎ 'ዶ?

= እቲ ግቡእ ኣሰራርሓን ናህና መረዳእታን ፕረሲደንት ካቢነ ይምድብ፡ ናብ ባይቶ የቕርቦ፡ ባይቶ ከኣ የጽድቖ። ስለዚ ፕረሲደንት ካቢነ ናይ ምምስራት/ምቕያር ሓላፍነቱ'ዩ። ኣብ ዝተራእዮ ጊዜ ድማ ካቢነ ናይ ምቕያር ስጉምቲ ክወስድ ይኽእል'ዩ። እንተኮኸነ ባይቶ ክባርከኸሉ ኣለ ዎ ።

*ሕራይ ኣብቲ ናይ ህግደፍ ክንመጽእ፡ህግደፍ ክሳብ ሕጂ ስል ጣን ንህዝቢ ዘይርካቡ ምኹነይ ኣይኮነን ዝብል ናይ ህዝቢ ምዕዝምዛማት ኣሎ።ብዛዕባ'ዚ እንታ ይ'ዩ ርኢቶኻ?

=ኣነ'ውን ምድንጓይ ኣሎ'የ ዝብል። ካብ ሪፈረንደም ክሳብ 97 ዝነበረ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ግዜ ቅዋም ተመያይጥና ክነጽድቕ እኹል ጌዜ'ዩ ነይሩ።ብድሕሪኡ ከኣ ብዝተፈ ላለየ ምኽንያታት ተናዊሑ። ብዝኾነ ተቀቓላጢፍና ናብኡ ክንሰግር ዝሓሸ'ዩ። ካብዚ ዘሎ ናይ ኣሰራርሓ ጸገማት ወጺእና ኣብ ዝማዕበለን ልኡላውነት ህዝቢ ዘረጋግጽን ኣሰራርሓ ምእታው መተካእታ የብሉን።

*እዚ ሕጂ ምስ ወያነ ዝተፈጥረ ኩነታት ነቲ ቅድም ህ.ግ ኣብ ልዕሊኦም ዝነበሮ ኣረኣእያ ቀይር ዎ ዶ?

=እቲ ናይ ቀደም ሜላና ክሳብ ዓወት ኣብጺሑና'የ ዝብል ኣነ። ንም ንታይ ሽዑ ናይ ምንባር ሕቶ'ዩ። ህላወና ክቅጽል ንስርዓተ ኣምሓራ ክነውድቕ ንኹሎም ኣንጻር ኣምሓራ ዝኾኑ ክንሕግዝን ክነተባብዕን ነይሩና። ነናይ ገዛእ ርእሶም ሕርነታዊ ቃልሲ ስለ ዝነበሮም ከኣ ንሕና ክልተ-ሰለስተ ሚልዮን ህዝቢ ሒዝና ምስ ውሑድ ዓቕሚ ምስ ዓቢ ሃገር ክንገጥመሉ እንተኾይና ብዝ ተኻእለ መጠን እቲ ኣብ ውሽጢ ዘሎ ድኽመታት ክምዝመዝ ክኽ እል ኣለ ዎ ። ንሱ ኸኣ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ግዙኣት ህዝቢ ስለዘለው፡ ምስኦም ብሓባር ኮይንካ ንናይ ኣምሓራ ኢምባራጦርያ ምውዳቕ ዝብል እስትራተጂ'ዩ ነይሩና። ክሳብ ኣብኡ ድማ ጽቡቕ ዝነበረና እመስለኒ።

ብድሕሪኡ መተካእትኡ እንታይ'ዩ ዝብል'ዩ ነይሩ እቲ ሕቶ። መን'ዩ ክመጽእ ኣብ ኢትዮጵያ? ፋሕፋሕ ድያ ክትበል? እዚ ናይ ትግራይ ብሃ  ር'ከ ክሕዛ ይኽእል ድዩ (በቲ ናይ ቀደም ሓይሊ) ዝብል ብዙሕ ርኢቶ ታት ነይሩ። እቲ ሓፈሻዊ ኣረኣእያ ዝነበረ ግን ወያነ ኣብ ስልጣን ይብጻሕ እምበር ልክዕ ከም ናይ ኣምሓራ ኢምባራጦርያ ቀላጽም ክህል ዎ  ኣይክ እልን'ዩ። ምኽንያቱ ንበይኖም ነቲ ዓዲ ክሕዙ ዎ  ክሳብ ዝፈተኑ ዝገጥሞም ሽግር ብዙሕ'ዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ሓያል መንግስቲ ኣይኮነን ክኸውን። ካብዚ ዝተበገስ ሰረቱ ክድልድል መታን ምሕዝነት ከድልድል ክደሊ'ዩ (መታን ክቕጽል) ዝብል ግምታት ነይሩ። እዚ ኸኣ ኣብቲ መጀመርያ ግጉይ ዝነበረ ኣይመስለንን። ልክዕ'ዩ ድሓር እቲ ምዕባለታት ካብቲ ዝተጸበናዮ ንላዕሊ ከይዱ።ነቲ ጥሙሓት (ሃብሾቕቻቕተቦ) ናይ ኢምበራጦርያ ሓሊ ፎም ክብል እኽእል ኣብ መወዳእታ። ምኽንያቱ ንብሙሉኡ'ቲ ሽዑ ዝነበረ ኣተሓሳስባታት ዝነጽግ ልኡላውነት ኤርትራ ዘፍርስ ክሳብ ኣብኡ ደረጃ ከይዶም ስለዘለው፡ ብሙሉኡ'ቲ ዝነበ ረና ግምታት ልክዕ ኣይነበረን። እዞም ሰባት ንፈልጦም ኣይነበረናን ውሽጣዊ ኣተሓሳስቦኦም ንግምቶ ኣይነበረናን ክንብል ንኽእል ኢና።

ባህሪ ናይቲ ስርዓት ሕጂ'ውን ኣይ ተቐየረን'ዩ ዝብል ኣነ። ምኽንያቱ ኢትዮጽያ ዓባይ ሃገር'ያ ብዙሓት ብሄራት ኣለዋ(ንርእስ ውሳኔኦም ዝቓ ለሱ)። እዚ ጉዳይ ክሳብ ዘይተፈትሓ ከኣ ዝኾነ ይኹን መተካእታ ስርዓተ ኣምሓራ ኮይኑ ነቲ ዓዲ ከካይዶ ዝደሊ ፍታሕ ዝረክብ ኮይኑ ኣይስመዓንን። እነሆ'ውን ኣብዚ ቀረባ እዋን ንሪኦ ኣለና ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ከምኡ ዝኣመሰለ ሽግራት ኣሎ። ስለዚ ናይ ህዝቢ ሕቶታት ብግቡእ ክሳብ ዘይተ ፈትሑ እቲ ሃገር ሓያል ሃገር ክኸውን ዝኽእል ኣይመስለንን። ብሓፈሻ ነቲ ምስ ወያነ ዝነበረ ዝምድና ክሳብ ዝተወሰነ መድረኽ ተጠቒምናሉ ኢና። ብድሕሪኡ ንጽቡቕ ዝምድና ጽቡቕ ጉርብትና ንናይ ሓባር ረብሓ ምስራሕ ከም ኤርትራውያን መጠን ንረብሓና ስለዝኾነ ምስ ዝኾነ ሃገር (ጐረቤትና) ብኸምኡ ምስራሕ ኣ ዎ ንታዊ ይመስ ለኒ። ካብኡ ዝተረፈ እዚ ድሓር ዝመጸ ሕቡእ ኣጀንዳታት ብሙሉኡ እዚ ኣተ ሓሳስባ ተቐይሩ ኣብ ዝኸፍአ ናይ ውግእ ኩነታት ኣቲና። ኣብቲ እዋን'ቲ ግን ምዘëእ ሃዋሁ ተፈጢሩ ስለዝነበረ ነዚ ከባቢና ናይ ሰላምን ምርግጋእን ቦታ ኣብ ምግባር ናይ መጀመርያ ተበግሶ ኣብ መንጐ ክልቲኤን ሃገራት ክውሰድ ይከኣል'ዩ ተባሂሉ ናይ ሜላታ ትና ምቕርራባት ምግባር መደብ ነይሩ።ብክልተኤን ሃገራት ዝወጸ ናይ ሚኒስተራት ኮሚሽን ነይሩ። ብወገን ኢትዮጵያ ብታምራት ላይነ ዝምራሕ ብወገን ኤርትራ ድማ ብማሕመድ ሸሪፎ ዝምራሕ (ሖተቕቦt ምቕቦቕዘtቅቶቕሽባ ሆተብብቕttቅ) ሓባራዊ ኮሚቴ ሚኒስተራት ነይሩ። ኣብ ትሕቲኡ ከኣ ዝተፈላለዩ ኮሚቴታት ነይረን። ሰሰለስተ ወርሒ ንራኸብ፡ ከመይ ነይሩ ክልቲኡ ሃገራት ክቀራረብ ይኽእል ዝብል መደባት ነይሩ። ክሰርሕ ግን ኣይከኣለን። ስለዚ በብመድረኹ ክንሪኦ እንኽእል ይመስ ለኒ። እቲ ዝነበረና ግምትን ትጽቢትን ልክዕ ኣይኮነን። ስለምንታይ ክንግ ምግም ዘይከኣልና፡ ካልእ ሕቶ ይመስለኒ።

ኣብ መጻኢ ምስ ኢትዮጵያ ይኹን ካልኦት ጐረባብትና ዘተኣማምን ናይ ሰላም ኩነታት ከም ዝሰፍን ምግባር ዝሓተና ይመስለኒ። ደሌትናን፡ ረብሓ ታትናን ብዘይ ኲናት ክንጭብጠሉ ዘካኣለና ስትራተጀ ምሕንጻጽ የድሊ። ንከባቢና ዘንጸላልው ሓደጋታትን ዕድላትን በዙሓት ስለዝኮኸኑ፡ በዚ ፎርሙላ ክስራሕ ኣለ ዎ  ክባሃል ኣጸጋሚ እዩ።

ሰላም እንተዘየላ ልምዓት የልቦን ስለዝኾነ ግን ኣብ ከባቢና ሰላም ከም ዝስፍን ንምግባር እንገብሮ ጻዕሪ ምስ ቶም ቀንዲ ኣገዳስነት እንህቦም ጉዳያት ክንሰርዖ ይግባእ።

*ገለ ሰባት ግን ነቲ ምስ ኢት ዮጵያ ዝተገብረ ዝምድና ተገዲድና ከምዝኣተናዮ ገይሮም'ዮም ዝዛ ረቡ። ምስ ኢትዮጵያ ዝምድና ክንገብር ዘገድደና ናይ ወጻኢ ሓይሊ ነይሩ ድዩ?

=ናይ ወጻኢ'ኳ ክብሎ ዝኽእል የብለይን ብዛዕባ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ብዙሕ ኣፍልጦ የብለይን። እቲ ዝነበረ ርኢቶ ግን (ከምቲ ዝጠቐስካዮ) ውሕ ስነት ናይ ድሕነት ሓደ ካብቲ ኣገባባት ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝጥቀማሉ'ሲ ዞባዊ ውድባት ምምስራት'ዩ። ንኣብነት ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ-ሳዴክ፡ኣብ ምብ ራቕ ኣፍሪቃ- ኤኮዋስ ኣብ ኤውሮጳ-ላሪ። ኣብ ሓደ ዞባ ናይ ሓባር ረብሓ ዘለወን ሃገራት ሓደ ውድብ ኣቒመን ኣብ ኩሉ መዳያት ዘለወን ናይ ሜላ ምቅርራብ እንተገይረን ነቲ ኣብ ሓድ ሕድ ዘለወን ምጥርጣር ስለዘጉድለ ኣብ ክንዲ ናብ ምርጻም ናብ ምቅር ራብን ምውህሃድን ዘምርሕ ሃውሁ ክፍጠር ይኽእል'ዩ እዚ ኸኣ ብቁጠባዊ ዝኾነ ምትእስሳራት እንተገዲፉ ናጻ ናይ ንግድን ሰብን ምንቅስቓሳት እንተ ደኣ ተወሲኹ ዎ  ዝተጠናነገ ረብሓ ስለዝፍጠር ተመሊስካ ናብ ውግእ ናይ ምእታው ተኽእሎ የጉድል እዩ።

ስለዚ ናይ ሓባር ረብሓ ዘለ ዎ  ዞባዊ ውድባት ምፍጣር (ኢጋድ)፡ ብመጠኑ ናይ ሓባር ድሕነት ወይ ውሕስነት ንምሃብ ይሕግዝ ዝብል ኣተሓሳስባ'ዩ ነይሩ። ነዚ ኩሉ ዓለም'ዩ ይጥቀመሉ ኣሎ። ንሕና ከኣ ኣብዚ ዞባ ክሳብ ዘለና ነዚ ሕቶ'ዚ ክንጎስዮ ንኽእል ኣይመስለንን። ኣብዚ ከባቢ'ዚ ሓደ ሕቶ ኣሎ። ንሕና፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማልያን ጂቡቲን ኣለና። ዝተፈላለየ ዘየቕስን ሽግራት ኣሎ። እዚ ሽግር'ዚ ናብ ዘቕስን መገዲ ንምብጻሕ ምስራሕ ከኣ ግድን'ዩ። ዝተፈላለየ ርኢቶታት ክመጽእ ይኽእል ይኸውን። ግን ሓደ መዋስኢ መገዲ ዝነበረ እመስለኒ።

ምቅልጣፍን ዘይምቅልጣፍን ዝበልካ ዮ'ኳ ብዙሕ ኣይተረዳኣንን። ብሓፈሻዊ ኣጠማምታ ግን ዞባና ናይ ሰላምን ምርግጋእን ዞባ ክኸውን፡ ምጥርጣር ክጠፍእ፡ዞባዊ ጸጥታ ኣብ ዝሓሸ ደረጃ ከምዝበጽሕ ምግባር ንምስራሕ ዝዓለመ'ዩ ነይሩ።

እዚ ብደረጃ መንግስቲ ዝነበረ ኢዩ። ኣብ ሞንጐ ክልቲኡ ውድ ባት ዝነበረ ዝምድናንን ናይ ሓባር ስትራተጀታትን ግን ብግንባር ደረጃ ተታሓዙ ይስርሓሉ ስለዝነበረ ሓፈሻዊ ኣፍልጦ ጥራይ ስለዘለኒ ክዛረበሉ ኣይክእልን። ስለምንታይ ስትራተጀካዊ መሓዛ ብሃንደበት ናብ ስትራተጀካዊ ጻላኢ ተቀቓይሩ ንዝብል ሕቶ ግን መልሲ ክንረክ ኸበሉ ዘለና ጉዳይ ኢዩ።

*ብዛዕባ ኣቃውማ ብዙሕነት ህዝቢ ኤርትራ ዘለና ፖሊሲ እንታይ ርኢቶ ኣለካ? ዘይምዕሩይ ተሳታፍነት ንኽደላደል'ከ እንታይ ስጉምታት ክውሰድ ኣለ ዎ  ትብል?

=ኣነ እዚ ሕቶ'ዚ ህዝቢ ኤርትራ ዝመለሾ ኮይኑ ይስማዓኒ። ንምንታይ፡ ኣብ ታሪኽና ተመሊስና እንተሪእና ኣብ ሓምሳታት እቲ ናይ መጀመርያ ናይ ፖለቲካ ተሞክሮ ዝራኣናሉ፡ ብርቱዕ ጸረ-መግዛእታዊ ስምዒት ነይሩ ይኸውን እምበር ንጹር ኤርትራዊ ሃገራውነት ኣብቲ እዋን'ቲ ተፈጢሩ ነይሩ ኢልካ ክትዛረብ'ውን ኣጸጋ ሚ'ዩ። እቲ ናይ ኤርትራ ሃገራውነት መበገሲኡ ምስ ናይ 60 ዓመት ናይ ባዕዲ መግዛእቲ ስለዝኾነ።

ኣብ ሓምሳታት ግን ሓደ ነገር ክን ጸር ክኢሉ ኣብ መጀመርያ እቲ ህዝቢ ብዝተፈላለየ መንገዲ ክውደብ ጸኒሑ ኤርትራ ኣብ ክልተ ክትምቀል ዝብል ናይ በቪንስ ስፎርሳ መደብ ምስ መጸ እቲ ዝበዝሓ ነቲ ምክፍፋል ተቓዊሙ ዎ ።ጠለቡ ካኣ ከነጽር ጀሚሩ። ምስ ናጽነት ኤርትራ ምስ መሰል ርእሰ ውሳነን ብዙሕነትን ዝተኣሳሰረ (እስላምን ክርስትያንን ኢልና ግን ኣይንፈለልን ሓደ ንኹን) ዝብል ኣተ ሓሳስባታት እናማዕበለ መጽዩ።

ፈደሬሽን ነዚ ኣብ ሓደ ቀጻሊ መድረኽ ኣደይብ ዎ 'ዩ። ምኽንያቱ ዋላ እቶም ኣብ ሓምሳታት ጸረ ናጽነት መርገጺ ዝነበሮም ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኣምሓራ ምእታው እንታይ ክመስል ከምዝኽእል ስለዝተ ረድኡን ኩሉ መሰላት ስለ ዝተገፈን እቲ ናይ ናጽነት ኣተሓሳስባ ኣዝዩ ሓያል እናኾነ መጽዩ። ንሱ ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ህዝቢ ሓደ ኢና፡ ብሓደ ክንሓስብ ክንክእል ኣለና። ማዕረ ኢና ኩልና ዝብልን ካልእን ኣተሓሳስባታት መጽዩ።

እቲ ዕድልና ዘይገበሮ ኣብ መሪሕነት ጀብሃ እዚ ኣተሓሳስባ'ዚ ኣይተንጸባረ ቐን። እቲ ናይ መጀመርያ 12/13 ዓመታት ብዙሕ ሽግር'ዩ ሓሊፉ። እዚ ከኣ እቲ ኣጠማምታ ኣብ ጸቢብ ኤትኒክነትን ኣብ ሃይማኖታዊ ምፍል ላይን ዝተሞርኮሰ ስለዝነበረ ውግእ ሓድሕድ ከፊልናሉ። ድሕሪ ውግእ ሓድሕድ ናብ ሓድሽ መድረኽ ሰጊርና ክንብል ንኽእል። ምኽንያቱ ብዝኸፍአ ተሞክሮን ብዝኸበረ ዋጋን ተማሂርና።

ስለዚ ህ.ግ ክትመጽእ ከላ ከም ነጻጊት ናይዚ ኣሉታዊ ተሞክሮ፡ ማዕርነት ናይ ብሄራት፡ ሓድነት ብብዙ ሕነትና'ዩ ዝግለጽ ዝብል መበገሲ ፍልስፍና'ዩ ነይሩዋ። እዚ ፍልስፍ ና'ዚ ቅኑዕ እመስለኒ።ኣብ ዓወት ከኣ ከብጻሓና ክኢሉ።ምኽንያቱ ህ.ግ ናይ ዓሌት፡ ሃይማኖትን ጾታን ፍልልይ ዘይብሉ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ተሳቲፍና ዕውታት ኮይና ንኽንወጽእ ሓጊዙና። እዚ ሓደ ኣ ዎ ንታዊ ተራ ናይ ህ.ግንባር እዩ። ድሕሪ ናጽነት ብግምት ዘይኮነ፡ ህዝቢ ኤርትራ ሰብ ብሰብ መሪጹ ኣብ ሪፈረንዱም 99.8% ኤርትራዊ ድምጹ ሂቡ። እዚ ከኣ ከም ናይ ካል ኦት ሃገራት ግምታዊ ዘይኮነ ብሙሉኡ ህዝቢ ኤርትራ ናጽነት ከምዝደሊ ኣረጋጊጹ።

እታ ብድሕሪኡ እትመጽእ ሕቶ እዛ ሕጂ ናጻ ኮይና ዘላ ኤርትራ ከመይ ገይራ'ያ ነዚ ካብ ተሞክሮ ዝተረኽበ ሓድነት ዝያዳ ከምዝሕይልን ከምዝድልድልን እትገብሮ ዝብል'ዩ። እዚ ከኣ ኣብዚ ኣርባዕተ ዓመት ናይ ቅዋም ተኻቲዕና ዘጽደቕናዮ እመስ ለኒ።ስለዚ ኣነ ሓድነትና ዝብሎ ኣብዚ ቅዋም ይንጸባረቕ'ዩ። ሓድነትና ሓደ ኤርትራዊ ካብ ዝኾነ ይኹን ብሄር ካብ ዝኾነ ይኹን ሃይማኖት ኣብዛ ኤርትራ እትበሃል ዘላ ሃገር፡ ኣነ ብኸ መይ'የ ዝውከል፡ ብሕጊ ከመይ ገይ ረ'የ ናብ ስልጣን ክድይብ ወይ ክወ ርድ ዝኽእል፡ ክሓትት ዝኽእል፡ ካብቲ ጸጋ ናይቲ ሃገር በየናይ ሕጋዊ መገዲ'የ ክማቐል ዝኽእ፡ ኣብ ውጥን ናይዛ ሃገር ብኸመይ መገዲ ከበርክት እኽእል፡ ርኢቶይ ብኸመይ መገዲ ክህብ እኽእል፡ ወይ ብኸመይ ማዕርነተይ ከረጋግጽ እኽእል ዝብል ሕቶ ታት ሓዚላ ዘላ ቅዋምና እያ። ንኹሉ ነገር ከኣ ትምልሾ ንሳ'ያ።

ስለዚ ኣብዛ ቅዋም እዚኣ ዝኣምን ኤርትራዊ ኩሉ ሓደ'ዩ። ንብዙሕነት ናን ማዕርነትናን ዝሕሉ ሕጋዊ ኣሰ ራርሓ ንገብር ኣለና ማለት'ዩ። እዚ ተመሊሹ'ዩ እየ ዝብል ኣነ። እቲ ብድሕሪኡ ዝመጽእ እንታይ ኢና ንደሊ ንሕና? ብልጽግና፡ ማዕርነትን ፍትሕን ዘለዋ ዓዲ ክንገብር'ዩ። በየናይ መገዲ? ሓደ ብየማን፡ ሓደ ብጸጋም ሓደ ከኣ ብማእከል'የ ዝኸይድ ክብል ይኽእል። ብኸመይ ንብልጽግ ወይ ኣብቲ እንደልዮ ንበጽሕ፡ ፍልልይ ክህሉ ይኽእል። እዚ ግን ጥዕና ዘለ ዎ  ፍልልያት (ኣብ ውሽጢ ሓደ ሃገር/ህዝቢ) ዘሎ እዩ። ክነማዕብሎን ክንኩ ስኩሶን ድማ ኣለና።

ጸገም ዝመጽእ ኣነ ኣብዚ ኣይተ ወከልኩን፡ መሰለይ ኣይተሓለወን፡ ማዕረ ካልኦት ኣይኮንኩን፡ ዝብል ኣተሓ ሳስባታት ምስዝህሉ'ዩ። እዚ ኣተሓሳ ስባ እንድሕር ሃሊዩ ከኣ ክንሰምዖን ክንመያየጠሉን ዘፍቕድ ኣተሓሕዛ ክልህልወና ይግባእ። እዚ ድማ ኣብ ቅዋም ዘሎ እመስለኒ። ሽግራት ወይ ከምኡ ዓይነት ስምዕታ እንድሕር ሃሊዩ ካበይ'ዩ ዝበቑል? ስለምንታይ? መበገሲ ኣለ ዎ 'ዶ የብሉን? ሓቅታት ሪእና፡ መገዲ ሓድነት ብዘደልድል ኣገባብ ፈቲሕናዮ ክንከይድ ንኽእል እመስለኒ። ፈለማ ግን ነቲ ጉዕዞ ንጀ ምሮ። ኣብቲ ቅዋማዊ ኣሰራርሓ ንእ ቶ'ሞ ብዙሕ ሕቶታት ክምልሸል ና'ዩ። እቲ ካልእ ዝመጽእ ከኣ ኣብ ጉዕዞ እንዳ ኣሃብተምናዮን እንዳስፋሕ ናዮን ስለንኸይድ ብዝያዳ ሓድነትና እናደልደለ ከምዝኸይድ ዘጠራጥር ኣይመስለንን።ስለዚ እቶም ቀንዲ ሕቶ ታት'ሲ መሊሽናዮም ኢና'የ ዝብል።

*ኣብ ንድፊ ሕጊ ፖለቲካውያን ሰልፍታት ዘለካ ርኢቶ እንታይ'ዩ?

=ምናልባሽ ኣብታ ሓንቲ ክምልኣ ዝደለኹ እቲ ሓድነትና ንብሎ ዝድል ድል ኩሉ ኤርትራዊ ተወኪለ'የ፡ ኣነ ኣብዚ ኣለኹ ኢሉ ምስዝኣምን ጥራ ይ'ዩ። እዚ ምስዘይህሉ ሽግር ኣለና ማለት'ዩ። እዚ እንድሕር ሃሊዩ ከኣ ሓይሊ ኣለና ማለት'ዩ። ዝኾነ ይኹን ብደገ እንተመጸ ንሓደ ኤርትራዊ ፈልዩ ሽግር ከምዘልዕል ክገብሮ ኣይክእ ልን'ዩ። ምኽንያቱ እቲ መሰረታዊ እምነት ኣሎ ማለት'ዩ። ስለዚ ንውሽ ጣዊ ሓድነት ጥራይ ዘይኮነ ብደገ ዝመጽእ ሽግራት'ውን ኢድ ክረክብ ኣይክእልን'ዩ። እዚ ከኣ ብግብሪ ኣርኢ ናዮ ኢና። ትማሊ ኲናት ምስመጸ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዝነበረ ተገዳስነትን ተሳታፍነትን ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ብግብሪ ተራእዩ'ዩ። ሓደ ልቢ፡ ሓደ ደም ኢልና እንዛረበሉ ኩነታት'ዩ ዘሎ። እዚ ከኣ ካብዚ እምነት ዝነቅል እመ ስለኒ። ስለዚ ሓያል ዝኾነ ተሞክሮ ኣሕሊፍና ኢና፡ ካብዚ ተሞክሮን ክንመሃር ኣለና። ብዝያዳ ከኣ ከም ዝሕይል ክንገብሮ ኣለና። ንሱ ከኣ በዚ ቅዋማዊ መገዲ ክንበጽሖ እንኽእል እመስለኒ።

ብዛዕባ ሰልፍታት ዘለኒ ርኢቶ እንተ ደኣ ኮይኑ፡ ሓደ እቲ መበገሲ ኣተሓሳ ስባ ዝነበረ፡ ሕብረ ሰልፋዊ ስርዓት ምምስራት ጥቕሙ ይብዝሕ ካብ ጉድኣቱ። ምኽንያቱ ሓደ ሰልፊ ዝመ ርሐን ስርዓታት ኣብ ታሪኽ እንድሕር ሪእናየን'ሲ ኣብ ሕማቕ'የን ወዲቐን። ንምንታይ ናይ ሓሳባት ምርጻም ናይ ሓሳባት ምውሳእን ምውድዳርን ስለ ዘየፍቕድ፡ ዲናሚዝም ምዕባለ ክዕገት ይኽእል።

ሕብረ-ሰልፋዊ ኢልኻ ኸኣ መት ሓዚ ዘይብሉ ስርዓታት ኣሎ። ኣብ ክንዲ ንምዕባለ ደፋኢ ዝኸውን ዓንቃጺ ክኸውን ይኽእል። ንሕና ሕብረ-ሰልፋዊ ክንብል ከለና ልክዕ'ዩ ነቶም እንደልዮም ረቀቓüüሒታት ዘተባብዕ፡ ንብልጽግናን ምዕባለን ዝደ ፍእ ክኸውን ኣለ ዎ ። ከምኡ ንኽኸውን ድማ ካብ ባህሪ ናይ ሕብረተሰብና ክነቅል ክኸእል ኣለ ዎ  ዝብል መረ ዳእታ ኣለኒ።

ንኣብነት ከምቲ ኣቐዲሙ ክበሃል ዝጸንሓ 30 ዓመት ተጋዲልና ብስንኪ ፈላላይ ኣረኣእያ ኲናት ሓድሕድ ሓሊፍና። እዚ ኹሉ ሓሊፍና ልክዕ ከምኡ ነይነት ኣተሓሳስባታት ዝሓዞ ስልፍታት ክንፈቅድ ንረብሓ ይኹን ሓድነት ናይዛ ሃገር ዘርብሕ ኣይኮነን። ኣነ እንድሕር ዘየሊየ ንስኻ የለኻን እንተዘየሊኻ ድማ ኣነ የለኹን።ኩልና ብሓባር ክንህሉ ክንክእል ኣለና። ኩልና ከኣ በዚ ዕድል ክንጥቀም ክንክእል ኣለና። ስለዚ ሰልፍታት ከምዚ ኣረኣእ ያታት ዘለ ዎ  ክኸውን ኣለ ዎ ። ዝኾነ ጥሩፍነት ክንፈጥር የብልናን።

ካልእ ናይ ደገ ምምዋል ዝብሃል ኣሎ ዝኾነ ይኹን ናይ ውሽጢ ሓይሊ ካብ ናይ ውሽጢ ኣተሓሳስባ ዝብገስ ክኸውን ኣለ ዎ ። ብናይ ደገ ክኸይድ የብሉን። ምኽንያቱ እንተደኣ ናይ ደገ ምምዋል ሃሊዩ ንናይ ደገ ረብ ሓታት ተገዛኢ ምዃን የምጽእ። ናጻ ኤርትራዊ ተበግሶ ክኸውን ኣለ ዎ ። እዚ ከኣ ኣገዳሲ ረቀቓüሒታት እመስለኒ። ከምዚ ንበል ደኣምበር ነዚ ክንወቅዕ ክስገር ዘይክል ቅድመ ኩነታት ኣም ጺእና፡ስልፊ ክቐውም እዝን እዝን ከማልእ ኣለ ዎ  ኢልና ብግብሪ ካልኦት ከምዘይሳተፉ ዎ  ክንገብር የብልና። ልክዕ'ዩ ቅድመ ኩነት ክማላእ ኣለ ዎ ። ግን ከኣ ዕድል ዝህብን ዘሳትፍን ክኸ ውን ኣለ ዎ  ዝብል ርኢቶ ኣለኒ።

ስለዚ በዚ ወጽዩ ዘሎን ንድፊ መሰረት ተመያይጥና ተኻቲዕና ዘስርሕ ዝበሃል ምስ ኩነታትና ክኸይድ ዝኽእል ሕጊ ኣውጺእና እዚ መሰል'ዚ ኤርትራውያን ከም ዝጥቀመሉ ምግባር ኣገዳሲ ኮይኑ ይስማዓኒ። ብፍላይ ከኣ ነዚ ዝመ ጽእ ዘሎ ምርጫ። ኣብ'ዚ ናይ መጀመርያ ምርጫና ኤርትራውያን እዚ መሰል ተጠቒሞም ናብ'ዚ ምርጫ'ዚ ክስተፉ ግቡእ ይመ ስለኒ ኣነ። እዚ ኸኣ ኣብቲ ውሳኔ ታት ማእከላይ ባይቶና ብንጹር ተገሊጹ ስለዘሎ ክንትግብሮ ኣለና።

*ምስ'ዚ ተኣሳሲሩ ዝመጽእ ደረጃ ንቕሓት ህዝብና ንኸምኡ ቁሩብ ኣይኮነን ዝብል'ዩ። ንስኻ ነዚ ከመይ ትሪኦ?

=ንቕሓት ናይ ህዝቢ፡ ኣነ ብመረዳእ ተይ ህዝቢ ኤርትራ ሃገራዊ ረብሓኡ ዝፈልጥ ሓደ ልቢ ሓደ ደም ኮይኑ ን30 ዓመት ብረታዊ ቃልሲ ደጊፉ ዘዐወተ ህዝቢ'ዩ። ዋላ'ውን ኣብ ውሱን ታሪኻዊ መድረኻት ነቲ መሪሕ ሰውራ ዝብል ገድሊ ከማን ብናቱ ተበግሶ ከተዓርቕ ዝብገስ ዝነበረ'ዩ። ስለዚ ኣቃሊልና ክንሪኦ ዘለና ኣይመስለንን። ሃገራውነቱን ዝሕለፎ ሽግርን ሕጂ ዘለ ዎ  ናጽነትን መጻኢኡ እንታይ ከም ዝመስልን ዝጠፍኦ ኣይመስለንን።

ልክዕ'ዩ ኩሉ ነገር ወዲእና ሓሊፍ ናዮ ክንብል ኣይንኽእልን። ከም ዝኾነ ድሑር ናይ ሳልሳይ ዓለም ሃገር ትምህርቲ ኣብዘይብሉ እዞም ሽግራት የለውን ኢልና ክንዛረብ ኣይንኽእልን። ግን ከኣ እዚኦም ስለዘለው ክንጅምር ኣይንኽእልን ኢና ክንብል ከኣ ልክዕ ኣይመስለንን። ከምኡ ርኢቶ ዘሎ'ውን ኣይመስለንን። ምኽንያቱ ኣብቲ ናይ ቅድም ናይ ህ.ግ ውሳኔታት ይኹን ኣብዚ ናይ ሕጂ መንግስቲ ኤርትራ ተነጺሩ ኮፍ ዝበለ እመስለኒ።

* ኣብዚ እቐን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ብልሽውና ብከኸመይ ትገልጾ?

=ብልሽውና ክጐድልን ክበዝሕን ይክኸእል፡ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ብተዛማዲ ይፍላለ እምበር ፈጺሙ ብልሽወና ዘይብሉ ሃገር ኣሎ ክበሃል ኣይክእልን። ምስ ካልኦት ኣዛሚድካ ከርአ እንከሎ ኣብ ሃገርና ዘሎ ብልሽወና መጠነኛ ኢዩ። ግን በግቡእ እንተዘይ ተቖጻርናዮን ዘይኣሊናዮን ሳዕሪሩ ዓቢ ጸገም ከምጽእ ይክኸእል ኢዩ።

ብልሽውና ብዙሕ መልክዓት ኣለ ዎ  ካበቶም ዓበይቲ ጉቦን ምጥፍፋእን ከምኡ'ውን ስልጣን ብግቡእ ዘይምጥቃም ጀሚርካ ክሳብ ንኣሽቱ ንንብረትን ካልእ ሓለፋታትን ዝምልከት ጉዳያት ክሕዝ ይክኸእል።

ኣብ ስርዓት ኣሰራርሓ፡ ኣብ ፍጻመ ሕጊ፡ ኣብ ስነምግባር ወዘተ እውን ዘተባብዕ ዎ  ረቀቓüüሒታት ኣይስኣንን እዩ። ስለዚ መጀመርያ ዓይነት ህላቔኡን ዓቀቓኑን ምርግጋጽን ምፍላጥን የድሊ። ቀጺሉ ድማ ንምፍቐሶም ክውሰድ ዘለ ዎ  ኣገባብ ምንጻፍ የድሊ። መንግስቲ ንባዕሉ ቀንዲ ናይ ብልሽውና መበገሲ ክኸውን ይክኸእል ኢዩ።

ዜጋታት ናይ ምክልካኸል መሰሎምን መሰል ሰብኣዊ ክብረቶምን (ቅዋም ዓንቀጽ 16) ኪጠሓስ ይክኸእል ኢዩ። ብዘይ ኣገባብ ክይቅየዱን ፍትሓዊን ሕጋውን ፍርዲ ክረክኸቡን (ዓንቀጽ 17) ዘክኸእል ኣገባብ ክህሉ ኣለ ዎ ።

እዚ ስልጣን'ዚ ባይቶ ክሳብ ዘይሓዞ መንግስቲ ንዝደለዩ ዕላማ ክጥቀመሉ ከም ዝክኸእል ብተሞኩሮ ዝተረጋገጸ ኢዩ ።

ብልሽውና ብቅሉዕ መገዲ ይጸናዕ ነዚ ዘጸንዕ ህዝቢ ዝሳተፎ ናጻ ኣካል ይቁም ኣብዚ ሃገር ዘሎ ብልሽውና ኣብ ትካላት ይኹን ሰባት ካብ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ጀሚሩ ብኣተሓሕዛ ስርሖምን ፋይናንስያዊ ሕሳባቶምን ከምኡ'ውን ስነ ምግባራዊ ኣካይይዳኦምን ይሕተት፡ ምስ ኣጻረየ ናብ ሕጊ ወሪዱ ብናጻ ፍርዳዊ ኣካል ሕጋዊ መስርሑ ሒዙ ከም ዝከኸይድ ይግበር።

ክተኣታቶ ዝግብኦ ኣገባባት ምቁጽጻርን መስርሓትን ይነጸር፡ ዝትግበረሉ መንገዲ ይንደይ ብከኸምዚ ድማ መጋበርያ ዘይኮነስ ፍትሓዊ ዝኮኸነን ብሃናጺ መንገዲ ክንእርሞ ዘኽእለና ኣገባብ ከነትሕዞ እንክኸእል ይመስለኒ። ኣተሓሕዛ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ግን ሰዓቱ ዝሓለፎን ምስ ቃልን መንፈስን ቅዋምና ስለዘይሳነን ከብቅዕ ኣለ ዎ  እብል።

*ናብ ሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ ክንምለስ ኣብዚ ሚኒስትሪ ድሕሪ ምምጻእካ እንታይ ምዕባለ ወይ ሓድሽ ነገር ተኣታትዩ?

=ከምቲ ኣቐዲመ ዝበልኩ ዎ  ናብ ሃብቲ ዓሳ ድሕሪ ምምዳበይ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ቤት ትምህርቲ'የ ነይረ እንተበልኩ ኣይሓስኹን ዝፈልጦ ስራሕ ኣይነበረን።

ቅድመይ ብዙሕ መጽናዕታት ተኻይዱ ጸኒሑኒ። እዚ ዓውዲ ሃብቲ ሃገር ስለዝኾነ ብዝተፈላለየ ማእዝናት ምጥማት የድልዮ ይኸውን። ካብኡ ዝተረፈ ብሕጊ ናይቲ ሚኒስትሪ ክሰርሕ ዝደሊ ሰብ ይመጽእ ይሓትት ዝርርብ ይግባር ብድሕሪኡ ናብ ስራሕ ምእታው ይመጽእ ማለት'ዩ።

ከምዝኾነ ሚኒስትሪ ሓደ ሓደ ጸገም ኣይስኣነናን ይኸውን።ግን ከኣ ብልክዕ ዝቐረቡና ሽግራት ኣለው ኣይብልን። ብኸምዚን ከምዝን ተዓንቒፈ ወይ ጠጠው ኢለ ዝብል እንተሊዩ ክንፈትሖ ንኽእል ንኸውን። ሽግር ክህልወና ናይ ግድን'ዩ ዓበይቲ ማሓንቖታት ከኣ ኣለና ኣይብልን'የ።

*ኣብ ወፍሪ ሃብቲ ዓሳ እትኽተል ዎ  ኣገባብ ካብዛን ናይ ከባቢና ሃገራት ዝፍለ ድዩ?

=ከምኡ ከይከውን ይኽእል'ዩ። ምኽንያቱ ከባቢና ሃብቶም ተወዲኡ ክኸውን ይኽእል። ወይ ኣገባብ ኣተሓሕዛ ናጻ ክኸውን ይኽእል። ንኣብነት ኣብ ከባቢ ውቅያኖስ ዘሎ ሃገር ናይ 200 ማይል ናቱ ዞን ስለዘለ ዎ  ካብኡ ውቅያኖስ ስለዝኾነ፡ ናይ ዝኾነ ሃገር ኣማኢት ጀላቡ ፍቓድ እንተሃበ ኣይውጻዕን'ዩ። ምኽንያቱ ምሉእ ዓለም'ዩ ኣብኡ ዝወዳደር። ኣብዛ ንእሽቶ ቀይሕ ባሕሪ ግን ከምኡ ዓይነት ኩነታት የብልናን። ስለዚ ተጠንቂቕና ነታ ሃብትና ዝለዓለ ውጽኢት ዘለና እመስለኒ። ሕጂ ኣብኡ ክንጋገ ንኽእል ኢና። ሎሚ ዓመት ከስራሓና ኢልና ዝሓሰብናዮ ድሕሪ ክልተ ዓመት ነማሓይሾ ክንብል ንኽእል። ከምኡ እንዳበልና ክንጓዓዝ ንኽእል ንኸውን። ግን ከምዘን ናጻ ፍቓድ ዝህባ ሃገራት ከኣ ክንከውን ኣይንኽእልን።ምኽንያቱ ባህሪ ናይዚ ከባቢና ኣይፈቕዶን'ዩ። እቲ ባሕሪ ብጣዕሚ ንእሽቶ ባሕሪ'ዩ።

*እሞ እቲ ዕድል ንዝኾነ ኣውፍሪ ክፋት ድዩ?

=እወ። እተን ሕጊ ንህቦ በታ ሕጊ መሰረት መደቡ የቕርብ። ኣብኡ ንዛራረብ ደሓር ይብገስ።

*ኣብ መሪሕነት ህ.ግ ተጋጊና ምባል ከም ነውሪ'ዩ ዝቑጸር ዝብሉ ወገነት ኣለው። ንስኻ ከይመ ትሪኦ?

=እታ ኣነ ዝፈልጣ ህ.ግ ዋላ'ውን ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ከዐውተና ዝገበረ ሓደ ረቀቓüሒ ክፉት ዝኾነ ናይ ነቐፌታን ርእሰ ነቐፌታን መድረኽ ስለዝነበረ'ዩ ኢለ'የ ዝኣምን። ድሕሪ ናጽነት እዚ ባህሊ ኣይዓቐብናዮን። ጌጋ ዘይንቕበል እንተኾይንና ድማ ብናተይ ርኢቶ ወይ ህ.ግ ጌጋ ኣይትቅበልንያ ዝብል ርኢቶ እንድሕር ሃሊዩ፡ እቲ ጌጋታት ዝቐርበሉ መገድን ክረክብ ክኽእል ኣለ ዎ ። ምናልባሽ እዚ ጌጋታት ዝባሃል ዘሎ ክሳዕ ክንደይ'ዩ ሰብ ከምኡ ኢሉ ዝሓሰብ ክፍለጥ ኣለ ዎ ። ገሊኡ ጌጋ ክብሎ ይኽእል ገሊኡ ጌጋ ዘይብሎ ክኸውን ይኽእል። ግን ክፉት ዝኾነ መድረኽ እንተዝህሉ ኩሉ ሰብ ርኢቶኡ ክህበሉ ዝኽእል መድረኽ እንተህሉ ንዑኡ መዚንካ እቲ ዝበዝሐ ጌጋ ይብል ኣሎ ኢልካ ክዝረብ ምተኻእለ።

ልክዕ'ዩ ኣብ ሜዳ ዝጸንሓና ብዙሕ ጽቡቕ ኣሰራርሓታት ሕጂ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን'የ። ክፉት ናይ ጌጋ ምቕባል ባህሊ ኣሎ ኣይብልን። ንዑኡ ኣመሓይሽና ክንቅጽል ኣለና። ብሃገር ደረጃ ክንጥምቶ እንድሕር ኮይና ድማ ኣብዚ እዋን'ዚ ናብ ሓድሽ ኣሰራርሓ ክንስግር ኣለና። ንሱ ኸኣ ቅዋማቒ መንግስትና ምምስራት ማለት'ዩ። ኣብዚ ቅዋማዊ መንግስቲ እንድሕር ስጊርና ካልእ መልክዕ ስለ ዝሕዝ ኩሉ ኣሰራርሓና ሕጋዊ መገዲ ክሕዝ ክግደድ'ዩ። ናብቲ ብልክዕ ክንሃንጾ እንደሊ ሕብረተሰብ'ውን መበገሲ ስጉምቲ ስለዝኾነና ኣብቲ መስርሕ ክንፈትሖ ንኽእል ኢና በሃላይ እየ። ብዛዕባ ናይ ዝሓለፈ ኣ ዎ ንታዊ እንተዓቕብናዮ ጽቡቕ'ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ።

ኣብ መጻኢ ግን ንናይ ህዝቢ ድሌትን ስምዒትን ግብረ መልሲ ዝህብ ባህሊ ክህልወና ኣለ ዎ ። ንህዝቢ ዘሳቕዩ ዘለዉ ዓበይቲ ጸገማት ከምእኒ ሕሰም መነባብሮ ብምክኸንያት ወራር ወያነ ንዝተመዛበለ ህዝቢ ምጥያስ፡ ኣብ ኲናት ከቲቱ ዘሎ ኣፍራይ ሓይሊ ኣብ ልምዓት ምምላስ ወዘተ ትንፋስ ዘይህቡና ግድላት ስለዝኮኸኑ ቀዳምነት ሂብና ክንሰርሓሎም የድሊ። ከም ወትሩ ብክኸፉት ልብን ምጽውቐርን ትዕግስትን እንተድኣ እሂን ምሂን ተባሃሂልና ሽግራት ብዝቀቓለለ ከምእንፈትሖ ኣይጠራጠርን።

*ዓወት ንሓፋሽ ቅድም መድረኻዊ ነይሩ። ድሕሪ ናጽነት ነዚ ጭርሖ ምድግጋም እንታይ ትርጉም ኣለ ዎ ?

=ኣብ ጭርሖታት ብዙሕ እምነት የለን። ጭርሖታት'ሲ መግለጺ'ዮም። ንሓንሳብ ዘቁጸልጸለ ጭርሖታት ክመጽእ ይኽእል'ዩ። እቲ ዘገድስ ተግባርና'ዩ እመስለኒ። ስለዚ ዓወት ንሓፋሽ ንበል ኣይንበል ኣብ ዝመጽእ ዘሎ መድረኽ ከምዚኣ ትመስል ሃገር ኢና ንሃንጽ ኢልና ብንጹር ኣስፊርናዮ ስለዘለና ንዑኡ ንምትግባር ምስራሕ ዝሓይሽ እመስለኒ። እዚ ኸኣ ሰብ ዘይፈት ዎ  እንተኾይኑ ክቕየር'ዩ፡ ዝፈት ዎ  እንተኮኸይኑ ድማ ክጸንሕ ይኽእል ማለት'ዩ።

*ኣብ መወዳእታ ኣቶ ጴጥሮስ ኤርትራ ንዝመጽእ 10 ዓመታት ከመይ ክትከውን ትደልያ?

=ኣነ ኣብ መጻኢ ኤርትራ ብልጽግቲ፡ ካብዚ ዘላቶ ኣብ ዝሓሽ መነባብሮ ክትነብር ምዕቡል ኣሰራርሓ ዘለ ዎ ፡ ፍትሓዊ ስርዓት ዘለ ዎ  ብሰላምን ቅሳነትን እትነብር ሃገር ክትከውን እምነ።

*ክትብሎ እትደሊ?

=ነዚ ኣጋጣሚ ብምሃብኩም የቐንየለይ ጽቡቕ መጻኢ እምነ። እተኹርዕን ብልጽግትን ሃገር ከም እንምስርት ከኣ ጥርጥር የብለይን።

*የቐንየልና


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...