ሰልፊ ናህዳ ኤርትራ ነቲ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ቕንያት ፡ ኣብ ሕማም ዲክታቶር ኢሰያስ ኣተዂሩ ዝተፈነወ ተገራጫዊ ዜናታትን ዝሰዓበ ኩነታትን ብመንገዲ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈቱ ኣቢሉ እቲ ሓቂ ንምፍላጥ ይከታሎ እኳ እንተሃለወ ፡ ሰልፊና ካብ’ቲ ኣብ ደምበ ተቓውሞን ጽፈት መደባቱን ዘለዎ ተገዳስነት ብምብጋስን ፡ ንህዝቢ ንምርግጋእን  ነዚ ዝስዕብ መልእኽቲ የመሓላልፍ።

1.    ዕላማ ገድሊናን ፖለቲካዊ ናይ ለውጢ ቃልሲና ኣብ ሞት ወይ ሕየት ናይ ዲክታቶር ዝምርኮስ ስለዘይኮነ ፡ ኣብ ኤርትራ ሱር ነቀል ለውጢ ክመጽእ ዝኽእል ፡ዲክታቶርን እቲ ንሱ ዝመርሖን ስርዓት ካብ ሱሩ ተማሕዩ ፡ ኣምሳይኡ ንህዝቢ መሰሉ ኣኽቢሩ ኣብ ጉዳዩ ባዕሉ ወሳኒ ዝገብር ስርዓት ንምትኻል ይኸውን ።

2.    እቲ ዘጓነፈ ኩነት፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍን ዲክታቶር ኢሰያስን ንዘለዎ ጽልኢ ዘጉልሐ ኣብ ርእሲ ምንባሩ ፡ ንኹሉ ደላይ ለውጢን ሰላምን ጥራይ ዘይኮነ ነቶም ነቲ ስርዓት ዝድግፉ ውን ከይተረፈ ናይ ሕልና እፎይታ ዝፈጥረ እዩ ነይሩ።

3.    ስርዓት ህግደፍ ማዕረ ክንደይ ካብ ህዝቢ ተነጺሉ ከምዘሎ ዘረጋገጸ ኩነት እኳ እንተነበረ ፡  ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጢ’ቲ ህሞት እናሃለወ፡ ካብ ህሉው ኩነታት ብምብጋስ ነቲ ከም መተካእታ ክመጽእ ዝኽእል ስርዓትን ብቕዓቱን  ኣመልኪቱ ክሻቐል ኣብ ዝተራእየሉ፡ ገለ ናይ ተቓውሞ ሓይሊታት ፡ ሕድሪ ስዉኣት ንምትግባር  ሓድነት ህዝቢን ሃገርን ክሕልዋ ምዃነን ዝሕብር መግለጺ ምውጽአን ንህዝቢ ርግኣት ዝፈጠረ ኣዉታዊ ስጉምቲ እዩ ነይሩ።

4.    እቲ ዘጓነፈ ኩነት ፡ ኣብ ውሽጢን ደገን ዝነብር ህዝቢና ኣብ ለውጢ ዘለዎ ድልየት ሓደ ምዃኑ ዘብረሀ እዩ ነይሩ ። እዚ ውን ንዓና ከም ኣካል ተቓውሞ መጠን ታሪኻዊ ሓላፍነት ዘሰክም ብምዃኑ ፡ ኩሉ ሓይልና ብምእካብ ነዚ ተፈጢሩ ዘሉ ኩነት ኣብ ጥቅምና ፡ ጥቕሚ ህዝቢ ንምውዓል ሓቢርና ክንሰርሕን ፡ ነዚ ንህዝቢና እንትርፎ ሁከትን መከራን ፡ ኣቕሲንዎን ሰላም ሂብዎን ዘይፈልጥ ስርዓት፡ ንምጥፋእ ሓቢርና ክንሰርሕ ዘዘኻኽረ ኩነት እዩ ነይሩ ።

5.    ነዚ ተኸስቱ ዘሎ ኩነት ፡ ረብሓ ህዝብና ብዘረጋግጽን ፡ ህዝቢ ኣብ ልዕሌና ኣንቢርዎ ዘሎ እምነት ብዘዕዝዝን ኣገባብ  ፡ ነቲ ተስፋ ህዝቢና ኮይኑ ዘሎ  ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ፡ መደባቱ ንምዕዋትን ፡ ብኹሎም ክፋላት ሕብረተሰብ ኤርትራን ፡ ኣህጉራዊ ማሕበረስብን ሕጋዊን ቅቡልን ንምግባሩን ፡ ኩላትና ኣብ ደምበ ተቓውሞ እንርከብ ሓይሊታት ካብ ዝኾነ ግዜ ንላዕሊ ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን መሳርዕና ከነደልድል ጻውዒትና ነቕርብ።

6.    ኩለን ካብ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ወጻኢ ዝርከባ ናይ ፖለቲካ ሓይሊታት ፡ ኣብ ትሕቲ ጽላል ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ክጽንበራን ፡ በቲ ኣብ ጉባኤ ዝጸደቐ ደምቢታቱ ተቐይደን  መደባቱ ንምዕዋትን፡ ድልየት ህዝቢ ንምምላእን ፡ ዝከኣለን ተራ ክጻወታ  ጻውዒትና ነቅርብ።

7.    ኩለን ወተሃደራዊ ክንፊ ዝውንና ውድባት ፡ ኣብ ሞንጎኤንን ኣብ ሞንጎ ኤርትራዊ  ሃገራዊ ባይቶን ፡ ንህዝቢ እምነትን እፎይታን ብዝፈጥርን፡ ንተንኮላት ህግደፍ ዕድል ብዘይህብን ኣገባብ ምውህሃድ ክገብራ ንጽውዕ።

8.    ምክልኻል ሓይሊታት ኤርትራ ፡ ሕመረት ዕላማኦም ንረብሓ ህዝቢ ምቕዳም ክንዲዝኾነ ፡ ኣብ ክንዲ ነቶም ንህዝቢ ዝጭቁኑ ዘለዉ ናይ ህግደፍ ሓለፍቲ ምሕላው ፡ ሕድሪ ስዉኣት ከኽብሩን ነቲ በቲ ስርዓት ዝግፋዕ ዘሎ ህዝቦም ክከላኸሉሉን ሰነድ ክኾኑዎን ኣንጻር እቲ ስርዓት ምልዕዓል ክገብሩን ንጽውዕ ።

9.    ኩለን ጎረባብቲ ሃገራትን ፡ ትካላት ኣህጉራዊ ማሕበረሰባትን ፡ ደለይቲ ሰላምን ፍትሒን  ደሞክራሲን ዝኾና ሃገራትን ፡  ኣብ ጎኒ’ቲ ብሰንኪ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ህግደፍ ሓሳረ መከራ ዘሕልፍ ዘሎ ውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ ብምዃን ደው ክብላን፡ ነቲ ተስፋ ህዝቢ ኮይኑ ዘሎ ሃገራዊ ባይቶ ደገፈን ከበርክታን እንጸዋዕና፡ ስርዓት ህግደፍ ናይ ምእላይን  ኣብ ኤርትራ ሰላምን ቕሳነትን ናይ ምስፋንን ሓላፍነት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ምዃኑ ነረጋግጽ።

ክብሪን ሞጎሰን ንህዝቢና
ዓወት ንደሞክራስያዊን ፍትሓዊን ቃልሲና
ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና
ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት
10/5/2012


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...