ኩልና ናብ ዋሽንግተን ዲሲ ንመርሽ

ሚዛን ሓይሊ ይቕየር ኣሎ። ደገፍቲ ህግደፍ ርእሶም ዘድንንሉ፡ ደለይቲ ለውጢ ኣፍልብና ነፊሕና ፍትሒ ንሓተሉ እዋን በጺሑ’ዩ።

ኩሉ ፍጻመ ነጥበ መቐይሮ ኣለዎ። እዚ ኣብ 25 ግንቦት ዝግበር ሰላማዊ ሰልፊ ፡ ኣብ 26ን 27ን ግንቦት ዝግበር ኮንፈረንስ ብዓይነቱ ፍሉይ፡ ብኣዋዳድብኡ ጽፉፍ፡ ንኩሉ ደላዪ ለውጢ ብሓደ ሓቚፉ፡ ወጽዓ ህዝብና ኣቃሊሑ ሰማዒ እዝኒ ክረክብ ብዓውታ ከጋውሕ ዝተቓነየ’ዩ። ኩርናዕ ቃልሲ ዝቕየሰሉ ህሞት’ዩ።

ህግደፍ፡ ነዚ ዓቢ ሻቕሎት ፈጢርሉ ዘሎ ናይ ደለይቲ ለውጢ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ልዑል ምሽብሻብ ዝግበረሉ ዘሎ ኮንፈረንስ መንእሰያት ንምብዳህ፡ ን’ደገፍቱ’ ብኳሌትኦም ጎቲቱ፡ ብቴሌፎን ኣፈራሪሑ ግዙፍ ቁጽሪ ተሳተፍቲ ንምድላብ ለይትን መዓልትን ይሰርሕ ኣሎ። ተላኣኣኽቲ ህግደፍ ገዛ ገዛ እናደወሉ ንሰብ ላንጋ-ላንጋ ኣብቲ ዘይፍትሓዊ ህግደፍ ዘዳልዎ ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ ክሳተፉ ይቕስብዎም ኣለዉ።

ብግዴታን ውዲትን ዝተኣከበ መጋበርያ ፍሉያት ፍጥረት ክንዕብለል የብልናን።

ነዚ ወጽዓ ህዝብና ንምንዋሕ ዝዓለመ ሰላማዊ ሰልፊ ህግደፍ ንምክተሉ ግዜ ሕጂ’ዩ። እዚኣ ወሳኒትን ገምጋሚትን ግዜ’ያ። ለውጢ እንዳኣንፋሓኾት ክሳብ’ዚ ደረጃ’ዚ በጺሓ ኣላ፡ እግሪ ተኺላ ምረሻኣ ከተሰጉም ግን ናይ ኩላህና ደለይቲ ለውጢ ተሳትፎ ከድልያ’ዩ። ፍርሒ ስዒርና፡ ጎሮረና ስሒልና፡ ጸገም ህዝብና ከብቅዕ፡ ምልኪ ህግደፍ ከኸትም፡ ዘመናዊ ባርነት መንእሰያት ኣሕዋትና ሓንሳብን ንሓዋሩን ክዛዘም፡ ህልቂት ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ምድረበዳታት ሲናይ ከኸትም፡ ብሓደ ድምጺ ብግዙፍ ቁጽሪ ንንቀሳቐሰላ ሰዓት ሕጂ’ዩ። ደገፍኩም የድልየና ኣሎ። እቲ ግዜ ሕጂ’ዩ።

ኣብ ኮንፈረንስ ዋሽንግተን ዲሲ ብዙሕ ቅያ ክስራሕ’ዩ። መንሽሮ ሕብረተሰብና ዝኾነ ስርዓት ህግደፍ ድኹምን ሓያልን ጎድንታቱ ክግምገም’ዩ፣ ናብ ዓወት ዘብጽሕ ናይ ቃልሲ ብሶላ ክድህሰስ’ዩ፣ ዓበይቲ ስነ-ጥበባውያን በዓላትና ከማዕርጉ ክላሃዩ’ዮም።  ኣብዚ ሰራሒ ታሪኽ ፍጻመ ክትሳተፉ ሕጂ መርሹ! ካብ ተዓዘብቲ ፍጻመ፡ ሰራሕቲ ፍጻመ ክትኮኑ ምረጹ።

ብዝተፈላለየ ምኽንያት፡ ኣብዚ ኮንፈረንስ ክትሳተፉ ዘይትኽእሉ ደለይቲ ለውጢ ግን፡ ገንዘባዊ ሓገዝ ብምብርካት ደገፍኩም ግለጹ። ዓወት ናይዚ ኮንፈረንስ ኣብ ኢድ ኩሉ ደላዪ ለውጢ’ዩ ዘሎ።  ውሑድ ኣበርክቶ ዝበሃል የለን። ናይ ሻሂ ባጀትኩም ወይ ናይ ምሳሕ መቑነንኩም እንተኣወፊኹም፡ ሕጽረታትና ሸፊኑ ኮንፈረስና ከም ትልምና ብዓወት ክወጽእ ንኡድ ተራ ክጻወት’ዩ። ሓሙሳ ለሚን ንሓደ ሰብ  ሰኸሙ፡ ንሓሙሳ ሰባት ግን ጨንኦም’የን። ጨና ክኾነኩም ሃየ እጃምኩም ኣልዕሉ። ናብ መርበብ ሓበሬታ http://www.eysc.net ብምኻድ ወፈያኹም ለግሱ። ዝከኣለኩም ግበሩ። ንዝያዳ ሓበሬታ 408-603-7040 ደውሉ።

ይኣክል ባርነት ንስመር ንሓርነት

ኣዳላዊት ኮሚተ ኮንፈረንስ ዋሽንግተን ዲሲ

21 ግንቦት 2012

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...