التنظيم الديمقراطي لعفر البحر الأحمر
ዲሞክራሲያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ      Red Sea Afar DemocraticOrganization

ነዚ ሎሚ ቕነ ብዝተፈላለየ መርበብ ሓበሬታት ክነፍስ ዝቐነየ ሞት ኢሰያስ አፈወርቂ ብዝምልከት  ዝወጸ መግለጺ

ክፍሊ ዜና
ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ
25 ሚያዝያ 2012
እዚ አብ ዝሓለፈ ሰሙን ብመንገዲ ቡዙሃን መራኸቢታት ክናፈስ ዝቐነየ ዝተዋቐዐ ሓበሬታታት ኢሰያስ ሞይቱ ወይ ብጹኑዕ ሓሚሙ ናብ ቐጠር ወይ ናብ ሱዑድያ ወይ ዱባይ ከይዱ ዝብሉ ዘይተራጋገጹ ሓበሬታታት ክንሰምዕ ቐኒና፡ እዚ ወረ›ዚ ግን ካብ መሰረቱ ዘይቁኑዕ ወረ ምኻኑ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራን ዓለምን ክንገልጽ ንፈቱ፡፡ እቲ ንአስታት 35 ዓመታት ንጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ክሓላልኽ ዝጸነሐ ጉጅለ ኢስያስን ሰዓብቶምን ዝመሃዝዎ ፈጠራታትን አሊኾም ጠጂኢም ብመንገዲ ዋህየታቶም ዝፈነዉዎ ሓበሬታ ምኻኑ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ሓቂ ኢዩ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ሞት ኢስያስ ክርበሓሉ ዝኽእል ወላሓንቲ የለን፡ እቲ ምንታይሲ እዚ ንነዊሕ ዓመታት አብ ኮሮቻ ስልጣንን ንኽጸንሕን ህዝቢ ኤርትራ ከባሳብስን ከንበርክኽን ዝቖመ ትካል ካብ ሱር መሰረቱ  ምስ ዝብንጠስን መሰላት ህዝባ ሙሉእ ብሙሉእ ዝተረጋገጸላ ሃገር ምስ ትምስረትን ጥራሕ ኢዩ ህዝብና ክረብሕ ዝኽእል>ሞ ካብዚ ሓበሬታ›ዚ ዝተረኸበ ነገር እንተሎ ህዝብና አብ ልዕሊ›ቲ ስርዓት ዘሕደሮ ጽልኣት ንምግማቱ›ካ ዘጸግም እንተዘይነበረ እዚ ናይ ሎሚ ቕነ ዝተናፈሰ ሓበሬታ ግን ንምልክዑ ሓጊዙ ክኸውን ይኽእል፡፡ እንተ እዘን ነዚ ሓበሬታ›ዚ ካብ ውሽጢ ሃገር ረኺብና ኢለን ሓበሬታ ከናፍሳ ዝቐነያ መርበብ ሓበሬታት ግን ነቲ ጉጅለ ኢስያስ ዝመሃዞ ፈጠራን ዘጻወዶ መጻወድያ ሰኪዔት አትየን ነቲ ዝተደለየ ዉዲት ኩዉን ገረነኦ አለዋ፡፡ በዚ አጋጣሚ›ዚ ዲሞክራስያዊ ውድብ ዓፋር ቀይሕ ባሕሪ ነቲ ንህዝቢ ኤርትራ ንልዕሊ ሰሙን ዝአክል ከሀንጡ ዝጸነሔ ሓበሬታ ጹቡቕ ፋል ክኸውን ዝኽእል ኢስያስን ንሱ ዝመርሖ ትካል ምስ ዝድምሰሰን ጥራሕ ኢዩ›ሞ ነዚ ትካል›ዚ ንኽድምሰስ ክንድ›ቲ አብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተዋሃቦ ትክረትን አቓልቦን ሞት ኢስያስ ክንድኡ ዝአክል ተገዳስነት ነዚ ትካል›ዚ ንምድምሳስ ምስ ንብገስ ጥራሕ ኢና ኩዉን ክኸውን ዝኽእል ኢሉ ውድብና ይኣምን፡፡

Red Sea Afar Democratic Organization, Info.&Comm.Office
+251923705412(telephone)+251922177035 (telephone) +251912097006 (telephone), Email: This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it., Website: - www.dahlak.org


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...