ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ወጽዓ ህዝብና ንምብቃዕን ውልቀ-ምልካዊ ስርዓት ካብ ሃገርና ንምጉሓፍን ዝሕግዝ ስትራተጂ ንምንዳይ፡  ካብ 25 ክሳብ 27 ግንቦት ንኩሉ ግዱስ ዘሳትፍ ኮንፈረንስ ንምእንጋድ ንሸባሸብ ኣለና። እዚ ብዙሕ ምድላዋት ዝግበረሉ ዘሎ ዋዕላ ሓድነትና ኣደልዲሉ፡ ጥርናፈና ኣሐይሉ፡ ናይ ቃልሲ መንፈስና ስሒሉ፡ ንህዝብና ካብዚ ተጻዒንዎ ዘሎ ኣርዑት ህግደፍ ዘናግፍ ቀያሲ መቃለሲ መንገዲ ሓንጺጹ ክወጽእ ትጽቢት ይግበር።

ኩሉ ብደረጃ ፖለቲካውያን ውድባት፡ ሲቪካዊ ምንቅስቓሳት ወይ ውን ብውልቂ፡ ዕድመ ስርዓት ህግደፍ ንምሕጻር ክግበር ዝጸንሐን ዘሎን ጻዕሪ ዝናኣድ’ዩ። በብመንገድና ነካይዶ ቃልሲ ንመላኺ ስርዓት ኢሳያስ ካብ ስልጣን ኣወጊድካ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝዓሰላ ሃገር ንምህናጽ’ዩ። እንተኾነ በየናይ መንገዲ ናብቲ ደረጃ’ቲ ንበጽሕ ብሓሳብ ክንፈላለ ጸኒሕና። ቀዳምነት ዝወሃቦም ዛዕባታት ምስ ብካልኣይ ደረጃ ዝስርዑ ጉዳያት እናሓወስና፡ ንግስጋሰና ሓገዝቲ ኣብ ዘይኮኑ ነገራት ክንካታዕ ግዜ ኣዕሪብና። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ንሕሉፍ ፖለቲካዊ በሰላታት ክንድህስስ ንድሕሪት ምቁማት ስለዘብዛሕና፡ ሕምባበና ክዝሕትል ከምዝጸንሐ ንኩላትና ብሩህ’ዩ።

ነፍስ-ወከፍና ገጢሙና ዘሎ ብድሆታት ንሰማማዓሉ’ዩ። ምንቅስቓስና ውህደት ጎዲልዎ፡ ራኢና’ውን ጨመተ ሓጺርዎ’ዩ ዘሎ። ቅልጡፍ ቆላሕታ ዝደሊ ጉዳይ ምዃኑ ከኣ ንጹር’ዩ። እቲ ዕማም ናብ ሓደ ውድብ፡ ወይ ሲቪካዊ ምንቅስቓስ ወይ ውን ማሕበር ዝግደፍ ግን ኣይኮነን፡ ኩሉ ደላዪ ለውጢ ክዋሳኣሉ ዝግባእ ጉዳይ’ዩ። ንሓደ ዝቐርቦ ነቲ ካልእ ዝርሕቆ ኩነት የለን። ሓደ ዓይነት ሓላፍነት’ዩ ዘሰክመና።

ኣብ ዋሽንግተን ክካየድ ዝሕለን ዘሎ ኮንፈረንስ ኤርትራውያን መንእሰያት ማዕረ’ዩ ዝብጽሓና። ከምቲ ኣቐዲሙ ብተደጋጋሚ ዝተገልጸ፡ ንኩሉ ደላዪ ለውጢ ዜጋ ማዕጽኡ ክፉት’ዩ። ኣብ ምድላው ክሳተፍ፡ ሓሳቡ ከፍስስ፡ ምስ መዛንኡ ኢሂን ምሂን ኢሉ መፍትሒ ሽግር ሃገርና ከናዲ ትንቢትን ምንዮትን ናይዚ ኮንፈረንስን ኣዳለውቱን’ዩ።

ስለዚ፡ ኩሉ ደላዪ ለውጢ ብፍላይ ከኣ ብውልቂ ወይ ብማሕበር ዝተጠርነፈ መንእሰይ፡ ዝገደፈ ገዲፉ ናብዚ መኣዲ ዘተ ክኸውን ተስፋ ተነቢርሉ ዘሎ ኮንፈረንስ መንእሰያት ክሳተፍ ብክብሪ ይጽዋዕ። መቃለሲ ኮምፓስ (ብሶላ) ኣብ ምንዳይ ዝግበር ሃናጺ ክትዓት ክወሳእ ይዕደም። ካብ ተዓዛቢ ፍጻመ፡ ሰራሒ ፍጻመ ክኸውን ናብ ኮንፈረንስ ዋሽንግተን ዲሲ ክምርሽ ይሕተት።

ደጊሙ፡ ኮንፈረንስ ኤርትራውያን መንእሰያት ሌላን ጉሌላን ዘይብሉ፡ ንኩሉ ደላዪ ለውጢ ኣብ ሓደ መኣዲ ከሳትፍ ዝግበር ዘሎ ዋዕላ ምዃኑ እናነጸረ፡ ኩሉ ተቓላሳይ ዕቱብነት ናይዚ ዋዕላ ኣስተብሂሉ ብክፉት መንፈስ ክጽንበር ልባዊ ጻውዒት የቕርብ።
ናብዚ ኮንፈረንስ ክትምዝገቡ ወይ’ውን ሓገዛትኩም ከተወፍዩ እትደልዩ http://eysc.net/ ኬድኩም ሓበሬታ ክትረኽቡ ከምእትኽእሉ ንሕብር።
ኮንፈረንስ ዝካየደሉ ሆቴል፡-
Holiday Inn Capitol  , 550 C Street S.W. Washington, DC 20024,
You may also call to book 1-888-847-1675  using the code E6Y
ዓወት ንውጹዕ ህዝቢ ኤርትራ!!!
19 ሚያዝያ 2012 ዓ.ም
አዳላዊት ኮሚተ ኮንፈረንስ ዋሽንግቶን ዲሲ

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...