ማሕበር ሃገራት ዓለምን ውድብ  ሓድነት ኣፍሪቃን ኣንጻር ተግባራት መንግስቲ ኤርትራ ደርጃኡ ዝሓለወ፣ ማለት ነቲ መንግስትን ሓዋርያቱን ዘነጸረ  ማእቀብ ከተግብሩ ተሰማሚዖም ንኸፈጽምዎ ኣባትሮም የወጣውጡ ከምዘለዉ ኩላትና ንፈልጦ ጉዳይ ኢዩ።

 ኣብ’ዙ መስርሕ’ዚ  እንጌራ ስደት እናበልዑ፣ መሰል ደሞክራሲ እንዳማቶም ተጠቒሞም ነዚ ክትግበር ዝዋደድ ዘሎ ማዕቀብ ክቃወሙን፣ ኣንጻሩ ተሓባበርቲ መንግስታትን ሰብስልጣንን እንተረኸቡ ሃሰስ ዝብሉ ኤርትራውያን ምርኣይ ዘገርምን ዘሕፍርን ኢዩ። 

ኣበው እንኪምስሉ “ዘይስንኻ’ሲ ሑጻ ቖርጥመሉ” ይብሉ ከምዚ ዝበለ ተግባር ምስረኣዩ። ዓይኒ እናረኣየ እዝኒ እናሰምዐ መግስቲ ኤርትራ ጽቡቕ ይገብር ኣሎ፣ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ግቡኡ ይረክብ ኣሎ፣ ዝኣንፈቱ ድምጾም ከስምዑ ላዕልን ታሕትን ይብሉ’ለዉ።

ሕዝቢ ኤርትራ ዘሕልፋ ዘሎ ናብራ ባዕሉ ስለዝፈልጣ እዚ ዝርአ ዘሎ  ሰብኣውነት ዝጎደሎ ምስክርነት ነውሪ ኢዩ፣ ኽእረም ድማ ይግባእ። ዑቕባ ስደትን ደሞክራስያዊ መሰል  ናይ ገብርቲ ሰናይን እናተጠቐምካ መሰል ካልኦት ምግፋፍ ትርጉም ስደት ዘይምፍላጥ’ዩ። ነዚ ዓለም ብዓለሙ ዝቃወሞ ዘሎ ኣኻይዳ መንግስቲ ኤርትራ ብገርህነት ወይ ተታሊሉ ዝደገፈ ሰብ ከኣ ንውጽኢቱ ክሰናዶ ይግባእ። ሳዕቢኑ’ውን ንኹልና ከርክበልና ኢዩ።

ስለዚ ንሕና ግዱሳት ኣባላት ኤርትራውያን ተቐማጦ ቻርሎትን ከባቢኣን ነቲ ኣንጻር ቀይዲ-በተኽ ተግባራት መንግስቲ ኤርትራን ሓዋርያቱን ተዋዲዱ ዘሎ ማዕቅብ ዝድግፍ ርኢቶና ንዝምልከቶም ሰባስልጣን መንግስቲ ኣመሪካ ብጽሑፍን ብኣካልን ከነመሓላልፍ ኢና’ሞ ዝግራህ ወይ ዝታለል ምእንቲ ከይርከብ ብእዋኑ ንሕብር ኣሎና።

ሰላምን ደሞክራስን ንህዝቢ ኤርትራ።

ግዱሳት ኣባላት ኤርትራውያን ተቐማጦ  ቻርሎትን ከባቢኣን።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...