ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብዕለት 23 ታሕሳስ 2009 ብቑጽሪ መዝገብ (ውሳነ) 1907/2009 ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ክጸንዕ ወሲንዎ ዘለዎ እገዳ፡ ብደገፍትን ተቓወምትን እቲ ስርዓት ዝተፈላለየ ግብረ-መልስታት ክወሃቦ ቀንዩ ኣሎ። እቲ ስርዓትን ደገፍቱን ከምቲ ወትሩ ግዜ ዝገብርዎ፡ ካብ ሓቂ ሓኪሎም፡ ዝጥዕሞምን ክኸውን ዝደልይዎን ትንተናታት ይህቡሉ ከም ዘለዉ ንሰምዕ ኣለና። በቲ ሓደ ወገን ድማ ተቓወምቲ ውድባትን በርጌሳውያን ማሕበራትን፡ እቲ እገዳ፡ ኣብ ምሕጻር ዕምሪ ምልካዊ ስርዓት ዕዙዝ ተራ ክህልዎ ኢዩ ኢሎም ስለ ዝኣመኑ፡ ሓንጎፋይ ኢሎም ተቐቢሎሞ ኣለዉ። ንምዃኑ እቲ ተወሲኑ ዘሎ እገዳታት፡ ስለምንታይ ተወሲኑ? እንታይ የጠቓልል? ስርዓት ህግደፍ ነቲ ውሳነ እንተዘይኣኽቢርዎኸ እንታይ ዓይነት ሳዕቤናት ክህልዎ ኢዩ? ኣብ ህዝቢኸ እንታይ ዓይነት ጽልዋ ወይ ሳዕቤን ክህልዎ ኢዩ? ዝብሉ ሕቶታት፡ ብህዝቢ ይሕተቱ ከም ዘለዉ ብምግንዛብ፡ ነዞም ሕቶታት እዚኣቶም ንምብራህ መታን ክጥዕም፡ ትሕዝቶ ናይቲ ውሳኔ ብጽሙቕ ዝበለ መልክዕ ምቕራቡ ኣገዳሲ ኢዩ።

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ እገዳ ዝወሰነሉ ምኽንያት፡ ኣብ መእተዊ ናይቲ ውሳኔ ብንጹር ኣቐሚጥዎ ኣሎ። ኣብ ሶማልያ ዘሎ ኩነታትን ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ጅቡትን ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ዶብ ምስሕሓብን እቲ ቀንዲ እገዳ ንኽውሰን ዝደረኸ ምኽንያታት ምዃኑ ተገሊጹ ኣሎ። ድሕረ-ባይታ ናይቲ ዝተወሰነ እገዳታት፡ ንሶማልያ ብዝርኢ ካብ 1992 ዝጅምር ክኸውን እንከሎ፡ ንጅቡቲ ብዝርኢ ድማ ካብ ሰነ 2008 ኢዩ ዝጅምር።

ንጅቡቲ ብዝምልከት፡ እቲ ጉዳይ ሓጺር ታሪኽ ኢዩ ዘለዎ። ኣብ ሰነ 2008 ክልቲአን ሃገራት፡ ብሰንኪ ዶባዊ ምስስሓብ መጠነ-ንኡስ ወተሃደራዊ ረጽሚ ምስ ኣካየዳ ዝጀመረ ጸገም ኢዩ። ነዚ ብዝምልከት፡ ፕረዚደንት ባይቶ ጸጥታ፡ ብቑጽሪ መዝገብ S/PRST/2008/20፡ ብዕለት 12 ሰነ 2008 ናብ መራሕቲ ኤርትራን ጅቡትን ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ክልቲአን ሃገራት ካብቲ ዘከራኽር ዶብ ሰራዊተን ክስሕባ ጸዊዑ ኔሩ። ጅቡቲ ነቲ ጻውዒት ከተተግብሮ እንከላ፡ ኤርትራ ግን ኣይተግበረቶን። ብተወሳኺ፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብቑጽሪ መዝገብ 1862/2009 ተመሳሳሊ ውሳነ ኣሕሊፉ ክነሱ፡ ነዚ ውን ስርዓት ህግደፍ ኣይተግበሮን። ብዕለት 30 መጋቢት 2009 ውን ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት፡ ብቑጽሪ መዝገብ S/2009/163 ተመሳሳሊ ጻውዒት ኣቕሪቡ ኔሩ። ነዚ ውን ህግደፍ ጸማም እዝኒ ኢዩ ሂብዎ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ምስ ጅቡቲ ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ብዝምልከት ዝኾነ ይኹን ሽምግልና ወይ ልዝብ ስለ ዝነጸገን፡ እኳ ደኣ “ምስሕሓብ ዝበሃል ነገር የለን” ኢሉ ውን ነቲ ኹነታት ስለ ዝኸሓዶን፡ ኩሉሙሉ ተደማሚሩ እገዳ ንኽውሰን ጠንቂ ኮይኑ። ብዘይካዚ ኣብቲ  ካብ 10 ክሳብ 12 ሰነ 2008 ምስ ጅቡቲ ዝተኻየደ ወተሃደራዊ ረጽሚ፡ ገለ ዝተሸርቡ ወይ ዝተማረኹ ወተሃደራት ጅቡቲ ከም ዘለውን ንዖኦም ብዝምልከት ድማ ኤርትራ ሓበሬታ ምሃብ ከም ዝኣበየትን ኣብቲ ውሳነ እገዳ ተገሊጹ ኣሎ።

ንሶማልያ ብዝምልከት እቲ ታሪኽ ነዊሕ ኢዩ። ካብ 1992 ኣትሒዙ ናብ ሶማልያ ኣጽዋር ከይኣቱ ብባይቶ ጸጥታ ተኣጊዱ ከም ዝጸነሐ ዝዝከር ኢዩ። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ኤርትራ ነቲ እገዳ ብተደጋጋሚ ስለ ዝጠሓሰቶን ነዚ ብዝምልከት ንዝተዋህበ መጠንቀቕታታት ድማ ሸለል ስለ ዝበለቶን፡ ባይቶ ጸጥታ እገዳ ክገብር ከም ዝተገደደ ኣብ ውሳኔኡ ገሊጽዎ ኣሎ። ብርግጽ ድማ ነቲ ዝወሃብ ዝነበረ መጠንቀቕታታት ስርዓት ህግደፍ ጸማም እዝኒ ሂብዎ ኢዩ። ብፍላይ ብቑጽሪ መዝገብ 1844/2008፡ ብዕለት 20 ሕዳር 2008 ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሃገራት ኣብ ዘመሓላለፎ ውሳነ፡ ነቶም ናብ ሶማልያ ኣጽዋር እንዳጓረቱን ዕጡቓት እንዳመልመሉን ህውከት ዘጋድዱ ዘለዉ ናይ ወጻኢ ሓይልታት እገዳ ክገብረሎም ምዃኑ ኣጠንቂቑ ኔሩ ኢዩ። ካብቲ ግዜቲ ጀሚሩ ክሳብ እቲ እገዳ ዝተወሰነሉ፡ ማለት ክሳብ 23 ታሕሳስ 2009፡ ህግደፍ ናይ ምእዳብ ምልክት ስለ ዘየርኣየ፡ ንምሸቱ እቲ እገዳ ተወሲኑ። ብኣንጻር ናይዚ ኹሉ መጠንቀቕታታት፡ ስርዓት ህግደፍ፡ ብመገዲ ቀዋሚ ልኡኹ ኣብ ውድብ ሃገራት ኣቢሉ፡ ብዕለት 19 ግንቦት 2009 ናብ ባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ ነቲ ብሶማላውያን ፖለቲካውያን ሓይልታት ኣብ 2008 ኣብ ጅቡቲ ዝተፈረመ ውዕል ሰላምን ዕርቅን ከኽብሮ ከም ዘይኮነ ብንጹር ገሊጹ ኢዩ። እዚ መርገጺ እዚ ጉልባቡ ዝቐልዐ ውጹእ ተጻባኢ ፖሊሲ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ መወዳእትኡ ባይቶ ጸጥታ እገዳ ንኽውስን ካብ ዝገበርዎ ረቛሕታት ሓደን ኣገዳስን ኢዩ። ኣብ ጉዳይ ሶማልያ፡ ካብ 1992 ኣትሒዙ ጸኒዑ ዘሎ እገዳ ኣጽዋር እንዳሃለወን፡ ብኣንጻር ናይቲ ኣብ 2008 ዝተኸተመ ውዕል ሰላምን ዕርቅርን፡ ኤርትራ፡ ምስ መሰጋገሪ መንግስቲ ሶማልያ ኩናት ይገጥሙ ንዘለዉ ዕጡቓት ሶማላውያን (ከም በዓል ኣልሸባብ ዝኣመሰሉ ጉጅለታት) ወተሃደራውን ንዋታውን ሓገዛት ትህብ ስለ ዘላን፡ እቲ እገዳ ክውሰን ከም ዝኸኣለ ተገሊጹ ኣሎ።

እቲ ተወሲኑ ዘሎ ውሳነታት፡ ብሓደ ወገን፡ ኤርትራ ምስ ጅቡቲ ዘለዋ ናይ ዶብ
ምስሕሓብ ብሰላማዊ መገዲ ክትፈትሕን ኣብ ሶማልያ ትቕጽሎ ዘላ ኢድ ኣእታውነት ድማ ከተቋርጽን ዝጽውዕ ኢዩ። በቲ ሓደ ወገን ድማ፡ ዝዀነት ሃገር ንኤርትራ ኣጽዋር ከይትሸይጥን ካብ ኤርትራ ኣጽዋር ከይትዕድግን ይእዝዝ። ኣብ ርእሲ ውን ኣስማቶም ብሕጂ ዝግለጽ ላዕለዎት መራሕቲ ኤርትራ፡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ንኸይገሹ እገዳ ተጌሩሎም ኣሎ። ከምኡ ውን ኣብ ወጻኢ ሃገራት ብስሞም ወይ ድማ ብስም ንሳቶም ዝቆጻጸርዎ ትካላት ዝተቐመጠ ገንዘብ እንተሎ፡ ክድስክል ተወሲኑ ኣሎ።

ማዕከን ገንዘብ ህግደፍ ንምድስካል ብዝርኢ፡ ዓንቀጽ 13 ናይቲ ውሳነ ኣገዳሲ መወከሲ ኢዩ። በዚ ዓንቀጽዚ መሰረት፡ ኩላተን ኣባላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ውሳነ እገዳ ካብ ዝጸደቐሉ ግዜ ጀሚሩ፡ ብስም መራሕቲ ህግደፍ ወይ ድማ ብስም ንሳቶም ዝቆጻጸርዎ ትካላት፡ ኣብ ግዝኣተን ተዓቂቡ ዝርከብ ገንዘብ፣ ከምኡ ውን ፋይናንስያውን ቁጠባውን ጸጋታት፡ ብቕጽበት ከደስክልኦ ይእዝዝ። ብተወሳኺ ውን፡ ኣብ ጠቕሚ መራሕቲ ህግደፍ ወይ ድማ ኣብ ጠቕሚ እተን ንሳቶም (ብቐጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ መገዲ) ዝቆጻጸርወን ትካላት ዝውዕል ገንዘብ፡ ብዜጋታት ናይ ካልኦት ሃገራት ከይወሃብ እቲ ውሳኔ ኣጊዱ ኣሎ። እዚ ውሳኔዚ ነቲ ብስም “2% ናይ መሕወዪ ግብሪ” ካብ ኤርትራውያን ንዝእከብ ገንዘብ፡ ከምኡ ውን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣምታት ንዝግበር ወፈያታትን ውን ዝምልከት ከም ዝኾነ ምግንዛብ የድሊ። ብኣንጻር ከምዚ ዝኣመሰለ ውሳኔ ባይቶ ጸጥታ፡ ኣብ ወጻኢ ዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ብመልክዕ 2% ይኹን ብመልክዕ ወፈያ ኣበርክቶኦም ንህግደፍ እንተቐጺሎም፡ ኣብቲ ዝነብርሉ ሃገር ውሳነ ባይቶ ጸጥታ ጥሒስኩም ተባሂሎም ብሕጊ ክሕተቱ ከም ዝኽእሉ ምዝካር ኣገዳሲ ኢዩ።
 
ዓንቀጽ 15 ናይቲ ውሳነ ከም ዘነጽሮ፡ እቲ ንጉዕዞ፣ ንገንዘብ፣ ንፋይናስያውን ቁጠባውን ምንጭታት ዝምልከት እገዳ፡ ተፈጻምነቱ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራውን ፖለቲካውን መሪሕነት ህግደፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንኮላይ ንኻልኦት፡ ንሃዋኺ ዕላማታት ስርዓት ህግደፍ ኣብ ምትግባር ዝተዋፈሩ፡ ኤርትራውያንን ዘይኤርትራውያንን ውልቀ-ሰባትን ትካላትን ውን ዝምልከት ኢዩ። ትግባረ ናይዚ ስጉምቲዚ እቲ ትጽቢት ተጌሩሉ ዘሎ ስም ዝርዝር ናይ መራሕትን ቁጠባዊ ትካላትን ምስ ተገልጸ ዝትግበር ኮይኑ፡ እቲ ንእገዳ ኣጽዋር ዝምልከት ግን ብቐጥታ ክትግበር ዝኽእል ውሳነ ኢዩ።

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ፡ እቲ እገዳ ስለምንታይ ተወሲኑ? እንታይከ የጠቓልል? ንዝብል ሕቶ ዝምልከት ኮይኑ፡ ቀጺሉ ዝመጽእ ሕቶ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ውሳነ እንተዘይኣኽቢርዎኸ እንታይ ዓይነት ሳዕቤናት ክህልዎ ኢዩ? ዝብል ኢዩ። መልሲ ናይዚ ሕቶዚ ኣብ ዓንቀጽ 21ን 22ን ናይቲ ውሳኔ ተነጺሩ ኣሎ። ባይቶ ጸጥታ እቲ ውሳኔ ካብ ዝተወሰነሉ ግዜ ጀሚሩ፡ ንንጥፈታት ስርዓት ህግደፍ ብቐረባ ክከታተሎ ከም ዝኾነ ገሊጹ ኣሎ። ኤርትራ እንተደኣ ብትእዛዛት ናይቲ ውሳኔ ተቐይዳ፡ ባይቶ ጸጥታ ነቲ እገዳ ከመሓይሾ፡ ዋላ ውን ከልዕሎ ከም ዝኽእል ገሊጹ ኣሎ። ብኣንጻሩ ኣደብ ዝጎደሎ ኣካይዳ ስርዓት ህግደፍ ዘይልወጥ እንተደኣመሲሉ፡ እቲ ውሳነታት ውን እንተደኣ ዘይተኸቢሩ፡ ካብኡ ትርር ዝበለ ስጉምታት ክውሰድ ከም ዝኽአል ባይቶ ጸጥታ ኣብቲ ውሳነ ብንጹር ኣቐሚጥዎ ኣሎ። ነዚ ብዝምልከት ድማ፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ውሽጢ 6 ወርሒ ጸብጻብ ከቕርብ እቲ ውሳነ ኣዚዝዎ ኣሎ።

ብመሰረቱ፡ ባይቶ ጸጥታ ከምዚ ዝኣመሰለ እገዳታት ክውስን እንከሎ፡ ኣብ ምዕራፍ 7 ናይ ቻርተር ውድብ ሃገራት ተሞርኵሱ ኢዩ ዝውስን። እዚ ምዕራፍዚ፡ ጸጥታን ርግኣትን ዓለም ወይ ሓደ ዞባ ተሃዊኹ፡ ወይ ድማ ኣህጉራዊ ሕጊ ብዝኸፍአ መልክዕ ተጣሒሱ ኣብ ዝበሃለሉ ግዜ ዝጥቀስ ምዕራፍ ኮይኑ፡ ካብ ዓንቀጽ 39 ክሳብ ዓንቀጽ 51 ናይቲ ቻርተር ንዘለዉ ሕግታት ዘጠቓልል ኢዩ። ከምዚ ዝተጠቕሰ ዓይነት ጸገም ምስ ዘጋጥም፡ ባይቶ ጸጥታ መጀመርታ ብእገዳታት’ዩ ዝጅምር፤ ንሱ ዘይሰርሕ እንተመሲሉ ድማ ክሳብ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ምውሳድ ክበጽሕ ከም ዝኽእል፡ ኣብ ዓንቀጽ 41ን 42ን ናይቲ ቻርተር ብንጹር ተቐሚጡ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክውሰድ ድዩ ኣይውሰድን ምስ ግዜ ዝርአ ነገር ኮይኑ፡ ብመትከል ደረጃ ግን እቲ ቻርተር ዘፍቅዶ ተኽእሎ ከም ዝኾነ ንጹር ኢዩ። እዚ ማለት ድማ ኣብ ዝተወሰነ ደረጃ፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወተሃደራዊ ስጉምቲ ምውሳድ ኣድላዪ ኢዩ ኢሉ እንተኣሚኑ፡ ብዓንቀጽ 45 ናይ ቻርተሩ መሰረት፡ ብኣባል ሃገራት ዝእለ ወተሃደራዊ ስታፍ ኣቚሙ፡ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ይወሰድ ኢሉ ክውስን ይኽእል ኢዩ ማለት ኢዩ።

እቲ ኣብ መወዳእታ ዝመጽእ ነጥቢ፡ እቲ እገዳታት ኣብ ህዝቢ እንታይ ዓይነት ጽልዋ ወይ ጉድኣት ክህልዎ ኢዩ? ስርዓት ህግደፍ ንምቕያሩ ዝገብሮ ዘሎ ፈንጠርጠርከ እንታይ ፋይዳ ክህልዎ ኢዩ? ዝብል ሕቶ ኢዩ። ኣብዚ ክነጸር ዝግብኦ ሓደ መሰረታዊ ነገር ኣሎ። እቲ እገዳ ብመሰረቱ ንዝተወሰኑ መራሕቲ ህግደፍን ጸይቀ-ዕሉል ተግባራቶም ንዘተግብሩሉ ኣጽዋርን ገንዘብን ዝምልከት ድማ እምበር ንህዘቢ ኤርትራ ብኣልማማ ዝምልከት ጉዳይ ኣይኮነን። እንተኾነ ግን፡ ዝኾነት ሃገር፡ መራሕታ ብባይቶ ጸጥታ እገዳ ተጌሩሎም ክበሃል እንከሎ፡ እቲ ሕማቕ ሽም ጥራይ ንባዕሉ ኣጸያፊ ኢዩ። በዚ መንጽርዚ ክርአ እንከሎ እቲ ጉዳይ ዘሕዝን ከም ዝኾነ ርዱእ ኢዩ። ይኹን እምበር፡ ዝኾነ ካብ ሓቂ ክሕክል ዘይደሊ ሰብ ከም ዝግንዘቦ፡ እቲ ጸገም ብመሰረቱ ስርዓት ህግደፍ ባዕሉ ዝፈጠሮ ደኣ እምበር ማንም ዝኣለሞ ጸገም ኣይኮነን።

ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ዝፍጽሞ ዘሎ በደል ከይኣክል፡ ኣብ ልዕሊ ጎረባብቲ ሃገራትን ማሕበረሰብ ዓለምን ዘለዎ ክቱር ንዕቀት ደረት ስለ ዝሓለፈ፡ እዚ እገዳታትዚ ክመጽእ ክኢሉ ኣሎ። ብመሰረቱ ድማ ነቶም ኣብ ዝለዓለ ጽፍሒ ዘለዉ ሓለፍትን ናቶም መጋበርያታትን ጥራይ ዝምልከት ጉዳይ ኢዩ። እንተ ህዝቢ ኤርትራ ግን ንነዊሕ ዓመታት፡ ህግደፍ ባዕሉ ብዝወሰነሉ ጽኑዕ እገዳ፡ ካብ ዓለም ተነጺሉ ኣብ ጥሜትን ጭቆናን ተሸሚሙ ስለዘሎ፡ እዚ ሕጂ ተወሲኑ ዘሎ እገዳታት ዝውሰኸሉ ተደራቢ ጸገም ኣይክህሉን ኢዩ። ነዚ ጉዳይዚ ብዕምቆት ካብ ዘይምግንዛብ ገለ ገለ ወገናት ድንግርግር ብዝበለ መርገጺ ክማትኡ ምርኣይ ዘየገርም እኳ እንተዘይኮነ፡ ጠንቅን ናይቲ እገዳ ቀንዲ ተሓታትን ህግደፍ ጥራይ ምዃኑ ብዙሕ ዘከራኽር ነገር ኣይኮነን።

ስርዓት ህግደፍን ደገፍቱን ነቲ ናይ እገዳታት ውሳነ ንምቕያር ብዝብል ምስምስ ወዲቦሞ ዘለዉ ሰላማዊ ሰልፍታት፡ ብወድዓዊ ሚዛን እንተተገምጊሙ፡ ብዙሕ ፋይዳ ዘለዎ ኣይኮነን። ከምቲ ኣብ ውሳነ ባይቶ ጸጥታ ተነጺሩ ዘሎ፡ እቲ እገዳታት ክቕየር ዝኽእል፡ ኤርትራ ነቲ ኣብኡ ተዘርዚሩ ዘሎ ቅድመ-ኩነታት ምስ ተማልእ ድኣ እምበር፡ ብኾር ተገልበጥ ንውሳነ ባይቶ ጸጥታ እንዳኾነንካን ብኡኡ ክትቅየድ ዘይምዃንካ እንዳገለጽካን ዝመጽእ ለውጢ ኣይክህሉን ኢዩ።

ብኣንጻሩ ግን ደንበ ተቓውሞን በርጌሳውያን ማሕበራትን ነዚ ምዕባለዚ ናብ ረብሓ ናይቲ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ ክቕይርዎ ይግብኦም። ካብቲ ክግበር ዝግብኦ ብዙሕ ነገራት ድማ እዚ ዝስዕብ ከም ኣብነት ምጥቃስ ይከኣል። ንስርዓት ህግደፍን በቲ ስርዓት ንዝንቀሳቐስ ትካላትን ዝኾነ ይኹን ገንዘብ ከይወሃብ ተኣጊዱ ስለ ዘሎ፡ ነዚ ብዝምልከት ጥቡቕ ምክትታል ክግበር ይግባእ። ብፍላይ ድማ እቲ ብስም 2% ዝእከብ ገንዘብ ከምኡ ውን ብስም ፌስቲቫላት፣ ባህላዊ ምርኢታት፣ ኣኼባታትን ካልእን ዝእከብ ወፈያታት ኩሉ፡ በዚ ተወሲኑ ዘሎ እገዳ መሰረት ክቋርጽ ዝግብኦ ነገራት ኢዩ። ነዚ ኣመታት እዝን ዘኸትሎ ሕጋዊ ተሓታትነትን፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን ብንጹር ከም ዝርድእዎ ምግባር ከድሊ ኢዩ።

እቶም ኣብ ከምዚ ዓይነት ተግባራት ዝዋፈሩ ሰባት ድማ ኣብ ዘይሕጋዊ ስራሕ ይዋስኡ ከም ዘለዉ ፈሊጦም ኣደብ ክገብሩ ክማዓዱ ኣለዎም። እንተዘይኮነ ብሕጊ ናይቲ ዝነብሩሉ ሃገራትን በቲ ብባይቶ ጸጥታ ጸዲቑ ዘሎ ውሳነ መሰረትን ሕጋዊ ተሓታትነት ክመጾም ከም ዝኽእል ምፍላጥ ኣገዳሲ ኢዩ። ኣብ ርእሲዚ፡ ተወሳኺ መጽናዕቲ ከም ዘድልዮ ርዱእ ኮይኑ፡ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ብገለ መልክዑ፡ ነተን ኣብ ኤርትራ ናይ ማዕድንን ካልእን ወፍሪ ዘካይዳ ዘለዋ ኩባንያታት’ ውን ክጸልወን ከም ዝኽእል መረዳእታታት ኣሎ። ኣብዚ መዳያትዚ ዝተወሃሃደ ናይ ስራሕ መደባት ንምስኣል ደንበ ተቓውሞን በርጌሳውያን ማሕበራትን ዘይሕለል ጻዕሪ ከድልዮም ኢዩ። ኣብ መደምደምታ እምበኣር፡ እዚ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ህግደፍ ኣጽኒዕዎ ዘሎ እገዳ፡ ኣብቲ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ ከም ደራኺ ሓይሊ ክርአ ዝግብኦ ኣገዳሲ ምዕባለ ኢዩ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ንረብሓ ህዝቢ ድኣ እምበር ንጉድኣቱ ኣይኮነን።

ሰብኣዊ መሰላት - ኤርትራ (Human Rights Concern – Eritrea)
ለንደን, ዓዲ እንግሊዝ
11 ለካቲት 2010
 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...