እዚ አርእስቲ’ዚ ዘምረጸና፤ ነቲ ተግባራት ጃንዳ ህግደፍ ብእገዳ ጥራይ ክሓልፍ ዘይኾነስ ክሳብ አብ ቤት ፍርዲ ዓለም ክሲ ክቀርቦምን ክእሰሩን ከም ዘለዎም  ንምምልካት እውን ኢዩ።
 
ክቡራት ዜጋታት አብ ውሽጥን አብ ወጻእን ሀገር እትርከቡን እንርከን፤ ካብ 23 ታኅሳስ 2009፤ ብዓለም-ለኻዊ ደረጃ እተወሰነ ውሳኔ አብ ልዕሊ ሕጊ አልቦ ጃንዳ ህግደፍ ንዓለም ምሉእ ብሓፈሻ ንሕዝቢ ኤርትራን ፈተውቱን  ከአ ብፍላይ አዛራቢ ዛዕባ ዄይኑ ከም ዘሎ ሓቂ ኢዩ።
 
ሕዝቢ ኤርትራ ንአስታት 20 ዓመታት ንበይኑ ዄይኑ፤ ነቲ አጋጢምዎ ዘሎ ናይ ምንባር ሕቶ ንክፈትሕ ክራባረብ ድሕሪ ምጽናሑ፤ሎሚ ኲሉ ሽግራቱ ብዓለም ደረጃ ተፈሊጥሉ ኣብ ልዕሊ ግፍዔኛ ጃንዳ ህግደፍ ድሮዃ በደሉ ብቤት ምኽሪ ጸጥታ ዓለም ተረጋጊጹስ እገዳ ተወሲንሉ ይርከብ። እዚ ብ23 ታኅሳስ 2009 ዝተበየነ ብይን ዝተደመሮ ምዃኑ፤ድሪኺታቱ እውን ብዙሕዃ እንተኾነ፤ እቲ ንዓመታት ብስቪላውያን (በርገሳውያን) ማኅበራትን ፖለቲካውያን ውድባትን ዝቐረበ ጥርዓናትን ዝተካየደ ሰላማዊ ሰልፍታትን ንዓለም ዘደነቐ ብዝሒ ስደት ኤርትራውያን ከም ዝኾነ፤ ከየስመርናሉ ክንሓልፍ አይንደልን። ከምዚ ዝበለ ደራኺ ቃልሲ ናይ ኤርትራውያን ዜጋታት ኣብዚ ከይተቐየደ ንመሓውራት ጃንዳ ህግደፍ ንምብታኽን ንሰብአዊ መሰል ሕዝቢ ኤርትራ ንምሕላውን ክሳብ ቅዋማዊትን ዲሞክራስያዊ ኤርትራን እትቀውም ቃልስና ደው ዝብል አይኮነን።
 
እቲ ናይ ሕቡራት ሀገራት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ወሲኑዎ ዘሎ እገዳ፤ ክሳብ ዕምሪ ጃንዳ ህግደፍዝሓጽር ምዃኑ  ዝፍለጥ ኢዩ። እቲ መድረኽ  ዝሓተና ዘሎ ብዂሉ ሜዳያት ቃልስና ከነበርትዕ ኢዩ፤ ስለ ዝኾነ ድማ ሲቪላውያን(በርገሳውያን)ማኅበራትን ፖለቲካያውን ውድባትን ብሓባር፤ ነቲ ናይ ጃንዳ ህግደፍ መደበር ዲፕሎማሲያዊ ቤት ጽሕፈት ንክዕጾ ኣብ ኤእንነብረሉ ሀገራት ጥርዓናን ከነዛይድ ኃላፍነትና ንክንጥቀመሉ ይግባእ።
 
እዚ እገዳ’ዚ  ነቲ ዝምልኸቶ ጠላም ጃንዳ ዘተግብር ጥራይ ኢዩ። ነዚ እገዳ’ዚ ኣብ ረብሓ ሕዝብና ንክውዕል እውን፤ እቲ እንኮ ክንገሮ ዘሎና ብሓባር ንጃንዳ ህግደፍ ደፊእና ምውዳቁ ኢዩ። እቲ ጃንዳ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ኤርትራ ዝወርዶ አዳራዕ ንሕዝቢ ኤርትራ አዳኪሙ፤ዝተወልደ ወለዶ ብሰንኪ ግዱድ ዕስክርና አሰቓቅቒ ምሕዳራን አተሓሕዛ ሕዝብን፤ ሀገሩ ከም ዝጸልእ ዝገበረ ጃንዳ ኢዩ። እንተኮነ ሎሚ እውን ዝተገብረ እንተተተገብረ ዋዜማታት፤ ንናይ ሓባር (መሬቱ) ሀገሩ ዝከላከል ሕዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ፤ብሔራትን ሓውሰብሔራትን ኤርትራ ድማ ብፍላይ ምዃኑ አህዛብ ዓለም ይስሕትዎ ኢዮም ኢልና አይንግምትን፤ ምኽንያቱ ናይ ሓባር ነጽነታዊ ተጋድሎና ብድሆታት አጸቢቆም ስለ ዝፈልጥዎን ብዕምቈት ዝርድእዎን መስርሕ ክንዲ ዝኾነ። ኲነታት ጃንዳ ህግደፍ ምስ እንዕዘቦ፤ ኣብ ውሽጥን አብ ደገን  ዝፈጸሞ ግፍዕታት አህጉራዊ ዶብ ዝጠሓሰ ሕጊ አልቦ ጃንዳ ህግደፍ ንምቕጻዕ ዝተገብረ ዓለምለኻዊ እገዳ እዃ ውሒድዎ።
 
ጃንዳ ህግደፍ ብሕቡእ ሕቡእ ዝገብሮ ዝነበረን ዝገብሮ ዘሎን ገበናት አብ ቃልዕ ወጺኡ ዓለም ምሉእ ምፍላጣ ጻማ ቃልሲ ውጹዕ ሕዝቢ ኤርትራ ውጽኢት ምዃኑ ክንግንዘቦ ይግባእ።
 
ክቡራን ዜጋታት ክንዝንግዖ ዘይግብእውና አሎ እንተዄይኑ ጃንዳ ህግደፍን ደቂ መዛሙርቶምን ንገበናቶም ክሕተትሉ ምዃኑ ስለ ዝፈልጡ ሕዝብን ሀገርን ሒዞም፤ ናይ አጥፊእካ ጥፋእ ዕላማታቶም የተግብሩ ምህላዎም እቲ ውህሉል ናይ አስታት 20 ዓመታት ሚዛን ተሞሮታትና ዝህቦ ሓቂ ኢዩ።
 
ንሕና ኤርትራውያን ዜጋታት ውዓል ሕደር ዘይብሃሎ መድረኽ አርኪቡና ስለ ዘሎ፤ ንፍጻሜታት ጃንዳ ህግደፍን ፖሊሲስታቱን ደው ንምባል፤ መፍትሒ ጸገማትና ሃስስ ክንብል ዘክእለና መስርሕ ክንሕዝ ይግባአና፤ ድአ እምበር አእዳውና አጣሚርና ፤አብ ጉዳይ ሀገርና ተዓዘብቲ ምዃን ጽባሕ ንግሆ ዘሕትተና ኢዩ። ስለዚ ኲላቶም እቶም ጸጋታት ሕብረተሰብ ኤርትራ ዝኾኑ ብሔራት ሓውሰብሔራት ዝካፈልዎ መሰጋገሪ  መስርሕ ክካየድ እዋኑ ሎሚ ኢዩ። ምጉርራሕ ደንበ ተቓውሞ ንሕዝብን ሀገርን ኤርትራ ዝጠቕም ስለ ዘይኾነ ንጉርሕታቶም አወጊኖም፤ ነቲ ዘየላቡ መድረኽ ንክገጥሙሉ ንጽውዕ።
 
እቲ ናይ ሕቡራት ሀገራት ናይ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ዝወሰንዎ እገዳ፤ ንጃንዳ ህግደፍ ልቡ ዘሕብጥ ድአ እምበር ዘለሳልሰሉ ኣይኾነን፤ ምኽንያቱ ከአ ጃንዳ ህግደፍ በቲ ዓንዳሪ አካያይዳታቶም ዝፈጸምዎ፤ ገበንን አኪበምዎ ዘሎዉ፤ ግዙፍ ርእሰማልን ስለ ዝርአዮም ንዉዑላት እገዳ ክእዘዙ ባህርያታቶም ዘፍቕደሎም ስለ ዘይኮነ፤ ክሳብ መሬት ዑንቊ ዄይና ትውሕጦም፤ነታ እንኮ መፍትሒት ዝብላ ንስንኩፋትን ስንኩላትን ሃጐል ዝውንኑ ዜጋታት አታሊሎም ዕምርካ ንምንዋሕ፤ እቲ ናይ መወዳእታ መደቦም ንምትግባር አብ መላእ ዓለም በቶም ዝለዐሉ ወከልቱ ከምኒ ኦኣሊ ዓብዱ፤ ገብርአብ  ጠዓመ (መቀለ) ኣብ ቀዳማይ ዕዶቶም ኣብ ሀገር ጀርመን ፍራንክፎርት ይርከቡ።ናይዚ መቀጸልታ ከአ  ኲናት ምብራዕ  ጥራይ ኢያ።እዚ ድማ ልዕሊ ውሳኔ እገዳ ስለ ዝኮነ ተሪር ተከታሊ ምስርሕ ክመጾ ወይ ክወርዶ ናይ ግድን ኢዩ።
 
እቲ አብ ሀገርና ዘሎ ሽግር ብቐሊሉ ከም ዝዓብን ኣብ ዘይተደልየ ሓደጋ ከም ዝአቱን ርኢና አሎና።ስለዚ እቲ እንኮ ፍታሕ ንጃንዳ ህግደፍ ምድርባዮም ኢዩ።
 
ብወገን ደምበ ተቓውሞ ድማ ንዝወርድ ዘሎ ሓደጋ ብምግንዛብ፤ ብሓባር ምስ ዘይከላኸሉ እውን ሀገራውያን ዜጋታት ኢያቶም ክትብሎም ኣሸጋሪ ክኸውን ኢዩ። ካብ ጌጋታቱ ዘይምሃር ኤርትራዊ እውን ስለ ዘየለ፤ ተቓወምቲ ኢና፤ ውድብ፤ ሰልፊ ኣሎና እናበልካ ብተዛዋዋሪ መንገዲ ዕድመ ጃንዳ ከም ዝነውሕ ተግባራት ምግባር እውን ቅንዕና ዘይብሉ መዳከሚ ዜጋታት ጥራይ ኢዩ።
 
ክቡራት ዜጋታት በዲለ ምባልን ይቕረታ ምሕታት አብ ባህልናን ያታን ዓሚቕ ዝሰረቱ ዄይኑ ከምኡ እውን ኣብ ፖለቲካ እውን እንተኾነ ባህሪ ዲሞክራስያዊ ኢዩ። ኲላቶም ውልቀ ዜጋታትን አባላት ውድባት ሰልፍታት ማኅበራት ከዘውትርዎ ነተሓሳስብ። ዝበደለ ተኸሲሱ መቕጻእቱ ከም ዝወስድ እውን ከነተሓሳስብ ንፈቱ። ተሳዒርካ ነርካ ሰዓሪ ክትኸውን ዘሎ ጉዕዞ አዝዩ ነዊሕ ኢዩ። ሕጂ እውን ነዚ ዓለምለኻዊ እገዳ ከይተጠቐምናሉ ምስ ዝሓልፍ ዳግመ ስዕረታት ዄይኑ፤ብደውካ ጸዋዒት ሞት ምጽባይምዃኑ ክንዝንግዓ አይግብአናን።

ኪዳን ብግቡእ ምእንቲ ሕዝብን ሀገርን ምስ ዘይሓስብ ከም መተካእታኡ ከነባራብሮ ዝግብአና፤ ነተን ንሀገርና ኤርትራ አዕኑድ ዄይነን አቊመናኦ ዘለዋ ትሽዓተ ብሔራትን ሓውሰ ብሔራትን ኢዩ።
 
እምበአር ከስ እቲ እዋን ዝጠልቦ ዘሎ ኪዳን አብ ነንሕድሕዱ ካብ ዘይተሰማምዔ ከም ጃንዳ ህግደፍ ኣብ ናይ ነበረ ጉሓፍ ደርቢካ ንትሽዓተ ብሔራትን ሓውሰ ብሔራትን ኤርትራ ትጽቢታዊ ሓባራዊ መስርሕ ከተግብሩ ኃላፍነቶም ንክጥቀሙ አለዎም፤ ብምባል ጻዊዕትና ነቅርብን ንተሓሳስብን አሎና።
 
ክቡራት ዜጋታት ኤርትራ ሀገርና ብጸጋታት ማኅበረ-ሰባት ዝተደኮነት ከም ምካኑ መጠን መሬት ኤርትራ ድማ ዋናታቱ  ሕብረተሰብ ኤርትራ ኢዩ። ስለ ዝኾነት ድማ ኢና ኲሉ ጊዜ ጠለብና ናይ ሓባራዊ መስርሕ ንክህሉ እንጽውዕ ዘሎና።
 
ስለዚ እቶም በብሔራቶም ንመሰሎምን ንጃንዳ ህግደፍ ንምብዳህ ዓቕሞም ንምግባር ዝብገሱ ዘለዉ ኃይልታት ሀገራዊ ሕብረት ንክገብሩ ምሕታት እውን እዋኑ ሕጂ ድአ እምበር ንጽባሕ ዝብሀሎ አይኮነን። ከምኡ እውን ሲቪላውያን ማኅበራት፤ነቲ አብ ሀገርና፤ አብ ልዕሊ ንሕዝብን ሀገርን ዝወርድ ዘሎ ግህሰት ሰብአዊ መሰላትን ክብድሃ እንተ ድአ ኾይነን፤ ናይ ሓባር ዓለም ለካዊ ኤርትራዊ ሲቪላዊ ማኅበር፤አብ ከክፍሊ ዓለሙን ዓለምን  ብሕብረት ዘጸውዔንን ዘስርሔንን ሕግታት ክገብራ ይግደዳ።
 
እምበርከስ ኲሉ ኤርትራዊ ዜጋ፤ ንክጥርነፍ ህሉው ኲነታት ሕዝብናን ሀገርና ብምግምጋም፤ ነቲ ተወሲኑ ዘሎ እገዳ እውን ንኲሉ ዜጋ ከይፈላለየ፤ ነቲ እገዳ ኣብ ረብሓ ሕዝብናን ሀገርናን ንኸነውዕሎ፤ እቲ መፍትሒ  ምትሕቁቋፍ ምትሕግጋዝ እሂን ምሂን ምብህሃል ወዘተ ጥራይ ዘይኾነስ ሓደ ልቢ ሓደ ሕዝቢ ደቂ ሓንቲ ሀገር ምዃና ዘረጋግጽ ሓባራዊ አሰራርሓ ሓባራዊ መስርሕ ንከነካይድን ከነማዕብልን፤ እሞ ነቲ አብ ልዕሊ ጃንዳ ህግደፍ ተበይኑ ዘሎ ብይን ግብራዊ ንክንገብሮ፤ ካብቲ ዝነአሰ ማኅበረ- ሰብ ኤርትራ ክሳብቲ ጊዝያዊ ሓባራዊ መሰጋገሪ መንግሥቲ ንምትካል ሀገራዊ ግቡእናን ኃላፍነትናን ምዃኑ ፈሊጥና ኤእጃምና ከነበርክት ጊዜኡ ሎሚ ኢዩ።
 
ሀገር ንብዙሓት ብዙሓት ንሀገር                
ዘለዓለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስዉአትና
ሰላምን ቅሳነትን ንሕዝብና
ሓድነትና ይጠጥዕ

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...