ካብ ዝሓለፍ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2008 ጅሚሩ ብቀጻሊ ትደጋገም ሓረግ ኣላ። ብፍላይ ኣብዚ ቅንያት’ዚ እሞ ተጋኒና ካብ ታራ ቃል ምዃና ሓሊፍ ከም ዓቢ መዛረቢ ዛዕባ ኮይና ኣብ ኩሉ ከባቢታት ዓለም ካብ ሰሜን ኣመሪካ ካናዳ ኣወሮጳ ማእለላይ ምብራቕ እንተላይ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ብዓቀኑ ሰፊሕ ዘመተ ዝግበርላ ዘሎ ሓረግ “ መኸተ “ኢያ። ኤረ ሓንሳብ ሓንሳብሲ ከም ሓደ ቀመም ኮይና ኣብ ጸብሒ ከይትኣቱ ፡ ትርጉማ ከይትስሕት ዘስግእ ኢዩ። ንምዃኑ መኸተ እንታይ ማለት ኢዩ? ንምንታይ ዝዓለመ’ዩ? ንመን’ዩ ዘርብሕ? ንህዝቢ ኤርትራ ዝጠቅም ድዩ ? ዝብሉ ሕቶታት ከነልዕል ግድነት ይኸውን። መኸተ ዝብል ቃል በቲ ቅኑዕ ትርጉሙ ክትንተን እንከሎ እምብኣር፡ ንዘሎካ ሓበራዊ ሽግር ብሓባር ንምፍትሑ ዝግበር ቃልሲ ወይ ዝወሰድ ተብግሶ ኮይኑ፡ ቀንዲ ተልእክኡ ድማ ረብሓ ብዙሕት ከረጋግጽ፡ ድሌትን፡ ሕቶን፡ ወጽዓት ክምልሽ ዝግበር  ህዝባዊ ምልዕዓል ኢዩ።

እሞ እዚ ካብ ኮነ እቲ ሓቀኛ ትርጉሙ መኸተ። እዚ ሎሚ ንህዝቢ ብመራኸቢ ብዙሓን ጉጅለ ህግደፍ ዓሳኽሩን ዝወቃዕ ዘሎ ከበሮ ኣውያት ድኣ ብሓቂ ህዝባዊ ዕላማ ዘለዎ ድዩ ?ብሓቂ ህዝብን ሃገርን ንምድሓን ዝግበር ዘሎ ናይ ኣፈ ኣርክቡ ምሽብሽብ ድዩ?  ኩላትና ብምስትውዓል ክንምልሾ ዝግብኣና እዋናዊ ሕቶ ኢዩ። ለባማት ክዛረቡ “ ካብ ታሪኽ እንታይ ንምሃር ይብሉ” ምኽንያቱ ታሪኽ መምህር ኢዩ። መስትያት’ውን ኢዩ። ሓደ ሕበረተስብ ብዛዕባ ነብሱ ክፈልጥ፡ ክፉእን ጽቡቑን ፍልዩ ከለሊ፡ ካብ ሕሉፍ ህልውን ጌጋታቱ ንኽምሃር ዝሓለፎ ታሪካዊ ጉዕዝኡ ንድሕሪት ተመሊሱ ክፍትሽ ሰለ ዝግባእ።

ኲናት ክውልዕ እንከሎ ንምንታይ ይውልዕ ከምዘሎ ዘይነገሮ ህዝቢ፡ ኣብታ ናይ ዕርበቱ ስዓት፡ ሃየ ርድኡኒ፡ ኣፈ ኣርኽቡ ተባሂሉ። ነታ ጸማም እዝኒ ሂቡዋ ዝጽንሔ ዓለም፡ ኼድኹም ኣውያትኩም ኣስምዕዋ ኢሉ። ተሓቢኤን ዝጠንስኦ፡ ሰብ ጽወዔን ይሓርስኦ ኮይኑ። እቲ ኣጀንዳ ግን ንጹህ ንኸምስል፡ ህዝብን ዓለምን ከደናግር ዝገበሮ ሽርሒ ኢዩ። ህግደፍ እቲ ፍታሕ ኣብ ኢዱ ከምዘላ ይፍልጥ ኔሩ ኢዩ። ከምታ ዘሳወራ ድማ ባዕሉ ከምዘጥፍኣ ኩላትና ንፍልጦ ሓቂ ኢዩ። ሕጂ’ወን ታሪኽ ኢዩ ዝድገም ዘሎ። እዚ ብሰንኺ ዘይወርዙይ ባህርያቱን ጦብሎቕሎቑን ዝምጽኦ ሰበብ፡ ንህዝብን ሃገርን ዘየርብሕን ዘይምልከትን ጉዳይ፡ ብፋልልነቱን ቀይዲ በተኹን ዝረኸበቶ ሓለንጊ፡ነቲ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ጥቅምን ግደን ከምዘይብሉ፡ ብሽካዕላልን ንዕቀትን ክሕጭጨሉን፡ ከም ሕሱም ዝጭፍጭፎን ዝገርፎን ዝኣስሮን ዝቀትሎን ዘሎ ህዝቢ፡ ኣብ ኣፋን ዕርበታን ምስ በጽሔት፡ ሕጂ ሰብ ኩኑኒ፡ ኣውያት ግበሩ እንታይ ኣምጸኦ። ድሓር ከኣ ህዝቢ ኣብ ጉዳይ ሃገሩ ግደ ዘይብሉ ንምንታይ ሕጂ ኣብ ኢዱ ዝይሓወሰሉ እሞ ድማ ኣብ ዘየርብሖ ኣጀንዳ ተዓዳሚ ይኸውን። ኩልና ኤርትራውያን ክንምልሶ ዘሎና ሕቶ ኢዩ? ለባማት ክምስሉ “ ክሰርቀኒ ዝረኣኽዎስ ክመልስለይ ነይኣምኖ ይብሉ።” ትማሊ ትማሊ ብሓሶትን ፈጠራን ኣደናጊሩ ኣብ ዓዘቕቲ ድኽነትን ስደትን ሞትን ሸኺሉና ከብቕዕ፡ ሕጂ ድማ ጭራስ ንኽንጸነት ኢዩ ዝሰርሕ ዘሎ። ሰለዚ ልቢ ንበል። ከም ላም ምስ ሓራዲና ማይ ኣይንስተ።

እቲ ሓቂ እምብኣር ከምቲ ህግደፍ ዝብልዎ መናፍሓት ዘይኮነስ፡ ብቀዳምነት እቲ ማዕቀብ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ቀንዲ ኣትኩርኡ፡ ንጉጅለ ህግደፍን መራሕቱን ዘቕንዐ ማዕቀብ ኢዩ።
  • መራሕቲ ህግደፍ ናይ ደገ መገሻ ከይገብሩ
  • ዝኮነ ብጉጅለ ህግደፍ ዝወነንን ትካል ንኸይንቃሳቀስ
  • መራሕቲ ህግደፍ ኣጽዋር ከይገዝኡን ከይሸጡን ዝእግድ ኢዩ።
ብንጹር ንህግደፍን ኣመራርሕኡን ፍልዩ ዘነጻጸረ እግዳ ኢዩ። እንተኾነ ግን ብሰንኪ’ዚ ማዕቀብ’ዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ዝወርድ ዝኮነ ይኹን በደል ቀንዲ ተሓታቲ፡ እቶም ሃንደስቲ፡ ሰርዓት ህግደፍን ኣተግበርቱን እዮም። እዛ ብናይ ሓሶትን ፖሮፖጋንዳን ህግደፍ ተሓቢልና ንኸሳ ዘሎና ዓለም ኣይኮነትን።
 
ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከም ሕሱም ማዕቀብ ኣንቢሩ ዘሎ ባዕሉ ስርዓት ህግደፍ ኢዩ። ተማሃራይ ከይምሃር ካብ ትምህርቱ ዘሰንከለ ናይ ብዙሓት ሰብ ጸጋ ሓረስቶት፡ጀራዲን መንዚዑ፡ ናይ ድካታት ገባራት እኽሊ ካብ ቖፎታትን ዓውድን ዝዘመተ  ኩሎም ናይ ምምጻእን ምልኣክን ልቸንሳ ዝነበሮም ነጋዶ መንጢሉ ኣብ ጎደነታት ቖንፈዘው ክብሉ ዝገበረ ነቶም ዘለውና ውሑዳት ኮትራክተራት ህንጻ ዓዲ ወዕል፡ ብዙሓት ርሂጸ በለዓት ሰራሕ ኣልቦ ዝገበር ወዘተ- - - እዚ ጥራይ እውን ኣይኮነን። መዓንጣ ዘይቆዘሩ ቆልዑ ኣብ ረመጽ ኹናት ዝጠበሰ፡ ስድራቤታት ዘዝኽተመ፡ መጻኢ ዕድለ መንእሰያት ዘጸልመተ፡ ህዝብን ሃገርን ዝሕምስ ዘሎ፡ ኣብ ወሽጥና ከም ነቐዝ  ዘማስነና፡ ምንጭ ኩሉ ሕሰምና ኾይኑ ዘሎ ባዕሉ ህግደፍን ኣተሓሳስብኡን ባህርያቱን ድኣምበር፡ እታ ኣብ ርሑቕ ስግር ዘላ ዓለም ኣይኮነትን።

ኣብ’ዚ ሎሚ እዋን ከም ህዝቢ ልዕሊ ህግደፍ ሓደ’ዃ ጸላኢ የብልናን። ከም ህዝቢ ከይንህሉ፡ ንቀጻልነትና ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ዘሎ ህግደፍ ኢዩ። እዚ ናይ ሓሶት ቆርበት ኤርትራዊ ሃገራውነት ተኸዲኑ፡ ብቐጻሊ ኣብ ብዓቲ ልኣላውነት ተሓቢኡ ከድናግር ዝጽንሔ ጉጅለ ጉሓላሉ፡ እቲ ኩሉ ዝብልዎን ዝኣልምዎን ፈጠራታት ንረብሕኣም ኢዩ። በንጻሩ ንዓና ከም ህዝቢ ግን ንጥፍኣትናን ዕንወትና ዘቅንዔ ሕቡእ ተልእኮ ኢዩ።

ስለዚ እቲ ሓደ ክንሕዞ ዘሎና እምብኣር ዓለም ንህግደፍ ትደግፎ ትጽላኣዮ፡ ትቕተሎ ትምሓሮ፡ ብዘየገድስ ከም ህዝቢ ግን ጸረ ሰላምን ጸረ ዲሞክራስን ምዃኑ፡ ካብ ዝሓለፉ ባዕዳውያን ፈሊካ ዘይርኤ፡ ሃገራዊ ህዝባውን ኣተሓሳስባ ዘይውንን፡ ደመኛ ጸላኢና ከምዝኾነ ክንፈልጥ ይግባእ። ንምድምሳሱን ምስዓሩን ድማ ቁርጺ ፍቃድ ክንወስድ ጥራይ ኢዩ፡ እቲ እንኮ ዝጽበየና ዘሎ ኣማራጺ። ካልእ ከቶ የልቦን።

ካብዚ ሓሊፉ ንህግደፍ ምድሓን ማለት ግን፡ ንህዝብን ሃገርን ኤርትራ ኣብ እግሮም ሰፍ ዘይብል ሓጺን ኣሲርካ ናብ ባሕሪ ምድርባዮም ኢዩ። ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ሞት ፍርዲ ምሃብ ማለት ኢዩ። ብፍላይ ነቶም ኣብ ዑቁል ዘለው፡ ካብ ረመጽን ጓህርን ርሒቆም ዝነብሩ፡ ከምቲ ዘይስንካ ሑጻ እንተትቑርጥመሉ ዝብሃል፡ ነቲ ሕሰምን ብቃላት ንኽትገልጾ ዝሕርብትካ፡ ኣደራዕ ህዝቦም ረሲዖም ምስቲ ከም ንፋስ ሸው ኢሉ ዝዓርብ ሰርዓት ዘዳኽሩ ዘለው፡ ኣብ ምግዳድ ኣበሳ ህዝቢ ኢዶም ዝጽንብሩ፡ነዚ ኣብ ደንደስ ሞት ዘሎ ሰርዓት ሂወት ክሶኹዑ ትኣንጎት ተሸብሸብ ዝብሉ ዘለው ኣሕዋት ልቦም ክዕብዩ ንጽወዕ። ካብ ተገዛእቲ ስሚዒቶ ምዃን ሓራ ወጺኦም ኣብ ጎድኒ ህዝቦምን ሃገሮን ብምዃን ዕድመ ስልጣን ሰርዓት ህግደፍ ኣብ ምሕጻር እጃሞም ከብርኽቱ ንላቦ። ነባሪ ህዝቢ ድኣምበር፡ ነባሪ ስርዓት የልቦን።
            
ዲሞክራስያዊ ቃልስና ይንዋሕ ይሕጸር ክዕወት ኢዩ።!!!!!!
ዓለምለኻዊ ምንቅስቃስ መንእሰያት ኤርትራ
 
 
 
 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...