Toronto Action
A Coalition of Eritrean Civic And Partisan Organizations - This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.
 
መተሓሳሰቢ ንኣባላት ህ.ግ.ደ.ፍ. ካናዳ

ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብ23 ታሕሳስ 2009 ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ፡ ስርዓት ህግደፍ ንግዝያዊ መንግስቲ ሶማል ንምውዳቕ ዝንቀሳቐስ፡ ጥሩፍ እስላማዊ ጉጅለ ኣሸባብ፡ ‘የዕጥቕን ይድግፍን ኣሎ’ ብዝብል ክሲ እገዳ መሸጣ ኣጽዋር፡ እገዳ መገሻ ላዕለዎት መራሕቲ ስርዓት ህግደፍን ሰራዊትን፡ ከምኡ ‘ውን ምድስካል ንብረቱን ገንዘቡን ዘጠቓለለ ጽኑዕ እገዳ ጌርሉ።
 
እዚ እገዳ ብኩሉ ደላዪ ለውጢ ቅቡል ዝገብሮ ቀንዲ ምኽንያት፡ ነቲ ስርዓት ካብቲ ህዝቢ ፈልዩ ስለዝቐጽዖ’ዩ። ኩሎም ኣብ ምሕንጻጽን ምትግባርን ጽዩቕ ፖሊስታት ናይቲ ስርዓት ተዋፊሮም ዘለዉ ላዕለዎት ሓለፍትን ተሓባበርትን ኣብ ዓንኬል ናይዚ እገዳ ኣትዮም ኣለዉ። በዚ ሓለንጊ’ዚ ከኣ ክኹርመጁ’ዮም። ከም ውጽኢቱ ካብ መቑሕ ስርዓት ህግደፍ ክወጽእ፡ ካብ እገዳ ህግደፍ ክላቐቕ ዝራባረብ ዘሎ ህዝብና ዓቢ ፍናን ክረክብ’ዩ።
 
ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ ዝተበየነ እገዳ ቀሊል ኣይኮነን። እቲ ስርዓት ከም ግብረ-ሽበራዊ ኣሃዱ’ዩ ተለልዩ ዘሎ። ምንቅስቓሱ፡ ንጥፈታቱ፡ ርክባቱን ንግዳቱን ሓደ ብሓደ ኣብ ትዕዝብቲ ባይቶ ጸጥታ ወዲቑ ኣሎ። ብኣብ ደገ ዝርከቡ መጋበርያታቱ ዝገብሮ ናይ ገንዘብ ምውጻእን ካልእ ዕድመ ስልጣኑ ዘናውሕ ሸርሕታትን ኣብ ቆላሕታ ኣትዩ’ሎ። ባይቶ ጸጥታ፡ ኪኖ’ዚ ብምኻድ፡ ብተራ ኣባላት ህግደፍ ክዕመም ዝኽእል ስራሕ ዕቱብ ጠመተ ሂቡ፡ ምንቅስቓስ ነፍስ-ወከፍ ኣባል ብኣንክሮ ኣብ ምክትታል ይርከብ። ብሓጺሩ መሓውራት ኣልቃዒዳ ንምስባር ዝተጠቕመሉ ስለያዊ ሜላታት ኩሉ የተግብሮ’ሎ።
 
ካናዳ፡ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ እገዳ ክግበር ካብ ዝደገፋ ሃገራት ሓንቲ’ያ።
 
እቲ ኣብዚ ዝለዓል ሕቶ እዞም ኣብ ካናዳ ዝነብሩ ኣባላት ህግደፍ ብከመይ ነብሶም ካብዚ ምስ ግብረ-ሽበራውያን ተጸምቢሩ ዘሎ ስርዓት ነጻ ይገብሩ’ዩ። ቅድሚ ሕጂ ዝነበሮም ምትእስሳር ብትዕዝብቲ ይሕለፍ ይኸውን፡ ብሕጂ ንዝገብርዎ ምውሳእ ምስቲ ስርዓት ግን ኣብ መነጽር ደቂቕ ትዕዝብቲ ከምዘእትዎም ከስተውዕሉ ኣለዎም።
 
ንውሳነ ባይቶ ጸጥታ ተቓዊሞም ምስቲ ደጋፊ ግብረ-ሽበራ ተባሂሉ ተኣጊዱ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ክደጋገፉ ምስ ዝርከቡ፡ ንርእሶም ከም ተሓባበርቲ ሽበራ ከምዘጠምቶም ናይ ሕጊ ምሁራት ዝምስክርዎ ሓቂ’ዩ። ብዙሓት ምስ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ኔርኩም ተባሂሎም ዝተዳጎኑ ሰባት፡ ንጥፈታቶም ካብዚ ኣባላት ህግደፍ ዝገብርዎ ምንቅስቓሳት ዝወሓደ’ዩ፣ ግን ካብ መቕጻዕቲ ኣየምለጡን። ሕጂ ኩሉ ንጥፈታት ኣባላት ህግደፍ ሓደ ብሓደ ክዝርዘር ምስ ጀመረ፡ ክብደት ናይቲ ክቐርብ ዝኽእል ክሲ ቀሊል ኣይክኸውንን’ዩ። ንዓመታት ኣስማቶም ኣብ ስዉር ጸሊም መዝገብ ሰፊሩ ክስነድ’ዩ። ንዓበይትን ንኣሽቱን ኣባላት ህ.ግ.ደ.ፍ. ድማ ርዝነት ናይዚ ጉዳይ ብማዕረ ክጸልዎም’ዩ።

ንሕና ናይ’ዚ ስርዓት እገዳ ንድግፈሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዘውረዶ ዓመጽን እገዳን መዳርግቲ ስለዘይብሉ’ዩ። ሓረስታይ ናብ ከተማ እኽሊ ኣእትዩ ከይሸይጥ ተኣጊዱ፣ ነጋዳይ ከይሽቅጥ ተኾኒኑ፣ ተመሃራይ ናይ ዩኒቨርስቲ ትምህርቲ ዕድል ተሓሪሙ፣ ቆልዑ ብዘይ ኣቦ ዘኽቲሞም፣ ወለዲ ብዘይ ውላድ ተሪፎም፣ እኽሊ ካብ ቆፎ ተሰዊሩ፣ ባኒ ብኩቦን ኮይኑ፣ ድኽነት ከም ቃንጥሻ ኣብ ነፍስ-ወከፍ ገዛ ሳዕሪሩ፣ መንእሰያት ተስፋ ንእስነቶም ተመንጢሉ፣ ኩሉ ዝተወልደ ናብ ዓዲ ስደት ነቒሉ፣ ኮታ ኣብዚ እዋን’ዚ ከም ህዝቢ ኤርትራ ብገዛእ ስርዓቱ መሰሉ ዝተሓረመ፡ ዝተጨፍለቐ፡ ዝተዳህከን ዝተዋረደን ህዝቢ የልቦን።
 
እዚ እከይ ስርዓት በዚ ተግባራት’ዚ እንተዝእገድ ጸባ ምሰተና፣ እንተኾነ ኣብ ጉዳይ ሶማላውያን ኢዱ ብምምላስ፡ ኣንጻር ርእይቶ ዓለም ደው ኢሉ ነቲ ኣብ ሶማል ዝጸንሐ ሕዱር ቅልውላው ዘጋድድ ዓንዳሪ ፖሊሲ ምኽታሉ፡ ሓደ ካብ ቀንዲ ምኽንያታት እገዳዊ መቕጻዕቱ ኮይኑ። እዚ ከኣ ንህዝብና ናብ መንገዲ መስተርሆ ዝወስድ ጎደና ስለዝኾነ ብልቢ ንድግፎ።

  • ስለዚ ዓበይትን ንኣሽቱን ኣባላት ህግደፍ፡ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ደም ዝነብዕ ዘሎ ህዝብና ከምዘይትግደሱ ሕሉፍ ተግባራትኩም ኣርእይና’ዩ። ብዛዕባ ነብስኹምን መጻኢ ዕድላትኩምን ትግደሱ እንተኮይንኩም ግን ነዘን ዝስዕባ ነጥብታት ከተስተብህሉለን ግድን’ዩ፡-
  • ኣብ ዝኾነ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝውድቦ ንጥፈታት ዘይምስታፍ
  • እዚ ብባይቶ ጸጥታ ዝተገብረ እገዳ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ህግደፍ’ምበር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይኮነ ኣስተብሂልኩም ኣንጻሩ ተቓውሞ ዘይምግባር
  • ብቅሉዕ ይኹን ብስውር ኣብ ዝግበር ናይ ገንዘብ ምውጻእ መስርሕ ዘይምስታፍ
  • ዝኾነ ጉዳይ ንምስላጥ ትኸፍልዎ 2% ጠጠው ምባል (ካልእ ዓይነት ትንታነ ከምዝወሃቦ ምስትውዓል ኣገዳሲ’ዩ)
  • ሃ.ማ.ደ.ኤ. ቀንዲ መሳርሒ ትካል ህ.ግ.ደ.ፍ. ስለዝኾነ ናይ ገንዘብ ይኹን ዓይነት ደገፍ ካብ ምግባር ምቑጣብ
ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ጥንቃቐ ክትገብሩ እንተዘይኪእልኩም ግን መጻኢ ህይወትኩም ባዕልኹም ክትጽይቑ ክታምኩም ከምዘንበርኩም ክሕሰብ’ዩ። ስምኩም ኣብቲ ስውር ጸሊም መዝገብ ክሰፍር’ዩ። ዕጫ ተሓባበርቲ ኣልቃዒዳ ክገጥመኩም’ዩ። ስለዚ ካብዚ ሓደጋ’ዚ ንምድሓን ካብ ሕጂ ጭራኹም ሓልዉ። ለብሙ። እቲ ብዘይ ምኽንያት ንገዛእ ህዝቡ ዝቐጽዕን ዝእግድን ስርዓት ህግደፍ፡ ብድርብራብ በደላቱ ክቕጻዕ፡ ደገፍኩም ኣስምዑ። ነቲ ክሳብ ሕጂ ክትብድልዎ ዝጸናሕኩም ህዝቢ ትኽሕስሉ ግዜ ከኣ ሕጂ ይኹን።
 
Toronto Action
A Coalition of Eritrean Civic And Partisan Organizations
This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...