Eritrean Green Movement

ደገፍና ንሓይሊ ዕማም ኣንጻር ህግደፍዊ ሰልፊ ኣብ ኩሉ ዓለም ብፍላይ ድማ ነቲ ብመደብ ዝስርሕ ዘሎ ናይ ዋሺንግቶን ኣኼባ ኣብ ኤርትራና.ኮም ዝተቓልሔ።
 
እዚ ዲክታቶር ኤርትራ ሳላ ኣሜሪካ ተወሊዱ፣ ብኣሜሪካ ድማ ክዓርፍ ኢዩ።

ዋሽንግቶን ዲ.ሲ ክትሰምዕን እዝንኻ ሓፍ ክብልን ሓደ ይኸውን። ምኽንያቱ ኣብ ታሪኽ ናይ ዋሺንግቶን ጨንፈር፣ ኤርትራውያን ንናጽነት ኣብ ሰሜን ኣሜሪካ፣ ንምሕያልን ንምፍላጥን ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ኣሜሪካ ብሓፈሻ ድማ ኣብ ስደት ክልተ ሱጉሚቲ ንቅድሚት ዝደፍኤት ስለ ዝኾነት እዩ። ዋሽንግቶን ክትሰምዕ  ማሕበር መንእሰያት ዋሺንግቶን ዲ.ሲ ቅጅል ትብለካ። እወ እቶም መንእሰይ ብዘይካ ንህዝብን ንሃገርን እንተዘይኮይኑ ንርእሶም ሓንቲ ሰከንዲ እኳ ዘይሓስቡ። ኣብ ኣሜሪካ ድዮም ወይ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ይነብሩ ኣለዉ ኢልካ ንነፍስኻ ክትሓት ዝደፋፉኡኻ። ኣብ ማእከል መግቢ ከለዉ ዝጠምዩ። ኣብ ናይ ሞዳ ዓለም እናተቀመጡ ኪዳን ዘይሃርፉ። ገንዘብ ዘይስስዑ። ስርሕ ዊዒሎም ደሞዞም ብዘይ መሻርፍ ዘረክቡ። ኣብ ሲሚንቶ ፍርናሽ ኣንጺፎም ዝድቅሱ ዉፉያት ኣሓትን ኣሕዋትን ከመይ ጌርካ ክርስዑ፣ መዓንጣ ዘይቆጸሩ። ተንኮል ዘይፈልጡ። ካብ ኣሜሪካ ዝኣክል ኩሉ ዓለም ክኸዶ ዝትምነዮ። “ዕብየት ህዝብና እንበር ዕብየትና ኣይንደልን” ኢሎም ንሜዳ ዝወሓዙ ወይ ድማ ንቓልሲ ክብሉ ዝኣረጉ፣ ብዙሓት ካብኦም ከም ካልኦት ኣሓቶምን ኣሓዋቶምን ተሰዊኦም፣ ገለ ነጻነት ሪኦም፣ ብዙሓት ካብኦም ሓፋሽ ክርሳዕን ህዝቢ ክብደልን ከሎ ዓይኖም ስለ ዘይዓመቱ ኣብ ፋሺሽታዊ ቤት ማእሰርቲ ይሳቐዩ ኣለዉ/ዋ፣ ብዘይካ ገለ ሓተላ ንውልቓዊ ረብሓ ክብሉ ንጓንቲ ፋሺሽታዊ ስርዓት ኮይኖም ከይሓፈሩ ዜግነት ኣሜሪካ ሒዞም ክሳብ ነርክበሎም ጸፋዕፋዕ ዝብሉ። ዘለዉ፣ ጣይታ ኣደይ ደስታ ክሓንቖም ኢዩ፣ “ደም እንተረሳዕካዮ ንሱ ኣይርሳዓካን” ዝብልዎ ኣበዋት ኣሎ።እዚ ተዝክሮና ግን ሓንቲ ንጣብ ካብ ባሕሪ ካብ ቕያታት ቓልስና ኢያ፣ እዚ ተዘክሮ ዝመጽኣና።

ዕማም ናይ ኣንጻር ህግደፋዊ ፋሺሽታዊ (ሰላማዊ) ሰልፊ ዋሺንግቶን ምስ ሰማዕና እንደገና ኤርትራ ዋልታን ጠበቓን ዉጹዕ ህዝብና ዝኾኑ፤ ኣብ ታህዋኽን ኣብ ሓይልን ዘይኮነ ኣብ ሕጊ ዝኣምኑ፤ ዳግማይ ምውላዳ ደስ ስለ ዝበለና፣ ነዚኣ ናይ ደገፍ መልእኽቲ ክንሕንጽጽ ወሲና። እዚ መንገዲ እዚ ኣብ ካልኦት’ውን ተፈቲኑ ኢዩ፣ ግን ኣይቀጸለን ሕጂ ግን እቲ ሃዋህው ፖለቲካ ዓለም ዝድግፎ። ስለ ዝኾነ እዚ ቅዲ ስራሕ ናይ ዋሽንግቶን ሓርበኛታት ኣብ ኩሉ ሰሜን ኣሜሪካን ካልኦት ሃገራት ክንስዕቦ ይግባእ። እዚ ፋሺሽቲ ኣብ ዝባን ስደተኛ ህዝብና ተሓንጊሩ ኢዩ ንህዝብና ኒዕቅዎ ዘሎ። ስለ’ዚ ካብ ዝባን ህዝብና ክወርድ ብቐዳምነት ካብ ዝባን ስደተኛ ህዝብና ከነውርዶ ኣሎና። ኣብ ዲሞክራስያውያን ሃገራት ተዓቑቡ፣ መስል ዲሞክራሲ ረኺቡ ንዲክታቶር ክድግፍ ዝሕንብጥን፤ ነታ ኤርትራ ግን ገሃነብሳት ይእተዋ፣ መሰል ኣብ ሃገሩ ስለ ዝሰኣነ ተሰዲዱ ይነብር ዘሎ ይመስለና ኔይሩ። ዓስከር ኢሳያስ ኣብ ስደት ኮይኑ ካብ ዝነብር ጥቓ መራሒኡ ኮፍ ክብል ብሕጊ ንሓግዞ፣ ሓልፍነቱ ድማ ናቱ ኢዩ፣ እዚ በድባድ ደጋፊ ህግደፍ። ሕጊ አንተሰምዔ ከም መራሒኡ ዝደሃል ስለ ዝኾነ ብሕጊ ንሓዞ፣ ሕጊ ድማ ባህልናን ያታናን ኢዩ፣ ክልተ ጻሕሊ ክበልዕ ዝደሊ ኣብኣ ይርከባ፣ ንሕና ካብ ዝባን ስደተኛ ህዝብና እንተኣውሪድናዮ ኣብ ዉሽጢ ዘሎ ህዝብና። ነዚ ስርዓት ፍነፊንዎን ጸሊእዎን። ስለ ዘሎ ከም ጽንጽያ ሰስ ክብሎ ኢዩ፣ ብዘመን ሰውራ። ሓገዝና ግዜ ሰውራ ሰሪሑ እዩ እንተኾነ ተጠሊምና። ሕጂ ግን ከም’ቲ ጸሓፋይ ታሪኽ ግርማይ ኪዳነ ዝበሎ፤ “ኤናስኣን ኤናኣን ቲፎዞ ኔረን ዝበሎ” ሓቁ ስለ ዝኾነ ከይተገራህና ንሙሉ መሰል ህዝብና ክንጭብጥ። ክነሕቆቆ ኣብ ኢድና ኢዩ ዘሎ፣ እቲ መንገዲ ክሓጽር ምስ ዌባትን ምስ ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ብኣፍ ዘይኮነ ብግብሪ ስሙር ሓይሊ ዕማም ኮይኑ ታሪኽ ክግበር ንተስፎ፣ ንሕና’ውን ንሱ ኢዩ ዕላማና።

Yes we can fight and win against authoritarian regime, yes we can create Social Reconciliation, and Justice in our society and Harmonize, Peaceful Equitable and environmentally sustained Eritrea.E.G.M.
 
ኣምላኽ ንቓልስና ይሓግዘና፣ ንሃገርና ይባርኻ።
ንኡሱራትና ጽንዓትን ጥዕናን ቅልጡፍ ሓርነትን የውርደሎም። ኣሜን።
ንሱዉኣትና ለበዎኦም ብምፍጻም ንዘክሮም።
በዚ ኣድራሻ ተራኽቡና። This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.   
ግ.ኣ.ሽ ሓምላይ ምንቕስቓስ ኤርትራ፣


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...