ቕድሚ ናይ ግርማ ኣስመሮም ኣምባሳደር ኤርትራ ናብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣኼባ ምጅማሩ ብሓልዮት ማሕበር ጥርናፈ ኤርትራውያን ንፍትሕን ንዲሞክራስን አብ ዮቶቦሪ፣ ሽወደን ዝተዳለወን ዝተኻየደን ሰላማዊ ሰልፊ ብዓወት ተዛዚሙ::

ክልተ ሰዓት ቅድሚ እዚ ናይ ደሞክራስያውያን ኤርትራውያን ሽወደናውያን ሰልፊ ምጅማሩ፤ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ወከልቲ አብቲ ብደገፍቲ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝውነን ናይ ረድዮ መደበር ቀሪቦም አንጻር እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ሰፊሕ ዘመተታት አካይዶም እኳ እንተነበሩ ዕላምኦምን ፈተነታቶምን ፈሺሉ።

ፖለቲካዊ እሱራት ይፈትሑነቶም ብጓይላ ተሰንዮም ክቅበልዎ ተመዲቦም ዝነበሩ መንእሰያት ካብ ውሽጢ ገዛ ከይወጹን፣ እቲ ሓሲቦሞ ዝነበሩ መደባት ምቕባል ጋሻ ሰሪዞም፣ ተቓውሞ ኤርትራውያን አብ ልዕሊ ዲክታቶር ኢሳያስ ከይዕዘቡ ዓጽዮምዎም።
ግርማ አስመሮም ንባዕሉ ካብ ተቃወምቲ ኤርትራውያንን ነቶም ንሰዓታት ክሓትዎ ዝጽበይዎ ዝነበሩ ናይ ሽወደን ጋዜጠኛታት  ከይረኽብዎ ገፊሕ አፍደገ ገዲፉ፣ ተሓቢኡ እንዳጎየየ  ብሑጋ አብቲ ኣኼባ አትዩ::Foto: Lennart Rehnman

 

 


ተኻፈልቲ  እቲ ሰላማዊ ሰልፊ  ሒዞሞ ካብ ዝነበሩ ጭርሖ፤

  • ውድቀት ንኢሰያስ
  • ዲክታቶር አብ ኤርትራ አየድልየናን
  • ስቅያት ህዝብና ስቅያትና እዩ
  • ኩሎም ናይ ሕልና እሱራት ይፈትሑ
  • ሰላም ንህዝቢ ኤርትራ
  • ዳዊት ኢሳቕ ይፈታሕ - ነጻ ይለቀቕ
  • ዓወት  ንሓፋሽ
  • ግርማ አስመሮም መንእሰያት አይተታልል
  • ሓቀኛ ኤርትራዊ  አፍደገ ጊዲፉ ብሑጋ አይአቱን'ዩ ዝብሉ ይርከብዎም። 
ሽወደናዊ ዳዊት ይስሃቕ ይፈታሕ

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...