ገዲም ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ነበር፡ መምህር ተስፉ ዘውደ፡ ኣብ ህልው ኩነታት ኤርትራን ዞባናን ኣመልኺቱ ሰፊሕን ብመርትዖ ዝተሰነየ መግለጺ ክገብር ኢዩ። መምህር ተስፉ ከም ገዲምን ምኩርን ተጋዳላይ መጠን፡ ንታሪክ ሰውራ ኤርትራን ኣመዓባብልኡን ኣብ ጉዕዞ ሰውራ ዘጋጠመ ፍጻሜታት፡ ብጠቕላላ ቅድምን ድሕርን ነጽነት፤ ብፍላይ ድማ ንህዝብና ገጢምዎ ዘሎ ተርክቦ፡ መብገሲኡን ኣመጻጽእኡን፡ ብኸመይ መፍትሒ ከምዝርከቦ ብዕምቆት ክድህስስ ኢዩ።

ከምቲ ዝወዓለ ይንገርካ፡ ዝቀበረን የርድእካ ዝብሃል፡ መምህር ተስፉ ዘውደ ካብቶም ገዳይምን ነባራትን ቀዳሞት ተጋደልቲ ነበር ካብ ብሱል ጥረ ዝተረፈ ኢዩ።ምእንትዚ ነቲ ብዓይኑ ዝረኣዮን ብኣካል ዝተሳተፎን ፍጻሜታት ምርኹስ ብምግባር ዝርዝራዊ መግለጺ ክህብ ኢዩ።ካብ ህዝቢ ዝቐርቡ ሕቶታት ድማ ክምልሽ ኢዩ።

ሰለዚ ኩሉ ግዱስ ሃገራዊ ኣብዚ ኣገዳሲ ኣኼባዚ ክሳተፍ ንጽውዕ።

ዕለት፡ ሕዳር 29/2009

ሰዓት ፡2pm to 6 Pm

ቦታ: DOUBLE TREE HOTEL DENVER፣ 1369 EAST ILIFF PLACE (ONE BLOCK WEST I 225 and ILIFF)    Behind the Gas Station.

AURORA, CO 80014
ንዝያዳ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ተሌፎን ደውሉ።
(720 234 7047) (720 268 7008)  (720 301 3097)
ብድሓን ምጹ።                                                                                                                                            

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...