ገዲም ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ነበር፡ምምህር ተስፉ ዘውደ፡ ኣብ ህለው ኩነታት ሃገርና ኤርትራን ዞባናን ኣመልኪቱ ሰፊሕ ብመርትዖ ዝተሰነየ ምግለጺ ክገብር ኢዩ። መምህር ተስፉ ከም ገዲምን ምኩርን ተጋዳላይ መጠን፡ ንታሪክ ሰውራ ኤርትራ ኣመዓባብልኡን ኣብ ጉዕዞ ሰውራታት ዘጋጠመ ፍጻሜታት፡ ብጠቅላላ ቅድምን ድሕርን ነጻነት፡ ብፍላይ ድማ ንህዝብና ኣጋጢምዎ ዘሎ ተርክቦ፡ መብገሲኡን ኣመጻጽእኡን፡ ብኸመይ መፍትሒ ከምዝርከቦ ብዕምቆት ክድህስስ ኢዩ።

ከምቲ ዝወዓለ ይንገርካ፡ ዝቀበረን የርድእካ ዝብሃል፡ መምህር ተስፉ ዘውደ ካብቶም ገዳይምን ነባራትን ቀዳሞት ተጋደልቲ ነበር ካብ ብሱል ጥረ ዝተረፈ ኢዩ። ምእንትዚ ነቲ ብዓይኑ ዝረኣዮን ብኣካል ዝተሳተፎን ፍጻሜታት ምርኹስ ብምግባር ዝርዝራዊ መግለጺ ክህብ ኢዩ። ካብ ህዝቢ ዝቐርቡ ሕቶታት ድማ ክምልሽ ኢዩ።

ሰለዚ ኩሉ ግዱስ ሃገራዊ ኣብዚ ኣገዳሲ ኣኼባዚ ክሳተፍ ንጽውዕ።

ዕለት፡ሕዳር 29/2009
ሰዓት ፡2pm to 6 Pm
ቦታ: DOUBLE TREE
       HOTEL DENVER
      1369 EAST ILIFF PLACE (ONE BLOCK WEST I 225 and ILIFF)    Behind the Gas Station.
      AURORA, CO 80014
ንዝያዳ ሓበሬታ በዚ ዝስዕብ ቁጽሪ ተሌፎን ደውሉ።
            ( 720 234 7047) (720 268 7008)  (720 301 3097)

ብድሓን ምጹ።  ዓለም-ለካዊ ምንቅስቃስ መንእስያት ኤርትራ
ኮሎራዶ

 

 


Latest

ምስጋና ካብ ስድራቤት ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣቦይ ተስፋጊዮርጊስ ብዓታይ

ብምኽንያት ዕረፍቲ ኣዚና እነፍቅሮን እነኽብሮን ኣቦና ኣቦይ ተስፋግዮርጊስ በዓታይ፡  ብኣካል ኣብ ቤትና መጺእኩም፡ ከምኡ’ውን ብዝተፋላለየ መንገዲ ናይ...

Eritrea: ሚኒስተር ፋይናንስ ነበር ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ፡ ሎሚ ንጉሆ ሓይልታት ጸጥታ ጨውዮም ኣበይ ከምዝወሰዱዎ ከምዘይፍለጥን

ሎሚ ኣብ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክቃላሕ ንሰምዖ ዘለና ትርጉም ኣልቦ ናይ ሰላም ስምምዕ፡ ክምቲ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ናይ ሕልና እሱራት ኣብዚ ቀረባ እዋን...

ንደመር ብኣምሓርኛ፡ ንጥፋእ ማለት’ዩ ብትግረ።

Hidden Motives in Every Day Life: The Elephant In the Brain – Kevin Simler Robin Hanson 2018 ትብል...

ካልኣይ ቅሉዕ ደብዳበ ናብ ክቡር ዶክተር አብይ ኣሕመድ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ረፓብሊካዊት መንግስቲ ኢትዮጵያ።

ብዕለት 5 ሰነ 2018፡ ነዚ ብኣኻን በቲ ብመንግስትኻን ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዝቐረበ ንብይን ኣልጀርስ ብዘይ ገለ ቅድመ ኩነት ተቐቢሉ ከፍጽም...

Eritrea: ፐሮጀክት ዓርቢ ሓርነት - ኣብዚ ሰሙን ካብ ዝበጹሑና ዜናታት:

እቲ ዕሉል ተለኣኣኪ ክፍእ ኮይኑ ኣሽሓት ሰባት ከበሳብስ ዝጸንሔ ወዲ ከበደ (ሓላፊ ቤት ምእሰርቲ ዓዲ ኣቤቶ) ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣቲዩ። እዚ ብጭካኒኡ ዝልለ ንጽሃት...

Eritrea: ምድማር'ዶ ወይስ ምፍዃስ?

ማንኪ፡ ክቡር ጠቅላይ ሚኒስተር፡ ምሳኹም ክንድመር ንወያነ ኣጥፉኡልና። ዶ/ር ኣብይ፡ ክቡር ማንኪ፡ ጀመርቲ ስለ ዝኾና ገና ምድማር ኢና ዘለና። ንስኹም ግን ቀዲምኩም ኣብ ምፉዃስ (elimination) ኢኹም በጺሕኩም። ግዜ ሃቡና...