መንግስቲ ኤርትራ፡ ብወገን ሩባ ሓዳስን ከባቢኡን ብሕሱም ግዝኣት ህግደፍ ዓቕሎም ብዝጸንቀቑ ሃገራውያን ዝተወለዓሉ ብረታዊ ቃልሲ ንምግታእ፡ ንህዝቢ ብህዝቢ ንምጥፋእ ዝዓነዉ ግዝኣታት ባዕዲ ዝተጠቕሙሉ “ፈላሊኻ ግዛእ’’ ዝብል ዝኣረገ ሜላ ብምጥቃም፡ እንተኾይንሉ ሕጂ'ውን ንህዝቢ ጽንዓደግለን ጣሩዓን ንምፍላስ ብምሕላን፡ ብደቂ ጣሩዓ ዝተፈጸመ ብዝመስል መንገዲ፡ ተወልደብርሃን ተስፋይ ንዝተባህለ ወዲ 25 ዓመት መንእሰይ ብዘዝካክሕ ኣገባብ ዳቡራ ኣብ ዝተባህለ ቦታ፡ ብ15 መስከረም ከምዝቐተሎ ካብቲ ቦታ ተገሊጹ።

እዚ ዘስካሕክሕ ፍጻሜ'ዚ፡ መንግስቲ ኤርትራ ህዝቢ ብመሰረታዊ ሽግራቱ ተወጢሩ ንለውጢ ብሓባር ንከይወፍር ኣብ ሞንጎኡ ዝጠፍአ ሓዊ ብምቑስቋስ ብሓድነት ንኸይምክት ኣቓልቡኡ ንምእላይ ዝወሰዶ ናይ ቀቢጸ-ተስፋ ኣነዋሪ ተግባር ኢዩ። ህዝብታት ጽንዓደግለን ጣሩዓን ነዚ ኣስተውዒሎም ካብ ሕድሕድ ምፍሳስ ደም ክጥንቀቑ ንምሕጸንን ረዚን ምሕጽንታ ነቕርብን።

በዚ ኣጋጣሚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ መፍቶ ናይዚ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ኣጸቢቑ ዘግሃደ፤ ንኤርትራን ንህዝባን ከጽንት ዝተዓጥቀ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ምዃን ክጥንቀቕን ከስተውዕልን ነተሓሳስብ። ጉጅለ ህግደፍ፡ ዋላ’ኳ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንተግባራቱ ብቐረባ ስለዝከታተሎ እንተዘይተዓሸወሉ፤ ኣብ ወጻኢ ሃገራት፡ ብውሽጠ-ውሽጢ ሃሱሳቱ ብምውፋር፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን፡ ኣውራጃዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ቀቢላውን እንዳውን ዘይነበረ ጽልኢ ብምስዋር ኣብ መንጎ ኣሕዋት ጽልእን ምጥርጣርን ንኸስፍን ይጽዕር ከምዘሎ ኩሉ መስተውዓሊ ዝፈልጦ ኢዩ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...