ብ18ን 19ን መስከረም 2001፡ ሚኒስተራትን ጀነራላትን ዝርከቡዎም፡ ኣባላት ማእከላይን ሃገራውን ባይቶ ዝነበሩ፡ ገዳይምን ህቡባትን ተጋደልቲ (G15)፡ ፕረዚደንት ብሕጊ ኪቕየድ፡ ቅዋም ኪትግበር፡ ስልጣን ናብ ህዝቢ ኪርከብ፡ ናጻ ፖለቲካውያን ማሕበራትን ሰልፍታትን ኪቆማ፡ ፍሉይ ቤት ፍርዲ ኪፈርስ፡ ሃገራዊ ገምጋም ስራሕ ኪግበር፡ ብምሕታት ናብ ህዝብን ተጋደልትን ቅሉዕ ደብዳቤ ዝጸሓፉ መራሕቲ፡ ብንግሁኡ ተሃዲኖም ተወሲዶም ደሃዮም ጠፍአ።

እተን በብቑሩብ ኪዕምብባን፡ ብዓቕመን ልሳን ህዝብን ሓበሬታን ኪኾናን ጀሚረን ዝነበራ፡ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን መጽሔታትን፡ ኣብ መንጎ ፕረዚደንትን ደለይቲ ለውጥን ዝተፈጥረ ዘይምርድዳእ ስለ ዘቃላሓ፡ ርእይቶን ሓሳብን ነቶም ነቲ ቓልስን መንግስትን ንዓመታት ዝመርሑዎ ጀጋኑ ኣብ ዓምድታተን ስለዘስፈራ፡ ብጠቕላላኡ፡ ንኹሉ መንግስቲ ዝህቦ ዝነበረ ናይ ጸለመን ጠቐነን ፕሮፖጋንዳ ስለዘቃላዓ፡ ምስ ኣዳለውተን ኣብ መዓሙቕ ተደርበያ።

ካብኡ ቀጺሉ ዝተፈላለየ ማእከላይ ሓላፍነት ዝነበሮም ተደናገጽቲ G15 ኢኹም ብማለት ብኣማኢት ዝቁጸሩ ሰባት ኣደዳ ማእሰርትን ስቓይን ክኾኑ ጀመሩ። ብዙሓት ንጹሃት ኣመንትን መራሕትን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት፡ ኣብ ትሕቲ ፈጣሪ ብምውካሎምን ቅዱስ ቃል ብምስባኾምንውን ኣደዳ ግፍዒ ኮኑ።

ህዝቢ ኤርትራ ንልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ዝደመየሉ ምኽንያት፡ ዜጋታቱ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ብዘይ ኣፈላላይን ኣድልዎን ኪጓሰዩ፣ ናይ ድምጽን ምርጫን ዲሞክራሲያዊ መሰሎም ኪኽበር፣ ናይ ሃይማኖትን እምነትን፣ ናይ ምጽሓፍን ምዝራብን መሰሎም ኪሕለወሎም፣ ብሓጺሩ ኣብታ ንኽትህሉን ንኽትድሕንን ክቡር ዋጋ ዝኸፈሉላ፡ ናትና ዝብሉዋ ሃገር ብናጽነትን ሓርነትን ኪነብሩ ስለ ዝደለየ ኢዩ።

ኣብ ዝተፈላለየ ጽሑፋት ተደጋጊሙ ይግለጽ ከምዘሎ፡ ሎሚ ኤርትራ፡ ሰብኣዊ መሰላት ደቂ ሰብ ዝርገጸላ፡ ዜጋታታ ብዘይ ሕጋዊ መስርሕ ፍርዲ ንዓመታት ዝዳጎኑላ፡ ዝጭወዩላ፡ ዝሓቑላ በስገዳድ ዝዕስከሩላ፡ መንእሰያታ ብጃምላ ዝስደዱላን፡ ኣብ ቀላያት ማእከላይ ባሕሪ ዝጠፍኡላን፡ ድምጺ ህዝቢ ዝዕበሰላ፡ ርእይቶኻን ሓሳብካን ዘይትገልጸላ፡ ሃገር ብምልእታ ናብ ቤት ማሕቡስ ተቐይራ ኣላ።

እንሆ ድሕሪ ናይ 8 ዓመት ማእሰርቲ፡ ማዕከናት ዜና ገሊኦም ካብቶም ብ2001 ዝተኣስሩ መራሕትን ጋዜጠኛታትን ከምዝሞቱ ይሕብራ ኣለዋ። ስርዓት ህግደፍ ግን ካብቲ ዘለዎ ንዕቀት ህዝቢ ተበጊሱ ዋላሓንቲ መግለጺ ኣይሃበን። ኤርትራውያን ንሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት - ዓባይ ብሪጣንያ በዚ ናይ 8ይ ዓመት መዘከርታ ብምግባር ሃለዋት ኩሎም እሱራት ወግዓዊ መግለጺ ክወሃብን፡ እቶም ብህይወቶም ዘለዉ ድማ ብዘይ ወዓል ሕደር ክፍትሑን ትጽውዕ።

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስውኣትና

18 መስከረም 2009
ኤርትራውያን ንሰብኣውን ደሞክራስያውን መሰላት - ዓባይ ብሪጣንያ ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...