ሓርበኛ እድርሲ ዓዋተ፣ ምስ ሓርበኛታት ደቂ ሃገሩ፣ ፍቅሪ፣ ተስፋ፣ እምነት፣ እንተዘይነብሮም፣ ብ1961ዓም ብረታዊ ቓልሲ ኣይምጀመሩን። እቲ ዝነበሮም ፍቕርን ተስፋን እምነትን፣ ምሕያሉ፣ ምስ እቲ ኹሉ ኣፋጢጡ ዝነበረ ጸልኢኦም፣ ኸኣ ክጸሓፍን ክዝንቶን ዘይክእል ምስጢር እዩ። ህዝብና’ውን እቲ ከቢድ ዕማም ሰላሳ ዓመት ዝወሰደልና፣ ዓለም ብዓለማ ክጠልመና፣ ፍቕርን ተስፋን እምነትን እንተዘይነብረና ኣይምቐጸልናዮን። ናይ ዳዊትን ጎልያትን ኲናት፣ ንድሕሪት ቁልሕ ኢልካ ክትሓስቦ ምስ ትጅምር፣ ናይ ህዝብና ጽንዓትን ሓርበኝነትን ፍቕርን ተስፋን እምነትን ኣብ ታሪኽ ዓለም ካብቶም ዓበይቲ ቅያታት ኢዩ። ትማሊ ሎሚ እንተዝኸውን እንታይ ምገበርና? ሳላኦም፣ እዚ ናይ ሎሚ ንሕና ኮና። ኣምላኽ ዝሓዘ ኣብ ድላዩ ይበጽሕ ሕጂ’ውን ከምትማሊ ፍቕርናን ተስፋናን እምነትናን ንሓድሶ። ተጠሊምና፣ ኢልና ናብርነት ርእስና ኣይነድንን። ታሪኽ ናይ ጠለምቲ ብቓኤል ኢዩ ጀሚሩ፣ ፋሺሽታ ኣቶ ኢሳያስ ኸኣ ኣብ መሬትና ናይ መጠርሽታ ጠላም ክኸውን ኢዩ።

ብዛዕባ ፍቕሪ ብዙሓት ጽሒፎም፣ ብፍላይ ጋዜጣ ሓንቲ ኤርትራ’ውን ኣብ’ቲ ናይ ኣርባዓታት፣ ብሰንኪ ፍቕሪ ዝጎደሎ ፖሎቲካና ኣምሪራ ጺሓፋ ኢያ። ከም’ዚ ድማ ኢላ “ፍቕሪ፣ “ፍቕሪ ኣይትጅሃርን!። ፍቕሪ ኣይትንፋሕን!። ፍቕሪ ኣይተስተናዕቕን!። ፍቕሪ ኣይትሓምን!። ፍቕሪ ኣይትቐንእን!። ፍቕሪ ትሕቲ ኢያ፣ ዓቃል ኢያ፣ ለዋህ ኢያ!።” ካብ ገጽ 95 መጽሓፍ ምሩጻት ዓንቀጻት ኣቶ ወልደኣብ። ሎሚ ኸኣ ንሕና ሓምላይ ብዛዕባ ፍቕሪ፣ ከም’ዚ ክንብል ምኸኣልና፣ ፍቕሪ፣ ኣይትጠልም፣ ኣይትስስዕን፣ ፍቅሪ ዕርቕን ፍትሕን ኢያ። ፍቅሪ ኣብ መዓሙቕይ ልቢ ሰፊራ፣ ብሕልናና ኣቢላ ኢያ ብትሕትና ትዛረብ። ብጾምን ብትዕግስትን ብቓልስን ጥራይ ድማ ኢያ ትርከብ። ጽልኢ ግን ኣብ መንገዲ ወዲቓ ትርከብ ፈኳስ ኢያ፣ ከም ሕማም ንፍዮ ድማ ኣብ ዝባን ኩሉ ሰብ ትዝራእ። ምንጪ ጽልኢ ፋሺዝም ኢዩ።

ፍቅሪ፣ ትነግስ፣ ሰብ ብጾምን ብጸሎትን ብስነስርዓትን ብሕግን ክመላለስ ምስ ዝጅምር፣ ንብጻዩ ድማ ከም ርእሱ ምስ ዝፈቱ ኢያ። ኣቦታትና ንፍቕሪ ካብ ክልተ ሰብ ሓዳር ይጅምርዎ፣ ብሕግታት እንዳባ ኣውሒሶም ይሕልዉዋ ነይሮም። “ቆልዓ ብንኡሱ ቆርበት ብርሑሱ ኢሎም” ቐሽን ሸኽን ንልቢ ህጻን ፍቕሪ ክተኽሉሉ ለይትን መዓልትን ይጽዕሩ። ንዘመናት ኣብ ሕብርተሰብና ዓንቢባ ዝነብረት ፍቕሪ እንበኣር ብቓልሲ ብሄራትናን፣ ሃይማኖታትናን፣ ኣውራጃታትናን፣ ኢያ። ከይንትብንቆስ መዓልታዊ ሓለዋ ንግበረላ። ሳልኣ ኢና፣ ኣስላማይ ኪስታናይ፣ ሓማሴናይ ኣኮሎጉዘታይ፣ ብሌናይ ሳሆታይ..ወዘተ ከይተበሃሃለ ብሰላም ኣብ ዓዓዱን መሬቱን ብኽብርን ብሰላምን ዝነብር ዝነበረ። ድሕሪ ኣርባዓታት ግን ፖሎቲካና ንባህልና ዘሪግዎ። ባህሊ ኤውሮጳውያን ዓብሊልዎ። ጸጋምን የማንን ፍልስፍናታቶም ብዝተፈላለየ መገድታት ኣብ ማከልና ሰሊኾም። እቲ ናይ ኤውሮጳ ናይ ደርብታት ታሪኽ፣ ምስ ናይ ሃገርና ባህላዊ ፖሎቲካ ንዘይራኸብ ብሓይሊ ክነታእታትዎ ፈቲና። ነዚ ዘስተብሃሉ ዓበይቲ ሃገርና ኣብ ገጠራትን ከተማታትን ዝነብሩ ዝነበሩ፣ “ግደፉ” እናበሉና ክንሰምዓም ኣይከኣልናን። ኣብ ባህሊ ኤውሮጳ ኸኣ ተጎዛዚና ኣቲና። ዝገደደ ናይ የማን ፍልስፍና ኣብ ንሕዘሉ እቶም ጸጋማውያን መንግስታትን ፓርትታትን ይተናኾላና፣ ጸጋም ፍልስፍና ምስ ንሕዝ ኸኣ የማናውያን ክተናኾሉና ዘመን ሓሊፉ። ዂናት ሓድሕድ፣ ናይ ሰማንያ ዓቢ ኣብነት ኢዩ። ዓለምና’ውን ኣብ ብስንኪ እዚ ፍልስፍናታት ኣብ ቕልውላው ትርከብ።

ፖሎቲካዊ ባህሊ ኣቦታትና ግን ንሰብ ቅድሚ ጥቅሚ፣ ዝሰርዕ ኢዩ ዝነበረ። ንኣቦዋትና ብፍቕርን ብሰላምን ንኽነብሩ ዝሓገዞም ሲቪካዊ ትካላትና፣ ስድራን፣ ዓድን፣ ኣውራጃን፣ ብሄርን፣ እምነትን፣ ኢዮም። ኣብ ግዜ ሰውራ  ነዚ ትካላት ብመንእሰያት ከም ዝጽልኡ ገርናዮም፣ ንግለ ድማ ብሓይሊ ጸልጺልናዮም፣ ሎሚ ኸኣ ፋሺሽታዊ ስርዓት ኣቶ ኢስያስ ካብ ሱሩ ይብንቁሶም ኣሎ። ኣብ ክንዲ ባህልና ድማ ንባህሊ ወጻኢ ነምልኽን ንግዛእን ኮና ኣሎና። ባህሊ ፋሺዝም ኣብ ሃገርና ቦታ ዘይነበሮ ሎሚ ንቆልዓ ከም ጸባ ኣዲኡ ይዕደሎ ኣሎ። ሳዋን ኲናትን በዚ ሕማቕ ባህልታት ንመንእሰያትና ንምምልማል ብመደብ ዝግበር ኢዩ። ህዝብና በዚ ሒዝዎ ዘሎ መንገዲ ቃልስን ፍልስፍናን ንዘመናት ካብ’ዚ ባርነት ክላቐቕ ኣይኮነን። መንገብገብ ዘይብላ ዑፍ ኣይትበርርን ኢያ። ሲቪካዊ ትካላት ዘይብሉ ህዝቢ ድማ ነጻ ክወጽእ ዘይሕለም ኢዩ። “ማይ ንዓቐብ” ከም ዝበሃል ግን ነዚ ትካላት ዝጣበቕን ዝቓለስን ኣድሓርሓሪ ነዚ ዘፍርስን ዝጸርፍን ድማ ገስጋሲ ኮይኑ ኣሎ። በዚ ትካላትና እንተተዛረብናንን ንጠርነፍ እንተበልናን ንሓድነትና ነበላሹ፣ ኣብ ማእከል ህዝብና ድማ ጽልኢ ንኣጉድ ዝመስሎም ብዙሓት ኢዮም። ክንደይ ከ ይዕሹዉ። ኣብ ታሪኽና፣ ህዝብና ብኣውራጃ፣ ብሃይማኖት ብብሄር ተሰሪዑ ክነብር ከሎ ተጻሊኡስ ተዋጊኡዶ ይፈልጥ እዩ?  እቶም ካብ ኣርባዓ ዓመት ንላዕሊ ሚእንቲ ህዝቦም ኣብ ሰውራ ኤርትራ ከርተት ዝበሉ፣ ሙሁራት ኣብ ስደት ዝኣረጉ፣ ጽልኢ፣ ኣብ ማእከልና ብኸመይ ትውለድን ትዓብን? ኢሎም ክደልዩን፣ ክሓስቡን፣ ፍታሕ ከምጽኡን፣ ዘይምህቓኖም ብዙሕ የሕዝነና። ኣፍሪቓ ነቲ ብመግዛእትታትን ብጽልዋን ፋሕ ዝበለ ባህልታት ኤውሮጳ ከጽርዩዎ ኣብ ታኸላ ኲናት ሓድሕድ ኣትዮም ኣለዉ። ንሕና’ውን ተሞኩሮና ንገምግም። ኣብ ህላውየና፣ ደሞክራስያውያን፣ ሰውራውያን፣ ዝበሃላ ውድባት ንህዝብና ጠሊመን ኢየን። ንውላዱን ንታሪኹን ኣብሪሰን ኢየን። ኩልና ክጣለማን ክፈናጣሓን ክጨኻኸናን ንርኢ ኣሎና። ፖሎቲካ ሃገር ከም ሓንቲ ኣውቶቡስ ብሓደ ሰብ ክምራሕ ባህልና ኣይኮነን። ኣብ ስልጣን ምስ በጻሕና ከም ኣኽላባት ንበላላዕ ድማ ብሰንኪ እዚ ኢሰብኣዊ ፖሎቲካ ንኽተሎ ዘሎና ኢዩ።

ኣብ ታሪኽ ኤውሮጳውያን ነዚ መድረኽ ፍልስፍንኦም ብሴፍን ብጥይትን በጺሖሞ። ኩሉ ውሳኔኦም ድማ ኣብ ሓይሊ ዝተመርኮሰ ኢዩ። እዚ ኑክሌርን ሳታላይትን ባህላዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ኢዩ። ባህሊ ሃገርና ግን እዚ ልምዲ “ሓይሊ” ኣይነበሮን። ንኹሉ ብዓይኒ ክብሪ ሰብ ኢና ክንርእዮ ካብ ሲፊካዊ ቅርስታትና፣ ሃይማኖት፣ ስድራ፣ ኣውራጃ ብሄር ንመሃር። ንኣብነት ናይ መሬት ኣተሓሕዛ፣ እንተወሰድና፣ ከም ንፋስን ማይን፣ ኩሉ ሰብ ብነጻ ዝጥቀሞ መሬት’ውን ኹሉ ፍጡር ክውንን መሰል ሂቦም። ባህላዊ ፖሎቲካና እቲ ዝበዝሔ ሕብረተሰብና ብቐጥታ ዝኻፈሎ ኢዩ ዝነበረ። ኣብ ቅድሚ ሕጊ ድማ ኩሉ ማዕረ ኢዩ ዝነበረ። ሃይማኖታትና ደረተን ዝፈልጣ  ብኽብርን ብሰላምን ነቲ መንፈሳዊ ስርሓኤን ዝገብራ ኢየን ዝነበራ። እዚ ስለ ዝኾነ ኣሓውትካ ምምራሕ ሽመት ኣይኮነን ዝነብረ፣ ፍቕሪ ኢዩ ዝነብረ፣ ዘፍቕር ኸኣ ኣጋልግሎት ይህብ እንበር ኣገልግሎት ኣይጽበን። ክሳብ ሎሚ ፖሎቲካና ኣፍራይን ሃናጽን ተጻዋርን ክኸውን ዘይከኣለ ኸኣ ኣብ ባህላዊ ፖሎቲካና  ዘይተሰረተ ስለ ዝኾነ ኢዩ። ካብ ኤውሮጳውያን ዝተለቓሕናዮ፣ ፖሎቲካ ጸጋማይ ይኹን የማናይ ፍልስፍና፣ ኣብ ልዕሊ ባህልና ከም ዘይቲ ኣብ ልዕሊ ማይ ኢዩ። ኩሉ ህዝቢ ከም ባህሉን እምነቱን ኣውራጃኡን ብሄሩን ክካፈሎ ዕድል ዘይከፍት፣ ኣብ መታሕት ከም ሸርበ ብጠስሚ፣ ኣብ ወይኒ ደጋ ከም ገዓት ብጸባ፣ ኣብ ከበሳ ከም ጣይታ ብስልስን ዝግንን፣ ክምገቦ፣ ከም ክዳኑ ክኽደኖ፣ ዕድል ዘይህብ እምነትን ፍቕርን ዝጎደሎ ኢዩ። ንስልጣን ክበጽሕ ሂወት ሰብ፣ ኣብ ስልጣን ኮፍ ምስበለ ድማ ስልጣን ከይለቕቅ ሂወት ሰብ ዝበልዕ፣ ደም ዝሰቲ ሕማቕ ምርጫ ፖሎቲካ ኢና ጌርና ዘሎና። እቲ ካብ ባህላዊ ፖሎቲካ ኣቦታና ዝረኸብናዮ፣ ፍቕርን፣ ተስፋን፣ እምነትን ሎሚ ይጽንቐቓ ኣለዋ። ኣብ ክንድኡ ድማ ባህሊ ፋሺዝም፣ ጥልመት፣ ቅንኢ፣ ዓመጽ፣ ሃብቲ፣ ስልጣን ብዝኾነ መንገዲ ይንግስ ኣሎ።  

ተስፋ፣ ናይ ሂወትና ዋሕስ ኢያ። ተስፋ መግቢ ዉጹዓት ኢያ። እቶም ተስፋ ዝቆርጹ ከይጀመሩ ይሰዓሩ። ተስፋ ዝቆረጹ፣ ኣብ ምብታኽን፣ ናዕብን፣ ባእስን፣ ሓሶትን፣ ጃህራን፣ ዓወት ዝርከብ ይመስሎም። ገዛእቲ ንሓደ ሕብረተሰብ መታን ሰውራ ከየልዕል ቐልጢፎም ኢዮም ተስፋ ከቁርጽዎን ክድህልዎን ዝፍትኑ። ንደቑ ኣብ ቅድሚኡ ዓይኑ ይሓንቁሉ፣ ብጥይት ይርሽንዎም፣ ብዃረንትን ካልእ መሳርሕታትን የሳቕዩዎም። ፋሺሽቲ ጣልያን መታን ከይንሓስብን መሰልና ከይንሓትትን “ክሳብ ሰብ ከምኡ ከም ዘይኮና ከርእየና” ኢሉ፣ ብኣድልዎ ቆርበት ጨፍሊቑ፣ ኣብ ጎደና ሓርነት፣ ኣብ ገዛእ መሬትና እግርና ከይነንብር ከልኪልና ኔይሩ። ብስንኪ እዚ ጭቆና ጥልያን ክወጽእ ከሎ ፖሎቲካዊ ውድብ ይትረፍ ሓደ ሲቪካዊ ማሕበር እኳ ኣይነበረናን። ኢሳያሲዝም’ውን ውላድ ፋሺዝም ስለ ዝኾነ ነቲ ክፍእትን ጭቆናን ገዛእትና ብዝተዓጻጸፈ ይደግሞ ኣሎ። ሓንቲ ክንዕቆበላን ክነጽልላን ንኽእል ኦም እኳ ይሓድገልና የሎን።

ባህልና ንፋሺዝም ኣይጻወርን ኢዩ። ፋሺዝም፣ ባርካ፣ ሓማሴን፣ ኣኮሎጉዛይ፣ ..ወዘተ፣ ኩናማ፣ ትግርኛ፣ ወዘተ ሃይማኖት እስልማና፣ ሃይማኖት ክርስትና ክንብል ከሎና ጥራይ ኢዩ ዝብህርር። ምኽንያቱ እዚኤን ትካላት ዩንቨርስቲ ፍቕርን ተስፋን ሕብረተሰብና ኢየን። ተስፋ ዝቆረጸ ሕብረተሰብ ግዙእን ባርያን ኩይኑ ኢዩ ዝነብር። ነቲ ብፋሺሽቲ ተስፋ ዝቆረጸ ህዝብና ከመይ ገርና ተስፋ ንህቦ? ኢልና ኩልና ኣብ ቓልሲ ዘሎና ንነፍስና ክንሓትት ይግባእ። እንተኾነ ውድባትና ፍቕርን ተስፋን እምነትን ከምህራ ኣይብቕዓን። ኩሉ ኣኼባታት ናይ ተቃውሞ ተስፋ ዘቁርጹ እንበር ተስፋ ዘይህቡ ኣይኮኑን። እዚ ናይ ሓምላይ ምንቅስቓስ ኤርትራ ርእይቶ ኣብ ልብኹም ዘሎ ኢዩ። ብፍላይ ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዝነብር ህዝብና፣ ሓረስታይ፣ ሰራሕታኛ፣ ተመሃራይ፣ ወተሃደር፣ ብናይ ተቓወምቲ ግርጭታት ሻቕሎቱ ይበዝሕ ኣሎ። ነዚ ስርዓት ከንበርክኽወ  ዝኽእሉ፣ ድማ ንሶም ኢዮም። ተስፋ ሃገርና ንሶም ኢዮም። እዚኦም ተስፋና ግን መታን ሕጂ’ውን ኣብ ጌጋ ከይንወድቕ ሓምኤ፣ ነቲ ትካላት ተስፋ ክተድሕንን ተስፋ ክተመሃር ትቓለስ ኣላ። ተስፋ ዘምህሩና ስድራናን ዓድናን ብሄርናን ኣውርጃናን ኢዮም። እዚኦም የስምሩና እንበር ኣይፈላልዩናን ኢዮም። ንኣውራጃታትና ክድምስስወን ከለዉ “ንምዕባሌ የሰናኽላና ኢየን” ዝብል ክሲ እና ሰሚዕና፣ ንሲንጋፖር ክነርክባ፣  እንተኾነ ኩሉ ሓሶት ኢዩ። ንስልጣኖም ክከላኸሉ ኢዮም ደምሲሶመን። ንቡጹእ ወቕዱስ ጳጳስ ኣንጦንዮስ ክኣስርዎም ከለዉ “ሃገርውነት ዝጎደሎ” ኢሎም ከሲሶሞም። ኣብ ዝባን ሃገር ተወጢሑ ንሃገር ዘዕንዉ ዘለዉ ድማ ንሶም ኢዮም።  ኣስላማይና ክስታናይና “እምነት ኣምላኽ” ካብ ሃገርና ንኽድምስሱ ዝደልዩ ተዓጢቕና ንቓለስ ኣሎና። እቲ ቓልሲ ግን ገለን ብብረት ገለን ብሰላማዊ መንገዲ ክቓለሶ ወሲኑ ይርከብ። እቲ ቓልሲ ግን ኣስላማይ ንክስታናይ ከመስልሞ ወይ ክስታናይ ንእስላማይ ክኸስትኖ ዝግብሮ ቓልሲ ኣይኮነን። ጸልእትና ግን ብዙሕ ኢዮም ዝዝረቡ። ከም’ቲ ጸልእቲ ዝብልዎ ኣስላማይ ጸረ ክስታናይ ወይ ክስታናይ ጸረ እስላማይ ዝተላዕለ፣ ሰውራ ወይ ጀሃድ የሎን። ጸረ ጨቆናን፣ ጸረ ኣረሜነትን፣ ግን ንቓለስ ኣሎና። ቃልሲ ክልተ እተደመሮ ክልተ ኢልካ ኣብ ሳሎናት ኮፍ ኢካ ተራቒቕካ ዝኸይድ ኣይኮነን ኩሉ ብብወገኑ ነቲ ዝጎደሎ መሰላት ብሰላምን ብሕውነትን ምስ ሕተተ፣ ብሓይሊ ክጭፍለቕ ከሎ ጭቁናት ንርእሶም ክከላኸሉ ይጅምሩ። ጠንቂ ኲናትን ዕግርግርን  እንበኣር ዝጭፍልቕን ዝወርርን ዘሎ ኢዩ። ክኹነን ዘለዎ ንሱ ኢዩ። ከም ናይ ኤውሮጳውያን ደርብታት ማሕበር ቡርጅዋን ሰራሕታኛታት ሲቪክን ዘይብላ ሃገር፣ ንመሰላታ ክትከላኸል ብብሄርን ብኣውራጃን ብእምነትን ክጅምር ባህርያዊ ኢዩ። ውድብ ጠሊምዎም ናብ ካልእ ውድብ ክኣትዉ ኸኣ ዝሕሰብ እኳ ኣይኮነን። ስለ ዝኾነ እቶም ኣብ ውድባት ዘሎና ንፖሎቲካዊ ውድባትና ምስ እዚ ሕቶ ብሄራትናን እምነታትናን ኣውራጃታትናን ክንስርዖ ይግባእ።

ዓዲ ክንብል ከሎና ብፍላይ ነቶም መጻእተኛታት መርገጽና ክንብርሃሎም። ብቐዳምነት ወዲ ሰብ ኣብ እዚ ዓለምና ኩሉ መጻእተኛ ኢዩ። ነባሪ የሎን። እዚ ራኢ ሓምላይ ኢዩ። ምስ እዚ ግን ሓደ ሕብረተሰብ ኣብ ሓደ ቦታ ክነብር ምስ ጀምረ ኣትሒዙ መታን ብሰላም ፍትሕን ክነብር ሕግታት ሓንጺጹ ኢዩ። እዚ ድማ ባህልን ልምድን ንብሎም። ናይ ሃገርና ባህልን ልምድን ድማ ጋሻ ዝስተናግድን ዝቕበልን ከም ዝነበረ ታሪኽ ዝምስክሮ ኢዩ። ዕሽነት ግን ክሳብ ሕጂ የጥቓዕና ኢዩ። ንኣብነት፣ ሎሚ በዚ ናይ ፋሺዝም ባህሊ ዝተለክፉ፣ ብኣነንትነት ተጠቂዖም፣ ዓሌታት ክጸርፉን ከናእሱን ይውዕሉ ኣለዉ። እዚኦም ኣኽላባት ፋሺሽታዊ መንግስቲ ኢዮም።
ሓምላይ ምንቅስቓስ ኤርትራ ንመስለ ዜጋታት ኤርትራ ዝቓለስ እንበር ናይ መንነት ጸገም ዘለዎ ምንቕስቓስ ኣይኮነን። ንፋሺዝም ነቂሉ ኣብ ቦታኡ እቲ ውርዙይን ኣፍቓርን ባህሊ ኣቦታትና ክንግስ ዝቓለስ ምንቅስቕስ ኢዩ። ኣብ መደብ ክተት ዓዲ ክንብል ከሎና ንመጻእተኛታት ክንውግድ፣ ንጽልኢ ክንዘርእ ኣይኮነን። ንኣብነት፣ ዕዳጋ ዓርቢ ሓንቲ ኣሃዱ ወይ ዓዲ ኣብ ዉሽጢ ከተማ ኣስመራ ኢያ። ኣብ እዚኣ ዞባ ወይ ዓዲ ወይ ኣሃዱኣዊ ምምሕዳር ደቂ ኣሻሓት ዓሌታት፣ ኣመንትን ዘይኣምንትን ሃይማኖታት፣ ደቂ ኣባትን መጻእተኛታትን ብሰላምን ብፍቕርን ክነብሩ ኣርኪብና። ብሰላምን ብፍቕርን ድማ ምምሕዳሮም የሕድሩ ነበሩ። ደቒ ሓንቲ ኣሃዱ ምዃኖም ድማ ይኣምኑ። ወዲ ገዛውትና ክብሉ ከለዉ ድማ ዓሌትን ሃይማኖትን ኣይፈልዩን ኢዮም ዝነበሩ።

እንበኣር እዚ ዓዲ እዚኣ ማለት ዕድጋ ዓርቢ ወይ ገዛባንዳ፣ ኣውራጃን ዓሌትን ሃይምኖትን ከይፈለየት ንቁጠባውን ምምሓዳራዊ ጉዳያታ ባዕላ ክተማሓድሮ፣ መስል ይወሃባ፣ ካብ ከብዳ ይኾነኒ ወይ ትኾነና ዝብልዎ መራሒ ትምረጽ፣ ከምኡ ድማ ምስ ካልኦት ዞባታት ምምሕዳራት ኣስመራ ኮይና ድማ ምምሕዳር ከተማ ኣስመራ ተቑም፣ ምምሕዳር ከተማ ኣስመራ ድማ ከም ሓደ ወረዳ ተቆጺሩ ምስ ካልኣት ወረዳታት ሓማሴን ኮይና መንግስቲ ሓማሴን ይምስርት። እዚ ምምሓዳር እዚ ኣብ ትሽዓተ ኣውራጃታትና ምስ ቆመ ድማ እቲ ማእኸላይ መንግስቲ ብኮታ ይኸውን። ንብል ኣሎና።

ሃገረ ኣካሎጉዛይ፣ ሓማሴን፣ ሰንሒት፣ ንኣስልማይን ንክርስትያንን ካብ ክልተ ብሄራት ዝበዝሑ ህዝብን ዘመሓድር፣ ሓደ ወይክልተ መንግስቲ ኔይርዎም።  ከምኡ’ውን ኣብ ኩናምን ናራን ብሌንን ወዘተ ብደርጃ ሃገር ወይ ኣውራጃ ዘይኮነ ብደርጃ ብሄር መንግስትታት ነርወን። እዚ ኣብ ሃገርና ክምለስ ምስ ዝጅምር እቲ ሕማም “ስልጣን ንኣይ ንኣይ” ኣብ ሓንጎል ውድባትና ዘሎ ክፍወስ ኢዩ። ቅድሚ ጣልያን ምእታዉ ሃገርና እዚ ቅርጺ መንግስቲ ኔርዋ። ድሕሪ ሕጂ ዓብላሊ ሰጒጉና ካልእ ዓብላሊ ክትካእ ዝሓስቡ ኮንቱ ኣይትድከሙ ንበሎም። ህዝቢ ንውላዱን፣ ንመሬቱን  ንፖሎቲካኡን፣ ባዕሉ ክሕዞ፣ ባዕሉ ከማሓድሮ ሰውራ ጀሚሩ ኣሎ። ድሕሪ ሕጂ ዝኾነ ኮኔሬል ኩዴታ ጌይሩ ወይ ውድብ ሰውራ መሪሔ ኢሉ፣ ስልጣን ክግብት ምስ ዝሓስብ ነዛ ሃገር ኣብ ኲናት ሓድሕድ ክሸማ ኢዩ።

እምነት፣ ንሞትን ንሽግርን ተሳጋግር ድልድል ኢያ። እምነት ዘይብሉ ሕብረተሰብን ዓንዲ ዘይብሉ ገዛን ሓደ ኢዩ። ሰብ ወፊሩ ክኣቱ እምነት የድልዮ። እምነት መስረት ሓድነትናን ርእሰ ምትእምማናን ኢያ። ቅድሚ ገዛእትታት ዝነብረ ፖሎቲካን ቁጠባን ባህልን ሃገርና፣ ብኽልተ ዓበይቲ ሃይማኖታትን ኣፍሪቓዊ እምነትን ሞራልን ዝተሃንጸ ኢዩ። ድሕሪ ኣርባዓታት ግን ስረ ዘንውሔ ምስ ባህልና ሕቆን ገጽን ኮና ኣሎና። ኣብ ሰውራና ፍቅሪ፣ ተስፋ፣ እምነት ይጎድሎ ኔይሩ፣ እነሆ ድማ ንግዲ እሙሩ ኮይኑ። እዚ ካልኣይ ሰውርና ድማ ፍቕርን ተስፋን እምነትን ክጎድሎ የብሉን፣ ኢልና ንኣምን ስለ ዝኾና ህዝብና ናብ ባህሉ ክመልስ ንቓለስ ኣሎና።  እቲ ቅድሚ ዕስራ ዓመት ኣብ ስደት ዝተሸኽለ ህዝብና ከም ድልየት ጸላእቱ ግዳይ ስደት ኮይኑ ኢዩ። ኣብ ሞትን መርዓን ባህሊ ይብል። ካብ ኣሕዋቱን ስድራኡን ንሬሳ ልዕሊ ሁልዋት ይደናገጽ። ካብኡ ንላዕሊ ክኸይድ ግን ይሓፍርን ይሓንኽን ኣሎ። እቲ ካብ ኣርባዓ ዓመት ዘይውሕድ ዝተቓላሰ ሓርበኛ ተሞኩሮታቱ ክውከስ ስለ ዘይከኣለ ንበይኑ ተሪፉ። ንደቑ ባህሉ ከሰጋግረሎም እኳ ኣይብቕዔን። ዘገርም ግን ናይ ውድባት መርሕነታትን ካድሬታትን ንደቆም ኣብ ገዛ ገዲፎም ነቶም ተስፋ ቆሪጾም ንዝመጽኡ ደቂ ኣሕዋቶም ቓልሲ ከምህሩዎም ካብ ሃገር ንሃገር፣ ካብ ሰሚናር ናብ ሰሚና ከርተት ክብሉ ዘመን ኮይኑ።

እንበኣር ቓልስና ክዕወት ተረኽበ ተሳእነ ካብ ኣብ ዉሽጢ ዝነብር ህዝብና ኢዩ። መዓልታዊ ዝእሰር፣ ዝጠሚ፣ ሓሚሙ ዘይሕከም፣ ውላዱ ዝስእን ዉጹዕ’ውን ንሱ ኢዩ። ንለውጢ ዝደሊ ብቐዳምነት ድማ ንሱ ኢዩ። እዚ ሰውራ ድማ ናቱ ኢዩ። እዚ ስለ ዝኾነ ኑኡ ነበራብረሉ መንገዲ ክነናዲ ኣሎና። ነቲ ሕማቕ ባህሊ ፋሺዝም ዘእተዎ ፍርሕን ጥርጥርን ሱቕን ንስገሮ። ከም ኣብነታውያን ብሄራትና ኩናማን ናራን ዓፋርን ዓው ኢልና መስልና ንሕተት። ህዝብና ብፋሺዝም ይድንቑር ስለ ዘሎ ብቛንቋኡን ብባህሉን ነምህሮ። ስልጣን ክሕዝ ካብ ሎሚ ንቀርቦ። ኣብ ዉሽጢ ዝርከብ ቓልሲ ክቐላጠፍ ክርስትያንን ኣስላምን ሓቢርና ንጸሊ። ሓምላይ መራሕቱ ክእውጅን ውድቡ ምስ ህዝቢ ከላልን ደስ ምበሎ ግን ንምህንጽ ዝያዳ ከይወሰድካ ኣብ ማዕከናት ዜና ቀሪብካ ኣስማት ምድርጓሕን ምፍኻርን ንረብሓ ጸላኢ ኢዩ ዝውዕል። እዚ ፋሺሽታዊ ስርዓት ስለ ዝኾነ በቲ ንሱ ዝደልዮ ልብና ከፊትና ክምንክቶ ንራብሓኡ ኢዩ ዝዕል።

ንሕና ውድብ ኣይኮናን ምንቅስቓስ ኢና። እቲ ውድብ ድሒሩ ካብ ቓልሲ ዝውለድ ኢዩ። ሕጂ’ውን ዘወሃህዱ ሽማግሌ ኣለዉዎ እንበር ዝመርሑ ኣካላት የብሉን፣ ከምኡ’ውን ባህሊ የብሉን። ንምህናጽ ግዜ ንህብ ኣሎና። ጽልእን ጥርጣሬን ኣብ ማእኸልና ነጊሱ ስለ ዘሎ ሽማግሌታትን ዝተሞኮሩን ዝተማህሩን ኢዶም ኣጣሚሮም ይዕዘቡ ኣለዉ። ሓምላይ ምንቅስቓስ ነዚ መንደቕ ስቕታ ክሰብር ይቓለስ ኣሎ። እዚ ምንደቕ ክወድቕ ህዝብና ርእሰተኣማንነት ከሕድር ኣለዎ። እነሆ እንበኣር ናይ ነፍሱ ጎይታን፣ ተጣባቒ መሰሉን ክኽውን ራኢ ሓምላይ ይፈስስ ኣሎ። ዓዲ፣ ብሄር፣ ኣውራጃ፣ ሃይማኖት ንመሰሉ ካብኡ ንላዕሊ ክጣበቐሉ ዝኽእል ውድብ ይኹን ዉልቐ ሰብ የሎን። ዋሕስ ዓወትን ደሞክራስን ትካላትና እዚኦም ኢዮም። ካልእ ሲቪካዊ ማሕበራት ሎሚ ወላ እንተደሊና ኣብ ሓንቲ ለይቲ ክንተኽለን ኣይንኽእልን ኢና። እንተተኽላ ድማ ብዉሽትን ብደገን ናይ ስልጣን ቁርቁስ ከውድቐን ንርኢ ኣሎና። ስለ እዚ ንቕርስታት ኣቦታትና ከይሓፈርናን ከይሓነኽናን ከይተሓባእናን ንጣበቐሉ። ካብ ከብዲ ዓድና ተመሪጽና ክንመጽእ ካብ ሎሚ ምስ ዓድና ንስራሕ። ክበኽዩ ንብከ ክስሕቑ ንስሓቕ። ሹመት ካብ ውድባት ክንረክብ ኢልና ንሓቅታት ኣይንቅበር። ኣስላማይ ክርስታያን’ውን ኣብ ታሪኽና ጸላእቲ ዝኾኑሉ ግዜ የሎን፣ ኩናማ፣ ትግሬ፣ ዓፋር፣ ትግርኛ፣ ጸላእቲ ኮይኖም ተዋጊኦም ኣይሰማዕናን ሕጂ ግን ብጃምላ ይቕተሉን መሬቶም ይምንጠል ኣሎ። ኣብ ሃገርና ኣብ ማእከል ብሄራትናን ኣውራጃታትናን ሃይማኖታትናን ሰላም ሰፊኑ ዘነበረ ፍሉያት ፍጥረት ስለ ዝኾና ኣይኮነን፣ ምስጢሩ፣ ኣቦታትና ብሕግን ብፍትሕን ይመሓደሩ ስለ ዝነብሩ ኢዩ። ንናቶም ብፍቕሪ ይማቐሉ፣ ንናይ ካልእ ግን ብዓይኖም ምርኣይ እኳ ይጾሙ ኔይሮም። ፋሺዝም ባህሊ፣ ግን እቲ ናቱ ንበይኑ እቲ ናይ ካልእ ግን ናይክልቲኦም ገይሩ ስለ ዘምህር፣ ቕንኢ፣ ሓሳዳ፣ እነንትነት፣ ጽልኢ፣ ንህገርና ጎቢእዋ ኣሎ። ንሕብርተሰብና ዝፈላሊ ዘሎ ድማ ጉዳይ መሰል ኢዩ፣ እንበር ጽልኢ ኣይኮነን። ነዚ ዝየተመረቐ ክንዕወተሉ ዋልታና ባህሊ ኣቦታትና ይኹን፣ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ካብ ቐዳሞት ተጋድልቱ ፍቕሪ፣ ተስፋ፣ እምነት፣ ይመሃር። ከም ዓቕሙ ድማ ኣብ ቓልሲ ይበራታዕ።

ኣብ ቤት ማእሰርቲ ፋሺሽቲ፣ ንዝሳቐዩ ዘለዉ ናይ ፖሎቲካን ሕልናን እሱራት፣ ነፍቕሮም፣ ክወጽኡ ምዃኖም ብስራሕና ተስፋ ንሃቦም፣ ክንዕወት ምኻን` ድማ እምነትና ክብ ክብል ንኣምላኽ ንለምን።

ዮሃና መስከረም።

ንኣምነቲ ምስልሙና ሮማዳን ከሪም፣ ንኣምንቲ ክርስትና ድማ ርሑስ ቅዱስ ዮሓንስን መስቀልን ይግብረልኩም።

ኣምላኽ ነዚ ሕዝናዮ ዘሎና ዕላማ ይባርኸልና። ኣሜን። ግዝያዊት ኣወሃሃዲት ሽማግሌ ሓ.ም.ኤ.

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it. 19-09-2009
 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...