ኣውራጃዊ ፖሊቲካን በሰላታቱን

ውልቃዊ ትዕዝብቲ

ታደሰ ኪዳነ በርሚንግሃም

1ይ ክፋል 18/09/13

ድሕረ-ባይታ፦ ህዝቢ ኤርትራ ስጋይ ስጋኻ ዝፈልጥ፣ ንመዋል እናተኸባበረ ክኸይድ ዝጸንሐ ህዝቢ ኢዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ግን ነዚ ናይ መዋእል ክብሩ ዝፈታተን ስምዒታት ይረአ ኣሎ። ሓደ ካብኡ ድማ ኣውራጃዊ ስምዒትን ኣውራጃዊ ፖሊቲካን ኢዩ። ኣውራጃዊ ስምዒት መኣስ ከም ዝጀመረ’ኳ ዝፍለጥ እንተዘይኮነ፣ ኣቐዲሙ ካብ እዋን ፈደረሽን ኣትሒዙ፣ ኣብ ክብ ዝበለ ኣብያተ- ጽሕፈት መንግስቲ ብዝተወሰነ ደረጃ ይረአ ምንባሩ ይዝረብ ኢዩ። ኢትዮጵያውያን ኤርትራ ንምቑጽጻርን፣ ሓንሳብ ኤርትራ ምስኣተዉ ድማ መግዛእታዊ ዕድሜኦም ንምንዋሕ፣ ብኣውራጃን ሃይማኖትን ህዝቢ ይመቓቕሉ ምንባሮም ዘካትዕ ኣይኮነን። ብዝኾነ መልክዑ ግን፣ ኣብዚ ሕጂ በጺሑዎ ዘሎ ሓድሕድ ምጥርጣርን ዘይምትእምማንን በጺሑ ኣይፈልጥን። እቲ ኢሰያስ ዝመርሖ በታኒ ጉጅለ’ውን፣ ነቲ ዝነበረ ኩነታት ኣጽኒዑ፣ ፍጥር ካብ ዝብል’ዩ ነቲ ኣሰራሓ ክጥቀመሉ ጀሚሩ። እንተኾነ እቶም ቀዳሞት ይኹኑ እዚ ናይ ሕጂ ጉጅለ፣ ነናይ ውልቆም ናይ ስልጣን ጥሙሕ ንምርዋይን ብዝተወሰነ ደረጃ ድማ፣ ንናይ ቀረባ ኣዝማዶም ንምሕጋዝን እንተ-ዘይኮይኑ፣ ነቲ ‘ናትካ ኢና’ ዝብልዎ ወገን፣ ካብቲ ካልእ ህዝቢ ብዝተፈልየ ደረጃ ክጠቕምዎን ከርብሕዎን ተራእዮም ኣይፈልጡን። ተመክሮ ህዝቢ ኤርትራ ብንጹር ከም ዘብርሆ እምበኣር፣ እዚ ኩነታት’ዚ ንኣዝዮም ውሑዳት ሰባት ኣብ ስልጣን ንምቕጻል ዝጠቅም፣ ንብምሉኡ ህዝብን ሃገርን ድማ ኣብ ደልሃመት ዘእቱ ኢዩ።

እቲ ኣብ ህዝባዊ ግምባር ዝሰወደ ጠላም ጉጅለ፣ ብስዉር ኣውራጃውን ሃይማኖታውን ፍልልይ ተጠቒሙ፣ ኣማኢት ንጹሃን ቀንጺሉ ስልጣን ድሕሪ ምርግጋጹ፣ እቲ ቀደም ኣብ ኣብያተ- ጽሕፈት መንግስቲ ጥራይ ዝነበረ ውድድር፣ ኣብ ተራ ህዝቢ ከም ዝወርድ ገይሩ ኩሉ ኤርትራዊ ሓድሕድ ምትእምማን ከም ዘጥፍእን ከም ዝጠራጠርን ገይሩዎ ኣሎ። እቲ ዘሕዝን ድማ ህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ’ቲ ብግብሪ ዘጋጥሞ ዘሎ ግፍዕታት፣ ስደትን መቕዘፍትን፣ ነቲ ኣውራጃውን ሃይማኖታውን ፍልልይ ዝያዳ ኣድህቦ ሂቡ፣ ኣብ ምጥርጣርን ዘይምትእምማንን ምእታዉ ኢዩ።

ዳርጋ ኩልና ኤርትራውያን ሎሚ፣ ዝኾነ መራሒ ወዲ ዓድና ወይ ወዲ ከባቢና፣ ወዲ ብሀርና ወይ ወዲ ሃይማኖትና ክኾነልና ንደሊ። ሎሚ ብዛዕባ ዝኾነ ሓላፊ ኣብ ዝዕለለሉ እዋን ‘ኣበይ ኢዩ ዓዱ?’ ዝብል ሕቶ ይስዕብ። ብዛዕባ ጽፈት ምሕደርኡን ዘርኣዮ ናይ ኣሰራርሓ ብቕዓትን ግምት ዝወሃቦ ኣይኮነን። እንተ-ተዋሂቡዎ’ውን ብኻልኣይ ወይ ሳልሳይ ደረጃ ዝስራዕ ጥራይ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል። እቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝኸደ ሃገራውን ሓርነታውን ቃልሲ፣ ነዚ ኩነታት’ዚ ከጥፍኦ ትጽቢት ዘይተገብረሉ ኣይኮነን። ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ግን ህዝቢ ኣብ ክንዲ ሓቢሩ ኣብ ምህናጽ ሃገሩ ዘድህብ፣ ኣብ ገገዝኡ ነንሕድሕዱ ክተሓማመን፣ ሓደ ወገን ነቲ ካልእ ወገን ክውንጅልን ይረአ ኣሎ። ሓደ ካብኡ ድማ ኣውራጃታት ኣልዒልካ ዝግበር ሒመታን ንሱ ዝፈጥሮ ዘይምትእምማንን ኢዩ። ነዚ መበገሲ ብምግባር ከኣ ኢየ ብዛዕባ’ዚ ኣርእስቲ’ዚ ዝጽሕፍ ዘለኹ።

ኣርእስተይ ብቐንዱ እቲ ትማሊ ዝኸደ ኣሰራርሓ ንሃገርን ህዝብን ከም ዘይረብሐ፣ ንጽባሕ’ውን ከም ዘይጠቅም ንምንጻር ኢዩ። ህዝብና ብዛዕባ’ቲ ትማሊ ዝነበረ ኣሰራርሓ ሓፈሻዊ እምበር፣ ዝርዝራውን ንጹርን ሓበሬታ የብሉን። ብዓቕመይ ነቲ ትማሊ ዝፈልጦ ዘርዚረ፣ ነዚ ሎሚ ዝረአ ዘሎ ኣሰራቱ’ውን ክስህስስ ክፍትን ኢየ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፣ ንኣውራጃን ኣውራጃዊ ፖሊቲካን ብዝምልከት ክልተ ኣረኣእያታት ተቐልቂሎም ኣለዉ። እቲ ሓደ ወገን - ‘ቅድም ኣብ ህ.ግንባር ይኹን ሎሚ ኣብ ዘመነ ህግደፍ፣ ኣብ ውሽጢ’ቲ ውድባዊ ይኹን መንግስታዊ ኣሰራርሓ፣ ከባቢያዊ ኮነ ኣውራጃዊ ምጥርናፍ ኣይነበረን፣ ሎሚ’ውን የለን’ ዝብል ወይ’ውን ሳዕቤናቱ ብግቡእ ዘይርዳእ ኢዮ። ካልኦት ኣብዚ መደብ’ዚ ዝስርዑ ብድብድቡ፣ ከባቢታት፣ ኣውራጃታትን ዞባታትን እናልዓሉ “እዚኣቶም!…” እናበሉ ህዝቢ ክጸርፉ ዝውዕሉ ወገናት’ውን ኣለዉ። ገለ ካብዚኣቶም ቁንጣሮ ናይ ታሪኽ ፍልጠት ዘይብሎም፣ ንገለ ክፋል ህዝቢ ኤርትራ፣ ‘ዓጋመ’ ክብልዎን፣ ሓለፋ’ቲ ካልእ ወገን ምስ ትግራይ ፍሉይ ናይ ዘርኢ ምትእስሳር ከምዘለዎ ኣምሲሎም ከቕርብዎ ይፍትኑ ኣለዉ።

እቲ ካልኣይ ወገን ድማ ጠንቅን ኣመዓባብላን ናይቲ ጉዳይ ካብ ዘይምርዳእ፣ ነቲ ህግደፍ ዝፈጸሞ ጌጋ ክደግም ዝፍትን ብሓደ ወገን፣ እቲ ኣንጻር ህግደፍ ዝካየድ ህዝባዊ ቃልሲ፣ ‘ምትህልላኽ ናይ ገለ ከባቢታት ኢዩ’ ዝብል ድማ በቲ ካልእ ኢዩ። እዚ ሕጂ ኣብ ኣገባብ ኣወዳድባን ጥርናፈን ናይቲ ንመራሒ ህግደፍ ዝድግፍ ወገን ይኹን፣ እቲ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ዝረአ ዘሎ ምትርማስ ድማ፣ ‘ብኸፊል ሳዕቤን ናቱ ኢዩ’ ዝብል እምነት ኣለኒ። ማዕረ’ቲ ስፍሓት ናይቲ ኣርእስቲ፣ ርእይቶ ናይ ሰባት ስለዝፈላለ ግን፣ ጽሑፈይ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሰይ ተመክሮን ትዕዝትብን ጥራሕ ኣተኲረ ክጽሕፍ ኢየ።

እቲ ኣብዚ ዘቕርቦ ጽሑፍ ሕጽረታትን ገለ ጌጋታትን ክህልዎ ከም ዝኽእል ድማ ኣንባባይ ክርድኣለይ እጽበ። ምኽንያቱ ፦

1.  በዚ ዘሎ ፖለቲካዊ ኩነታት፣ ሰባት ዝፈልጥዎ ካብ ምዝራብ ስለ ዝፈርሑን ስለ ዝጠራጠሩን፣ ካብ ዝፈልጡ ሰባት ሓቲትካ ዝርከብ ሓበሬታ ኣዝዩ ውሱን ኢዩ።

2.  ካብ ሚኒስትሪታትን ኣብያተ-ጽሕፈትን (ኤምባሲታት) መንግስቲ ሰነዳትን ሓበሬታን ክርከብ ፍጹም ዝከኣል ኣይኮነን።

3.  ኣብዚ ኣብ ስደት ኮይነ፣ ካብ ናይ ቀረባ መሳርሕተይ ርሒቐ፣ ካብ ዝዘከርኩዎ ጥራይ እጽሕፍ ስለ ዘለኹ ኢየ።

… ማዕረ ማዕረኡ ድማ እቲ ክህሉ ዝኽእል ናእሽቱ ጌጋታት፣ ነቲ መሰረታዊ ሓሳባት ናይቲ ክሃርሞ ዝደለኹ ዕላማ ዝብውዝ ከም ዘይኮነ ከብርህ እፈቱ።

ህግደፍ ንነዊሕ እዋን ተዓቚቡሉ ክኸይድ ዝጸንሐ በዓቲ ኣውራጃዊ ፖሊቲካ ምዃኑ ብዙሓት ሰባት ክዛረብሉ ጸኒሖም ኢዮም። ካብ ናይ ውልቀይ ትዕዝብቲ ክዛረብ እንተኾይነ’ውን ኣብ ዘመነ ህ. ግንባር ከም ውድብ ይኹን፣ ኣብ ዘመነ ህግደፍ ከም  መንግስቲ ኣውራጃን ዓድን ኣልዒልካ ምዝራብ ጥራይ ዘይኮነ፣ ዓድኻ ምንጋር’ውን ከይተረፈ ከም ነውሪ ክውሰድ ጸኒሑ ኢዩ።እቲ ቅድም ነውሪ ዝነበረ፣ ሎሚ ብድሕሪት ዝተቐመጠ ሰሪ ከም ዝነበሮ ንኹሉ ብሩህ ኮይኑ ኣሎ፣ ብፍላይ ድማ በቲ ዝርዝር ኦርኒክናን መበቆል ዓድታትናን ብምሉእ ዝውንን ጠላም ጉጅለ። እቶም ትማሊ ብድፉኑ ዓድና ምንጋር ዘሕፍረና ዝነበረ መጋረጃ ተቐንጢጡ፣ ዝሓለፍናዮ ታሪኽ ተመሊሱ ክገርመናን ከሕፍረናን ጀሚሩ ኣሎ። ሕማቓት ወይ ዓያሹ ስለ ዝነበርና ግን ኣይኮነን። ክንፈልጦ ዘይተደልየ ሓቂ ወይ ዝተኸወለና ሓበሬታ ስለ ዝነበረ ጥራይ ኢዩ።

ክሳብ’ዚ ቀረባ እዋን ብዙሓት ሰባት ዓድኻ ንዘይምንጋር ከም ዘለዎም ህዝባዊ ሓድነት ክውሰድዎ ጸኒሖም ጥራይ ዘይኮነ፣ “ኣነ ተወላዲ ናይ ሓንቲ ዓዲ ዘይኮንኩ፣ ተወላዲ ኤርትራ ኢየ፣ ኤርትራ ሃገረይ ኤርትራ ዓደይ፣ ልዕሊኡ ካልእ የለን” እናበልካ ምዝራብ ከም ፋሽን ተወሲዱ ጸኒሑ። ነዚ ኣዘራርባ’ዚ ኣቕልል ኣቢልካን ብቕንዕናን ክትሪኦ እንተኾንካ ጸገም ኣይምኾነን። ኣብዚ ከም ኣርእስቲ ምልዓሉ’ውን ኣድላይነት ኣይምነበሮን። እንተኾነ እቲ ንውልቃዊ ጥሙሕ ናይ ሓደ ጸቢብ ጉጅለ ተባሂሉ ዝተኣታተወ ናይ ኣውራጃ ፖለቲካ፣ ጸኒሑ ንመሰረታዊ ክብሪ ህዝብና ከህስስን ንብዙሕ ክፋላት ማሕበራውን ፖለቲካውን ህይወትና ክጸልውን ይረአ ስለዘሎ፣ ብግልጺ እንተ-ተዛረብናሉ ዝሓሸ ይመስለኒ። ብኸምዚ ጥራይ ከኣ ኢና፣ እቲ በብናትና ነማዕብሎ ዘሎና ምጥርጣራት ጠፊኡ፣ ንኹልና ዝሓቁፍ ምሉእ ሓበሬታ ዝህልወና።

ሓበሬታ ሓይሊ ኢዩ

ድሕሪ’ቲ ኣብ መጀመርያ ናይ 1990ታት ዝተኣታተወ ናይ ሓበሬታ ሰውራ (information revolution) ካብ ዓለም ተነጺሉ ዝነብር ህዝቢ የለን ንምባል ዘየድፍር ኣይኮነን። እዚ ማለት ግን ኩሉ ሰብ ኣብ ሓደ እዋን ማዕረ ሓበሬታ ይረክብ ማለት ኣይኮነን። ጠንቂ ናይዚ ድማ እቲ ኣብ ናይ ተክኖሎጂ ምዕባለ ዘሎ ፍልልይ’ኳ እንተኾነ፣ ከም ህግደፍ ዝኣመሰሉ ኣብ መበል 21 ክፍለ-ዘመን ዝነብሩ ግን ከኣ ብኣተሓሳስባ ናይ 19 ክፍለ-ዘመን ዝጓዓዙ ንምዕባለ ሕ/ሰብ ንዝተወሰነ እዋን ንድሕሪት ዝጎትቱ ስርዓታት ምህላዎም’ውን ዓቢ ተራ ኣለዎ። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ስርዓታት ነቲ ‘ነመሓድሮ ኣለና’ ዝብልዎ ህዝቢ ካብ ናይ ደገ ሓበሬታ ይሕርምዎ ጥራይ ዘይኮነ፣ ነቲ ሰሊኹ ዝመጽእ ሓበሬታ’ውን ብዝተዓጻጸፈ ናይ ሓሶት ወረታት ከም ዝብወዝን ኣጠራጣሪ ከም ዝኸውንን (misinformed) ይገብርዎ። ነቲ ናይ ውሽጢ ሓበረታ ድማ ባዕሎም መስሪሖም በቲ ንዕኦም ዝጥዕም መንገዲ፣ በተን ንሶም ጥራይ ዝውንኑወን መራኸቢ ብዙሃን ጠምዚዞም የቕርብዎ። እቲ ምኽንያት ቀሊል ኢዩ።ምሉእ ሓበሬታ ዝዓጠቐ ህዝቢ ከተታልሎ ስለዝይከኣልን፣ ሓበሬታ ሓይሊ ስለ ዝኾነ ኢዩ። ቅኑዕ ሓበሬታ እምበኣር ቀንድን ቀደማይ ጻላእን ውልቀ-መለኽቲ ኢዩ። ስለዚ ከኣ ኢዮም ብምሉእ ዓቕሞም ክዓግትዎ ዝረኣዩ። እንተዘይኪኢሎም ድማ ከም ዝብወዝን ከም ዝጥምዘዝን ይገብርዎ። እዚ ኩነታት’ዚ ንስርዓታት ኤርትራን ሰሜን ኮርያን ካብ ዘመሳስሎም ረቛሒታት ሓደ ኢዩ።

እዞም ስርዓታት እዚኣቶም ንህዝቦም ዝተዛብዐን ነንሕድሕዱ ዝዋቓዕን ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ህዝቢ ነንሕድሕዱ ከምዝፈራራሕን ከም ዝጠራጠርን ይገብርዎ። ኣውራጃዊ ፖሊቲካ ድማ ሓደ ካብቲ ህዝቢ ንምፍልላይ ዝተወጠነ ፖሊቲካ ኢዩ። ኣብዛ ናይ ሎሚ ኤርትራ እምበኣር ሰብ ካብ ዓርኩ ይፈርሕ፣ ሰላዩ ናይ ህግደፍ ከይከውን። ኣውራጅኡ ብኻልእ ኣውራጃ ከይትዕብለል፣ ብሀሩ ብኻልእ ብሀር ከይትዕብለል፣ ሃይማኖቱ ብኻልእ ሃይማኖት ከይትጽቀጥ ይፈርሕ። ካብ ናይ ኢትዮጵያ ወራር ይሰግእ፣ ኣብ ልዕሊ ኣመሪካን ሃገራት ምዕራብን ይጠራጠር። ይፈርሕ!… ይጠራጠር..! መወዳእታ ዘይብሉ ፍርሕን ምጥርጣርን። ብምሉኡ እቲ ህዝቢ ድማ ኣብ ፍርሕን ሓድሕድ ምጥርጣርን ከም ዝነብር ኮይኑ ኣሎ።

ብኣንጻር’ዚ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ኩነታት፣ ኣብቲ ቅድሚ ሰውራ ዝነበረ ናይ ንእስነት ዕድመይ፡ ኣውራጃ፣ ብሀር፣ ወረዳን ዓድን ከም መፍለዪ ሓደ ስም ናይ ዘለዎም ሰባት የገልግል ምንባሩ እዝክር። እገለ ዝበሃል ሰረወታይ፣ ኣከለጉዘታት ወይ ሓማሴናይ፣ ከምኡ’ውን እገለ ዝበሃል በነዓምረታይ፣ ሳሆታይ ወይ ትግረታይ ወዘተ እናበልካ ምዕላል ዝውቱር ነይሩ። እዚ ድማ ነዚ ናይ ሕጂ ፖሊቲካ ሰረት ዝኸውን ማሕበራዊ ይኹን ፖሊቲካዊ ጽልዋ ኣይነበሮን። እዚ ሕጂ ዘሎ ኣውራጃዊ ፖሊቲካ እምበኣር፣ ዋላ’ኳ ካብ ግዜ ፈደረሽንን ቅድሚኡን ኣትሒዙ፣ ብኣዝዩ ውሱን ደረጃ ኣብ ኣብያተ-ጽሕፈት መንግስቲ ይረአ እንተነበረ፣ ብቐንዱ ግን ኣቐዲሙ ብስዉር ኣብ ህዝባዊ ግንባር ዝተኣታተወ፣ በብቑሩብ ድማ ዳርጋ ናብ ግሁድ ዝተለወጠ ‘ሓድጊ ኢስያስን ጉጅልኡን ኢዩ’ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይመስለንን።

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን

ውልቃዊ ትዕዝብቲ

ታደሰ ኪዳነ በርሚንግሃም

2ይ ክፋል 21/09/2013

 

ኣብ ቀዳማይ ክፋል ጽሑፈይ ንህልዉ ድሕሪ-ባይታ ኣውራጃዊ ፖለቲካ ሃገርና ዝምልከት ኣቅሪበ ነይረ። ብዛዕባ ፖለቲካ ክንዛረብ ከለና፣ ዘይርና ዘይርና ብዛዕባ ቁጠባዊ ረብሓታት ንዛረብ ምህላውና ንስሕቶ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ ፖለቲካዊ ረብሓታት ካብ ቁጠባዊ ረብሓታት ነጺልካ ዝረአ ኣይኮነን። ኣብዚ ካልኣይ ክፋል እምበኣር፣ ንሕና’ውን ኣካል ማሕበረ-ሰብ ዓለም ስለዝኾንና፣ ንህልው ቁጠባዊን ፖለቲካውን ኩነታት ዓለምና ምስ ህልው ኩነታት ኤርትራና ኣዛሚደ፣ ብዝተጾምቈ መንገዲ ከቕርብ ክፍትን ኢየ።

ኩነታት ዓለምና ብሓጺር

ነዚ ዘሎ ውድዓዊ ዓለማዊ ኩነታት እንተ ተዓዚብና’ውን ፍርያት ር/ማላዊ ዓለም ኣብ ኩሉ ህዝቢ፣ እንተላይ ኣብቶም ብሃድን ዝናበሩ ኣብ ፊልማዊ ስርዓተ-ቁጠባ  ዝነብሩ ማሕበረ-ኮማት ክበጽሕ ንርእዮ ኣለና። ብዛዕባ ፍርያት ር/ማላዊ ዓለም ኣብ እንዛረበሉ እዋን፣ ብዛዕባ ዓለማዊ ቁጠባ ንዛረብ ምህላውና ንስሕቶ ኣይመስለንን። ምኽንያቱ ሎሚ ዳርጋ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝገዝእ ዘሎ ስርዓተ-ቁጠባ፣ ዓለማዊ ር/ማላዊ ቁጠባ (global capitalist economy) ስለዝኾነ። ነዚ ሰረተ-እምነት’ዚ ክሳዕ ዝደገፈ ድማ፣ መን- ኣበይ ይነብር፣ ካበይ ተወሊዱ ንር/ማላዊ ስርዓተ-ቁጠባ ዘገድሶ ኣይኮነን።

ከምኡ እንተ ዘይከውን ነይሩ፣ እቶም ኣብ መሬት ካልኦት ህዝብታት ዝተደኮነ፣ ብጉልበት ጸለምቲ ዝተነድቀ ቁጠባ ዝውንኑ ጸዓዱ ኣመሪካውያን፣ ንመሪሕነት ናይቲ ብባራክ ሑሴን ኦባማ ዝፍለጥ፣ ካብ ጸሊም ኣፍሪቃዊ ዝውለድ ወዲ ጓሎም፣ ፕረዚደንት ሃገሮም ክኸውን ኣይምተቐበሉዎን። ዋላ ኣብተን ከም ቻይናን ሩስያን ዝኣመሰላ፣ ነቲ ብኣመሪካ ዝምራሕ ፖለቲካዊ ሰረተ-እምነት ክጽየና እንሰምዐን ሃገራት’ውን ንብዙሓት ቢልዮነራትን ኣውፈርትን ዝሓቁፍ ስርዓተ ቁጠባ ከም ዘለወን ምርድኡ ጥራሕ ኣኻሊ ኢዩ። ንእብነት ኣብ ቻይና ጥራይ ናብ ሚእቲ (100) ኣቢሎም ዝግምገሙ ቢልዮነራት ከም ዘለዉን ኣስማቶም’ውን ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ተዘርዚሩ ምህላዉ ይፍለጥ። (www. The World’s Billionaires List – Forbes)

ር/ማላዊ ስርዓተ-ቁጠባ ይኹን ር/ማላዊ ፖለቲካ እምበኣር፣ ይትረፍ ኣብ ኣውራጃን ብሀርን፣ ኣብ ዶብ ሃገራትን ዓለታዊ መበቆልን ከይተሓጽረ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝሰርሕ፣ መኽሰብ ንምርካብ ር/ማል ኣብ ምውፋር ዝነጥፍ ስርዓት ኢዩ። እዚ ድማ ብዘተን ብምርድዳእን ጥራይ ዝፍጸም ከም ዘይኮነ ምርዳእ የድሊ። እቲ ቀንዲ ማሕበራዊ ኮነ ፖለቲካዊ ዓንደ-ሕጊ (ሰረት) ር/ማላዊ ቁጠባ ድማ፣ ‘መሰል ውልቀ ሰብ’ ኢዩ። ውልቀ-ሰብ ከም ክእለቱ ሃብቲ ክድልብ፣ መራሕ ሃገር ክኸውን ወይ’ውን ብዘይ ጸቕጢ (ሰላማዊ ብዝኾነ መንገዲ) ኣብ ኣከያይዳ መንግስቲ ተቓውሞኡ ከስምዕ ይፈቅድ። ነዚ ድማ ከም ቀንዲ ሕመረት ስነ-ሓሳባዊ መርሓ ወሲዱ ይጣበቐሉ። ሎሚ ኣብዛ እንነብረላ ዓለም  ዘለዋ ሃገራት ኣብቲ ዘቑመኦ ሃገራዊ ቅዋም ካብ ዘስፍርኦ ስርዓተ-ሕጊ ምስ እንዕዘብ’ውን እዚ ዝስዕብ ንረክብ።

“ነጻን ተወዳዳርን ስርዓተ-ቁጠባ ንኽተል.. ናይ ምዝራብን ምእካብን መሰል ነኽብር..

ብሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓተ-ፖለቲካ ንምራሕ… ውልቀ-ሰባት ብነጻ ሓሳባቶም ክገልጹን ናይ

ገዛእ- ርእሶም ሰልፊ ክምስርቱን፣ ንፕረዚደንትነት ክወዳደሩን ፍቑድ ኢዩ ወዘተ” … ዝብል ኣብ ወረቐት ዝሰፈረ ቅዋም - ይስራሕ ኣይስራሕ  ዳርጋ ኣብ ኩለን ሃገራት ዝውቱር ኮይኑ ኣሎ።

ዋላ ኣብተን ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ውልቀ-ሰብ ንብምሉኡ ሃብቲ ሃገር ናቱ፣ ንኩሉ’ቲ ህዝቢ ድማ ኣገልጋሊኡ ገይሩ ዘመሓድር ፖለቲካዊ ስርዓተ-ቁጠባ ዝኽተላ ሃገራት’ውን፣ ኣብቲ ወግዓዊ ጽሑፋተን “ሕዉስ ቁጠባ ኢና ንኽተል” ኢለን ኢየን ዝጽሕፋ። ሎሚ ዘሎ ዓለማዊ ኩነታት እምበኣር፣ እቲ ንዘመናት ክገዝእ ዝጸንሐ ጸቢብ ሃገራውነት (nationalism) ይኹን ንዕኡ ዘሰንዩ ሰረተ-እምነታት ተሪፎም፣ ዓለማዊ ስርዓተ-ቁጠባ (global economic system) ዝማእከሉ ስርዓተ ፖለቲካ ነጊሱ ኣሎ። እቲ ኣብ ሊብያ፣ ማሊ፣ ኮንጎ፣ ሶርያ፣ ዒራቕ፣ ኣፍጋኒስታን ወዘተ ዝረአ ዘሎ ምትእትታው ናይ ብዙሓት ሃገራት ድማ ናይዚ ዝተገልጸ ኣብነት ኢዩ።

ኩነታት ኤርትራ ሃገርናኸ?

እቲ ዓለማዊ ኩነታት እዚ ኮይኑ ከብቅዕ፣ እቲ ኣብታ ኣዝያ ንእሽቶን ውሑድ ህዝብን ዝነብራ ኤርትራ ሃገርና ዝረአ ዘሎ ማሕበረ-ቁጠባዊ ይኹን ፖለቲካዊ ኩነታት ግን ኣዝዩ ኣብ ዘሰክፍ ኩነታት ወሪዱ ይርከብ። ህዝቢ ኤርትራ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ወገን፣ ንምፍልላይ ዘይቅበል ህዝቢ ኢዩ። ኣብ ባህልና፣ ይትረፍ ኣውራጃን ከባብን እቲ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ጠንቂ ዕግርግርን ዘይምርግጋእን ዝኾነ ሃይማኖታዊ ፍልልይ’ውን፣ ህዝብና ሓሊፉዎ ጥራይ ዘይኮነ፣ ከም ኣቦና ሸኽ ኢብራሂም ሱልጣንን ኣቶ ወልድኣብ ወልደማርያምን ኣብ ቁርዓንን ኣብ መጽሓፍ ቅዱስን ጠቒዖም መደምደምታ ዝገበሩሉ ጉዳይ ኢዩ።

ጠንቂ ናይዚ ኣብ ሃገርና ነጊሱ ንርእዮ ዘለና ኣውራጃዊ ፖለቲካ እምበኣር፣ እቶም ነዚ ፖለቲካዊ ሰረተ-እምነት’ዚ ዘሳስዩ ውልቀ-ሰባት ንባዕሎም’ውን ካብ ተጻባኢ ኣውራጃዊ ኣተሓሳስባ ዝብገስ እምነት የብሎምን። ንሳቶም ነቲ ኣውራጃዊ ፖለቲካ ከም መደያይቦ ናብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ናይ ስልጣን ይጥቀምሉ። ሓንሳብ ምስ ኣተውዎ ብሕልንኦም ዘይቅበልዎ’ውን እንተኾኑ፣ ናቱ እሱራት ኮይኖም ክነብሩ’ምበር፣ ካብኡ ክወጹ ዝኽእሉ ኣይኮኑን። ምኽንያቱ ፖለቲካዊ ስልጣን ንምድያቡ ጥራይ ዘይኮነ፣ ሓንሳብ ምስደየብካዮ (ምስሓዝካዮ) እውን ንምዕቃቡ ዝኸበረ ዋጋ ስለዝሓትት። ብኣንጻር’ዚ ውልቀ-ሰባት ዘተኣታተውዎ ናይ ምፍልላይ ሓደጋ፣ ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝብና’ውን ንዝኾነ ፍልልያት ዝጻወር ኢዩ ነይሩ። ንነዊሕ ዓመታት’ውን ተጻዊሩዎ ክኸይድ ኢዩ ጸኒሑ። ሎሚ ግን ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት በሰላታቱ ብጋህዲ ክንጸባረቕ ይረአ ኣሎ።

ተወለድቲ ገለ ኣውራጃታት “ንሕና ድኣ ህዝቢ መታን ከይፈላለ ኢልና’ምበር፣ ካብ ሰብና መኣስ ሓሚቕና” ክብሉ ከለው፣ ተወለድቲ ናይተን ካልኦት ብሀራት ኤርትራ ድማ “ ኤርትራ ድኣ ንስኻትኩም ጥራይ ትበኣሱላ ሃገር መኣስ ኮይና፣ ንሕና’ውን እኮ ኣለና ኢና” ኢሎም ናይ ብሀርን ሃይማኖትን ፖሊቲካ ከልዕሉ ንርእዮም ኣለና። በዚ ድማ እቲ፣ በቲ ጸቢብ ጉጅለ ኢሰያስ ዝተኣታተወ ኣውራጃዊ ፖለቲካ፣ ተወሳኺ ብሀራውን ሃይማኖታውን ሕቶታት ኣለዓዒሉ፣ ነቲ ብሓድነቱን ናይ ምጽውዋር ባህሉን ዝኾርዕ ህዝብና ክህውጾ ንዕዘብ ኣሎና። እቲ ሓቂ እዚ ኮይኑ ከብቅዕ፣ ዓው ኢልካ ዘይዝረበሉ፣ ብውሽጢ ውሽጢ ግን ንሓያሎ እዋን ከቑስለና ዝጸንሐ ጉዳይ ኢዩ። “ሓባእ ቁስሉ ሓባእ ፈውሱ” ከም ዝበሃል ድማ እቲ ቁስሊ ዓብዩ፣ መዛረቢ ካብ ዝኸውን ሓያሎ እዋን ኮይኑ ኢዩ። ሎሚ ድማ ‘ይኣክል’ ዝበሃለሉ እዋን በጺሑ ኣሎ።

እቶም ትማሊ ምእንቲ ኤርትራን ህዝባን ብቡምባ ኢድ ምስ ታንኪ፣ ብካላሽን ምስ ሚሳይላት፣ ዝተሃደሙ ካናለታት ብምስራሕ ድማ ምስ ነፈርቲ ዝገጠምናን ዝተዓወትናን ህዝቢ፣ ሎሚ ነዚ ቁስሊ’ዚ ንምፍዋስ ዓቕሚ ኣሎና። ሓደ ካብኡ እቲ ኣብ መእተዊ  ጽሑፈይ እውን ዝገለጽኩዎ፣ ሓበሬታ ሓይሊ ኢዩ’ሞ፣ ንዝዋዓልናዮን ዝረአናዮም ነገራት ዓው ኢልና እንተ-ተዛሪብና፣ እቲ ብውሽጢ ውሽጢ ምስቶም ‘ናትና ኢዮም’ እንብሎም ሰባት ጥራይ ከነዕለሉ ዝጸናሕና ብጋህዲ ምስ ኩሉ ኤርትራዊ ክንዘራረበሉ እንተኽኢልና ጥራይ ኢዩ፣ እቲ ጸቢብ ጉጅለ መሕብኢ ዝስእን። ካብዚ ተበጊሰ ከኣ ኢየ፣ ነቲ ቅድሚ ምግዳለይ ሒዘዮ ዝወጻእኩ ኣተሓሳስባ ምስቲ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ምስ ተሰለፍኩ ዝረኣኹዎ ኣሰራርሓ ኣነጻጺረ ክጽሕፍ ዝወሰንኩ። ብመጀመርያ ግን እቲ ሒዝናዮ ዘለና ኣርእስቲ፣ ኣውራጃዊ ፖለቲካ ስለዝኾነ፣ ብዛዕባ ኣቃውማ ኣውራጃታት ኤርትራ ቁሩብ ክዛረብ።

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን

ውልቃዊ ትዕዝብቲ

ታደሰ ኪዳነ በርሚንግሃም

3ይ ክፋል 25/09/2013

 

ምቛም ኣውራጃታትን ምቕልቃል ሓድሽ ኣተሓሳስባታትን

ኣብ ዝሓለፈ 2ይ ክፋል ጽሑፈይ፣ ብዛዕባ’ቲ ሎሚ ኣብዛ ዓለምና ዝገዝእ ዘሎ ስርዓተ-ቁጠባን ንዕኡ ዘሰኒ ፖለቲካዊ ምሕደራን ምስ ህሉው ኩነታት ሃገርና ኣዛሚደ ገሊጸ ነይረ። እቲ ሒዝናዮ ዘለና ኣርእስቲ፣ ኣውራጃዊ ፖለቲካ ስለዝኾነ፣ ብዛዕባ ኣቃውማ ኣውራጃታት ኤርትራ ቁሩብ ክዛረብ ምዃነይ ገሊጸ ድማ ኢየ ተፋንየኩም። ብዛዕባ ኣውራጃ ቅድሚ ምዝራብ፣ ኣቃውመአን ምርዳእ ሓጋዚ ስለዝኾነ።

1. ምቛም ኣውራጃታትን ከተማታትን፦

ምቛም ኣውራጃታት ብቐጥታ ምስ መግዛእቲ ጥልያን ዝተኣሳሰረ ኢዩ።  ኢጣልያውያን መግዛእታዊ ስልጣኖም ኣብ ኤርትራ ምስ ኣረጋገጹ፣ ነቲ ብመግዛእቲ ዝተቖጻጽርዎ ህዝቢ፣ ብቐረባ ንምክትታሉ መታን ክጥዕሞም፣ ኣብ ዝተፈላለየ ምምሕዳራዊ ከባቢታት መቓቒሎም፣ ንዕኡ ዝቆጻጸር ምምሕዳራዊ ማእከላት መስረትሉ። ነቲ ሽዕኡ ዘቖምዎ ምምሕዳራዊ ከባቢታት ከኣ ኢዮም ‘ኣውራጃ’ ዝብል ስም ዝሃብዎ። ምቛም ኣውራጃታት እምበኣር ንሃይማኖት፣ ብሀርን ማሕበራዊ ኩነታትን ናይቲ ህዝቢ ኣብ ግምት ዘየእቱ፣ ካብቲ ምምሕዳራዊ ማእከል ዝህልዎ ቅርበትን፣ ካልእ ነቶም ኣመሓደርቲ ብዝጥዕም መንገድን ዝተሰረተ ኢዩ። ምምስራት ኣውራጃዊ ምምሕዳር ኣብ ኤርትራ እምበኣር፣ ከም ኩሎም ኣብ ኣፍሪቃ ዝተራእዩ ሓድግታት መግዛእቲ፣ ሓድጊ ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ኢዩ።

ኢጣልያውያን ድማ ከም ኩሎም ኤውሮጳውያን መዛኑኦም፣ ነቲ ኣብቲ ህዝብታት ዝነበረ ሓድሕድ ዘረፋን ወራራትን መኸተምታ ገይሮሙሉ’ኳ እንተኾኑ፣ ሓድሽ ማሕበረ ቁጠባዊ ምምዝባል ፈጢሮም ኢዮም። እዚ ድማ ምስ ምምስራት ከተማታት ዝተቐልቀለ ኢዩ። ምቛም ከተማታት ኣብ ኤርትራ ድማ ክልተ መልክዕ ዝሓዘ ኢዩ። እቲ ቀዳማይ፣ እተን ዝቖማ ምምሕዳራዊ ማእከላት በብቑሩብ ናብ ከተማታት ተሰጋጊረን።እተን ኣመሓደርቲ ዝቕመጡለን ዝነበሩ ምምሕዳራዊ ማእከላት ከኣ ናብ ዋና ከተማ ናይ ነብሲ-ወከፍ ኣውራጃ ማዕቢለን። ኣብዘን ዝቖማ ምምሕዳራዊ ማእከላት ድማ ብደሞዝ ዝናበራ ኣብ ክድምናን ጽሬትን ዝነጥፋ ደቂ-ኣንስትዮን፣ ኣብ ዋርድያን ስነ-ጽባቐ ካንሸሎታትን ዝነጥፉ ደሞዝ ዝኽፈሉ ደቂ-ተባዕትዮን ተቐልቂሎም።

እቲ ካልኣይ መልክዕ ድማ፣ ኢጣልያውያን ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት፣ ቦታታት እናመረጹ ር/ማሎም ከዋፍሩ፣ ናእሽቱ ኣብያተ-ዕዮ ክምስርቱን፣ ዓበይቲ ናይ ሕርሻ ኮንቸስዮነታት ክተኽሉን ተራእዮም። እዚኣተን’ውን በብቑሩብ ናብ ከተማታት ማዕቢለን ኢየን። ኣብዘን ዝቖማ ናእሽቱ ከተማታት ድማ፣ ምሉእ ብምሉእ’ኳ እንተዘይኮነ ብኸፈል፣ ካብቲ ኣድካሚ ገጠራዊ ሕርሻ ዝተገላገሉ ብደሞዝ ዝናበሩ ደርቢ ሰራሕተኛታት ተቐልቂሎም። (ኣለምሰገድ ተስፋይ - 2002)። ደርቢ ሰራሕተኛ ድማ ብባህሪኡ ኣብ ምዝመዛን ጸቕጥን ዝተሰረተ፣ ንትእዛዝን መምርሕን ናይ ሓለቕኡ ዝምእዘዝ፣ ከም ሰራሕተኛ ናይ ምቕጻል ተኽእሎኡ ኮነ፣ ዝወሃቦ ደሞዝን ሓላፍነትን፣ ኣብ ጽቡቕ ድሌት ናይ ኣስራሕቱ ዝሙርኮስ ጽቑጥ ደርቢ ኢዩ።

እዚ ሓባራዊ ጸቕጢ’ዚ ድማ ሓባራዊ ኣተሓሳስባ ከም ዝሓድሮ ገይርዎ ጥራይ ዘይኮነ፣ ንዝቕልቀሉ ሓደስቲ ተርእዮታት ክብድህ ስለ ዝነበሮ፣ (ናብርኡ’ውን ስለ ዘገድዶ) ቅልጡፍ ሓበሬታ ናይ ምትሕልላፍ ልምዲ ኣሕዲሩ ኢዩ። ብኸምዚ ከኣ ኢዩ እቲ ኣብተን ዝተመስረታ ናእሽቱ ከተማታት ዝነብር፣ ብዙሕ ካብኡ ናብ ናይ ደሞዝ ሰራሕተኛ ዝተለወጠ ህዝቢ፣ ካብቲ ኣብ ገጠር ብማሕረስ ዝናበር ህዝቢ ዝሓሸ ናይ ምውዳብ ዓቕሚ ከጥሪ ዝኸኣለ። ምስ ምምዕባል ከተማታት፣ ካብን ናብን ከታማታት ዝንቀሳቐሱ ነጋዶን፣ ካብኣቶም ንብረት ተቐቢሎም ኣብተን ከተማታት ብሽርሸራ ዝናበሩ ሸቃጦን ድማ ቀንዲ ናይ ሓበሬታ ምንጪ ኮይኖም።

2. ፖለቲካዊ ሓድግታት መግዛእቲ፦

በዚ መንገዲ’ዚ ድማ ኢዩ፣ እቲ ብደግለላት፣ ሱልጣናትን ሹማምንትን ኣብ መታሕት፣ ናይ ራእስታትን ምስሌነታቶም ድማ ኣብ ከበሳ ዝነበረ ማሕበረ-ቁጠባዊ ዝምድናታት፣ ነዚ ሓድሽ ናይ ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን ዝምድናታት ክፋሓቝ ዝጀመረ። በብቑሩብ ድማ እቲ ኣብ ሕርሻ ጥራይ ዝምርኮስ ዝነበረ ማሕበረ-ቁጠባዊ ዝምድናታት፣ በቲ ሓድሽ ናይ ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን ብሓደ ወገን፣ ናይ ደቂ ከተማን ገጠርን ኣተሓሳስባታት ድማ በቲ ካልእ ክትካእ ተራእዩ። ብዙሕ ሰብ’ውን ናብ ከተማ ገጹ ጠሚቱ። ምስፍሕፋሕ ዓለማዊ ትምህርቲ ኣብ ከተማታት ድማ ነቲ ክፍጠር ዝጀመረ ናይ ኣተሓሳስባ ጋግ ኣጸቢቑ ከም ዝዓቢ ገይሩዎ።

በዚ ድማ እቲ ኣብ ዓበይቲ ከተማታትን ከባቢአንን ዝነብር ህዝቢ ዝሓሸ ሓበሬታ ናይ ምርካብን ናይ ምውዳብን ዓቕሚ ከማዕብል ከሎ፣ ካብተን ከተማታት እናረሓቕካ ኣብ እትኸደሉ እዋን፣ እዚ ዓቕሚ’ዚ እናጎደለ ይኸይድ ጥራይ ዘይኮነ፣ እቲ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዝነብር ህዝቢ፣ ካብተን ዝውንነን ከብትን ጠለ-በጊዕን ወይ’ውን መዓልታዊ ናይ ሕርሻ ንጥፈታቱ ወጻኢ፣ ካልእ ፖለቲካዊ ጥርናፈ ክፈጥር ዘይክእል ኮይኑ። ብርግጽ ናይ ገባሮን ተወፋሮን (ብፍላይ ኣብ መታሕት) ውዳበን ምልዕዓልን ኣይነበረን ማለት ኣይኮነን። ኣብዚ ምልዕዓል ትግረ ኣንጻር ሽማግለ ክግልጽ ይከኣል ኢዩ። (ኣለም ሰገድ ተስፋይ - 2002)። እዚ ግን ካብ ውሱን ገጠራዊ ሕርሻዊ ዝምድናታት ወጻኢ፣ ሰረት ዘለዎ  ፖለቲካዊ ጽልዋ ዝፈጥር ኣይነበረን።

ሓድግታት ኤርውጳዊ መግዛእቲ ግን ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዝተራእየ ሓድሽ ተርእዮ ኣይነበረን።ኣብ ከም በዓል ከንያ ዝኣመሰላ ዓበይቲ ሃገራት፣ ናይ ሓይልን ማሕበረ-ቁጠባዊ ምዕባለን ምዝንባል ኣምጺኡ ኢዩ። ኣብቲ መግዛኣታዊ ምምሕዳራዊ ማእከላቱ ዘደልደለሉ ከባቢታት ዝነብር ህዝቢ (ምምስራት ዓበይቲ ከተማታት ስለ ዘስዓበ)፣ ዝሓሸ ናይ ምውዳብን ሓበሬታ ናይ ምልውዋጥን ባህርይ  ከማዕብል ከሎ፣ ኣብቲ መግዛእታዊ ጽልዋታት ርሕቕ ዝበለሉ ከባቢታት ዝነብር ህዝቢ ግን ካብቲ ቅድሚ መግዛእቲ ዝነበሮ ባህርያትን መነባብሮን ብዙሕ ከይተለወጠ ኢዩ ጸኒሑ።

ንኣብነት እቲ ኣብ ታሓሳስ 2007 ዓ.ም ኣብ ከንያ ዝተገብረ ምርጫን ዝሰዓበ ምፍሳስ ደምን፣ ኣብ መንጎ’ቶም ‘ኪኩዩ’ ዝበሃሉ ካብቲ መግዛእታዊ ሓድግታት እንግሊዝ ብዙሕ ዝኸሰቡ ዓሌትን፣ ካልኦት ከባቢ 30 ኣቢሎም ዝኾኑ፣ ምምሕዳር እንግሊዝ ብዙሕ ዘየርከበሎም ወገናት (ካብቲ ምምሕዳራዊ ማእከላት ፍንትት ኢሎም ዝነብሩ ዝነበሩ ህዝብታትን) ምንባሩ ብዙሓት ናይ ታሪኽ ተመራመርቲ ገሊጾም ኢዮም። (www.kenyan presidential election 2007) እቲ ማሕበረ-ቁጠባዊ ምዝንባል ድማ ምስ ቀቢላውን ዓሌታውን ዝምድናታት ተኣሳሲሩ ስለ ዝመጽእ ሓድግታቱ ብቐሊሉ ዝሃስስ ኣይነበረን። እቲ ኣብ ኣፍሪቃ ክረአ ዝጸንሐ ዘይምዕሩይ ዝምድናታትን “መን ካብ መን ይሓምቕ” ዝሰረቱ ህልኽን እምበኣር፣ መንቀሊኡ እዚ ዝገለጽኩዎ ዘይተመጣጠነ ማሕበረ-ቁጠባዊ ምዕባለ ኢዩ።

ሓድግታት ኢጣልያዊ መግዛእቲ ኣብ ኤርትራ ግን ንኽልተ ምኽንያታት ብኸምቲ ናይ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጣጠን ጽልዋ ኣይገደፈን። እቲ ቀዳምይ ጅኦግራፍያዊ ዝርገሐ ኤርትራ ዓቢ ዘይምዃኑ ኢዩ። ስለዚ እቲ መግዛእታዊ ሓድግታት ንመብዛሕትኡ ህዝቢ ዝትንክፍ፣ ክሳብ ክንድዚ ዝጋነን ፍልልያት ኣይገደፈን። እቲ ካልኣይ ምኽንያት ድማ እቲ ኣብ ኣውራጃታት ዝተመቓቐለ ህዝቢ ቅድሚ ጥልያን ምምጽኡ፣ ኣጸቢቑ ዝፋለጥ ምንባሩ ኢዩ። ንኣብነት እቲ ኣብ ሰለስተ ኣውራጃታት ዝተመቓቐለ፣ ትግርኛ ዝዛረብ ህዝቢ ከበሳ ይኹን፣ እቲ ኣብ ምብራቓውን ምዕራባውን መታሕት ዝነብር ህዝቢ፣ ካብቲ ኣውራጃዊ ምምቕቓል ንላዕሊ፣ እቲ ብወራር ራእስታት ትግራይን ውቤን ዝተሳቐዮን፣ ንዕኡ ንምምካት በብግዜኡ ዘርእዮ ዝነበረ ምትሕግጋዝን ይዓቢ። ኣለም ሰገድ ተስፋይ ኣብታ ‘ኣይንፈላለ’ ትብል መጽሓፉ “ዝምታ፣ ራስያን መግረፍትን ውቤ፣ ስባጋድሽን ኣሉላ ባዕሉን ክሳብ’ዚ ዘለናዮ እዋን ኣሰሩ ኣይጠፍአን” ይብል።

ነዚ ብዝመሳሰል መንገዲ፣ ደግያት ባህታ (ባህታ ሓጎስ)፣ ካሕሱን ሰንጋልን ምስ ዝበሃሉ ኣሕዋቶም፣ ካብ ወራር ራእስታት ትግራይ ሃዲሞም፣ ቅድም ኣብ ዓጎምቦሳ (ምስ ዓሳውርታ) ድሕሪኡ ድማ ኣብ ጎቦታት ሓባብ ከም ዝተዓቑቡ፣ ዘምህረት ዮውሃንስ ኣብታ ‘ኢጣልያዊ መግዛእቲ ኣብ ኤርትራ’ ዘርእስታ ብ2010 ዘሕተማ ሓዳስ መጽሓፉ ገሊጹ ኣሎ። ኣባ ይስሃቕ እውን ከምዚ ክብሉ ጽሒፎም ኣለዉ፣ “ዮውሃንስ ብፍላይ ንከበሳታት ኤርትራ በቲ ውሩይ ራስያታቱ ኣሳቐዮ። መብዛሕትኦም መሳፍንቲ ኤርትራ ከኣ ኣንጻር ዮውሃንስ እናመከቱ በረኻ ወጹ (1998)”። ኩሊ’ዚ ኩነታት’ዚ ድማ ሓድሕድ ዝምድናታት ህዝቢ ኤርትራ (ህዝቢ ከበሳ ነንሕድሕዱ ይኹን፣ ከበሳን መታሕትን) ቅድሚ መግዛእቲ ጥልያን ዝኸይድ ነዊሕ ርክብን ሓድሕድ ምትሕግጋዝን ከም ዝነበሮ የረድእ።

እዚ ክሳብ ሕጂ ክዝርዘር ዝጸንሐ፣ ኤውሮጳዊ መግዛእታዊ ሓድግታት ኢዩ። ኣብተን ዝነበራ 10 ናይ ፈደረሽን ዓመታት’ውን እንተኾነ፣ ህዝቢ ኤርትራ በቲ መግዛእታዊ ሓድግታት ክመሓደር እምበር ንዕኡ ክቕይር ወይ ከማዕብል ዓቕሚ ኣይነበሮን። እቲ ድሒሩ ዝመጻአ ኢትዮጵያዊ መስፍናዊ ስርዓት’ውን፣ ነቲ ድሮ ዝቕህም ዝነበረ ናይ ሹማምንትን ራእስታትን ሓይሊ ብሓድሽ መልክዕ ክውድብ’ኳ እንተፈተነ፣ ነቲ መግዛእታዊ ሓይሉ ዘደልድሉ በብኸባቢኡ ናይ ማሊሻ ሰራዊት ካብ ምቛም ሓሊፉ፣ ነቲ ኤውሮጳዊ ሓድጊ ክብድህ ወይ ክልውጥ ዝኽእል ኣይነበረን።

መወከሲታት: -

ኣባ ይስሃቕ ገብረ ኢየሱስ፣ ኪዳን ምንሊክን ጣልያንን ኣብ ምጭፍላቕ ህዝቢ ኤርትራ ሰነድ 1897 – 1907፣ ቤት ማሕተም MBY 1998

ኣለም ሰገድ ተስፋይ “ኣይንፈላለ 1941 - 1950” HIDRI PUBLISHERS ASMARA 2002

ዘምህረት ዮውሃንስ፣ “ኢጣልያዊ መግዛእቲ ኣብ ኤርትራ 1882 – 1941” ኣገልግሎት ሳቡር - ኣስመራ 2010

WWW.KENYAN PRESIDENTIAL ELECTION 2007

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን

ውልቃዊ ትዕዝብቲ

ታደሰ ኪዳነ በርሚንግሃም

4ይ ክፋል 28/09/2013

ኣብ ዝሓለፈ 3ይ ክፋል ጽሑፈይ ብዛዕባ ኣቃውማ ኣውራጃታትን ፖለቲካዊ ሓድግታቱን ጽሒፈ ነይረ። ሎሚ ድማ ከም መቐጸልታ ናቱ፣ ነዚ ሕጀ ዝረአ ዘሎ ‘ናይ ከባቢ ፍልልያት መሰረት ኢዩ’ ኢለ ዝኣምነሉ፣ ምስ ምምዕባል ከተማታትን ከተማዊ ጠባያትን ሓቢሩ ዝተቐልቀለ ሓደስቲ ባህርያት ክገልጽ ክፍትን ኢየ። እቲ ኣብ 60ታትን 70ትን ዝተቐልቀለ ኣውራጃዊ ፍልልያት ድማ፣ ውጽኢት ናይቲ መግዛእቲ ዝፈጠሮ ዘይተመጣጠነ ማሕበረ-ቁጠባዊ ምዝንባል ብሓደ ወገን፣ ምስኡ ተኣሳሲሩ ዝመጽአ ናይ ደቂ ከተማን ገጠርን ጠባያትን ድማ በቲ ካልእ ኢዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ።

3. ምቕልቃል ሓድሽ ጠባያትን ሓድግታቱን፦

መግዛእቲ ጥልያን እምበኣር ንምምሕዳራዊ ቅርጺ ኤርትራ ናብ ኣውራጃታት መቓቒሉዎ ጥራይ ዘይኮነ፣ ነቲ ዝነበረ ማሕበረ-ቁጠባዊ ዝምድናታት’ውን ቀይርዎ ኢዩ። እቶም ኣብ ከተማታት ዝነብሩ ምስ ዓለማዊ ትምህርትን ናይ ንግዲ ንጥፈታትን ቅርበት ዝነበሮም፣ ዝሓሸ ናይ ምውዳብ ዓቕሚ ከጥርዩን፣ ቅልጡፍ ሓበሬታ ናይ ምትሕልላፍ ባህሊ ከማዕብሉን ዕድል ረኺቦም ኢዮም። እዚ ጥራይ ግን ኣይነበረን። ምምዕባል ናይቲ ኣብ ሓጺር እዋን ዝቀያየር ባህሪ ደቂ ከተማ፣ ብዙሕ እዋን ‘ብጠባያት ደቂ ሹቕ‘ ዝፍለጥ ባህርያት ብሓደ ወገን፣ እቲ ኣብ ቅንዕና ጥራይ ዝምርኮስ፣ ሓንሳብ ምስ ኣመነ ብቐሊሉ ዘይልወጥ ገጠራዊ ባህርይ መንእሰያት ድማ በቲ ካልእ ተቐልቂሉ ኢዩ።  እንግሊዛውያን ክምስሉ “innocence is exploitable” (ግርህና ተመዝማዚ ኢዩ) ይብሉ።

እዚ ባህርያት’ዚ ኣብቶም በብግዜኡ ናብቲ ሓርነታዊ ቃልሲ ዝስለፉ ዝነበሩ መንእሰያት ሓያል ጽልዋ ከም ዝነበሮ ብዙሓት ሰባት ይዛረቡ ኢዮም። እዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ኣዕናዊ ጉጅለ ድማ ‘ውጽኢት ናይዚ ባህርያት’ዚ ኢዩ’ ዝብሉ ብዙሓት ሰባት ኣጋጢሞሙኒ ኣለዉ። በዚ ኮነ በቲ መግዛእቲ ጥልያን ኣውራጃዊ ምምሕዳር ኣቚሙ ጥራይ ዘይኮነ፣ ነቲ ኣብ ሕርሻ ጥራይ ዝምርኮስ ናይ ጎይቶትን ዓቀይቶትን ዝምድና፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ ሓድሽ ዝተፈጥረ ናይ ኣስራሕትን ሰራሕተኛታትን ደርቢ፣ ናይ ደቂ ከተማን ገጠርን ኣተሓሳስባን ጠባያትን ከም ዝምዕብል’ውን ገይሩ ኢዩ።

ካብዚ ጭቡጥ ኣብነታት’ዚ ተበጊስና ክንርእዮ ከለና እምበኣር፣ እዚ ሕጂ ንገለ ብሳላኻ፣ ንገለ ድማ ብሰንክኻ እናበለ፣ ስልጣኑ ንምንዋሕን ዕለተ ሞቱ ከደናጒን ዝፍትን ዘሎ ተጻባኢ ጉጅለ እምበኣር፣ እቲ ብዙሕ እዋን ብስም ኣውራጃዊ ምምቕቓል ዝዕለለሉ (ብፍላይ ኣብ ከበሳ)፣ እቲ ሓቀኛ ባህሪኡ ግን፣ ምጥርናፍ ናይ ዝተወሰነ ከባቢታት ጥራይ ዝኾነ ፖሊሲኡ፣ ዝኾነ ህዝባዊ ሰረት የብሉን። ህዝቢ ኤርትራ ልዕሊኡ ዝኸደ ናይ ደምን መውስቦን ዝምድና ኣለዎ። ሓቀኛ መንቀሊኡ ድማ እቲ ከተማዊ ናይ በጋሚንዶ ጠባይ ሒዙ ዝዓበየ ጉጅለ፣ ነቲ ሓቅነትን ግርህናን ዝመለለይኡ፣ ብዙሕ ተንኮላት ዘይፈልጥ ካብ ገጠራት ዝተሰለፈ መንእሰይ ከታልል ምኽኣሉ ኢዩ።

ስለዚ እቶም ነዚ ተበላጺ ጉጅለ’ዚ ‘ንሱ ንሕና፣ ንሕና ንሱ’ እናበሉ መግዛእታዊ ዕምሩ ንምንዋሕ ዝሕግዝዎ ዘለዉ ወገናት ይኹኑ፣ እቶም “ንሕና ድኣ ካብ መን’ዶ ንሓምቕ ኢና” ዝብሉን፣ እቶም “ንሕና’ውን እኮ ኣለና፣ ኤርትራ’ኮ ንስኻትኩም ጥራይ ትበኣሱላ ሃገር ኣይኮነትን” ብዘስምዕ መንገዲ፣ ብሀራውን ሃይማኖታውን መልክዕ ዘለዎ ውዳቤ ዘሳስዩ ዘለዉ ወገናት፣ ሓቢሮም ነዚ ተበላጺ ናይ በጋሚንዶ ጉጅለ ዘተኣታተዎ በታኒ ፖሊሲታት ክብድሁ’ምበር፣ ተኻፈልቲ ናይቲ ንሱ ዘዳለዎ ናይ ምፍልላይ መኣዲ ክኾኑ የብሎምን። ነቲ ካብታ ንሱ ዝዓበየላ ጸባብ ስድራ-ቤት ወጻኢ፣ ንብዙሕነት (diversity) ህዝቢ ኤርትራ ዘይርዳእ፣ ወይ’ውን ክርዳእ ዘይደሊ ናይ በጋሚንዶ ጉጅለ፣ ኣብቲ ንሱ ዝቐረበልና ሸሓኒ ክንዋሳእ ዘይኮነ፣ ነቲ ንሱ ዝቐረበልና ናይ ምፍልላይ ሽሓኒ ቁልቁል ኣፉ ደፊእና፣ ነቲ ካብ ኣቦታትናን ኣቦሓጎታትናን ዝወረስናዮ፣ ድሒሩ ናብ ፖለቲካዊ ባህሊ ዝተለወጠ፣ ስጋይ ስጋኻ ዝፈልጥ ናይ ምጽውዋር ባህርይ ክንመልሶ ይግባእ። እዚ ዝመጽእ ድማ፣ ነቲ ናብኡ ዘብጽሐን ገና’ውን ዝቕጽልን ዘሎ ኣሰራርሓ፣ ሃዲእና ብዕምቖት ምስ እንምርምሮ ጥራይ ኢዩ።

እዚ ካብ እዋን ገድሊ ኣትሒዙ ክኸይድ ዝጸንሐ፣ ‘ኣውራጃዊ’ እናተባህለ ዝዝረበሉ፣ ሓቀኛ መልክዑ ግን፣ እቲ በታኒ ናይ በጋሚንዶ ጉጅለ፣ ነዚ ሕጂ ዓቲሩዎ ዘሎ ናይ ስልጣን ጥሙሕ ንኸረጋግጽ፣ ብሕርያ ንተወልድቲ ናይ ዝተወሰነ ከባቢ ብዓብላሊ ደረጃ ናብ ናይ ሓላፍነት ቦታ ከምጽእ ከም ዝጸንሐ፣ ኣፍና መሊእና እንዛረበሉ ሓቂ ኢዩ። እዚ ግን፣ ኢሰያስን ውሑዳት መማኽርቱን ዝሃንደስዎ እምበር፣ ዝኾነ ወገን ካብ ህዝብና ዝሕተተሉ ኣይኮነን። ነዚ ዝነጽግ ወይ ክቕበል ዘይደሊ ዝኾነ ወገን ወይ ውልቀ-ሰብ፣ ካብቲ ምፍልላይ ዝኸስብን እቲ ወገናዊ ኣሰራርሓ ከም ዘለዎ ክኸደሉ ዝደልን ጥራይ ኢዩ። ነቲ ሕጂ ክንመልሶ ንደሊ ዝለና ሓድሕድ ምትእምማን ዝሃሲ ድማ ኢዩ። ነዚ ሓቂ‘ዚ ኣፍና መሊእና፣ ብጭብጥታት ኣሰኒና ክንዛረበሉ እንተ ኪኢልና ጥራይ ከኣ ኢዩ፣ እዚ በታኒ ጉጅለ’ዚ ኣብ መንእሰያት ኤርትራ ክዘርኦ ዝፍትን ዘሎ ናይ ምፍልላይ መርዚ ብኣግኡ ዝፍወስ። እቶም ብስም ሃገራዊ ሓድነት ንፖሊሲታት ናይዚ በታኒ ጉጅለ’ዚ ምኽኑይ ክገብሩ ዝፍትኑ ዘለዉ ወገናት ድማ፣ ሃገራዊ ሓድነት ብህዝባዊ ሓድነት ጥራይ ከም ዝረጋገጽ ክገልጸሎም እፈቱ። ህዝባዊ ሓድነት ድማ ብውክልና ናይ ኩሉ ህዝቢ ዝረጋገጽ እምበር ‘ሓደ ልቢ ሓደ ከብዲ’ እናበልካ ስለ ዝዘመርካ ዝመጽእ ኣይኮነን።

እቲ ምስ ሓጺነ-መጺን ተጋጭዩ ናጽነት ዘዕተረ ተጋዳላይ’ውን፣ ነዚ ፍልልያት’ዚ ከይተረድኦን ከይፈለጦን ኣይመጸን። ከም ካልኣውን ዘይመሰረታውን ዝወሰዶን ተጻዊሩዎ ክኸይድ ዝመረጸን ምዃኑ ከብርህ እፈቱ። እቲ ትማሊ ‘ዘይመሰረታውን ድሕሪ ናጽነት ብቐሊሉ ዝዕረን’ ገይሩ ዝውሰድ ዝነበረ፣ ሎሚ ንመሰረታዊ ክብሪ ህዝብና ክፍሑቝን፣ ናብ ዘየድሊ መኣዝን ከምርሕን ይረአ ስለዘሎ ብሓደ ወገን፣ ህዝቢ ኤርትራ ንምምሕዳራዊ ፖሊሲታት ናይዚ በታኒ ጉጅለ’ዚ ጸሊኡ፣ በብዝጠዓሞ ሃገሩ ገዲፉ ሃጽ’ ኢሉ ክጠፍእን፣ ናብ ብርሰት ገጹ የምርሕን ስለ ዘሎ ድማ በቲ ካልእ፣ ብወገነይ ነቲ ናብ ገድሊ ሒዘዮ ዝወጻእኩ ኣተሓሳስባ፣ ምስቲ ኣብኡ ምስ ኣተኹ ዝተዓዘብኩዎ ኣመራርጻ ናብ ሓለፍትን ኣዛሚደ ክገልጾ ክፍትን ኢየ።

ትዕዝብተይ ናይ ተራ ተጋዳላይ ተመክሮ እምበር፣ ተዋሳኢ ናይቲ ናይ ሓላፍነት ቁርቁስ ኣይነበርኩን። ብዘይካ’ዚ ንተመክሮ ናይቲ ኣነ ዝነብርኩሉ ዝተወሰነ ኣሃዱታት፣ ማለት ከም ኣባል ናይ ተዋጋኢ ሰራዊት - ናይታ ዝነበርኩላ ብርጌድ ጥራይ፣ ድሕሪ’ቲ ብዘጋጠመኒ ስንክልና ካብ ሰራዊት ወጺአ፣ ከም መምህር እሰርሓሉ ናይ ዝነበርኩ ኣሃዱን ጥራይ ምዃኑ’ውን ከብርህ እፈቱ። እዚ ተመክሮ’ዚ ግን ከምቲ ምስላ እንግሊዛውያን ዝብሎ (the peak of the iceberg) ማለት ‘ንእሽቶ ጫፍ ናይቲ ዓቢ ሕማም’ ጥራይ ምዃኑ ኢየ ዝኣምን።

ብወገነይ ኣብቲ ሽዕኡ እዋን፣ እዚ ሕጂ ኣብ ብዙሓት ዝረአ ዘሎ ስምዒት ዘይረኣኹን ዘይተዓዘብኩን ኣይኮንኩን። እንተኾነ ውልቃዊ ስምዒትን ዕላላትን፣ ካብቲ ውድዓዊ ኩነታት ክርሕቕ የብሉን። ውድዓዊ ኩነታት ድማ ንኽልቲኡ ማለት ነቲ ሕማቕን ጽቡቕን ኩነታት ሓቚፉ ኢዩ ዝኸይድ። ሰማዒ ድማ ነቲ ጸጽቡቑ ጥራይ ዘይኮነ፣ ነቲ ሕማቕ‘ውን ክፈልጦ እንተኺኢሉ ጥራይ ኢዩ ንካልኣይ ግዜ ከይድገም ክጥንቀቐሉ ዝኽእል። መንቀሊ ናይ ጽሑፈይ ድማ፣ እዚ ኩነታት’ዚ ምዃኑ ከብርህ እፈቱ። ከም መበገሲ ናይ ትዕዝብተይ ድማ ካብቲ ብደረጃ ዋህዮን ኣባል ሓፋሽ ውድብ ናይ ህ. ግንባር ዝኾንኩሉ ግዜ ጀሚረ ዝረኣኹዎ ክዛረብ ጽቡቕ ይመስለኒ።

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን

ውልቃዊ ትዕዝብቲ

ታደሰ ኪዳነ በርሚንግሃም

5ይ ክፋል 02/10/2013

ኣብ ዝሓለፈ ክፋል ናይ ጽሑፈይ፣ “ሰማዒ ነቲ ጸጽቡቑ ጥራይ ዘይኮነ፣ ነቲ ሕማቕ‘ውን ክፈልጦ እንተኺኢሉ ጥራይ ኢዩ ንካልኣይ ግዜ ከይድገም ክጥንቀቐሉ ዝኽእል። መንቀሊ ናይ ጽሑፈይ ድማ፣ እዚ ኩነታት’ዚ ምዃኑ ከብርህ እፈቱ። ከም መበገሲ ናይ ትዕዝብተይ ድማ ካብቲ ብደረጃ ዋህዮን ኣባል ሓፋሽ ውድብ ናይ ህ. ግንባር ዝኾንኩሉ ግዜ ጀሚረ ዝረኣኹዎ ክዛረብ ጽቡቕ ይመስለኒ” ብምባል ኢየ ተፋንየኩም። መቐጸልትኡ ድማ እነሆ፦

ደርማስ ሓይሊ ህዝባዊ ግንባርን ፣ ዘይሕጉስ መንፈስ ህዝብን

1. ፈንጠዝያን ስኽፍታን ኣብ ሓደ እዋን፦

ንህዝባዊ ግምባር ምሉእ ብምሉእ ኣባሉ ክኸውን ዝወስንኩ፣ ብዕለት 05 ነሓሰ 1977 ዓ.ም ኣብታ ተወሊደ ዝዓበኹላ ዓዲ ዓስኪሩ ዝነበረ፣ ብሓደ ሻምበል ገበየሁ ዝበሃል መኮነን ዝምራሕ ሓደ ሻምበል ሓይሊ ጸላኢ ደምሲሱ፣ ምሉእ ብምሉእ ምስ ተቖጻጸራ ኢየ። ሻምብል ገበየሁ ከምቲ ቅድሚኡ ዝነበረ’ሞ ተቐይሩ ዝኸደ፣ ደሓር ናይ ሻለቃ ማዕረግ ዝተዋህቦ፣ ኣበበ ዝበሃል፣ ኣብ ደቀምሓረ ምሉእ ስድራ-ቤት ከም ዝቐተለ ዝንገረሉ መኮነን ኣይኮነን። ብውልቁ ‘ሕያዋይ’ እንዳተባህለ ዝዕለለሉ መኮነን ምንባሩ እዝክር። ይኹን እምበር እቶም ኣብ ሕምብርቲ ዓድና ዓስኪሮም ዝነበሩ፣ ቀጠልያ ዝተኸድኑ ወታደራት፣ ኩሉ ሰብ’ዩ ዝፈርሖም። ብጸልማት ኣብ ከባቢ’ቲ ንሳቶም ዝዓስከሩሉ ቦታታት ከም ድላይካ ምንቅስቓስ ዝከኣል ኣይነበረን። ብዙሕ እዋን ምስቶም ኣብቲ ከባቢ ብብዝሒ ዝንቀሳቐሱ ዝነብሩ ተጋደልቲ ተ.ሓ.ኤ. ብመነጽር (ክሻፋ) ይረኣኣዩ ኢዮም። ብዙሕ እዋን’ውን ዕላምኡ ካብ ናይ ራዕድን ሽበራን ዘይሓልፍ መጥቃዕትታት፣ ኣብ ልዕሊ’ቲ መዓስከር ይፍጸም ነይሩ ኢዩ።

በቲ ኣብ ነሓሰ 1977 ብተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ዝተገብረ መጥቃዕቲ፣ እቲ መዓስከር ኮነ እቶም ወታደራት ምሉእ ብምሉእ ኣብ ቁጽጽር ኢዮም ኣትዮም። ቅድሚ’ዛ መዓልቲ’ዚኣ ብኳደረ ተኣዚዝና፣ ነቶም ወታደራት ዝኸውን ማይን ዕንጸይትን ከነብጽሕ እንተዘይኮይኑ፣ ኣቲናዮ ዘይንፈልጥ መዓስከር፣ ሽዕኡ መዓልቲ ከይፈራሕና ክንኣትዎን ኮለል ክንብሎን ውዒልና። እቲ ብወርቂ ስኑ ዝፍለጥ ‘ሕያዋይ’ ዝተባህለ ሻምበል ገበየሁ ኣብ ኣፍ ደገ ናይቲ መዓስከር ብጥይት ተሃሪሙ፣ ብኣፍ ልቡ ተሰጢሑ ምንባሩ እዝክር። ከም ዝመስለኒ፣ ድሕሪ ሞት መራሒኦም ኢዶም ዝሃቡ ወታደራት፣ ኣብ ገበላ ናይ ሓደ ገዛ ተኣኪቦም ነይሮም። ኣብቲ ውግእ ዝተወግአ ወይ ዝሞተ ተጋዳላይ ስለ ዘይረኣና ድማ “ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ከይተወግኡ ጸላኢ ዝቐትሉ፣ ብዘይ መስዋእቲ መዓስከራት ዝቆጻጸሩ፣ መዘና ኣልቦ ጀጋኑ ኢዮም” ዝብል እምነት ዘየሕደረ ሰብ እንተ ነይሩ፣ ኣዝዩ ውሑድ ኢዩ።

እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ምጽእ ኢሉ ዝማዕበለ ኣይኮነን። ቅድሚኡ ኣብ ከባቢ 1976፣ ሻምበል ኣበበ (ዳሕራይ ሻለቃ)፣ ኣዛዚ ናይቲ መዓስከር ኣብ ዝነበረሉ እዋን፣ ተጋደልቲ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተ.ሓ.ኤ) ሓደ ናይ ራዕድን ሽበራን መጥቃዕቲ ኣካይዶም ነይሮም። ቁሩብ መዓልታት ድሕሪ’ዚ መጥቃዕቲ’ዚ ሻምበል ኣበበ ነቲ ንንግደት ሕዳር ጽዮን ካብ ኩሉ’ቲ ከባቢ፣ ኣብ ቤተ-ክርጽትያን ቅድስቲ ማርያም ተኣኪቡ ዝነበረ ህዝቢ መግለጺ ሂቡ ነይሩ። ነቲ ኣብ ልዕሊኡን ልዕሊ ወታደራቱን ዝተኻየደ፣ ንራዕድን ሽበራን ዝዕላምኡ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ ድማ “ወንበዴታት ክልተ ጉጅለ ኢዮም። እቲ ሓደ ጉጅለ በዓል ሳንጣ፣ እቲ ካልእ ድማ በዓል ጃኬት ኢዮም። እቲ በዓል ሳንጣ ኣብ ማእከል ዓዲ፣ ቆልዓ ሰበይቲ ተኸዊሉ ምውጋእ ኢዩ ዝኽእል። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ዝረኣኹሞ ድማ ጸልማት ተኸዊሉ፣ ኣብ መንጎኹም ተሰዂዑ ክትኩስ ሓዲሩ። እቲ በዓል ጃኬት ግን ከምኡ ኣይኮነን። ኣብ በረኻ ቆልዓ ሰበይቲ ኣብ ዘይብሉ ቦታ ኣድብዩ ይጽበየካ። ኣብቲ ዝበኪ ቆልዓን እተእዊ ሰበይትን ዘይብሉ ቦታ ከኣ ትቐትሎ ይቐትለካ። ‘ወንድ የሚባል ይሄ ነው’ (ሰብኣይ ማለት ንሱ ኢዩ)” ክብል ተዛሪቡና ነይሩ።

እቶም ነታ መዓስከር ዝተቖጻጸሩ ድማ፣ እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ፣ ሻምበል ኣበበ “ባለ ሻንጣ” ዝበሎም ተጋደልቲ ዘይኮኑስ፣ እቶም ‘ብኸባቢ ዓላ ኢዮም ዝርከቡ’ እናተባህለ ዝንገረሎም ዝነበረ፣ ሻምበል ኣበበ “ባለ ጃኬት” ዝበሎም፣ ጸላኢኦም ከይተረፈ ዝመስከረሎም ተጋደልቲ ኢዮም። እዚ ኩነታት’ዚ ተደማሚሩ ከኣ ኢዩ፣ ኣነን መተዓብይተይን ምሉእ ብምሉእ ጸግዒ ህ.ግንባር ክንወስድ ዝገበረና። ብዘይ ስኽፍታ ግን ኣይነበረን።

እቶም ትማሊ ከም ቁሪ ንፈርሖም ዝነበርና፣ ሕጂ ተማሪኾም ጥራይ እግሮም ኣብ ገበላ ተኣኪቦም ዝነበሩ ወታደራት ንኽርኢ፣ ብምልኡ ተቐማጢ ናይቲ ዓድን ከባቢኡን ክመላለስ ኢዩ ውዒሉ። እቲ ብዙሕ ዘሰከፈና ኩነታት ድማ፣ ኣብ መንጎ’ቶም ቀጠልያ ዝተኸድኑ ምሩዃት፣ ሓደ ጻዕዳ ክዳን ዝተኸድኑ ኣቦና ኮፍ ኢሎም ምርኣይና ኢዩ። “እንታይ ድኣ ገይሮም ኢዮም ምስኦም ሓዊሶሞም?” ኢሉ ዘይሓተተ መንእሰይ ይኹን ዓቢ ኣይነበረን። “ሓደ ወታደር ኣብ ገዝኦም ተሓቢኡ ጸኒሑ” ትብል መልሲ ድማ ኣብ ብምሉኡ ተቐማጢ ናይቲ ዓዲ ተዘርጊሓ። መንበሪ ገዝኦም ካብቲ መዓስከር ርሑቕ ኣይነበረን። ኣብቲ ውግእ ዘይነበረ ህዝቢ ድማ ሓቅነት ናይቲ ወረ ከረጋግጽ ዝኽእል ኣይኮነን። ኣቦና ንገለ ሰሙናት ወይ’ውን ሓደ ወይ ክልተ ወርሒ ተኣሲሮም፣ ነቒሖምን ናብ ካድር ተቐይሮምን ክመጹና እምበር፣ ንሱ ዝኣንፎም ክጠፍኡ ዝተጸበየ ሰብ ግን ፍጹም ኣይነበረን። እዛ ፍጻሜ’ዚኣ ብኣንጻር’ቲ ደርማስ ጅግንነትን ሞጎስን፣ ኣብ ሓንጎል ነብሲ-ወከፍ ሰብ ጸሊም ነጥቢ ኣቐሚጣ ሓሊፋ። ካብ ትሒም- ትሒም ሓሊፉ ድማ ዝኾነ ሰብ ስሞም ኣልዒሉ ዝሓትት ኣይነበረን። እቶም ኣዝዮም ዝተሞጐሱ እምበኣር፣ ካብ ንጉሁኡ ኢዮም ኣዝዮም ዝፍርሑ ኮይኖም።

ድሕሪ’ቲ መታደራዊ ፍጻሜ፣ ብቐጻሊ ኣብቲ ዓዲ ዝተቐመጡ ኣባላት ህዝባዊ ምምሕዳር ኢዮም። ንተቐማጦ ናይቲ ዓዲ ድማ፣ በብማሕበራዊ ቦትኡ ማለት መንእሰያት፣ ሓረስቶት፣ ደቀ-ንስትዮ ወዘተ እናበሉ፣ ብውሽጢ ውሽጢ ኣብ ዋህዮታት ክውድብዎ ተጓይዮም። እቶም ቀዳሞት ዓይኒ ዝወደቖም ድማ፣ እቶም ናይ 2ይ ደረጃ ተማሃሮ ዝነበሩ መንእሰያት ኢዮም። ብስም ህዝባዊ ማሊሻ ብረት ከም ዝዓጥቁ ምስ ተገብረ ድማ ብቐሊሉ ናብቲ ሰራዊት ከም ዝጽንበሩ ኢዩ ተገይሩ። እቲ ናይ ዋህዮታት ውዳቤ ኣብኡ ዘብቅዕ ኣይነበረን። “ሓፋሽ ይወደብ ይንቃሕ ይተዓጠቕ” ዝብል ጭርሖ ድማ ካብ ጉቡእ ንላዕሊ ተጎስጒሱሉ ጥራይ ዘይኮነ፣ ዳርጋ ኣብ ሓንጎል ናይ ነብሲ-ወከፍ ሰብ ክቃላሕ ጀሚሩ። መንእሰያት ዘሚሮም፣ ዓበይቲ ጉልበቶምን ጥሪቶምን ወፊዮም። ነቲ ናጽነት ከም ዘዕትሮም ዝተኣማመኑሉ ውድብ ምሉእ ብምሉእ ተቐቢሎሞን ኣሚኖሞን። ‘ተጋዳላይ በጃ ህዝቢ፣ ህዝባዊ ግንባር መሪሕ ውድብ’ ተባሂሉ። መሪሕ ውድብ ድማ ልዕሊ ሰብን ትሕቲ ኣምላኽን ታኣሚኑ። ምስቲ ዝነበረ ተወፋይነትን ዝኽፈል ዝነበረ መስዋእትን’ውን ዘይግባእ ኣይነበረን።

2. ዝነበረ ስርዓተ-ምሕደራ ፈሪሱ፦

ነዚ ዝተዓዘቡ ኣባላት ህዝባዊ ምምሕዳር፣ በብቑሩብ ንመሰረታዊ ህዝባዊ ክብርታት ናይቲ ህዝቢ ክቀጻጸርዎ ጀሚሮም። እቲ ህዝቢ ልኡም ተቐባሊ ትእዛዝ ጥራይ ክኸውን ስለ ዝተደልየ ድማ፣ ንውሽጣዊ ምምሕዳር ናይቲ ህዝቢ ከይተረፈ ክቐጻጸርዎ ተራእዮም። ነዚ ንምትግባር ድማ “መስፍናዊ ኣገባብ ኢዩ” ብዝብል ስም፣ ሚስለነ ናይቲ ዓድን ከባብን ስልጣኑ ተሓዲጉ። ዳኛ (ጭቃ) ናይቲ ዓዲ ካብ ስርሑ ደው ኢሉ። እዚ ኩነታት’ዚ ብዙሕ ሽግር ኣይምፈጠረን። እቲ ዝያዳ ስኽፍታ ዝፈጠረልና ግን ካልእ ኢዩ። ኩልና ከም እንፈልጦ ወረጃን ሽማግለን ዘይብሉ ዓዲ፣ ለባማት ወዳእቲ ነገር ዘይብሉ ህዝቢ፣ ነንሕድሕዱ እናተሃላለኸ ዝነብር፣ ልኡም ተቐባሊ ትእዛዝ ጥራይ ንኽኸውን ዝቐለለ ኢዩ። ስለዚ ከኣ ኢዮም፣ እቶም ኣባላት ህዝባዊ ምምሕዳር፣ ማዕረ-ማዕረ’ቲ ብውሽጢ ውሽጢ ዝዝርግሕዎን ከም ፍልሖ እናተባዝሐ ዝኸይድ ዝነበረ ናይ ዋህዮታት ዝርርዕ፣ ነቶም “ወዳእቲ ነገር ኢዮም፣ ህዝቢ የኽብሮምን የምልኾምን ኢዩ” ዝበሃሉ ሽማግለታት፣ ኣብ ቅድሚ’ቲ ዘኽብሮም ህዝቢ ከናሸዉዎምን (humiliate ክገብርዎም) ንርኢ ዝነበርና።

ሽዕኡ ንበዓል ኣቦይ ቀኛዝማት፣ ኣቦይ ግራዝማች፣ ኣቦይ ፊቶውራሪ ወዘተ ዝበሃሉ ህዝቢ በብገዛውቱን ወለድኡን ከም ሽማግለታትን ወዳእቲ ነገርን ዝቕበሎም ሽማግለታት፣ ኣብቲ ዝግበር ዝነበረ ኣኼባታት፣ ዝኾነ “ንዓዲ ይጠቅም’ዩ” ወይ’ውን ‘እዝስ ንውሽጣዊ ምምሕዳርና ዝምልከት ኢዩ’ሞ ንዓዲ ዘይትገድፉሉ…” ዝብል ርእይቶ ምስ ዘቕርቡ፣ “ሓፍ በል! ተምበርከኽ፣ ናብ ጸሓይ ጠምት!... መስፍን!” ተባሂሎም ክጽረፉን ክዝለፉን ምርኣይ ልሙድ ኮይኑ። እቶም ሽማግለታት ዝሓዝዎ ጻዕዳ ጭራ ኣብ መሬት ኣቐሚጦም፣ ተምበርኪኾም ናብ ጸሓይ ገጾም ክጥምቱ ተገዲዶም። “ነዚኦም ዘይገደፉን ዘየኽበሩ ድኣ ንመን ክገድፉ” ዝበለ ህዝቢ ድማ ጨጨጎርኡ ንውሽጢ ገይሩ ኣጽቅጥ ኣቢሉ።

ሎሚ ክርእዮ ከለኹ፣ እዚ ኩነታት’ዚ፣ ሽዑኡን በቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣባላት ህዝባዊ ምምሕዳርን ጥራይ ዝተፈጸመ’ሞ፣ ውልዕ ኢሉ ዝጠፍእ ኣሰራርሓ ኣይነበረን። ሽዑ እቲ ውድብ፣ ሎሚ ድማ ስርዓት ህግደፍ ብቐጻሊ ዝጥቀምሉ ዘለዉ ቀዋሚ ፖሊሲ ኢዩ። ኣብ ህዝቢ ተሰማዕነት ዘለዎ፣ ህዝቢ ክውድብ ዝኽእል ሽማግለ ይኹን ክኢላ ወይ ምሁር፣ ከም ኣስጋእትን ቀዳሞት ጸላእትን ተወሲዶም፣ ካብቲ ዝኣምኖምን ዝቕበሎን ወገን ንምንጻል፣ ኩሉ ዘለዎ ሰብኣውን ፋይናንሳውን ወጻኢታት ክገብረሉ ንርኢ ኣሎና።

እቲ ምኽንታት ድማ ነቲ ኣታሊልካን ኣደናጊርካን ትገዝኦ ህዝቢ፣ ናይ ገዛእ ርእሱ ውዳቤ ፈጢሩ ከይውሕጠካ ትፈርሕ እንተድኣኮንካ፣ ነቶም ‘ክውድቡን ከስምዑን ይኽእሉ ኢዮም’ ዝበሃሉ ሰባት ኣቐዲምካ ከም ዝውቅዑ ምግባር ኢዩ። ነዚኦም ከም ዝለምሱ እንተገርካ ድማ፣ እቲ ህዝቢ ዝውድቦን ዝጥርንፎን ስኢኑ፣ ነንሕድሕዱ ‘መኘኽ’ እናበለ ይነብር ማለት ኢዩ። እዚ ድማ፣ እቲ ቅድም ነቲ ውድብ፣ ሎሚ ድማ መንግስቲ ዝመርሕ ዝነበረን ዘሎን ሓደገኛ ጉጅለ፣ ስልጣኑ ንምድልዳል ብመደብ ዘተኣታተዎ ሓደገኛ ፖሊሲ ኢዩ። እነሆ ድማ ሎሚ፣ ወደብቲ ዝሰኣነ ህዝብን፣ ብቕዓት ዘለዎም መራሕቲ ዝሰኣና ውድባትን፣ ነንሕድሕዶም እናተጠማመቱ ኣድማዒ ስራሕ ከይሰሑ ይኸዱ ኣለዉ።

እዚ ሓደገኛ ፖሎሲ’ዚ ግን፣ ልዕሊ ፖለቲካ ዝኸይድ ኣዝዩ ሓደገኛ ሳዕቤን ኣለዎ። እቲ ዘኹርዕ ማሕበራዊ ክብሪ ዘለዎ፣ ንሕግን ሕውነትን ዝፈርሕ፣ ብሕጊ እንዳባ (customary law) ዝመሓደር፣ ንሽማግለታትን ለባማትን ዝያዳ ክብሪ ዝህብ ክቡር ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝብና; በብቑሩብ እናፈሓቘ ከርቅቖን ዋላ’ውን ፈጺሙ ከጥፍኦን ይፈታተኖ ምህላዉ ኢዩ። ኣብ ዘመነ ህግደፍ እቶም ኣብ ዕርቅን ሽምግልናን ዝነጥፉ፣ በብግዜኡ ንዝቕልቀሉ እንዳዊ፣ ቀቢላዊ፣ ዋላ’ውን ኣብ መንጎ ዓድታት ሓድሕድ ሳሕቲ ዝረኣዩ ባእስታትን ግርጭታትን ዘደቅሱ ሽማግለታት የለዉን። ብናይ ፖሊቲካ ካድረታት ተተኪኦም ኢዩም። እቲ ንዘመናት እናተረዳድአ ጉዳያቱ ዘደቅስ ዝነበረ ህዝቢ፣ ‘ትም በል፣ ከይትዛረብ’ እናተባህለ፣ ኣፉ ብኣፈሙዝ ብረት ተዓቢሱ ክኸይድ ንርእዩ ኣሎና።

እታ ኣብ ንእስነተይ ኣብ ማእከል’ታ ዝተወለድኩላ ዓዲ፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ለባማትን ሽማግለታትን ክትፍጸም ዝረኣኹዋ ዘለፋን ተነጽሎን፣ ኣብ ገድሊ ምስ ከድኩ’ውን መልክዓ ቀይራ ኣብ ልዕሊ’ቶም ‘ምሁራትን በላሕትን ኢዮም’ ዝበልዎም ተጋደልቲ፣ ‘ዝምቡላት ኢዮም’ ተባሂሎም ክንቀፉን ብብጾቶም ጽሉኣት ንምግባሮም ብዙሕ ተንኮላት ክፈሓሰሎም’የ ተዓዚበ።

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን

ውልቃዊ ትዕዝብቲ

ታደሰ ኪዳነ በርሚንግሃም

6ይ ክፋል 13/11/2013

 

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ ድማ ጽባሕ ንኸይድገም ውሕስነት የብሉን። ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝብና እምበኣር፣ ናብቲ ናይ ትማሊ ዘይኮነስ፣ ናብቲ ናይ ቅድሚ ትማሊ ክምለስ ኣለዎ።

 

እዚ መደብዚ ብተኸታታሊ ክወጽእ ድሕሪ ምጽንሑ፣ ኣብ ሓሙሻይ ክፋል ምስ በጽሐ ንኹሉ ኤርትራውን ዓለምን ዘሕዘነ ትራጀዲ ደሴት ላምፐዱዛ ስለ ዘጋጠመ ንግዜኡ ተቋሪጹ ጸኒሑ። እቲ ፍጻሜ እንተላይ ንደገፍቱ ብልቢ ዘሕዘነን ፖለቲካዊ ጥፍሽና ናይቲ ስርዓት ዝቐልዐን ኢዩ። ናይ ኤርትራ ፖለቲካዊ ሃዋህው ድሕሪ ሕጂ ሓንሳብ ንሓዋሩ ተቐይሩ ኣሎ። መራሒ ስርዓት ህግደፍ፣ ‘ዝተባህሎ ዘይገበረ፣ ወይ ድማ ክገብሮ ዝግበኦ ዘይገበረ ብሞት ክቕጻዕ ኣለዎ’ ዝብል ናይ ዓቕሊ ጽበት ትእዛዝ ከም ዘመሓላለፈ’ውን ይስማዕ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ሳንዱቕ ሬሳታት ደቁ ኣብ ተለቪዥን ብማዕዶ እናረኣየ፣ ናብ መሬቱ ኣምጺኡ ክቐብሮም ወይ ከይዱ ክፋነዎም ኣይከኣለን። ብኸምኡ ከኣ ኢዩ “ሳንዱቕ ሬሳ ደቀይ እነሆ ኣብቲ ማዕዶ፣ ንሱ ኣይመጸኒ ኣነ ኣይኸዶ፣ ምጻሩ ስኢነ ወሪዱኒ ጋዶ!” ዝተባህለ።  እዚ ፍጻሜ’ዚ እምበኣር ኣብ ፖለቲካ ኤርትራ ነጥበ መቐይሮ ኢዩ።

ናብ ኣርእስተይ ክምለስ። ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ክፋላት እዚ ንሃገርና ናብ ገደል ዝመርሓ ዘሎ ጠላም ጉጅለ ብስውር ናይ ሃይማኖትን ፖለቲካን ፍልልይ ከም ቀንዲ ፖለቲካዊ ሰረተ እምነቱ ገይሩ ክሰርሕ ከም ዝጸንሐ፣ እቲ ቀደም ስዉር ዝነበረ፣ ሎሚ ብቕሉዕ በብናቱ መዛረቢ ካብ ምዃን ሓሊፉ፣ ንመሰረታዊ ክብርን ፖለቲካዊ ባህልን ህዝብና ይፈታተኖ ከም ዘሎ ገሊጸ ነይረ። እዚ ጉዳይ’ዚ ምስቶም ‘ናትና ኢዮም’ እንብሎም ጥራይ እነዕልለሉን እንተሓማመየሉን ኣብ ክንዲ ዝኸውን፣ ብጋህዲ ክንዛረበሉ ስለዝግባእን፣ ብኸምኡ ጥራይ ከኣ ፍልልያትና ከነጽብብን ዝነበረ ባህሊ ኣቦታትና ክንመልስን ይግባእ ዝብል መበገሲ ኣለዎ። እዚ ዝጸንሐ ምትሕምማይ ንነገራት ከጋፍሕ እምበር ከጽብብ ኣይተራእየን። ስለዚ ከኣ ኢየ ውልቃዊ ትዕዝብተይ ኣብ ቃልዕ ክዛረበሉ ዝመረጽኩ።

ብዘይካ‘ዚ ምቛም ኣውራጃታት ኤርትራ፣ መግዛእቲ ጥልያን ንምምሕዳሩ ብዝጥዕም መንገዲ ካብተን ዘቖመን ናይ ምምሕዳር ማእከላት ብዝህልዎ ቅርበት’ምበር፣ ነዚ ሕጂ ዘሎ ምትርማስ መሰረት ዝኽውን ከምዘይነበረ፣ ጠንቂ ናይዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ፍልልያት ድማ፣ እቲ ከተማዊ ናይ በጋሚንዶ ጠባይ ሒዙ ዝዓበየ ጉጅለ፣ ነቲ ሓቅነትን ግርህነትን ዝመለለይኡ፣ ብዙሕ ተንኮላት ዘይፈልጥ ካብ ገጠራት ዝተሰለፈ መንእሰይ ከታልል ምኽኣሉ ኢዩ። ኣዚ ሕጂ ዝገልጾ ዘለኹ’ውን ‘ንእሽቶ ጫፍ ናይቲ ዓቢ ሕማም’ ምዃኑ ገሊጸ ኢየ።

ከም መበገሲ ናይዚ ሕጂ ዝገልጾ ትዕዝብተይ ድማ ኣብ ዝሓለፈ 3ይ ክፋል ኣብታ ተወሊደ ዝዓበኹላ ዓዲ ከም ኣባል ናይ ሓንቲ ዋህዮን ኣባል ሓፋሽ ውድባትን ዝነበረኒ ትዕዝብቲ፣ ነቲ መሰረታዊ ባህላዊ ክብርታት ህዝብና ከመይ ኢሉ ከም ዝተፋሕቘን፣ ክብሪ ናይቶም ‘ወራዙትን ዓበይቲ ዓድን’ ዝተፈጸመ በደል ድሕሪ ምግላጽ፣ እቲ ዝነበረ ስርዓተ ምምሕዳር ናይቲ ዓዲ ከም ዝፈረሰ ጽሒፈ ነይረ። ንኩነታት ናይቲ ዓዲ ድማ ኣብ 4 ከፊለ፣ ብዛዕባ’ተን ቀዳመይትን ካልኣይትን ነጥብታት ተዛሪበ ነይረ። በዛ ትቕጽል ሑጥበ-ጽሑፍ ድማ ኢየ ተፋንየኩም ነይረ።

“እታ ኣብ ንእስነተይ ኣብ ማእከል’ታ ዝተወለድኩላ ዓዲ፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ለባማትን ሽማግለታትን ክትፍጸም ዝረኣኹዋ ዘለፋን ተነጽሎን፣ ኣብ ገድሊ ምስ ከድኩ’ውን መልክዓ ቀይራ ኣብ ልዕሊ’ቶም ‘ምሁራትን በላሕትን ኢዮም’ ዝበልዎም ተጋደልቲ፣ ‘ዝምቡላት ኢዮም’ ተባሂሎም ክንቀፉን ብብጾቶም ጽሉኣት ንምግባሮም ብዙሕ ተንኮላት ክፈሓሰሎም’የ ተዓዚበ።”

… መቐጸልትኡ ይስዕብ →

3. ምትእትታው ሓድሽ ስርዓተ-ምሕደራ፦

እቶም ኣባላት ህ. ምምሕዳር ከይደንጐዩ፣ ንናይ ከተማ ምምሕዳር ብዝመሳሰል መንገዲ ንብምልእታ እታ ዓዲ መቓቐሊማ፣ ነቲ ዝተመቓቐለ ዞባታት ድማ ‘ማሕበረ-ኮም’ ዝብል ስም ተዋሂቡዎ። እቶም ኣብ 20ታት ዕድመ ዝርከቡ፣ ተማሃሮ 2ይ ደረጃ ነበር መንእሰያት ደቂ‘ቲ ዓዲ፣ ሽዑ ድማ ኣባላትን መራሕትን ናይተን ውሽጢ ውሽጢ ዝባዝሓ ዝነበራ ዋህዮታት፣ መራሕቲ ናይተን ሓደስቲ ማሕበረ-ኮማት ከም ዝኾኑ ተገይሩ። ዝኾነ ናይ ምምሕዳር ተመክሮ ስለ ዘይነበሮም ድማ ናብ ኳደረ ተቐይሮም፣ ኣተግበርቲ ትእዛዝ ናይቶም ኣባላት ህዝባዊ ምምሕዳር ጥራይ ኮይኖም። እቲ ለዋህ ህዝቢ ድማ “ኣብ ውግእ ጀጋኑ ኢዮም፣ ምምሕዳሮም ግን ኣይግድን” ካብ ምባል ሓሊፉ ዝገብሮ ነገር ኣይነበሮን። ብፖለቲካዊ ኣጠማምታ ግን ‘ኣብ ድነ ወታደራዊ ጅግንነት፣ መሰረታዊ ክብርታት ናይቲ ህዝቢ ዝተፋሕቆሉ’ እዋን ኢዩ።

እዚ ኣወዳድባ’ዚ ነዊሕ’ኳ እንተዘይጸንሐ፣ ኣብ ህዝቢ ቁጥዐ ከኸትል ጀሚሩ ነይሩ ኢዩ። ብኡ ንብኡ ድማ ‘ህዝባዊ ባይቶ ክትከል ኢዩ’ ዝብል ጎስጓስ ጀሚሩ። እቲ ዝትከል ህዝባዊ ባይቶ፣ ካብ ኩለን ማሕበራውያን ሓይልታት ማለት መንእሰያት፣ ደቂ-ኣንስትዮ፣ ሓረስቶት ወዘተ ብዝውክልዎም ሰባት ከም ዝቐውም ድማ ተነጊሩና። እዚ ኩነታት’ዚ ከኣ ኢዩ፣ ነቲ ድሮ ክግንፍል ጀሚሩ ዝነበረ ስምዒት ህዝቢ ዝደበሶ። ድሮ’ውን ካብ’ቲ ብስም ደቡብ ዝጽዋዕ ዝነበረ ከባቢ - ኣብ ደቀምሓሪ፣ ካብ ሰሜን ድማ ኣብ ዛግር፣ ‘ህዝባዊ ባይቶታት ተተኺሉ ኣሎ’፣ ስለ ዝተባህለ፣ ንሕና’ውን ተኻፈልቲ ናይቲ ስልጡን ምሕደራ ክንከውን ብሂግና።

  1. ፖለቲካዊ ጎስጓስ፦

እዚ ክብ ኢለ ክገልጾ ዝጸናሕኩ፣ ነቲ ምምሕዳራዊ መዳዩ ጥራይ ዝምልከት ኢዩ። ምስዚ ኣተሓሒዘ’ውን ብዛዕባ’ቲ ውሽጣዊ ፖለቲካዊ ጎስጓስ ክዛረብ ጽቡቕ ይመስለኒ። እቲ እዋን ዓለም ኣብ ክልተ ስነ-ሓሳባዊ ደምበ (ideology) ተመቒላትሉ ዝነበረት እዋን  ኢዩ። ዳርጋ ኣብ ኩለን ናይ 3ይ ዓለም ሃገራት፣ ንክልሰ-ሓሳብ ማርክሰ-ለኒናዊ ፍልስፍና ከም ሓደ መንገዲ ሓርነትን፣ መደያይቦ ናብ ዴሳዊ ዓለምን ዝስበኸሉ ዝነበረ እዋን ኢዩ። “ሕብረተ-ሰብኣዊት ኢትዮጵያ” እውን፣ ከም ኣካል ምንቅስቓስ ናይ 3ይ ዓለም፣ ናይ በዓል ማኦን ማርክስን ጽሑፋት ናብ ቋንቋ ኣምሓርኛ ተርጒማ ትዝርግሖ ነይራ ኢያ። በዚ ድማ ዝኾነ ኣንቢቡ ዝኽእል መንእሰይ፣ በዚ ዴሳዊ (ሓሳባዊ) ክልሰ-ሓሳብ ክጽሎ ልሙድ ኢዩ ነይሩ። ዝያዳ ኩሉ ንኣቓልቦይ ዝሰሓቦ ግን እቲ ብሓደ ‘ጸጋይ ከኒሻ’ ዝተባህለ፣ ኣባል ህዝባዊ ምምሕዳር፣ ንገለ ካብቶም ኣብተን ዋህዮታት ዝነበርና መንእሰያት፣ ብጸልማት ዝወሃበና ዝነበረ ትምህርቲ ኢዩ። ጸጋይ ብዛዕባ ዴሳዊ ዓለምን ናብኡ ዘብጽሕ ናይ ተራድኦ ናይ ሕርሻ ማሕበራትን ክገልጽ ከሎ፦

“ድሕሪ ናጽነት ህዝባዊ መንግስቲ ኢና ክንተክል። ኣብ ነብሲ-ወከፍ ዓዲ ድማ

ህዝባዊ ባይቶታት ክዕምብባ ኢየን። ኣብተን ዝቐማ ባይቶታት ዝተፈላለያ ኮሚቴታት ይህልዋ። ሓንቲ ካብኣተን ናይ ቁጠባ ኮሚተ ኢያ። እዛ ኮሚቴ’ዚኣ ነተን ኣብታ ዓዲ ዝቖማ ናይ ሓረስቶት ናይ ተራድኦ ማሕበራት ተወሃህድ። እዚ ማለት ድማ ኣብቲ ዓዲ ዝርከቡ ሓረስቶት፣ ብማሕበር ተጠርኒፎም፣ ብዕራይ ዘለዎ ብብዕራዩ- በዓል ጉልበት ድማ ብጉልበቱ ተወሃሂዶም፣ ነቲ ኣብታ ዓዲ ዝርከብ ዝሕረስ መሬት ብሓባር ሓሪሶም፣ ኣብቲ ዓዲ እኹል ዝብላዕ ምህርቲ ከም ዝህልው ይገብሩ። እቲ ማኣከላይ መንግስቲ ድማ ክኢላታት ኣብ ምስልጣን ይተሓጋገዞም። ነቲ ብሓባር ጽዒሮም ዘፍረይዎ ምህርቲ፣ ኣብ ዓበይቲ መኻዚኖታት ከምዝእከብ ይግበር። ስድራ-ቤታት ናይታ ዓዲ ድማ ከከም ብዝሒ ኣባላተን ዝኣክል መቑነን ይዕደላ። በዚ ኣገባብ’ዚ ድማ ነቲ ኣብ መንጎ ሃብታምን ድኻን  ዘሎ ፍልልይ ጠፊኡ ማዕርነት ናይ ኩሉ ዜጋ ዘረጋግጽ ማሕበርነታዊ ስርዓት ይትከል። በብቑሩብ ድማ እቲ ድሑር መስፍናዊ ዝኾነ ኣገባብ ማእቶት፣ ብምዕቡል ማሺነሪ ተሓጊዙ፣ ብውሑድ ጉልበት ኣኺሉ ዝተርፍ ምህርቲ ይሕፈስ። ምዕቡል ተክኖሎጂ ዝወነነት ኣብ ማሕበርነት ዘላ ሃገር ድማ ብቐሊሉ ናብ ዴስነት ትሰጋገር።

“እዚ ኣገባብ’ዚ ዘይርእሰ-ማላዊ ኣገባብ ምዕባለ ይበሃል። እዚ ማለት ድማ” ይብል ንሱ

“ዝኾነ ሕ/ሰብ ፊልመ-ዴስነት፣ ጊላነት፣ መስፍንነት፣ ርእሰ-ማልነት፣ እናበለ ክሳብ   ማሕበርነት/ዴስነት ይምዕብል። ንሕና ኣብ መስፍነ ር/ማላዊ ስርዓተ ቁጠባ ዘለና ናይ 3ይ ዓለም ሃገራት ግን፣ ናብ ር/ማልነት ከይደየብና ብቐጥታ ኢና ናብ ማሕበርነታዊ ስርዓት ንድይብ። ምቛም ህዝባዊ መንግስቲ ብደረጃ ሃገር፣ ምቛም ህዝባዊ ባይቶታት ድማ ብደረጃ ዓዲ ነዚ ዝሕግዝ መሳልል ኢዩ።”

… ክብል ኢዩ ኣባል ህዝባዊ ምምሕዳር ተጋዳላይ ጸጋይ (ከኒሻ) ዝመሃረ። ነዚ ትምህርቲ’ዚ ዝመሃረ ጸጋይ፣ ካባና ናብ ቤት-ትምህርቲ ካድር ከም ዝኸደን፣ ካብኡ ድማ ምስ ብጾቱ ብጥርኑፍ ናብ ኲናት ባጽዕ 1977/78 ከም ዝተወስዱን፣ ንሱ ድማ ኣብቲ ውግእ ከም ዝተሰውአን ብወረ ሰሚዐ።

እዚ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ልቢ ዝርስርስ ኣስተምህሮ፣ ኣብቶም ዘይበሰለ ኣእምሮ እንውንን ክቱር ባህጊ ፍትሕን ማዕርነትን ዘለና መንእሰያት ዘሕደረልና ጽልዋ ቀሊል ኣይነበረን። ምምስራት ህዝባዊ ባይቶ እምበኣር፣ መተካእታ ናይቲ ‘መስፍናዊ’ ዝተባህለ ናይ ሚስለነን ጭቃን ስርዓተ-ምምሕዳር ጥራይ ዘይኮነ፣ ቀዳማይ መድረኽ ናይቲ ናብ ‘ናይ ተራድኦ ማሕበራትን ማሕበርነትን ዘሰጋግር መሳልል ኢዩ’። ብኸምዚ ከኣ ኣብታ ተወሊደ ዝዓበኹላ ዓዲ ህዝባዊ ባይቶ ንምትካል  ምቅርራብ ተጀመረ።

ሓደ መዓልቲ ሓደ ካብቶም ኣብቲ ዓዲ ዝነበሩ ኣባላት ህዝባዊ ምምሕዳር፣ ንጽባሒቱ ምሽት መገሻ ከም ዘለንን፣ ተዳልየ ክመጽእን ተነግረኒ። ንጽባሒቱ መሬት ጽልምት ምስ በለ፣ ከም ቆጸራይ ኣብቲ ዝተባህለኒ ቦታ ተረኺበ። ኣብኡ ምስ በጻሕኩ ድማ ወከልቲ ሓረስቶት፣ ጸቀንስትዩ ወዘተ ዝተባህሉ (ከማይ ተሓርዮም ዝመጹ) ሰባት ረኺበ። ሽዑ እቲ ኣባል ህዝባዊ ምምሕዳር “ጽባሕ ኣብ ውጡሕ ዝበሃል ዓዲ ህዝባዊ ባይቶ ክትከል ኢዩ። ንስኻትኩም ድማ ንዓድኹም ወኪልኩም፣ ኣብቲ ጽንብል ክትሳተፉ ኢኹም” ክብል ገለጸልና። ውጡሕ ኣብ ከባቢ ደቀምሓሪ እትርከብ ንእዝ ዝበለት ዓዲ ኢያ። እቶም ዓዲ ዘይወከለና ወከልቲ ዓዲ ድማ፣ በቲ ካላሽን ዝዓጠቐ ተጋዳላይ ኣባል ህዝባዊ ምምሕዳር ተሰኒና፣ ጉዕዞ እግሪ ብምሸት ተተሓሒዝናዮ። ምሉእ ለይቲ ክንከይድ ሓዲርና ንጉሆ ኣብቲ ዓዲ (ውጡሕ) ስለዝኣተና ድማ ኣጋይሽን ተኻፈልቲ ናይቲ ጽንብልን ክንከውን በቒዕና። ቀያሕቲ ዕንባባ ናይቲ ዓዲ ጽቡቕ ምርኢት ከም ዘቕረቡን፣ ጻዕዱ ዝበሃል ነዊሕ ተጋዳላይ የወሃህድ ምንባሩን እዝክር።

ድሕሪ ውጡሕ ኣብ ዓድና ህዝባዊ ባይቶ ክትከል ምዃኑ ተኣማሚንና፣ ድሕሪ’ቲ መደብ ምውድኡ፣ ነታ ብጸልማት ዝገደፍናያ ዓዲ፣ ንጽባሒቱ ለይቲ፣ ብጸልማት ሰብ ከይረኣየና ተመሊስናያ። ብኸምዚ ድማ ነቶም ድሮ ካብ ስልጣኖም ተባሪሮም ዝነበሩ ሚስለነ ናይቲ ከባቢ፣ ጭቃ ዓድን ወራዙት ሽማግለታት ዓድን ዝትክእ ህዝባዊ ባይቶ ንምትካል ምድላዋት ተጀመረ። መዓልቲ ቆጸራ ኣኺሉ ድማ ኣንስቲ ኣጊጸን፣ ሰብኡት ኣጻዕድዮም፣ ኣጋይሽ ተዓዲሞም፣ ኣብ ቅርዓት ናይቲ ዓዲ ደበልቲ ክድብሉ፣ ሰብ እምብልታ ከፋጽዩ፣ ኣጓብዝ ከበሮ ክድስቑ፣ ቀያሕቲ ዕምባባ ክዝምሩ ጀመሩ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ናይ ሓጎስን ፈንጠዝያን እዋን ከኣ ኢየን ክልተ ነፈርቲ ብሰማይ መጺአን ሓዊ ክኽዕዋልና ዝጀመራ።

እቲ ቅድሚ ቁሩብ ደቓይቕ ብሰብ ኣጊጹ ዝነበረ ቅርዓት ዓዲ፣ ብሬሳታትን ብዘእውዩ ቆልዓ-ሰበይትን መልአ። እቲ ሓጎስ ናብ ሓዘን፣ እቲ ህዝባዊ ባይቶ ድማ ናብ ህዝባዊ ሓዘን ተለዊጡ። ድሒረ ካብ ገለ ጽሑፋትን መግለጺታን ከም ዝተረዳእኩዎ ክሳብ 42 ምዉታት፣ ከባቢ 180 ቁሱላት ምንባሮም ፈሊጠ። ኣብ መንጎኦም መርዑ፣ ህጻናት፣ ቆልዑ፣ ኣረጋውያን ከምኡ’ውን ሰብኣይን ሰበይትን ካብ ሓንቲ ገዛ ምንባሮም ናይ ዓይኒ ምስክር ኢየ። እቶም ግዳያት መብዛሕትኦም ደቂ ዓዲ’ኳ እንተኾኑ፣ ተዓዲሞም ዝመጹ ኣጋይሽ’ውን ነይሮሞም።

ቅድሚ’ቲ ፍጻሜ ሓደ ዓቢ ኣቦ ናብቶም ነዚ መደብ ዘከይዱ ዝነበሩ ሓለፍቲ ህዝባዊ ምምሕዳር ቀሪቦም “ነዚ ህዝቢ ቀትሪ ምድሪ ኣብ ቅርዓት ኣኪብኩም ንበላዒ ከይትህብዎ። ኣኼባኹም መሬት ምስ መሰየ ወይ ድማ (ስሙ ነጊሮም) ኣብ በረኻ ኣግራብ ዘለዎ ቦታ ስለዘሎ ኣብኡ ግበርዎ። ሕጂ ነዚ ህዝቢ ነንገዝኡ ኣፋንዉዎ።” ከም ዝበልዎምን፣ በቶም ዝምልከቶም ሓለፍቲ ከም ዘይተሰምዑን፣ ብኡ ንብኡ ናብ ገዝኦም ኣምሪሖም ገና ኣብ ፍርቂ መንገዲ ከለዉ፣ እቲ ፍጻሜ ከም ዘርከበን ህዝቢ’ቲ ዓዲ ብሰፊሑ ከዕልለሉ ጀሚሩ። “ምኽርን ዘረባ ዓበይትን ዘይምስማዕ ንሱ ኢዩ ትርፉ…!” ዝብል ዘረባ ድማ ይደጋገም ነይሩ።

እዋኑ ክራማት 1978 ኢዩ። ገና ሓዘንና ከይወዳእና ድማ ምዝላቕ ካብ ዞባ ደቡብ ኣርከበ። ብኸምዚ ድማ ሕቶ ህዝባዊ ባይቶ ተሪፉ፣ ኩልና መንእሰያትን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን (ቀያሕቲ ዕምባባ) ተሰሪርዕና ጉዕዞ ንዓላን ዓሊ-ገደን ተተሓሒዝናዮ።

ኣውራጃዊ ፖለቲካን በሰላታቱን

ውልቃዊ ትዕዝብቲ

ታደሰ ኪዳነ በርሚንግሃም

7ይ ክፋል 16/11/2013

ሎሚ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ ክብሩ ክከላኸል ዘይክእል፣ ኣዝዩ ድኹምን ዝተበታተነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ። እዚ ሎሚ ዘሎ ምትርማስ መሰረቱ ትማሊ ኢዩ። ነቲ ናይ ትማሊ ከም ዘለዎ እንተዘይተዛሪብናሉ ድማ ጽባሕ ንኸይድገም ውሕስነት የብሉን። ፖለቲካዊ ባህሊ ህዝብና እምበኣር፣ ናብቲ ናይ ትማሊ ዘይኮነስ፣ ናብቲ ናይ ቅድሚ ትማሊ ክምለስ ኣለዎ።

ጠንቂ ናይዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ፍልልያት ድማ፣ እቲ ከተማዊ ናይ በጋሚንዶ ጠባይ ሒዙ ዝዓበየ ጉጅለ፣ ነቲ ሓቅነትን ግርህነትን ዝመለለይኡ፣ ብዙሕ ተንኮላት ዘይፈልጥ ካብ ገጠራት ዝተሰለፈ መንእሰይ ከታልል ምኽኣሉ ኢዩ።

ኣብ 6ይ ክፋል ናይ ጽሑፈይ፣ ብዛዕባ’ቲ ብጸጋይ (ከኒሻ) ዝተዋህበና ልቢ ዝርስርስ ናይ ተራድኦን ህዝባዊ ባይቶታትን፣ ብእኡ ኣቢሉ ድማ ከመይ ኢልና ናብ ማሕበርነታውን ማዕርነታውን ስርዓት ከም ንኽይድ ዝሕብር ፖለቲካዊ ትምህርቲ ገሊጸ ነይረ። እቲ ናይ ህዝባዊ ባይቶ መዓልቲ ድማ ናብ ህዝባዊ ሓዘን ከም ዝተቐየረ ኢየ ሓቢረ። በዛ ትስዕብ ሕጡበ-ጽሑፍ ድማ ኢየ ተፋንየኩም።

“እዋኑ ክራማት 1978 ኢዩ። ገና ሓዘንና ከይወዳእና ድማ ምዝላቕ ካብ ዞባ ደቡብ ኣርከበ። ብኸምዚ ድማ ሕቶ ህዝባዊ ባይቶ ተሪፉ፣ ኩልና መንእሰያትን ትሕቲ ዕድመ ቆልዑን (ቀያሕቲ ዕምባባ) ተሰሪርዕና ጉዕዞ ንዓላን ዓሊ-ገደን ተተሓሒዝናዮ።”

ኣስዒበ ብመንጽር’ቲ ሒዘዮ ዝወጻእኩ ማዕርነታዊ ትጽቢት ኣብኡ ዝጸንሓኒ ቀዳምይ ገጽ ናይቲ ፖለቲካውን ወታደራውን ሃዋህው ክገልጽ ኢየ።

ማሕበርነታዊ ኣተሓሳስባ ሰኒቐ ኢየ ኣብ ህ. ግምባር ተሰሊፈ

ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ግንባር ከም ተጋዳልይ ክጽንበር ከለኹ እምበኣር፣ ኣውራጃዊ ይኹን ዝኾነ ካልእ ፍልልይ ዘይኮነስ፣ ማዕርነታውን ማሕበርነታውን ኣተሓሳስባ ተዓጢቐ፣ ነቲ ናብኡ ንኸይንበጽሕ ዓጊቱ ዝሓዘና መግዛእታዊ ሓይሊ ‘ክድምሰስ ኣለዎ’ ዝብል ኣተሓሳስባ ስነቐ ኢየ ተሰሊፈ። ኣብቲ ካብ 10 መዓልቲ ዘይሓልፍ ናይ ሰለሙና ወታደራዊ ታዕሊም ይኹን፣ ኣብቲ ካብ ድፋዓት ዓዲገብሩ ክሳብ ግንባር ናቕፋ ዝተገብረ ትንፋስ ዘይህብ ጽዕጹዕ ወታደራዊ ግጥማት፣ ቀደም ዝፈልጦም ዓበይቲ ደቂ ዓደይ ሓለፍቲ ኮይኖም ክጸንሑኒ፣ ኩሉ’ቲ ዝሓለፉዎ ጽቡቕን ሕማቕን ተመክሮኦም ኮፍ ኣቢሎም ከዕልሉንን፣ ካብቲ ሕማቕ ክመሃር፣ ነቲ ጽቡቕ ክስዕቦ ሕውነታዊ መኽሪ ክልግሱለይን ዘይበሃግኩ ኣይኮንኩን።

ከም ገለ ምስቶም ብሓባር ዝዓበና (ናይ ሽዑ ተጋደልቲ) ኣብ እንራኸበሉ እዋን፣ “በዓል መን ረኺብካ? መን ኣበይ ኣሎ? በዓል መን ተሰዊኦም?” ወዘተ ዝብሉ ሕቶታት ቀልጢፎም ኢዮም ዝመጹ። ኣብታ ኣዝያ ሓጻር’ውን ትኹን፣ እታ ግዜ ተፍቅደልና ሓበሬታ ተለዋዊጥና ክንፈላለ ከለና፣ “በል ከይንሓምቕ፣ እዞም ኩሎም ዝተሰውኡላ ሃገር ኣባና በጺሓ ከይትኽሰፍ” ተባሃሂልና ንፈላለ።ካብቶም ቀደም ዝተሰለፉ ደቂ ዓደይ፣ መተዓብይተይ ወይ መማህርተይ ክብ ዝበለ ሓላፍነት ዘለዎ ሰብ ብኣካል ዘይምርካበይ ድማ ኣብ ኩሎም ገዳይም ተጋደልቲ ዝበጽሐ ዕጫ ኮይኑ ይስመዓኒ ነይሩ። ስኽፍታ ግን ነይሩኒ።

እቲ ናይ ምዝላቕ ውግኣት ዕረፍቲ ኣይነበሮን፣ ሓደ ክስዋእ ካልእ የርክብ። ሓደ ውግእ ድሕሪ’ቲ ካልእ ይስዕብ። ህጁማት ጠጠው ክብል ከሎ ናይ ሞርታራት ቡምባ ከም ማይ ይዘንብ። መሬት ብነፈርቲ ይቃጸል። ኣብ ጎንኻ ዝነበረ ብጻይ ዝጀመሮ ዕላል ከይወድአ ብጥይት ይምንጠል፣ ወይ ኣካላቱ ብጁላታት ይጅላዕ። ኣጆኻ ክብለካ ዝጸንሐ ንባዕሉ ጻሕ ኢሉ ክወድቕ ትርእዮ። በዚ ኩነታት’ዚ ድማ ምሉእ ኣቓልቦኻ ናብቲ ኲናትን ሳዕቤናቱን ይጽመድ። ብዛዕባ ጽባሕ ምሕሳብ ዝከኣል ኣይኮነን። ብዛዕባ’ታ ሽዓ እዋንን፣ ብዛዕባ’ታ ዘለኻያ ግዜን እንተዘይኮይኑ፣ ብዛዕባ ካልእ ግዜን ካልእ ቦታን ምሕሳብ ካብ ሓንጎል ተጋደልቲ ካብ ዝርሕቕ ነዊሕ ኮይኑ ኢዩ። ከምዚ ኢሉ ከኣ 2ይ ወራር ኣብ 1978፣ 3ይ, 4ይ, 5ይ ወራር ድማ ኣብ 1979 በብሓደ እናተተኻኽአ  ሓሊፉን ብዙሕ ህይወት ተማሊኡን ከይዱ። ድሕሪ’ቲ ብዕለት 2 ታሕሳስ 1979 ዓ.ም. ህዝባዊ ግንባር ተበግሶ ወሲዱ ነቲ ኣብ ግንባር ናቕፋ ዓሪዱ ዝነበረ ናይ ጸላኢ ሰራዊት ጸራሪጉ ኣፍዓበት ምስ ኣብጽሖ ጥራይ ኢዩ ንመጀመርያ ግዜ (ድሕሪ ምዝላቕ) ተጋዳላይ ራሓት ረኺቡ ኣብ ተዛማዲ ሰላም ዝኣተወ።

ሀ. ኣስማት ሓለፍትና ፈሊጥና፦

ኣብቲ ዝተረኽበ ግዝያዊ ተዛማዲ ናይ ሰላም እዋን (1980ን 1981ን) ከኣ ኢና ኣስማት ናይቶም ካብ ብርጌድ ጀሚርካ ክሳብ መራሕ ሓይሊ ዝነበሩ ሓለፍቲ ክንፈልጥ ዕድል ዝረኸብና። ኣብቲ እዋንቲ ዝለዓለ ኣወዳድባ ሰራዊት ህዝባዊ ግንባር ብርጌድ ኢዩ ነይሩ። እታ ኣነ ዝነበርኩዋ ድማ ‘ብርጌድ 51’ ትበሃል። ሓላፊኣ ዓሊ ኢብራሂም ኢዩ። ሰለስተ ቦጦሎኒታት ድማ ነይረንኣ። ቀዳመይቲ ቦጦሎኒ ብሚካኤል ጊለን ሓድሽ ኢፍረምን ትምራሕ። ካልኣይቲ ቦጦሎኒ ብመሓሪ ጸገዳይን ኣብርሃም ዓንዶምን (ዓፋን) ትምራሕ። ሳልሰይቲ ቦጦሎኒ ብጃበራ ሑመድን ገብርሂወት ዘሚካኤልን (ወዲ ሊቀ) ትምራሕ። እታ ኣነ ዝነበርኩዋ ሓይሊ (ሓይሊ 32) ከም በዓል ሓሰን፣ ወዲ ምርካብ፣ ወዲ ተስፋይ ዝበሃሉ ሓለፍቲ፣ ኣብቲ ኣነ ዝነበርኩሉ እዋን ጥራይ ተቐያይሮም’ኳ እንተኾኑ፣ የማነ በርሀ (ወዲ በርሀ) ግን ኣነ ካብ ዝመጽእ ኣይተቐየረን። ሰባት ካብ ‘3ይቲ ሓይሊ’ ምባል፣ ‘ሓይሊ ወዲ በርሀ’ ምባል ይቐሎም። ወዲ በርሀ ኮሚሳር ሓይሊ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣቦ ናይታ ሓይሊ እውን ኢዩ ነይሩ። ኣኼባ ዝመርሕ ንሱ፣ ህጁማት ዝመርሕ ንሱ፣ ዕላል ይኹን ጭርቃን ዝመርሕ ንሱ፣ ኣቦ ጓይላ ዝኸውን’ውን ንሱ ነይሩ።

ሕጂ’ውን ኣስማቶም ጥራይ እንተዘይኮይኑ፣ መን ካበየናይ ዓዲ ወይ’ውን ካበየናይ ከባቢ መን ክሓስቦ። ብዛዕባ ዓድን መቦቆልን ምዝራብ’ውን ኣብቲ ውድብ ‘ነውሪ’ ኮይኑ ኢዩ ጸኒሑና። ይትረፍ ናይ ካልኦት ዓዲ ምሕታት፣ ዓድኻ ምንጋር’ውን ኣብ መንጎ ዕላላት ተኣሳሲሩ ዝመጽእ እንተዘይኮይኑ ኣድላይነት የብሉን። እቶም ብሓባር ንጓዓዝ፣ ሓደ ዝሂወትና፣ ብሓባር ንስራዕ፣ ብሓባር ንበልዕን ንድቅስን ደቂ ሓንቲ መስርዕ’ውን  እንተኾነ መን ኣበይ ዓዱ ዝፈልጥ የለን።

ተጋደልቲ ይኹኑ ሓለፍቲ ክንቀፉ፣ ካብን ናብን ሓላፍነት ክቀያየሩን ክድይቡን ምርኣይ ልሙድ ኢዩ። ብዛዕባ ዓዶምን መበቆሎምን ምሕሳብ ግን፣ ኣብ ሓንጎል ናይ ኩልና ተጋደልቲ ቦታ ኣይነበሮን። ኩሉ ዕላላትና፣ እንመሃሮ ፖለቲካዊ ትምህርቲ፣ ኣኼባታትን ነቐፈታታትን፣ ኣብ ፖለቲካዊ መርገጽን ወታደራዊ ጀግንነትን ዘድሃበ ኢዩ። ሰባት ኣብ ኣኼባታት ዝምቡላት ተባሂሎም ክንቀፉን ክህረሙን ብዙሕ እዋን ርእየ ኣለኹ። ብዙሕ ካብቲ ኣብ ነቐፌታ ዝወርድ ነጥብታት ኣነ’ውን ዝፈልጦን  ዝሰማዕኩዎን ኢዩ። ኣብ ገለ ግን ኣዝዩ ኢዩ ዝገርመኒ። እቲ ተፈጺሙ ዝበሃል ነገራት መን ከም ዘወሃሃዶን ብኸመይ ከም ዝተኣከበን ንምፍላጡ ትሽገር። ኣብቲ ኣሃዱ ብኣካል እናሃለኻ፣ ኩሉ’ቲ ተገይሩ ወይ ተዘሪቡ ተባሂሉ፣ ኣብቲ ኣኼባ ዝወርድ ነጥብታት ጋሻ ይኾነካ። በዚ ድማ ሰማዒ’ምበር ተዋሳኢ ኣይትኸውንን።

ገለ ካብቲ ኣብቲ ኣኼባታት ዝወርድ ነቐፌታታት ካብቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ዝረአ ተራ ጌጋታት’ኳ እንተኾነ፣ ኣብ ገለ ግን በቶም ካድረታት ተዋዲዱ ስለዝመጽእ፣ ነቶም ዝንቀፉ ሰባት ብውሽጥኻ ትድንግጸሎም። ብኣካል ግን ትርሕቆም። ከምኣቶም ዝምቡል ከይትበሃል። እዚ ኩነታት’ዚ ኣብ ገዳይምን ምሁራትን ተጋደልቲ ዝገደደ ኢዩ። ንሳቶም ዘረባ ከይሞልቆም ይፈርሑ፣ ንስኻ ድማ ከምኣቶም ዝምቡል ከይትኸውን ትርሕቕ። ክልተኻ ትፈራራሕ፣ ኣይትዘራረብን። ነጻ ናይ ሓበሬታ ምልውዋጥ ስለ ዘይህሉ ድማ፣ እቲ ኣብቲ ኣኼባ ዝተዘርበ ነጥብታት፣ ጭብጢ ይሃልዎ ኣይሃልዎ፣ ሓቂ ኮይኑ ኢዩ ዝውሰድ። ከም ሳዕቤኑ ንጹሃት ተጋደልቲ ብመንፈስን ብሕልናን ይህሰዩ። ነቐፌታ ካብ ተራ ማኣረምታ ሓሊፉ፣ ዘዋርድ (humiliate ዝገብር)፣ ብዙሕ እዋን ምስ ዝደጋገም ድማ ዝነበረካ ጠባያት (personality) ዘለውጥ ሓያል መሳርሒ ኢዩ። እዚ ሓደ ካብቲ ኣሉታዊ ጎድኒን ሳዕቤንን ነቐፌታ ኢዩ።

ህይወት ተዛማዲ ሰላም ኣይቀጸለን። እቲ ብኽልቲኡ ወገን ብዙሕ ምድላዋት ዝተገብረሉ 6ይ ወራር ብ15 ለካቲት 1982 ምስ ጀመረ ኢዩ ኩሉ ተጋዳላይ፣ ካብ ተዛማዲ ሰላም ናብ ትንፋስ ዘይህብ ናይ ምትሕንናቕ ውግእ ዝኣተወ። እቲ ኲናት ካብቲ ንዕኡ ተባሂሉ ዝተዃዕተ ድፋዓት ወጻኢ፣ ኣብ ቃልዕ፣ ድፋዓት ዘይተገብረሉ ቦታታት ስለዝተኻየደ፣ ነዊሕ ግዜን ብዙሕ ሰብን በሊዑ ኢዩ ሓሊፉ። ኣነ’ውን ኣብቲ ብስም ወፍሪ ቀይሕ ኮኾብ (የቀይ ከኮብ ዘመቻ) ዝተጀመረ መጠነ ሰፊሕ ኲናት (6ይ ወራር) ዘፍ ምስ በለ ኢየ፣ ካብቲ ኣብቲ ውግእ ዘጋጠመኒ መውጋእቲ ሓውየ ዝተመለስኩ።

ብርጌድና (ብርጌድ 51) ኣብቲ ሓድሽ ዝተኸፍተ ጸጋማይ ግንባር ናቕፋ፣ ጎዳጉዲ ክትኩዕት ኢየ ኣርኪበያ። ማእከላይ እዚ ናይቲ ብርጌድ ኣብ መንዳዓት ኮይኑ፣ ቦጦሎንና (ቦጦሎኒ 3) ንስሙር ግንባርን ቦሊቦልን ዝበሃል ቦታታት ትቀጻጸር። ሽዑ ‘ብርሃነ ጸሃየ’ ዝበሃል መራሕ ብርጌድ ምስ ዓሊ ኢብሪሂም ተመዲቡ ነይሩ። ሓይልና (ሓይሊ 32) ነቲ ‘ማይ ብኻላሽን’ ዝበሃል እንኮ ዝስተ ማይ ዘለዎ ቦታ ተቖጻጺራ፣ ኣብቲ ‘ስሙር ግምባር’ ዝበሃል፣ ናብ ውሽጢ መስመር ጸላኢ ኣጸቢቑ ዝኣተወ ቦታ ሒዛ ኢያ ጸኒሓትኒ። ነዊሕ ከይጸናሕኩ ድማ “ነብሲ ወከፍ ብርጌድ ናይ ገዛእ ርእሳ ሃንደሳ ክህልዋ” ስለ ዝተደልየ፣ ካብ ነብሲ-ወከፍ ሓይሊ ሓሓደ ሰብ ተሳሒብና። ኣብ ጠናስ ዝበሃል ኣብ ከባቢ ናቕፋ (እምባልቆ) ዝርከብ፣ ጥዑም ዝስተ ማይ ዝርከቦ ስንጭሮ፣ ናይ መሃንድስነት ትምህርቲ ወሲድና። ድሕሪ ስልጠና፣ ሓደስቲ ሰባት’ውን ተሓዊሶሙና፣ ብደረጃ ጋንታ ተወዲብና፣ “ጋንታ ሃንደሳ” ተባሂልና ድማ ንኹሉ’ቲ ብማእከላይ ሃንደሳ ናይቲ ውድብ ተዘሪኡ ዝነበረ ነቶግቲ እናዞርና ተረከብናዮ። ብኡ ንብኡ ድማ፣ ጸልማትን ግመን ተጎልቢብና ቅድሚ ድፋዓት እናኣተና ተወሳኺ ነተግቲ ኣብ ምዝራእን ኣብ ምቅይያር ናይቲ ቅድም ዝተዘርአ ነተጉትን ተዋፊርና።

ለ. ቀዳማይ ትዕዝብቲ፦

ብእቲ እዋን 1982/83 ዓ.ም ኮይኑ፣ ህዝባዊ ግንባር ንመጀመርያ ግዜ ብሃገራዊ ጻውዒት መንእሰያት ከሰልፍ ዝጀመረሉ እዋን’ዩ። እዞም ብሃገራዊ ጻውዒት ዝተሰለፉ መንእሰያት ዝኾነ ጉርሒ ዘይብሎም፣ ዳርጋ ኩሉ ዕላሎም በቲ ክስለፉ ከለዉ ዘጋጠሞም ጸገማት ዝተዓብለለ ኢዩ። ኣብ ገለ እዋን መበገሲ ቦታና፣ ኣብ ድሕሪት ማለት ካብ ድፋዓት ፍንትት ዝበለ ስለ ዝኸውን ድማ (ብፍላይ ምሸት) ካብ ቀጻሊ ዋርድያን ምቁጽጻር ድምጽን፣ ብዘይ ስኽፍታ ከነዕልልን ክንስሕቕን ንኽእል ነይርና። ብእኡ መጠን ድማ ምስ ተጋደልትን ሓለፍትን ናይቲ ብርጌድ ክንፋለጥን ከነዕልልን ክኢልና።

 

ኣብዚ እዋን’ዚ እምበኣር ኢዩ፣ ዕላል ብገለ ምስ መጸ ናይቶም 6ይ ወራር ቅድሚ ምጅማሩ (ኣብ ከባቢ ሕዳይ ከለና) ኣብቲ ብርጌድ (ብርጌድ 51) ዝነበሩ ሓለፍቲ ቦጦሎኒ መበቖል ዓዲ ክንፈልጥ ዝኸኣልና። ዓድታቶም ድማ ከምዚ ዝስዕብ ኢዩ።

 

 

  1. ቦጦሎኒ ሓደ =  ኣዛዚ  ►ስዉእ ሚካኤል ጊለ (ወዲ ጊለ)  = እምባደርሆ

 

ኮሚሳር ►ሓድሽ ኢፍረም (ሕጂ ብር/ጀነራል) = ዓዲ ንፋስ

2.  ቦጦሎኒ ክልተ = ኣዛዚ  ►ስዉእ መሓሪ ጸገዳይ (ወዲ ጸገዳይ)  = እምባደርሆ

ኮሚሳር ► ኣብርሃም ዓንዶም (ዓፋን) (ሕጂ ብ/ጀነራል = ዛገር

3.  ቦጦሎኒ ሰለስተ = ኣዛዚ ►ጃበራ ሑመድ (ሎሚ ኮሎኔል) = ዓዲ-ሹማ (ከባቢ ጊንዳዕ)

ኮሚሳር ► ገብርሂወት ዘሚካኤል (ወዲ ሊቀ) (ሎሚ ብ/ጀነራል)=

እምባደርሆ

4.  ስዉእ ዓሊ ኢብርሂም ►ኣዛዚ ብርገድ 51 = ካብ ሳሆ፣ ዓዲ-ቀይሕ (ኣከለጉዛይ)

5.   ብርሃነ ጸሃየ   ► እንዳ ደቆ (ኣከለጉዛይ) ኣዛዚ ብርገድ 51 (ድሕሪ 6ይ  ወራር ካብ ሕክምና ምስ ተመለስኩ ምስ ዓሊ ዝጸንሓኒ … ነይሮም።

ነዚ ዝርዝራት’ዚ ክንፈልጥ ዝኸኣልና፣ ገለ ካብቶም ዝመጹና ሓደስቲ መንእሰያት፣ ካብቲ ከባቢ ስለ ዝነበሩ “እዚ እገሌ ዝበሃል ሓላፊ’ኮ ወዲ ዓድና ኢዩ! እገሌ’ውን ኣብዚ ኢዩ ዓዱ…” እናበሉ ብነጻ ከዕልሉ ብምኽኣሎም ኢዩ። ብርግጽ ኣብ እዋን ወይ ድሕሪ 6ይ ወራር ገለ ምቅይያራት ነይሩ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ካብ ሕክምና ደንጒየ ስለዝመጻእኩን፣ ድሕሪኡ’ውን ቀልጢፈ ንናይ መሃንዲስ ስልጠና ስለ ዝኸድኩን፣ ብኡ ንብኡ ድማ ቀልጢፉ ሰላሕታ (7ይ) ወራር ስለዝጀመረን ግን ሕጂ ንኹሉ ዝርዝራት ክዝክሮ ኣይክእልን። ሓድሽ ኤፍረም፣ ወዲ ሊቀን ካልኦትን ግን፣ ገና ኣብ ኣብቲ ዝነበርዎ ቦጦሎኒታት ኢዮም ነይሮም።

ስለዚ ካብቶም ኣብ 1979/81 ኣብ ብርጌድ 51 ዝነበሩ 6 ሓለፍቲ ቦጦሎኒታት፣ ንጃበራ ገዲፍካ (ኣማኒ ምስልምና)፣ እቶም 5 ደቂ ሓደ ከባቢ (ካርነሽም) ነይሮም። እዚ ኣወዳድባ’ዚ ነቲ ኣብቲ እዋን’ቲ ዝነበረ ናይ ተጋደልቲ ተወፋይነት፣ ደረጃ-ትምህርቲ፣ ግድምናን ካልእን ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ‘ምኽኑይ ይገብሮ ኢዩ’ ዝብል እምነት ሓዲሩኒ ኣይፈልጥን።

ሽዑ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ሂወተይ “ስለምንታይ ክንድዚኦም ዝኣኽሉ ተወለድቲ ናይ ሓደ ከባቢ ጥራይ ሓለፍቲ ቦጦሎኒ ክኾኑ ኪኢሎም?” ዝብል ሕቶ ክመላለሰኒ ጀሚሩ። ምስቲ ክስለፍ ከለኹ ሒዘዮ ዝወጻእኩ ሃገራዊ፣ ማዕርነታውን ሓባራውን ኣተሓሳስባ ዝጠዓዓም’ውን ኣይኮነን። እዚ ግን ንበይንኻ ብውሽጥኻ ትሓስቦ’ምበር፣ ምስ ካልኦት እተዕልለሉ ወይ ኣብ ኣኼባታት እትሓተሉ ኣይኮነን። ከምኡ ኢልካ ምሕታት ድማ ብህይወት’ውን ከሕትት ዝኽእል ካልእ ዓቢ ዝምባሌ ኢዩ።

 

 

… ይቕጽል

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...