ተስፋማርያም ተስፋልደትዲሞራሊዛሽን በቲ ዝውቱር ናይ ውግእን ወይ ኲናትን ሃገራዊ ጸጥታ ትሕዝትኡ፣ ሓደ መስርሕ ኣብ ስነ-ኣእምሮኣዊ ኲናት ንምብሕጓግ ሞራል እቲ ኣብ መንጎ ተቓለስቲ ጸላእን ወይ ዘይተቓለስትን እዩ። ዕላምኡ ከኣ እዞም ሓይልታት ክሃድሙ፣ ክማረኹ ወይ ክገድፍዎ ኣብቲ ግጥም ካብ ዝሰዓሩን ዝኣስሩን ንምትብባዕ እዩ።

እዚ ኾይኑ እቲ ዝውቱር ትርጉም ናይ ዲሞራሊዘሽን፣ ኣብዚ ቀጺልና እንርእዮ ግን ዘይምርድዳእ ክህሉ ይኽእን እዩ። ምኽንያቱ ብፍላጥ ቃላት ትርጉሞም ብምግጋይን ንሓቂ ብግጉይ ርድኢታትን ጠምዚዞም ብከም ብዲፕሎማት፤ ትምህርቲ፤ ስነ ጥበባዊ (ተዋሳእቲ ሰኣልቲ ደረፍቲ) ጋዜጠኛ፤ ካልኦትን ተጎልቢቡ ዝስራሕ ስለ ዝኾነ። እዚ ብሕቡእን ብውዲትን ሕጋዊ መሲሉ ወይ ብሕጋውነት ተጎልቢቡ ስለዝግበር ከተቅልበሉ ብዙሕ እዋን ቀሊል ኣይኮነን። እንተ ደኣ ብግዜ ንድሕሪት ተመሊስና ኣስተንቲና ርኢናዮ ግና ኩሉ እቲ መስርሕ ንጹር እዩ።

ኣገዳስነት ምራላዊ ስነ-ምግባር ንዝኾነ ወልቀሰብ፣ ስድራቤት፣ ዓሌት፣ ማሕበራዊ ጉጅለ፣ ሃይማኖት፣ ሃገር፣ ማሕበርሰብ ዓለምን ኣብ ኩሉ ዓይነት ትካላትን ካልእን ኣድማሳዊ ብሓፈሻ ተደላይ ምዃኑ ብሩህ እዩ። ግን ነዚ ብዝተፈላለየ መንገድታት ዘዕኑን ዝጻረርን ሓይሊ ወይ ኣካል ኣብ ኩሉ ሕብረተሰብ ብደገ ይኹን ብውሽጢ ኣሎ።

ዲሞራሊዛሽን ከም ንቡር ብናይ ደገ ሓይሊ እዩ ኣብ ሓንቲ ዕላማ ዝኾነት ሃገር ዝፍጸም። እቲ ዘገርም፣ እቲ ወትሩ ብዘይሕጋውያን ስርዓታት ብህዝቢ ዘይተመርጹ ተሓታትነት ዘይብሎም፣ ዕምሪ ስልጣኖም ጥራይ ንምንዋሕ ባዕሎም ብመጽናዕቲ ኣብ ልዕሊ ‘ህዝቢ’ ዝገብርዎ መስርሕ ምዃኑ እዩ። ከይሓፈሩ ከኣ ብግልጺ ብካልኦት ሃገራት ወይ ብናይ ካልኦት ሃገራት ናይ ጸጥታ ትካልት ከም ዝግበር ዓው ኢሎም ዝዛረቡሉ ምዃኑ እዩ። እዚ ግን ሓሶት እዩ ምኽንያቱ ኣብ ሓንቲ ብኩሉ ዕጽውቲ ሃገር፣ እዚ መስርሕ እዚ ብደገ ክፍጸም ፈጺሙ ኣይከኣልን እዩ።

እዚ ነዊሕን ህዱእን ሓደገኛ መስርሕ ዲሞራሊዛሽን ይብሃል። ፈላማ ነቶም ሞራላውን ስነ-ምግባራውን መትከላት ቀጺሉ ንማሕበራዊ ክብርታት ብዕላማ ምጥፋእ ወይ ምሕጻብ ሓንጎል እቲ ሕብረተሰብ ዲሞራላዝ ምግባር ማለት እዩ። ብሓጺሩ እዚ ብመደብ ምዕናው ሃይማኖት፤ ትካላት ትምህርቲ፤ ማሕበራዊ፤ ቁጠባ እታ ሃገር የጠቃልል።

ንሓንቲ ሃገር ዲሞራላዝ ንምግባር ካብ 15-25 ዓመታት ይውስድ ይብሃል ዘሰንብድ ኢዩ። እዚ ማለት ሓደ ወለዶ ንምምሃር ንምህናጽ፣ መንነትን ስነሓሳብን ድሌትን ተረከብቲ እቲ እከይ ተግባራቶም ንምምልማል እዩ። ኣብ መወዳእታ ነቲ ባዕሎም ዝፈጠርዎ ጸገም ዘይርጉእ ኩነታት ፈታሕቲ ኮይኖም ብዙሓት ካብዞም ሓደስቲ ብገለ ቅልቅል ቅልቅል ይብሉ።

ዲሞራሊዛሽን ቀጺሉ ዕግርግር ወይ ቅልውላው ስዒቡ ምርግጋእ፣ መወዳእታ ሓደ ስልጣን ይሕዝ፣ ምርግጋእ ኮይኑ ድማ ይብሃል። እቶም ካልኦት ይእለዩ ዝበዝሕ ግዜ ይቅንጸሉ!

ዲሞራሊዘሽን ቅልውላው ምርግጋእ ~~~ demoralization destabilization normalization

እዚ ምብራስ እቶም ማሕበራዊ ክብርታት፣ ማለት ምብትታን ሰባትን ማሕበረሰብን ካልእን፣- ብሃይማኖት፤ ትምህርቲ (ስነሓሳብ)፤ ማሕበራዊ ናብራ፤ ምምሕዳር፤ ቁጠባ፤ ሕግን ስርዓትን፤ ዝኣመሰሉን የጥቃልል። እቲ መስርሕ ፈለማ ከምዚ ዝስዕቡ ይጅመር።

1. ኣብ ሃይማኖት ምትእትታዉ ምግባር

ብሓፈሻ ነፍስወከፍ ሃይማኖት ናቱ መንፈሳዊን ንጹር ስነሓሳብን መምርሕን ትካላትን (ቤተክርስትያን ወይ ቤት ጸሎታት፣ መሳጊድ) ኣለዎ፣ እዚ ከኣ ብባህልን ብልምድን ከቢሩን ተሓልዩን ዝወራረስ እዩ። ናይ ዝኾነ ሃይማኖታት ግደ ድማ፣ እምነት ኣብ ፈጣሪ፤ ነቶም ማህበራዊ ክብርታትን፤ ቅንዕና፤ ፍቅሪ፤ ሰላም፤ ሕልና ምግባር፤ ካብ ፍቅሪ ነገራውነት ነብስካ ምዕጋት፤ ካልእን ንህዝቢ ምምሃር እዩ።

እዚ ብልክዕ ምስ ኩሉ ኣድማሳዊ ክብርታት ወድሰብ ዝሳነ እዩ። ስለዚ፣ ብዘይሕጋውያን ስርዓታት ከም ተጻይ ተራእዩ ወትሩ ምትእትታውም ጸቕጥን ይግበረሉ። ቀጺሉ ከኣ ምግፍዕ፤ ምዝላፍ፤ ምስዳድ ይስዕብ። ወይ ከም መሳርሕን መጋበርያን ክጥቀለሉ ይፍትን።

ዕላም እዚ ነቲ ናይ ሰባት እምነት ንምዝንባልን ብመደብ ናብ ካልእ ኣንፈት ንምእላይ እዩ።

ሓደ ዓቢ ኤርትራዊ ምሁር፣ ካብ ኣመሪካ ናብዚ ናይ እስራኤል ተራድኦ ዘሎ ወዱ ክርኢ ምስ መጹ፣ ተራኺብና ኣብ ዕላልና እዚ ዝስዕብ ነገሩኒ። ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ሓደ ዓቢ መራሒ ሃይማኖት (ስሞም ዓቂበዮ ኣለኹ ብሂወት’ውን የለውን)፣ ንተጋደልቲ “ማሕበርነታዊ ኣተሓሳስባ ኣየድልን እዩ፣ ኣቦታትና ቀደም ዲሞክራስያውያን ኔሮም እዮም” በሉዎም።

ከምቲ ጆርጅ ኦርወል። “ንሓደ ህዝቢ ምጽናት፣ እቲ ዝቐለለን ዕውትን ብልሓት፣ ታሪኹ ከም ዘይፈልጥ ምግባር እዩ” ዝበሎ እዩ።

ንኣብነት፣- ዝኾነ ኤርትራዊ ዝፈልጦን ዝርእዮን ዘሎ ሓቂ፣ እቶም ዓበይቲ ሃገራዊን ሃይማኖታዊን በዓላት ብከመይ ኣበይን ጽምብል ወይ ወግዒ ይካየዱ ኣለዉ፧ እንታይ መልእኽቲ ከ የመሓላልፉ ኣለዉ፧ መነ መን እዮም ኣብኡ ዝረኣዩ፧

2. ኣብ ትምህርቲ

ትምህርቲ እቲ ቀንዲ መመልመሊ መንእሰይ ብኡ ጌርካ’ውን ማሕበረሰብ ስለ ዝኾነ፣ ኣብ ክንዲ ነቲ ማህበራዊ ክብርታት ዘማዕብሉ ዓውደ ትምህርትን ሳይንስን ዝምህራ ትካላት ምትብባዕን ምስፋሕን፣ ካልኦት ሓደስቲ ሃናጺ ወይ ረብሓ ዘይብሉ ስነሓሳባት ዘቅርባ ትፈጥሩ። እዚ ነቲ ማሕበራዊ ክብርታት ዝድምስስን ዘብርስን እዩ።

መንእሰይ መቀጸልታ ናይ ወሎዶ ስለዝኾነ፣ ሓላፍነት መሪሕነት ክወርስን ክርከብን ዝግብኦ እዩ። “እቲ ንመንእሰይ ዝወነነ ንመጻኢ ይውንን’’ ይብል ጆርጅ ኦርወል።

እቲ ክቡር ባህልን ልምድን ንምብራዝ ኣብ ክንዲ እቲ ሓቀኛ ስነጥበብ ትርጉም ዘይብሉ ጓይላን ድናኬራን ኣነዋሪ ጽዩፍ ልምድታት ጥራይ ምምዕባል።

ንኣብነት፣- ኩሎም ስነጥበባውያን ደረፍቲ ሰኣልቲ ጸሓፍቲ ገጠምትን ክልኦትን ነቲ ኣብ ስልጣን ስርዓት ዘርብሕ ጥራይ እንተኾይኑ ይፍቐዶም። ንህዝብ ዝምህርን ነጻ ንተፈጥሮም ሓቅን ማሕበራዊ ናብራ ዘንጸባርቕ ትሕዝቶ ዘሎው ይእገድ፣ እቶም ብሓቂ ስነጥበባውያን ይሕየሩ ይስደዱን ካልእን።

እቲ ቤትምህርቲ ወትሩ ብቑዓት ተማሃሮን መማህራንን ንዋትን የብሉን። እቲ ስርዓተ ትምህርቲ እንተ ንጽቡቕ ወይ ንሕማቕ ክንደይ ሳዕ ዘይተቐየረ።

ንኣብነት፣- እታ እንኮ ዩኒቨርስቲ ተዓጽያ ሎሚ ኣብ ዝኾነ ዘይረብሕ ፊልም መውስኢት ኮይና ኣላ። ክልኦት ብዘይ መደብ ብቅዓት ዘይብለን ተሃኒጸን ይብሃል። እቲ ሓቂ ግን ካልእ እዩ።

ኮለጅ ተክኖሎጂ ማይ ነፍሒ - ንስሙ ልዕሊ 50 ዓውደ ፍልጠት ኣለዋ፣

ኮለጅ ሕርሻ ሓመልማሎ - ቤተ-ምርምር ዘይብሉ ስነፍልጠት ክምህሩ ይፍትኑ።

ኮለጅ ንግዲ ዓዲ ቀይሕ - ህንጻ ጥራይ ንዋት።

3. ማሕበራዊ ናብራ

ነቲ ቀንዲ ብባህላዊ ልምድታት ዝቆመ ባእታታት (ሕግን ስርዓትን፤ ልምዲ፤ ያታ፤ ወግዒ) ብናይ ሓሶት ትካላት ምቅያር፣ ነቲ ብተበግሶን ብሓላፍነትን ውልቀሰባት ወይ ጉጅለታትን ዝዕመም ምሕዳግ፣ ነቶም ብባህላዊ ዲሞክራሲ ዝተመርጹ ወይ ዝተወከሉ ብናቶም ሰባት ምትካእ፣ ኣብ ክንዲ ማሕበራዊ ሰራሕተኛታት፣ እቲ ማሕበረሰብ ዘይኮነ እቲ ውድብ ዝብልዎ ዝከፍሎም ካድራት ምምስራት። ነዞም ካድራት እቲ ቀንዲ ዘገድሶም ጉዳይ ማሕበራዊ ከም፣ ስድራቤት፤ ዕርክነት፤ ሕውነት፤ ጎረቤትን ኣይኮነን፣ እንታይ ደኣ እቲ ደሞዞም ጥራይ። ካድረታት ወትሩ ብዙሕ ነገራት ይገብሩ እሙናት ኣገልገልቲ ንክበሃሉን ዝያዳ ሓለፋን ስልጣንን ንክረኽቡ።

እቲ ሕክምና ናይ ኣፋውስ ቐረብ ብዓትን ሰብ ሞያን የብሉን። ነዳዲ ንናይ ብሕታዊ ትካላት የለን። እቲ ንስሙ ጥራይ ፓርቲ ኣብ ትሕቲ እቲ ስርዓት ነቲ መሬት፣ ማይን መግብን፣ ቐረብ ነዳዲ ናይ ኩሉ ይውንኖ።

4. ኣብ ምምሕዳር

ምእዛዝ ንሰበስልጣን ሓደ መሰረታዊ ውዕል ክራይ ናይ ዝኾነ ሰብኣዊ ማሕበራዊ ማሕበር እዩ። ብሓሳብ ነፍስወከፍ ማሕበረሰብ ስመሳሰል መስርዕ ውሑዳት ውልቀሰባት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ብገለ ደረጃ ሓላፍነት ከተግብሩ ኣማዕቢሉ እዩ።

ንኣብነት፣- መማህራን ኣብ ልዕሊ ተማሃሮኦም ሓላፍነት፣ ሓለፍቲ ፕሊስ ኣብ ልዕሊ ኣባላት እቲ ህዝቢ ሓላፍነት ኣለዎም። ብመሰረቱ፣ ሓደ ማሕበረሰብ ብዘይ ከምዚ ዓይነት ኣሰራርዓ ክሰርሕ ምሕሳብ ከቢድ እዩ።

ብባህልን ልምድን ሃገርና ሓደ ማሕበረሰብ መሪጹ ወይ ወኪሉ መራሕቲ ወይ ኣመሓዳርቲ ኣብ ኩሉ ጽፍሕታት ይሸይም እዩ። ኣብዚ እዋን ዝተመርጹ ሰባት የለውን። ዝኾነ ሰብ ዘይመረጾምን ዘይፈልጦም ይትኽኡ። ደረት ዘይብሉ ሓላፍነት ወይ ስልጣን ከኣ ይሕዙ። ግን ናይ ህዝቢ ድሌትን ሓላፍነትን ብቅዓት’ውን የብሎምን።

ኣብቲ ቐንዲ መራኸቢ ማዕከናት መተሓላለፊ ሓቀኛ ሓበሬታ ስለዝኾነ፣ ንምዝንብዑ ብቑዕ ጋዜጠኛ ሞራላዊ ስነ-ምግባር ዘይብሎም፣ ዝተባህልዎ ዝገብሩ ገንዘብ ወይ ረብሓ ጥራይ ዘገድሶም ሰባት ምቅማጥ፣ ምቁጽጻር ማዕከን ዜና ወትሩ ኣሎ። ስለዚ እቲ ህዝቢ ሓቀኛ ሓበሬታ ኣይረኽብን። እቲ ንሶም ዝደልይዎ ወይ ንዕኦም ዝጠቅም ጥራይ ይዝርጋሕ። ኣየናይ ጽቡቅ ኣየናይ ሕማቕ ከኣ ይውስኑ። ንኩሉ ኣእምሮን ኣተሕሳስባን ሰባት ከኣ ይቆጻጸሩ።

ናይ ስልጣን ቅርጺ ቀስ ኢሉ ብቅዓትን ክእለትን ከምኡ’ውን ውክልና ወይ ኣፍልጦ ህዝቢ ብዘይብሎም ሰባት ይብሕጎግ። ካልኦት ደልዮም ስለዘቐምጥዎም ግና ስልጣን ኣለዎም።

ኣብነት፣- ኣብ 2002-2004 ሓደ ናይ ህሳብ ምሩቕ ኣባል ሃገልግሎት ኣብ ምኒስትሪ ዜና ይምደብ፣ ሽዑ ኣብ መደብ ኣስመራ ኣንዚ ሰሙን እዚ ይምድብዎ። “ኣነ ሕሳብ እየ ተማሂረ ኣብዚ ክሰርሕ ኣይኽእልን” ምስ በሎም። “ንሕና እውን ተባሂላን ኢና ስቅ ኢልካ ዝተበሃልኻዮ ትገብር” በሎ ዓሊ ዓብዱ።

ከምኡ’ውን ብሓቂ ዝተገብረ፣ ቀጠር ገለ ስልጠና ክትህብ ሰብ ምስ ሓተተቶም ሰባት መምዮም፣ ክምለሱ ይኽእሉ ዶ ኣይኽእሉን ኢዩ እኾ እቲ ቅጥዒ። ኣብ መወዳእታ ንሓደ ዝኣምንዎ መራሕ መኪና ሰዲዶም።

5. ኣብ ሕግን ስርዓትን

ኣብዚ’ውን ብተመሳስሊ ናይ ስልጣን ውክልና የሎን። እዚ ስልጣን ከም ሃርም (ፒራሚድ) ዝቀርጽ ዘይሕጋዊ ስርዓት ብቐንዱ ብሕግን ስርዓትን ስለዘይምራሕ፣ እቲ ጽቡቕ ባህልን ልምድን ይፈርስ። ገበን፣ ብልሽውና ይዕንብብ። ሓደ በዓል ሓላፊ ናይ ፖሊስ ዋላ ሓንቲ ስልጣን ወይ ዓቅሚ የብሉን ብኣንጻሩ ይነዓቅን ይዋረድን። እቲ ክቡር ባህላዊ ልምዲ ኣጥፊኡ ብዘይሕጊ ደረት ዘይብሉ ይዕንድር። ስዒቡ ኩሉ እቲ ብሉጽ ማሕበራዊ ክብርታት ምጥፋእ ይዕብ። ንሓደ ገበነኛ ኣይኮነን ጅግና እዩ ይብሃል። እቲ ‘ኣይትቅተል’ ዝብል ኣድማሳዊ ብባህላዊ ተዛማድነት ይረአ።

ክንደይ ሰባት እዮም ንጹሃት መንእሰያት ቀቲሎም ስልጣንን መዓርግን ከም ሞሳ ወይ ጻማ ተዋሂቦም ዘለዉ። ኣብዚ ብዙሕ ኣስማት ክዝርዘር ይከኣል ግን እንታይ እሞ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ።

ብምርጫ ወይ ብውክልና ዝመጽእ በዓል ስልጣን የሎን፣ ብሕርያ ወይ ባዕሎም ምቅማጥ ጥራይ።

ከንቲ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ፣ ኣዝዩ ብዙሕ ውዕዉ ጽንብል በዓላት ኣሎ። ሓደ ጽንብል መግለጺ ሓደ ጽቡቅ ድሌት ደገፍ እዩ። እቲ እኩብ ህዝቢ ተሳታፊ ወይ ዕዱም ነቲ ዕላማ ወይ ውጽኢት ናቲ ፍጻሜ፣ ሓጎሱን ደገፉን ምትሕብባሩን ብግልጺ ዘርእየሉ እዩ። እዚ ካብቲ ዝነኣሰ ውልቃዊ በዓል ልደት፤ ጥምቀት፤ ዝኽሪ ዓመታት ምስግጋር ደረጃ ትምህርቲ ወይ ዓውደ ሞያ፤ … ክሳብ ሕጸ፤ መርዓ፤ ንግደት፤ ዝኽሪ ሃይማኖታውን፤ ሃገራውን በዓላት … ኣሎ። ኣብዚ ኣብ እስራኤል ዘሎ እ መግለጺ የብለይን ይበል ዓይኒ ጸላኢኹም ይደፋእ እዩ ዘብል።

ካብዚ ኩሉ እቲ ኣብ ኩሉ ሃገራት ዝለዓለ ናይ ህዝብን መንግስትን ቃል ኪዳን ወይ ውዕል፣ እቲ ብምርጫ እተዓወተ ወይ ዝሰዓረ ብግልጺ ነቲ ዝኣትዎ ዘሎ ረዚን ሓላፍነት ምምሕዳር ምምራሕ መንግስቲ፣ ብቅንዕናን ብምምእዛዝ ልዕልና ሕግን ከም ዝሰርሕ፣ ነቲ ወትሩ ዋና ስልጣን ዝኾነ ህዝቢ ብማሕላ የረጋግጽ። ህዝቢ ዓወቱን ሓጎሱን ደገፉን ብግልጺ ይገልጽ። ኣብዚ ህሞት እዚ ልደት መንግስትን ተቃውሞን ኣሎ። ከም ንቡር እቲ ኣብ ግዜ ምርጫ ዝነበረ ውድድርን ወጥርን ተሪፉ፣ እቲ ዝሰዓረ ንህዝቢ የገልግል። እቲ እተሳዕረ ድሌት ዝበዝሓ ህዝቢ ተቀቢሉ ግዜኡ ይጽበ።

ሕማቕ ዕድል ኾይኑ፣ ኤርትራውያን መንግስቲ ተቃወምቲን ኣየቆምናን፣ ግና ቅዋም፣ ናይ ምርጫ ሕግታት፣ ናይ ፓርቲ ሕግታት የለን።

6. ኣብ ቁጠባ

ኣብዚ እዋን እዚ፣ ነቲ መሰረታዊ ናይ ጥንቲ ንብረት ብዓይነት ምልውዋጥ ኣምር ወይ ልምዲ የጥፋኦ። ነቲ ንቡር ዝተተሓሓዘ ነጻ ብሓቂ ርትዓዊ ባህርያዊ ልምዳዊ ኣካይዳ ምዕጋት ንኩሉ ምቁጽጻር ይጅመር።

ንኣብነት፣- ሓደ 10 ኣባጊዕ ዘለውኦ ሰብ ምስ ካልእ 4 ኩንታል መሸላ ዘለዎ ሰብ ክለዋወጥ ይኽእል።

ሎሚ ኩሉ ፍርያት እቲ ስርዓት ብሕሱር ይወስዶ ይእክቦ። ብዝደለዮ ዋጋ ምኽንታቱ ውረድ ደይብ ምባል ነጻነት ካልእ ኣማራጺ የለን። ኣብ መወዳእታ ብርትዓዊ ዝብሎ (ብርግጽ ብኽቡር ኢዩ) ተመሊሱ ንማሕበረሰብ ይዕድሎ።

እዚ ከኣ፣ እቲ ስርዓት እተን 10 ኣባጊዕን ነቲ 4 ኩንታል መሸላ ካብ ሰባት ብሕሱር ወሲዱ ድሕሪ ቁሩብ እዋን፣  5 ኣባጊዕ ብ 2 ኩንታል መሸላ ንሰባት ይሸይጥ። ዋላ ነቶም ዝሸጥሉ ኣማራጺ የለን!

ብሓረስቶት ኣብ ቃጽዖ ግራውቶም ዝዘርእዎ ስገን ንመስርሒ ቢራ ተባሂሉ፣ ካብ ዓውዲ ይውሰድ እቲ ዋግኡ ድማ ደሕሪ ገለ ኣዋርሕ ይወሃቡ ኣለዉ።

ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ሓንቲ ከረጺት ንላዕሊ ጥረ እኽሊ ካብ ሓደ ኣውራጃ ናብ ካልእ ምሕላፍ ነውሪ ኾይኑ ኣሎ።

ኣብ ዝዓበኩሉ ከባቢ ጨው ካብ ሓደ ከባቢ ናብ ካልእ ወሲድኻ። ብዝተፈለዩ ኣእካል ማዕረ ወይ ብክልተ እቲ ጨው እዩ ዝኸበረ ይልወጥ ነበረ። ነጻ ዕዳጋ ኣቦታትና ዝፈልጥዎን ዝሰርሕሉን ወትሩ ዝነበረ እዩ፣ ሓድሽ ስነሓሳብ ኣይኮነን። እዚ ምእኩል ቁጣባ ጥራይ እዩ ሓድሽን ዘይቆዱን።

ኣብ ክንዲ ነንሕድሕዶም ከከም ዝደልይዎ ብነጻ ዝለዋወጠ ኣይፋል ንዓይ ሃቡኒ ኣነ ከከም ኣድላይነቱ (ዝደለኹዎ) ይዕድለኩም ይብሃሉ። ማዕርነት ማዕርነት ማዕርነት ተባሂሉ ኣብ መወዳእታ ንኩሉ ብድኽነት ማዕረ ይኸውን። ብዘይካ እቶም ቁንጣሮ ዝያዳ ማዕረ ዝኾኑ ካድረታት።

ከምቲ ጆርጅ ኦርወል ዝበሎ “ኩሎም እንስሳታት ማዕረ እዮም ገለ እንስሳታት ግና ካብ ካልኦአ እንስሳታት ዝያዳ ማዕረ እዮም።”

እዚ ናይ ኮሚንስት ስነሓሳብ እቶም ዋናታቱ ድሮ ገዲፎሞ የመሓይሽዎ ኣለዉ ምኽንያቱ ስለዘየርብሕ።

ስለዚ፣ ማሕበራዊ ናብራ ይጽንክር፣ እኩል ቐረብ የሎን፣ ነጻነት ንምቅስቃስን እተነፍገ ህዝቢ ናብ ምትፍናን የምርሕ። ዝምድና ኣስራሕን ሰራሕተኛን ይሕርፍፍ ካልእን።

እወ ዘረባ ሰባት ኣይሰምዑን እዮም

ቅልውላው ወይ ዕግርግር

ኣብ ኩሉ ማሕበራውን ቁጠባውን ወጥሪ ይስዕብ፣ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ክንዲ ሃናጺ ዝርርብን ስምምዕን ናብ ክስን ባእስን የምርሕ። ሸለልትነትን ግዜን ብንረት ብከንቱ ምብኽንን፣ ኣስራሕን ሰራሕተኛን ኣብያን ምሕሳንም ይዝውተር።  እቲ ንቡር ልምዲ ምስምማዕ ሕድገታት ምግባር የሎን። ምንህሃር፤ ምጭቅጫቅ፤ ምብኣስ፤ ምክሳስ ጥርዚ ይበጽሕ።

ድሕሪ እዚ ናዕብን ወጥርን ህዝባዊ ቅልውላው ምስ ተፈጥረ። ሃገር ክትቅጽል ኣይትኽእልን ስለዚ፣ ብዙሓት ዝተፈላለዩ ውልቀሰባትን ጉጅለታትን ተቃለስቲ፣ ኮሚቴታት ካልእን ይቅልቀሉ። ከም ናይ ኩሉ ጸገም ፈታሕትን ፈላጣትን ኾይኖም ከኣ ይቐርቡ። ግን ወላ ሓደ መፍትሒ ወይ ክእለት የብሉን ተበለጽቲ ጥራይ እዮም። ኣብዚ ህሞት ወይ ኩነታት ህዝቢ ብሃንቀውታ መድሓኒ ወይ ቅኑዕ መራሒ ከም ዝደሊ መዝሚዞም እዮም ዝቐርቡ።

ድሕሪ እዚ ቅልውላው ቀጺሉ ህዝባዊ ናዕቢ ወይ ሲቪላዊ ውግእ ወይ ወረራ ክስዕብ ይኽእል ከከም ኩነታት እታ ሃገር።

እቲ ናዕቢ ጥርኑፍ ህዝባዊ እንተ ዘይኾይኑ እቶም ተበለጽቲ ይመጹ፣ ወይ ሲቪላዊ ውግእ ኾይኑ፣ ከምቲ ንፈልጦ ልሙድ ማእለያ ዘብሉ ዕንወት ሂወት ሰብን ንብረት ይሰዕብ።

ብሓፈሻ፣ ወረራ ከከም ኩነታት እታ ሃገር ናይ ደገ ሓገዝ ወይ ገለ ተባሂሉ ምትእትታው ይስዕብ።

ኣብ መወዳእታ ምርግጋእ ይመጽእ

ሓደ ካብ ገለ ዝመጸ ወይ ብገለ ሓይሊ ዝተሓገዘ ስልጣን ይሕዝ ምኽንይቱ ኣብዚ እዋን እዚ ህዝቢ ሓደ ሓያል መራሒ ስለዝደሊ ግድነት ንሓደ ግብራዊ ዝመስል ይቅበሎ።

እዚ መስርሕ ኣብ ፈለማ እቲ ኩሉ ለውጢ ንማህበራዊ ክብርታት ዝሓክኽ ክግበር ከሎ፣ ኣብቲ ምትእትታው ሃይማኖት ኣይፋል ክብሃል ይግባእ። ምኽንያቱ ሃይማኖት ኣብ ምዕቃብ ባህልን ልምድን ማሕበረሰብ ዓቢ ተርራ ኣለዎ። እቲ መለኮታዊ ሞራል ስነሓሳብ ወኪሎም ንሓቂ ክሳብ መስዋእቲ ሰማእትነት ክሳብ ሂወት ምሃብ ንደቂሰባት ስለዝምህሩ። ብዙሓት ማህበረሰብ ኣብ ታሪክ ምስ ምጥፋእ ሃይማኖቶም ከም (ኣብ ጥንታዊ ወሓዚ ህንዲ፤ ግብጺ፤ ማያ፤ ኢራቅን ካልኦትን) ጠፊኦም ይብሃል።

ኩሉ ግዜ ሓደ ሕማቅ ልምዲ ክተኣታቶ ከሎ ኣይፋል ናትና ሕማቕ ይኣኽለና ክብሃል ይግባእ።

እቲ ብሉጽ ባህልን ልምድን ክሕሎን ክዕቀብን ይግባእ፣ እዚ ግናይ መስርሕ ኣብቲ መጀመርያ ደረጃ ዲሞራሊዘሽን ደው ክብል ይከኣል።

እዚ መስርሕ ዘይምለስ ስለዝኾነ ሃገር ናብ ንቡር ንምምላስ ካልእ ሓድሽ ሓላፍነት ዝስምዖ፣ ወይ ምራል ዘለዎ ንረብሓ ህዝቡ ዝሰርሕ ወለዶ ክምልመል ኣለዎ።

ደሞራሊዝ ዝኾነ ወይ ሓንጎሉ ዝተሓጽበ ወለዶ ተመሪዙ እዩ። ንነገራት ብገለ ኣገባብ ከም ዝሓስቦምን ዝርድኣም ሓንጎሉ ተቀይሩ እዩ። ዋላ ሓደ ሓቀኛ ንጹር ሓበሬታ ተዋሂቡ ክርዳእ ኣይክእልን። እቲ መስረታዊ ኣተሓሳስባን ስነ መጎቱን ተቀይሩ እዩ። ብኣካል ርእዮም ኣትኣምኑን ድሓር እቲ ዝተጸበይዎ ማዕረ ማሕበራዊ ናብራ ምስ ረኣዩ፣ ከምቲ ዝጽበይዎ ወይ ዝሓስብዎ ብኣንጻሩ ምስ ኾነ፣ ሽዑ እቲ እቲ ስልጣን ዝሓዘ ብወተሃደር ምስ ጨፍለቆም ጥራይ ይርድኦምን ይጠዓሱን ብሓቂ ዘሕዝን እዩ።

ምኽንያቱ እቲ ስልጣን ዝሓዘ ንከምዚኦም ፈጺሙ ኣይጻወርን እዩ። ተረጋጊኡ ተባሂሉ ዝኾነ ናዕቢ ቃልሲ ኣየፍቅድን ተዓዊትና ይብሃል።

እዚ መስርሕ ተደምዲሙ እዩ ካብዚ ደረጃ እዚ ብዝኾነ ሓይሊ ኣይምለስን እዩ።

ህዝባዊ ርክባት (ፕሮፖጋንዳ)

በቲ ናይ ሓቂ ጣዕሙ ወይ ትርጉሙ ፕሮፖጋንዳ ንናይ ደቂሰብ ተግባራት ሓደ ብፍጹም ሕጋዊ ቅርጺ ዘለዎ እዩ። ዝኾነ ማሕበረሰብ፣ ማሕበራዊ ይኹን ሃይማኖታዊ ወይ ፖለቲካዊ ነቲ ገለ እምነታት ዝውንን ፍሉጣት ክኾኑ ብዘረባ ወይ ብጽሑፍ ዘቅርቦም ህዝባዊ ርክባት (ፕሮፖጋንዳ) ይገብር ኣሎ ይብሃል።

ኣብዚ እዋን እዚ ግን፣ እቶም ውሑዳት ንብዙሓት ንምጽላው ሓደ ሓያል ሓገዝ ረኪቦም ኣለዉ። ኣብዚ ዘሎ ቅርጺ ናይ ማህበረሰብ ነቲ ኣእምሮ ናይቲ ህዝቢ ምቅራጽ እዚ ከኣ ነቲ ሓድሽ ዝረከብዎ ሓይሊ ወይ መሰል ናብ ዝደልይዎ መኣኣዝን ክድርብይዎ ዝኸኣል ኾይኑ ተረኪቡ ኣሎ።

ኣብዚ ህሉው ቅርጺ ናይ ማሕበረሰብ፣ እዚ ልምዲ ወይ ተግባር እዚ ዘይተርፍ እዩ። ኣብ ዝኾነ ናይ ማሕበራዊ ኣገዳሲ ኣብ ዝግበረሉ ኣብዚ ግዜ እዚ፣ ኣብ ፖለቲካ፣ ፋይናንስ፣ መስንዕ፣ ሕርሻ፣ ግብረሰናይ፣ ትምህርቲ ወይ ካልእ ዓውድታት ይኩን ብሓገዝ ናይ ፕሮፖጋንዳ ክግበር ኣለዎ።

ፕሮፖጋንዳ እቲ ፈጻሚ ቅልጽም ናይቲ ዘይርኣ መንግስቲ ነቶም መራሕቲ ዝጸሉ፣ ብሕልና ወይ ብዘይሕልና ምትሕብባር ብቀጥታ ነቲ ዝዝውርዎ ጉጅለ ዝጸሉ እዩ።

ግን ሰባት ብሓቂ ተኣኪቦም ብሓባር ኣብ ሓደ ህዝባዊ ኣኼባ ወይ ኣብ ሓደ ጎደና ዕግርግር፣ ነቲ ስነ-ኣእምሮኣዊ ናይ ሓፋሽ ጽልዋታት ክውዕሉ ወይ ኣየድልን። ምኽንያቱ ሰብ ብተፈጥሮ ማሕበራዊ ንሱ ኣባል ናይ ሓደ መጓሰ ወይ እኩብ፣ ዋላ ንሱ ንበይኑ ኣብ ክፍሉ በቲ መጋረጃታት ምስ ተዓጽወ ይስምዖ። ኣእምሮኡ እቲ ቅድታት በቶም ጉጅለ ጽልዋታት ኣብኡ ተሓቲሙ ዝነበረ ኣይሰዶን።

ኣብ ቲቪ ብዝረእዮ ጥራይ ይኣምን ይርዕም ይቅጽል።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...