ስርዓት ማለት ንደቂ ሰባት ይኩን ንሓንቲ ሃገር ናይ ሰላም መሪሕ ኢዩ፡፡ ስለዝኮነ ድማ ደቂ ሰባት ካብ ካልኦት ፍጥረታት ንፍለየሉ ንደቂ ሰባት ጥራይ ዝተፈጥረ ናይ ተፈጥሮ ጸጋ ኢዩ፡፡ ስለዚ ሓደ ስርዓት ክምስረት ኮሎ ደቂ ሰባት ንናይ ግሎም ጥቅሚ ዘይኮነ ንናይ ሃገርን ወገንን ከም ንብሶም ገይሮም ብምሕሳብ ወይ ብምቁጻር ክሰርሑ ይግባእ ምክንያቱ ብስነ-ምግባር ዝተሃነጸ ስርዓት ናይ ቁኑዕ ምሕደራ መሰረት ኢዩ፡፡ ሰርዓት ህግደፍ ግን ዕላምኦም አብ መንጎ ሕዝብታት ጽልእን ቅርሕንትን ብምፍጣር ስርዓት አልቦ ዝኮነ ካብ ሓላፍነትን ተሓታትነትን ዝራሓቀ ግላዊ ጥቅምን ዕግበትን መሰረት ዝገበረ  ሑሱርን ናይ ደናቁር አከያይዳን ኢዮም ዝከዱ ዘለዉ፡፡

ሕዝቢ ኤርትራ ንዝሓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ዲሞክራስያውን ፍትሓውን ስርዓት ንምምስራት ወይ ንምስፋን ዓቢ ቃልሲ ከካይድን ቡሉጻት ደቁ ክከፍልን ጸኒሑ ኢዩ። ንቡዘሓት ሰርዓታት ምቅያር ምክንያት ኮይኑ ኢዩ እቲ ዘሕዝን ግን በቲ ዝከፈሎ መስዋእቲ ተጠቀሚ ክከውን አይካአለን።

ሕዝቢ ኤርትራ ክብሩን ሓድነቱን ናጽነቱን ንምዕቃብ ድሕር ዘይብል እዃ እንተኮነ ሎሚ መብዛሕትኡ ሕዝቢ ናይ ዓለምና ናይ ናጽነት መቀረት አብ ዘስተማቀርረሉ አብ 21 ክፍለ ዘመን ሰማያትና ካብ ዝሓለፈ ብዝከፍኤ ናይ ጭቆና ጸሊም ደበና ጋሪድዎም ይርከብ ኩቡር ብዝኮነ መሰሉ ተጠቂሙ መራሕቱ ክመርጽ አይክእልን ኢዩ። ድምጹ ዘሰማዓሉ መሰል የብሉን። እንተሓቲቱ ይወንጀል። መሰለይ ይተሓሎ እንተኢሉ ይቅተል። ናይ ሕዝቢ መሰል ሙሟት ጥራይ ኢዩ። ናይ ውልቀመለክቲ መሰል ድማ ምቅታል ኢዩ። አብ ኩናት ከይዱ ይመውት። መንእሰያትና አብ ሰሃራን ባሕርን ብከንቱ ሕይወቶም ይሓልፍ አሎ እዚ ኮይኑ ትዕድልቱ ሕዝብና ክሳብ መዓስ ኢዩ ግን ከምዚ እንዳበልና ብስርዓት ህግደፍ ስቃይናን መከራናን ክንበልዕ ዓው ኢልካ ድምጺ አውጺካ ትነብዓሉ ናጽነት ከማን የብልናን። እንዳሞትና ብዛዕባ ሞት ናይ ምዝራብ ናጽነት’ውን የብልናን ሎሚ መንእሰያትና ንሃገሮም ምዕባለ አብ ክንዲ ዝሰርሑን ዘበርኩቱን ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ሃገሮም ገዲፎም ክስደዱ ተገዲዶም፡፡

ናጽነት ምስ መጸት ኩሉ ኤርትራዊ ተስፍኡ ዝነበረ ደጊም መግዛእቲ አብቂዑ ሎሚ ኤርትራ ብናይ አብራካ ክፋል ዝኮኑ ደቃ ናጽነታ አረጋጊጻ ኢያ ስለዚ ናብ ዝሓሽ ፓለቲካዊ ምሕደራ ፤ ርግአት ፤ ማሕበራዊ ለውጢ ፤ ብዓቢኡ ድማ አብ ናይ ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ክትውንጨፍ ኢያ ዝብለ እምነት ኢዩ ነይሩ ናይ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ግምትን ሓሳብን ኮይኑ ግን ብዘሕዝን ኩነታት ሕዝባ ዝጋፈዓላ መንእሰያታ አደዳ ሞትን ስደትን ዝኮኑላ ጸልማት ዝወረሳ ናይ ስቃይን መከራን ሃገር ኮይና አላ።

ውልቀመለክቲ ስርዓት ህግደፍ አብ ልዕሊ ሕዝቢ ኤርትራ እዚ ዘይባሃል ግፍዕን በደልን እንዳፈጸመ ልዕሊ 22 ዓመት አቁጺሩ በዚ ዝፈጸምዎ ግፍዕን በደልን ድማ ክንደይ ስድራቤታት ተበታቲና ክንደይ ውሉድ ብዘይ ወለዲ ተሪፉ ክንደይ አረጋውቲ ብዘይ አላይ ወይ ጠዋሪ ተሪፎም ክንደይ መንእሰይ አብ ስደት ፈቆዶ ባሕርን ሲናይን ሃሊቁ ስለዚ ነዚ ስርዓት ካብ ሱሩ ንምቡንቃስ ወይ ንምውዳቅ ናጽነትናን መሰልናን ንምክባር ምስ ዝቃለሱ የሕዋትና ብምትሕብባር ሰላምን ፤ ፍትሕን፤ ናጽንትን፤ ማዕርነትን ዝሰፈና ሃገር ንምህናጽ ክንትንስእን ተቃውመና አብ ተግባር ከነርእን ኢደይ ኢድካ ክንብል ይግባእ ልዕሌና ንሃገርና ክሓስበላ ዝክእል ወላሓደ የለን።

ምክንያቱ ሎሚ ኤርትራ ብናይ ውሽጢ መግዛእቲ ኢያ ትሳቀ ዘላ እዚ ማለት ድማ አብ ዝሓለፉ 22 ዓመታት ንስልጣን ዝተቆጸጸሮ ሰርዓት ህግደፍ ንሕዝቢ ኤርትራ ዝፈየዶ ነገር ተሎ ሰደት፤ ማእሰርቲ፤ ስቃይ፤ መከራ፤ ኢ-ሰብአዊ አመራርሓ ፤ ፍትሕን ዲሞክራሰን ዘይብላ ሃገር ካብ ምምስራት ሓሊፉ ካልእ ዝራአናዮ ንሃገርን ሕዝብን ዝጠቅም ነገር ወላሓደ የለን።

ከም ዝፍለጥ ባዕዳዊ መግዛእቲ (colonialism) አብ 19-20 ክፍለ ዘመን ብናይ ደገ ሓይልታት ብፍላይ ኤውሮፓውያን ንናይ ካልኦት ሃገር ሕዝቢ ብምግላልን ናይ ፓለቲካ ልዕልና ብምቁጽጻር ንሃገሮም ናይ ካልእ ሃገር ሃብቲ ብምምዝማዝ ወይ ብምዝማት ዘተኮረ ፓሊሲ ዘካየድሉ ዝገልጽ ቃል ኢዩ ሎሚ ሎሚ ግን አብ መብዛሕትኡ ሃገራት ዝረኤ ዘሎ ብቅርጹ ካብ ባዕዳዊ መግዛእትን ብኢድ አዙር ዝግበር መግዛእትን ፍልይ ዝበለ አብ ትሕዝትኡ ግን ሓደ ዝኮነ ናይ ዘመና አገዛዝአ ናይ ውሽጢ መግዛእቲ ( Internal colonialism) ኢዩ እዚ ድማ እቲ ሓደገኛን አዕናውን አከያይዳ ከምዝኮነን ብዑምቀት ክርኤ ከምዘለዎን ዝተፈላለዩ ሙሁራት ዓለምና ዝዛረብሉ ዘሎዉ እዋናዊ ጉዳይ ኢዩ።

ናይ ውሽጢ መግዛእቲ ( Internal colonialism) እቲ ዝከፍኤ ዓይነት አከያይዳ ኢዩ እዚ ድማ አብ ከፋፊልካ ግዛእ አብ ዝብል አምር ወይ ፓሊሲ ዘተኮረ ኢዩ ከፋፊልካ ግዛእ ዝብል ፓሊሲ ድማ ሓደ ሐይሊ ንካልእ ዓቢ ሓይሊ ብናአሽቱ ክፍልታት በታቲኑ ነቶም ዝበታቶኖም ናአሽቱ ክፍልታት ሓደ ብሓደ ናይ ሙቁጽጻር ስልቲ ኢዩ ብሓቂ ዓበይቲ ክፍልታት ናብ ንአሽቱ ክፍልታት ንምምቅቃል ወይ ምብትታን ከቢድ ስለዝኮነ እቲ ገዛኢ ስርዓት ነቲ ምምቅቃል ምስታዓወተሉ ኩሉ ነገራት ፓለቲካዊ ፤ ሚሊታሪኡ ፤ ሃገራዊ ድሕነትን ከምኡ’ውን ናይ ኢኮኖምያዊ መዳይ አብ ኢዱ ጨቢጡ ናይ ሕዝቢ ሓድነት ንከይፍጠር ምክልካል እዚ እቲ ቀንዲ ናይ ህላወነቱ መሰረት ኢዩ ፡ ስለዝኮነ ድማ ናይዚ ከፋፊልካ ግዛእ መራሕቲ ብዓሌት ፤ ብሃይማኖት ፤ ቀቢላን ፈላልዩ ወይ ብሓፈሻ አብ ልዕሊ ሕዝቢ ሕድሕድ ጽልእን ቅርሕንትን ከምዝሓድር ምግባርን መርዚ ምትፋእን ምልባዕን ኢዩ መዓልታዊ ተግባራቶም ነዚ ንምግባር ድማ ነቲ ናይቲ ሕበረተሰብ ወይ ብሄር ድኩም ጎኒ መዝሚዙ ምግጫውን ምብአስን ሰለዝሓተት ነዚ አብ ተግባር አውዒልዎ ኢዩ ሰርዓት ህግደፍ አብ ውሽጥን አብ ደገን ብዘለዉ ሃሱሳትን መሳርሒ እቲ ስርዓት ቡዙሕ ነገራት ተፈቲኑን ተሰሪሑሉን ኢዩ ሙሉእ ብሙሉእ ተዓዊቶሙሉ እዃ እንተዘይበልና ብከፊል ግን አብ ዓሌትን ሃይማኖትን ሰባት ክፈናተቱን አብ ባእሲ ከምዝአተው ገይሩ ኢዩ እዚ ድማ ሓደ ውጽኢት ካብቲ እከይን ከፋፊልካ ግዛእ ዝብል ፓሊስኡ ኢዩ።  እዚ ከፋፊልካ ግዛእ ፓሊሲ ሎሚ አብ ዓለምና ብሰፊሑ ዝስረሔሉ ዘሎ አዕናዊ ፓሊሲ ኢዩ።

እንታይ ኢዩ ንሰርዓት ህግደፍ ንናይ ሕዝቢ ድምጺ ክሰምዕ ድሌት ዘይብሉ ኢልና ምስ ንሓተትት እቲ መልሲ ሰይጣናዊ ባህረያቱ ወይ ተፈጥርኡ ኢዩ ናይ ህግደፍ ባህርያቱ ዝግለጽ ብትዕቢትን ብወንጀልን በቲ እከይ ተግባሩን ኢዩ እዚ ድማ አቲ አጉል ትዕቢቱን እቲ ክፍጽሞ ዝከረመ እከይ ተግባራቱን ምስ ሕዝቢ ከብድን ሕቆን ክከውን አክኢሉዎ ኢዩ ። ስርዓት ህግደፍ ‘መን አሎ ከማና “ ሃገር ሳላና ወይ ብአና ኢያ መጺአ ንሕና ተዘየለና ሃገር የላን ክትፈርስ ኢያ” እንዳበሉ ከምዝፍክሩ ካብ ማንም ዝስወር አይኮነን ስለዚ “ ንሕና ተዘየለና ሃገር የላን ክትፈርስ ኢያ” ወይ ኤርትራ ብዘይ ብአና ክትበታተን ኢያ ይብሉና አለዉ ኮይኑ ግን ብዝተራቀቀ መገዲ ሃገር ዝበታትኑ ዘለዉ ባዕሎም ስርዓት ህግደፍ ኢዮም ስለዚ እዚ አባሃህላ ቀዳማይ እቲ አጉል ትዕቢቱ ኢዩ ዘርእየና ካልአይ ድማ ንሃገር ይኩን ንሕዝቢ ቅንጣብ ሓልዮት ይኩን ሓላፍነት ከምዘይስመዖም ዘረጋግጽ አባሃህላ ኢዩ።

ሓፈሻዊ ስርዓት ህግደፍ መን ምዃኑ ብዘይምፍላጡን ዶብ ዝሓሎፎ ትዕቢቱን ንናይ ሕዝቢ መረረን አውያትን ንከይሰምዕ ጋሪድዎ ኢዩ ካብዚ አጉል ትዕቢቱ ክላቀቅ ብዘይምክአሉ ድማ ንናይ ሕዝቡ ድምጺ ሰሚዑ ምስ ሕዝቢ ናይ ምንባር ጥበብ ክፈጥር አይካአለን።

ስርዓት ህግደፍ ሃገር ንክመርሕ ይኩን ወይ መንግስቲ ንምዃን ሞራል ይኩን ናይ ፍልጠት ብቅዓት ከምዘይብሉ አብ ዝሓለፍ 22 ዓመት ዝተራአየ ሓቂ ኢዩ እዚ ድማ አብ ልዕሊ ሕዝብን ሃገርን ዝፈጸሞ በደል ህያው ምስክር ኢዩ።

ቀዳማይ እዚ ነገር ዘርእየና ስርዓት ህግደፍ ድክመታቱ ንምሽፋን ተጻብኦታት እንዳበለ ብዘይ ዝኮነ ምምሕሽ ንምቅጻል ዝወሰነ ሙዃኑ ካልአይን እቲ ሓደገኛ ነገር ድማ ስርዓት ህግደፍ ናብ ናይ መንግስታዊ ሸፍትነት እንዳተቀየረ ይከይድ ከም ዘሎ የርእየና።

ንስርዓት ህግደፍ ካብቶም ዝነበሩ ወይ ዝሓለፉ ስርዓታት ወይ መግዛእቲ እቲ ዝፈልዮ ቀንዲ ወይ ዝገደደ ጸረ ሕዘብን ጸረ ሃገርን ዘብሎ እቲ እከይ ተግባሩን እቲ ዓፋንን ዲክተቶራዊ ስርዓቱን ብዓቢኡ ድማ ስልሑም ሰይጣን ምዃኑ ኢዩ ሎሚ ስርዓት ህግደፍ ብፍጹም ተጨማሊቁ ኢዩ ገለ ሑሱር ነገር ምስ ዝሰርሕ ሕዝቢ መረርኡ ምስዝገልጽ ብምዕዝምዛም ማለተይ ኢየ ካብቲ ዝሰርሖ ሑሱር ተግባር ዝገደደ መሊሱ ገለ ነገር ይገብር እሞ ነቲ ናይ መጀመረያ ሑሱር ተግባሩ ብዝከፍኤ ካልእ ሑሱርን አነዋርን ነገራት ይሽፍኖ ወይ የጠፋፈኦ እቲ ናይ መጀመርያ ይርሳዕ እሞ ከምኡ እንዳበለ ነቲ ሕዝቢ አብ ሓሸውየ የእትዎ፡፡ አብዚ ግዜ እዚ አብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ፓለቲካ ሃዋህው ካብ ዕለት ናብ ዕለት ዝርኤ ዘሎ ነገር ተሎ ንባዕሉ ስርዓት ህግደፍ ጋን ኮይኑ ንህዝቢ’ውን ጋን ከምዝከውን ገይርዎ ኢዩ ፡፡

ኩልና ንሰማማዓሉ ሓደ ሓቂ አሎ እሱ ድማ ንናይ ሓንቲ ሃገር ናይ ፓለቲካ ልምዲ ወሳኒ ኢዩ እዚ ሎሚ አብ ሃገርና ንርእዮ ዘለና ናይ ፓለቲካ አከያይዳ ግን መልክዑ ዘይሓዘ ፍንው አከያይዳ አብ ልዕሊ ምዃኑ ብግምት ብሃበስ ቀደስ ዝከይድን ንሕና ኢና ፈላጣት ዝብል አጉል ፍልስፍና ዘለዎም ተመክሮ ብዘይብሎም ሰባት ዝምራሕን ናይ ፓለቲካ ስርዓት ዘይብሉ ንጉጅለ ህግደፍ ጥራይ ዘማእከለ ንዝኮነ አካል ዕድል ዘይህብ ብምዃኑ እዚ ድማ አብ ሃገርና ናይ ፓለቲካ ፓርትታት ንከይህልዋ ፤ ናይ ፕረስ ነጻነት ወይ ሓሳብካ ብነጻ ብዘይ ገደብ ምግላጽ ንከይህሉን ካልእን መሰረታዊ ናይ ዲሞክራሰን ፍትሕን ናይ ሰብአዎ መሰል መግለጺ ዝኮኑ መሰላት ከምዘይህልዉ ገይሩ ኢዩ፡፡ ስለዚ እቲ ቀንዲ ሕቶና ህዝቢ ኤርትራ ናይ ስልጣን ዋና ክከውን አለዎ ዝብል ኢዩ ክከውን ዘለዎ፡፡

ስርዓት ህግደፍ ከም ዝፍለጥ ሃገር ንበይኑ ኢዩ ብሒትዋ ዝርከብ ናጽነት መጺአ ገና ግን አብ ባርነት ኢና ዘለና ንዝኮነ ናይ ፓለቲካ ፓርትታት ዕድል ዝህብ ፓሊሲ የብሉን እዚ ናይ ህግደፍ አከያይዳ ናይ ጆርጅ ኦርዌል አባሃሀላ የዘካክረኒ ኦርዌል “ናጽነት ባርነት ኢዩ” ኢዩ ዝበለ ብአንጻራዊ አባሃህላ ወይ አገላልጻ ማለት’ዩ እዚ ድማ አብ ግዝአት ኦሺንያ እቲ ሕዝቢ ብሓደ መላክን ዲክታቶራውን ዝኮነ ፓርቲ ግዝአት ወዲቁ ማዕረ ክንደይ አብ ናይ ስነ-ልቦና ቀውሲ አትዩ ከምዝነበረ ኢዩ ጆርጅ ኦርዌል ዝጸሓፈ። ሓደ ሰብ ንበይኑ ዓቢ ህንጻ ክሃንጽ አይክእልን ኢዩ ….።

ናይ ስርዓት ህግደፍ ሓይሉ አብ ዕላምኡ ፤ አብ አወዳድብኡ ፤ አብ ዓቅሚ ሰቡ ወይ አብቲ ዘውጽኦ ፓሊሲታቱ  አይኮነን እቲ ቀንዲ መሰረት ሓይሉ ዝተወደበን ሙሉእ ሓይሊ ዘለዎም ተቃወምቲ ዘይብሉ ዕድለኛ ሙዃኑ ኢዩ ስለዚ ንህግደፍ ዘንብሮን ዘኪዶን ዘሎ ነገር ሕዝቢ ስለዝአመነሉ ወይ ስለዝተቀበሎ ዘይኮነ አቲ ናይ ተቃወምቲ ሓፈሻዊ ድክመታት ኢዩ ናይዞም ተቃወምቲ ድክመት መሰረቱ ድማ ዝተበታተነን ዓቢ ፍልልያት ዘለዎን ግደፍ ሓቢሩ ብሓንሳብ ክሰርሕ አብ ልዕሊ ህግደፍ ንባዕሉ ሓደ ዓይነት አራእያ ከምዘህልዎ ክገብሩ አይካአሉን ስለዝኮነ ድማ ሎሚ ሰርዓት ህግደፍ ናይዞም ተቃወምቲ ድክመት ዓቢ ሓይሊ ሂብዎ ክባሃል ይካአል ምክንያቱ እንታይ ከይመጸኒ እንዳበለ ብዘይ ስክፍታ ን 22 ዓመታት ሕዝቢ ከሳቅይን ክአስርን ከምድላዩ ክዕንድርን አክኢሉዎ ኢዩ ።

ምክንያቱ ሎሚ ኩሉ ከምዝፈልጦ እዚ ስርዓት አብዚ 22 ዓመት አብ መንጎ ሕዝብታት ሰላም፤ ምርግጋእ ሓበራዊ ምርድዳእ ክፈጥር አይካአለን ሰለዚ አብዚ ሰዓት እዚ ስርዓት ህግደፍ ብሕዝቢ ተቀባልነትን እምነትን አክብሮትን ዝስአነ ኢዩ ተበልኩ ምግናን አይኮነን ምክንያቱ ማይን ኤለትሪክን ንሕዝቡ ከቅርብ ዘይክእል ብሕዝቡ ግዲ ዘይብሉ ብዓቢኡ ፍትሕን ቁንዕ ምሕደራን ከስፍን ዘይካአለ ስርዓት ኢዩ፡፡ ናይ ሰብአውን ዲሞክራሲያዊን መስል ጥሕሰት ናይ መዓልታዊ ተግባሩ ዝገበረ ስርዓት መብዛሕትኡ ሕዝቢ ብድክነት ወይ ብክብሪ ናብራን ሕሰምን እንዳተገረፈ ብአሻሓት አብ እስርቤት ዝበልዩላ መንእሰያታ ፈቀድኡ ፋሕ ፋሕ ኢሎም አብ ስደት ዝሳቀዩላ ውሑዳት ግን ብብልሸውና ጅብኦም ዝሓበጠ ናይቲ ሰርዓት አባላትን ገለ ምሰኦም ጥቡቅ ርከብ ዘለዎም ገለ ሱሱዓት ሰብ ሃብትን ግን ከምድላዮም ዝዕንድሩላ ብምቾት ዝነብሩላ ሃገር ኮይና አላ ኤርትራ እዚ ድማ ናይዘን ናብ ዕንወት ዝከዳ ወይ ዘምርሓ ሃገራት ሓደገኛ ምልክት ኢዩ፡፡

ካብዚ ስእነት ናይ ናጽነትን ፍጹም ዲክታተራዊ ዓፈና እቲ ቀንዲ ከም ሓደ ዓቢ መርአያ ዝኮነና አብ ልዕሊ ተቃወምቲ ዝገብሮ ገደብ ዘይብሉ ጸለመን በደልን ክከውን ኮሎ ብዓይኒ ህግደፍ ተቃወምቲ ውዱባት ከም ተወዳደርቲ ወይ ተፈካከርቲ ዘይኮነ ከም ንሃገር ከዕንዉ ዝተበገሱ አሸበርቲ ኢዮም ዝራአዩ እቲ ዘሕዝን አከያይድኡ ድማ እዚ ካብ ሓቂ ዝራሓቀ እምነቱ ኩሉ ሕዝቢ ኤርትራ ክአምነሉን ክቅበሎን ፍጹም ብዘይሕጋዊ ካብ ሓቂ ብዝራሓቀ ጸለመ አብ ልዕሊ ተቃወምቲ ዝገብሮ ህልክን ትዕቢትን ዝመለኦ ቃልሱ ኢዩ።

ኮይነ ግን ሕዝቢ ነዚ ሓቅነት ዘይብሉ ናይ ሓሶት ጸለመ አጸቢቀ ይፈልጦን ጎሪሑሉን እንተኮነ ሐሶት ምስ ዝደጋገም ሓቂ ይመስል ከምዝባሃል ሓደ ነዲኡ አብ ዝኮነ ሜድያ ናይቲ ስርዓት መዓልታዊ ብዝቃመም ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ ወይ ዜናታትን ሓተታትን እቲ ሕዝቢ ንኩሎም ንተቃወምቲ ይኩን ነቲ ስርዓት ዝህልዎ አራአእያን ስምዒትን አብ ፍርሕን ጥርጣረን ዝተመርኮሰ ከምዝከውንን ከምኡ’ውን አብቲ ልዕሊ ሃገሩ ዘሎ ናይ ፓለቲካ አከያይዳ ድማ ተስፋ ዘቁርጽ ስምዒት ከምዝሓድሮ ንምግባር እቲ ሜድያ ዓቢ ተራ ኢዩ ዝጻወት ዘሎ እዚ ሐደገኛ አከያይድኡ እቲ ጽልዉኡ ዝባአሰ ዝገብሮ እቶም ተቃወምቲ ወላሓደ ሓሳቦም ዝገልጹሉ ነጻ ሜድያ ስለዘየለ ኢዩ አብ ልዕሊኦም ዝተገበረ ናይ ሽም ምጽላምን ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳን ነቲ ሕዝቢ እቲ ቁኑዕ ስአሊ ንክህብዎን ከፍልጥዎን ብዓበኡ ድማ ንነብሶም ክከላከሉ ዓቀሚ ዘይብሎም ምዃኖም ኢዩ።

ኩልና ከምንፈልጦ ሰርዓት ደርግ ንሕዝቢ ራዕዲ እንዳፈጠርካ ብምግዛእ ዝወዳደሮ አይነበሮን ናይ ሰራዊቱ ግዝፈት አይኮነን ሰውራ ዝተደላደለ ሰራዊትን እኩል አጽዋር ዝዓጠቀ ሓይሊ’ውን ዝድምስሶ አይመስልን ኔሩ ናይ ሓደ ስርዓት ናይ ሰራዊት ግዝፈት ዋሕስ ክኮኖ ከምዘይክእል ዝተረጋገጸ ብናይ ስርዓት ደርግ ውድቀት ኢዩ እቲ ቀንዲ ምክንያት ውድቀት ደርግ እቲ ጥልመት ናይ ሰራዊት እዃ እንተኮነ ናይቲ ሃገራዊ ድሕነት ማለት ንድሕነት ሃገር ዝሰርሕ አካል እምነት ሙጉዳል ዓቢ ተራ ነይርዎ በዚ ምክንያት ኢዩ ድማ እቲ ድሩት ዓቅሚ ዝነበሮ ሰውራ ነዚ ዘመናዊ ውዳበ ዝነበሮ ጉዝፍ ሰራዊት ክድምስሶ ዝካአለ ስለዚ ደርግ ንኩሉ ነገር ብሓይሊ ንምቁጽጸር አብ ዝፈተነሉ ግዜ አብ ልዕሊ ሕዝቢ ተቀባልነት እንዳሳአነ መጺኡ በዚ ድማ አብ ላዕሊ ከምዝገለጽኩዎ ካብ ሰራዊቱ ይኩን ካብቲ ነቲ ስርዓት ውሕስነት ዝህብ ሃገራዊ ድሕነት እሙናት ንምፍራይ አይካአለን ኔሩ ብተወሳኪ ድማ አብቲ ስርዓት እምነት ዘይነበሮም እቶም ብሓይሊ ተተገፊፎም ዝዕስከሩ ነበሩ መንእሰያት ኢዶም እንዳሃቡ ነቲ ውድቀት ደርግ የቀላጥፍዎ ነይሮም።

ከምዚ ክብል ኮለኩ ስርዓት ደርግ ብውሽጣዊ ጸገማቱ ወይ ብአከያይድኡ ኢዩ ወዲቁ ኢለ ንናይ ትማሊ ቃልሲ ተራ አይነበሮን አይኮንኩን ዝብል ዘለኩ አጸቢቀ እፈልጥ ኢየ ብዛዕባ ትማሊ አብ ግዜ ሰውራ ዝነበረ ተወፋይነትን ሓለዮትን ብጻይነትን ብዓቢኡ ብዕላማ ንናጽነት ምቅላስን እቲ ዓቢ ተራ ዝነበሮ ንወድቀት ስርዓት ደርግ ከምዝነበረ ዘንግዔ አይኮንኩን ስለዚ አነ በታ ናይ መጨረሽታ ሰዓት ናይ ደርጊ ውድቀቱን ናይ ፓለቲካ ፍሽለቱን ጸቂጠ ኢየ ዝዛረብ ዘለኩ ምክንያቱ ኩሉ ከም ዝፈልጦ ደርጊ አብቲ ናይ ስልጣን ዘመኑ ሙሉእ ሓይሊ ነይርዎ ኢዩ በዚ ውን ክንደይ መስገደልን ፈታንን ወራራት ተሓሊፉ ኢዩ እዚ ግን በቶም ዝሓለፉ ጀጋኑን ብገለ ህልዋት ውፉያት ተጋደልቲ በርዒኑ ኢዩ።

አነ ግን አብቲ ኩውን ፓለቲካዊ መዳይ ማለት ናይ ፓለቲካ መክሰብን ክሳራን አተኪረ ኢየ ዝዛረብ ዘለኩ እዚ ማለት ድማ ሓደ ስርዓት ምስ ሕዝብን ሰራዊቱን ዘለዎ ርክብ እንድሕር ኢድን ጓንትን ኮይኑ ዘይተጓዓዘ በንጻሩ ሕቆን ከብድን ኮይኑ ውድቀቱ ከምዝዕድም ንምብራህ ኢየ አዚ ድማ ሕዝቢ ዘይአመነሉ ወይ ዘይተቀበሎ ስርዓት ወዳቅን ዕድሚኡ ሓጺር ምዃኑ ብአብነት ንምግላጽ ኢለ ኢየ።

እዚ ድማ እንዳተሳቀየ እንዳተቀተለ እንዳታአሰረ ነቢዑ እህህ እንዳበለ ጥራይ ንዘልአለም ደኒኑ ዝከይድ ሕዝቢ የለን ስለዚ ሕዝቢ ኤርትራ ውን ጽባሕ ሞት ዝንዕቀሉ ግዜ ርሑቅ አይክከውንን ኢዩ ድሕሪ ሕጂ ካብዚ ንላዕሊ እንታይ ከይመጽእ ዝብለሉ ግዜ በጺሑ ኢዩ ንናጽነቱ ሙሟት ክብርን ጅግንነትን ሙዃኑ ዝአምንን ዝፈልጥን ቡሱል ሕዝቢ ኢዩ ነዚ ዘተግብረሉን ክውን ዝገብረሉ ግዚ ድማ በጺሑ ኢዩ።

ስለዚ ስርዓት ደርግ አብ መወዳእታ ሰዓቱ ብሓይሊ ኢዩ ተሳዒሩ ኢሉ ዝአምን ሰብ አሎ ኢለ አይአምንን ኢየ እንታይ ዳአ ከምዝገለጽኩዎ በቲ ነበሮ ፍሹል ፓለቲካዊ አከያይዳን በቲ ንሕዝቢ ራዕዲ እንዳፈጠርካ ብምግዛእ ዝብል ዕውር ፓሊስኡ ዘስዓቦ ሰራዊቱ አብ ልዕሊኡ እምነት ከሕድር ስለዘይካአለ በዚ ድማ ባዕሉ ንባዕሉ ነብሰ ቅትለት ጌሩ ንሓዋሩ ሰራዊቱ ፋሕ ፋሕ ኢሉ ክድምሰስ ዝካአለ።

ስለዚ ሎሚ ድማ ስርዓት ህግደፍ ካብ ናይ ደርግ አከያይዳ ብዘይፍለ ሕሱርን ድሑርን ፓለቲካዊ አከያይዳ ኢዩ ዝከይድ ዘሎ ልክዕ እቲ ናይ ደርጊ አከያይዳ ይደግሞ አሎ ማለት አብ ልዕሊ ሕዝቡ ራዕዲ እንዳፈጠረ ሕድሕድ እምነት ከምዘይህሉ እንዳገበረ ሕዝቢ የሳቅይን የጋፍዕን ይአስርን አሎ ቅንጣብ ትአክል ብዛዕባ ሽግርን መከራን ሕዝቢ ዘገድሶ አይኮነን አብዚ ዘርዚርካ ዘይውዳእ በደላት ይፍጽም ከም ዘሎ ንማንም ቡሩህ ኢዩ ስለዚ እዚ ስርዓት ህግደፍ ካብ ናይ ደርጊ አከያይዳ ክመሃር አይካአለን ከምንርእዮ ሎሚ አቦታትና አቦሓጎታትና ከይተረፈ ብረት እንዳሃበ የዕስክሮም አሎ ሰራዊት ምብዛሕ ግን ከምዘየዕውት ርኢናዮ ኢና ሕዝቢ አብ ልዕሊ መንግስቱ እምነት ተዘይብሉ እቲ መንግስቲ’ውን አብ ልዕሊ ሕዝቢ እምነት ከሕድር ተዘይኪኢሉ ማለት ሕዝቢ የእሚንካ አብ ጎንካ ምስተሰልፍ ኢዩ እምበር ገፊፍካ ብሓይሊ ሰባት የዔስኪርካ አሽሓት ሰራዊት ናይ ዘሰለፍካ አይኮነን ህላውነትካ ዝረጋገጽ ምክንያቱ ሕዝቢ ከይተቀበለካ ስድሪ አይክየድን ኢዩ ። ካብ ጥፍአት ከትማሃር አለካ እምበር መሊስካ ንጥፍአት ምድጋም ድንቁርና እምበር ምዕባለ ክከውን አይክእልን ኢዩ።

እዚ ስርዓት እዚ ባዕሉ ዝፈጠሮ ነብሱ ጋሪድዎ ካብ ዘሎ ጽልእን ቅርሕንትን ወጺኡ ምስ ደቂ ሰባት ብሓባር ናይ ምንባር ዘክእሎ ባህሪ ብሙሉኡ መሊሱ ከምዘይረክቦ አጥፊእዎ ኢዩ እዚ ስርዓት እዚ ናይ ሰላም ዋጋ አይፈልጥን ኢዩ ፤ እዚ ስርዓት እዚ ናጽነት ማለት ብልክዕ እንታይ ሙዃኑ ገና አይተረድኦን አሎ ፤ እዚ ስርዓት ምሰካልኦት ሓቢርካ ብከመይ ከም ዝንበር አይፈልጥን ኢዩ ካብዚ ዘለዎ ናይ ጉሪላ አከያይዳ ንምግልጋል ወይ ንምውጻእ ናይ አእምሮ ብስለት የብሉን ሰለዚ እዚ ናይ ትዕብተኛታት እክብካብ ዝኮነ ጉጅለ ብዘይ ናይ ሕዝቢ ፍቃድን ድሌትን ኮፍ ኢሉሉ ዘሎ ናይ ስልጣን መንበር ክወርድ ክኽእል አለዎ ኤርትራና በዚኦም ከመዚ ዓይነት ሰባት ክትምራሕ አይግባአን ኢዩ ክነፍቅድ’ውን የብልናን እምቢ ንምልኪ በቃ ክንብል ክንልእል አለና ።

ትማሊ ንመግዛእቲ እምቢ አይምርከክን ኢሉ ሓንሒኑ ብረት ዘልዓለ መንእሰይ ምልስ ኢልና ነዚ ሎሚ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ምስንርኢ ትማሊ ሰውራ ዝነበረ ውሑድ ዓቅሚ ዝነበሮ ተቀባልነት ሕዝቢ ግን አዝዩ ልዑል ዝነበሮ ሎሚ ስልጣን ምስሓዘ ነዚ ሓብሒቡ አብዚ ዓወት ዘብጸሖ ሕዝቢ ጠሊሙ ብስልጣን ሰኪሩ ነዚ መንእሰይ ናይ ሎሚ ከም ትማሊ እምቢ ንመግዛእቲ ኢሉ ሓንሒኑ ዝተበገሰ መንእሰይ ሎሚ ውን እምቢ ንዲከታቶር ስርዓት ዝብል መንእሰይ ንክውለድ አክኢሉ ኢዩ ስለዚ ሎሚ እዚ ስርዓት ሕዝባዊ ደገፍ አለዎ ክንብል ብፍጹም አይካአልን ኢዩ ልክዕ ከምቲ ናይ ስርዓት ደርግ አብነት ዝራአናዮ አብ ናይ መወዳእታ ዕርበቱ ካብ ሕዝብን ሰራዊቱን እምነትን እሙናትን አብ ዘይረክበሉ ደረጃ ኢዩ በጺሑ ነይሩ ልክዕ ሎሚ’ውን ስርዓት ህግደፍ አብዚ ደረጃ ኢዩ በጺሑ ዘሎ እቶም ዝአምኖም ሃገራዊ ድሕነት ከይተረፉ ሃገር ገገዲፎም ኢዮም ዝስደዱ ዘለዉ።

እዚ ማለት ድማ ስርዓት ህግደፍ ብሕዝቢ ፎእ ዝባሃለሉ ዘሎ ግዜ ኢና በጺሕና እዚ ድማ ናይ ስርዓት ህግደፍ ናይ ውደቀት ሰዓቱ በጺሑ ከም ዘሎ የርእየና።

ርግጸኛ ኢየ ሎሚ ንዝኮነ ሰብ እንተታሓቲቱ በዚ ስርዓት ህግደፍ ዘይተማረረ የለን ክባሃል ይካአል ልዕሊ 90% ከምዝኮኑ ውን ልዕሊ ርግጸኛ ኮይነ ክዛረብ እደፍር ኩሉ ዝተማረረ ግን ደፊሩ ይዛረብ ማለት ግን አይኮነን ምስ ዝአመንኦም ፈተውቱን ቤተሰቡን ክራከብ ኮሎ ጥራይ ኢዩ ናይ መረርኡ ታሃን ዘወጽእ ካብዚ ወጻኢ ዘይሕሰብ ኢዩ እዚ ድማ እቲ ዓቢ ምልክት አብ ትሕቲ ዲክታቶራውያን ዘለዉ ሕዝቢ መለለይ ኢዩ ልክዕ አብ ግዜ ደርግ’ውን ብተመሳሳሊ ሕዝቢ ብቃልዕ ንምቅዋም ድፍረትን መሰልን አይነበሮን ኮይኑ ግን አብቲ ግዜ እቲ ሕዝቢ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ሰራዊትን እቲ ዝአመነሉ ሃገራዊ ድሕነት‘ውን አብቲ ልዕሊ ስርዓት ደርግ እምነት አይነበሮን ልቢ አርሒቁ ነይሩ ኢዩ ሎሚ ውን ብተመሰሳሊ ሕዝቢ ኤርትራ ልቡ አርሒቁ ጥራይ ዘይኮነ ኤህ ኢሉ አብ ዝራገመሉ ግዜ ኢዩ በጺሑ ዘሎ፡፡

ካብ ሃገርና ተበጊስና ካልእ ርሑቅ ዘለዉ ውልቀመለክቲ ምስንርኢ ናይ ሕዝቦም ፍቅሪ ዘይብሎም ብብልሽውና ዝተቆማጥዑ ሃብቲ ሃገር ናብ ናይ ጉሎም ሑሱር ፕሮፓጋንዳ ዘውዓሉ ቡሑሓት ኢዮም አብ መወዳእታ ድማ ሑሱር ሞት ሞይቶም ኢዮም አብ መወዳእታ እቲ አበሳ ውልቀመለክቲ ንነብሶም ጥራይ ዘይኮነ ንቤተሰቦምን ነቶም አዳከርቶም ነበሩን’ውን ከምዘይንሕፍ ተዓዚብና ኢና በንጻሩ ታሪክ ከም ዝምህረና ድማ አብ ዓለምና ካብቶም ተጠቀስቲ ሰባት ብጸቡቅ ዝላዓሉ ሐደ ማህተመ ጋንዲ ኢዩ ከምዝፍለጥ አፓርታይድ ዝተባሃለ ዝከፍኤ ስርዓት ንምእላይ ብዘይ ዝኮነ ህውከት ብናይ ሰላማዊ ቃልስን ናይቲ ተራ ሕዝቢ አይእዘዝን ዝብል ምንቅስቃስ ብምፍጣር ሃገሩ ናጻ ዘውጸኤ ሓያልን ተባዕን ናይ ፓለቲካ መራሒ ኢዩ ነይሩ በዚ ድማ ሎሚ ፍጹም ብዝኮነ ብናይ ደቂ ሰባት ፍቅሪ ዝፍለጥ፤ ንብረት ሃብቲ ንሕዝበይ እምበር ናዓይ ንቤተሰበይ ብፍሉይ መንገዲ ወይ ሓለፋ ንገዛይ አይአትዉን ኢዩ ኢሉ አብ ክእመን ዘይካአል ናብራ ሕይወቱ ዘሕለፈ ዝተቃለስኩዎ ንነብሰይ ክጥዕመኒ ኢለ ዘይኮንኩ ንናይ ሕዝበይ ናጽነት ንምጉንጻፍ ኢየ ብምባል አብ ህንዲ ዘይእመን ናይ ዲሞክራሲ ስርዓት ከምዝዝርጋሕ ሎሚ’ውን ሃገር ህንዲ ተጠቃሲት ንክትከውን ዝገበሮ ጻዕሪ ንዘልአለም ብጽቡቅ ተዘኪሩ ይነብር አሎ ። ንማህተመ ጋንዲ ዝትክኡ ካብ ናይ ዓለምና መራሕቲ ብቀሊሉ ዝርከቡ አይኮኑን ብርግጽ አብዚ ዘመን እዚ ካብ አፍሪቃ እቲ እንኮ ተካኢ መራሒ ኔልሰን ማንዴላ ኢዩ ማንዴላ “ናይዚ ትውልዲ እቲ ዝዓበየ ጀግና መራሒ” ምዃኑ ዓለም መስኪሩሉ ኢዩ ን 27 ዓመታት አብ እስርቤት ዘሳቀይዎ ሰባት ወይ ስርዓት ብይቅሬታ አምሂርዎም እምበር ሕነ ክፈዲ አይበለን ከም ቡዙሓት መራሕቲ አፍሪካ ግዜን አጋጣምን ተጠቂሙ ንዝበደልዎ ሰባት አይቀተለን ፤ አይአሰረን ሰባት አይጨፍጨፈን ፤ ንሓደ ሓቀኛ ንሓደ ጸረ ሕዝቢ ብምባል ንሰባት አየሳቀየን ፤ ሓደ ክህብትም ሓደ ክደኪ አይገበረን ንሕዝብታት ብፍቅሪ ሓቂፉ ሲዒሙ እምበር ሕዝቢ አይከፋፈለን ፤ አነ ሰስዝቆሰልኩ አነ ስለዝደመኩ ወይ አነ ስለዝታአሰርኩ ኩሉ ስልጣን ናዓይ ብናተይ ድሌት ጥራይ ኢዩ ኩሉ ዝከውን ኢሉ ኣብ መንበር ከጣጥሕ አይተራየን በንጻሩ ስልጣን ገደብ ይሃልዎ ብምባል ኢዩ ተሟጊቱ ከምናይ ዘመና ዲክታቶራት ስልጣን ዝደሊ ብረት አልዒሉ ክደሚ አለዎ ዝብል ናይ ደናቁር ፍልስፍና አይተከተለን እቲ ዝገበሮ ግን ፍጹም አገራምን አንጻር ናይዚ ኢዩ ነይሩ ስለዝኮነ ኢዩ ድማ ንካልአይ ግዜ እዃ ክምረጽ ከይበለ ስልጣኑ ንሓድሽ ወለዶ ዘረከበ።

ከም ክርዳድ በብግዜኡ ውልቀመለክቲ ዝፍርዩላ አፍሪቃ ከምዚ ዓይነት ስብእና ዘለዎ ሰብ ክፈሪ ኢዩ ኢሉ ዝሓስብ አይነበረን ስለዝኮነ ኢዩ ድማ ንዓለምና አገራሚ ዝኮነን እምበር’ከ አፍሪቃዊ ዘርኢ ድዩ ክሳብ ምባል ዝበጽሑ እዚ ኢዩ ድማ እቲ ዘሕዝን ከም አፍሪቃዊያን መለለይና ዲክታተራዊያን ኮይኑ ስለዚ ኢዩ ድማ ከም በዓል ማንዴላ ክርከብ ከሎ ንዓለምና ዘሰምብድን ዝገርምን ዘሎ እዚ ዘይባሃል ውርደት ዝተሰከመት አህጉርና አፍሪቃ ብማንዴላ ተግባራት ምጽንናዕን ርእሳ ከተልዕል ዝካአለት በዚ ምክንያት ኢዩ፡፡ አብ ዝሓለፉ 40 ዓመታት 250 ዝኮኑ ዝተፈላለዩ ሽልማታት ንማንዴላ ዝተዋሃቦ አብ 1993 ድማ ናይ ኖቤል ተሽላሚ ኮይኑ ብተወሳኪ ድማ ሕዳር 2009 ብዝተወሰነ መሰረት ሓምለ 18 ናይ ማንዴላ ልደቱ መዓልቲ “ ናይ ማንዴላ መዓልቲ “ ተባሂላ ክትክበር ዝተገበረ ።

ደቂ ሰባት ሰላም ፤ ፍቕሪ ፤ ማዕርነት ፤ ናጽነት ፤ ፍትሒ ፤ ዲሞክራሲ ልዕሊ ኩሉ አብሊጾም ይደልዩ። ስለዚ ነዚ ንምርካብ ንውልቀመለክትን ቀተልትን ክንኩኑኖም ይግባአና ካብ ማህተማ ጋንዲ ዝተማሃርናዮ ነገር ተሎ ተራ ሕዝቢ አይእዘዝን ዝብል ምንቅስቃስ ብምፍጣር ሃገሩ ናጻ ከውጽእ ከምዝክእል ብተግባር አርእዩና ኢዩ እምቢ ንምልኪ ክንብል ክንክእል አለና ምከንያቱ አብዚ ዓለምና እታ ሓንትን ዓባይን ነገር ዘላትና ናጽነት ኢያ ምክንያቱ ናጽነት ቀሊል ነገር አይኮነን ብነጻ አይርከብን ኢዩ ንናይ ካልእ ናጽነት ናይቲ ሓደ መስዋአቲ ምክፋል ግድን ኢዩ ምክንያቱ ናጽነት ምርጫ እምበር ህያብ አይኮነን ስለዚ ናጽነትካ ማንም ሰብ ብድንጋጼ አይህበካን ኢዩ ናጽነትካ ባዕልካ ኢካ ትወስዳ።

ስለዚ ሰርዓት ህግደፍ ካብ ዝጥቀመሉ ዝተፈለየን ዝተራቀቀን ስልቲ ክንጥቀም አለና እንተዘይኮይኑ ግን ስቅታና ሓቚፍና ተደቂስና ግን ፍትሕን ሰላምን እንዳተተምነና ክንሓልፍ ኢና ፡፡

ሕዝቢ ኤርትራ ሰንሰለታዊ መግዛእቲ ሓሊፉ ኢዩ በዚ ድማ ክንደይ ሕሰምን መከራን ርእዩ ኢዩ ንናጽንቱ ንክብሩ ንሓድነቱ ብዙሕ ዋጋ ከፊሉ እዚ ሕዝቢ በቲ ዝከፎሎ ዋጋ ዝረኮቦ ናጽነት ንከየስተማቅር ማሕንቆ ዝከውን ዘሎ እቲ ሕዝቢ ባዕሉ ዘይኮነ እቶም ሕዝባዊ ኢና ማለት ንሕዝቢ ኢና ተቃሊስና ዝብሉ ሕዝቢ ዝማሃሮም ሕዝቢ ናብ ዓወት ዘብጸሖም ናይ ፓለቲካ ተልመዴን ስርዓት ህግደፍ ኢዮም። ስለዚ እቲ ሕዝቢ አወንታውን አሉታውን ጎኑ ረጊኡ ክምርምር ዘለዎ ባዕሉ ኢዩ ምክንያቱ ለውጢ የድልዮ ምዃኑ ብሓቂ አሚኑ መፍትሒ ከናድየሉ ዝክእል ባዕሉ ሕዝቢ ኢዩ ግዜኡ ድማ ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚ ኢዩ ከምዝፍለጥ ሰንሰለታዊ መግዛእቲ አብ ሃገርና አብ ልዕሊ እቲ ተራ ሕዝቢ እዚ ዘይባሃል ናይ በደልን ግፍዕን በሰላ ገዲፉ ኢዩ ሓሊፉ ክሳብ ሎሚ ድማ ነዚ ተራ ሕዝቢ ሽግሩ ዝፈትሕ አካል ክርከብ አይተካእለን እዚ ኢዩ ድማ ዘሕዝነካ ናይ መግዛእቲ በሰላ ከይሓወየ ኢዩ ሎሚ’ውን ሕዝቢ ኤርትራ ክንዲ ብሰላምን ናጽነትን ዝድበስ በንጻሩ ብደቁ ብግፍዕን በደልን ተደቢሱ። ስለዚ አቲ ለውጢ ካባና ኢዩ ናይ 21 ጥሪ ስርሒት ንእሽተይ ቀዳድ ከፊታትልና አላ ስለዚ እቲ ቀንዲ ሕቶ ነዚ ዕድል እዚ ክንጥቀመሉ ማዕረ ክንደይ ተዳሊና አለና ? ማዕረ ክንደይ‘ከ ፍቃደኛታት ኢና እዚ ዕድል እዚ ተምሊጡና ግን ንማንም ክንወቅስ አይንክእልን ኢና ክንወቅስ እንተኮይና ንገዛእ ርእስና ጥራይ ኢዩ።

ምክንያቱ መላኪ ስርዓት አብ ዘለዎ ሃገር ሕዝቢ ካብ ድክነትን ድንቁርናን ክገላገል ሰብአዊ መሰለይ ናጽነተይ ይታሓሎ ዝብል ሕቶ ምልዓል እቲ ስርዓት አይፈቅድን ኢዩ።  ሕዝቢ ብናቱ ድሌትን ስምዒትን ተበጊሱ ናይ መሰል ሕቶ እንተልዒሉ ናይቲ ስርዓት መልሲ እቲ ጨካንን ርህራሄ ዘይብሉ ምላሽ ናብ ስልጣን ንክድይብ ዘክአሎን አብ ስልጣን ክቅጽል ዘክአሎን እቲ ከም ብዘይ ሓንጎል ዝምራሕ እንስሳ ሓይሊ ብምጥቃም ምእሳርን ምዕፋንን ጥራይ ኢዩ። ስለዚ ቃልስና ነዚ አብ ቅድሜና ተጋሪዱ ዘሎ ፈተና ንምሕላፍ ምዃኑ ንማንም ቡሩህ ኢዩ ። ሽሕ ግዜ እቲ ፈተና ጽንኩርን ፈታንን ይኩን ዳአ እመበር ብናይ ደቂ ሰባት ናይ ሓባር ጻዕሪ ዘይቃለልን ዘይፍታሕን ወላሓደ ዓይነት ናይ ሓባር ሽግር የለን ብዝብል ናይ ሓባር ራእይ መሰረት ብምግባር ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ተደጋጊፍና ብጽንዓትን ሓቦን ብምቅላስ ብሓባር አብ ዝተለምናዮ ዕላማ ከምንበጽሕ ብጽኑዕ ክንአምን ይግባና። ናይ ሓደ መጥቃዕቲ ነቲ ካልእ መውጋእቲ ክከውን ይግባእ፡፡

እቲ ሎሚ ዘሰክፍ ኮይኑ ዘሎ ትማሊ ሕዝቢ ኤርትራ ተስፋ ዘይቆርጽ ወይ ተስፋ ንዘይሙቅራጽ ተስፋ ዝገብርን ካልእ ተስፋ ዝገብረሉ ሰበብ ካብ ምንዳይ ዓዲ አይውዕልን ኔሩ ሎሚ ግን ምስ ተስፋ ሙቁራጽ ዝተዓራረክና ንመስል አለና ምክንያቱ ገለ ሰባት ክቃለሱ ምስዝብገሱ እቲ ካልእ ብቀጥታ ይኩን ብተዘዋዋሪ ተስፋ ቆሪጾም ኮፍ ክብሉ ይመክር ወይ ሓንቲ ክትገብር አይትክእልን ኢካ ኢሉ ከልምሰካ ይፍትን ስለዚ ናይ ገዛእ ነብስና ናጽነት ቀንዲ ጸላእቲ ባዕልና ኢና ብዘይ ቃልሲ ለውጢ ክመጽእ ከምዘይክእል እንዳፈለጥና እሞ ድማ ምስ ውልቀ መለክቲ ምስ ጨኮንቲ ምትሕብባር መፍትሒ ክርከብ ከምዘይካአል እንዳፈለጥና እቲ ዘሕዝን ነቲ ስቃይናን መከራናን ዘናውሕ ነቲ ሽግርና ንክብእስ ምክንያት ዝኮኑ ነገራት እንዳፈጸምና አሜን ኢልና እንዳተጎዓዝና ተገልቢጥና ነልቅስ ምክንያቱ መለክቲ ስርዓታት እቲ ቀንዲ ዘድልዮምን ዝሰርሑሉን ነገር እቲ ሕዝቢ ሙሉእ ብሙሉእ አሜን ኢሉ ተግባራቶም ዘተግብሮሎም ወይ ታአዛዚ ከምዝከውን ምግባር ኢዩ በዚ ድማ ነቲ ጨዃንን መላኪ ስርዓት ካብ ሰልጣን ክትአልዮ አዝዩ ከቢድን ሕልክላክን ዝመላኦ ነገር ዝከውን ዘሎ ምክንያቱ ንክልተ ነገር ኢካ ክትቃለስ ማለት ኢዩ ብመጀመርያ ነቲ ሕዝቢ ለዊጥካን የእሚንካን አብ ጎንካ ንምስላፍን ቀጺልካ ነቲ ስርዓት ምእላይን ወይ ምልዋጥን ምክንያቱ ኩሉ ግዜ ብዘይ ናይ ሕዝቢ ተሳታፍነት ዝግበር ቃልሲ ስድሪ አየከይድን ኢዩ በዚ ኢዮም ድማ ውልቀመለክቲ ንሕዝቢ ብፍታው ይኩን ብዘይ ፍታው ናቱ ተአዘዝትን ናይ ተግባራቱ ተግበርትን ከምዝኮኑ ዝገብሮም ዘሎ፡፡

ስለዚ እቲ ቀንዲ ክንገብሮ ዘለና ድማ ሕዝቢ እምቢ ክብል ክክአል አለዎ እቲ ናይ ሕዝቢ እምቢታ ቡዙሕ ዓይነት ኢዩ እቲ ቀንዲ ብሰላማዊ መገዲ ናዕቢ ምክያድ ኢዩ ስለዚ ሰላማዊ ቃልሲ ወይ ናዕቢ ምግባር አብ ሃገርና ከም ሓደ ከቢድን ዘይካአልን ነገር ክውሰድ ይካአል ይከውን ልክዕ ኢዩ አሸጋርን ከቢድን ክከውን ይክእል ኢዩ ሕዝቢ ሒዝካን ሕዝቢ የእሚንካን ዘይከውንን ዘይካልን ነገር የለን ምክንያቱ ካብ እንዳነበርካ ማለት ብሕይወትካ ሙሟት ሓንሳብን ኩቡር ሞት ሙሟት ይበልጽ እዚ ማለት ድማ ንዝመጽእ ኩሉ ንምቅባል ድልውነት ይሓትት ስለዚ እዚ ሰለማዊ ቃልሲ ኩቡር ዋጋ አለዎ ምናልባት ሕጂ ክራኣየና አይክእልን ይኸውን ክንፈልጦን ከነስተማቅሮን ንክእል ንዝአመናሉ ዕላማ አብ ተግባር ከነውዕሎ ምስንክእል ጥራይ ኢዩ። ስለዚ ከምዚ ዓይነት ናይ ስርዓት ለውጢ ሕዝባዊ ብምዃኑ ዘተአማምንን መሰረቱ ዘይንቅነቅ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ አብ ስልጣን ዝመጽ ፓርቲ ይኩን ካልእ አካል ዘተአማምንን ዋሕስ ዘለዎን ኢዩ፡፡ እዚ ድማ ብሃውሪ ዘይኮነ እቲ ሕዝቢ ነዚ እስትራተጂካዊ ንድፊ ብጉብእ አፍልጦ ከም ዝህልዎ ክግበር አለዎ እዚ አፍልጦ እቲ ቀንዲ ጥቅሙ ናይ ሕዝቢ ሞራል ሓፍ ከምዝብል ምግባርን ከምኡ’ውን እቲ ሕዝባዊ ተሳትፎ ከምዝዓብን እቶም ብሕዝቢ ዝግበሩ ወይ ዝውሰዱ ውሳኔታት ካብ ጌጋ ናጻ ንክኮኑ ሓጋዚ ይከውን፡፡ አብ ዝመጽእ ጽሑፈይ ብዛዕባ ሰላማዊ ቃልሲ ወይ ናዕቢ አስፍሔ ክገልጾ ክፍትን ኢየ፡፡

እዚ ሰላማዊ ቃልሲ እንተዘይተዓዊቱ እቲ ካልአይ አማራጺ ድማ ብረት ምልዓል ኢዩ ወታሃደራዊ ቃልሲ ንምጅማር ናይ ግድን ኣእላፍ ሰራዊት አይኮነን ዘድልየካ ታሪክ ከምዝምህረና ሰውራታት ብውሑዳት ሰባት ኢየን ዝቆማ ስለዚ አብ ዝኮነ ሃገር ኮንካ ክትወዳደብ ይካአል ኢዩ እቲ ቀንዲ ከኪደካ ዝክእል ሓድነት ኢዩ ካልአይ ድማ ንጹር ዕላማ ወይ ራእይ ሒዝካ ምጉዓዝ ደሐር ኩሉ ንምፍጻም ቀሊል ኢዩ ሰባት የእሚንካ አብ ጎንካ ንምስላፍን ሓገዛት ንምርካብን እቲ ናትካ አከያይዳን እቲ ንጹር ዕላማን ኢዩ ዝውስኖ ቀጺልካ ዝግበር ዶባት እንዳሰገርካ ቃልስካ ተካይድ በዚ ድማ በብግዜኡ ቁጽሪ እንዳወሰከ ከምዝከይድ ርግጸኛ ኢየ ምናልባት ገለ ድኩም አተሓሳስባ ዘለዎም ነዚ ከምዚ ተበግሶ ዘነአእሱን ክከውን ከምዘይክእልን አምሲሎም ዘቅርቡ ነቲ ክቃለስ ዝደሊ ተሰፋ ኮቅሩጹ ዝብገሱ ፍልጠቶም አብ አፎም ጥራይ ዝኮኑ ሰባት አይሳአኑን ኢዮም። እዚኦም ድማ እቶም ፈራሓት ኢዮም ፈራሕ ኩሉ ግዜ ብዛዕባ ከብዱ እምበር ብዛዕባ ሃገሩ ግዲ የብሉን ዝበልዖን ገንዘብን ተረኪቡ አብ ዝሃለወ ሃልዩ ናይ ከብዱ ባርያ ኢዩ ዝከውን እቲ ደፋር ግን ብዛዕባ ሃገሩን ሕዝቡን ናጽነት ኢዩ ዝሓስብ እንተለዎ ድማ የካፍል ብተወሳኪ ደፋር ሰብ ንሃገሩን ሕዝቡን ተሓባቢሩ ከም ዓቅሙ ነቲ ቃልሲ ንምዕዋት ዝካአሎ ሓገዛት የወፊ ክሳብ ሕይወቱ ንምብጃው ውን ድልው ኢዩ ።

ከምዚ ክብል ከለኩ ቀሊል ኢዩ ማለተይ አይኮነን እዚ ናይ ኩዕሶ እግሪ ጋንታታት ንሙቛም አይኮነን ሕይወት ሰባት ዝሓትት ኢዩ እዚ ድማ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ ኢዩ ብፍላይ ውትህድርና ዝፈልጥ ወይ ጉቡእ ታዕሊምን ትምህርትን ዝወሰደ ዘየድሊ ሞት ዘይኮነ ተቃሊስካ ኩቡር ሞት ሙሟት ኢዩ ዝመርጽ፡፡

 

ስለዚ ኤርትራና ዘድልያ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ካብ ሱሩ ተበንቂሱ ናይ ደቂ ሰባት ማዕርነት ብኩሉ ሸነካ ዝሰፈና ሕግን ፍትሕን ዝነገሳ ብቅዋም እትምራሕ ሃገር ውሕስነት ዘለዋን ብዲሞክራሲ ትምራሕ ኤርትራ ምምስራተ ኢዩ። ብርግጽ ቃልሲ ከቢድ ኢዩ ስለዚ ልዕሊ ኩሉ ነብስካ ምድላው ወሳኒ ኢዩ ልክዕ ኢዩ ንተቃውሞ ተከቲሉ ዝመጽእ ዝኮነ ይኩን መስዋእትነት ንምክፋል’ውን ድልውነትካ ምርግጋጽ’ውን የድሊ ሽዑ ኢዩ ሕድሪ ሰማእታትና ተተግቢሩ ንብል፡፡ ሽዑ ኢዩ ድማ አነ ንስካ ንስኪ ኩልና ኤርትራውነትና ብተግባር ነረጋግጸሉ፡፡

ስለዚ ጸቂጠ ክዛረበላ ዝደሊ ቡዙሓት ሰባት ተስፋ ቆሪጸም ተስፋ ዘቁርጹ አለዉ ብዛዕባ ብረት ሒዝካ ምቅላስ ገለ ከተልዕለሎም ኮለካ ይስሕቁካ ክክውን ከምዘይክእልን ታሓልም አለካ ዝዓይነቱ ዘረባ ኢዮም ዘሰሙዑካ ሎሚ መን አሎ ብረት ዘልዕል ዝቃለስ ሰብ አይርከብን ኢዩ ይብሉካ መን’ከ አሎ ክዋጋና ዝክአል ኢልካ እንተሓቲትካዮም ግን መልሲ የብሎምን ምክንያቱ ሎሚ አብ ኤርትራ ሰራዊት  አሎ ኢልና ብድፍረት ክንዛረብ አይንክእልን ኢና እዚ ማለት ድማ ብልቢ ነዚ ዘሎ ሰርዓት አሚኑ ምስኡ ጠጠው ኢሉ ክዋጋእ ወይ ክከላከል ዝክእል ሰራዊት የለን እሞ ድማ ንሕዋቱ ብፍጹም የለን ምክንያቱ ኩሉ በቲ ስርዓት ዝተማረረን ብሕዝቡ ዝሓመመን ኢዩ ቦታን ዕድልን ጥራይ ኢዩ ዝጽበ ዘሎ እምበር ኮፍ ክብል ዝደሊ ማንም ሰራዊት የለን ኢልና ብሙሉእ እምነት ክንዛረብ ንክእል እዚ ሓቂ ስለዝፈለጠ ኢዩ ድማ ሰርዓት ህግደፍ ከም እሙናት ሰራዊቱ ገይሩ ንደምሒት ልዕሊ ሰራዊቱ ዝሕብሕብን ዝንከባከብን ዘሎ ስለዚ እቲ ተራ ናትና ብሓይሊ ምጥቃም ጥራይ ዘይኮነ ብሓንጎልና ውን ክንጥቀም አለና እዚ ማለት ድማ አብ ፓለቲካ ጎስጎስ አዚና ብሉጻት ክንከውን አለና ምከንያቱ ካብ ኩናት ንላዕሊ ሰባት የእሚነካ አብ ጎንካ ብከመይ ተሰልፎም ይከብድ ስለዚ ንነብስና ንሕተት አብ ኩውን ንምጻእ ብረት አልዒልካ ምቅላስ ክካአል አይካአልን ድዩ ? እንተኢልና ይካአል እምበር መን አይካአለን ኢሉ ? ትማሊ አብ ግዜ ሰውራ ኩሉ ድዩ ብረት አልዒሉ ተቃሊሱ ብውሑዳት ጀሚሩ ምስግዜ ዓብዩ ኩሉ ድማ ብንዋት ብጉልበት ነዛ ሃገር ሰሪሑ ሎሚ ውን ከምኡ ክቃለስ ዝደሊ ሰብ መሊኡ አሎ እቲ ጸገም ግን ባዕልና ኢና ንፈጥሮ ዘለና ክከውን ከምዘይክእልን ዝቃለስ ሰብ ክርከብ ከምዘይክእልን ንሓንጎልና ነእምኖ አለና በዚ ድማ ለሚስና ሰባት ነልምስ አለና አብ ዓለም ዘይካአል ነገር የለን ግደፍ እዚ ንቡር ዝኮነ ነገር ብረት ሒዝካ ምቅላስ ክንደይ ዘይእመንን ፍጡር ወዲ ሰብ ይገብሮ ኢዩ ኢልካ ዘይትግምቶን ዘይትሓስቦን ነገራት አብ ዓለምና ተራእዮምን ይራአዩን አለዉ ስለዚ ምብጋስ ጥራይ ኢዩ እቲ ወሳኒ ምክንያቱ ክንገብር ስለዘይንክእል ዘይኮነ ክንገብር ስለ ዘይንብገስ ዘለና ኢና ነገራት ነክብዶም ዘለና፡፡

ስለዚ በጃኩም ሓደ ክትግበር ዝክእለ ምስሊ አብ ኣአምሮና ንፍጠር። ሐደ መዓልቲ ለውጢ ክንረክብ ምዃናን ሕዝብና ብሰላምን ፍቅርን ብዲሞክራሰን ፍትሕን ክነብር ምኻኑ ዝብል አብ አእምሮና ንቅረጾ እሞ ሽዑ ንበገስ  ከምዚ ክብል ከለኩ ነገራት አብ ኣእምሮካ ጥራይ ቀሪጽካ አብ ዓወት ክትበጽሕ ትክእል ኢካ ማለተይ አይኮነን ኮይኑ ግን ጸገማትካ ንክፍትሑን ራኢካን ክዉን ንምግባርን መንገዲ ክጸርገልካ ይክእል ኢዩ ኮይኑ ግን ጸገማትና ክፍትሑ ጽንዓት ጻዕርን ተወፋይነትን ዘለዎ ቃልሲ የድልየና። በዚ ድማ እቲ ክንረክቦ ንደሊ ዘለና ለውጢ ክመጽእ ይክእል ። ስለዚ ንበገስ…

ስርዓት ህግደፍ እቲ ቀንዲ ተግባራቱ ንናቱ ህላወ ወይ ዕድመ ንምንዋሕ ጥራይ ኢዩ ዝሰርሕ ብዛዕባ ሕዝቢ ቅንጣብ ግዲ የብሉን ባዕሉ ዲክታቶር ኢሰያስ አብዚ ቀረባ ግዜ ንኩሎም ሓለፍቲ አኪቡ አብ ስልጣነይ ዝመጸኒ አይምሕሮን ኢየ ዝዓይነቱ ዘረባ ከምተዛረቦም ተሰሚዑ አሎ ስለዚ እቲ ናትና ተራ ነቲ ዝሕልኖ ዘሎ ናይ ዕድመኡ ምንዋሕ ርኩስ ተግባር ባዕልና ከነሕጽሮን ክንገትኦን ክንቃለሶን አለና ምክንያቱ ህግደፋውያን ክቁጸሩ ከለዉ ውሑዳት ኢዮም ስለዚ ውሑድ ነገር ክቁጸር ኮሎ ውሑድ ሙዃኑ ስለዘይተርፎ ምውዳቆም ድማ ናይ ግድን ኢዩ ስለዚ ቃልስና ብዕላማን ራእይን ዝተሰነየን ብስነ-ስርዓት ዝተመርሔ ክክውን ይግባእ።

ምክንያቱ ስርዓት ህግደፍ ንባዕሉ ወይ ንነብሱ ዘይአምንን አብ አባላቱ’ውን ሕድሕድ ምትእምናን ዘይብሉ ሰርዓት ኢዩ ከምዚ ዘበለኒ ምክንያት ድማ እዚ ስርዓት ህግደፍ ባዕሉ ዘውጸኦ ሕጊ ከይተረፈ ከተግብር ዘይክእል ስርዓት አልቦ እንዳኮነ ይመጽእ ከም ዘሎ ንርኢ አለና።

አብዚአ ግን ክብላ ዝደሊ ገለ ገለ ሰባት ተቃወምቲ ኢና ባሃልቲ አብ ዝገብርዎ ቃለ መጠይቅ ዘይሓላፍነታዊ ዘረባታት ክዛረቡ ይስመዑ ኢዮም በዚ ዝግበር ዘሎ ቃልስን ክግበር ዝግባኦን ነገራት ነቲ ሕዝቢ ብፍላይ ነዚ መንእሰይ ተስፋ ዘስንቅ አብ ክንዲ ዝከውን ዘረብኦም በንጻሩ ተስፋ ዘቁርጽን ሓንቲ ክንገብር አይንክእልን ኢና ስለዚ ካብ ምድካም ኢድናን እግርናን አጣሚርና ንጸበ ናብ ዝብል ትርጉም ቅርበት ዘለዎ ዘረባታት ኢዮም ዘስምዑና ዘለዉ ብፍላይ ነዚ መንእሰይ ሓንቲ ከምዘይገብርን ማለት ካብዚ ሎሚ ዘሎ መንእሰይ ወላሓንቲ ለውጢ ክንጽበ ከምዘይብልና ብድፍረት ይገልጹልና አለዉ መን ኢዮም እዞኦም ሰባት ባዕሎም ወይ ባዕልና ዘይኮና ታሪክ ክገልጸልና ኢዩ ብፍላይ ሓደ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ዘረባ ሞሊቁኒ’ዶ አሽሪፎማ ዝበለ ሕጂ’ውን መሊቁዎ’ዶ ይከውን ? እዚ መንእሰይ ወላሓንቲ ክገብር አይክእልን ኢዩ ዝበለና? ግን እዚ ሰብ ነዞም መንእሰያት ብከመይ ፈሪድዎም በየናይ መለክዒ ? ከም ወርቂ ብሓዊ ፈቲንዎም ደዩ ? ብዝኮነ ካብ ሓደ ዘመዛዝን ሙሉእ ሰብ ከምዚ ዓይነት ዘረባ አይትጽበይን ኢካ ደይ መደይ ኢሉ ዝሓለፈ ድክመታቱ ክሽፍን ተዘይኮይኑ፡፡

ካልአይ ድማ ንምንታይ ኢና ነዚ መስኪን መንእሰይ ኩሉ ግዜ ታርጌት ንገብሮ እንታይ ስለዝገበረ ኢዩ እቲ ዝካአሎ ገይሩ ኢዩ እዚ መንእሰይ ሎሚ መሪርዎ እንተተሰደደ ትማሊ ሃገር አውሒሱ ኢዩ እኾ ግን በንጻሩ ክንዲ ጻምኡ ተጋፊዑ ተቀጥቂጡ ታአሲሩ ኢዩ እዚ መንእሰይ፡፡ ሎሚ ግን ልዕሊ ዓቅሙ ምስኮኖ ሃገር ገዲፉ ተሰዲዱ ስለዚ ንምንታይ ግን ከም ሓደ ቁምነገር ዘይብሉ ለውጢ ከምጽእ ከምዘይክእል ከም ሓደ ሉሙስ ፍጥረት ዝርኤ ዘሎ፡፡ ነዚ ዘለናዮ ሑሱም ግዜ ክውለድ ዘክአለ መን ድዩ እቲ ብልቢ ዝቃለስ ነበረ መንእሰይ ንግደፎ እሞ እቲ ኩሉ ዝግበር ነበረ ሽርሕን ዕንወትን ዝፍልጥ ነበረ ናይ ትማሊ መንእሰይ’ዶ አይኮነን እቲ ስቅታኡን አብ ዕንወት ኢድካ ምሕዋስን’ዶ አይኮነን ነዚ ሎሚ ዘሎ ጋሕማጥ ምሕደራ ክውለድ ዝገበረ ወይ ዘክአለ፡፡ ስለዚ ቀደም ዝገበርናዮ ወይ ዝፈጸምናዮ ጌጋ አይንደባብስ ስለዚ ካብ ጌጋና ተናሲሕና ክንዲ ነዚ ወለዶ መንእሰይ ክንዲ በርትዕ አጁካ እንዳበልካ ሞራል ከምዝሰንቅ ምግባር በንጻሩ ሓንቲ ከምዘይገብርን ሕዝቢ ነዚ መንእሰይ ለውጢ ከምጽአሉ ኢሉ ከይጽበ ይብሉና አለዉ እዚ ግን እንታይነትካ ምግላጽ ኢዩ ከምኡ ድማ አብዚ ልዕሊ መንእሰይ ዘለካ ክብሪ ትሑት ምዃኑ ኢዩ ዘርኢ ምክንያቱ ንሓደ ወላ ክገብር ዘይክእል ሰነፍ ሰብ ከማን ንስካ ሱቅ ኢልካ ኢካ ተስፋ የብልካን አይትብሎን ኢካ በንጻሩ ከተተባብዖን ጌጋ ተለዎ ጌጋታቱ ክትእርሞ ኢዩ ዘለካ ስለዚ በጃኩም የሕዋት ኒሕ ተቀኒትና ነዚ ከምዚ ዓይነት ዘረባታት ነክሽፎ እሞ መን ምዃናን ክንገብር ከም ንክእልን ብተግባር ነቲ አብ መረብ ሰቲት ፤ አብ እግሪ መኸል ፤ አብ ዛላምበሳ ፤ አብ ዓሰብን ካልእን ቦታታት ዘርአናዮ ጅግንነትን ተወፋይነትን ንድጎሞ እሞ ነርእዮም ነዞም ሰባት ክሳብ ክልተ ግዜ ዝዛረቡ፡፡

ስለዚ በጃኩም ሕድሕድ ምንዕዓቅ ነወግዶ ሓቢርና ኢሂን ምሂን ንበል ልዕሊ ኩሉ ድማ ንናይ ጽባሕ ክንሓስብ አለና ሎሚ ውሽጣዊ ዲሞክራሲ ከነማዕብል ክንክእል አለና ምክንያቱ አብ ዝኮነ ፓለቲካዊ፤ ወታሃደራዊ ፤ ማሕበራዊ ጥዕና ዘለዎ አከያይዳ ተሎ ኢሂን ምሂን አሎ ርእይቶ አሎ ነቀፌታ አሎ አብ መወዳእታ ምምስጋን አሎ ብከምዚ መገዲ ኢዩ ድማ እቲ ለውጥን እቲ ቅኑዕ አከያይዳን አሰራርሓን ክመጽአን ክትግበርን ዝክእል። አብዚአ ግን ክትፍለጥ ዘለዎ ነገር ምዝታይ ወይ ኢሂን ምሂን ምባል አብ ሕድሕድ ምዝርራብ ዘተኮረ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ቀንዲ ምስምማዕ ክህሉ አለዎ እዛ ምስምማዕ ብክልተ ነገር ክንርአያ አለና ቀዳማይ ሕድሕድ ምስምማዕ ወይ ስምምዕ ክህሉ አለዎ ካልአይ ድማ ምስምማዕ (ምድምማጽ) ክብል ከለኩ ሓደ ንሓደ ክሰምዕ ክክእል አለዎ ማለት እንታይ ክብል ደልዩ ክሳብ መወዳእታ ክንሰምዖ ክንክእል አለና ምከንያቱ ናይ ሓደ ሰብ ሓሳቡ ከይፈለጥካ ዘረብኡ ከይሰማዕካ ክትፈርዶ ገበን ኢዩ፡፡

 

ለውጢ ናይ ተፈጥሮ ሕጊ ኢዩ ስለዚ ሎሚ ለውጢ ክንብል ኮለና ከምዚ ስርዓት ህግደፍ ዝገብሮ ናይ ሚኒስትራት ምልውዋጥ አይኮነን ብሓጺሩ ንሕና ንደልዮ ዘለና ናይ ስልጣን ለውጢ ዘይኮነ መሰረታዊ ናይ ስርዓት ለውጢ ኢዩ አዚ ኢዩ ድማ ዘድልየና ዘሎ ምክንያቱ ካልአ ይትረፍ ወዲ ሰብ አብቲ መዓልታዊ ዝምገቦ መግቢ ለውጢ የድልዮ ኢዩ ምክንያቱ ኩሉ ግዜ አብ ሕይወትና ብዘይ ለውጢ ለውጢ ከነምጽእ አይንክእልን ኢና፡፡

 

ስለዚ ዝኮነ ነገር ግዜ ተወሲዱ ምብልሻዉ አይተርፎን ኢዩ ልክዕ ሓደ ስርዓት ክአርግ ከሎ አብ ብልሽውናን አብ ምቅታልን ምእሳርን ኢዩ ዝዋፈር እዚ ድማ አብ ሃገርና ዘሎ ናይ ሰርዓት ህግደፍ አከያይዳ ህያው ምስክር ኢዩ ስለዚ ካብዚ መሰረታዊ ሓቂ ብምብጋስ ብውሑሉል አገባብ ኩሉ ዘሳትፍ ንሃገርን ንሕዝብን ዝጠቅም ንሓዋሩ መፍትሒ ዝከውን ለውጢ ከምዘደልየና ካብ ማንም ዝስወር አይኮነን፡፡

እቲ ከም ዓቢ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ኤርትራ ሰላም ረኪባ አይረኪባ ብዲሞክራሲ ትመራሕ አይትመራሕ ዘየገድሶም ዕላምኦም ጥራይ ንምውቃዕ ዝሰርሑ ሰባት ስለዘለዉ ነዚ ቃልሲ ናብ ዝተወሳሰበን ሰባት አብ ምፍንታት ከምዝአትዉን እቲ ጉዕዞ ንድሕሪት ንክጉተት አክኢልዎ ኢዩ። ስለዚ ብናይ ሓደ ወገን ልዕልና ጥራይ ትምራሕ ሃገር ዘይኮነ እቲ ዘድልየና ዘሎ ኩሉ ሕዝቢ ኤርትራ ብማዕረ ዘሳተፈ ብዲሞክራስያዊ መገዲ ትምራሕ ልኡላዊት ሃገር ንምህናጽ ኢዩ እዚ ንምትግባር ግን አነ ንስካ ንስኪ ኩልና ጽኑዕ ናይ ሓድነትን መትከልን መስዋእትነትን ጥራይ ኢዩ ዘድልየና ምከንያቱ ብሓባር ወይ ሓድነት ብምፍጣር ትገብሮ ቃልሲ ናይ መጀመርያ ፈተና ዝሓልፍ ብቀሊል ዘይግማዕ ድልዱል መሰረት ዘለዎ ሓድነት ምስ ትምስርት ኢዩ፡፡

ስለዚ አነ ዝብል እዘን ዝተፈላለያ ውዱባት ተተካኢሉ አብ ሓደ እንኮ ውዱብ ክጥርነፋ ክክእላ አለወን ስማዊ ዘይኮነ አብ ሓቅን ቅንዕናን ዝተመስረተ ኪዳን ንጹር ራእይ ዘለዎ አብ ሕድሕድ ፍቅርን ስኒትን ዝአምን ብጉዳይ ሃገር ዝሓምም ድልዱልን ብቀሊል ዘይግማዕ ሃገራዊ ሕዝባዊ ውዱብ ክንምስርት ክንክእል አለና ምክንያቱ ቃልሰና ሕዝቢ ከይበታተንን ድሌቱ ከነማልእን እንተኮይና ናይ ግድን ሎሚ ሓድነትና ከነደልድልን ብሓባር ከንቃለሰን አለና ምከንያቱ ሎሚ ተወሃሂድካ ዘይምቅላስ ብመጀመርያ ንድሌታትናን ንግላዊ ዕግበትናን ኢድና ስለዝሃብና እዚ ድማ ንነብስና ከንገዝእ ዘይምክአልና ኢዩ ዘርእየና ንነብሱ ክገዝእ ዘይካአለ ወይ ክእርም ዘይካአለ ሰብ ድማ ንናይ ሕዝቢ ድሌትን ሃንቀውታን ብምንም ታአምር ከረጋግጽ አይክእልን ኢዩ።

ስለዚ ለውጢ አገዳሲ ኢዩ እዚ ድማ ብዱልዱል ሰረት ዝተሃነጸ ሃገራዊ ናይ ሓባር ናይ ፓለቲካ ፓርቲ ቆይሙ ኩሉ ብማዕረ ዘሳትፍ ናይ ዲሞክራሲ ባህሊ አብ ተግባር ዝስራሓሉ ክህሉ አለዎ ከምዚ ዓይነት አከያይዳ ዘይምህላው ኢዩ ንቃልስና ዝዕንቁጾ ዘሎ ምከንያቱ ለውጢ ዝጅምር አብ ላዕሊ ከምዝገለጽኩዎ ካባና ካብ ነብስና ኢዩ ምክንያቱ ንነብስና ተዘይለዊጥና ቃልስና ሃገራዊ ዑምቆት ዝሓዘለ አይክከውንን ኢዩ እዚ ማለት ድማ ቃልሰና አብ ናይ ግልና ሕይወት ዘተኮረ ዘይኮነ አብ ሃገራዊ ፍቅሪ ፤ አብ ናይ ሃገር ታሪክ ፤ አብ ናይ ሃገር ባህልን ልምድን ዝተመስረተ ክከውን አለዎ ብተወሳኪ ድማ ለውጢ ብጽቡቅ ድሌት ጥራይ ወይ ብስምዒትን ብዓይኒ ጽልኢ እንዳተራኣኣካ አይኮነን ዝመጽእ ብመጀመርያ ከምዝገለጽኩዎ ካባና ካብ ነብስና ኢዩ። ልዕሊ ኩሉ ድማ ነፍስ ወከፍ ኤርትራዊ ብዛዕባ ሃገሩ ከገድሶ ክክእል አለዎ ዝብል መሰረታዊ ሓሳብ ክንአምነሉን ክንቅበሎን ይግባአና።

ምክንያቱ ዲሞክራሲ እቲ ቀንዲ አማራጺ ኢዩ ኢልና አንተአሚንና ምስ ካልኦት ብንገብሮ ርክብ ወይ  ዝርርብ ባህረያትና ይኩን ሰራሕና ዲሞክራሲ ዝተላበሰ አሰራርሓ ከነርኢ ግዴታና ኢዩ ኮይኑ ግን እቲ ጸገም አሎ ሕድሕድ ስምማዕን ምክብባር የብልናን ስለዚ ክንሰማማዕ ዘይካልና ሽሕ እዃ እቲ ዕላማናን ራኢናን ንህግደፍ ንምእላይ እንተኮነ አብ ሓደ መስመር ግን ክንጎዓዝ አይካልናን በንጻሩ በቲ ናይ ህግደፍ ዝፈጥሮ ናይ ምብትታን ሸርሒ ንጎዓዝን አብ ተግባር ድማ ነውዕሎን አለና። ስለዚ አብቲ መጻወድያኦም እንተአቲና ለውጢ ዝባሃል አይክነምጽእን ኢና። ለውጢ እንተረከብና ውን ካብዚ ሕማም እንተዘይተአሊና ወይ ሎሚ ብእዋኑ ተዘይፈዊስናዮ ክደግሰና ከም ምዃኑ ክንርስዕ የብልናን፡፡

ስለዚ ሕዝብናን ሃገርናን ንምድሓን እንድሕር ደሊና ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝለዓለ ብምትእክካብን ብሓባር ንናይ ሓባር ዕላማ አብ ትሕቲ ሓበራዊ ስምምዕ ዝተመስረተ ቃልሲ ከነካይድ አለና እዚ ድማ ይጽናሓለይ ወይ እዚ ግዜ ዝሓለፎ ኢዩ ንጽባሕ ዝባሃል ጉዳይ አይኮነን፡፡

ስለዚ ሎሚ ሓድነት ፈጢርና ክንቃለስ እንተዘይተበጊስና ወይ እንተዘይኪኢልና ነዚ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ዕድምኡ አብ ምንዋሕ ዓቢ ተራ ንጻወት አለና ማለት ኢዩ። ስለዚ ድማ ንማንም ዘይኮነ ንነብስና ኢና ክንውንጅል ዘለና።

ምክንያቱ ብዝኮነ መለክዒ ካብ ስርዓት ህግደፍ ጥዑይ ነገር ወይ ብቅንዕና ምሕሳብ ይኩን ምስራሕ እዚ ብፍጹም አይናቶምን ኢዩ ከምዚ’ውን ሙዃኖም ክንዝንግዕ የብለናን ምክንያቱ ኮነ ኢሎም ታሪክ ከጥፍኡ ዝተበገሱ አድማዒ ስራሕ ካብ ምስራሕ አዕናዊ ስራሕ ንምሰራሕ ዝወዳደሮም ዘይብሎም አረሜን ሰባት ምዃኖም ክንርስዕ የብልናን ስለዚ ካብዚኦም ፍትሕን ዲሞክራሰን ምጽባይ አድጊ ቀርኒ ከውጽእ ምጽባይ ይቀልል።

ስለዚ እዚ ንሃገርና አነጸላሊዋ ዘሎ ሓደጋ ካብ ስሩ ንምእላይ ናይ ሕዝቢ ሰላም፤ ነጽነት ፤ ማዕርነት ፤ርግአት ፤ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካልን ቀጻልነት ዘለዎ ፍትሓዊ መንግስቲ ንምምስራት ኢዩ እዚኦም ነገራት ንምርካብ ግን ከምቲ ስርዓት ህግደፍ ዝገበሮ አብ ጽልእን ትዕቢትን ዝተመስረቱ ክኮኑ የብሎምን ካብዚ ትመህርቲ ወሲድና ከሉ ምንቅስቃሳትና ንዝመጽእ ወለዶ አብ ግምት ዘእተወን ተስፋ ዝህብን ንኩሉ ሕዝቢ ብማዕረ ዘገልግል ክከውን አለዎ ስለዚ ነቲ ዝሓለፈ ነገር እንድሕር ስዒብናዮ ስድሪ አይክንሱጉምን ኢና ስለዚ ብሓድሽ ራእይ እንድሕር ተጎዒዝና ፍትሓዊ ስርዓት ንምህናጽ እቲ ዕድል ልዑልን ውሑሱን ኢዩ ስለዚ ናይ ሽግራትና መበገሲ ዝኮኑ ነገራት ምልስ ኢልና ምስንዕዘብን ምስንምርምርን መልስታትና ክንረክቦም ኢና ዝብል እምነት አለኒ።

እዚ ድማ ስርዓት ህግደፍ በቶም ናቱ ሃሱሳት ይኩን ብዝተፈላለየ መገዲ ወይ ሜላ አብ መንጎ ተቃወምቲ ፍልልይ ከምዝፍጠርን ሕድሕድ ምውንጃል ከምዝህሉ ምግባርን እቲ ቀንዲ ሰርሑ ኢዩ ነዚ ኢና ክንነቅሓሉ ዘለና ምከንያቱ እቲ አብ ነንሕድሕድና አብ ምውንጃል ነጥፍኦ ሓይሊ ፤ ፍልጠት ፤ ገንዘብ ካልእን አብ ማዓላ ማለት አብ ዘሰማሙዑና ነገራት አውዒልናዮም ኔርና እንተንከውን አብ ሓደ ዕላማ ምስጸናዕና ኔርና ክሳብ ሎሚ ድማ ሓደ ዘኩርዕ ስራሕ ምሰረሕና ሃገርና ድማ ካብዚ ስርዓት መናገፍናያ ሕጂ’ውን ፍቃደኛታት ተኮይና ድሌት ተሎ ዘይካአለ ነገር የለን ብቅንዕና ምብጋስ ጥራይ ኢዩ እቲ ወሳኒ፡፡

ብፍጹም አብ ዓለምና ዘይካአል ነገር የለን ብጀካ እቲ ናይ ተፈጥሮ ሕጊ ዝኮነ ሞት ኢና ክንቅይሮ ዘይንክእል እምበር ሰባት ዝፈጠርዎ ሕጊ ይኩን ስርዓት ክንቅይሮ ንክአል ኢና። ስለዚ ህግደፋውያን ከማና ሰባት ኢዮም እኮ ንምንታይ ንፈርሕ ሰብ አብ ሕይወት ዘመኑ ንሓደ አምላክ ጥራይ ክፈርሕ አለዎ ሎሚ ድዩ ጽባሕ እታ ሞት ከምዘይትንሕፈና ክንዝክር አለና ኩቡር ሞት ንሙት በጃኩም ሕይወት ሓጻር ኢያ እዛ ሓጻር ዕድመ መሊሳ ከምትሓጽር እንዳገበረ እዚ ስርዓት ተዓዘብቲ አይንኩን ንዋሳእ ከምዚ ክብል ከለኩ ስርዓት ህግደፍ ብምቅዋም ጥራይ ንበይኑ ሽግራትና ክፈትሕ አይክእልን ኢዩ፡፡ እቲ ቀንድን ከቢድን መሕንቆ ኮይኑ ዘሎ እቲ ዘይንዘራረበሉ ዘለና ናይ ገዛእ ርእስና ድክመታት ኢዩ ምከንያቱ ክንዲ አርአያ ምዃን በንጻሩ ጽልእን ቂሚን ምንጋስ ፤ ሕድሕድ  ዘላፋታት ፤ ብዓቢኡ ድማ ምፍልላይ እቲ ቀንዲ መለለይና ኮይኑ አሎ እዚ ድማ እቲ ሽግራትና ብህድአት ብምምክካር ብምጽውዋር ብዓቢኡ ድማ ብምርድዳእ ክንፈትሖ ዘይምክአልና እቲ ዓቢ መርትዖ ኢዩ፡፡ ስለዚ ነዚ ሓንዃልን አዕናውን ነገር ካብ ሱሩ ንበንቁሶ እሞ ሓደ ኢድ ኮይና ንቃለስ ኢዩ እቲ ሕመረት ጽሑፈይ፡ ፡

አብ መወዳእታ ከዘካክራ ዝደሊ ነዞም ተቃወምቲ ውዱባት ከመሓላልፎ ዝደሊ መልእክቲ ከም ፓለቲከኛታት መጠን ብመጀመርያ ፓለቲከኛ ዕጉስን በዓል ልቦና ነገራት ብህድአት ብኩሉ ማእዝናት ዝርኢ ሓላይ ሕዝቢ ክከውን አለዎ ስለዚ የሕዋት ናተይ ሓሳብ ጥራይ ተቀበሉ ብጀካና መን አሎ አይትበሉ ሎሚ ሓላፍነት ንኩሉ ብማዕረ እንተዘየካፊልኩም ውሽጣዊ ዲሞክራሲ እንተዘየማዕቢልኩም ጽባሕ እዚ ሃርጋፍ ስርዓት ምስተአለየ ማለት ለውጢ ምስ መጸ ከይንጠራጠር ሎሚ ንጽባሕ ዝከውን ዲሞክራሰያዊ ዘለዎ መሪሕነት አብ ተግባር አርእዩና ምክንያቱ እዚ ናይ ሎሚ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ትማሊ ዝተወለደ ጋሕማጥ አከያይዳ ኢዩ ሎሚ ጎቢዙ ሃገር ዝሕምስ ዘሎ እዚ ማለት ድማ ትማሊ ውሽጣዊ ዲሞክራሲ ዘለዎ ምሕደራ ይኩን አከያይዳ አይነበረን ሓላፍነት’ውን ብጉብእን ብማዕረን ከም ደረጅኡን ይካፈል አይነበረን ስለዝከነ ድማ ሎሚ አብ ልዕሊ ሕዝቡ አክብሮት ዘለዎ ንሃገር ዝሓስብ መራሒ ክፍጠር አይተካእለን። ምክንያቱ ካብ ስነ- ስርዓት ዘለዎ ስርዓት ኢዩ ሓቀኛን ጥዑይን መራሒ ክፍጠር ዝክእል። ስለዚ እዚ ነገር ከይድገም እሞ ጻዕርና ኩሉ ከም አብ ቀዳድ ፊስቶ ማይ ምምላእ ከይከውን ኢዩ ስክፍታይ ስለዚ ቅድሚ ኩሉ ብሕልናና ንጎዓዝ ብዝሓለፈ ጌጋ ድማ ንመሃር ስልጣን ዝና ኩሉ ሓላፊ ኢዩ ታሪክ ሰሪሕካ ምሕላፍ ኢዩ ቀንዲ ዘኩርዕን ንዘልአለም ዘዘክርን እሞ ንሕና’ውን ነዚ ንዘክር ንምባል ኢየ።

ብተወሳኪ ድማ ክብላ ዝደሊ አብ ናይ ትማሊ ነበረ ጸገም ሙሁራት ወላሓንቲ ቦታ አይነበሮምን እዚ ድማ ከም ቀንዲ ነዚ ናይ ሎሚ ናብዚ ዘሕፍር ደረጃ ሃገርና ክትወድቅ ዘክአላ ከም ዓቢ መሕልኮ ክግለጽ ይካአል ምክንያቱ ሙሁር ዘይብሉ ወይ ዘይተሳተፎ ፓለቲካ “ወጮ ተገልበጥካያ ወጮ ኢዩ ” ወላሓንቲ ለውጢ የለን ምክንያቱ ልክዕ ከምዚ ሎሚ ንርእዮ ዘለና እቲ ፓለቲካ አብ ስርዓት ዝተመርከሰ ዘይኮነ ብግለሰባት ዝዝወር ይከውን እሞ አብ ልዕሊ ሰባት ክብሪ ዘይብሎም ተራ ካድሬታት መራሕቲ ይኮኑ እቲ ሰርዓት ናይ ግለ ሰባት ስለዝከውን እቶም አብ ትሕቲኦም ዘለዉ መራሕቲ ክንሶም ተመራሕቲ ጥራይ ስለዝኮኑ ነዚ ንርእዮ ዘለና ሃገር አብ ምሕማስ ቅድሚት ይስርዑ ስለዚ ኢዩ ድማ ሎሚ ዳግማይ ካልእ ዋጋ ክንከፍል ዘገደዱና ሙሁር ግን እንታይ ይገበር አሎ እንታይ’ከ ክገብር ኢዩ አጸቢቁ ይፈልጥ ኢዩ ስለዚ ሎሚ ውን ብዘይ ሙሁር አካል እንተተጎዕዝና እቲ ነካይዶ ፓለቲካዊ  ቃልሲ ሙሁር ተዘይአሳቲፍናሉ ካልአይ ክንከስር ኢና። ምክንያቱ እዚ ሎሚ ዘለናዮ ጭቡጥ ኩነታት ናይ ሀገርና ማለት ናይ ፓለቲካ ኩነታት ሃገር ዝመርሕ አይኮነን ንኡስ ዞባ ክመርሕ ዝክእል ሰብ የለን ኩሉ ነገር ተመኩሮ ትብል ቃል ዘማእከለ ብጎነጽ ኢዩ ዝከይድ ዘሎ።

ስለዚ ሙሁር ትማሊ አይተሳተፈን ወይ ቦታ አይነበሮን ሎሚ ውን ናይ ሙሁራት ተሳትፎ ዝሑልን ድሩትን ኢዩ እዚ ድማ እቲ ስርዓት ዲክታቶርያውን ፍትሒ አልቦ ምዃኑ እንዳፈለጡ አብ ክንዲ ምቅላስ ወይ ምስዚ ጸገማት ምግጣም ፍልጠቶም ሒዞም እልይ ምባል ኢዮም ዝመርጹ ስለዚ ናይ ሕዝቢ ስቃይን መከራን ይሰማዕኩም ሕልና ግበሩ ክብሎም እፈቱ፡፡

ስለዚ ሙሁራትና እዚ ጋሪድዎም ዘሎ ሕማም ስቅታ አልዮም ናይ ፍርሒ ሓጹር ሰይሮም ጉዳይ ሃገር ናይ ኩልና ጉዳይ ኢዩ ይምልከተና ኢዩ ብምባል ንዲሞክራሰን ፍትሕን ብዓቢኡ ንለውጢ እጃሞም ከበርክቱ ዜግነታዊ ሓላፍነት ጥራይ ዘይኮነ ግዴታ’ዉን ከምዘለዎም አሚኖም አብ ተግባር ከርእዩ ክክእሉ አለዎም። እቲ ዘሕዝን ሎሚ አብ ኤርትራ ሓደ ሰብ ከም ዘሎ ጥራየ ኢዩ ዝንገረና ዘሎ መን ኢዩ ንሱ ? ናይ ብሓቂ ብተግባራትና ክንሓፍር ይግባአና ብደውና ሞትና ኢና።

ስለዚ እቲ ለውጢ አብ ኢድና ኢዩ እተን ኢድና ግን ግድን ክሓብራ ክክእላ አለወን ምክንያቱ ንዝተማዓራረየ ናይ ኢኮኖሚ ምዕባለ ከምኡ ውን ንዝተሳለጠ ማሕበራዊ ሕይወት ምምዕርራይ ናይ ፓለቲካ ምትዕርራይ አገዳስን ወሳንን ኢዩ። ስለዚ ነዚ ተጣሚመ ዘሎ ናይ ሃገርና ፓለቲካ ነዕርዮን ናብ ንቡርን ወድዓውን ንመልሶ ባዕልና ኢና።

እቲ ክንገብሮ ዘለና ተስፋ ሙቁራጽ ብተስፋ ፡ ፍርሒ ብድፍረት ፡ ቁጥዔና ብምክንያታዊ ፡ኩርዓት ብትሕትና ፡ መሃይምነት ብፍልጠት ፡ ዘይምጽውዋር ብትዕግስቲ ፡ ጥርጣሬ ብእምነት ፤ ጭካኔ ድማ ብርህራሄ ክንቃለሶ አለና፡፡ ድሌትን አርሒቀካ ምስትውዓልን ተሎ ዘይፈታሕ ነገር የለን አቲ ዝድለ አብ ውሽጢ ዘሎን አብ ደገ ዘሎን ጥብቅ ዝበለ ርክብ ንክህልዎም ክንጽዕር አለና።

አብ መወዳእታ ክብሎ ዝደሊ ፈቲና ጸሊእና ፤ ፈሪሕና አይፈራሕና ፤ ይዋሓጠልና አይወሓጠልና ፤ ደስ ይበለና አይበለና ንሕና ባዕልና ነዚ ስርዓት ነቲ አከያይድኡ ባዕልና ቀለስትን ፈጸምቱን ምዃና ክንርስዕ የብልናን ስለዚ ተሓባቢርና ሓደ ሓይሊ ፈጢርና ክንቃለስ ዘለና አብዛ ሰዓት አዚአ ኢያ ምክንያቱ ሎሚ ሕዝቢ ካብ መግዛአቲ ንላዕሊ ከፊእዎ ብፍላይ መንእሰያት አደዳ ስደትን ሞትን ኮይኖም ሕዝቢ ይሃልቅ አሎ ሰስዚ ናይ ሰብ ዘርኢ ፈጺሙ ካብ መሬት ኤርትራ ከይጠፈኤ ኮለ ሃየ ሕጂ ንተስእ ክሳእ መዓሰ ተዓፊና ክንነብር ኢና ንናይ ገዛእ ርእስና ናጽነት ንቃለሰ ንሕና ባዕልና እምበር ካልእ ሓይሊ አይኮነን፡፡

ዲክታቶራዊያን ስርዓታት ንግዜኡ ዘይድፈሩ ኮይኑ ኢዩ ዝስዖም አብ መወዳእታ ግን እታ ትዕድልቶም ውድቀት ኢያ ዝኮነ ይኩን ምውዳቆም ዘይተርፍ ኢዩ እዃ ዳአ ብሕስረት ስለዚ አጁኩም ጥራይ ንበገስ። ስለዚ በጃኩም ሕይወት ሓጻር ኢያ ካብዚ ዘለናዮ ኩነታት ዝከፍኤን ዘሕፍርን ሕይወት ተዘይተማሂርና ካበይ ዳአ ክንማሃር ኢና፡፡

አብ ኩውን እሞ ንምጻእ መጀመርያ ኩልና ነፍሲ ወከፍና አነ ኢየ ተሓታቲ ነዚ ኩሉ ሽግርን መከራን አብ ሃገርና ዘጋጥም ዘሎ ክንብል ክንክእል አለና በዚ ድማ ተናሲሕና አነ ገለ ነገር ንሃገረይን ሕዝበይን ክገብር ይክአል ኢየ ኢልና ክንአምንን አብ ተግባር ከነርእዮን ክንክአል አለና፡፡

ብመጀመርያ ምቅዋም እንታይ ኢዩ ? አብዚ ግዜከ ንህግደፍ ንቃወም አለና ዲና ? ነብስና ክንሓትት ይግባእ ከምዝፍለጥ አብ ሃገርና ንህግደፍ ዝድግፉ አብ ውሽጥን አብ ደገን አለዉ ንህግደፍ ንቃወም ግን የለናን ክብል እደፍር ምክንያቱ አነ ተቃዋሚ አየ ክብል እንተኮይነ ተቃውመካ ብምንታይ አርኢካ ኢሉ ንዝሓተተኒ ሰብ ሙሉእ መልሲ ክህቦ ክክእል አለኒ ምክንያቱ ሎሚ ተቃውሞና አብ ሰላማዊ ሰልፍን አብ ኔት ምጽራፍን ኢዩ ተወሲኑ ዘሎ እቲ ሓቂ ምቅዋም ግን ነቲ ትቃወሞ ዘለካ አካል ፊት ንፊት ገጢምካ ንክትአልዮ ምሰትቃለስ ኢዩ ትቃወም አለካ ክባሃል ዝካአል፡፡

ስለዚ አብ ሓቃኛ ምቅዋም የለናን ክብል እደፍር ሓደ ሓደ ግዜ ንነብስካ ምክሳስ ጽቡቅ ኢዩ እዚ ኩሉ ጸገም ብሰንኪ ናተይ ስቅታ ኢዩ ኢልና ነብስና ክንነቅፍ ክንክእል አለና እዚ ድማ ንዝመጽእ ከበርትዓናን ካብ ጌጋታትና አሪሙ ናብ ናይ ብሓቂ ተቃወምትን ተግበርትን ክልውጠና ይክእል ኢዩ ዝብል እምነት አለኒ፡፡

ናትና ሕምቀት ኢዩ እምበር ሎሚ ሰርዓት ህግደፍ ቦክቢኩ ኢዩ አብ ሶንኮፍ ኢዩ ዘሎ ንአብ ሶንኮፍ ዘሎ ነገር ድማ ቡዙሕ ሓይሊ አየድልዮን ኢዩ ብሓንቲ አጻብዕትካ ኢኻ ደፊእካ ተውድቆ ቡዙሓት ሰባተ አለዉ ህግደፍ ከምዚ ነቅ ዘይብል ብዝኮነ ተአምር ክፈርስ ዘይክእል ወላ ብሓይሊ አምላክ ውን ክፈርስ ከምዘይክእል ዝዓይነቱ መግለጺ ኢዮም ዝህቡካ እዚ ግን ካብ ፍርሕን ክንገብር ንክእል ኢና ኢልካ ዘይምእማንን ዝተላዓለ ጉጉይ አገላልጻ ኢዩ፡፡

ካልአይ ድማ ገለ ገለ ሰባት ስርዓት ህግደፍ አብ ልዕሊ ሕዝቢ በደላቱ እንዳዛየደ ምስ ዝመጽእ ሰባት ህግደፍ ሓይሉ እንዳበርትዔ ይመጽእ ከም ዘሎ ዝመስሎም ሰባት ቡዙሓት ኢዮም እዚ ግን በንጻሩ ኢዩ ዝኮነ ዲክታቶራዊ ስርዓት ጭንቀቶም እንዳዛየደ ምስ ዝከይድ ብኡመንጽር እቲ ጭካኔኦም እንዳዛየደ ኢዩ ዝከይድ ንአብነት እዚ ናይ 21 ጥሪ 2013 ፍጻሜ ንህግደፋውያን ዓቢ ጭንቀት ኢዩ ፈጢሩሎም በዚ ድማ ጭንቀቶም ሰማይ ስለዝዓረገ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝተራአየ ንላዕሊ አብ ልዕሊ ሕዝቢ ግፍዕን በደልን ዘይሓላፍነታውን ነገራት ዘንጸባርቁ ዘለዉ፡፡

ሓደ ሓቂ አሎ እዚ ስርዓት ህግደፍ ብሰንኪ አቲ አዕናውን ድሑርን አከያይድኡ አብዘን 22 ዓመታት ሰላም ፤ ፍትሒ ፤ ዲሞክራሲ፤ ርግአት፤ ሓቢርካ ብፍቅሪ ምንባርን ካልእን ከስፍን ወይ ከተግብር አይካአለን ብንጸሩ ነዞም ነገራት አጥፊእዎም ኢዩ ክባሃል ይካአል። ሰለዝኮነ ድማ ንሕዝቢ ካብ ሽግርን መከራን ፤ ካብ ድክነት፤ ካብ ስደትን ከልበትበትን ናጻ ክገበሮ አይካአለን ሰርዓት ህግደፍ እዚ ጸገማት ከምዘሎ ዝክሕድ አይመስለንን እቶም ምስዚ ስርዓት ዘጣቅዑ’ዉን እዚ ስርዓት ነዚ ሽግራት ክፈትሕ ዓቅሚ ከምዘይብሉ አዳዕዲዖም ይፈልጡ ኢዮም ስለዝኮነ ኢዩ ድማ ኩሉ ግዜ ነዞም የሕዋትና ሓቢርና ተሓባቢርና ሽግራትና ንፍታሕ ዝብል ጻዊዕትና ነቅርበሎም ምክንያቱ ደጋፊ ተቃዋሚ እንዳበልካ ብጽልኢ እንዳተራኣአካ ሕቆን ከብድን ኮንካ ናይ ሓባር ሽግር ክፍታሕ አይካልን ኢዩ። ንአብነት ገለ ሃገራት አብነት ተወሲድና ግደፍ እቲ ተራ ሕዝቢ ብዓይኒ ጽልኢ ክረኤኤ እተን ፓርትታት ምስቲ አብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ከማን ብዓይኒ ጽልኢ አይራኣአያን ኢየን። እቲ ጽልኢ ዝመጽአ ወይ ዝምንጩ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ካብ ምፍራሕ ኢዩ ዝብል እምነት አለኒ። እዚ ማለት ድማ ሓደ ሰብ ዲሞክራሲ አብ ተግባር ከውዕል ወይ ክሰርሓሉ እንተኮይኑ ስምዒታዊ ዘይኮነ ሕልናዊ ድፍረት ክህልዎ አለዎ ልዕሊ ኩሉ ድማ ነብሰ እምነት ምክንያቱ አብ ዓለምና እቲ ቀንዲ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ሰባት ባዕሎም ብዝፈጠርዎ ፍርሂ አነ ዲሞክራሲ እንተፍቂደ ህላውነተይ ወይ ስልጣነይ አብ ናይ ሕቶ ምልክት ክአቱ ኢዩ ዝብል ድሑር አተሓሳስባ ስለዝዓብለሎም ስብእና ይኩን ድፍረት የብሎምን ምስ ሓቂ ክፋጠጡ በዚ ድማ ሕዝቢ ከሳቅዩን ክአስሩን ሃገር ክሕምሱን ከም ዝዓበደ ከልቢ ንኩሉ ክነክሱን ክለክፉን ይነብሩ፡፡

ብተወሳኪ ውልቀመለክቲ ንሕዝቢ አብ ፍርሕን ራዕድን ከእትውዎ ዝደልዩሉ እቲ ቀንዲ ምክንያት ንባዕሎም ፈራሓት ስለዝኮኑ ኢዩ። ልዕሊ ኩሉ እቲ ዝፈርሕዎ ነገር ድማ ሓቂ ኢዩ ካብ ሓቂ ምፍራሕ ዝተላዓለ ወይ ዝተበገሰ ድማ ዝሰረሕዎን ዝሰርሕዎን ዘለዉ በደላት አብ ልዕሊ ሕዝቢ ንከይወጽእ አዝዮም ኢዮም ዝፈርሑ ስለዝኮን ኢዩ ድማ ነጻ ፕረስ ዓፊኖም በቲ ሓደ ነዲኡ ዝኮነ ሜድያኦም ነቲ ሰይጣናዊ ስርሖምን ብደም ዝጨቀወ የእዳዎምን ንምጥፋእ አማልክቲ መሲሎም ብምቅራብ ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳኦም እቲ ቀዳማይን ናይ መጀመርያ ስርሖም ኢዩ።

ስለዚ ነዚ ብሃገርን ሕዝብን ዘይግደስ ስርዓት ህግደፍ ንምእላይ ብሓባርን ብሓቀኛ ሃገራዊ ስምዒት ብምትሕብባር አሎ ዝባሃል ናይ ቃልስን ለውጥን ስልቲ ክንጥቀም ይገግእ።

እዚ ትውልዲ እዚ አብ ዝተሓላለከ ሽግር ቅድሚ ምውዳቁ ኩሉ ኤርትራዊ ዜጋ ነዚ ፋሽስታዊ ስርዓት ህግደፍ ብዝኮነ ዝተረከበ አጋጣምን ዕድልን ኩሉ ብሓባር ምቅላሰን ካብ ሰሩ ከጥፍኦ ክክእል አለዎ።

አብ መዛዘሚ ክብሎ ዝደሊ እታ ሓንቲ አገዳሲት ዝብላ መልእክተይ ብመጀመርያ ልዙባት ክንከውን አለና ፍቅሪ ብምክእአልን ኢሂን ምሂን ብምባል ኢዩ ዝመጽእ ወይ ዝነግስ ስለዚ ነዞም አብ ደገ ዘለዉ ናይ ስርዓት ህግደፍ ሰዓብቲ ብፍላይ እዞም ብመንእሰያት ህግደፍ ዝፍለጡ እዞም አብ ደገ ዘለና ሰባት ነዞም ሰባት እቲ ሓቀኛ ስእሊ ኤርትራን እቲ ህልው ኩነታትን ከነፍልጦም ናይ ኩልና ሓለፍነት ኢዩ ምክንያቱ እዞም ሰባት ወላሓንቲ ነገር ዝፍልጥዎ ነገር የብሎምን ብጀካ እቲ በቲ ናይ ህግደፍ ካድረታት ዝብልዎምን ወይ አብ ኤረ-ቲቪ ዝርእይዎን ነገራት ተዘይኮይኑ ስለዚ ሓደ ሰብ ብዘይፍላጥ ንዝገብሮ ነገር አይትሕዘሉን ኢካ እዞም ሰባት መሳኪን ኢዮም ክንብሎም ንክእል እቶም ደይ መደይ ኢሎም እንዳፈለጡ ዝጽይቁ በላዕቲ ስጋ የሕዋቶም ገዲፍካ ማለተይ ኢየ ስለዚ እቲ ተራ ናትና አብ ልዕሊ እዞም ሰባት ብሃውሪ ብዘይ አፍልጦ ሆ ዝብሉ ዘለዉ ንሕና ውን ካብቲ ስርዓት ህግደፍ ዝጥቀመሉ ሜላታት ዝተራቀቀ ልቦና ዝተሓዎሶ ነገራት ክንጥቀም አለና እዚ ማለት ድማ ሰብ ብከመይ ትከስቦ ክትፈልጥ አለካ ብውሑሉልን ብሕውነታዊ መገዲ ነዞም ሰባት ከነረድኦም ክንክእል አለና ብባእሲ እስካ ህግደፍ ኢካ እንዳበልካ ብጸርፊ ዘይኮነ ልቦና ዝተሓወሶ ብማራኪ ቃላት ጌርና ክንልውጦም ናባና ክነምጽኦም ንፈትን ርግጸኛ ኢየ ሓደ ንሓደ ተእሚኑ እቲ ዝአመነ ንሓደ ካልእ ከእምኖ ኢዩ ከምኡ እንዳበለ ኩሉ እቲ ሓቂ ክፈልጦ ኢዩ ስለዚ ተገደደ ብቀረባ ንረክቦም ሰባት ነዚ ህግደፍ ዝድግፉ ሰባት ብትዕግስትን ብስነ ስርዓትን እቲ ሓቂ ህልው ኩነታትን ሃገርና ብልቢ ዝትንክፍ ዘረባ ጌርና ከነእምኖምን ነብሶም ክሓቱ ከምዝክእሉ ክንገብሮም ክንክእል አለና ምክንያቱ ዘይቅየር ወይ ዘይርዳእ ሰብ የለን ፈሊጡ ተዘይደቂሱ እዚ ድማ አብ ተግባር ተራእዩ ኢዩ ክንደይ ሰባት አለዉ ንህግደፍ ዝድግፉ ነበሩ ዓዲ በጺሖም ዝመጹ ምርአይ ምእማን ስለዝኮነ ኩሉ ኩነታት ምስራዩዎ አታ ሓቅኩም እባ ኢኩም ሃገር ተሓሚሳ ኢያ ኢሎም ሓሳቦም ዝቅይሩ ማእለያ የብሎምን እዚ ዘርእየና ህግደፍ መሊሱ እንዳከፍኤ ይከይዱ አሎ ንሕና ድማ ናብ ዝሓሸ ነገር ወይ መንገዲ ንከይድ አለና በዚ ኢዩ ድማ ሎሚ ካብ ዝድግፍ ዝቃወም ዝበዝሕ ዘሎ ስለዚ እቲ አረዳድአናን አገላልጻናን ኢዩ ዝውስኖ ስለዚ ሓደራ እዚ ባእስን ሕድሕድ ምንዕዓቅን ወጊድ ኢልና ነዚ ስራሕ አብ ተግባር ነውዕሎ እቲ ቃልሲ ካብዚ ኢዩ ዝጅምር ልዕሊ ህግደፍ ክንከውን ክንክእል አለና ምክንያቱ እዞም ሰባት ሎሚ እንድሕር መን ምዃና ተዘይአረዲእናዮም ተዘይየእሚናየም ንጽባሕ ንግሆ እዚ ዝድለ ዘሎ ለውጢ ምስመጸ ጸገም ክኮኑና ከምዝክእሉ ክንዝክር ይግባእ ምክንያቱ ጽባሕ ንግሆ ሓደ ንሓደ ዝቃወም ወይ ሓደ አብ ልዕሊ ሓደ ልዕልና ዘርኢ ወይ ጽልእን ቅርሕንትን ደጊምና ክንርእዮ የብልናን፡፡ ብዓቢኡ ብናይ ኤርትራ ጉዳይ ውሑዳት ግለሰባት ዝውስንሉ ግዜ ከክትም ክክእል አለዎ፡፡

ጽልእን ቅርሕንትን ተጥፍእ ሰላም ጥራይ ኢያ። ሰላም ንማንም ሰብ ዓቢ ቦታ አለዋ ስለዝኮነ ሰላም ናይ ዝኮነ ነገር አደ ኢያ ካብ ኩሉ ነገራት ዝዓዘዘ ቦታን ብጽሒትን ዘለዋ ሰላም ኢያ ። ህግደፍ ግን ነዛ ሰላም እዚአ ብፍጹም ግዲ ይገብሩላ የለዉን ዘንግዖማ ኢዮም ሰላም እንተዘየለ ዝኮነ ነገር ክስራሕ ወይ ክዕመም አይክእልን ኢዩ ንህውከት ዘይኮነ ንሰላም ኢድና ክንህብ አለና ታሪክ ዝቅየር ብሰላም ጥራይ ኢዩ። ህግደፍ አስተውዒሉ ስለዘይከይድ ኢዩ እምበር አስተውዒልካ ምምራሕ ሰላም ኢዩ ዘምጽእ ሓደ ሰብ ሃገር አለኒ ኢሉ ክዛረብ እንተኮይኑ አብ ሃገሩ ቀሲኑ ብሰላም ምስ ዝነብር ጥራይ ኢዩ እዚ ግን ብሰንኪ ስርዓት ህግደፍ ሕዝቢ ብሰላም ክነብር አይከአለን ሐደ ሰብ አብ ሃገሩ ናይ ምዝራብ ናይ ምጽሓፍ ናይ ምምሃር ብግልጺ ሓሳቡ ክገልጽ እንተዘይኪኢሉ አበይ አሎ እቲ ክብሪ ናይ ዜጋ? ስርዓት ህግደፍ ኩሉ ነገራትና መንዚዑና ስድራና፤ ሰላምና ፤ ሃገርና፤ናጽነትና ፤ ሓድነትና ዲሞክራስን ሲኢና …።

አብዚ ግዜ እዚ ኤርትራ ሰብ ክነብረላ ዘይክእል ሃገር ኮይና አላ ምክንያቱ ቡዙሓት ብዘይ ምክንያት ብጭካኔ ዝሞቱላ ዝእሰሩላ በዚ ድማ ቡዙሓት ሃገር ገዲፎም ንክስደዱ ተገዲዶም ኢዮም አብዚ ዝሓለፉ 12 ዓመታት አብ እስርቤት ተደርብዮም አብ ስቃይን መከራን ዘለዉ ናይ ፓለቲካ እሱራት ከምኡ’ውን አብ 21 ጥሪ ዝተገበረ ናይ ፎርቶ ስርሒትን የሕዋትና ዝከፈልዎን ዝከፍልዎ ዘለዉን መስዋእትን ብዋጋ ዘይትመን ንዓና ዘየደቅስን ናብ ናይ ናጽነትን ፍትሕን መገዲ ዝመርሕ ብሙዃኑ ብተግባር ክንሳተፎን ዝታዓፈነ ድምጽና ንኩሉ ከነሰምዕ ይግባእ ዝተዘረፍናዮ ናጽነት ካብ ኢድ ህግደፍ ብምምንዛዕ ዳግም ታሪክና ከነሔድስ ይግበአና።

 

ባቲሞ

ካርቱም

20/10/2013


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...