ሕዳር 3፡2013፡ ኣብ ገጽ ክሕደት ሰይጣናዊ ሽፍታዊ ስርዓት ህግደፍ፡ ብመራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣህጉራዊት መዓልቲ ሓዘን ናይቶም 365 ግዳያት ማያት ላምፐዱሳ ክትከውን ተወሲኑላ ኣሎ። ናይ ሎሚ ውጹዕ ናይ ጽባሕ ሓራ ህዝቢ ኤርትራ ሞሳኦም ኣይክርስዖን ኢዩ። ዘለዓለማዊ ዕረፍቲ ነቶም ብናይ ትም ብሓጢኣትና ምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ ኣብ ስቓይ ወፍሪ ስደት ዝጠፍኡ ኣሓዋትናን፡ ኣሓትናን፡ ዕሸላትን ህጻናትን ደቅና። ንፍትሒ ጸኒዕና ደው ብምባልና ሞትናን ስቓይናን ነብቅዓሉ ዓመት ይግበረልና።

 

ናይ ዕድልና ጐይቶት ንምዃን ብገዛእ ርእስና ተኣማሚንና ኣንጻር ብዕስራ ኢድ ዝገዘፈና ሰራዊት መግዛእትን፡ ልፍንታዊ ተጻብኦታት ርእሰ ሓያላን መንግስታት ዓለምን ኣትኪልና ደው ዝበልና፡ እቲ ኣብ ልብና ቃልቃል ዝብል ዝነበረ ኣብ ናይ መወዳእታ ዓወትና ምትእምማን ንዓለም ብዘገረመ ኣብ ግብሪ ኣርኢና፡ ካብ መዓሙቝ ናብ እምባ በለዅ ኢልና ናጽነትና ብምጭባጥ  ልኡላውነትና ዘረጋገጽና ህዝቢ ኤርትራ፡ ሎሚ እንታይ ወሪዱና ብሓደ ኣረሜናዊ ውልቀመላኺ መዓልታዊ ንጸንትን ናብ ገምገም ጥፍኣትና ትም ኢልና ንዅኰብን ዘለና?! መዘና ዘይነበሮ ጽንዓት ተዓጢቑ ንሳላሳ ዓመታት ከም ሓንቲ መዓልቲ ብርሃን ጥዋፍ ተስፋና ብኽቡር መስዋእቲ ናብ ብርሃን ናጽነት ዝወላዕና ህዝቢ፡ ነታ ዘለዓለማዊ ትኩር ሓለዋ ኪግበረላ ሕድሪ ስዉኣት ዘሰከመት ሓርነት ስለምንታይ ንተዃሉ ራሕሪሕናያ? ንወጋሕታኡ ብትም ናብ ጸልማት ቀትሪ ኪትቅየር ዕድል ዚሃበ ህዝቢ ምዃንና ንዓለም ምስጢሩ  ዘይፍታሕ ሕንቅልሕንቅሊተይ ኮይኑዎ ኣሎ። ዓለም ንጥፍኣትና ፈሪዳትና ኣበደን ዝበልና ህዝቢ፡ ስለምንታይ ህዝባዊ ስልጣንና ንውልቀ መላኺ ኣረኪብና ብትም ባዕልና ክንጠፍእ ፈሪድና? ንዓይ ስለምንታይ ዘይፍታሕ ሕቶ ኮይኑኒ ኣሎ።

እቲ ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስ፡ ኤርትራዊ  ሃገራውነት ክንዲ ፍረ ጣፍ ትኣክል ከም ዘይብሉ ብምድግጋም ተጻሒፉሉን ተዘሪቡሉን ኢዩ። ልዕሊ ኹሉ ግን፡ እቲ ብሓሶት ሰማይን ምድርን ዘጣብቕ ምስሉይ፡ ከይሲ፡ ጨካን ዘይተባዕ ኢስያስ፡ ባዕሉ ካብ ንጕሆ ብቓልን ብግብርን ዘረጋገጾ ይዓዝዝ። ገና ምእማን ስለ ዝኣበናዮ ኸኣ  ኣብ ዓለም መወዳድርቲ ብዘይብሉ ኣረሜናውነት የጽንተና ኣሎ። ጽልኢ ኢሳያስ ምስ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ምስ መንእሰያት ምዃኑ ዘረጋግጾ፡ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት እፎይ ኢሉ ሰላም ኣብ ክንዲ ዘስተማቕር፡ ትርጉም ኣልቦ ኲናታት ምስ ጐረባብቲ ሃገራት እናወልዐ ህይወትን መሬትን ብኸንቱ ኣጥፊኡ። ንህዝቢ ኤርትራ መሬቱ መንዚዑ ኣብ ሃገሩ ጓና ጌሩዎ፤ ንመንእሰይ ካብ ትምህርቲ ኰሊፉ ጸልማት ሃገር ኣዊጁ፤ መንእሰይ ኣብ በረኻታት ብወፍሪ ባርነት ጸሚዱ ካብ መርዓን ሓዳርን ብምኽልካል ኣብ ልዕሊ መጻኢ ወለዶ ናይ ምጽናት ፍርዱ ኣተግቢሩን የተግብር ኣሎን። ናይዚ ኹሉ መልስና ትም! እሕሕ ዘይብሉ ትም!! ካብዚ ዚዓቢ ፍርዲ ርእሰ ጥፍኣት ኪህሉ ይኽእልዶ?

ሰላሕታ መግዛእቲ ኣብ ኣፍንጫ ሓይሊ ምክልኻል ኤርትራ!!! ውልቀመላኺ ኢስያስ ንምጥፋእ ህዝቢ ኤርትራ ዝኣልሞ ኩሉ ብድዐታትን ተግባራትን ተወዲኡዎ፡ ንልኡላዊ መሬት ኤርትራ ብሰራዊት ባዕዲ ካብ ዘድፍሮ ዓሰርተታት ዓመታት ሓሊፉዎ ከብቅዕ፣ እቲ ጅግና ሰራዊት ሓርነት ዝበሃል ግን ሃገር ኪትድፈር ይድፈር ከም ዘሎ ዘንጊዑ ንኽብሪ ሃገሩ ደው ኢሉ ንህላዌ ሰራዊት ባዕዲ ኣብ መሬት ኤርትራ ኪቃወም ኣይተራእየን።እዚ ንባዕሉ መልሲ ዘይተዋህበሉ ሕንቅልሕንቅሊተይ ኢዩ። ውልቀመላኺ ኢሳያስ ንልኡላውነት ኤርትራ ኣዳዕዲዖም ዝቃወሙን ኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ክትምለስ ኣግሂዶም ብቐትሪ ዝሓልሙን ብቅንጅት ዝፍለጡ ሓይሊ ኣምሓራ ሓቚፉ ኣስመራና መዓንደሪቶም ጌሩ ህዝብና ኣድፊሩ፡ ደቅ ኣንስትዮ ደቅና ዝከላኸሉለን ኣቦታትን ኣያታትን፡ መኻፍልቲ ህይወት ክዀኑወን ዝግብኦም መንእሰያትን ኣብ በረኻ ኣስፊሩ፡ ግዳያት ሰራዊት ባዕዲ ጌሩ ድቓላታቶም ዘሕዘለ፡ ኢትዮጵያዊ እንተ ዘይኮይኑ ከመይ ኢሉ ኤርትራዊ ዜጋ ከብሎ ይኽእል? ውሓጥዮ እንተ በልኩዋስ ትጐስመሉ ከም ዝበሃል፡ ቅንጅት ዝኣኽሎም ዓንዲሮም ዘርኢ ክርዳዶም ንኤርትራ ምስ ገደፉላ፡ እነሆ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዕሱባት ዕጡቓት ትግራዎት ተቓወምቲ (ደምሒት) ተኪኡዎም። ሓንሳብ የዐሽወኒ፡ ሕፍረት ንዓኻ፣ ደጊምካ የዐሽወኒ፡ እቲ ሕፍረት ንዓይ (Fool me once, shame on you,  fool me twice, shame on me) ዝበሃል ምስላ ኣሎ። ፋሺስታዊ ኢሳያስ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምሉእ መዋእል ስልጣኑ ኢዩ ኣታሊሉና፣ ወይ ባዕልና ተታሊልና ምባል እኳ ድኣ ዝያዳ ሓቅነት ኣሎዎ።

ኣብ ቅድሚ ዓይኒ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ናይ ቃላት ዝርዝር ዘድልዮ ኣይኮነን። እንተ ኾነ፡ ኣነ ከም ዝርድኣኒ ክጠቅስ እንተ ኾይነ፡ እዞም ኣንጻር ስርዓት ወያኔ መሲሎም ክብሪ መሬትና ግሂሶም ዘለዉ ዕሱባት ተዛረብቲ ትግርኛ ሰራዊት ባዕዲ፡ ኣንጻር ስርዓት ወያኔ ተቓዊሞም ከድምዑ ከም ዘይክእሉ ንምርዳእ ዕምቈት ኣተሓሳስባ ዝሓትት ኣይኮነን። ከይሲ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣብዛ ሓላል መሬትና ዘስፈሮም ምኽንያት፡ ኣንጻርቲ ናይ ጥፍኣት ዕላማኡ ንኺነቕሓሉ ተቓሪቡ ዘሎ ሓይሊ ሃገራዊ ምክልኻል ደው ኢሎም ዚከላኸሉ ጸረግቲ ሓዲስ መግዛእቲ ኢዮም ጥራይ እየ ክብሎም ዝኽእል። ፋሺስታዊ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ሓይሊ ምክልኻል ኤርትራ ንዕቀት ኣብ ርእሲ ምህላዉ፡ ምትእምማን ከጕድል እዋኑ ስለ ዝኣኸለ፡ ነዞም ተዛረብቲ ትግርኛ ሰራዊት ባዕዲ ከም ፍሉያት ቀንዲ ሓለውቱ ኮይኖም ከም ዝተመደቡ ዓይነት ምንቅስቓሳቶም የረጋግጾ ኣሎ። ስዉር  ኲናት፡- ነስተውዕል ህዝቢ ኤርትራ! ኣብ ርእሲቲ ከይሲ ኢሳያስ ዝፍጽሞ ዘሎ ጉሁድ ተግባረ ጥፍኣትና፡ ካብኡ ዝኸፍአ ደርጊ ዝጀመረሉ ስውር ኲናት ኣብ ቅድሚ ዓይንና የካይደልና ኣሎ! እቲ ደርጊ  ሰራዊቱ ፈኒዩ ኣብ ልዕሊ ኣሓትናን ደቅናን ዓሚጾም ዘርኢ ክርዳዶም ብድሕሪኦም ብምግዳፍ ስዉር ኲናት ምጅላሕ ኤርትራዊ ወለዶ ዝገደፉልና ዘይሓዊ ስምብራት፡ በዞም ሕጂ ዝተክኦም ዕሱባት ሰረዊት ትግራይ ይቕጽሎ ከም ዘሎ ነስተውዕለሉ። ዕላማኦም ንስርዓት ወያኔ ምቅዋም እንተ ዚነብር፡ ካብ ኣብ መዓስከር ዶብ ኮፍ ምባል ሓሊፎም ኣብ ኣስመራን ካልእ ከተማታትን ኤርትራ ዝዕንድሩሉን፡ ኣሰር ቅንጅት ስኽፍ ከይበሎም ኣዋልድና ደፊሮም ደቓሉኦም ዘፍርዩሉ ዕድል ከመይ ምረኸቡ? ስለዚ፡ ደቅና ሳዕቤኑ ንኽርድኣን ናይ ትዕግሲ ቃልሲ ንኸካይዳን ተመቕሊልና ንምዓደን። ጽባሕ ንጕሆ ነዛ ሃገር ከምቶም ቀዳሞት ጀጋኑ ደቀባት ብሓልዮትን ብፍቕርን ዚከላኸሉላን ዚዅስኩሱዋን ወለዶ ከይንስእን።

ኣብዚ ሎም ቅነ ዝተገብረ ልሙዱ ባህሊ ግፋ  ኣብ ኣፍንጫ ሰራዊት ኤርትራ ቀንዲ ተዋሳእቲ ኔሮም እንተ ድኣ ኾይኖም፡ ድሕሪ.... እንታይ ተረፋ ዝበሃል ቅድመ ግምባር መግዛእቲ ካብ ምዃን መን ይኽልክሎም። ኣብ 1993 ፋሺስቲ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ እቲ ምውህሃድ/ምሕዋስ(integration) ናይ ጊዜ ሕቶዩ - ብምባል ከይሓፈረ ዝዳሕደሖ ምራሳዕና ጥዕና ኣተሓሳስባና ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ ኢዩ፣ ብፍላይ እቲ ህጣሙ ዘጥፍአ ምሁር ኤርትራዊ ዜጋ። ንዕስራን ክልተን ዓመታት ስልጣንና ኣረኪብናዮ ድላዩ ኪገብር፡ ንደቅና ከም ቈጽሊ ከርግፎምን ከም ኣቕሓ ዕዳጋ ኪሸጦምን ትም ኢልና ብምርኣይና ቤትና በረውረው ኢላ ብጽምዋ ተበሊዓ ምህላዋ፡ እቲ ዚለዓለ ሕልሙ ዘተግብረሉ እዋን ዝኣኸለሉ ይመስል። ሎምስ ናይ ፍጹም ጥፍኣትና መደቡ ብህዝባዊ ማዕበል ክንኰልፎ ድኣም’በር ከም ቀደምና ትም ኢልና ክንርእዮስ ኣይንውዕሎን ግዲ!

እቲ መጠን ጥፍኣትን ናይ ምብርባርና ጊዜ ንውሓትን ኣብ ግምት ኪኣቱ ኸሎ፡ ሕጂ ተባራቢርና ቍልዒ ዓይንና ንኣሊ ዘለና ንመስል። ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ምኽፋትን ምሉእ ምብርባርን ዘሎ ጋግ ግን ኣብ እዋን ኣፈርኩቡ ሃገር ሓጺር ኣይኮነን። ኣብ ልዕሊ መሬት ንኹሉ ጊዜ ኣሎዎ - ክትርዕድ ክትደፍር፣ ክትድፈር ክብርኻ ክትመልስ፣ መሰልካ ክትግፈፍ መሰልካ ከተረጋግጽ፣ ጊልያ ክትከውን ሓርነትካ ክትጭብጥ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ቤትና ብሓደ ስልጣንና ዘረከብናዮ ዘይረብሕ ውልቀመላኺ ጊልያታት ኮንና ንዕስራን ክልተን ዓመታት ትም ኢልና ዝተረገጽናዮ ብሓድነት ይኣክል እንብለሉን ሓርነትና እንጭብጠሉን ናይ ወዓል ሕደር ትንፋስ ዘይህብ እዋኑ ሕጂ ኢዩ። ይኣክል ጭቆናን ውርደትን! ስደትን ጥፍኣትን!! ሓይልታት ምክልኻል ሃገር ታሪኽ ጀጋኑ ኣያታትኩምን ኣቦታትኩምን ተሓድሱሉ እዋን ሕጂ ኢዩ፣ ሓይሊ ብረት ኣብ ኢድኩም ስለ ዘሎ፡ ልዕሊ ኹሉ  ህይወት መጻኢ ሃገር ንምድሓን ኣብ ኢድኩም ምዃኑ ኣይትዘንግዑ።

ከምቲ ኣብ ሮማ ዝኽሪ ግዳያት ማያት ላምፓዱሳ ዝተጨርሐ፡-

ኤርትራዊ ተባራበር! ርኢኻ ከይትስእና እዛ ሃገር!!

 

ህዝቢ ኤርትራ ብሓርነትን ሰላምን ራህዋን ይደበስ!

ክቡር ዝኽሪ ስዉታና ብግብሪ ነረጋግጸሉ እዋን ይግበረልና!!

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...