ካብ ተለፎን ናብ ማይክሮፍን ምስ ተመሓላለፈ፡ መልእኽቲ ዶቶረ፡ መቓልሕ በርቲዕዎ ብንጹር ንምክትታሉ ቀሊል’ኳ እንተዘይነበረ፡ ብዛዕባ ጌጋታት ዝትንክፍ መንቀሊ ኣትሒዙ፡ እንኮላይ ፕረሲደንት ኢሳያስ ናብ ልቡ ክምለስ ዝዕድም ዝመስል፡ “ምስ ኣቶ ኢሳያስ ጽልኢ የብልናን። ፍትሒ’ዩ ሕቶና። ሃገርና ብቕዋም ክትከይድ’ዩ ድላይና፡ ቅዋም’ዩ ሕቶና።”  ዝዓይነቱ መጥመሪ ሓሳባት ዝነበሮ’መስል ኔሩ። … ይግበረልና። ስለ’ዚ ዝሰማዕናዮ ኣብ ልብና የሕድረልና ዘብል ጥዑም ዘረባ መልእኽቲ ሰሚዕና።

    ዝኾነ ኾይኑ ምናልባት ምእንቲ ለውጥን ዕርቅን፡ መኣረምታ ዘድልዮ ተባሂሉ ክጽብጸብ ዝድለ እንተል’ዩ፡ ንሓዋሩ ንእዋን ዝግደፍ ዛዕባ ኮይኑ፡ ወዲ ቫካሮ ዝብል ስም ግን ምስ ንግድን ዕዳጋን ናይ ኤርትራ፡ ተኣሳሲሩ፡ ኣብ ብዙሕ ጽፍሕታት አኮኖሚ ክጥቀስ ከም ዝጸንሐ ሎሚ ምልዓሉ ሕሜታ ወይ ድማ ወቐሳ ኣይመስለንን።

    ኣብነት ምሃብ እንተ’ድልዩ ከኣ፡

 (ሀ) ምስ ስሙ ዝለገበ ናይ ትካል ስም ተሰኪመን፡ ልክዕ ከም’ዛ ናጽነት ካብ ሳሕል ከምዝነቐላ ኣብ ኮምብሽታቶ ዝተራእያ’ሞ፡ ኣይ ሰሙን ኣይሳልስቲ፡ ኣብ ኣንጎሎታት ናይ መርካቶ ምትዕጽጻፍ ኣጊሙወን፡ ጎድናታት ኣባ ሻውል ጸቢቡወን፡ ዓቐበት ሓዝሓዝ ተሪሩወን፡  ከም’ታ መርዓት ናጽነት ቅልቅል ኢለን ብሕፍረት ናብ ውሻጠ ናይ ጋራዥ ዝተወተፋ፡ ሰማያዊ ኣውቶቡሳት ምዝካር እንተተደፊሩ፡ ኣብ ታሪኽ ምምሕዳር ከተማ ኣስመራ፡ ብምውፋር ናይ ከተማ ኣውቶቡሳት፡ ድሕሪ ኸንቲባ ሓረጎት፡ ዝተጸውዐ ስም ናይ ውልቀሰብ፡ ወዲ ቫከሮ’ዩ፡ ማለት’ዩ።

   ፍልልዮም ኣውቶቡሳት ናይ እንዳ ኸንቲባ ሓረጎት ሓደስቲ፡ ናይ እንዳ ካቫሌረ ወዲ ቫካሮ ኣውቶቡሳት ግን፡ ንጣዕመ ልሳን “ዘዝረአናዮ ኣየዛርበና…..” በለት …. ተባሂሉ ዝሕለፍ ጉድ ዝነብሮ’ዩ ኔሩ።

   ብዘይ ቃልዓለም ዝተደጎለ ሓዊ ንምንኻስ ዘይኮነ’ሲ፡ ምናልባት ገለ ፍታሕ እንተበረቐ እቲ ጸገም እንታይ’ዩ? ኢሳያስ ድዩ ኢሳያሲዝም፡ ክልቲኦም ወይስ ካልእ ኣሎ’ዩ። ምናልባት ከም’ዚ ክበሃል ተለሚዱ ስለዝጸንሐ ጥራይ፡ ሕጅውን ንምድጋሙ ዝበሃግ ዝመስል ዘሎ፡ ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከም ሓደ ስድራ፡ ዝዓይነቱ፡ “Unity is Our Strength” ክበሃል እንተኾይኑ፡ ናይ ቀደም ዩንዮኒስት፡ ናይ ሎሚ ሽማግለታት ኣይስምዑ። ፍልልይናኸ ሓይልናዶ’ይኮነን ከይብሉ ማለተ’የ።

    ዝኾነ ኾይኑ እንተስ ካብ ፍልልይና እንተስ ካብ ሓድነትና ግን ሓዲሽ ሓሳብ የድሊ’ሎ። በ’ሽሓት ዝቑጸር ህዝቢ ኣብ ሓንቲ ሓሳብ ኣሚኑ፡ ኣሽሓት ዶላርን አውሮን ካብ ቤተሰቡን ፈተውቱን፡ ተቐቢሉ፡ ብምኽፋል፡ ወረቐት ኣብ ዘይብለን ጀላቡ ተጻዒኑ፡ ኣብ ኣፍደገ ላምፐዱሳ ምስ በጽሐ ኣብ ባሕሪ ጥሒሉ፡ ክበሃል እንከሎ ካብ ፍልልይና ንላዕሊ ምልክት ሓድነት ናየ’ተሓሳስባና’ዩ ዝመስል እንተበልኩ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን።

(ለ) ከም ካልኣይቲ ኣብነት ክጠቕሳ ዝደፍር ድማ፡ መዛግብቲ ሕሳብ ኢንተርኮንቲነንታል ሆተል ናየ’ስመራ፡ ብመሰረት ትምህርቲ ቨኒስ-ጀነዋ፡ መዝጊቦሞ ዘለዉ ደቢቶ ክረዲቶ፡ እንታይ ይመስላ’ሎ ምባል’ውን ቀሊል ሓባሪ ኣይኮነን።

    ዝኾነ ኾይኑ ዶቶረ፡ ኣጆኹም ካብ ምባል ሓሊፉ፡ ምብራቕ ጀርመን ምስ ፈረሰት ምዕራብ ጀርመን’ያ ሓዚላታ። ሰሜን ኮረያ እንተፈረሰት ከኣ ደቡብ ኮረያ ኣላታ’ሞ፡ ንኤርትራና ድማ ብድሕሪ ውድቀት ሳክቲዝምን ኢሳያሲዝምን ከም’ዛ ዝሕብረኩም ዘለኹ ኣማራጺት መንገዲ’ዚኣ ትመስል መዳሕንቲ’ላታ ናብ ምባል ገጹ ከይስጉም እንተስ ግዜ እንተስ ሓሳብ ዝሓጸሮ’ዩ ዝመስል ኔሩ።

   ስለ’ዚ ከምኡ ዝበለ ሓዲሽ ሓበሬታ ክሳብ ዝበርቕ ኦ’ቶቡስ እንዳ ዝናን ባህታን ጌና ሕጂ’ውን ባጉም ባጉም ሰልዲ እንተ’ለኩም ክንማልኣኩም ዝብሉ ፎቶሪኖታት’ምበር ዘወርቲ ዝረኸበት ኣይትመስልን ዘላ፡ ምባል ምግናን ኣይመስለንን። 

    ሳክቲዝም!

  ዝኾነ ኾይኑ ካብ መራሕቲ’ቲ ሰሚናር ሓደ፡ ኣብ መንጎ ዕላል ናይ ጋንታና፡ ከም’ዛ ዋዛ ወስ ዘበላ ዓባይ ዘረባ’ሲ፡ ነዛ ዓለም ዕዳጋ፡ ብምዕራብ ካፒታሊዝም፡ ብምብራቕ ድማ ኮሙኒዝም ተባሂሎም ዝፍለጡ፡ ናይ አኮኖሚ ስርዓታት ብውድድርን ብምጽብባእን፡ ኣናዊጾም ኣናዊጾም ድቃስ ክኸልእዋ፡

ዘመናት ከም ዝሓለፉ፡

ኣሽሓት መጻሕፍቲ ከም ዝተጻሕፉ፡

ኣእላፍ ሊቃውንቲ ከም ዝተጻደፉ፡

ኣብ ታሪኽ ዘይርሳዕ ኮይኑ፡ ሕጂ’ውን ጌና ናይ ብዙሓት ተመሃሮን፡ ተመራማሮን ዛዕባ ኮይኑ፡ ግዜን፡ ሃብትን ናይ ደቂ እዋን፡ ዝበልዕ ዘሎ ምምርማር መስርሕ ምዕባለ ናይ’ዛ ዓለም ዕዳጋ’ዩ። እቲ ዝገርም  ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓተ አኮኖሚ ናይ እንዳ ዝናን ባህታን፡ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ስለዘይተራእየ፡ “ሳክቲዝም”  ክበሃል ዝድፈር’ዩ፡ ብምባል ኣስሒቑና።

   ኣወ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓተ አኮኖሚ፡ ሳክቲዝም፡ ካብ ተባህለ’ምበኣርከስ፡ ብቐዳምነት ባዶ ትሽዓተ’ዩ ዝጥቀሰሉ፡ ኣብ ካልኣይ ገጹ ድማ፡ ስርዓተ አኮኖሚ ሳክቲዝም፡ ንገንዘብ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብስም ተረባሕቲ ውልቀ ሰባት’ዩ ፋሕ ብትን ከብሎ ዝጸንሐ።

    እሞ’ዞም ናይ ሳክቲዝም ተረባሕቲ እሙናትከ በዓል መን’ዮም ዝብል ሕቶ ምልዓል እንተተደፊሩ? መልሱ ቀሊል ኣይኮነን። ብዘይ ምግናን ግን ወዲ ቫካሮ ካብ’ቶም ቀልጢፎም ዝዝከሩ ሰባት’ዩ፡ እንተበልኩ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን።

   ስለ’ዚ ሳክቲዝም ኣብ ኤርትራ ዝገዝእ ንዘሎ -- ኢሳያሲዝም-- ኣብ ምኹስኳስ ብቐዳምነት’ዩ ዝቑራሕ። ማለት’ሲ ሳክቲዝም ብዘይካ ኢሳያሲዝም፡ ኢሳያሲዝም ድማ ብዘይካ ሳክቲዝም ሂወት ክህልዎም ዘይሕሰብ’ዩ። ማዕረ ማዕርኡ ድማ ወዲ ቫካሮ ዘይብሉ ሳክቲዝም ኢሳያስ ዘይብሉ ኢሳያሲዝም ዘይመስል’ዩ።

  ነዚ ንምርግጋጽ መዛግብቲ ጥምቀት ቤት ጽሕፈት ዩፍታሄ፡ መዛግብቲ ልደት ምምሕዳር ከተማ፡ ወይ ድማ ናይ ዲ. አን. አ. መርመራ ዘድሊ ኣይመስለንን። ዝባን ባይቶ ኣጓዱ ሰምበል እንተዘይተባሂሉ!

  ስለ’ዚ እቲ ቐንዲ ጸገም ኢሳያስ ዝበሃል ሊንጎ በዓል ኩርማዥ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኢሳያሲዝምን ሳክቲዝምን ቃል ኪዳን ምስ ኣሰሩ፡ ኣብ’ንዳ ህግደፍ ብርቱዕ ሱር ሰዲዶም ዘስረጽዎ፡ ኣረኣእያ ናይ’ዛ ዕለም ዕዳጋ’ዩ።  ደጊም እንተተረኺቡ፡ ምስ እዋን ዝተዓጻጸፍ ሓዲሽ መተካእታ’ዩ ዝድለየሎም ዘሎ። 

    ዝኾነ ኾይኑ፡ ዶቶረ ዘረብኡ ብምቕጻል ምናልባት እዚ ዘሎ ስርዓት እንተ ወዲቑ ክህሉ ዝኽእል ጠማሪ ሓሳባት (foundation myth) ወይ ድማ ራእይ መራሕትና ንምእማት ብዝመስል ኣገባብ፡ ምስ ኣቶ ወልደኣብ ወልደማርያም ካብ ዘሕለፎ ናይ ንእስነት ተመኩሮ ብምጽብጻብ:  … ክሳብ ነታ “ኤርትራውያን ንኸይንሰማማዕ ተሰማሚዕና” ትብል፡ ሰባብ፡ ብላይ፡ ሓረግ፡ ዘኪሩዋ።

ራእይ መራሕትና።

     ኣብ እዋን ደርግ’ሲ፡ መንግስተ ሰማይ የዋርሶም፡ ክቡር ኣቦሓጎይ ተስፋሚካኤል ተኽለሚካኤል፡ 12 ክፍሊ ወዲአ ዩኒቨርሲቲ ምእንቲ ክኣቱ ናብ ኣዲስ ኣበባ እነቅላ’ለኹ’ሞ፡ መርቑኒ ምስ በልኩዎም፡ ኣዝዮም ሰንበዱ። ድምጾም ዋዕ ኣቢሎም ከኣ፡ ወዲ ተስፊሃንስ ተጸሊልካ! ንሽዋ ዝኸደኮ ኣብኡ ተፈውሹ ዕውንውን ክብል’ዩ መሬት ዝዓርቦ። ንዓዱ ኣይምለስን’ዩ።  ሸዋ ብርቱዓት’ዮም ኣብኣ ከትርፉኻ’ዮም። ስለ’ዚ ኣነ ጽምዲ ብዕራይ ክፈልየልካ’የ’ሞ፡ ሕራይ በለኒ ዝወደይ፡ ኣብ’ዛ ዓድኻ ሓዳርካ ውጻእ በሉኒ።

  ምኽንያቱ ኣብ እዋኖም ንዕድመይ ዝብቅዕ ብሩህ ናብራ ኣብ ቅድሚኦም ይረኣዮም ስለዝነበረ’ዩ። ስለ’ዚ ኣቦሓጎይ፡ 12 ክፍሊ ምውዳእ’ውን ብዙሕ ዘህርፍ ግምት ኣይሃብዎን። ሓቂ’ሓይሽ ክሳብ’ቲ እዋን’ቲ ኣብ ዓዲ ወይ ድማ ኣብ ሃገረሰብ ዝነበረ ኣረኣእያ፡ ካልእስ ይትረፍ ወላ ናብ ፋብሪካታት ኣስመራን፡ ሕርሻ ናይ ሑመራን ክትሽቅል ምኻድ’ውን ዳርጋ ምጥፋእን ምዕዋልን’ዩ ዝግመት ዝነበረ።

  እወ፡ ሓቆም’ዮም ኣብሓጎይ፡ ክሳብ’ቲ ሽዑ እዋን’ቲ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ኩነታት ዝምስክሮ፡ ጽምዲ ብዕራይ ዘጥረየ፡ ዝተገዝመ ወይ ድማ ዝወረሰ ጎምበለ፡ ኣብ ዓዱ፡ ግራት ግብሪ ተቐቢሉ ውሕስነት ዘለዎ ናብራ ተኺሉ ደቁ ዘዕበየሉ ኩነታት’ዩ ዝገዝእ ዝነበረ። ሓፈሻዊ ፍልጠት ብዛዕባ ምንብባር ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ድማ ካብኡ ዝገፍሕ ኣይነበረን።

“ኣይንፈላለ” ብኣቶ ኣለም ሰገድ ተስፋይ፡ ገጽ 343፡ FO371/102634, Wardle-Smith to R. Allen. Africa Department, 27 February 1953 ምንጪ ሓበሬታ ብምምርኳስ፡ “ኣብ ኤርትራ ርእይቶ ህዝቢ ማለት፡ ርእይቶ ናይቶም ምስ ጠቕላሊ ቁጽሪ ህዝቢ ከተዛምዶ እንከለኻ ዝወሓዱ ከተመኛታት’ዩ። እቲ ወዲ ገጠር፡ በቲ ዝወሓደ ደረጃ’ኳ ብፖለቲካን መንግስታትን ዝግደስ ኣይኮነን። ካብ ግራቱ ዘዕግብ እኽሊ እንተረኺቡ  ላሙ እንተ ወሊዳትሉ፡ ጓሉ እንተ ኣመርዕዩ ሕጉስ’ዩ። ኣብ ካልእ መዳያት ሂወት ዘለዎ ተገዳስነት ክንድ’ቲ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ እቶም ከተመኛታት ብፖለቲካ ንቑሓት’ዮም፡ ምኽንያቱ ድማ ህይወቶም ንኽመርሑ ርጉእ ቁጠባዊ ኩነታት ስለ ዘድልዮም’ዩ።” ዝብል ትምህርቲ ተመዝጊቡ ይንበብ።

  ሳክቲዝም ናይ’ንዳ ዝናን ባህታን ስርዓተ አኮኖሚ ድማ ነዚ ኣብ እዋን በዓለ’ቦሓጎይ ሰፊኑ ዝነበረ ዋሕዲ ትምህርትን ሓበሬታን ተኸዊሉ ሱር ዝሰደደ’ዩ ዝመስል።

    ካብ እዋን በዓለ’ቦሓጎይ ንደሓር ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ግን፡ ብመንጽር ምኹስኳስ መጻኢ ዕድል እንተተራእዩ፡ ኣዝዩ ዘፍርሕን ዝገርምን’ዩ። ኣቦሓጎይ ዝርእይዎ ዝነብሩ ዕድል ቀልጢፉ’ዩ ሓቒቑ። ነዚ ለውጢ’ዚ ብዙሕን በብዓይነቱን ምኽንያታት ክጽብጸበሉ ይኽእል’ዩ። ሓደ ኽልተ ኣብነት ንምሃብ፡-

ሀ) ምስፋሕ ምድረበዳን ደርቅን።     ሁ) ኲናት።    ሂ) ስደት።    ሃ) ዝርጋሐ ትምህርትን ምዕባለን፡ ካብ ትራንስፖርት ክሳብ ረድዮን ተለቭዥንን ….. …….. ሄ) ቀደም ዘመን እንእኒ፡ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብእመትዶ ብመጽዓን ይገመት ክበሃል እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ መወዳድርቶም ተዓዊቶም፡ ከም መበገሲ መስርሕ ገድልን ምግዳልን ዝተነጽፉ ሓሳባት።  ህ) ባድመ።

ዶክተር ተኸስተ ነጋሽ Eritrea and Ethiopia: The Federal Experience. ኣብ ዝብል መጽሓፎም ገጽ 169 ካብ 1940 ክሳብ 1993 ኣብ ዘሎ እዋን ኣመልኪቶም “No other group in the Ethiopian region has repeatedly succeeded in shaping its political destiny like the Eritrean Tigreans.” ይብሉ።

   ዝኾነ ኾይኑ ኣብ እዋን በዓል ኣቦሓጎይ ዝነበረ ኩነታት’ምበኣርከስ፡ ኣብ ሰዓቱ ንእዋኑ ዘኹርዕ ናቱ ብልጫታት ኔሩዎ’ዩ፡ ሕጂ ግን ……. …..? ምግማቱ ቀሊል’ኳ እንተዘይኮነ፡ ብዘይ ምግናን ሳክቲዝምን ኢሳያሲዝምን፡ ዓርቢ ምሸት ካብ ኣጓዱ ሰምበል ወጺኦም ቀዳም ድቅቅቅቅቅቅቅ………….ስ! ውዒሎም ሰንበት ማ’ጨሎት እንተተሓጺቦም፡ መፍቶት ወ’ለዝጊ’ዩ’ሞ! እንተተረኺቡስ እንታይ ክብሊ’ሉ። እወ ለውጢ የድሊ’ሎ።

ክቕጽል’ዩ።

ራህዋን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራ።

ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ (11/10/13)

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...