ንዝተሳዕረ-ተሰበሎ ።
11-11-13።

ክቡራት ደቂ ሃገረ-ኤርትራ፡ እቲ ናይ ለውጢ ግዜ ብነብሱ ከምዝኣኸለ ንመን ካባና ከይተፈለጦ ክህሉ ኢሉ። መጀመርታ እንዃዕ ናብዚ መድረኽ‘ዚ ኣብጻሓና ክብል እፈቱ። ቀጺለ ብዛዕባ‘ዚ ከምኣርእስቲ ጠቒሰዮ ዘለኹ ጐናይ ጥቕሲ ንምዝራ ብ፤ ኣበይ፡ መዓስን ስለምንታይን ተባህለ? ንዝብሉ ሕቶታት ንጎድኒ ገዲፍና፡ ምስቲ “ንዝተሸመ ተኸተሎ“ ብዝብል ንዘስ ዕቦ ካልኣይ ክፋል ድርብ ትሕዝቶኡ ኣጣሚርኩም ከተውግዕሉ እላቦ።

ሎምስድማ ኣብማእከል ገዛና ብደምሒት ተማሪኽና! ንሳቶም ‘ሎሚ-ኮነ‘ ከምዝበሃል ኣብቲ መኻርፎ ባቡረ-መካይንን ዓሳ ክርን ጸላኢ ነበር፡ ኣብቲ ድንግል መሬት ሕዛእቲ መፋልሰ-ጀጋኑ ተጋደልቲ በረኻታት ደማስ ብናይ ሓለፋ ቕብጥሮሽ ተታ ሒዞም ንዝዓስከሩ ጓኖት ያኢ “ተቓወምቲ መንግስቲ ኢቲዮጲያ ኢዮም“ ይብሉና። ሰብዓ ሽሕ ዝግመት ምሩጽን ዕሉምን ሰራዊት ንናይ ጽባሕ ተበግሶ ውዲት ዓቃብነት ክለማመድ ምእንቲ ኣብ ሕምብርትና ምኹዳዱ ዓላማኡ ፈተነ ሓድሽ መግ ዛእቲ እንተዘይኮይኑ ምንም ካልእ ፖለቲካዊ ትንታነ ኣየድልዮን። ሰራዊትና ነዛ ተመኹልያ ከምወዝቢ ዝተገብረት እኪት ፈተነ እንተድኣ ብዋዛ ሓሊፍዋ ‘ኣኸለ‘ ንበል። መራሒና እምባኣር ነታ ስውርቲ ሰታሪቱ ባዓቲ ደምሒት ከውሕስ ካብተ ቓልዐ ደጊም መመሳመሲ ስለዘየለ ሓንቲ ኢያ‘ታ ሕቶ።

ይሃሉዶ ንሃሉ? በሉ ጥፍኣትና ዝመዓሮ ስዑር መራሕስ በዛ ናይ መወዳእታ ዝሸርተጣ ክርቢት ጥልመቱ ክቃጸል ኣለዎ።

ንዝተሳዕረ-ተሰበሎ፡፡ እወ ስዕረትሲ ምኽንያቱ ብዘየገደስ ውድቀት እንድዩ፡ ኣብ ዝቖመሉ ህዝባዊ ዓላማ ክሰዓር ዝደሊ ህ ዝቢ‘ውን ስለዘየለ ብፍላይ ኣብከማና‘ሞ ድማ ኩሉ ስዕረት እዋናዊ ጥራይ ምዃኑ ኢና እንርድኦ። ንሓዋሩ ከስዕረና ንዝሽ ርሕ መራሒ‘ሞ ዋጋ-ዕዳጋ ስለዘየድልዮ ምስባል ጥራይ‘ውን ውሒድዎ በሃላይ ኢየ።

ንነገሩ ምስባል እንታይ ማለት ኢዩ? ምስ ምስልባጥ፡ ምግልባጥ ይመሳሰል እንተኾይኑ ሓራይ ንሰማማዓሉ ኢና። ግን መ ን ኢዩ ግዲ ኣውራ ነዚ ስርዓት ክስበሎ ዘለዎ? ብወገነይ ነዚ ሕቶ ዘየሻሙ መልሲ ኣለኒ። እቶም ሓንሳብ ፎእ ዝበሉዎ ና ብ መዛዘሚኡ ድኣ‘ምበር፡ ሕጂ ሓድሽ ምስባል ከርእዩ ኣይኮኑን። እቶም ዝስበሉስ እምበኣር ብቀንዶም‘ቶም ኣጋፈርቱ ኣ ባላት ህግደፍ ኢዮም። ኣብዚ ደጋጊሙ ብለባማት ሃገራውያን ፖለቲከኛታት ከምዝተዋህበ ሓበሬታ ናይ ሎሚ ህላወና ኩነተ-ድሕነት ሃገር ብምዃኑ ናይ ቀዳምነታት ቀዳምነት ዝስራዕ ደረጃ ቃልሲ ከምዝኾነ ኩልና ንሰማማዓሉ ኢና።

ሓደ ኣቦ ካብ ኣባሻውል “መንግስትን ህዝብን ክልቴና ዘለና ንመስል‘ምበር የለናን‘ኮ“! ክብሉ መረረኦምን ስግኣቶምን ገለ ጽዎ። ከምኡ ድማ ካልኦት ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ድሕሪ ዕስራ ዓመታት ናጽነት ማይ ክስእኑ ሃየንታ ምዃኑን ለውጢ ከ ምዝጽበዩን ዝዳሕድሕዎ ‘ውን ተሰሚዖም። ኩሉ እዚታት “ኤርትራ ብዘይመንግስቲ ብዘይተቓወምቲ“‘ ከብል ክኢሉ‘ዩ። ድሕሪ‘ዚ ውድቀት‘ዚ እንታይ ንጽበ? ዝወደቐ‘ኮ ወዲቑ ኢዩ። በቲ ዝተሓተ ኣበሃህላ ንምጅማር ክሳብ ዝወደቐ ገረብ ሓኽ ሊ ከምዝበዝሖ እናፈለጥናዮስ ሓቅነቱ ድዩ ዘይተሰቆረና ወይስ እቲ ምስሊዓረም ናይዛ ድኽምቲ ሃገርና ተዋጃቢርና ዶስ ረብሓ ኣዐዊርና?

ሎሚቅነ ብኣጋጣሚ ናይ ሮማ ሰልፊ ኣብ መራኸቢ ብዙሃን ካብ ዝቐረበ ሓጸርቲ ማዕዳታት እምባ ቅዉምነገር ረኺበሉ።  ናይተን ደቂ-ኣንስትዮና ትዕዝብትን መልእኽትን ንድቁሳት ዘበራብር ነበረ። ንሓጺር መደረ ናይ ስነ-ጥበባዊ ዘርኢሰናይ ግ ርማይ ግን ብሓለፋ ከምኣብነት ንምጥቃስ፡-

“ንሕና ኣብውዱእ ጓይላ ኢና ነኹድድ ዘለና። ብዛዕባ ህግደፍ ተዛሪብና ኣይተዛሪብና ዕርቃኑ ዝወጸ ስርዓት ሕጂ ነምጻኣሉ ነገር የለን“....... ኢሉ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ነቲ ብኩልና ዝቃላሕ ዘሎ ናይ እንታይ ንግበር? ልዝብ ዘድመቐ ነበረ።

መቸም ኩልኻ ሰብ ሓደ ዕድመ‘ውን ቀቀዳምነትካ ስለዝውጥጠካ ኣብቲ ናይ ሓባር ረብሓ ንሓንሳብ ኣይትጽመድን ኢኻ። ሓባራዊት ጽምዶናስ በሉ ሕጂ ኢያ። ጽባሕ ንጉሆ እዞም ሎሚ ኣብ ጽሓይ ዕርበት ብመንኮርኮር ተብላጽ ዘሽከርክሩ ሓያ ለይ መኹደድቲ ነዚ ሓድሽ ተረኽቦ ከም ዝተቓለሱሉን ከምናቶምን ገይሮም ብምሓዞም ንሕሉፍ ተግባራቶም እንተዘይሓ ፈሩሉን ክቱር ደለይቲ ለውጢ መሲሎም ከደናግሩና እንተቐረቡን ዘደንቕ ኣይኮነን። ሓቆም እንተኾኢኖም‘ሞ ነገር መዓረ ። እቶም ውጹዓትን ኣርሒቖም ዝሓስቡ ሓቀኛታት ደለይቲ ለውጥን እምበኣር ምስምማዕ ጥራይ ትኩን ጥበቦም።

እስከ ንስምምዕ ዝኣክል፡ ለውጢ እንታይ ማለት ኢዩ ግዲ? መልሱ ቀሊል ኢዩ። ጽገናውን መሰረታውን ተባሂሉ ኣብ ክል ተ እንዳ“ዃ እንተተኸፍለ ኣማስያኡስ መባእታዊ ተበግሶ ናይ ርሑቕ ሸቶ ኢዩ። ግናኸ ሰባት ንነገር ቅድሚ ምልዋጦም ንር እሶም ክልዎጡ ዝሓሸ ኣሳልጦ ስራሕ ኢዩ። ቀዳመይቲ መርኣያ ለውጢ ከኣ ይቕረታ ምሕታትን ምቕባልን ምዃና ክስመ ረላ ኣለዎ ብሃላይ ኢየ። ምሕረት ከም ሓደ ኣምላኻዊ ትእዛዝ መጠን ጠባይ ናይ ሓያል ህዝቢ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ነገር ፖ ለቲካ ብምዃኑ ጥራይ ዘይኮነስ ብኣስማቱ‘ምበር ይቕረ እንተጎሲና ኣብ ኣሳልጦ ስራሕ‘ውን  ኣብንበጽሖ የብልናን። ድሕሪ ኡ ጉዳይ ፍትሓዊ ዕማም ብኣዝዮም ሞያውያን ክኢላታት ብመንፈስ ናይ ይቕረታ ምሕረትን መቕጻዕትን ዕዉት መስርሕ ለውጢ ክሰላሰል ኣየጸግምን።

ኣብዚ ሽታ ለውጢ ዝሃገሉ ዘሎ እዋን “መንከ ኣልዩ ለውጢ ዘይተጸበየ“? ንዝብል ሕቶ ፍጹም መልሲ ክወሃብ ኣይከኣል ን። ቅድሚ ናብዚ “ንዝተሸመ-ተከተሎ“ ዝብል ካልኣይ ክፋል መደብ ምእታወይ ብዛዕባ ዝረኣዩ መንፈስ ተጣባቕነት ናይ ዚ ዑና ስርዓት ካብ ዘምሓረሎም ዓያሹ ወይ ድማ ገበነኛታት፡ ናይ ሓደ ከምኣብነት ንምጥቃስ ዝኣክል እቲ ዕዉር ረብሓ ወይ ድኽነት ፖለቲካ ዝመበገሲኡ ዝንዛሕ ዘሎ ምስሉይ ፕረፖጋንዳ ተዛሪቡ ዘዛርብ ብምዃኑ ገለ ክብል ደሪኽኒ‘ዩእሞ፡  ኣነድማ ፖለቲካ ይፈልጥ እንተነይረ ሎሚ ሎምስ ካን ተሸሪብኒ ግዲኮይኑ ሓንቲ ከምዘይፈልጥ እናተፈለጠኒ መጺኡ ስለ ዘሎ ተጸመሙኒ ሓደራኹም።

ሰይጣን ኣብ ቤተ-እምነታት ኣማኒ ተመሲሉ ከደናግር ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ ግዜ ትንሳኤ ምዉታን ተበሊሉ በባትር ግዳያ ት ከምዝድራዕ ዘላሊ ትርኢት ርኢኽሞ ትኾኑ። ከምኡ ድማ ገበርቲ እከይ መራሕቲ ሃገራት። ከፍአ ናይቶም ተጣበቕቲ!!

“ኣብ ኤርትራ ፖለቲካዊ ጸገም የለን። እዞም ኤርትራውያን መንእሰያት ግና ቁጠባዊ ጸገማቶም ከማሓይሹ እናሃደሙስ ኣብ ዘዝኸድዎ ሃገራት ፖለቲካዊ ጸገም ከምዘሎ ኣምሲሎም ንመንግስትና የኽፍእዎ ኣለዉ“ ክብል ዝጸንሐ ገላጺ ቀጺሉ፡ “እዞም ተቓወምቲ ውድባት ብሓቂ ሃገራዊ ኣጀንዳ እንተኣልይዎም እንታይ ኮይኖም ዋላ ውሑድ መጠን ካብዞም ዝሃድ ሙ ክጥቀምሎም ዘይከኣሉ“? ክብል ሕቶ ከምዘቕረበ ሰሚዕኩሞ ክንስኹም ክትጎስይዎ በቒዕኩም ትኾኑ።

ብቐዳምነት በቲ ዝጠቀረ ተበላጺ ፖለቲካኡ እሓዝነሉ። ኣብ ዓለም ዘሎ ኩሉ ሕ/ሰባዊ ርክባት ብቁጠባዊ ረብሓ ኢዩ ዝ ዳነን ዝዝወርን። ዝኾነ ሓያል ንካልኦት ድኹማት ዝነዋንወሉ ምኽንያት ኣብ ረብሓ ዝተመርኮሰ ኢዩ። ኣመሪካ ንዓረባዊ ንግስነታት ብመሰል ደቂ-ኣንስትዮን ባህላዊ ነገራቱን ትጎናንጾ ምኽንያት ብኣውራኡስ ቅጠባዊ ረብሓኣ ደሪኽዋ ኢዩ። ኣብ ዚ ሎሚ እዋን ንገሊአን ብመስፍናዊ ስርዓታተን እናተናኸሰት ምስ ገሊአን ሰጥለበጥ ኢላ ክትመስለን ክትርአስ ብወገንኩ ምከ ኪኖ ቁጠባዊ ረብሓ እንታይ ትርጉም ትህብዎ?

ብሓጺሩ ቁጠባዊ ረብሓ ዘይደሊ ሰብ ኮነ መንግስቲ የለን። እዚ ረብሓ‘ዚ መጀመርታኡስ “ዲፕሎማሲ“ ብዝብል ሰላማዊ መልክዕ ኢዩ ዝካየድ። ወፍሪ ዲፕሎማሲ ንምጅማሩ ኮነ ዝተጀመረ ናብ ጥርዚ ንምሕዃሩ ብሰላማዊ መገዲ ምስዘይፍጸ ም ናብ ፖለቲካዊ ምትፍናን፡ ካብኡ ቀጺሉ‘ውን ብብዙሕ ምስምስ ክሳብ ናብ ረጽሚ፡ ናብ ኲናት ይዓርግ።

“ኤርትራ መሬታ‘ምበር ህዝባ ኣየድልየናን“ ከምዝተባህለ ንሰምዕ ኢና። እዚ ንሃገርና ንበይና ጥራይ ዝተበየነ ፍርዲ ዓመ ጽቲ ኣይኮነን። ገበትቲ ቁጠባ ብዛዕባ ሃገራውነትን መሰል ኣህዛብን ዓጢጥዎም ኣይፈልጥን። ሓያላን ሃገራት ብዛዕባ መሰ ል ኣዕራብ ደቂ-ኣንስትዮ ሳጽይዎም ኣይኮነን ዘሸራርፍዎ። እቲ ብሰናይ ድሌት ዝተጀመረ ሕጊ ፖለቲካዊ ስደት‘ውን እና ሓደረስ ምእንቲ ምግባት ርስቲ ዓላማኡ ጠምዚዞም ናብ ስዉር ናይ ጽንተት መሳርሒ ቀየርዎ ድኣ።

ህግደፋውያን ብዝጎስጎሱሉ ንምዝራብ፡ ኣመሪካ ብወካሊኣ ንመንእሰያትና ካብገዛእ ሃገሮም እናመዝሓቐት ቁልፍና ተፍተ ሓና እንተኣልያ ንኩሉ ረብሓታት ትሕዝቶ ሃገረ-ኤርትራ ንምብሓት ኢያ። እዚ ረብሓታት‘ዚ ድማ ከምቲ ናይ ትማሊ ሎ ሚ‘ውን ህዝቢ ብሂወቱ ኢንተኣልዩ ክትውንኖ ኣይከኣላን። ስለ‘ቲ ንሱ ብስዉር ኮነ ብግህዶ ህዝብና ክበርስ ኣለዎ።

“ኣብ ዓድና ቁጠባዊ‘ምበር ፖለቲካዊ ጸገም የለን“ ዲኻ ዝበልካ? ከምኡ እንተኢልካ ክቡር ሊቀ-ሊቃውንቲ፡  ፖለቲካ‘ኮ ኣብ ብዓለሙ መሳለጢ እንተዘይኮይኑ ንርእሱ ዓላማ ኮይኑ ኣይፈልጥን ኢዩ። ኣብ ስልጡን ህዝቢ ምዕሩይ ቅጠባዊ ዝር ጋሐ እንተኣልዩ ከም ብሄራዊ፡ ኣውራጃዊ፡ ወገናዊ ዝዓይነቶም ትሕተ-ሃገራውነት ክሳብ ዊንታ ስልጣን ከይተረፈ ይስወሩ ኢዮም። ግናኸ ሻምላ ናይ ዘንቆልቁል ዘሎ በዓል-ስልጣን ከምዝኾኑ መጠን መመዚዙ ክጥቀመሎም ይርአ። ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ናይ ህዝብና ዕጥቂ ብረት ድማ ብኣጉል ፖለቲካ ሕልማዊ ተስፋ ሕድሕዳዊ ምትህንዃት ምዃኑ ንመን ተሰዊርዎ።

ርኹባት ክንስና ስኡናት፡ ናጽነት እንከለና ናብ ባርነት፡ ንህዝባውነት ከምዘይተዋደቕና ናብ መላኺነት፡ መረበትና ዘሚቱ ናብ ስደት........ንዝደርገመና መራሒ “ፖለቲካዊ ጸገም ኣይኮነን“ ብማለት እዋኑ ዝሓለፎ መደረ ምስንዛርካ ንርእስኻ ኣብ ቁጠባዊ ረብሓ ስለዝሰጠምካ‘ምበር ንስኻ ንሰውራታት ኤርትራ ጓና ከምዝኾንካ ኣብ ዝገበርካዮ ቃለ-መሕትት ደርጒሕ ካዮ እንዲኻ። ኣብ 1993 ዓ. ም. ኩሉ ኤርትራዊ ብናጽነት ሃገሩ ተተባቢዑ ኣብ ሓድሽ ተስፋ ተጸሚዱ እንከሎ ንስኻ ግን ኣይማእማኣካን ኮይኑስ ከም ብሓድሽ ንሓርነት ክትጋደል ካብ ኤርትራ ‘ሃዲምካ‘ ትግራይ ዝተደርገምካ ናይ ድሕሪ ናጽነ ት ‘ተጋዳላይ‘ ምንባርካ ባዕልኻ ኣብሪህካዮ ነበርካ። እሞ ሎሚ ድማ ፎርም ጣዕሳ መሊእካ ባይታ ከምዝረኸብካ ተመሲ ልካ ከምብሓድሽ ፍልስፍና ቁጠባዊ ሃዳምነት ከተረድእ ምፍታንካ ምንም ኣይተሓዘልካን ኢዩ። ድሮ ኣብ ሃገረ-ስዊድን ዝተመደብካ ተመቃሊ መቑሽሽ ዶላር ህግደፍ ከምዝኾንካ ድማ እቲ ካሕዳይ ቁጠባዊ ተምበርካኽነትካ ትሕቲ ፖለቲካዊ ሃዳምነት ከምዝኾነ መጠን እታ ዝዓበኻላ ክፋል ከተማ ኣስመራ ኣጸቢቓ ክትጓንየካ ኢያ።

ንምዃኑ ንስኻ መን ኢኻ ብዛዕባ ሃደምቲ መንእሰያትዶ ሂወቶም ዝኸፈሉ ተቓወምቲ እናኣከሻመሽካ ከይሓፈርካ ንቀታሊ ና መንግስቲ ትውርቕ? እንተ ኣነን ከማይን‘ሞ ንስኻን ሓሳባትካን ሓደ ኣይትመስሉናን ኢኹም። ብምዃኑ ምስ ሓሳባትካ ‘ምበር ምሳኻ ምንም ባእሲ የብልናን። ኣብ ግምባር ስዊድን ዓሪድካ ነታ “ወያነ“! እትብል ዕኹልልቲ ‘ጽልኢ‘ ስለዘድመቕ ካያ ድማ ንእኪት መጋበርያነትካ የጋልጸካ‘ምበር ኣይዕቅበካን ኢዩ። እንተ ህዝብና ግደፍዶ ምስ ጎረባብትናስ ምስ ማንም ካልእ ህዝቢ ዓለም‘ውን ጽልኢ የብሉን።

ንዝተሳዕረ ምስባሉ ንቡር ተርእዮ ከምዝኾነ ኣጸቢቕና ንፈልጥ‘ዃ እንተኾንና ኣብዛ ግዜ‘ዚኣ ንስኻን ከማኻን ክልቲኡ ምር ጫታት ክትገብሩ ስለዘይትኽእሉ ተማዕርይዎ ነገር የለን። ማለት ዋላ‘ዃ በታ ዝሰልጠንካላ ዓውዲ ንኩነታት ፍልሰት መን እሰያትና ከተናሹ “ቁጠባዊ ሃዳምነት" ብማለት እንተኣቆናጸብካዮ ሊላይ ኮነ! ቁጠባ ዘየርግእ፡ ወርቂ እናሓፈሰ ሽምዓ ዝ ጨንቆ፡ ምንም ዘይኣበሱ ተካእቲ ወለዶ ዘባድም መንግስቲኸ እንታይ ከውሕስ? ንስኻ ግን ኣብክንዲ ዘይዓቕምኻ መዳይ ትጽመድ ቅድሚ ዝኣገረ ፖለቲካዊ ቁጠባ እንተኣጽናዕካ ይበልጸካ እብል።

ኣለፋለፈኒ‘ካ እዚ እኪት!

በሉ ንዝተሳዕረ ምስባሉ ንቡር እንድዩ፡ ብፍላይ ኣባላት ህግደፍ ሃገርኩም ብምስባል ፈታዊኹም ነበር እንተደበስኩማ ም ስ ምኽሓድ ምንም ዘራኽብ ስለዘይብሉ ሃየ መዋጽኦ ነብስኹም ዝኸውን ተራኹም ተጻወቱ።

ንዝተሳዕረ-ተሰቢልና፡ ንዝተሸመ ኣብ ምኽታሉ የራኽበና!

ጎደፋ፡


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...