ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ኣብ ሞንጐ ይከኣሎን ዋርሳይን ዝነበረ ህግደፍ ዝፈጠሮ ናይ ልዕለ ትሕትነት ኣፈላላያት ይቕህም ኣሎ፡፡ ሰራዊት ብፍላይ ካብ እዚ ክ/ሰራዊት ንታሕቲ ናይ ኣዛዝን ተኣዛዚን ናይ ጊላን ጎይታን ዓይነት ኣካይዳታትን ስምዒታትን ብምህሳስ ህዝብና ናይ ምውሓስ ኣብ ዝብል ሓበራዊ ኣረኣእያ ይዓኩኽ ኣሎ፡፡

ብጀካ’ቶም ጥብቆ ኢሳያስ ኮይኖም ምእንተ ውልቃዊ ረብሐኦምን ረብሓ ኣያኦምን ዝሕንግዱ ወይ ቀራና መገዲ ዝወላወሉ ውሕዳት ካብ ኣዘዝቲ ግንባራትን ካብኡ ንላዕልን ኣብ ሰራዊት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታትን ዝርከቡ እቶም ዝበዝሑ ኮሎኔላትን ካብኡ ንታሕቲ መዓርግ ዘለዎም መኮነናትን ኣብ ጸግዒ እቲ ተራ ወተሃደርን ህዝብን ብምዃን ብቕሉዕን ዘይቅሉዕን ኣግባባት ንኢሳያስን ደገፍቱን ምንሓፍ ይጅመር ኣሎ፡፡

ካብ መጀመሪያ ስሙን ወርሒ ጥቅምቲ ክሳብ ሕጂ ዘይተኣልየን ንቓልዕ ከይወጽእ ዓቢ ጥንቃቐ ይገበረሉ ተባሂሉ ዝተኣዘዘን ኣብ ሞንጎ ላዕለዎትን ታሕተዎትን ወትሃደራዊ መኮነናት ዝተፈጥረ ምጉርፋጥ ኣሎ፡፡

ብዛዕባ’ዚ ምጉርፋጥ ዝምልከት ዝርዝራት፡ መጀመሪያ ኣዘዝቲ ክፍላተ ሰራዊትን ካብኡ ንላዕሊ ኣዘዝቲ ግንባራትን ዝርከብዎ ኣኼባ ብጀነራል ሰብሓት ኣብ ኣስመራ ተኻይዱ፡፡ ዕላማ’ቲ ኣኼባ ብሓፈሻ ዳግመ ውደባን ምደባን ኣብ ዝብል ናይ መንግስቲ መደባት መሰረት ኣንጺፉ ብፍላይ ድማ እዚ ሃገራዊ መደብ ናብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ክሽረፍ ከሎ ምጭፍላቕ ኣሃዱታትን ምኽንያቱን፡ ምውዛዕ ሓለፍቲ ሰራዊትን ኣፈጻጽማታቱን ማእከል ገይሩ ንዘተ ቀሪቡ፡፡ ኣብ’ቲ ዝቐረበ ኣጀንዳ ኣዘዝቲ ክፍላተ ሰራዊት ብድፍረት ዘቕረብዎ ርእይቶታት ምትዕርራይ ኣሃዱታት ይኹን ምደባ ሓለፍቲ ዝብል መደብ ቅድሚ ምፍጻሙ መሰረታዊ ሕቶታት ሰራዊትን ህዝብን መፍትሒ ክረክብ እንተዘይተገይሩ እዚ መደብ ንምፍጻሙ ከምዝኸብድ ሕቶታት ምልዓሎም ወረታት ተናፊሱ፡፡

ኣብ’ዚ ክትዕ ብወገን በዓል ወዲ ኢፍሬም ዝቐረበ ሓሳባት መሰረታዊ ሕቶታት ሰራዊትን ህዝብን ምህላው ከምዘይከሓድ እንተኣመንሉ እኳ ኣብዚ እዋን ንምምላሱ ግን መንግስቲ ዓቕሚ ከምዘይብሉ ገለጹ፡፡ ካብ ሽይጣት ወርቂ መዓድን ቢሻን ኣብ ወጻእ ካብ ዝነብሩ ወለንተኛታት ዝለኣኻ 2% ባጤራ ወጻኢ ሸርፊ፡ ኣብ ምዕዳግ ነፈርቲ መጓዓዝያ፡ ናይ ህንጻ ማሽነሪታት፡ ድጐማ ቀረብ ጸዓት፡ 50 ሜጋ ዋት ዘምንጩ ጀነሬተር፡ በቢወርሑ ካብ ሱዳን ንዝኣቱ ቀለብ ሰራዊትን ህዝብን ወዘተ…ይውዕል ብምህላው ኣብ ቀረባ እዋን መነባብሮ ሰራዊት ንምልዋጥ ከምዘይከኣል ብግልጺ ቀሪቡ፡፡ በዚ ናይ ጀነራልን የማነ ህበይን ሞጐት ተሳዒሮምን ኣሚኖም ዝወጹ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ናብ መእዘዚ ቦትኦም ምስተመልሱ ንሓለቓ ስታፋት ክፍላተ ሰራዊት ኩሎም  ካብን ናብን ወዚዖሞም፡፡

ይቕጽል……

ካብ ኮሎኔል

2 ክፋል

November 2013


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...