ኩሉ ሰብ ከምዘይስሕቶ፡ መሓውራት ህግደፍ ክልተ እየን። ንሳተን ድማ ኣብ ብረታዊ ዕጥቅን ውትህድርናን ዝሙርኮሳ፡  

 1. ቀዳመይቲ ጸላኢ’ለና።

2. ካልኣይቲ ድማ ናይ’ዚ ዞባ ጎብለል ንሕና ኢና።

ዝብላ ብህልኽን ጽልእን ዝተበከላ ናየ’ተሓሳስባ ቫይረስ እያተን። ስለ’ዚ እዚ ቫይረስ’ዚ ካ’በእምሮና እንተተጸሪጉ፡ ብዘይ ወዓል ሕደር ጠበናጁ ህግደፍ ዕዳጋ ወሪዱ ናብ ርሳስን ጥራዝን ተለዊጡ፡ ናጽነትናን ሂወትናን ዘይነስተምቕረሉ ምኽንያት የለን።

  በዚ ኩነታት’ዚ ዝጠራጥር ሰብ ብዙሕ ኣይመስለንን። ምግናን የብሉን። ነዘን ክልተ ናየ’ተሓሳስባ ቫይረስ ኣበ’እምሮ ኤርትራውነት ስለዝዘርእወን’ዮም፡ እንዳ ዝናን ባህታን እቲ ሽግርን መፍትሒኡን ጠናኒጎም፡ ዕድመ ስልጣኖም ዘናውሑ ዘለዉ።

ብዘይ ምግናን ጠበንጃ’ሲ ሕድሪ ስዉኣት ኣለዎ ዝብል ምህሮ ኣበ’እምሮ ዋርሳይ ሰሪጹ ከምዘሎ ዘካትዕ መኣስ ኮይኑ።

   ስለ’ዚ ድማ’ዩ ዝመስል ብዕለት 10/26/2013 ኣብ ቻርሎት ሰሜን ካሮሊና ዝተጋብአ ሰሚናር ናይ “ስምረት ኤርትራውያን መንእሰያት ንድሕነት ሃገር” “EYSNS” ……  “ህግደፍ ኣተሕሳስባ’ዩ”  … ዝብል ሓዲሽ ኣረኣእያ ሒዙ ናብ መድረኽ ደበኽ ዝበለ።

 እወ፡ ካብ መንእሰያት እዚ ኹሉ ጸጋ ካብ ተቐልቀለ፡ ኣዝዩ ተስፋ ዝህብ ባብ’ዩ ዝኽፈት ዘሎ። ከመይ’ሲ መጻኢ ዕድል ናቶም ስለዝኾነ፡ ንሳቶም ዝብልዎ’ዩ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ፡ ውረድ ደይብ ከበሃህል ዘለዎ። ….. ሸጣን ኣይስማዕ ጥራይ።

  ሓቂ’ሓይሽ ግን ኣማስይኡ ናይ ደስደስ እስኪ ሃየ ሕራይ ጋንታ መንእሰያት ጥራይ ሓሪና ኩዕሶ እግሪ ንጋጠም ዝብሉ መንእሰያት ደቂ’ቲ ገዛውቲ እንቋዕ ኣይተቐልቀሉ’ምበር፡  ኣብ ናይ ጥምቀት ወረቐት ከይተበጽሐ፡ ብዝሒ ባርኔጣን፡ ሕብሪ ጸጉሪ ርእስን ምስተዓዘቡ፡ ማእከላይ ዳኛ፡ ጸወታ ከይተጀመረ ተወዲኡ’ዩ! ዝብል ፊስካ ምነፍሑ ኔሮም።

   ዝኾነ ኾይኑ ሎሚ፡ ርብዒ ዘመን ድሕሪ ናጽነት’ሲ፡ ንሕና ኤርትራውያን ጎረባብቲ’ምበር መሃልኽቲ የብልናን። መናብርቲ’ምበር ጸላእቲ የብልናን ክበሃል እንተተጀሚሩ፡ ኣገናዕ ደበሳይ፡ ድሕሪ ጽባሕ ምሸት ድራር ምሳይ ዘብል ብስራት ዝነፍስ ዘሎ’ዩ ዝመስል ዘሎ።

   ደጊም ንሓድሕድናን ምስ ጎረባብትናን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ኣንጻር ድኽነትን ድንቁርናን ክውዕል’ዩ ዕጥቅናን ዓቕምናን ዝብል መጽሓፍ ክጅመር’ዩ ዝመስል ዘሎ። …. ይመልኣዮ ጥራይ።

   እንዳ ዝናን ባህታንኮ ምእንቲ ክእመኑን ምእንቲ ክምለኹን፡ ንርእሶም ይከኣሎ፡ ንሓዲሽ ወለዶ ድማ ዋርሳይ ዝብል ኣንፈት ኣትሒዞም፡ ንመጻኢ ዕድል ናይ ህዝብን ሃገርን ኣደንቊሮም ምእንቲ ክምልምልዋ ዘይፈንቀልዋ እምኒ የላን።

   ዝገደፉ’ብሎምን፡ ዋርሳይ’ሲ ናይ ድኽነትን ናይ ተኣዝዞን መብጽዓ ኣትዩ፡ ከም ተስታይ ምእንቲ ከገልግሎም፡ ሳዋ ወወሲዶም፡ ካብ ዕቅን ንላዕሊ፡ ጉልባብ ናይ ናጽነት ዘለዎ ብዝመስል ቋንቋን ኣተሓሳስባን (liberation complex) ኣደናጊሮም ብምምልማል፡ ንኣምላኽ ዘየምልኽ ኣምልኾ ኣብ ሓንጎሉ ክሰኽዑሉ እንታይ ዘይገበሩ።

  እነሆ ሕጂ ግን ተንኮሎም በሊዕዎም፡ ምስ ሰብን ምስ ወለ’ዝግን ተባቲኾም፡ ኣብ ቅድሚኦም ንዝጸንሐ ፈታውን ጸላእን ከም ውሕዥ ጸራሪጎም፡ ብዓርበሮቡዕ ሸለውለው ይብሉ’ለዉ። ዘይረኣይዎ’ፍጠረሎም።

  አረ ገለ ካብ’ቶም ተሳተፍቲ ሰሚናር ዝነበሩ መንእሰያት’ሲ፡ ሓደ ኽልተ ኣእላፍ ዝግመቱ ዕጡቓት ኣብ ከባቢ ራማን ዛላምበሳን እንተተንቀሳቒሶም ጥራይ ብዘይ ድምጺ ካላሽን፡ ኣጉዶ ህግደፍ ምፍራሳ ስለኾነ እነቅላ’ለኹ ኣነ፡ ክሳብ ምባል ይስምዑ ኔሮም።

    ሓቆም’ዮም መንእሰያት፡ ናይ መንግስታት ብዘየገድስ ንሕና ከም ህዝቢ ኤርትራውያን ኢና። መሃልኽቲ’ብልናን ጸላኢ’ብልናን። እዚ ኹሉ ኣደራዕ ዘሰክመና ዘሎ ሕማም፡ መራሕትና፡ ምስ ህዝቦምን ጎረባብቶምን ናይ ምልዛብ ብቕዓት ስለ ዘየ’ማዕበሉ’ዩ። ዝብል ናየ’ተሓሳስባ ለውጢ እንተተጠርዩ፡ ንቫይረስ ናይ ህግደፍ ንፋስ ዘራጊቶ ክወስዶ’ዩ፡ ማለት’ዩ። ….. ካብ’ዛ ናይ ጽባሕ መዓልቲ ዘራጊቶ ኣይትሕለፍ ጥራይ።

   ስለ’ዚ ሎሚ፡ ርብዒ ዘመን ድሕሪ ናጽነት’ምበኣርከስ ፡ ወዮ ቐደም ምግዳል ኣብ መዓልቦ ምእንቲ ክበጽሕ ዝተዘርአ መንቀሊ ሓሳባት ናይ ዋርሳይ ቋንቋ ኮይኑ ምእንቲ ክቕጽል ብረድዮ ብተለቭዥን ከምኡ’ውን ብጋዜጣታት ናይ ህግደፍ ክደጋገም ስለዝጸንሐ፡ ኣብ ለልብና’ዩ ሰፊሩ ዘሎ።

  ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ሕጂ’ውን ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ምስ ዓድን ዓውድን ጥንግንግ ብምባል ንመስርሕ ጉዕዞ ደበሳይ፡ ብመንፈስ ዋርሳይ፡ በሪዙ ሕውዝውዝ የብሎ’ሎ።

  እወ፡ ህግደፍ ኣተሓሳስባ’ዩ’ሞ ኣተሓሳስባ ይቀየር እናተባህለ እንከሎ’ሲ ናይ ህግደፍ ቋንቋ ምዝውታር ክቕጸል እንተኾይኑ፡ ከመይሉ’ዩ ናየ’ተሓሳስባ ለውጢ ዝምዕብል፡ ካብ ዝብል መንቀሊ ንገለ ገለ ካብ’ተን ኣብ እዋነን ምቁራት ዝነበራ፡ ሎሚ ድማ ናይ ህግደፍ ምሩጻት መንቀሊ ሓሳባት ኮይነን ንእዋን ኮለል ዘብላ ዘለዋ፡ ከም ኣብነት ንምጥቃስ፡

ሀ) መግዛእቲ፡ ጸላኢ፡ ኲናት፡ ዓወት፡ ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከም ሓደ ስድራ፡ ሓወልቲ።

ሁ) ብጽፍርና፡ ፍሉያት ኢና፡ ዘይሕለል፡ ዘይሕለም፡ ቃልስና መዳርግቲ’ብሉን፡ ዓወትና ንዓለም ኣብነት’ዩ፡ ራእይ መራሕትና ንኣፍሪቃ ሓበን’ዩ፡ መስተንክራዊ ቅያታት፡ ብቕልጽሙ ዘረጋገጾ፡ ኤርትራዊ ክትኩስን ክጽልን እንተዘይኮይኑ ኣይምብርከኽን’ዩ።

ሂ) ፍሉይ ኤርትራዊ ባህሊ፡ ኣብ ሓዘንን ሓጎስን ጓይላን ዳንኬራን፡ ጅግንነት፡ ገርህነት፡ ትብዓት፡ ቆራጽነት፡ ኤርትራዊ ሓቦ፡ ኣነ ክሓልፍ ንስኻ ጽናሕ፡ ኤርትራዊ ብኸብዱ ኣይዛረብን’ዩ። 

ሃ) ሕድሪ ስዉኣት፡ ማሕላ፡ መብጽዓ፡ ጽንዓት፡ ተጻዋርነት፡ ….

ዝመስል ኮይኑ፡ እዚ ዝንባለ’ዚ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ፍርሃት፡ ቂምታ፡ ጽልኢ፡ ህልኽ፡ ንዕቀት፡ ውትህድርና፡ ኲናት፡ ዓወት፡ ምሩኽ፡ ውጉእ፡ ምዉት፡ ስደት፡ ቤት ማሕቡስ፡ ዘለዎ ንፋስ’ዩ ባህጉ።

 ሰላም ራህዋ ቅሳነት ለውጥን ዕርቅን ዝሕብር ብርሃን ኣየጸግዕን’ዩ። ስለ’ዚ ንህግደፍ ኣተሓሳስባ’ዩ ዝብል ኣንፈት ለውጥን ዕርቅን ኣዝዩ ንኡድ ኮይኑ፡ ካብ ናይ ህግደፍ ቋንቋ ምንጋፉ መጸበቒኡ’ዩ።

ሄ)  ልዕሊ ኹሉ ድማ፡      …..   ኤርትራውያን ንኸይንሰማማዕ ተሰማሚዕና፡ ….. ተገሪህና፡

    ንዝመስል መዛዘሚ ወይ ድማ መህደሚ፡ ሎሚ ርብዒ ዘመን ድሕሪ ናጽነት መረቕ ከተውጽኣሉ ምፍታን ዘርብሕ ኣይመስለንን።

 እቲ ዝገርም፡ ብዙሓት ካብ’ዘን ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩወን ናይ እንዳ ዝናን ባህታን ምሩጻት ቃላት ኣብ’ቲ ሰሚናር ናይ መንእሰያት ብዘረባን ብጽሑፍን ደሚቐን ክንጸባረቓ ም’ዓለን’ዩ።

  ዝኾነ ኾይኑ ስምረት መንእሰያት ንድሕነት ሃገር ውዕሎና ንምጅማር፡ ንትሕዝቶ ናይ’ቲ መትከሎም ዘደንፍዕ ጽሑፎም፡ ተሳተፍቲ ምእንቲ ክንመያየጠሉ፡-  

ሀ) ስምረት   ሁ) ሓድነት  ሂ) ዓወት  ሃ) ፍትሒ  ሄ) ራህዋ

ተባሂለን ኣብ ዝጽዋዓ ጋንታት ሰሪዖሙና’ዮም ኣንጊሆም ዘበገሱና።

    ጽቡቕ ምጅማር ይግበሮ፡ መን’ፈልጥ ኣብ መጻኢ፡  ስፖርቲ! ትምህርቲ፡ ሕክምና፡ ቱሪዝም፡ ንግዲ፡ ጡረታ፡ ሕርሻ … ወይ ድማ ባቡር መርከብ፡ ሕምባሻ ሃንዛ፡ መዓር ጠስሚ፡ መርዓት ኩሕሊ፡ ሕጽኖት መርዓዊ፡ ዱግርን ዲግርን፡ መረባዕ ህድሞ ….. ዝመስላ ተወሰኽቲ ጋንታት ይጽምበራ’ኾና።

   ዝኾነ ኾይኑ ንኣይ ከኣ ብኣጋጣሚ ጋንታ ሓድነት’ያ በጺሓንትኒ። ሓቂ’ሓይሽ ፈለማ’ኳ፡ ኣንታ ደቀይ ኣነ’ሲ ምሳለይ ክዛረብ እንተፈተንኩ፡ እዚ ሰብኣይ’ዚ ምስ’ቲ ናይ ቀደም ኣንደነት ዝበሃል ጋኔን’ዩ (neo unionist) ሕልሙ ዝብሉኒ ሰባት ኣይሰኣኑን’ዮም’ሞ፡ ኣብ ጋንታ ራህዋ ትሕሸኒ ክብል ፈቲነ ኔረ። ምስ ኣበዩኒ!!! ግን ወድኣይተኸ ብምባል ምስ ካልኦት ኣባላት ናይ ጋንታ ሓድነት ብምሉእ ስምረት፡ ህግደፍ ኣተሓሳስባ’ዩ እናበልና፡ ዝገድፍናሉ’ብልናን፡ ፍንጥሕጥሕ ኢና ውዒልናዮ። … ከመይ ወለ’ዝጊ’ፈናጥሓዮ!

    እቲ ኣዝዩ ዘሐጉስ ከኣ፡ ፈንጢሕና ፈናጢሕና ንኣባላት ህግደፍ ንሞት ኣይፈረድናዮምን። ደሓን ሕፍረት ይኣኽሎም’ዩ ኢልና፡ ዳርጋ ንኹሎሚ’ና ሓዳሮም ክናብዩ፡ ብዘይተቓውሞ ብሙሉእ ድምጺ ኣጣይስናዮም። ማለት’ሲ ድሕሪ ምፍራስ ህግደፍ፡ ባህልን ወግዕን፡ ንግድን ዕዳጋን ናብ ንቡር ምእንቲ ክምለስ’ሲ፡ ቂምታን ሕነ ምፍዳይን ናብ እንዳ ጎሓፍ ደርቢና፡ ንቤት ማሕቡሳት ህግደፍ ኣንፊ’ልና ዓጻጺና ኢና ብሞኸስተር ኣጽር………………………… ይ! ውዒልናዮ።

    ዝኾነ ኾይኑ ተሳተፍቲ ሰሚናር ንጥራዝን ብርዕን ዘረባርብ ነናቶም ዛንታ ክህቡ ድሕር ዝብሉ ኣይነበሩን። ጥዑም ወረ ደኣ ዘይብሉ ኾይኑ’ምበር። ጥዑም ካበይ ክመጽእ! ካብ ሳዋ ክሳብ ሲናይ፡ ካብ ዛላምበሳ ክሳብ ላምፐዱሳ ጥዑም ወረ ዘይተዘርአ።

    ዝኾነ ኾይኑ ኣዝዩ ጥዑም መዓልቲ ኢና ውዒልና። ኣደታት ቻርሎት ምሳሕን ድራርን ቀሪበን መኣዲ ከይዝሕል ደው ኢለን’የን ጋሕንት’ዕርብ ክሕልወኦ ውዒለን።

     ከምኡ’ውን ደጋጊምካ ክበሃልን ክዝከርን ዘለዎ ዘኹርዕ መልክዕ ናይ’ቲ ሰሚናር፡ ወዶም ጓሎም፡ ኣባላትን መራሕትን ናይ’ቲ ሰሚናር፡ ንጥፈቶምን ተገዳስነቶምን ኣዝዩ ዝድነቕ’ዩ ዝነበረ። ሙሉእ መዓልቲ ንልዕሊ 12 ሰዓታት ኣብ ሓንቲ ኣደራሽ ውዕሊና ከነብቅዕ፡ ርብዒ ሰዓት ዝገበርና ኣይመሰለናን። ከምኡ ዝመስል ሰሚናር ኣብ ጸጽባሕ ይድገመና ዘብል’ዩ።  

   ዝኾነ ኾይኑ ኣብ’ቲ ሰሚናር፡ በቲ ሓደ ሸነኽ መራሕን ንሱ ዝመርሖ መስርሕን ክሳብ ክንደይ ይቀራረቡ ክሳብ ክንደይከ ይረሓሓቑ ዝዓይነታ ሚዛን ኣብ ግምት ዘእተወት እትመስል፡ ገላጺት ሓረግ ማለት፡ “ኣጽናቲ ስርዓት” ትብል ቅጽል ክትዝውተር ውዒላ።

      በቲ ካልእ ሸነኽ ድማ ከም’ቲ ገለ ተጋደልቲ ዝነበሩ፡ ሎሚ ተቓወምቲ ኮይኖም ዘለዉ፡ ጸሓፍትን ተንተንትን፡ ብረድዮን ብኢንተርነትን፡ ብምፍላጥን ብዘይምፍላጥን፡ ምሒር ቀሊላትሎም ግዲ ኾይና፡ ወግሐ ጸብሐ ዘዘውትርዋ ዘለዉ ሜላ፡ ማለት’ሲ፡ ኣብ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ኲናት ተሳዒሩ፡ ብሞያ ንዝሞተ ናይ ኤርትራ ውልቀ-መላኺ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ናይ’ዚ ኹሉ ውድቀታትን ክሳራታትን ምኽንያትን ሓላፍነትን ብምስካም፡ ፕረሲደንት ኢሳያስ ካብ ስልጣን እንተወሪዱ  ናይ ኤርትራ ሕማማት ክሓው’ዩ እዮም፡ ናብ ዝብል ጸድፊ ገጹ ዝገማገም ይመስል ኔሩ።

 ውድቀትናን ትንሳኤናን ኣብ ዝባና ዝብል ዓቐበት፡ ኩላትና ምእንቲ ክንድይበሉ ጽርግያ ይጸረገሉ፡ እንተዝውሰኸሉ እንታይ ምመሰለ ኔሩ ንምባል’የ።

   ዝኾነ ኾይኑ ክልቲኡ ኩነታት ኣብ በቦትኡ እንከሎ፡ ብሃንደበት ወዲ ቫካሮ ኣብ ተለፎን ቀሪቡ’ሎ’ሞ፡ ጽን በሉ ተባሂልና፡ ብግምት ንዓሰርተ ደቓይቕ ዝኸውን: ተዘክሮታት ራእይ መራሕትና ዘንጸባርቕ መልእኽቱ ኣስሚዑና። ንእግረ መንገዱ ከኣ “ኤርትራውያን ንኸይንሰማማዕ ተሰማሚዓና” ትብል ሓረግ ጠቒሱዋ። …………….  ክቕጽል’ዩ።

ራህዋን ቅሳነትን ንህዝቢ ኤርትራ።

ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ (10/30/13)

(This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.)

 

 

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...