``ፕረሲደንት ኢሰያስ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ከርእዮ ዝጸንሐ ናይ ዘይርጉእነት መንፈስ ብዙሕ ትንታነታት ኵወሃቦ ጸኒሑ ኢዩ። ምዝዛም ዕምረ-ስልጣኑ ግዲ ተራእይዎ፡ ብዙሕ ዘደንጹ ስጉምትታት ኵወስድ ተራእዩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒዝገበሮ ህጽጽ ዕጹው ኣኼባ ብዘይ ሕብእብእ፡ ነቶም ምስኡ ተሪፎም ዘለው ግን ዘይኣምኖም ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስትን ግንባርን’ውን ንስልጣኑ ክትንክፍ ንዝብገስ ዝኾነ ምንቅስቓስ ወይ ሰብ ክሕምሽሽ ምዃኑ ብነድሪ ገሊጽሎም። ዕላማ ህዝባዊ ምዕጣቕ ኣስመራ ናብ ሞቓድሾ ንምቕያር ምዃኑ፡ መንእሰይ ኤርትራ ሃገር ከድሕነሉ ኣብ ዘይክእል ቦታ ከም ዘሳጎጎን፡ ነቶም ሰብኡት ዝብሎም መጋልድልቱ ከም ዘጥፍኦምን እቶም ምስኡ ተሪፎም ዘለዉ ከም ሰብኡት ከም ዘይቆጽሮምን ኣጉባዕቢዕሎም። ብሓጺሩ፡ ብድሕሪኡ፡ እዛ ሃገር ኣብ ጸልማት ከም ትኣቱ ኢዩ ኣጠንቂቑ።''  ካብ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ናብ መርበብ ኣዝማሪኖ ካብ ኣስመራ ካብ ዝተላእከት ጽሕፍቲ ዝተወስደ እዩ።

ዉድቀት ስርዓት ህግደፍ ናይ መዓልታት፡ ትንክፍ ዘብሎ ሓይሊ እንተረኺቡ ድማ ናይ ሰዓታት ሕቶ ጥራይ ኢዩ።  እንተኾነ እቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክዉንነት ነዚ ሓቒ'ዚ ዝድርዖ ኣይኮነን። ስርዓት ህግደፍ ብናይ ገዛእ ርእሱ ፖሊቲካዊ ሃሰሰ-ለባምነት ግን፡ ኣብ ጸጽብሕ ናብ ጸድፊ ክሳግም ብኣንክሮ እንዕዘቦ ዘለና ተርእዮ ኮይኑ ኣሎ። ዉድቀት ናይ'ዚ ብሓንቲ እግሩ ኣብ ጸድፊ ጠልጠል ኢሉ ዘሎ ስርዓት ዘይተርፍ'ዩ፡ ካብ ተባህለ ግን ምስ'ኡ ተተሓሒዙ ዝለዓል ኣገዳሲ ሕቶ ኣሎ። ድሕሪ ዉድቀት እዚ ስርዓት ኤርትራ ናበይ ኣንፈት`ያ ከተብል? ካብ'ቲ ኣንጸላልዩና ዘሎ ከቢድ ሓደጋ'ኸ ከመይ ጌርና ከነምልጥ ንኽእል? እዚ ዓንቀጽ ክድህስሶም ክፍትን ኢዩ።

እዚ ሕቶ እዚ ብዙሕ ግዜ ኣይተላዕለን፡ ብግቡእ'ዉን ኣይተመለሰን። ማዕረ እቲ ምዉዳቕ ናይ'ዚ ስርዓት፡ ብድሕሪኡ ክስዕብ ዝኽእል ኩነት`ዉን ከተሓሳስበና ይግብኦ። ወድዓዊ ኩነታትና ብጭቡጥ ንምግምጋም ንህልዊ ኩነታትናን ተኣፋፍነቱን ብዕቱብነት ምርኣዩ ከድልየና ኢዩ። እዚ ማለት ብቐንዲ፡ ብዉድቀት እዚ ስርዓት ክፍጠሩ ንዝኽእሉ ምዕባለታት ብዓንተብኡ ምግማቶምን፡ ዘላቒ ሳዕቤን ከየኸትሉ ገታኢ ስጉምታት ዝዉሰደሉ መንገድታት ንምንዳይ ኣቐዲምካ ምድላዋት ጌርካ ምጽናሕ ክሓተና ኢዩ።

ኣብ ኣርእስቲ እዚ ጽሑፍ ከምዝተተንብሀ፡ ሓደ ካብ'ቲ ኩላትና ዘይንምነዮ ኣሰቓቒ ዉጺኢት፡ ተርእዮ ሶማል ኣብ ሃገርና ከይድገም ኢዩ። እዚ ክስተት ካብ ክዉንነት ኤርትራ ወጻኢ መሲሉ ዝርኣዮምን፡ ስርዓት ህግደፍ ምስ ወደቐ ሳናጥኦም ኣልዒሎም ዓዶም ክኣትዉ ዝሕልኑ ሓያለ ኣለዉ። እዚ ሰናይ ትምኒት'ዚ ግን፡ ብመንጽር ህልዊ ፖለቲካዊ ክዉንነትና ክንብድሆ ይግባእ። ኣብ ባይታ ንዘለዉ ሓቅታት ብዕምቆት እንተገምጊምናዮም ድማ፡ ኣሻቓሊ ደበና ኣብ ሰማያትና ይዝምቢ ከምዘሎ ክንግንዘብ ንኽእል።

ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘዉረዶን፡ ዘዉርዶ ዘሎን መዘና ኣልቦ ኣበሳ፡ ዘርዚርካ ኣይዉዳእን። እዚ ኩሉ ሓሳረ መከራ ምስ ምብቃዕ እዚ ስርዓት እኳ ከየብቅዕ፡ ንሓያለ እዋናት እንዳሓቐየና ዝነብር እሾኽ ኣብ ምድሪ ቤትና ክዘርእ ጸኒሑ ኣሎ። እቶም ነዚ ሓቒ ብኣጋ ተገንዚቦም ዓገብ ዝበሉ ዜጋታትና፡ ንሕስያ ብዘይብሉ ስጉምቲ ተቐዚፎም። መብዛሕትኡ ካብ ህዝብና'ዉን ብነዝሒ ፕሮፓጋንዳ እቲ ስርዓት፡ እንዳርኣየ ዓዊሩ እንዳሰምዐ'ዉን ጸሚሙ'ዩ ጸኒሑ። ብኣግኡ ዓገብ ዝብል ሰብ ብዙሕ ኣይተረኽበን። ኣብ'ዚ እዋን ግን፡ እቲ ዝተዘርአ ናይ ጥፍኣት ክርዳድ በቊሉ ስለዝሰወደ፡ እቲ ደቂሱ ዝጸንሐ እንከይተረፈ'ኳ ክነቅሕ ንሪኦ ኣለና። ነቲ ሓቂ ካብ ሓሶት ብምምማይ፡ ንተንኮላትን ዉዲትን እዚ ስርዓት'ዉን ብምንቃሕ፡ ኣንጻር እዚ ስርዓት ቆሪጹ ተላዒሉ'ሎ ንምባል ግን ኣየድፍርን። ዛጊት'ዉን እንተኾነ፡ ኣብ ድንግርግር ዝነብር ዘሎ ሓያለ ኢዩ።

ኤርትራ ናብ ሶማል ክትቅየር ትኽእል'ዶ? ኢሉ ንዝሓትት ሓታቲ፡ ንሕትኡ ብሕቶ ምስተመለሰ። 'ዘርኢ እንተትዘርእ'ከ ምበቖለ'ዶ? ምናልባት ኩሉ ዝተዘርአ ዘርኢ ኣይበቁልን ይኸዉን፡ ዘይተዘርአ ግን ኣይዕጸድን። ህድእ ኢልና እንተስተብሂልና እቲ ተዘሪኡ ዘሎ ዘርኢ ክርዳድ ሓያለ ኮይኑ ንረኽቦ። ካብዚ ሓያለ ኣዝርእቲ ገሊኡ እንተበቖለ ድማ፡ ክገርመና ኣይግባእን። ሽሻይ ዘለዎ ንዳእቲ ንምሕፋስ፡ ኣቐዲምና ናብ ጻህያይ ምዉፋር ከድልየና ኢዩ።

ሓንቲ ሃገር ከም ሃገር እትቐዉም፡ ብሕግን ስርዓትን ክትመሓደር እንከላ ጥራሕ ኢዩ። እዚ ሕጊ'ዚ ድማ ከከም ኣድላይነቱ ምምሕያሻት እንዳተገብረሉ፡ ካብ ሓደ ወለዶ ናብ ካልእ ወለዶ ይሰጋገር። እዛ ሕጂ ዘላ ኤርትራ ግን፡ ብራዕድን ሽበራን ኣፈ ሙዝ ብረት'ያ ቆይማ እትርከብ። ፕረዝደንት ኢሳይያስ ምናልባት መግዛእቲ ብዝመረሮም ወተሃደራት፡ ወይ'ዉን ብሕማም ምስ ዝመዉት እኳ ንዕኡ ዝትክእ ሰብ ይኹን ሕጋዊ ኣሰራርሓ የለን። ርሑቕ እንከይከድና ትማሊ ትማሊ ኣብ'ዛ ጎረቤት ሃገርና ዘጋጠመ ተርእዮ ዓቢ ትምህርቲ ክህበና ይግባእ። ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር መለስ ዜናዊ ምስ ዓረፈ፡ ብመሰረት ቅዋም እታ ሃገርን፡ ዉሽጣዊ መምርሒ ገዛኢ ሰልፊን፡ እቲ ናይ ምትኽኻእ መስርሕ ብቐሊሉ ክፍጸም ርኢናዮ። በዚ ድማ እቲ ሓያለ ተንተንቲ ኢትዮጵያ ከይትበታተን ዝነበሮም ግምት ኣጒሉ ተሪፉ።

ፕረዚደንት ኢሳይያስ'ዉን ሰብ ምኻኑ ኣይተረፎን፡ እንተስ ብኢድ ሰብ ወይስ ብኢድ ፈጣሪ፡ እታ ጸላም መዓልቲ ከተረኻኽበሉ ኢያ። እዛ ቅዋምን ምክትል ፕረዚደንትን ዘይብላ ሃገር ግን መን ኮን ብድሕሪኡ ክርከባ ይኸዉን? ንሱ'ኸ ነየናይ ሕግን ስርዓትን ምርኩስ ብምግባር'ዩ ስልጣን ክርከብ። እቶም ነዚ ስልጣን ዝባርኽሉ'ኸ እነመነመን ኢዮም። እቲ ሕቶታት ብዙሕ፡ መልሱ ግን ሒደት። ኤርትራ ምናልባት እታ እንኮ ቅዋምን ምክትል ፕረዝደንትን ዘይብላ ሃገር ከይኮነት ኣይትተርፍን። ከም ኣልቓዒዳ ዛኣመሰሉ ግብረ-ሽበራዉያን ዉድባት እንከይተረፉ እኳ፡ ናይ ምትኽኻእ ዉጥን ኣለዎም።

ስለዚ እምበኣር'ዩ እዛ ሃገር ብህይወት እንተሎ ብስቅያት ክትማስን፡ እንተሞተ'ዉን ዕጫ ሶማል በጺሕዋ ብኲናት ሕድሕድ ክትበጣጠስ ኣሕሊፉ ሂብዋ ዝርከብ። ግን ኢሰያስ ካብ ምብትታን ኤርትራ እንታይ ፋይዳ ይረክብ ዝብል ሓታቲ ኣይሰኣንን ይኸዉን። መልሱ ቀሊል`ዩ ንሓያለ ሰባት ግን፡ እቲ ሓቂ ካብ ምሒር ምዕጻቑ ዝተላዕለ ምዉሓጥ ዝኣብዮም ኣለዉ። ብተደጋጋሚ ኢሰያስ ኤርትራዊ ስሚዒት ከምዘይብሉን፡ እቲ ንናጽነት ዝተኻየደ ዕጥቃዊ ቃልሲ መሪሕዎ ክንሱ፡ ጥሙሕ ግን ናጽነት ኤርትራ ከምዘይነበረ ባዕሉ ካብ ዝሃቦ መግለጺ ይኹን ምስኡ ብቐረባ ዝሰርሑ ዝነበሩ ዉልቀ-ሰባትን ብተደጋጋሚ ንህዝቢ ክሕበሩ ጸኒሖም ኢዮም። ሰማዒት እዝኒ ግን ኣይረኸቡን። ብፍላይ እኳ ኣብ 1993 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ቃል ብቓሉ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዳግም ንምጽንባራ ወላ ንዓሰርተታ ዓመታት ዝዘልቕ ግዜ እንተሓተተ ከይሰልከየ ከምዝሰርሕ ብዘይሕብእብእ ተዛሪቡ ኢዩ። ከም መርኣያ ናይ'ዚ ክኾነና ዝኽእል ድማ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቊጸሩ፡ ኤርትራ መደበሮም ዝገበሩ ተቓወምቲ ዉድባት ኢትዮጵያ፡ መብዛሕትኦም ብናጽነት ኤርትራ'ኳ ዘይኣምኑ ኮይኖም ንረኽቦም። እዞም ተቓወምቲ ዝተሰምዩ ወተሃደራት'ዚኦም ካብ ሓሓሊፉ ኣብ ዉሽጢ ኢትዮጵያ ዝግበር ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕትታት ዝሓልፍ፡ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፊት ንፊት ዉግእ ገጢሞም፡ ነታ ብቓልሲ ሓራ ከዉጽእዋ ዝወፈሩ ኢትዮጵያ፡ ምሕራራስ ይትረፍ፡ ንስክላ እኳ ክጥቀስ ዝኽእል ዉግእ ገጢሞም ኣይፈልጡን። ስለ'ዚ እምበኣር'ዩ እቲ ኣብ ዉሽጢ ኤርትራ ዘለዎም ህላዉነት ካልእ ሕቶታት ከልዕል ግድነትን ባህርያዉን ዝኸዉን።

ኢሰያስ ብዘተኣታተዎ ፖሊሲ ደረት ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ህይወት ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያትና በሊዑ፡ ጉልበት ኣማኢት ኣሽሓት መንእሰያትና መጽዩ፡ ክትካእ ዘይክእል ግዜን ዕድላትን ህዝቢ ኤርትራ'ዉን ከም ሕሱም ኣባኺኑ ኢዩ። ህይወት ሚልዮናት ዜጋታትና ኣብ ኢዱ ብምጭባጥ ናብ መሓርን ቀታልን ፎርኦም ተቐይሩ። በዚ ድማ እልቢ ዘይብሎም ሰባት ኣሲሩን ኣጥፊኡን። በዚ ኣሰቓቒ ተግባራት ዝበርገጉ መንእሰያትና፡ እግሮም ናብ ዝመርሖም ብኣዝዩ ኣሰካፊ ብዝሒ ክስደዱ ተቐሲቦም። እዚ ኩሉ ጥፍኣት መንእሰያት ብፍላፍ'ኳ ንከም ኤርትራ ዝኣመሰለት ንእሽቶ ሃገር፡ ጃምላዊ ህልቂት'ዩ እንተተባህለ ምግናን ኣይኮነን። እቲ ምንታይ እዚ ኩሉ ናብ ወጻኢ ፈሊሱ ዘሎ፡ እቲ ኣብ ዝሓሰቦ ከይበጽሐ ኣብ መንገዲ ተኾሊፉ ዝተረፈ እኳ ኣዲኡ ትቊጸሮ፡ ሓንሳብን ንሓዋሩን ምስታ ዕትብቱ ዝተቐብረላ ዓዱ ተባቲኹ ኢዩ። ንስደት ክትሳግም ቀሊል፡ ካብ ስደት ጠቕሊልካ ዓድኻ ክትምለስ ግን ክሳዕ ክንደይ ከቢድ ምኻኑ፡ ነቶም መብዛሕትኦም ''ኣጆኻ ኣብ ጎድንኻ ኣለና'' ዝብልዎ ደገፍቱ፡ ንልዕሊ 30 ክሳብ 40 ዓመት ኣብ ስደት ዝኣረጉ ምምልካት ጥራሕ ኣኻሊ ኢዩ። ክትሪኦም ብሃልሃልታ ብፍቕሪ ዓዶም ዝቃጸሉ ይመስሉ፡ ካብቲ ዝገርም ግን፡ ናብታ ክንድዚ ዝሓሙላ ዓዲ ክዛወሩላ እምበር፡ ተመሊሶም ናብርኦም ከጣይሱላስ ኣይተራእዩን። ዋላ'ኳ እቶም ኣብ ኤርትራ ተወሊዶም ዝዓበዩ ሓያለ ዜጋታት፡ ናብታ ሰላምን ቅሳነትን ዝሰፈና ዓዶም ክምለሱ እንተተሃንጠዩ፡ ኣብ ደገ ተወሊዶም ንዝዓበዩ ቆልዑት ሒዞም ዓዲ ክኣትዉ ዘሎ ተኽእሎ ግን ምህሙን ኢዩ። ስለ'ዚ እምበኣር'የ እዚ ስደት ጃምላዊ ህልቂት`ዩ ዝበልክዎ ኣቐዲመ ።

ናብ ቀንዲ ኣርእስተይ ክመልሰኩም። ንኤርትራን ሶማልን እንታይ ዘመሳስል ንረኽበለን። ክልቲኦም ኢሰያስን ስያድ ባረን ብዴሳዊ ሰዉራ ቻይና ዝተጸልዉ ጨካናት መራሕቲ ኢዮም። ልክዕ ከምቲ ኢሰያስ ኣብ 2001 ስልጣንካ ንህዝቢ ኣረክብ ንዝበልዎ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኣሲሩ ዝቐዘፎም፡ ስያድ ባረ'ዉን ድሕሪ እቲ ኣብ 1977 ንኦጋዴን ንምምላስ ምስ ኢትዮጵያ ዘካየዶ'ሞ ብስዕረቱ ዝተዛዘመ ኲናት፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት ሓያለ ካብ ላዕለዎት ወተሃደራዉያንን ሲቭል ሰበ-መዝን ዝተሳተፍዎ ዘይተዓወተ ዕልዋ መንግስቲ ተኻይዱሉ ኔሩ። ምላሽ ሲያድ ባረ ድማ ንብምልኦም ኣብቲ ስርሒት ዝተሳተፉን ዝተጠርጠሩን ሰባት ብኣልማማ ምርሻን ኔሩ።

እንተኾነ ብብዙሕ መዳያት ስርዓት ስያድ ባረ፡ ካብ ስርዓት ኢሰያስ ዝበልጽ ኮይኑ ንረኽቦ። ባረ ነታ ፋሕ ጭንግራሕ ብዝበሉ ቀቢላታት ዝቖመት፡ ግን ከኣ ሓደ ብሄርን ቋንቋን ሃይማኖትን ዘለዎ ህዝቢ እትዉንን ሶማል፡ ኣብ ሓደ ንምጥርናፋ ዘይፈንቀሎ ከዉሒ ኣይነበረን። ዋላ'ኳ ስያድ ባረ ከም ዝኾነ ካልእ ዉልቀ-መላኺ፡ ነቶም ቁልፊ መንግስታዊ ስልጣናት ብእሙናት ደቂ ቀቢልኡን ኣዝማዱን ከምዝብሓት ብምግባሩ፡ ኣብ ዓይኒ ሓያለ ሶማላዉያን እንተኣተዎ። ዘይከም ኢሰያስ ግን ቅዋምን ምክትል ፕረዝደንት ኔርዎ ኢዩ። ምርጫ'ዉን ዋላ ስማዊ ይንበር፡ ኣብ ዝተፈላለየ እብረ ግዜ የካይድ ኔሩ ኢዩ። ከም ኣብነት ኣብ 1986 ስያድ ባረ ብሰሪ ዘጋጠሞ ሓደጋ መኪና፡ ብከቢድ ቆሲሉ ንሓያለ ኣዋርሕ ኣብ ሱዕዲ ዓረብ ሕክምናዎ ክንክን ይግበረሉ ኔሩ። ኣብ'ዚ ህሞት፡ እቲ ምክትል ፕረዝደንት ዝነበረ ጀነራል ዓሊ ሳማታር መርሒነት ተረኪቡ ሓዉዩ ክሳዕ ዝምለስ፡ ነታ ሃገር ንሸዉዓታ ኣዋርሕ መመላእታ መሪሕዋ።

ብዘይካ'ዚ ስያድ ባረ ዘይከም ዉልቀ-መላኺ ኢሰያስ፡ ንሰለማዉያን ሶማላዉያን ገዛ ገዛ እንዳኸደ ብረት ፈጺሙ ኣየዕጠቐን። እቶም ብጎነጽ ካብ ስልጣኑ ዝኣለዩዎ ምልሻታታት'ኳ፡ ካብ ስርዓት ደርግ ብዝረኸብዎ ዕጥቅን ስንቅን ኢዩ። በዚ ድማ እቶም ንዝተፈላለያ ቀቢላታት ብምዉካል፡ ንስርዓት ስያድ ባረ ብዕጥቃዊ ቃልሲ ካብ ስልጣን ዝኣለዩዎ ምልሻታት፡ ድሕሪ ዉድቀት እቲ ስርዓት ነቲ ዝተፈጥረ ሃጓፍ መንበረ ስልጣን ንምቁጽጻር ተጓይዮም። ታሪኽ ስያድ ባረ ከይድገም ዝሰግኡ ሶማላዉያን ድማ ተኣማንነቶም ናብ ቀቢልኦም ጥራሕ ከምዝቐንዕ ጌሮም። ብረት ኣብ ንሓድሕዶም ኣቕኒዖም፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸር ሰላማዊ ዜጋ እታ ሃገር ድማ፡ ንዝበኣሰ ሓሳረ መከራ ኣዳሪጎሞ። ድሕሪ 22 ዓመት ከም ዉጽኢት እዚ ኲናት ሕድሕድ፡ እዛ ሎሚ እንሪኣ ምህምንቲን፡ ብሳናቡእ ካልኦት ሃገራት እተስተንፍስ ዘላን ሶማል ተፈጢራ።

ታሪኽ ሶማል ኣብ ኤርትራ ከቶ ክድገም ኣይክእልን ኢዩ ኢልካ ምሕሳብ እምበኣር፡ ነብስኻ ምቕሻሽ ጥራሕ ኪኸዉን ይኽእል ኢዩ። እቲ ምንትይ ከም ስያድ ባረን ኢሰያስን ዝኣመሰሉ ዉልቀ-መለኽእቲ፡ ብታሕቲ ታሕቲ ህዝቢ ከይመቓቐሉ መነበረ ስልጣኖም ከደልድሉ ይኽእሉ'ዮም ኢልካ ፈጺምካ ዘይሕሰብ እዩ። እሞ ህዝቢ ኤርትራ ደኣ ተመቓቒሉ ድዩ? እቲ ናይዚ ሕቶ መልሲ ንኣንበብቲ ዝግደፍ ኢዩ።

ህልዊ ክዉንነትና ዓቢጥናዮ ዘይዕበጥ ሓቂ ኢዩ። ብፍላይ እኳ እቲ ምምቕቓል ኣብ ስደት ንእንርከብ ጎሊሕ ይርኣ። ኤምባሲታት እቲ ንቡር ክዓምኦ ዝግባእ ዲፕሎማስያዊ ዕማም ስለዘይብለን፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብዓድን ብዓዉድን ዝመቓቕሉ ነብያት ሓሶት እንዳዋፈራ፡ ኣብ ሕብረተ-ሰብና ምትእምማን ከይፍጠር ኣበርቲዐን ክሰርሓ ንርኢ ኣለና። ገለ ካብቶም ነድሪ ብዝተሓወሶ ስምዒት፡ ነዚ ስርዓት ዝድግፉን ሰባት፡ በዚ ቫይረስ እዚ ዝተለኽፉ ኮይኖም ንረኽቦም። እዚ ቫይረስ ድማ ግን`ዩ ናብ ካልኦት ግሩሃት'ዉን ክመሓላለፍ። ምናልባት እዚ ስርዓት ክሳዕ እዚ እዋን ኣብ ስልጣን ክሰርር ዝኸኣለ፡ ፈዉሲ ናይዚ ቫይረስ እዚ ክሳዕ ሕጂ ከይተረኽበ ምጽንሑ ሓደ ካብቲ ብዙሕ ምኽንያታት ክኽዉን ይኽእል ኢዩ። እቲ ሽግርና መሊሱ ዘብእሶ'ዉን ካልእ ሕብርን መልክዕን ዘለዎ ፈዉሲ ዘይተረኸቦም ቫይረሳት'ዉን ኣለዉና። እምበኣር ልክዕ ከም'ቲ ንሓደ ቫይረስ ባህርያቱ ኣጽኒዕካ፡ ፈዉሱ ክሳዕ ዘይረኸብካዮ ጥዕና ዘይትረክብ፡ ከምኡ'ዉን ናይ ሕማማትና ፈዉሲ ምሉእ ብምሉእ ከይረኸብናዮም ጥዕና ክንረክብ ከቶ ኣይንኽእል።

ይቕጽል.......

ብቴድሮስ ኣብርሃም

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...