ዕለት 04-11-204 ረፋድ፣ ከባቢ ሰዓት 10 ኣቢሉ ካብ ገዛይ ማይ ጭሆት ንከተማ ይመጽእ ነበርኹ። ብዙሓት ኣደታት “ኣንታ ወደይ ወረቀት ይሓቱ ኣለዉ” በለኒ። ስለዝነበረኒ ግን ኣይተሓባእኩን ቀጸልኹ። ብባሕቲ መስከረም (ኣደባባይ) ትኽ ኢለ ክሓልፍ ፈተንኩ። ግን ብዙሓት ሰባት ኣኪቦሞም ስለዝነበሩ እቶም ወተሃደራት “ኣብዚ ተጸጋዕ” በሉኒ። ገሪሙኒ ቀው ኢለ ጠመትኩ፣ ንሓደ ሓላፊ ብሬድዮ ርኽብ ዝዛረብ ዝነበረ ቅርብ ኢለ፣

“ኣባል ሚንስትሪ ምክልኻል እየ እንሆ ወረቀተይ፣ ሕጂ ናብ ስራሕ ይከይድ ኣለኩ” በልኩዎ። “ከም ሰብኻ ጥራይ ተጸበ እዚ ምኒስትሪ ምክልኻል ብዓቢኡ ከኣ መንግስቲ ኤርትራ ዝፈልጦ እዩ” በለኒ።

ኣብቲ እኩብ ህዝቢ ሕውስ ክብል ከለኹ፣ ሓደ ሞባይል ተለፎናት ኣብ መሬት ኣቀምጥወን ኢሉ ይሕድግ ምስ ረኣኹ ናተይ ዓጸኹዋ። ብዙሕ ሰብ ተሻቂሉ ደሃይ ክፈልጥን ክሕብርን ይድውል ስለዝነበረ፣ ኩለን ይድወለን ጭር ጭር ይብላ ነበራ። ድሕሪ ገለ እዋን ምቁጽጻር ስኢኑ ግን ሃቦም። ብዙሓት ዝፈልጦም፣- ዝተጣየሱ እታ ሽዳ ዝሓዙ፣ ሓዳስ ናይ ሳዋ መጣየሲ ጻዕዳ ወረቀት ዝሓዙ፣ ከም ናተይ ናይ ሰራዊት መንቀሳቀሲ ዝሕዙ፣ መማህራን፣ ተማሃሮ፣ ተጋደልቲ ካብ ኩሉ ሕብረተሰብ ነበሩ። ገሪሙና እንታይ እዩ ጉዱ᎒ መንቀሳቀሲ ወይ መጣየሲ ተሰኒዓን ካልእን ዝብሉ ነበሩ። ዘይትርስዓኒ ሽዑ ናይ ሓደ ሰብ ዘረባ እያ።“ንሕና እኾ ሕጂ ክንወጽእ ኢና” ይብል። ስለምንታይ ንስኹም እንተ በልናዮ “ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ስለዝኾና” በለና። ንሕና ከ ናይ መን ዲ᎒ በልናዮ።

ብሓቂ እቲ ሓለዋ ከም ካልእ እዋን ጽኑዕ ኣይነበረን፣ ብዙርያኡ ከቢቦሞ ብዙሓት ሰባት ይሃድሙ፣ ግን ኣብ ኩሉ ቦታ ግፋ ስለዝነበረ ካልኣይ ሳልሳይ ሳዕ ዝትሓዙ ነበሩ።

እቲ ሽዑ ሓለቃ ስታፍ ዝነበረ ብርሃነ (ቅጫ) ሬድዮ ርክብ ሒዙ ኮለል ክብል ኣብኡ ርኣናዮ። እሞ እዚ ኩሉ ህዝቢ ተኣኪቡ ደኣ ገለ ፋታሕ የብሉን፣ እዚ ዘይረብሕ እዩ ከኣ በልና።

ኣብቲ ማእከል ብዙሕ ህዝቢ ዓቢ ሓውይ ኣብ ደቀምሓረ ዝቅመጥ ተታሒዙ ይረኽቦ። ዝኾነ ኣይፈልጥን እዩ። “እሂ ኣንታ” እንተ በልኩዎ። “ቀብሪ ምብጽሕ ኢለ ንግሆ መጽአ፣ ክምለስ ከለኹ ካብ ኣውቶቡስ ኣውሪዶምኒ” በለኒ። “ባዕልኻ ትፈልጥ ዘይ መሳቱኻ እዮም ዝጻወቱልና ዘለዉ” በልኩዎ። ካብ ህዝቢ ዝወሰድወን ዓበይቲ መካይና በጣሓት፣ ተተመላሊሰን ንዓዲ ኣበይቶ ሰባት ይወስድ ነበራ። ዳርጋ ብድሌት ሰብ ይስቀል ነበረ። ሓወይ ክኸይድ ይደሊ ኣይፋል ይብሎ፣ ምኽንያቱ ድሮ ንገለ ካብ ዓዲ ኣበይቶ ዝፈነውዎም እንደገና ይሕዝዎም ከም ዝነበሩ ተሓቢርና ኔርና። ኣብ 2000ን 2003 ኣብ ዓዲ ኣበይቶ ተኣሲረ ስለዝነበርኹ እቲ ኩነታት ተራእዩኒ፣ ኣብኡ ምኻድ ነርክበሉ በልኩ።

ካብ ኩሉ ትካትን ክፋል ሕብረተሰብን ይትሓዝ ስለዝነበረ፣ ካብ ምኒስትሪ ዜና እታ ኣብ ፊልም ‘ኳና’ ዘላ ቀያሕ ላንድ ክሩዘር ናይ ዓሊ ዓብዱ ሒዙ ሓደቤተሰብ ሰቡ ከውጽእ መጸ። ኣብ ወሰን ኔርና ምስ ረኣየኒ “እሂ ኣንታ ተስፊት” ይብለኒ። ሓደ ኣባሉ ኣባል ሃገራዊ ኣገልግሎት (ሕጂ ኣብ ኣመሪካ ኣሎ) ምሳይ ኔሩ። “ናቲ ዓቢ ሓወይ ብምምልካት ነዚ ጥራይ ውሰደለይ በጃኻ” በልኩዎ። መሰትኡ እዩ። ተዘራሪቡ ወሲድዎ። ብድሕሪኡ ከባቢ ሰዓት 3ተ ድሕሪ ቀትሪ ነቶም ውሑዳት ብሓይሊ ሰቀሉና። ኣብ ዓዲ ኣበይቶ እተን ካብ ዝተፈለለየ ከባቢ ዝመጻ ዓበይቲ መካይን ኣብቲ ጸቢብ ጎደና ንስረ ካብ ምግጫው ደሓና። እታ ንምሸቱ ብኣድራጋ ተኹሲ ብዙሓት ንጹህት ዝተቀትሉላ፣ ቀጽሪ ብብዝሒ ሰብ ኣዕልቅልቃ ተለጋዲቦም ኮፍ ኢሎም፣ ዕዳጋ ኣባጊዕ ትመስል ነበረት። እቶም ሓለውቲ ኣብቲ መንደቅ ተሰቂሎም ክሕልዉ፣ ብዓይነይ ኣብ በጣሕ ከለኹ ዝረእኹዎ እዩ። እቲ ናይ ብሕቲ ሓደስቲ ትካላት፣ ባዕሎም ከፊቶም ወይ ሰቢሮም እዮም ቤት ማእሰርቲ ዝገብርዎ። ንሕና ዳሕረዎት ኣብታ 2000 ቤት ማእሰርቲ ዝነበረት፣ እቲ ዋናኣ ድሕሪ ክንደይ ኮለልን ጥርዓንን ዘሕደጎም ሽዑ ኣብኣ ኣእተዉና። እቲ ሰብ ገለ ብኣእማን ናብቲ ቤትሮታ መሳኹትን ናብቶም ሓለውትን ምድርባይ ምስ ጀመሩ፣ ወሪዶም ብደገ ክሕልውና ሓደሩ። እታ ማዕጾ ሰብ ከእትዉ ወይ ከውጽኡ ጥራይ ይኸፍትዎ ነበሩ። ገለ ከኣ “ባኒ ባኒ” ነበሩ። መን እሞ ከም ሰብ ሓሲቡና። ኣብታ መሬት ኩሉ ሰብ ደቂሱ ሓደረ። ክልእ ማሳይ ዝነበረ ኣባል ስርሒት ዞባ ሓሙሽተ መልእኽቲ መጺእዋም ክወጽእ ከሎ፣ ንዓና ኣባላት ስርሒት ዞባ ሓደ መልእኽቲ ተጻሒፉና ከብቅዕ ኣየውጽኡናን። ብዙሓት ካልኦት’ውን ተመሳሳሊ። ሓደ ሚካኤል ዝተባህለ ኣባልና ክኢላ ሕርሻ፣ በዓልቲ ቤቱ ናብቲ ቤት ጽሕፈት መጺኣ ንወዲ ምስግና ምትሓዙ ምስ ነገረቶ፣ መልእኽቲ ጽሒፉ ነቲ ምሳይ ዝሓደረ ዮናስ ዝብሃል ቆልዓ፣ ካብ ቤት ጽሕፈት ናብቶም ዝገፉ ሰደዶ። ንሳቶም ከኣ እታ መልእኽቲ ተቐቢሎም ንሚካኤል ከየውጽኡ፣ ነዚ እተላእከ ምስኪን ሓዝዎ። ምሸት ከባብ 11 ኣቢሉ ኣድራጋ ቶሲ ብድሕሬና ሰማዕና። ኣባና ሆሆን ጫውጫውታን ጥራይ ነበረ። ንላዕሊ እምበር ናብ ሰባት ከማን ብፍጹም ኣይሓሰብናዮን። ሽዑ ሞባይል ናብ ደገ ከይተረፈ ይድወል ኔሩ።

ሓዲርና ንጽባሒቱ ከባቢ ሰዓት 10 ከካብ ዘሎናዮ ተጸዊዕና ምስ ወጻእና ሓደ ደበሳይ ዝብሃል ካፒተን ኣብቲ ካልእ ቦታ ተኣሲሩ ዝሓደረ። ሽዑ ኣደታትን ኣሓትን ካብ ኣስመራ- ዓዲ ኣበይቶ- ክሳብ እቲ ቤት ማእሰርቲ ከም ጻጸ ተር ኢለን ክመጻ ንረኽበን። ኩለን “እንታይ ይብሉዎም ኣለዉ᎒ ክሰድዎም ድዮም᎒ ... ” ኢለን ይሓታ። “ስለ ጽቡቕ ዘረባን ድሌትን፣ እወ ክሰድዎ እዮም” በልና። እቲ ምሳይ ዝነበረ ንዓ በጃኻ ኢሉ ካብቲ መንገዲ እልይ ኢልና በቲ ግራውቲ ተመለስና። ኣብ ከተማ ከባቢ ሰዓት 4ተ ድሕሪ ቀትሪ እቲ ቅድሚኡ ለይቲ ዝሰማዕኩዎ ተኹሲ ሰባት ከም ዝቀተለ ሰማዕኩ።

ቀጺለ ሓደ ዝፈልጦ ሓሳዊ ናይ እዝኒ ዝብሃል ወዲ ስዉእ ሕጂ ሞይቱ እዩ። “ክልተ ግዜ ሒዞምኒ ወረቀት ኣርእየዮም ገዲፎምኒ” ይብለኒ። ካልእ ሓደ ዝፈልጦ ካፒተን ተማሳሳሊ፣ “ካብ ኣውቶቡስ ከውርዱኒ ደልዮም ወረቀት ኣርእየዮም ገዲፎምኒ” ይብለኒ። ንሓንቲ ንእሽቶ መመላለሲት ኣገልግሎት ናይ እንዳ ዜግነት ምስ ኣብኣ ዝነብረ ኮሎነል ናብ ዓዲ ኣበይቶ ውሲዳማ ይብሉኒ። ሓደ ዝፈልጦ ሰብ ኣብ ኣደባባይ ኣብ ስራሕ ውዒሉ፣ ክፍደስ ከሎ ሒዞሞ ምስ ምዕባየይ ሓወይ ኣብ ብሓደ ኣብ ዓዲ ኣበይቶ ከም ዝሓደሩ ነገረኒ።

ንጽባሒቱ ናብ ቤት ወኪል ቤት ጽሕፈት ስርሒት ዞባ ሓደ ከይደ (ንለ/ኮ ኣማኑኤል) “ኣንታ ትማሊ ደኣ እንታይ ወሪዱኩም” በልኩዎ። “ናይ ትማልስ ግደፎ ጥራይ ኣብዚ ነዞም ሓለውቲ (ዋርድያ) ከይተረፈ እንተ ዘይወሰድናዮም ኢሎም ክንደይ ዕግርግር ጌሮምለይ” በለኒ።

ኣብ ሰሙኑ ኣቢሉ፣ ክልተ ዝፈልጦም መጀራት ብዛዕባ እዚ፣ ምስ ሓደ ዓቢ ሳርቶ ሰብኣይ፣ ንሓደ ካብኣቶም ኣብ ኣውቶቡስ ወረቅት ሓቲቶሞ የርእዮም ምስ ገደፍዎ፣ “ወይ ጉድ ካብ እዝግስ እኾ ሻለቃ ኢና” ይብል እሞ ሓንቲ ዝሰምዓኦ ዓባይ ኣደ፣ “ናቶም ዲካ ናይ እቲኣቶም (ናይ ደርጊ ወይ ሻዕብያ ማለተን እዩ)” ኢለን ይሓትኦ። “ናቶም እምበር” ይብለን። “ናቶምስ ዋጋ የብልኩምን” በላኣ። እወ፣ ኣዴታትናን ኣቦታትናን ኣዝዮም መስተውዓልትን ለባማትን እዮም። ብሓቂ እዩ ካብኣ ንድሓር ነቲ ሰብ ሻለቃ ኾይና ሳጉኡ።

ብድሕሪኡ ብዓሊ ዓብዱ፣ ዓዋሉ እዮም፣ ካብ ሃገራዊ ግቡኦም ዝሃደሙ ገለ መለ ኢሉ፣ ኣብ ድምጺ ኣመሪካ።

ንዓይ ኣየገርመንን እዩ። ኣብ 1993 ኣብ ትቸሮ ኢሰያስ ክበኪ ከሎ ኔረ፣ ኩሉ ሰሚዓዮ ብኣካል፣ ንድሒቱ ምስ ሓደ ዓርከይ ተመሃሮ ዩኒቨርሲቲ ከለና ካብ መደቀሲና ሲታውያን ናብ ሆቴል ግርማይ ማይተመናይ ጥቃ እንዳ ኮካ ሻሂ ክንሰቲ ከሎና ኣብ ተለቪዥን ኢሳያስ ናይ ቆልዑት እዩ ኔሩ ክብል ስለዝዝከረኒ።

ዝኾነ ኾይና ናትና ሽግር ገለ መደምደምታ እንተ ዘይጌርናሉ ኽገድድ እምበር ኣይመሓየሽን ኣይቅየርን እዩ። ሎሚ ድሕሪ ትሽዓተ ዓመታትን፣ ናይ 2013ን ዘስኻሕኽሕ መቅዘፍቲ ጃምላዊ ህልቂት ተደጊምና፣ እዚ ንሕልና ዘለዎ ንዝሰምዕ ዓው ዝበለ ድምጺ ኣውያት እዩ። ስቅ እንተ ኢልና ዝገደደ ክስዕብን ክቅጽልን እዩ።

ከምቲ ካርል ማርክስ ኣብ ኣዋጅ “ሰራሕተኛታት ዓለም ሰራሕተኛታት ዓለም (ኤርትራውያን) ሕበሩ፣ ብዘይካ ሰንሰለታት መቑሕ ዝጎድለኹም ነገር የለን” ዝበሎ እዩ።

ብተመሳሳሊ ዊንስተር ቸርችል “ገና ከሎኻ እንተ ደኣ ንመሰልካ ብዘይ ደም ምፍሳስ ኣብ ትስዕረሉ እዋን እንተ ዘይተቃሊስካ፡ ገና ዓወትካ ርጉጽን ክሳራ ኣብ ዘይብሉን እዋን ከሎ እንተ ዘይተቓሊስካ፡ ኣብ ጽንኩር እዋን ኩሉ ዕድላት ኣንጻርካ ምስ ኮነ ንህላዌ ዕድል ጥራይ ኣብ ትቓለሰሉ፡ ኩነታት ዝገደደ ክኸውን ይክእል። ናይ ምዕዋት ዕድል ኣብ ዘይብልካ እትቓለስሉ’ውን ኣሎ። ምኽንያቱ ካብ ባርያ ኮንካ ምንባርሲ ህልቒት ዝሕሸሉ እዋን ከኣ ኣሎ።”

ስለዚ፣ ንሕና ኤርትራውያን ከኣ ብፍላይ መንእሰያት ግብራውያን ንኹን። ከምቲ እዋን ሓደ ዓቢ ዑንቒ ኣልማዝ፡ ኣብ ዓሚቚ ዔላ ሓንቲ ንእሽቶ ዓዲ ይርከብ፡ ኩሎም ነበርቲ ተኣኪቦም ብዛዕባ እዚ ዓቢ ጸጋ ብሓባር ይማኸሩ። እቶም ምሁራት ስነ ቁጠባ ፈለማ ከመይ ጌርና ከም እንማቀላ ንሰማማዕ ይብሉ። እቶም ምሁራት ናይ ሕሳብ ኣቐዲምና ከክንደይና ከም ትበጽሕ ኮፍ ኢልና ሕሳብ ንግበር ይብሉ። እቶም መሃንድሳት ከመይ ጌርና ከም እነውጽኣ ቅድም ንዛረብ ወይ ንሰማማዕ በሉ።

ንሕና ብፍላይ መንእሰያት ኣብዚ እዋን እዚ፡ ቅድም ቀዳድም ከመይ ጌርና ብግዝኣተ ሕጊ እትመሓደር ሃገር ደኣ ክንምስርት ንበል። ከምቲ እቶም መሃንድሳት ዝበልዎ ፈለማ እቲ ንደልዮ ክንረኽበ ንጽዓር።

እዚ በብእዋኑ ዝርአ ዘሎ ብዝሒ ተማሳሰልቲ ውድባት፡ ማሕበራት ናይ መንእሰያትን፡ ቤርገሳትን ብሓቂ ከምቲ ዝድለ ውጺኢት ኣየምጽእን ዘሎ። እንትርፎ ኣብ ነንሕድሕድኻ ምቁሩቃስን ምጥቅቃንን ውድበይ ማሕበረይ ምባል ጥራይ።

ፈለማ ኩላትና ብናትና እንብሎ ሕግን ስርዓትን እትምራሕ ሃገርን መንግስትን ንመስርት ንጽዓር። ድሕሪኡ ንኩሉ በቲ ሕጊ ወይ ቅዋም መሰረት ድላይና ናይ ፖለቲካ ፓርትታት ንምስርትን ንወዳደርን ሽዑ ነርክበሉን። እዚ ሕጂ ዝግበር ዘሎ ኣቃጻጽ ብተግባር ይርአ ኣሎ ውጽኢት የብሉን። ክሳብ ሎሚ ዕድል ኣይገበርናን ቆጽሊ ኣውዲቕና ወይ መሪጽና ዝመስረትናዮ ሕጋዊ መንግስቲ የብልናን። ገና ኣብ ቃልሲ ኢና ሓራ ኣይኮናን። ኣቦታትና በቲ ዝተፈለለየ ብሕጊ እንዳባ ዝፍለጥ፣ ዋላ ምስ ገለ ቀሊል ጉድለታቱ ብኩሉ ማሕበራዊ ሂወት ከመይ ዝበለ ምዕሩይ ዲሞክራሲያዊ ኣገባብ ይነባበሩ ከም ዝነበሩ ምዝካር የድሊ።

ሎሚ ኣብዚ ምዕቡል እዋን ከምቲ ናታቶም ዘይኮነ ካብኡ ዝሓምቕ ኣካይዳ ንኸይድ ምህላውና ዝሕዝን እዩ። ግብራዊ ስራሕ ከይሰራሕኻ ብዘረባ ጥራይ ኣብ ነንሕድሕድኻ ምጥቅቃን ንረብሓ እቲ እንኮ ጸላኢ መላእ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ስለዚ ገና ከሎና ንስልጣን ጥራይ ንዓይ ንዓይ ንብል ዘሎና ስለ ንመስል ንጠንቀቅ። ብሓቂ እዚ ዝርኣ ዘሎ ኣካይዳ ብርግጽ ኣብ ወላ ሓደ ኣየብጽሓናን እዩ። እንትርፎ ክጎድኣናን ንድሕሪት ክመልሰናን ክሃስየናን። ተግባር እዩ ዝያዳ ዝዛረብ፣ ብተግባር ውጽኢት ምስ ኣምጻእናን ኣመስከርናን ባዕሉ ዘረባ ዘየድልዮ ብሓቂ ዓቢ ህያው ነባሪ ምስክር ኽከውን እዩ።

ኣብ መደምደምታ ክፍለጥ ዘለዎ ጸገም እምበኣር፣ ዲሞክራሲ ዕዉት ክኸውን ዝኽእል ከም’ቲ ንሕና ‘እቶም ህዝቢ ኤርትራውያን’ ክዕወት ከም ዝገበርናዮ ጥራይ እዩ።

ብዙሕ እዋን ሰባት ወይ ማሕበራት ንኩሉ ኤርትራዊ ወይ ንኣብ ሓደ እተወሰነ ፍሉይ ኩነታት ዘሎ ማለት ኣብ (ሃገርና፣ ኢትዮጵያ፣ ጅቡቲ፣ ሱዳን፣ ግብጺ፣ እስራኤል፣ ጣልያን ….. ካልእን) ብዙሕ እዋን ሓደ ውሳኔ ክወሃብ ወይ ክጽሓፍ ንዕዘብ። እዚ ብዙሕ ግዜ ካብ ሓልዮት ወይ ጽቡቕ ድሌት ክኸውን ይኽእል እዩ። ግን እንተወሓደ ነቲ እትሓልየሉ ወይ ዝምልከቶም ሰባት ብዝተፈላለየ መንገዲ ክትውከሶም ድሌቶምን ርኢይትኦምን ክፈለጥን ነቲ ዝወሃብ ወይ ዝጸሓፍ ውሳኔታ ምጽዳቅ ወይ ምቅባል ከም ዘድሊ ዘይምርሳዕ።

ወድሓንኩም


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...