ቀዳሞት ወልድና፡ ሓረስቶት ብምንባሮም፡ ኣብቲ ዝነበሮም ልቦና ተመሪኩሶም፡ ምስ ሕርሻን፡ ምስ መጓሰን፡ ምስ ገረብን ዝተታሓሓዘ ምስላታት ገዲፎምልና ከይዶም።
ብብብአዚ መሰረት ብምግባር ድማ ጥበበኛታት፡ መላቐስቲ፡ ማሰኛታት፡ ኣዝመርቲ በቲ ጥዑም ዜማኦምን፡ ቃላቶምን ይነግሩናን የስሙዑናን። 
 
እኽሊ ኣብ ዓውዲ ክሕፈስ እንከሎ ጸሎት ጌርካ፡ ንጥዕና፡ ንፍቕርን ንሰላም፡ ግበረልና ፍርያት ኣብዝሓልና በረከት ሃበና ኢልካ እዩ ዝሕፈስ ዝነበረ።
 
“ሰብ ኣይኺድ ኣብዘይ ዓዱ
 
ጸጊብካ ይብልዎ ኣብ ጥራሕ ከብዱ
 
ተረቲዕካ ይብልዎ ከይፈረዱ”
 
“ዓዱ ዝሓደገ፡ ልቡ ይጠፍኦ፡ መንገዲ ይጋገ”
 
 
“ሰብ ጸውዕ ተበልኩስ ብዓል በለስ”
 
 
“ኣብ ስደት እንተ ኸበርካ ፈረስ
 
እንት ጽዓኑኻንከ፡ ኣድጊ”
 
 
“ኣብዘይ ዓድኻ፡ ብለባምካ ዓሻ
 
እንተኸበርካን ኾረሻ”
 
 
ብዙሕ ክዝረብ ይከኣል ብዛዕባ ስደትን፡ ኣብ ስደት ምንባርን፡ ዋላውን ኣብቲ ምሉእ መሰል ዝወሃብ ሃገራት፡ ዜግነት ዝኣክል ዋላውን እንተተዋህበካ፡ ኣብ ቀዳማይ ዜጋ በጺሖም፡ ኣብ ሃገር ዝለዓለ ደረጃ እንተበጽሑውን፡ ካብ ምጉናይ ኣይሓልፉን እዮም።
 
ንመረዳእታ፡ ኣብ ዩናይትድ ኢስተይት ኦፍ ኣመሪካ እንተወሰድና፡ ሓደ ሓደ ሰባት
 
ብሉጻት፡ ብሞያኦም፡ ብኽእለቶም፡ ዝተፈልጡ ክንረክብ እንተኻኣልና፡ ከም ኣልበርት ኣንስታይን፡ ከም ኣፐንሃመር፡ ከም ክሲንጀር፡ ዝኣመሰሉ ሊቃውንቲ፡ ኣብቲ ቀዳማይ ዜጋ በጺሖም ነይሮም ክበሃል ይከኣል፡ እንተኾነ ከምቲ ወዲ ዓዲ በጺሖም ክትብል ግና ኣይከኣልን።
 
ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያ ኣይንደልን፡ በይንና ይሕሸና፡ ኢልና ብልዝብ ዘይኮነስ፡ ብበትርን፡ ብኻራን፡ ብቦምባን፡ ብመድፍዕን፡ ብጠበንጃን፡ ብብርዕን፡ ብመጎተን፡ ብጸሎትን፡ ብትርን፡ ዝኸፈልና ንኽፈል ኢልና፡ ሰላስ ዓመታት፡ ተዋጊእና፡ ተምቒሕና፡ ጠሚና፡ ጸሚእና፡ ተኣሲርና፡ ተገሪፍና፡ ተቐቲላን፡ ተሰዲድና፡ ኣዋልድና፡ ኣደታት ዝኾናሉ፡ ግዜ ዝፈርያሉ ኣሕሊፈን፡ ንዓይ ይሕሰመኒ ብምባል፡ መሪርን ከቢድን ዋጋ ከፊልና ካብ ምስ ኢትዮጵያ ምንባር ሞት ይሕሸና!!!! ዝበልና ህዝቢ ምዃና ክርሳዕ የብሉን።
 
ኤርትራ ከም ሃገር ብምብራቕ ቀይሕ ባሕሪን፡ ጅቡትን ትዳወብ፡ ብምዕራብ ምስ ሱዳን ትዳወብ፡ ብደቡብ ድማ ምስ ኢትዮጵያ ትዳወብ።
 
ኢትዮጵያ! ጎረቤትና ከም ሱዳንን ጁብትን ዳኣምበር ካልእ ሓለፋ የብላን። ኣስዕብ ኣቢልና ክንፈልጦ ዘለና፡ ካብ ማዝያ 1998 ክሳብ 2000 ዓመፈ፡ ኣብ መሪር ኩናት ነበርና። ንኢትዮጵያ ዶብ ጥሒስና ዝኸድናዮም ንሕና ኢና። ንሶም ኣይኮኑን መጺኦምና፡ ኣብቲ መሪር ኩናት ዝተውጋእናሉ ዕቕባ ሓተትና። ኣዕቖብና ድማ።
 
ኣብ ገዛ እንዳማትካ ወስ ጠንቀስ ይካኣልዶ? ዓቕሚ ኣዳም ዝበጼሔ ብተግባሩ ወይ ብተግባራ፡ብሕግንን ብሓላፍነት ዘሕትት ምኻኑ ኣብ ዝኸድካዮ ሃገር ኮነ ገዛ ክርሳዕዶ ኣለዎዩ?
 
ብስም ፖለቲካ ስደት ካብ ንስደት ኣይወሓደናን፡ 1950-1960 ዝጀመሩ ስደት ከም በዓል ኣቦታት ኢድሪስ መሓመድ ኣደም፡ ኣቦና ኣቶ ወልዳኣብ ወልደማርያም፡ ኣቦና ኢብራሂም ሱልጣን፡ ደገዝማት ተድላ ባይሩ…..ክንጠቅስ ንኽእል። ንሕና ናይ ስደት   መማህራን ክንከውን ምተገበኤና።
 
ኣብዚ ሰዓት እዚ ኤርትራዊ ዘይረገጻ ሃገር ኣላ ኣይትበሃልን፡ ኣብ ዝሓለፍናዮ ኣሰር እናገድፍና ንኸይድ ከምዘሎና፡ ድማ ክንፈልጥ ይግባኣና። ኣብ ዝኣተናይ ሃገር ይጸብቕ ይሕመቕ፡ ከከም ኣንባቢኡ ዝትርጎም፡ ኣሰር ይግደፍ ኣሎ። 
 
ኤርትራውያን ንዓለም ዘሕለፍናላ የብልናን፡ ንዓለም ንገሩልና፡ ክንብል ዓለም ገዲፋትና ትኸይድ ኣላ። ክንገብሮ ዘለና፡ ግና መን ኢና፡ ኣብ ዓለም ዕዳጋ፡ ነብስናዶ ንፈልጥ ኢና! ጸገምና ፈሊጥናዶ!  ነብስኻ ምፍላጥ፡ ዓቕምኻ ምፍላጥ፡ ሕጊ ኣኽባሪ ምዃን፡ ኣብ ዝኣተኻዮ ሃገር ወይ ዓዲ፡ ናይ ገዛእ ርእሶም እምነትን፡ ልምድን፡ ባህልን፡ኣከይይዳ መነባብሮ ዘለዎም ስለ ዝኾኑ፡ ብጥንቃቐ፡ ጽፍርኻ ከሊእካ፡ ክኽየድ ከምዘለዎ ብሓቂዶ ንፈልጥ ኢና!  ካብ መልሓስ፡ ካብ ኣእዳውካ ወስ ጠንቐስ፡ ካብ ህርድግ ኢልካ ኣብዘይ ሽግርካ ምስ ኣቶኻ “ከምዚዶ መሲሉኒ” ጥንቃቕ ከምዘድሊ እምበርዶ ንፈልጥ ኢና።
 
ኤርትራ ኣብ ዓለም ክንምዘን ከለና ዝፈኾሰ ሚዛን ተዋሂቡና ኣሎ፡ ድኻታት፡ ደናቁር፡ ስንስርዓት ዘይነኽብር፡ ዘኾለሰ ኢድ ንነክስ፡ ከም ዝኾና ብዙሕ ክስታት ይስማዕ።በብግዜኡ ድማ ኣብ ዜናታት በጽሕ ኣሎ።  ብሃገር ደረጃ ኮነ ብውልቀሰብ ደርጃ ኣብ ልዕሌና ግምታትን ትዕዝብትን ክስንዘር ይርኤ ኣሎ።
 
ንኢትዮጵያውያን መሰልና ኣየኽበሩን ኢልካ ወቐሳ ኣብ ልዕሌና ምንም ምምሕያሽ ከምጽእዩ ዝብል ግምት የብለይን፡ ዝዓበየ ጸገምና ኣብ ሃገርና ዘሎ ስርዓት ክሳብ ዘይተኣልየ። ኢትዮጵያን፡ ሱዳንን፡ ጁቡትን፡ የመንን ጎረባብትና ድኣ እዮም እምበር ፈታሕቲ ሽግርና ኣይኮኑን። “ንኽትድቅስ ጎረቤትካ ይደቅስ” ከም ዝብሃል ሽግርና ስለ ዘይፈታሕና ኣደራዕ፡ ሰከምን ንጎረባብትና ንኸውን ከምዘለና ከመይ ጌርካ ይርሳዕ።
 
ኤርትራውያን፡ ኣብዚ ወዲቕናዮ ዘለና ደረጃ ዝወደቕና፡ ባዕልና ዘምጻእናዮ፡ ሽግርን ጸገም ምኻኑ ከመይ ጌርና ንርስዕ። ከመይሲ፡ ኣብ ግዜ ቃልሲ ባህልን፡ እምነትን፡ ስርዓት ዓመጽ ክርኤ እንከሎ፡ ፍትሒ ክዛባዕ እንከሎ፡ ነጻነት ያኢ! ባዕላ ህግን ስርዓት ክትከውን፡ ወገና ክብደል እንከሎ ሰሚዕና ከምዘይ ሰማዕና፡ ስቕ ዘይብል ምስ ጸላኢ
 
ኢድ ኣለዎ፡ እናተባህለ፡ ወገና ክጸንት ዝጀመረ፡ ኣብ በረኻ ከሎ ዝጀመረ እዩ።
 
ኣብዚ በጺሕናዮ ዘለና ዓዘቕቲ ዘእተወና፡ ኣብ ሃገርና ፍትሒ ኣብ ቅድሜና ከም ዝቐበርናያ ተረሲዑ ድዩ። ኣካለ ስንኩላ፡ ተጋደልቲ መሰሎም ክግፈፍ፡ ኣመንቲ ክርስትና ጅሆቫ! ኣመንቲ ወንጌላውያን ፐንጤ!! ዜግነቶም ክዝመት ከሎ ህዝቢ ከምዘይናቱ ርኣዮ፡ በብሓደ ድማ ኣብ ኩሉ ስድራቤት መከራ ኣተወት። 
 
ይተካእ ይለቀም፡ ኣብ ባሕሪ ብኣማት ዝቑጸሩ ዜጋታትና ሃለቑ፡ ኣብ ኤትዮጵያ ማይ ዓይኒ፡ ሰልፊ ተገይሩ፡ ሰማይ ፈሪሱ ኢሎም ድምጺ ኣሜርካ ዝሰርሑ ትግርኛ ተዛረብቲ፡ ንዓለም ኣቃሊሖም፡ ብሞያኦም ክምስገኑ ይግባእ፡ እንተኽነ ነቲ ሞያኦም
 
ብጽቡቕ ኣብ ኩሉ ምቕላሕ እንተዝሰርሑሉ፡ ከመይ ክብሪ መረኸቡ።
 
ኤርትራዊ፡ ኣብ ሲናይ ከም ጠል በጊዕ ክጉዘ፡ ኣብ ሑጻ ክቕበር፡ ኣብ ሃገርና ብዘይ ፍርዲ ከም ሰናዱቕ፡ ኣብ ኮንተይነር ክዕሸግን፡ ክምቐሕን፡ መርበብ ድምጺ ኣሜርካ ዝሰርሑ ኣስተዋጽኦኦም ክሳብ ክንደይ ዕዙዝነቱ ይኸውን? 
 
ኤርትራውያን፡ ዝሰትረና ሃገርና እዩ። ኢትዮጵያዶ! ሱዳንዶ! ጁቡቲዶ! የመንዶ! ሊብያዶ! ቀይሕ መስቀልዶ! ኣይኮነን።
 
መን እየ ኣነ? መንነተይ ዘኽብር ባዕለይ ድኣምበር ሓወይ ከምዘይኮነ ክፈልጥ ዶ ኣለኒ? ኣበይከ ኣለኹ? እንታዩ ዓላማይ? ኣብ ስደት ምንባር ባርነት ምኻኑ ክንፈልጥ ኣለና?
 
“ ሰብ ኣብ ዓዱ እኽልንከ ኣብ ዓውዱ”   
 
ብግቡእ ተርጉምና ተረዲእና ሃላፍነትና ፈሊጥና፡ ሽግርና ፈታሕቲ ባዕልና ድኣምበር ካልእ ዝፈትሓልና ከምዘይብልና፡ ማዓንጣ ሸጥ ኣቢልካ ምቕላስ ምኻኑ ኣሚና ክንምክት ኣለና።
 
 
ውድቀት ንማፍያ ህግደፍ
 
ምልኪ ይፍረስ
 
ሃይለ ገብረትንሳኤ
 
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
 
10-28-2013
 

Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...