ንኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ይኹን ኮንፈደረሽን ከምእትሓብር ንምግባር ፕረዝደንት ኢሰያስ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዙ ከም ቀዳማይ ኣጀንድኡ ሒዙ ክሰርሓሉ ከምዝጸንሐን ሕጂ`ዉን ይቕጽሎ ከምዘሎን ኣብርሃም ያየህ ዝተባህለ ሓደ ካብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይ'ቲ ብግንቦት 7 ዝፍለጥ ኤርትራ ዝመደበሩ ተቓዋሚ ዉድብ ኢትዮጵያ፡ ኣብቲ ንዉድቡ ብምዉካል ምስ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ካብ ቅድሚ 12 ዓመታት ዉድቡ ከካይድዎም ዝጸንሐ ምስጢራዉያን ርክባት ዕምቆት ብዘለዎ ኣገባብ ዝርዝራዊ ትንታነ ኣብ ኣዉራምባ ታምስ ዝተሰምየ መርበብ ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ኣቃሊዑ።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ኤርትራ (ብፍላይ ኢሰያስን የማነ ማንኪን)፡ ንምእማኑ ክሳዕ ዘጸግሞ ብዛዕባ ኢትዮጵያ ከምዝስቑርቆሩን፡ ምስ ኢትዮጵያ ብፈደረሽን ይኹን ኮንፈደረሽን ኤርትራ ክትሓበር ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዞም ብንጥፈት ከምዝሰርሑን፡ እንተኾነ ብሰሪ ዕንቕፋት መለስ ዜናዊ እዚ ሕልሚ'ዚ ጋህዲ ክኸዉን ከዘይከኣለን ኣረዲኡ።

ንሱ ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ኣብ ዝነደፈትሉ እዋን፡ ኢሰያስ ዓንቀጽ 39(ብሄራት ክሳብ ምንጻል ዝኸይድ መሰልእ እትህብ ዓንቀጽ) ካብቲ ሕገ-መንግስቲ ክትለግስን፡ ክልላት ኣብ ክንዲ ቋንቋ ብጂኦግራፊያዊ ኣቐማምታ ተኸፋፊለን ክመሓደራን ተባሂሉ መኣረምታ እንተተጌሩሉ፡ እቲ ስርዓተ-ምሕደራ ንኤርትራ'ዉን ዘየካትተሉ ምኽንያት ከምዘየለ ኢሰያስ ንመለስ ደጋጊሙ ሕቶ ኣቕሪብሉ። መለስ ግን ካብቲ ዝነበሮ ተሪር መርገጺ ሕድገት ክገብር ፍቓደኛ ኣይነበረን ኢሉ። ንሱ ኣስዒቡ `መለስ ሕልሚ ዓባይ ትግራይ ብዘይ መሰል ምግንጻል ክዉን ክኸዉን ስለዘይክእል ሕድገት ክገብር ፍቓደኛ ብዘይምንባሩ፡ ምስ ኢሳይያስ'ዉን ኣብ ዓቢ ዘይመቅዳዉ ዘእተዎም ቀንዲ ምኽንያት እዚ እዩ ኔሩ ክብል፡ ምስ ኣማኻሪ ፕረዝደንት ኢሰያስ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ኣብ ዋሽንግተን ካብ ዘካየዶ ምስጢራዊ ርክብ ክርዳእ ከምዝኸኣለ ቅሉዕ ጌሩ ኣሎ። ንሱ  ኣስዒቡ ``ካብቲ ዝገረመኒ ነገር፡ እቲ ንኤርትራ ዝመርሕ ኢሰያስ ዓባይ ኢትዮጵያ ክርኢ ክሓልም እንከሎ፡ እቲ ንኢትዮጵያ ዝመርሕ መለስ ግን ዓባይ ትግራይ ክሪኢ ምሕላሙ ኢዩ።`` ይብል።

ንሱ ኣብ'ቲ ልዕሊ 30 ገጻት ዝሓዘ ገና`ዉን በብኽፋላት እንዳቐረበ ዝቕጽል ዘሎ ሰፊሕ ትንተና፡ ብኸመይን ኣበይን ምስ ኣየኖት ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ከምዝተራኸቡን፡ ኤምባሲታት ኤርትራን ነዚ ርክባት ኣብ ምምችቻእ ዝነበረን ንጡፍ ተራን ብዝርዝር ገሊጹ ኣሎ። ብፍላይ እኳ ይብል፡ የማነ ገብረኣብ(ማንኪ) ነዚ ዕማም ኣብ ምስልሳል ናብ ወጻኢ ሃገራት ብብዝሒ ብምምልላስ ምስ ሓያለ ካብ መራሕቲ ዉድባት ኢትዮጵያ ርክባት ከምዘካየደ ኣረዲኡ።

እቲ ብኣብርሃም ያየህ ዝቐረበ ሰነድ፡ ነቲ ን12 ዓመታት መመላእታ ሓያለ ኤርትራዉያን ስለምንታይ ኢሰያስን ጭፍርኡን፡ ቍዋም ይኹን ባይቶ ዘይብላ ሃገር ብምፍጣር፡ ነዚ ኩሉ ዕንደራን ምሕረት ዘይብሉ ጭቖናን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ የዉርዱ ኣለዉ ዝብል ሕቶን፡ ኣንፈት ኤርትራ ናበይ ገጹ ምኻኑን ብዘየወላዉል መንገዲ ምላሽ ረኺቡ ኣሎ ክብሉ ገለ ካብቶም ነቲ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ቀሪቡ ዘሎ ሰነድ ዘንበቡ ሰባት ርእይትኦም ገሊጾም ኣለዉ።

ኣቐድም ኣቢሉ መለስ ምስ ወኪል ስለያ ኣመሪካ ፖዉል ሀንዘ ኣብ 1990 ዓ.ም ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዘካየዶ ቃለ-መጠየቕ፡ ድሕሪ ዉድቀት ስርዓት ደርግ ዕጫ ኤርትራ እንታይ ከምዝኸዉን ኣብ ዝተሓተተሉ፡ ''ምስ ኢሰያስ ጽቡቕ ርክብ'ዩ ዘለና ኣብ ናጽነት ኤርትራ ዘለዎ ስክፍታ ድማ ኩሉ ሳዕ ምስ ኣካፈለኒ ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ እምበር ኢሰያስ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ክትንጸል ኣይደልን ኢዩ።'' ክብል ከምዝተዛረበ ይዝከር።

ብዘይካ'ዚ ኣብ 1993 ኢሰያስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ወግዓዊ ዑደት ኣብ ዝፍጽመሉ ዝነበረ እዋን፡ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኤርትራን ዋላ'ኳ ኣብዚ እዋን ናጽነታ እንተኣወጀት፡ ክንዲ ዝወሰደ ግዜ ይዉሰድ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብቑጠባን ፖለቲካን ንኽሓብራ ዓቢ ተኽእሎ ኣሎ። እዚ ድማ ንስለ ፖለቲካዊ ሃልኪ እንዛረቦ ዘለና ዘይኮናስ ኣሚና ብዕቱብነት`ዉን እንሰርሓሉ ዘለና ጉዳይ ኢዩ ክብል ብዕሊ ገሊጹ ኔሩ ኢዩ። እቲ ሽዑ ዝሃቦ መግለጺ ብቪድዮ ስለዝተሰነደ ኣብዚ ሊንክ ንምዉካስ ይከኣል። https://www.youtube.com/watch?v=rthKX-ymawE

ዝኸበርኩም ኣንበብቲ እቲ ብኣብራሃም ያየህ ዝቐረበ ሰነድ ህልዉ ኩነታትና፡ ናበየናይ ኣንፈት ነምርሕ ከምዘለናን ብዕቱብ ንምርዳእ ዓቢ ኣበርክቶ ስለዘለዎ፡  ትርጉሙ በብኽፋል ከነቕርበልኩም ክንፍትን ኢና።

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...