ብኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወርድ ዘሎ ኣበሳ መለሳ የብሉን፡፡ ጸባ ዝለገሰ ህዝቢ ጽሩይ ማይ ይንፈጎ ኣሎ፡፡ ቀንዲ ጸገማት ህዝቢ ኣብ ክንዲ ምፍታሕን ናይ 22 ዓመታት ዕንኪሊል ከይኣክልን ሕጂ’ውን ኣብ ዘይጭበጥ ንህዝብን ሃገርን ፋይዳ ኣብዘይብሉ መሽካዕለሊ ተኽሊጥን ካልኦት ግብረ እከይ ተግባራትን ይዘምት ኣሎ፡፡    

ስርዓት ህግደፍ ብደረጃ ሃገር ኣማሓደርቲ ንኡሳን ዞባታት፡ ካድራት ህግደፍን፡ መኮነናት ሰራዊትን  ኣብ ምቅይያር ተጸሚዱ ይርከብ፡፡ ኣብ ሓደ እዋን ዝፍጸም ጃምላዊ ተኽሊጥ ከም ብመዓር ተቐብአ ውሽጡ ዕረ እምቢቲቶ እዩ፡፡ ምኽንያቱ ባህልን ልምድን ሕ/ሰብ ርዒሞምዎ ንዝጸንሑ ኣማሓደርቲ ንምቕያር ጽጹይ መጽናዕቲ ብምክያድ ሓደ ድሕሪ ሓደ ብዘገምታ ዝፍጸም ተኽሊጥ ደኣም’በር ብጃምላ ዘይንቡር ኣሰራርሓ እዩ፡፡

ህዝቢ ካብ መግዛእቲ ስርዓት ደርግ ሓራ ምስወጸ ዝሓሸ ምሕደራ እዩ ተጸቢዩ፡፡ ካብ ትጽቢቱ ወጻኢ ግን  መለሳ ብዘይብሉ ምሕደራ ክሕመስ ዝጀመረ ህዝቢ ንስርዓት ህግደፍ “ደርግ ብትግርኛ” ዝብል ሳጓ ኣጠመቖ፡፡ ኣብ ፈለማ ናጽነት ማዕረ ደርግ ዝተሰርዐ ስርዓት ህግደፍ ድሕሪ ሒደት ዓመታት ካብ ደርግ ዝበኣሰ ምኻኑ ብተግባር ኣመስከረ፡፡

ካልእ ንግናይ ምሕደራ ህግደፍ ዝኽዕብ ኣበሃህላ ህዝቢ ኣብ እዋን ስርዓት ደርግ ካብ ወደብ ምጽዋዕ ንብረት ጺዒነን ናብ ኣስመራ ዝጓዓዛ ናይ ጽዕነት መካይን ብትእዛዝ ሓለፍቲ ዓርበረቡዕ ኣብ ዝርከብ ገደል ከምዝጸድፋ ይግበር’ሞ እቲ ንብረት ብሓለፍቲ ይዝመት፡፡ ናብ ላዕለዎት ሓለፍቲ ድማ መካይን ምስ ንብረተን ከምዝጸደፋ ኣምሲሎም ናይ ሓሶት ጸብጻብ ብምልኣኽ ኣዲስ አበባ ንዝነበሩ ሓፍቶም የታልሉ ከምዝነበሩ ህዝቢ ኣስመራ ዝፍልጦ ጋህዲ ነበረ፡፡ እንተ’ዞም ሓለፍቲ ስርዓት ህግደፍ ግን ነተን መካይን ምስ ንብረተን ብሪኦ ዘዘሚቶም የለን ይብሉ፡፡ ብዘይ ሓሶት ብግህዶ ይሰርቁ፡፡ ኢሳያስ ‘ውን እንዳረኣዮም “ግዜ ኣለዎ!” ብዝብል ንህዝቢ ብዝፍኖ መተስፈዊ ቃል እንዳገለጸ ትም ኢሉ ይሪኦም፡፡ ሌባ ንሌባ ኣሕሊፉ ክህብ ኣይክእልን፡፡ ንህግደፍ ካብ ስርዓት ደርግ ከምዝበኣሰ ካብ ዝገልጹ ነጥብታት ሓደ ከኣ እዚ’ዩ፡፡  

ህዝቢ ኣስመራ ንልዕሊ 22 ዓመታት ውልቃዊ ረብሕኦም ብዘቕደሙ ኣማሓደርቲ ክምዝመዝ ጸኒሑ፡፡ ምቅይያር አማሓደርቲ ንህዝቢ ዘርብሕ ዘይኮነስ ዝጸገቡ ሃመማ ተኣልዮም ዘይጸገቡ ሃመማ ኣብ ቁስሊ ህዝቢ ዓሲሎም ከሳቕይዎ ምግባር’ዩ፡፡  ቀንዲ ተልእኾ ኣማሓደርቲ ይፍተው ይጽልኡ ተግበርቲ ፖሊሲታትን መምርሕን ኢሳያስ ካብ ምኻን ዓዲ ክውዕሉ ስለዘይክእሉ ህዝቢ ኣብ ምጉዳእ’ምበር ህዝቢ ኣብ ምርሃው ኣይጸንሑን፡፡ የሰላስልዎም ካብ ዝጸንሑ ንህዝቢ ዝብድሉ ፖሊሲታት ገለገሊኦም መንእሰያት ናብ መወዳእታ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣገዲድካ ምፍናው፡ ናብ ስደት ናይ ዘምርሑ መንእሰያት ወለዲ 50,000 ናቕፋ ንክኸፍሉ ምግዳድ፡ ናብራ ግዱድ ዕስክርና ሰልኪይዎም ኣብ ገዝኦም ንዝተዓቀቡ ብምስላይ ናብ ቤት ማእሰርታት ምልኣኽን ካልእ ህዝቢ ዝጸልኦም ማእለያ ዘይብሎም ስራሓትን ኣብ ምፍጻምን እዮም ጸኒሖም፡፡

ኣብ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ ህዝቢ ኣማሓደርቱ ንኽመርጽ ዕድል ይኽፈተሉ፡፡ ንረብሓ ህዝቢ ኣብ ምቕዳም ተስፋ ዘንብረሎም ኣማሓደርቱ ኣብ ምምራጽ ቀጥታ ይሳተፍ፡፡ በዚ ኣግባብ’ዚ ተመሪጾም ዝተሰከምዎ ሓላፍነት ብግቡእ ምስ ዘይምፍጻሙ ድማ ብመሰረት ህዝቢ ዝመሓደረሉ ሕግታት ቅዋም ብተሓታትነት ይቕየዱ፡፡ ንስርዓት ህግደፍ ዘገልግሉ ኣማሓደርቲ ግን ቅዋም ኣብዘይብሉ ሃገር ልዕሊ ሕጊ ኮይኖም ንገዛእ ነብሶም በጀ ወፍዮም ተሰሊፎም ንህዝቢ ዝመረሑ ዘይኮኑስ፡ ኣብ ቅድሚት ብምኻን ናብ ህዝቢ ክውዕል ዝግበኦ ረብሓታት ኣብ ውልቃዊ ዋኒኖም ዘውዕሉ ቀይዲ በተኻት እዮም፡፡

እዚ ክንብል ከለና ግን ንኹሎም ኣማሓደርቲ፡ ካድራት ህግደፍ ፡ ተጋደልቲ ህዝባዊ ግንባርን ማእከለዎት አዛዝቲ ሰራዊትን ማለትና ኣይኮነን፡፡ ከምቶም ብርክት ዝበሉ ጸገም ህዝቦም ከምጸገሞም ዘይቆጽሩ ብግዝያዊ ረብሓ ሰዲዖም ንህዝቦም ዝብድሉ ሓደራ ሰማእታት ብጾቶም ዝዘንግዑ ሓለፍቲ፡ ብኣንጻሩ ጸገም ህዝቦም ምስ ደመነብሶም ኣወሃሂዶም ዝሳቐዩ፡ ሓደራ ሰማእታቶም ዝኹርኩሖምን “ነዚ ዲና ተጋዲልና!!” እንዳበሉ ድቃስ ዝስእኑን ኣብ ኩሉ ደረጃ ጽፍሒ ዝርከቡ ውሕዳት ዘይኮኑ ሓለፍቲ ከምዘለው ኩላትና ንግንዘቦም ኣለና፡፡ መሬት ምስ ወገሐ ከኣ እቲ ሓቂ ክንዛረበሎም ኢና፡፡ “መንበሪ ገዛውቲ ክንውግነልኩም” ተባሂሎም ኣይፋሉን ኣይንደልን ኢሎም ብራሃጾም ንኣባይቲ ውልቀሰባት ተኻርዮም ዝነብሩ፡ ናይ ገዛእ ርእስና ቤት ኣለና ካልኣይ ቤት ንዘይብሉ ዜጋ ይወሃቦ ኢሎም ዒጭ ዝሓንፈፉ ሓለፍቲ ከምዘለው ህዝቢ ይፈልጥ፡፡ ሓፋሽ ተዓዛባይ! መስተብሃላይ! እዩ፡፡ ጽባሕ ንጉሆ ምስ ወግሐ ከኣ ንሕማቕን ጽቡቑን ነናቶም ክዕድሎም እዩ፡፡     

ኢሳያስን ብኣጻብዕ ዝቑጸሩ ኣባላት ጉጅሉኡን ኣብ ሓደ እዋን ንኹሎም ኣማሓደርቲ ንኡሳን ዞባታት፡ ካድራት፡ ሓለፍቲ ቤ/ጽሕፈታት ሚኒስትሪ፡  ሓለፍቲ ሰራዊት ክቐያይር እንከሎ ብዘይምኽንያት ኣይኮነን እንታይ ድኣ ክወቕዖ ዝድለ ሕቡእ ኣጀንዳ ኣለዎ፡፡

እቲ ሕቡእ አጀንዳ ኣብ ሓደ ንኡስ ዞባ ንንውሕ ዝበለ ዓመታት ዝሰርሐ ኣማሓዳሪ፡ ኣብ ሓደ ቦታን ጽፍሕን ንንውሕ ዝበለ ዝሰርሐ ሓላፊ ንዘማሓድሮ ህዝቢ፡ ንዝመርሖ ሰራዊት፡ ንዝዓሞ ልኡኽ ብዝግባእ መሪሑ ዶ ኣይመርሐን? ኣፍሪዩ ዶ ኣየፍረየን? ዘይኮነ እቲ ቀንዲ መምዘኒ ረቋሒ ኣብ ስልጣን ኢሳያስ እንታይ ስግኣት ኣለዎ?  ወይ ክህልዎ ይኽእል? ካብ ዝብል ስግኣት ጥራይ ይብገስ፡፡

ተጠራጣሪ መንፈስ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ሒደት ተባዓት ኣማሓደርቲ እንተተረኺቦም ብሚስጢር ንህዝቢ ብምውዳብ ካብ ስልጣን ከይኣልይዎ  ስለዝፈርሕ ይጸናጻኖም ይስልዮም እቲ ምጽንጻኑ ከዊሉ ድማ እንተደልዩ ብጃምላ የጽንቶም ይኣስሮም፡ እንተደልዩ ጃምላዊ ተኽሊጥ የካይደሎም ከከም ሕብሪ ዓይኖም ይኸዶም፡፡ ንኣብነት ንገለ ሰራሕተኛታት ዞባ ደቡብ ኣሲሩ ነቶም ዝተረፉ ኣማሓደርቲ ንኡሳን ዞባታት፡ ናይ ህግደፍ ካድራት፡ ናይ ሚኒስትሪታት ሓለፍቲ ፋሕ ጭንግራሕ ዘእትወሎም ዘሎ ምስ ናይ ኣቶ ሙስጦፋ ኑርሑሴንን ወዲ ኣመሪካን ከምኡ’ውን ምስ በዓል ዓብደላ ጃብር ርክብ ጸኒሕዎም ዝተብሃሉን ኮን ደኾን ይህልዎም ተባሂሎም ዝተጠርጠሩን ምኻኖም ይፍለጥ፡፡

እዚ ብጉልባብ ምቅይያር ዝካየድ ዘሎ ውዲት ኢሳያስ ኣብ ስቪላዊ ምምሕዳራትን ካድራት ህግደፍን ዝካየድ ዘሎ ጥራይ ዘይኮነ እንኮላይ ኣብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ስግኣት ንዝተብሃሉ ሓለቓ ስታፍ ክፍላተ ሰራዊት ፋሕ ጭንግራሕ የብሎም ከምዘሎ ድሮ ጋህዲ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ገለገሊኦም’ውን ብቕዓት የብሎምን ብዝብል ምስምስ ካብ ስራሕቶም ንከደስክሎም ይዳሎ ኣሎ፡፡ ብዛዕባ ኣብ ውሽጢ ሰራዊት ዝካየድ ዘሎ ተኽሊጥን ዳግመ ስርርዕን ኣብ ቀጻሊ ክንዝርግሖ ኢና፡፡

ስለዚ ኢሳያስ ነቲ ንሱ ንዝጠናነጎ መርበባት’ውን እንተኾነ ኣሚንዎ ስለዘይፈልጥ  ኣብ ቀረባን ኣብ ዝተናውሐ እዋንን ሓደጋ ከይፈጥረለይ ካብ ዝብል ሕዱር ስግኣቱ ድቃስ ለይቲ ስኢኑ ኣሎ፡፡ ብፍላይ ከኣ ድሕሪ 21 ጥሪ 2013 ስግኣቱ ሰማይ ዝዓረገ ኢሳያስ ኣብ ናይ 40 ዕድመ ስልጣኑ ብዘማዕበሎ ናይ ኣሽካዕላል ተኽሊጥ ኣንቂሉ ክበታትኾ ወጢኑ ይንቀሳቐሰሉ ኣሎ፡፡ እንተ ህዝቢ ግን ድሮ ንተንኮላት ኢሳያስ ተረዲእዎ’ዩ  ምቅይያር ታሕተዎት ሓለፍቲ ይኹን ላዕለዎት ሓለፍቲ ዘምጸኦ ፍታሕ የለን፡፡ ንሕና ንደልዮ ዘለና ፍታሕ ነባሪ ፍታሕ እዩ፡፡ ህልውና ህዝብን ሃገርን ዘውሕስ ዘላቒ ፍታሕ ደኣ’ምበር ናይ ሰባት ምልውዋጥ ፋይዳ የብሉን፡፡ እቲ ነባሪ ፍታሕ ከኣ ምእላይ ኢሳያስን ስርዓቱን ጥራይ ምዃኑ ብዓውታን ብምዕዝምዛምን ይገልጽ ኣሎ፡፡  

ውሕስነት ህዝቢ ልዕሊ ኩሉ! ህዝቢ ዘይብላ ሃገር ዒባ ዘይብሉ ደንበ’ዩ!!


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...