ከመይቀኒኹም ደቂ-ሃገረይ ደቂ-‘ዛ ውቅብትን እዝውትን ኤርትራ?

ኣውያትን መልያትን ቀኒናሉን ወሪሕናሉን እንዲና፡ ገና ‘ውን ክስዕበና ስለዝኾነ ከምቲ ብኣስገዳድ ከልዝቡና ዝሃቀንዎ ኣ ባናስ ተኻኣሊ ብዘይምዃኑ ከኣ ክንርዕሞ፡ ኣመና እንተዘይሰለጠ ድማ ዋላ ክንቅበሎ ዝተመነይዎ ጣቛ ክንመስሎ ክንብል “ከምቀደምና“ ኢልና ኣይንሓልፎን።

ኣብዛ ናይ ዕለት 03-10-2013፡ ኣብ ኣፍደገ ዓዲ-ጥልያን ናይ ሓንቲ ግዜን ናይ ሓንቲ ጃልባን ፍጻመ ብኣጸባጽባይ 355 ኤ ርትራውያን መንእሰያት ከምዝነደና ድሮ ተገሊጹ ኣሎ። ንሳቶም ከምቶም ሕሉፋት ድሮ ሓሊፎም ኣለዉ። ድሕሪኦም ም ስተረፍቲ ዝገደፍዎ ዘረባ ድማ “ስለምንታይ ነዚ ተጋሊጽና? ዓይነት ሞትናኸ ከመይ ትቖጽርዎ“? ንሓዋሩኸ ኣዴታትና እ ንታይ ኢዩ ምርጫኽን? ዝብል ሕቶ ገዲፎም እነዉ።

እወ! ብዛዕባ ደቂ-ኣንስትዮና ዝመጸ ካብተጠቕሰ ከምቲ “ሰበይቲ ዝለኣኸቶስ ሞት ነይፈርህ“ ዝበሃል ኢድ ኢሳይያስ ዝስዕ ማ ካብተን ኣብ ከብደንን ዝባውንተን ኮነ ኣፍ-ልበን ህጻውንቲ ሓቝፈን ዓለም እናረኣየተን ዝሰጠማ ንላዕሊ ተዛሪቡ ኣብ ምክልኻል‘ቲ ገበነኛ ወዲ ወርቂ ማህጸን ከሰልፈና ኣይኮነን። ዋላ‘ዃ እቲ ቅጥፈትን ሸንኮለልን ላዲናሉ እንተኾንና፡ ንእግረ -መገደይ ክብሎ ዝደሊ ግን ካብቲ ክድፈን ዘይከኣል ዝሕርን ዘሎ ምጉት ሰማእታት ተበጊሰ ብዛዕባ መንነቶምን ክሽፈጥ ዝተደልየ ዓሎቕን ትም ከብለና ከምዘይክእል መጠን ብወገነይ ከምቲ ነካልእ ኩሉ ገለስ ክብል እደሊ።

“ኣናፍራ ቆቓሕ ዘይፈልጥስ ነይሃዳናይ“ ከምዝበሃል ፕረሲደንትና ድማ ከም ምኹሉይ ተጻባኢ መጠን ባዕሉን ብወከልቱ ን ንልቢ፡ ኣኽናፍን ኣናፍራን መንእሰያትና ኣጸቢቖም ፈሊጥዎ ኢዮ። ትማሊ ኢዩ ዝነበረ መበገሲኡ ብዘይፍለጥ ኣብ ኢን ተርኔት ‘ሓበሬታ‘ ተባሂሉ፡ ያኢ ኩነታት ሊቢያ ተመሓይሹ ብምህላዉ ናብኡ ምቕናዕ ከምዘዋጽእ ዘተባብዕ ምልክታ ዝተ ቓልሐ። ዋላ‘ዃ ገለ ኣርሒቑ ዝጠመተ ተዓዛቢ ህዝቢ ከይጋገ ኣጥቢቑ እንተተማሕጸነ፡ መንእሰያት ግን መለሳ ጥፍኣት ከ ምዘለዎ በቲ ጎራሕ ሽርሕታት ሰላማዊ ቃልሲ ተደናጊሮም ግዲ ንተከዘ ኣይሃተፉን። እዃ ድኣ ‘መስገሪ ተረኺባ‘ ካብ ዝብ ል ሰንኮፍ መዋጽኦ ካብቲ ዘዝኸድዎ ኩርናዓት ዓለም ኣብ ሊቢያ ዓሰሉ።

ኣስተውዕሉ‘ሞ፡ በቲ ዝተሓተ ታሪኽ ብምውካስ‘ዃ “ዋእ! ትሩቡሊኸ ካብመዓስ ኢያ ጠቅያ ሰቲ ከተንጽፈልና“?  ክበሃል ምተገብአ። ካብዘይተባህለ ግን እንሆ ዓዛብና ርኢናን ገና‘ውን ክንርእን ተዳሊና ኣለና።

ብወገነይ “ንምዃኑ እንታይ ኢና ግዲ ኴንና ደቂ-ኤርትራ“? ካብዝብል ሻቕሎት ፊቕ ኢልካ ብኽያት ኣይብረሃንን። ምኽንያ ቱ እዚ ንኾኖ ዘለና መቐጸልታ ናይቲ ክሳብ ሎሚ ዝኾንናዮ ብምዃኑ። ንምግሃዱ እንተተደልዩ ድማ ዝርንዝሕ ካብ ንነብ ዕ‘ሞ ድሕሪ ናጻነት ጥራይ‘ዃ ድፍኖ 22 ዓመታት ኣቑጺርና ኣለና። ከምሳዕቤኑ መስዋእትና፡ ናጽነትናን እታ ጽባሕ ምሳና ትተርፍ ኤርትራናን ከይተረፈ መስሓቕ ርሑቓት ሸራፋት ጥራይ ከይኣክል፡ ኣብውሽጥና‘ውን ወለቕ ዘለቕ ንዕዘብ ኣለና። እሞ‘ዚ ሎሚ ወሪድና ዘሎስ መዓስ ሓድሽ። እንተ-ሓድሹ ብሓንቲ ወስታ ኣብ ሓንቲ ፍጻመ ጽዕነት ሓንቲ ጃልባን ኣብ ደ ንደስ መሬትን ብኣቆጻጽራይ ካብዝመቱ 365 ተጓዓዝቲ ብዘይካ 9፡ ዝተረፉ 355 መንእሰያት ኤርትራውያን ብምዃኖም ኢዩ። እዚ‘ሞ ኣብ ሓደ ሓያል ኲናት‘ዃ ክንድኡ መስዋእትስ ንጋዳ ኢዩ።

‘ስዉእ ተማጓቲ‘ ዲና ዝበልና? ሓቂ ኢዩ ህልቂት፡ ኩሉሳዕ ህልቂት‘ዃ እንተኾነ ቅቡልን ዘይቅቡሉ ኣተሃላልቓ ድማ ኣሎ። ህልቂት መንእሰያትናኸ አበየናይ ምዃኑ እስከ ካብ መንፈሶም ክንረኽቦ፡-

ከመይ ኢሎም ታአኻኺቦም? ንዝብል ብዙሕ ክበሃል ዝካአል‘ዃ እንተኾነ ንጎድኒ ገዲፍና እዞም መንእሰያት እዚኣቶም መ ን ኢዮም? ናብዝብል መልሲ ዝጽበ ሕቶ‘ስከ ነምርሕ።

ሕጂ‘ውን ንኣገላልጻ ናይታ ኣብቲ ፎርቶ ዘላ ጎበጨረ ድምጾም ንጎድኒ ጎሲና ብቋንቋ ናይቶም ፍጮ ኣባላት ህግደፍ ንም ጅማር፡ ክሳብ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ዘፍቅደሎም ንርኡይ ህዝቦም ብወያነ፡ ክሕደትን ሃዳምነትን እናተምየኑ ኤርትራውነ ት ግዳያትና ጓንየሞ ጸኒሖም። ቃል ስዉኣት መንጋጋኦም ምስፈንቀቖ ግዳ ነቲ ህሉው ምዉት ቃል-እምነቶም ከስርሩ ክብ ሉ ነቲ ሓቂ መሰል ቃላትን ተግባራትን ኣርእዮም ከብቅዑ፡ መታን ሙሉእ ከይኸውን ማለቶም ድማ ብውሽጢ-ውሽጢ ነ ቲ ብሓቂ ሰዓቢኦም ዝመስሎም ህዝቢ ጣልማይ ዘረባ ንምስራጽ ብላሕኲ ሓበሬታ “ብጽጋቦም‘ምበር መንዶ ገዲድዎም ኢዩ? ንምንታይ ሃገሮም ገዲፎም ዝወጹ? ንምንታይ ዋላ ንዘልኣለም ዘየገልግሉ“? ክብሉ ምልኣተ-ነብሶም ንምፍታሽ ባዕላ ቶም ክጸናንዑ ቀንዮም ኣለዉ።

ንምንታይ ኣብዚ ከምዚ ወዲቕና? ንዝብል ሕቶ ሰማእታት ንምምላስ ትወሳኺ ድፍረት ከምዘድሊ መጠን ምስሉይነቶም በቲ ሕሉፍ ኣይውዳእን። መምርሒ ደንጉያዎም ከቑላሕልሑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ በቲ ሓቅን ንሳቶም ድማ ሰብ መትከል ክ መስሉን ብደረጃ ወግዓዊ መግለጺ ንመንእሰያትና መንግስቲ ኣመሪካ ከምዘጋገየቶምን ክሳብ ካብሃገርና ከኣ ብኢደ-ወነና ተውጽኦም ከምዘላን ኣምሲሎም ክዘራብዑ ተሰሚዖም።

ኦይ! ካብ ኣመሪካ ዘየናግፈና መንግስቲ ድኣ ምስ ምዉታትዶ ምስህሉዋት ንዝብል ብእዋኑ ዝተዘርበሉ ሓሳባት ተደጊፈ ድ ማ  ብወገነይ ክውስኽሉ።

እስከ ሓራይ በሉ። እሞ ወየን ነፈጽቲ መንእሰያትና ካብ ኣስመራ ዝበረሩለን ላንድክሩዘራትከ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ዘዋፈ ረተን መሳለጥያ ሃዳምነት ድየን? ኣመሪካኸ ክዕቀበላ ምእንቲ ኣናዳርኾ ትኣክል ትካላ ደፊናቶ ንዝኸደት ፍሪቕሪቕ ዝብል ነትዒ ምድረ-ገነት ዝዓይነቱ ሃብቲ ነዳዲ ጠንጢናስ፡ ክራይ ኣገልግሎት ስግረ-ዶብ ኣወናዊንዋ  ምስሊ ዶላራ ንዝተላበሰት ከንቱ ኣሽሓት ናቕፋ ክትቆጽር ተበሪህዋዶ ትብሉ? እቶም ፈቐዶ ቦታታት ዘለዉ ፈተሽቲ ወተሃደራት ድማ ካብኣመሪካ ዝ መጾም ናይ ይሕለፍ ወረቐት መንቀሳቐሲ እናረኣዩ ዲዮም ዘሕልፍዎም ነይሮም?............

ኣንቱም ሰባት፡ ኩሉ ዘመኑ ኣለዎ‘ሞ ምስዝጠፍእ ኣይትስድዑ። ንበል እቲ ንኣዒንቲ ዓለም ክዓብጥ ዘየኽኣሎ ህግደፍ ብክ ንደይ ዕጣይ ምጣጣይ ተገዲዱ ኤርትራውነቶም ክኣምንን ምዉታን ሃገሮም ክኣትዉ ከፍቅድን‘ዃ እንተተቀሰበ፡ ገና ካልእ ዕርዲ‘ውን ዓሪዱ ከምዘሎ ዘይምዝንጋዕ። ከምቲ ድሮ ኣብጽሑፍ ሰፊሩ ዘሎ ወለዲ‘ዞም ሕሉፋት ተሓሪጦም ሓሓምሳ ሽ ሕ ናቕፋ ክኸፍሉ ክገብር ክውጥን ከምዝሕልን ካብ ዘ-ተፈጥሮ ጠባይ ህግደፍ ክጥቀስ ይከኣል።

ቀጺሉ ዝለዓል ሕቶ ምዉታን ብባንዴራ ሃገር ካብማዕረጉስ ስዉኣትዶ ንበሎም ምዉታት“ዝብል ካልእ ክስገርን ክጉልበብ ን ዘይተኻእለ ወጥሪ ድማ ክለዓል ግቡእ ኢዩ።

ትዝክርዎ ትኾኑ ብዕለት 15-06-2012፡ ብምኽንያት በዓል ሰማእታት ኣብ መርበብ ሓበሬታታት “ምዉት ተረሳዒ“ ብዝብ ል ኣርእስቲ ሓንቲ ንእሽቶ ጽሕፍቲ ኣመሓላሊፎሙለይ ነይሮም። እንተተኻኢሉስ ደጊምኩም‘ሞ ርኣይዋ ትሕዝቶኣ ምስ‘ዛ ናይ ሎሚ ኣርእስተይ ክትዋሰበልኩም ትኸውን። ዝኾነ ኮይኑ ምዉት ተረሳዒ ክበሃል‘ዃ እንተሰማዕና ልዕሊ‘ቲ በድኒ ኣካ ላት እቲ ዘይሓልፍ መንፈሳዊ ነገራቱ ኢዩ ነባሪ። “ስዉእ ተማጓቲ“ ማለተይ እምባአር እቲ ዘይርሳዕ መንፈሳዊ ሓልዮት፡ ፍቕሪ፡ ትጽቢትን ብድሆን ንተዛራብነቱ ኣየግህደልናን ይኸውን። ከምርዱእ በሉ ምዉት ዘየረስዖ ነገር ታሪኹ ኢዩ። ሓቂ ኢዩ ተግባራት ሰብ ይኽፋእ ይጸብቕ ከየገደሰ ካብ ብሂወቱ ምስ ሞተ ዝያዳ ይዛረብ። መብዛሕትኡ እዋን ከምዝርአ‘ውን ስዉእ ምስሞተ ዝያዳ የድምዕ። እሞ እዞም መንእሰያትና ስዉኣት ድዮም ኣይፋል? ከከምመንነትኩም ፍረድዎም። ብተግ ባር ከምንርእዮ ዘለና ግን መስዋእቶም ሃገራዊ ጥራይ ዘይኮነስ ዓለማዊ ዛዕባ ፈጢሩ መፍትሒ ጸገምና‘ውን ክፍንቅል‘ዩ።

እንተ‘ቶም ብሕቱዋት‘ሞ ድሮ ተበላሒቶሙሉስ  ዋላ‘ዃ ጸሎተ-ፍትሓት እንተተገብ ረሎም፡ ነቲ እኩይ ተግባራት መላኺ ስርዓት ንምጉልባብ ተባሂሉ ሓንሳብ ኣመሪካ ከምዘብረረቶም፡ ሓንሳብ ድማ ከገልግሉ ከምዝነበሮም ዝዓይነቱ ሓባል ቃላ ት ህግደፍ ዘዘልመጹ ዕሱባት ብዘናፍስዎ ዘረባታት ቃና ትርጉም መስዋእቲ እናተጎምጸጸ ኣብቲ ልሙድ ቦታ ክኸውን ዝነ በሮ ዝኽሪ ሰማእታት ክግበር ኣይተመረጸን። ከምዝሰማዕናዮ ኣብ መብዛዕትአን ከተማታት ኤውሮጳ እቲ ህግደፍ ብጉልባ ብ ማሕበረ-ኮም ዘዳለዎ ምስሉይ ዝኽሪ ኣብቲ ልሙድ ቦታ መዘክር ሰማእታት ከምዘይተገብረ ተሰሚዑ ኣሎ። ዝኽሪ ሰ ማእታት ኣብቲ ክቡር ቦታኡ ንዘብዓሉ ዘበሉ ድማ ምስጋና ይብጻሓዮም።

ንነገሩ ንምንታይ ኢዩ ግዲ ዝኽሪ ስዉኣት ኣብ ሕዛእቲ ሰማእታት ዝግበር? እቲ ዝኽሪ‘ኮ ነቲ ሬሳታት ኣይኮነን። ብቀንዱ ስ ስለ‘ቲ ዓላማን ተወፋይነትን ኢዩ ኣዕጽምቶም ዝእከብ። ዋላ‘ዃ ንሳቶም ይሕለፉ ሎሚ እምበኣር ከምቲ ዝተባህለ ኣብ ርእሲ ሬሳ መንእሰያትና ናይ ሓምሳ ሽሕ ናቕፋ መቕጻዕቲ ድዩ ክስዕብ ካልእ ዝህሉ ጠመተን ኣገባብ መዕረፊኦምን፡ ኣብ ሃገር ምስ ኣተዉኸ ኣበይ ክቕበሩ ምዃኖምን ንርእየሉ እዋን በጺሕና እነና። እቲ ቃል-ዓለማዊ ምቕባል ሬሳ‘ውን ኣብ ባጽ ዕዶ በቢቁንጣሮዶ ንዝኣመሰለ ካልእ መናገዲ ክስዕቦ ተኽእሎ ከምዘለዎ ዘይምዝንጋዕ።

መጨረሽታ መንፈስ ስዉኣት ብዛዕባ‘ዚ ሕልናኡ ዝዓረበ መንግስቲ ግድን ዘይተርፍ ሕቶታት ኣለውኦ። ኣመሪካ ትገብረና እኪት እንተኣልዩ ንዓና መዓስ ሓድሽና። ግንከ ብኢድመን ኢያ ግዲ ትነዋንወና ዘላ? ብዝከተበቶ ኣምባሳደራዶ ከይኮነት? ከምንፈልጦ ወርቂ ዝኣክል ክትግሕጥ ዝኸኣለት ሃገር ዋጋ ሽምዓ ብምስኣና ተገሲማ ተሪፋ ኣላ። ጉድ ክኾነና ከኣ 22 ዓመታት ዝደሃኻ ሃገር ቚርጺ ክኾነልና መታን ንሕውየታን ዕብየታን ቅንጣብ ክገብር ከምዘይክእል ኣቕቢጹ ኣሎ። እሞ ድሕሪ ደጊም ካብ ወዲ ወርቂ ማህጸን እንታይ ትጽበዩ? ክብል ስዉእ መንፈስ መንእሰያት ፍታሕ ከምንረክብ  ተኣማሚኑ ይሓተናን ይላበወናን ኣሎ። ህሉዋት መንእሰያትኸ ዕጫኦም ከይበጽሓኩም እንታይ ትሓስቡ?

ኣምላኽ ኢዱ ዘርጊሑ መንግስተ-ሰማያት የዋርሶም!!ንቤተ-ሰብ መወትቲ ድማ ደጊመ ጽንዓት ክህቦም እምነ።

 ጎደፋ፡

{jcomments off}


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...