ካብ ሰያትል ናብ ኣስመራ።

 

ተ/ይ ሳምኤል ወልዳይ

ክቡር ተጋዳላይ ሳሚኤል፡ መቸም ኣብ ባህልና ዝተሰደ ከምዘይምለስ ይዝንቶ ኢዩ። እዚ ብመንጽር‘ቲ ክቱር ፍቕሪ ሃገርን ምስ ኣብ ስደት ዘጋጥም ኩሉ ዓይነት ጸገማትን ተገሚቱ ብዝተፈጥረ ጽልኣት ስደት ዝተባህለ ይኸውን። ዝኾነ ኮይኑ ኣብ ሃገርና ብዙሕ ኣብ ዓለም ጸድፍን ቀላይን ኮይኑ ዝርአ ወይ ቅድሚ ሎሚ ዘይተራእየ ነገራት ተገይሩን ተራእዩን ኢዩ። ቀን ዲ ተግባሪ ናይቲ ፍጻመታት‘ቲ ከኣ ሃገራዊ ሕልና ተጋዳላይ ከምምንባሩ መጠን፡ ስደት ብናጽነት ንምኽሓሳ እንክሕለን በ ቲ ዝተሓተ መበገሲ ኢየ ዝብለካ፡ ትዝክራ ኢኻ “ለታይ ተላዓሊ ንኺድ ዓድና“ እትብል ተዋስኦ ገድሊ ከምተደርሰት። ሽ ዑ ነዚ ሎሚ ንነብዓሉ ዘለና ናይ ድሕሪ ናጻነት ተርእዮ ስደት ከምተኽእሎ ኣብ ልቢ ገለ ‘ዝምቡላት‘ ጥራይ ተገሊጹ ምን ባሩ ይዝከረኒ። እቲ በቲ ግዜ‘ቲ ኣብርእሲኦም ድሒሩ ድማ ኣብ ዳርጋ ዝበዝሐ ተጋዳላይ፡ ሎሚ‘ሞ ከኣ ኣብ ርእሲ ኩሉ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ግህዶ ዳግማይ መግዛእታዊ ስደት እምበኣር ግድን ከምኣጀማምራኡ መዛዘሚ ኣለዎ። ስለ‘ቲ ንሱ ከ ምቲ ግዳም ውዒልካ ናብ ገዛኻ ትኣቱ ፡ ንስኻ‘ውን ከም ሓደ ዜጋ ኣማስያኻስ ካብቲ ብጋሕጋሑ ዝተገደኻዮ ናብራ ስደት ናብታ ብዕንዱኻ ዝተመነኻያ እንዳኻ ብቶዮታኻ ዲዩ ብዶርነርካ እንድዒሉ ግን ኮሪዕካ ሃገርካ ከምትድርገም ምንም ኣየ ጠራጥርን።

‘ነብሲ‘ እንተበልኩኻ ብጻይ ኩሉ ሓዴኻ እንድዩ፡ ‘ሓው‘ እንተበልኩኻ‘ውን ኣይክትጓንዮን ኢኻ። ዋና ነገረይ ኣብ ቃለ-መ ጠይቕካ ካብ ምውዳስን ምዝንጣልን ወጻኢ ንዝተሰወጠኒ ነገር ክገልጽ ብምሕሳበይ ኢየ።ብወገነይ ንቃለ-መሕትትካ ከም ሰበይ ይከታተሎ ኣለኹ። ወዮ ተራ ዕላልን ውልቀ-ተመኩሮን ተመሲሉ ዝውሕዝ ተራኺ ዛንታኻ ንገሌናስ ከምኡ ጥራይ ኣይኮነን። ብሓፈሻ ከምሰብ፡ ብፍላይ ከም ዳግማይ ናብ ሓድሽ ፈተና ዝተቖርነ ተጋዳላይ ኩሉ ናይ ሂወት ገጥምታት ከም ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ፡ ቁጠባዊ፡ ጸጥታዊ..... ዝኣመሰልዎ ኣብ ዕላልካ ብምዕዛበይ፡ ብሓቂ እብለካ ወግዕኻ ናይ ማዕዶ ዕ ላል ኣይመስልን። ብምዃኑ ኣይምኖን ኣየዳኽምን‘ውን። ምኽንያት ኣለዎ ተፈታውነት ትረኻኻ ትሕዝቶኡን ኣዘነታትዋኡ ን። ናይ ሞያ ወይ ምህሮ ኣይኮነን። ጥራይ ነቲ ዱቛ ትሕዝቶ ዝኹልዕ ጌሶ መማቕርቲ ኣይደርገምካሉን። ከምኡ ብዘይም ዃኑ ጣዕመ-መቐረቱ ከየስተብሃለ ዘሰራሰር ኣቀራርባ ኣይኮነን። መቸም ኩሉ ተሳታፍስ ኣብቲ ፈተና ውዒሉ እንዲዩ፡ ኩ ሉ ትረኻን ውዕሎን ግን ኣይሓደን። ብወገንካ ዝመረጽካዮ ጥበብ ዘይኮነ ውዕሎኻ ብዝደረኸካ ምቕራብካ ብሓቂ ደስ ይ ብል። ማለተይ ዝኾነ ቅዉም ነገር ፖለቲካዊ መወራረዲ ይግበረሉ እንድዩ፡ ከከምመቃሪኡ ድማ ይጥዕም።ኣቀራርባኻ ግን መመቀሪ ኣይሓተተን። ከምቲ ትፈልጦ ገለ ሰባት ንባዶ ትሕዝቶኦም ብእምባ ቃላት ክገልጹ ይፍትኑ እንድዮም፡ ንስኻ መ ንነትካ ምግላጽካ ግን ከምንጥርሑ ገረወይና ምቕርጣዉ ወይ ንትሕዝቶኻ ክትንየተሉ ብዘይምዃኑ ኣይነውርን። እዚ ድማ እቲ ክሳብ ሕጂ ነቲ ንውንኖ መበቆላዊ ሃይቂ መንነትና ንምግላጽ ዘይተጠቐምናል ኣገባብ ኣቀራርባ ኮይኑ ይስማዓኒ።

ተረዲእካኒዶ ዝብለካ ዘለኹ? ቅድሜኻ ብዙሓት ሰብ ዓቕሚ ከምዘዘንተዉ ን፡ ኣነ‘ውን ከም ሰማዒ መጠን ብዓቕመይ ክ ግምቶ እንከለኹ ገለ ካብኣቶም ውዕሎኦም ብዝያዳ ብቋንቋ ፖለቲካ ክገልጽዎ ክብሉ ነቲ ተደላይ ትሕዝቶኦም ክቕጥንዎ ተዓዚበ። ንስኻ ግን ነቲ ሙሉእ ኣፍልጦኻ፡ ብዘይስምዒታዊ፡ ዘይፖለቲካዊ፡ ዘይተበረዘ ንጹህ ሕልና ነቲ ካልእ ዕማም ክ ሳብ ሎሚ ካብ ዝራአናዮ ፍልይ ብዝበለ ኣቀራርባ ንእግረ-መገድኻ‘ውን “ናይዚ ከኣ ክነግረካ ኣዘክረኒ። ክንምለሶ ንኽእል ኢና“ እናበልካ ከይረሳዕካዮ ድማ ምስ ገለ ኣጋጣሚ ነቲ ዝሓለፍካዮ ከተዘንቱ እንከለኻ ነገራቱ ንኩልና‘ምበር ንኣማንኤል ጥራይ ኣይኮነን ውሒጥዎ። ንበል ብዛዕባ‘ቶም ነፋሮ ዘዊሮም ዶባቶም ክሕልዉ ዝተሓጸኻዮም መንእሰያት ልብኹም በበ ይኑ ስለዝኾነ ኢሳይያስ ድማ ብግብሪ ከምዝተራእየ ንሳቶም ምስ ነፈርቶም ትንግርቲ ከምዝሰርሑ መጠን ቤተ-መንግስቱ ኣብ ሓደጋ ከምዝኣተወት ጥራይ ስለዝግምት ክመኽኑ ከምዝምነየሎም እናኣዕለልናሉ ኣማኔኤል ከኣ ንእለታ ኣመለኻኽታ መራሒና ኣብሪህልካ። ከምኡድማ ንስለምንታይነት ቀዳምነት ጽርግያ ሰሜናዊ ባሕሪ ዝምልከት.....

“መን ምዃነይ ኣብ ቅድሜኻ ክጸንሓካ ኢየ“ ኢልካ። እዚ‘ሞ በቲ ገድላዊ ባህሊ ‘ኣንነት‘ እንድዩ፡ ክብሪ ናይቶም ክንዳኻ ዘይኾኑ ብኣኻ ክውዕሉን ኣብልዕሌኻ ክኹየጡን ዝተሳሕሉ እንዶ-ኣልቦ ክታብ ሰሊፊ ዝሰረዮም መራሕቲ ከምዝተንከፍካ ተጸብጺቡ ዋላ እንዳተዓገስ እንተዘይከድካ፡ ብውሑዱ ወርሒ ምመገብካ።“ንእሽቶ ቡርጅዋ“ ድማ ንሓዋሩ ተሓንገጥካያ ኣለኻ።

“ካብ በዓል ጣፍ ብዓል ኣፍ“ ዝተባህለ‘ኾ ምኽንያት ኣለዎ። ኣብታ ሰውራ እምበኣር ኩላ ብቕዓትካ ከተወፍን ኣወፊኻን‘ ውን መዋጽኦ ኣይነበረታን። ምኽንያት ነይርዎ። ብነፍስኻ እንተመጻእና ብዉሑዱ ወናኒ ሰለስተ ነገር ኔርካ። ብዓል ጥዕና ን ዕድመን፡ ወናኒ ንጹህ ሕልናን ከምኡ ድማ በዓል ሞያን። ንሳቶም ነዚ ሃብትኻ ዘሚቶም ተገምጢሎም /ውድብ መቸም ካምፓኒኦም ኢዮም ቆጺሮማ/ ሰውራ ንዓኻ ከተማዕብልን ከተስተምህርን ብዙሕ ከምዝኸሰረት ኣምሲሎም ከምበዓልዕዳ ይሽንኑኻ።ንስኻ‘ውን ብወለንታኻ ከምዝተጋደልካን ክሰርሕ ዝበልካን ብስዉር ኮነ ብግህዶ ብዙሕ ሳጓታት ተመጢዉል ካ። ክንዲ ብቁንጣሮ ደሞዝ ዝተወፈኻ ንኡስ ቡርጅዋ ተሰሚኻ። ምናልባሽ ካልእ በቢዓይነቱ‘ውን ይነብር.። ከምሳዕቤኑ ብንጹህካ ረኽቢ ከምዝረኸበትካ መጠንዩ‘ሞ ክሳብ ንዘቛረጽዎ ደሞዝካ ክትምልእ ተቓሊስካስ ተጋዳላይ ርእሱ ክኽእል ፍታዎም ስለዘይኮነ ኣብ መጣምት ስለዝኣተኻ ብሓጻራ “ኣይሰርሑ ኣየስርሑ“ ኢልካ ገሊጽካዮም ባቃ።

እወ1 መጀመርታኡስ ብዛዕባ ዝተፈደናዮ ኣሉታ ምዝራብ ነውሪ ኢና ወሲድናዮ ዝነበርና። እዚ ‘ምጽዋር‘ዚ ድማ ንዝገደደ ኣሉታ ዓዲሙ። ክሳብ እቲ ዝብኢ እግርና እናቖርጠመና ከይሰምዓና ክንብል ዓው ኢልና ከምዘይንዛረብን ከምዘይነእውን ኴንና። ሽዑስ ረብሓ ነይርዎ። ተጋዳላይ ድማ “ሓኾተ“ ትብል ቃል ዝተዋህበቶ መስመይቱ ኮይና ቀንዲ ሱር ለውጢ ምን ባራ ኩላሁና ንዝክር።  ንስኻ‘ውን ሓደ ካብ ህርኩታት ምንባርካ ስራሕ ኢዩ ዝገልጸካ ዝነበረ። ከምቲ ዝበልካዮ ግን በቲ ግዜ‘ቲ ኮነ ድሕሪ ናጽነት ብሽፋን ረብሓ ሰውራን ሓድሽ መንግስትን ነብሱ ንዝኽእል ክፋኖ ኣይፍቀድን ዝነበረ። ትዝክር ኢኻ ከምዚ ናትካ ብዓዲ ይኹኑ ብበረኻ ብዙሓት ሞያውያን ኣብ ዘምጽኡዋ ሃገር ብመደብ መንግስቲ ኮነ ብመደቦም ናጻ ኮይኖም ነብሶም ክመርሑ ኣይተፈቕደን። መጓዓዝያ ካብነበርካስ እኒ ሚኪኤል ፍሳሃየ ትፈልጦም ኢኻ። ንሱ ኣብፍልፍል መጋባይ እንከሎ ዝተዋዘያ ዋዛ‘ውን ትዝክራ ትኸውን። ኣማስያኡስ ሚካኤል በታ ዝደኸመላ ሰውራ ከምተዳህከ ዝዛረቡ ድማ ኣለዉ። በቲ ዝተሓተ ቅድሚ ምስላፉ ነይራቶ ትበሃል ጋራጅ ከበራብር ዘይተዓደለ ወናኒ ተጋዳላይ ከሎ ኢዩ ድማ ተፈልይና። ዝኾነ ኮይኑ ንሱ በቲ ዝነበሮ ኣጋንእ ሞያታት ከምቲ ኣብ ሰውራ ንሃገሩኸ እንታይኮን ምገበረላ? ከይደቀስካ ይሕለም። ብኣንጻሩ ከምዝተጣየሱ ተመሲሎም ገንዘብ ሰውራ ተዓዲሎም ናጻ ዝተለቁ በዓልመንን ስለምንታይን ድማ ን ፈልጦ። ንምንታይ እቲ ሌላን ጉሌላን? እዚ‘ሞ ምኽንያቱ ንረብሓ ሃገር ከምዘይኮነስ  በሪህልና‘ዃ እንተነበረ ሎሚ ግን ጥር ትብል ሳንቲም ሃገር ንምብሓት ዝዓለም ቁጠባዊ ውጥን መላኺ ሰልፊ ከምዝኾነ ንኩሉ ዜጋን ዓለምን ከምጸሓይ ቀ ትሪ ተነጺሩሉ እንሆ።

ህግደፍ ከምቀንዲ ፖሊሲኡ ንዝኾነ ናይ ምግባር ዓቕሚ ዘለዎ ሰብ /ብፍላይ ተጋዳላይ ነበር/ ከፊእዎ ከርፊሑ ተነጺሉ ክ ርእዩ ዘለዎ ምንዮት ተራ ውልቃዊ ባህጊ ጥራይ ከምዘይነበረ ሎሚስ ጋሂዱ ኮይኑ። እንዳ ከምዘይትጥርነፍን ነብሳ ከምዘ ይትኽእል እናተገብረ ሃገር ክትምዕብል ስነ-መጎታዊ መስርሕ ይበትኽ‘ምበር ስለተለፍለፈ ከምዘየጠጥዕ ንመን ይኽወሎ?

ኣብ መጻኢት ኤርትራ ካላሽን ማሕረሻ ክትገብራ ትምነ ኔርካ። ከምኡ ድማ “ኣብ ኤርትራ ተሰርሐት“ ትብል ማኪና ክትሰ  ርሕ ትውጥን ኔርካ። በዚ ድማ ከምቶም ዋና ቤት ጽሕፈቶም ኣብ ግቢ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዝዓረዱ ጠበቓታ ት ኢቲዮጲያ፡ “ኣይተገዛእናን“ ኢሎም ስለዝኣመኑ ኣሽሙር ክዘብጡናን ከናሽዉናን ክብሉ ጥበብ /ሞያ/ ገዛኢ ግራዝያኒ ከምዝተኾበልና፡ ሞሶሌዮኒ ከምዝሰንደወልና ከምስሉ ተሰዊሮም ህርድግ እንተበሉ፡ ካብቲ መዓሙቕ ኤርትራዊ ሪቕ ጥበ ብ ዝመንጨወ ሓቀኛ ኤርትራዊ ባህሪያትካ ምዃኑ ይገልጽ። ውጥናትካን ትምኒትካን ድማ ከምቲ ካልእ ኩሉ በቢሞያኡን ዝተመደበሉ ኣሃዱን ከማዕብል ዳግማይ ናብ ወፍሪ ሓርነት ዝተበገሰ ተጋዳላይ ናይ ሓለፋ መዓርግ ይግባኣካ።

ነቲ ኣብ ቃኘው ዝረኸብኩሞ ንብረት “ከይትቐርቡዎ“ ዝብል ከቢድ መጠንቀቕታ መጺእኩም። ጸኒሑ ድማ ብገንዘብ ገዚ እኩም ክትጥቀሙ ተፈቒድልኩም። ኣየናይ ንብረት ናይ መን ኮይኑ ኢዩ ክንድኡ ምድንጋር? ኢልካ ድማ ግር ኢልካ።እታ ንህዝቢ ኤርትራ ብተምሳል ዓረም ዕቑር ባህርያዊ ሃብቲ ዘሀውተተት ክታብ ጥልመት ኢኹም‘ኮ ረኺብኩማ። ንበል ብዛ ዕባ ወርቂ ክንደይ ከምዘይተዘርበ ሎሚ ምንም ከምዘይብልና ክዝረብ ክትሰምዕ ብሓቂ ዓጃይብ ኢዩ።ቁሩብ ጥራይጽናሕ!

ክትመሃር ክትምዕብል ንዝረኸብካዮ ኣጋጣሚ ስለዘምከነልካ ድማ ምስቶም ጸሓይ ክጽለዉ ዝተመደቡ ተጸምቢርካ ጸሓ ይ ብራቕን ምዕራብን ከምዝሰሓንካያ ገሊጽካ። ኣብ ዝተፈላለየ ስራሕ ምስተመደብካ‘ውን ብቛንቛ ገሊኦምሲ ከም ሓደ  መዕገርገሪ ተቖጺርካ ክሳብ ምስቶም ተመሳሳሊ ዕጫ ዝበጽሖም ተቐፊድካ። ሓቂ፡ ፍትሒ ኣበይ ከምዘላ ምንዳይ ገለ ካብ ቲ ዘይድለል መለለይ ኤርትራውነት ብምዃኑ ድማ ንስኻ‘ውን እንዳ መሳፍንቲ ኣይገደፍካ እንዳ ክሻታት ኣምሪሕካ። ነገሩ መለሳ ቆሎስ ጥጥቖ ኮይንካ ናብ ስብሓታት‘ውን ኣምሪሕካ። ገለኸ! “ኣይበልዓኪ ንበላዕተኛ ኣይህበኪ“ ባቃ!

ኦይ! እዚ‘ውን ግሁድ መርኣያ ናይቲ ክሰርሕ፡ ከገልግል ዘዝበለ እንታይ ከምዝወረዶ ዘቃልዕ ብምዃኑ ምስ‘ዚ መግለጺኻ ዝሰማማዕ ዳርጋ ኩሉ ኢዩ። እቲ ዘዝተረኽበ ዘበለ ክሳብ ኣብሰውራ ከይተረ ክጋደል ኢሉ መጺኡ ክንሱ ሕብሪ ኣዒንቱ ምስዘይድለ ናይ ዘይፈለጦ ሓጥያት ይቕሬታ ክሓትት እንዳ ተዓገስ ገጹ ከምርሕ ይግደድ ከምዝነበረ ኣብነት ኴንካ‘ለኻ።

“ልቦም ካልእ ኢዩ ልብና ድማ ካልእ“ ኢልካ። እዝገ-ኣዛረበካ!!! ተፈጥሮ ድማ ነቶም ክፉኣት ኣብውሽጢ ጥዑያት ስርጢ ጥ ናይ ምዝራቚ ውህብቶ ዓዲላቶም እንድያ ኮይና። እምበር ዘየራኽብ ኣፈጣጥራን ኣመላምላን እንተኣልዩ ሓዴኻ ንቕድ ሚት ሓዴኻ ድማ ንድሕሪት ምውጣጥ ስለዝኾነ ንግዚኡስ ተሰሓሒብካ ጠተው ክኸውን ግድን ነበረ። ንበል ንኣብነት ን ስኻ ንሕልኽላኻት ጽርግያታት ሰያትል ርኢኻ ከምኡ ምስራሕ ክትምነ እንከለኻ ሓለፍትና ድማ ህንጻታት ናይታ ‘ሃጸያዊ ት‘ ኣመሪካ ስለዘይመቸዎም ሓሻካኦም ቲ-ኤን-ቲ ተመንዮሙሉ። ንስኻ ድማ ድሕሪ ናጽነት ከምኡ ክትርኢ ትጽበዮ ነገር ስለዘይነበረ ግዜ ክትምልሰሉ ስለዝነበረካ ሓሲብካሉ ብዘይትፈልጥ ዕጫ “እዚ መራሕ መንግስቲ‘ዚስ ኣብልዕሊ ኤርትራን ርእሲ ከተማኣ ኮነ ህዝባ እንታይ ዝበለ ጽልኢ ኢዩ ዘለዎ“ ብዝብል ቁጥዓ ሃጽ ኢለካ ጠፊእካ።

እወ፡ ከምቶም ኣብ ትሕቲ መሬት ኮነ ልዕሊ መሬት ዝጠፍኡ ጠፊእካ ኢየ ዝብለካ ዘለኹ። ስለ‘ቲ ንሱ ፕረሲደንት ምስ ኣስመራን ህዝባን ዘለዎ ጠቃር ጽልኢ እንታይ ዓይነት ከምዝኾነ ወስ ኣቢሉካ ኔርካ። ሓቂ፡ ምስብሃገራ በሎ‘ምበር። መቸ ም ኣቐድም ኣቢሉ ባጽዕ ዓስኪሩ ምንባሩ ሰሚዕካዮ ትኸውን። ዘይተዋጽኦ ከምዝኾነት ምስፈለጠ ድማ ኣስመራ ብዘይህ ዝባ ከምተን ክምለሰን ኣወናዊነንኦ ዝነበራ መዓስከራት ዓራገ-ዓምበርበብ ክብሕታ ሓሊሙ። ገና ድማ እቲ መስርሕ ይኸ ይድ ኣሎ። ክሰምረሉ ዲዩ ኣይፋል ከኣ ኣብቅድሜና ኣሎ።

ዝኾነ ኮይኑ፡ እታ ብወገን ምብራቓ ጀሚርካ ክትጽለዋ ዘዕረብካያ ጸሓይ ሎሚስ በሪቓትልካ ክትከውን ዘለኒ ተስፋ ወሰን የብሉን። ወዮ ኣሉታዊ ተጽዕኖ ኣባኻ ጥራይ ከይኣክል መታን ውርሻ ክኸውን ናብታ ህጻን ጓልካ ወሪዱ ዝነበረ በሰላ ዕር ቀት ድቢዛ ቤት-ትምንርቲ ከኣ ጓልካ ብክብ ዝበለ መዓርግ ዶክተረይት ተደቢሳ ክትከውን ዘለኒ ተስፋ ወሰን የብሉን።

ግዜ ብነብሱ ተቓሪቡ ኢዩ‘ሞ ደበስ ወለዲ ኮነ ዝነበረን ዝተረፈን ሕሳብካ ክትገብር ካብ ሰያትል ናብ ኣስመራ ኣብ ትምለ ሰሉ እዋን ድማ እታ ዝረሃጽካላ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ዕታር ዕምባባ ሓቝፉ ክትቅበለካ ኢይ።
ሰናይ ቅነ።
ጎደፋ፡    

{jcomments off}


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...