መላእ ህዝቢ ኤርትራ በዚ  ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዘጋጠመ መቕዘፍቲ ኣማኢት ኤርትራውያን ኣሓትን አሕዋትን ኣብ ከቢድ ሓዘን ይርከብ ከምዘሎ ብሩህ እዩ።  እቲ  ካብ ማዓሙቕን ገማግምን ባሕሪ ብመንግስቲ ኢጣልያ፡ ብልዑል ሰብኣዊ ክብሪ፡ ተኣኪቡ ዘሎ ሬሳታት አሕዋትና ከኣ ናይ ግድን: ዕትብቱ ናብ ዝተበትከሉ ምድሪ - ምድሪ ኣበዋቱን ስድራቤትን ተመሊሱ ሓመድ ኣዳም ኪለብስ ኣለዎ። መንግስቲ ኤርትራ ነቲ ልዕሊ 200 ህይወት መንእሰያትና ዝቐዘፈ፡ ብ03 ጥቅምቲ 2013ን ቅድሚኡን ዘጋጠመ ሓደጋ ዜጋታትና " ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያን ካብ ሊብያ ንጥልያን ኪሰግሩ ኣብ ከባቢ ላምፓዱሳ ጥሒሎም" ብምባል ኢዩ ኪሓልፎ ፈቲኑ። እንተኾነ፡ ማሕበረ-ሰብ ዓለም፡ ብጹእ ጳጳስ ቫቲካን፣ መንግስታት ኣውሮጳን ኤውሮጳዊ ሕብረትን፡ ብዝያዳ ከኣ መንግስቲ ጥልያን፡ ኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለም ዝርከቡ ደለይቲ ለውጢ ዜጋታት፡ ከምኡውን ኤርትራውያ መርበባት ሓበሬታን ማዕከናት ዜናን ነቲ ዘሕዝን ፍጻሜ ብተደጋጋሚ ምስተዛረቡሉ፣ መንግስቲ ኤርትራ፡ ድሕሪ ሳምንቲ ናይቲ ፍጻሜ፡ ከይፈተወን ተገዲዱን ኣብ ሮማ ብዝርከብ ኤምባሲኡን፡ ሓላፊ ፖለቲካ ህግደፍ ኣፈኝኡን፡ ሬሳታት መንእሰያትና ኣብ ኤርትራ ኪቕበር ኣድላይ ምድላው ይገብር ከምዘሎ መግለጺ ኣውጺኡ ኣሎ።

እዚ መግለጺ'ዚ ግን ብክቱር ጸቕጢን ኣስገዳድን ዝተደፍአ እምበር መግለጺ ልብን ሓቅን ዘይሙዃኑ እቲ ብተመሳሳሊ ዕለት፡ ብ09 ጥቅምቲ 2013 ካብ ኣስመራ ዝተዋህበ መግለጺ መንግስቲ ኤርትራ ዓቢ ምስክር ኢዩ። ምኽንያቱ እቲ መግለጺ፡ "ጠንቂ ናይዚ ሕጂን ቅድሚኡን ዝነበረ ሓደጋታት ፍልሰት መንእሰያትና፡ ብምሉኡ ምምሕዳር መንግስቲ ኣመሪካ ኢዩ!" ብምባል፡ ከም ኣመሉ ንሓጢኣቱን ኣበስኡን ንመንግስቲ ኣመሪካ  ከሰክሞ ኢዩ ፈቲኑ።

ስርዓት ኢሳይያስ ተሓላቒ ዜጋታቱ ያኢ ንምምሳል፡ ንምምሕዳር ዋሺንግቶን ኪጥቅን እኳ እንተፈተነ ደጊም ህዝቢ ኤርትራ ጸላኢኡ መን ሙዃኑ ኣዳዕዲዑ ፈሊጡ ኢዩ። ድሕሪ  ሕጂ በቲ " ዓለም ጸላኢትካ'ያ" ዝብል ፕሮፖጋንዳ ስርዓት ኢሳይያስ ዝታለል ዜጋ የሎን። እቲ ክውንነት ዘይቅበል ምስሉይ መግለጺ መላኺና ኢሳይያስ እምበኣር ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ክቱር ንዕቀት ዘረጋግጽ ኢዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣፉ ተዓቢሱን ተዓፊኑን እምበር ጸላኢኡ ሓደ ኢሳይያስን ውሑዳት ጉጅልኡን ሙዃኑ አዐርዩ ይፈልጥ ኢዩ። መንእሰያት ደቁ ካብ ስድራቤቶም ተፈልዮም፡ ኑሮኦም ኣብ በረኻን ጎዳጉድን ምስ ኮነ፣ ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ዓስብን ሞሳን፡ ንልዕሊ 10 ዓመታት ኣብ ባርነት ምስተቖርኑ፣ ሓዳር ከይገብሩ፡ ከይወልዱ ከይዝምዱ፣ መጻኢኦም ከጣጥሑ ከይመሃሩ ከይሙኮሩ፡  ምስተሓረሙ፡ ካብ ገገዝኦም ነነፊጾም እግሮም ናብ ዝመርሖም ይስደዱ ኣለው።

ነዞም መንእሰያት እዚኣቶም መንግስቲ ኣመሪካ ዶላር ከፊሉ ዶብን ባሕርን ኣይስገሮምን። ነፍሲ ወከፍ ስድራ-ቤት ኤርትራ፡ ኣብ ነብሳ  ምስ ወረዳ፡ ኣዴታት ስልማተን ሸይጠን፡ ስድራቤት ዝነበራ ትሕዝቶ ሓሪጃ፡ ተለቂሓን ተመርቂሓን ኢያ ትኸፍለሎም ዘላ።

 እዞም መንእስያት እዚኣቶም ዝበዝሑ ካብቲ ግዱድ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ተኲስካ ቅተል ብዝብል ፖሊሲ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ኣብ ዶባት ብጠያይቲ አሕዋቶም እናተሃድኑ፡  ዝወደቑ እናተረፉ፡ ዝተሳሕቱ እናሓለፉ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝኣተወኡን ካብኡ ቐጺሎም ኣብ ስደት ብዝጸንሑ አሕዋትን መቕርብን  በጻምእ ሰሃራን ሲናይን ባሕርን ምስ ሞት እናተጠማጠሙ ዝስደዱ ዘለዉ ኢዮም። ጉዕዞኦም ምምሕዳር ኣመሪካ እንተዝመርሖ፡ ኣብ ኣጻምእ ሲናይ ብጽምኢ ማይ፡ ኣብ ሜዲተራንያን ብማዕበል ኣይምሃለቑን። ይኹን እምበር ስርዓት ኢሳይያስ " እዚ ህልቂት እዚ፡ ናይ መጀመርያን  ሃንደበትን ዘይኮነ ሓደ ካብ  ሰንሰለት ምዕራፋት ህልቂት ኤርትራውያን በእዳው ገበነኛታት ኣፍለስቲ  ሰባት ኮይኑ፡ ንኹሉ ኣህጉራውን ሰብኣውን ሕግታት ዝረገጸ ፍጻሜ ኢዩ።" ብምባል ምኽንያት ኪደልየሉ እኳ እንተፈተነ፡ እዞም መንእሰያት ኮኑ ስድራቤታቶም ብሓፈሽኡ ህዝቢ ኤርትራ ከምዚ ዓይነት ኣስተሓቃር መግለጺ ስርዓት ኢሳይያስ ዒፍ ኢሉዎ ኢዩ።

እቲ ፍሹል መገለጺ ብምቕጻል። " ብ03 ጥቅምቲ 2013፡ ካብ ገማግም ሊብያ፡ ናብ ላምፐዱሳ ኢጣልያ ብመርከብ ገሃነብ፡ ንፍልሰት ዝጓዓዙ ዝነብሩ መብዝሕትኦም ኤርትራውያን ዘጋጠመ ህልቂት ብዜና ተቓሊሑ ኢዩ።" ይብል። ግን በየናይ ማዕከን ዜና እዩ እቲ ህልቂት ተቓሊሑ። ዝብል ሕቲ እዩ እቲ ቐንዲ ኣገዳሲ። ማዕከናት ዜና ዓለም ንነፍሲ ወከፍ ምዕባለታት ናይቲ ፍጻሜ እናተኸታተላ ኪገልጸኦ እንከለዋ፡ ማዕከን ዜና ስርዓት ኢሳይያስ ቲቪ ኤረ ግን " ካብ ሊብያ ናብ ጥልያን ኪሰግሩ ዝፈተኑ ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ኣብ ላምፓዱሳ ሓደጋ ኣጋጢሙዎ " ኪትብል ጥራሕ ኢያ ገሊጻቶ።

ዜጋታተይ እውን ኣይበለትን።  ግደ ሓቂ እምበኣር ካብኣ ንላዕሊ ነቲ ፍጻሜ ከረጋግጽ ዝኽእል ወገን ኣይነበረን። እቶም ግዳያት ዜጋታታ ዜጋታት ኤርትራ ኢዮም። ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሞ ሃገር ቤት/ጽሕፈት ኤምባሲ ኣለዋ። ኣምበሳደራ ከኣ ቕድሚ ኩሎም  ካልኦት ተደናገጽቲ፡ ኣብ ቦታ ፍጻሜ ተረኺቡ ድምጹ ከስምዕ ይግበኦ ነይሩ። ግን ኣይበጽሐን። ካብ ቤት ጽሕፈቱ እውን ኣይወጽአን። ከም ሰብ ሰብኣዊ ሕልና ስለዘይብሉ ግን ኣይመስለንን። ከም ህዝቡን ዓለሙን በቲ ፍጻሜ እቲ ኪጉህን ኪሓዝንን ባህሪያዊ ኢዩ። ግን ትእዛዝ ምልኪ ኪሳዕ ዝመጽኦ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኪሕባእ መሪጹ። እዚ ኸኣ፡  ንዕኡ ጥራሕ ዘይኮነ  ንኹሎም ኣምባሳደራት ኤርትራ ተለኣኣኽቲ ምልኪ ዘጋጥሞም ሽግር ኢዩ። ብዘይ ትእዛዝ ምልኪ ቃል እውን ከተንፍሱ ኣይክእሉን ኢዮም። እዚ ከኣ ክልተ ሞት ኢዩ።

እዛ ሕጂ ናብ ኣመሪካ ዘወጣወጠ መግለጺ ዘቕረበት ቲቪ ኤረ፡ ኣብ ክንዲ " ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያን ዜጋታት ኢላ ነቲ ፍጻሜ ከተርሕቖ ትፍትን፡  ከምዚ ሕጂ ብኸቢድ ጸቕጢ ከብዳ ምስተረግጸት ዘይኮነ፡ ካብ መጀመርትኡ "ማዕከናት ዜና ዓለም ከምዘቃሐኦ!" ኢላ እውን ህልቂት ዜጋታትና ኪትእመነሉ ኣይፈተነትን። እንተኾነ እቲ መግለጺ ንኸምስል " መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሓላፍነቱን ግዴታኡን ከይሰልከየ፡ ናብ  ኣህጉራውያንን  ዞባውያንን ውድባትን መንግስታትን፡ እቲ ገበን ብግሉጽነትን ብናጻ ኣካላትን ተመርሚሩ ኪግታእ፡ ገበነኛታት ከኣ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቐሪቦም ፍትሒ ኪረጋገጽ፡ ተደጋጋሚ ጻውዒትን ኣቤቱታን ኪቐርብ ምጽንሑ ዝተሰነደ ኢዩ።" ይብል፣ ኣበይ እሞ፡ ከምቲ ዝብሉዎ እንተዝኸውን፣ እቲ ፍርዲ ንመንብገበን ከምዝኸስስ  ምረኣና ነይርና።  ስርዓት ኢሳይያስ ግን ብዘረባ ምምጽዳቕ ኣመሉ ኢዩ። ግዝኣተ ሕጊ ዝፈልጥ ብሕጊ ዝምእዘዝ እንተዝነብር፡ ነቶም ኣብ መላእ ሃገር ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፍትሒን መሰልን ኣብ ጎዳጒዲ ቐይዱ ዘሕቅቖም ዘሎ ዜጋታትና ናብ ቤት ፍርዲ መቕረቦም እሞ ሽዑ ብንብዓት ሓርገጽ ኪመጻደቕ ዕድል ምረኸበ። ስለዝኾነ ኩሉ ዘረብኡ ንውሽጣዊ ፖለቲካዊ ሃልኺ ዝቅጠመሉ ከምስል ንኣፉ ዝብሎ ዘሎ እንተዘይኮይኑ ኣሚኑሉ እውን ኣይፈልጥን ኢዩ።

ንነብሲ ወከፍ ቃላትን ሓረግን እዚ መግለጺ ምምላስ፡ ምስ ዝሃውተተ ምህውታት እኳ ኪመስል ዝኽእል እንተኾነ እቲ ስርዓት ኪሕባኣሉ ዝፍትን ዘሎ መጋረጃ ግን ክቕላዕ ኣለዎ።  ቀጺሉ እቲ መግለጺ " እዚ ኣሰቃቒ ገበናት እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ፡ ኣብ ውሽጢ 20 ዓመታት፡ መሰረት ዘይብሎም ኣብ ዝኾነ ዝሓለፈ ታሪኽ ተላዒሎም ዘይፈልጡ ግጭታት ዶባት ዝበሃሉ ቅልውላዋት እናሳወርካ፡ ንወራር ሉኡላዊ መሬት ኤርትራ ባሪኽካ፡ ዓማጽን ዘይሕጋውን እገዳ ኣስገዲድካ፡ ኩሉ ዓይነት ፖለቲካውን ወተሃደራውን ቁጠባውን ሽርሕታት እናወደብካ ዝተኣወጀ ቅሉዕ ኩናት ኣብ ከውሒ ምስተራጸመ፡ ንዘይጸዓድ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ በታቲንካ ንምምሳን ዝዓለመ ውጡን ፍልሰት ኢዩ።" ይብሎ።

እዚ ሕጡበ ጽሑፍ እዚ፡ ህልቂት ኩናት ዶባት ሓላፍነት ዝስከመሉ ወገን ከናዲ ኢዩ ደርበስበስ ዝብል። 'ቕድሚ ሕጂ ኣብ ታሪኽ ተላዒሎም ዘይፈልጡ ግጭት ዶባት ኣሳዊርካ' ዝብሎ ዘሎ ቃል ከኣ፡ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተቐበሎን ዝተኣመነሉን፡ ዓለማዊ መጋባእያ ዘ-ሄግ ብይን ዝሃበሉ ጉዳይ ከፋኹስ እንተዘይኮይኑ፡ ምስሕሓብ ባድመ ካብ እዋን ሓርነታዊ ቓልሲ ካብ 80ታት ኣትሒዙ ዝነበረ ሙዃኑ ፍሉት ኢዩ። ኩናት ዶባት ኢትዮ ኤርትራ 1998-2000 ከኣ ስርዓት ኢሳይያስ ከምዝጀመሮን ከምዘዕረጎን እውን ተኣሚኑሉ ኢዩ። ኣብቲ ኩናት'ቲ ናይ ዝጠፍኡን ዝሃለቑን መንእሰያትና ቐንዲ ተሓታቲ  ከኣ ኢሳይያስን ጉጅልኡን ጥራሕ ኢዮም።

ሽዑ ኣብ እዋን'ቲ ኩናት፡ ኢሳይያስ፡ ኣብ ቲቪ ኤረ ቀሪቡ ምስ ጋዜጠኛታት ቲቪ ኤረ፡ ብዛዕባ ዝምድና ሃገረ ኤርትራን መንግስቲ ኣመሪካን ተሓቲቱስ፡ "መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ኩናት ዶባት ጸግዒ ከምዘይወሰደትን ከም ቀደማ ፈታዊትናን ሓብሓቢትናን ሙዃና፣ እቲ ምስ ሩዋንዳ ኮይና ዘበገሰቶ ፈተነ ዕርቂን፡ ድሕሪኡ እትገብሮ ዘላ ቐጻሊ ናይ ሽምግል ፈተነን መራኣያኡ ኢዩ" ኪብል መልሲ ሂቡ ነይሩ።  ድሕሪኡ ብሰንኪ ትዕቢቱን ዕንደራኡን ኣብ ኩሉ ዓውድታት ምስ ፈሸለን ምስ ወደቐን ግን "ቀዳማይ ተሓታቲ ናይዚ ህልቂትን ፍልሰትን ስርዓት ዋሺንግተን እዩ። ... መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ምእንቲ ርትዕን መሰል ዜጋታቱን ኣብ ቅድሚ ፍትሓዊ ዳንነት ብመርትዖታቱ ኪሙጉት ወትሩ ድሉው እዩ።" ብምባል ጾር ሓጢኣቱ ንኣመሪካ ኪድርብየላ ዘይፈንቀሎ እምኒ የሎን። ግን ድሕሪ ሕጂ በዚ 'ንብዓት ሓርገጽ!' ዝደናገር ኮነ ዝታለል ወገን ኣይክህሉን ኢዩ።

ከምቲ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ መንእሰያትና፡  ብስርዓት ኢሳይያስ  ብዝወርዶም ዘሎ ተደጋጋሚ ሕሰም ተማሪሮም እግሮም ናብ ዝመርሖም፡ ናብ ሰሃራን ሲናይን፡ ናብ ባሕርን ቀላይን  ሃጽ ኢሎም ካብ ዝተፍኡን ኣብ ጉዕዞኦም ብዘይተጸበዩዎ ሓደጋ ካብ ዝሞቱን ውሑድ ኣይገበሩን። ስርዓት ኢሳይያስ ከኣ ኪሳዕ ጸቕጢ ማሕበረ ሰብ ዓለም ዝብርትዖን ንኺዛረብ ዝቕስቦን ከኣ እዚ ኹሉ መንእሰያ እናሃለቐ ቃል  እውን ኣየተንፈሰን። 

በንጻሩ ንወለዲ እዞም መንእሰያት፡ "ደቅኹም ሃገር ገዲፎም ኮብሊሎም" እናበለ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ 50 ሽሕ ናቕፋ ዝቐጽዕ፡ ነቲ ገንዘብ ኪኸፍሉዎ ንዘይከኣሉ ስድራቤታት  ዝኣስርን ዝሞቁሕን ስርዓት ኢዩ። እዚ ስርዓት እዚ ከመይ ኣቢሉ ኢዩ ተሓላቒ ዜጋታቱ ኮይኑ ኪቐርብ ዝፍትን። እቶም ካብ ማእከል ኣስመራ ብላድክሮዘራት ሓለፍቲ ሰራዊት፡ ኣሻሓት ዶላራት ከፊሎም ዝስደዱ ዘለዉ መንእሰያት እምበኣር ብመካይን ኣመሪካ ኢዮም ዝወጽኡ ዘለዉ።

እቶም ኣብ ሲናይ ብሸፋቱ በዴዌን ተታሒዞም፡ ገንዘብ'ዶ ኩሊትኩም ወይ ዶላር 'ዶ ህይወትኩም እናተባህሉ ዓሰርተታት ኣሻሓት ዶላራት ኪኸፍሉ ዝተሓተቱ ዜጋታት ኤርትራ እኮ እቲ መፍትሒኦም ገንዘብ ኣብ ኣስመራ፣ ገሊኡ ኣብ ባንክታት ኤርትራ ከይተረፈ ኢዩ ዝኽፈል ዘሎ። ወይስ  እቲ ባንክታት ኤርትራ ምምሕዳር ዋሺንግቶን ኢዩ ዝቆጻጸሮ ዘሎ።

እምበርከ መንግስቲ ኣመሪካ ካብ ሃገር መንእሰያት ከኾብልል ዝኽእል እንተኾይኑ፡ እቲ ኣብ ኤርትራ መንግስቲ ተኺለ ኣለኹ ዝብል ዘሎ ስርዓት ኤርትራ ደኣ እንታይ ኢዩ ዘመሓድር ዘሎ። ነዛ ንእሽቶ ሃገር ኤርትራ፡ ነዛ ምጭውቲ ከተማ ስድራ ዘይተቖጻጸረ ድኣ ንመን ኢዩ ኪኪቆጻጸር። ኢሳይያስ፡ ኣብ ኮምፒሽታቶ ጀላቶ እናለሓስካ፡ ኣብ ባራት ኣስመራ ማኪያቶ እናሰተኻ ዝዕለል ዕላል ጎደና'ካ ዘይሓልፎ መራሒ ኣመሪካ ዓዱ ዘመሃድርሉ እንተኾይኖም ደኣ እንታይ ይባቑጥ ኣሎ። እዚ ስርዓት ወዲኡ ኢዩ።  ብልሽውንኡን ግዕዘዩንን ኪጉልብብን  ኪኽውልን ኣብ ዘይክእለሉ ደረጃ ኢዩ በጺሑ። ስለዚ ውድቀቱ ድኽመቱን ንምምሕዳር ዋሺንግቶን ከተላግበሉ እንተፈተነ ኪንግረም ኣይግባእን ኢዩ።

ስለዚ እምበኣር ካቢነ ሚኒስተራት ኤርትራ፣ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ  ህግደፍ፣ ኣመሓደርቲ ዞባታትን መራሕቲ ሰራዊትን፡ ኩሎም ካድራትን ታሕተዎት ሓለፍትን፡ እዚ ኣብ ሃገርና ወሪዱ ዘሎ ሽግር ከብቅዕ  ሓላፍነቶም ኪስከሙ ህዝቢ ኤርትራ ይጽውዕ ኣሎ።

ኣዴታትና ኣዴታት ኤርትራ፡ ኣዴታት ስሳታት ሰብዓታት፡ ኣዴታት ሰማንያታት፡  ዒሕ ፍንጭሕ ኢለን ዝወለዶኦም፡ ርእየን ዘይጸገበኦም፡  ኣሻሓት ብሉጻት በራውር ደቀን ኣብ ቃልሲ ሓርነት ከፊለን ከብቅዓ ሓንቲ መዓልቲ ከይሰሓቓ ዕስራ ዓመታት ሓሊፉ። መስዋእቶም ምእንቲ ሃገራዊ ክብርን ናጽነትን ስለዝነበረ፡ ነቲ ዘይከኣል ክብደት መስዋእቲ ኪኢለን ምስ ንብዓተን አዒንተን እናተቓለሳ ፍረ መስዋኣቶም ኪርእያ ተጸብየን - ግን ንእሽቶ ብልጭታ ተስፋ እውን ኣየረኣያን።

ድሕሪ ሒደት ዓመታት፡ ብቕዝፈት ስንኩላን ደቀን እንደገና ነቢዐን። ምስ ጎረባብቲ  ሃገራት ሱዳንን የመንን ኣብ ዝተገብረ ጎንጺ እውን ዋጋ ማህጸነን ስለዝኸፈላ እንደገና ነቢዐን። ኣብቲ ብዶባት ዝተሳበበ ልዕሊ 20 ሽሕ መንእሰያትና ዝቐዘፈ ኩናት ክልተ ዓመት እውን ኣይሂ ነቢዐን። ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ከኣ ኣብ ፈቐዱኡ በረኻታት፡ ኣብ ሲናይን ሰሃራን ኣብ ባሕርን ብዝጠፍኡ ዘለው ደቀን እንደገና ዝርንዝሕ ይነብዓ ኣለዋ። እንተኾነ ስርዓት ኢሳይያስ ብንብዓትክን ዝሕተት ምምሕዳር ዋሺንግተን  እምበር ኣነ ኣይኮንኩን ይበለን ኣሎ።

እቲ ንናጽነት ዝተኸፍለ ክቡር መስዋእቲ ከምቲ ዝተጸበየኦ ቅሳነትን ሰላምን ኣይሃበንን። ሩፍታን  ርግኣትን  ኣይፈጠረን። ራህዋን መስተርሆትን ኣየምጸአን። በንጻሩ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ዘበነ መግዛእቲ ናብ ዝኸፍአ ዘባህርር ሲኦል ኣትዩ፡ ኣደዳ መከራን ሽግርን ኮይኑ ይርከብ ኣሎ።  እንተኾነ እቲ ከም መለኮት ዘመለኸኦ መራሒና ኢሳይያስ 'ብውድቀተይ እትሕተት ኣመሪካ ኢያ።' ብምባል ኪሽሕጠን ይጽዕር ኣሎ። ግን ሕብሩን ተግባሩን ምስፈለጠኦ ስለዝኾነ ዝሰምዖ ኣይረኸበን።

ዘበነ ናጽነት ምስ እዋን መግዛእቲ፡  ወይ መንግስቲ ወደባት ምስ መንግስቲ ባዕዲ ኪወዳደር ኮነ ኪነጻጸር ኪሕለም እኳ እንተዘይነበሮ፡ ህሉው ኩነታት ሃገርናን ህዝብናን ግን ንትማልን ንሎምን፡ ንዘበነ መግዛእትን ናጽነትን ከነወዳድር ኣገዲዱና ኣሎ። ምኽንያቱ ናትና ካብ እንብሎ  መንግስቲ፣ ናትና ካብ እንብሎ ስርዓት ከምዚ ዓይነት ግፍዒ ኪገጥመና ኣይተጸበናን። እዚ ሕጂ ንህዝብና ኣጋጢሙዎ ዘሎ ሽግር፣ እዚ ንመንእሰያትና ኣጓኒፉዎም ዘሎ ግፍዒ፡ ብሰንኪ ሓደ ብስልጣን ዝሰኸረ ምልካዊ ጉጅለ ስርዓት ኢሳይያስ ሙዃኑ ዝስሕቶ ኤርትራዊ ከቶ የብልናን። ንሱ ግን  መንእሰያትና ብሽርሒ ኣመሪካ ኢዮም ዝነፍጹ ዘለዉ ይብለና ኣሎ።

እዚ ስልጣን ጨቢጡ ዘሎ ምልካዊ ጉጀለ ህግደፍ፡ እትረፍ ዝሓለምናዮን ዝተመነናዮን ኪፍጽም፡ ሓንቲ ሚእታዊት እኳ ትኹን ትጽቢትን ምንዮት ህዝቢ ኤርትራ፡ ሃረርታን ሃንቀውታን ኣዴታትን ኣየርወየን፤ ጓሂአን ኣይደበሰን ንብዓተን እውን ኣይሓንሰሰን። እዞም ትማሊ ልዑላውነት ሃገሮም ዘኽበሩ፣ ንህዝብን ሃገርን ዘገልግሉ ዘለዉ መሲሉዎም፡ ብዘይ ብቂ ኩለንትናኦም ዝወፈዩ፡ ብዓቕሊ ጽበትን ቕባጸ ተስፋን፡ ኢዮም ካብ  ዝተበጀዉላ ሃገሮም፡ ተደፊኦም ተነውኒዎም  ሃጽ ኢሎም ዝጠፍኡ ዘለዎ። 

ስለዚ ኣብዛ ህሞት እዚኣ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፤ ብፍላይ ከኣ ሚኒስተራትን ላዕለዎትሓለፍቲ  ሰራዊትን መንግስታዊ ኣካላትን፡ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ ህግደፍን ምስ ሕልናና እንማጎተሉ እዋን ኢዩ። ከምቲ መላኺና ኢሳይያስ ዝብሎ ስርዓት ዋሺንግተን ዘይኮነስ፡ ንሕና ባዕልና፡  ኩላትና ኢና ብታሪኽ እንሕተት። ድሕሪ ደጊም፡ ሓደ ድምጺን ሓሳብን ኬይንና ብሓንሳብ ይእከል ንበል። ስቓይ ህዝብና በዞም ኣብ ላምፓዱሳ ኢጥልያ ዝተቐዝፉ መንእሰያትናን የብቅዕ።

እዚ ኪደጋገም ዝጸንሐ ኣሰቃቒ ቅዝፈታት ንሓዋሩ ደው ኢሉ፡ ርግኣት ሩፍታን ምእንቲ ኪሰፍን፤ ህዝቢ ኤርትራ " ኢሂን ምሂን ንምብህሃል ዘፍቅድን ዘውሕስን ግዝኣተ ሕጊ ዘንግስን ስርዓት ኪፈጥር ኣለዎ። እታ እንኮ መፍትሒ ኹሉ ጸገማትናን ሽግርናን "ኢሂን ምሂን" ምብህሃል ኢያ። ብሃገራዊ ስምዒትን ክፉት ልብን፡ ብዘይ ጸቕጥን ምፍርራሕን፡ ብዘይ ልዕልናን ኣድልዎን፡ ብጉዳይና ኪንዝቲ  ኣብ ጠረጴዛ ኮፍ ኪንብል እንተኺእልና ኪንፈትሖ ዘይንኽእል ሽግር የሎን። ኣደዳ እዚ ኹሉ ዕንወትን ውድቀትን ገይሩና ዘሎ ብግዝኣተ ሕጊ ዝቕየድን ብሕጊ ዝምእዘዝን ስርዓትን መንግስትን ኪንፈጥር ዘይምኽኣልና ኢዩ።

ካብ ያታታትናን ባህልናን ንመሃሮ ነገር እንተልዩ፡ ግርጭታትና ብኣሳታፊ ባይቶ ብዘተ ምፍታሕ ኢዩ። ጭቃ ዓዲ፡ ንዓድን ደቂ ዓድን  ኣብ ዝምልከት ጉዳያት ኣብ ውሳነ ንምብጻሕ፡ " እስከ  ኣቦይ ኣደይ እከሊትን  ተዛረቡ ኣያ እከለን እከለን ከኣ ሓሳብኩም ሃቡ!" ድሕሪ ምባል ናይ ኩሎም ርእይቶታትን ሓሳብን ኣዋህሊሉ ኢዩ፡ ፍትሓውን መብዛሕትኡ ወገን ዝሰማማዓሉን ዝድግፎን ዝትግበር ውሳኔ ዘሕልፍ። ከምኡ ስለዝኾነ ከኣ እቲ ውሳኔታት ተቐባልነትን ተሰማዕነትን ይህልዎ። ብኸምዚ ኣገባብ ከኣ እዩ ስኒትን ውህደትን ሕብተረሰብ  ዝድልድልን ሓቛፊ ስርዓት ዝህነጽን።

ስርዓት ህግደፍ ግን ነዚ ንመዋእል፡ ዓዲታት ከነባብር ዝጸንሐ ምዕቡል ያታዊ ዲሞክራሲያዊ ባህሊ ምሕደራ፡ ኮነ ኢሉ ኣዳኺሙዎን ባሕጊጉዎን ከብቅዕ ብሰንኪ ኣመሪካ ኢና ድሕሪት ተሪፍና ይብለና ኣሎ። ነዚ ዲሞክራሲያዊ ያታ'ዚ ብፍላጥ ዝባሕጎጎ ከኣ ምልካዊ ምሕደራ ኪስርት ስለዝደለየ ኢዩ። እዚ ምልኪ እዚ ከኣ ኢዩ ንሃገርናን ህዝብናን ኣብ ጸገም ሸሚሙና ዘሎ።

ኣብዛ ህሞት እዚኣ ይትረፍ ተራ ኣባላት፡ ኣባላት ማእከላይ ሽማግለ እንተኾኑ እውን ልክዕ  ከምቶም ኣብ ባሕሪ ሜዲተራንያን ጥሒሎም ዘለዉ አሕዋትና ድምጺ የብሎምን። ጉዳያት ከዐርዩ ኮነ ከቐይሩ ኣይክእሉን ኢዮም። ሕጂ ግን ኣብዛ እዋን እዚኣ ኩላትኩም ስልጣን ሒዝኩም ዘለኹም፡ ሚኒስተራትን ማእከላይ ሽማግለ ህግደፍን መራሕቲ ሰራዊትን ሓለፍቲ ዝተፈላለየ መንግስታዊ ኣካላትን "ይእከል!!" ብምባል  ንሃገርና ካብ ውድቀትን  ጥፍኣትን ምፍሳስ ደምን ከተድሕኑዋ ህዝቢ ኤርትራ ይምሕጸነኩም ኣሎ።

ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ

ካብ ውሽጥን ወጻእን

10-10-2013

ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!!

{jcomments off}


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...