መንግስታዊ ትሕተ-ሃገራውነት

 

እቲ ብዋዛኡ ዝልለ ዓርከይ ድማ ገቢትኒ ቀንዩ እብለኩም። ንእግረ-መገዱ እናሰሓቐ “ኣንታ‘ዚ ህዝብስ ዎጮ እንተገምጠል ካዮ ዎጮ ምዃኑ ዘንጊዑ ዲዩ ለውጢ ዝጽበ? ክብል ይግረም። ተመሳሳሊ ትጽቢት ከይህልወኒ ክፍትሽ እናመሰለ ተኺሉ ብምጥማት፡ “ወለድና ‘መለሳ ቆሎስ ጥጥቖስ‘ ዝበሉዎ‘ኮ ስቕ ኢሎም ኣይኮኑን፡ ዘረባኦም ካብመዓስ ኣብ መሬት ኣንከራር ያ ተሪፋ“? ክብል ጸኒሑ ብኡ ንብኡ ካን ከምዝሓረነ ኣስናኑ እናሓራቐመ “ ኣንታ፡ ጉልሻ ብምቕያር ዝምቅር ኣጻብሕ‘ኮ የ ለን ኣንታ! ክሳዕ መዓስ‘ዩ እዚ ስቕታ ከይዳ‘ኮ ሃገርና“! ብማለት ጠዋወቐኒ።

ኦይ! ወይለና ድኣ‘ዞም ዝንጉዓት‘ምበር ገለን መሰላቶምንስ ነዛ ማይ ከምዝገደፎም ዓሳታት ትመሳሰል እዋን ኣጠላላም ዝተ ዳለዉላ ኢዮም ዝመስሉ። ዝበዝሐ ህዝብና ድማ ምስጢር ናይቶም ምስ ዓቕሞም ዓቕሚ ከምዝወሓዶም መመሕነቒኦም ኣግማድ ሒዞም ንሞት ዝተሰርዑ ኣርካናት መሰል ስሩያት መዃንንቲ ከይዓጀቦ ኣይተረፈን።

ኣብ ዝሓለፈ ቅንያት፡ ብኣጋጣሚ ወርሒ መስከረም ኣነ‘ውን ብዓቕመይ ከምቶም ካልኦት ኩሎም ግዱሳት ብዛዕባ ሃለዋት ሃገርናን ከጓንፍ ንዝኽእል ነገራትን ወስ ብምባለይ ንገለ ዘባጭዉ ተቓሊዐን በቶም ዝጸምዱን ናይ አቕርቦት ዝዋዘዩን ከኣ ጸኒዐን ምቕናየይ ነዛ ንሂወተይ ጽቡቕ ብስራት፡ ንኩሉ ዜጋ ድማ ግሩም መዘክር ኮይኑና ቀንዩ። ወዝቢ‘ኮ ኣይኮነን። ወር ሒ መስከረም፡ ሓያለይ ባህርያውን ሰብ-ሰርሖን ክስተታት ከምዝረኣዩላ መጠን፡ ንዝኾነ ለውጢ ከኣ ልዕሊ ወርሒ ጥሪ እንተተጸበናያ ምስ ኣፈጣጥራናስ ዝኣበስና ኣይመስለንን። ብኡ እንተተሰማሚዕና ዝግበር ዘሎ ንጥፈታት ብወዛ ምሕደራ መንግስቲ ብምዕዛብ ንሕናኸ ሓድሽ ትጽቢትና ኮነ ኣስተዋጽኦናን ምድላዋትናን እንታይ ይመስል?

ትሕዞ መስከረም መቸም ምስክርነት ኣየድልዮን። ኮኾብ ዝኽሪ ናይ ሎሚ ዘመን መስከረም ድማ ብዛዕባ ማእሰርቲ ጉጅለ 15 ከምዝነበረ ከነስተብህል ክኢልና ኣለና። “በይኖም ድዮም ተኣሲሮም“? ኢልና ምዕሮ - እንቃዓ ኣይንልፍልፍን። ንዓኣቶ ም ብሓለፋ ብምርኣይ ድማ ኣይነዳኽርን። እንተኾነስ “ኣበይ ኔርኩም ድኣ“....... ኢልና‘ውን ብልሳን ህግደፍ ኣይንውቅርን ። ካልእ ኣይኮነን፡ ኣቐዲሙ ኩነታት ስለዘይጠዓሞም ከይተገደሱ ጸኒሖም ይምሰሉ‘ምበር ዳሕራዩስ ንሳቶም ኢዮም ምስ ቲ ኣቐዲሞም ጓንየሞ ዝመሰሉ ወናኒ ንጹህ ሕልና ኮይኖም ነታ ህዝባዊት መንግስቲ ተመንዮም፡ ነቲ ህዝቢ ዝሰምዖ “ካብ ትም ምባልስ ምጅማር ይሓይሽ ኢልና ጀሚርናዮ“ ዝበሉ። ንሳቶም ኢዮም ንዕብየት ናይ ነንዝተመደቡሉ ኣሃዱ ንጹር ፕ ሮግራማት ዝሓንጸጹ። ንሳቶም ኢዮም‘ውን ንእዋኑስ ከምዝግደዩ እናፈለጡ ንሓዋሩ ግን ሓፋሽ ከምዝስዕቦምን ሃገርና ድ ማ ኣብዘተኣማምን ሰረት ሃገራውነት ከምትቐውምን እናተኣማመኑ ከም ደለይቲ ለውጢ መጠን ከኣ ግዳይ ማእሰርቲ ኮይ ኖም ክተርፉ ዝወሰኑ።

ነዚ ፍትሓዊ ተበግሶ‘ዚ ሽዑን ሎምን ‘መሳርሒ ወያነ‘ ብዝብል ግዕዙይ ቃላት ክሕደት‘ዃ ይጠመቕ‘ምበር ቅኑዕነቱስ ፍጹ ም ኣየሻሙን። ምስክርነት እንተኣድልዩ ከኣ ልክዕ ኣብዛ መዓልቲ ዝኽሪ ዓመታዊ ዓመጻዊት ፍጻመ፡ ግደፍዶ ብኣምሳል ፈ ጣሪ ዝተፈጥረ ወዲ -ሰብስ፡ ትሕተ-ከርሲ መሬት ሃገርና ከይተረፈ ከጉረምርም ከምዝተሰምዐ ኤሪ-ቲቪ ክትዓብጦ ኣይተ ኻእላን። እዚ ተርእዮ‘ ዚ ናይ ኣጋጣሚ ዶኾን ይኸውን ዋላስ ካልእ ትንግርቲ ይነብሮ ንዝምልከት ድማ ገና ወር ሓ-መስ ቀለ- መስከረም ትፈትሖ ስንክሳር ዘፍጥረት ክኸውን ንጽበ ኣለና።

መቸም ከምቲ ልሙድ ብኣጋጣሚ መስከረም ካብ ዝተገብረ ሓያለይ ቃለ-መሕትታት፡ ካብ ናይ ክቡር ፕረሲደንት ኢሳይ ያስ‘ውን ሓያለይ ነገራት ክትንተን ቀንዩ ኣሎ። ንሕ/ሰብ ኤርትራ ምሒር ከምዝፈልጦ ዝገልጽ መራሒ ንየማን ከምተበገሰ ኣምሲሉ ቅጽበት ንጸጋሙ ክዕጸፍ ከቢድ ምህሮ ዝወሰደሉ ዓቢ ሞያኡ ብምዃኑ ቀጻሊ ከደናግር ከምዝኽእል እንተመሰሎ ኣይኣበሰን። ንሱ ንኩሉ ማሕበራዊ ሽግራት ከም ጭራሽ መፍትሒ ዘይብሎም ገይሩ ከእምነና‘ዃ እንተዘይከኣለ ብውሑዱ ስ “ካልእ ዝግበር‘ካ የለን“ ብማለት ክንቅበሎ ዝሓለነ መራሒ ንዓና ኣዛንዩ ናብ መደባቱ ተደቕደቐ።

ማለተይዶ ከብራሃልኩም። ንበል ኣብ መራኸቢታት ብዘመን ኣምጽኦ ናይ ቫይበር / Viber / ተክኖሎጂ ክንራኸብ እንተ ተመባጺዕልና፡ ብግብሪ ግን ርክብ ዝፈጥሮ ሓድነትን ምስጢሩ እናለሓኰ ስለዘሰንብዶን ክስተር ክብል ንኩሉ ናይ ኢንተ ርኔት ርክባት ጠንጢኑ ናብ ናይ 19 ክፍለ-ዘመን ታይፒኑ ክድርገም ስለዘዋጽኦ ኣዒንቱ ኣይሓስን። ከምኡ‘ውን ብኣፉ ክቱ ር ጥዕና እናተመነየልና፡ ጥራይ ኣኻእሎን መኽሰብ ትረኸባ‘ምበር ዒራ ኣመሪካ ሽፋን ኣላ እንድያ፡ንህዝብና ብተላጋቢ መ ንደፍ ክእርብደና ድሕር ከምዘይብልን ወዘተን ከምዘሎ ዘይምህማል ማለተይ ኢዩ።

ከምቲ ዝብሎ ኣነ‘ውን ኣብ ዝርዝራት ኣይክኣቱን ኢየ።ተወሳኺ ንምጥቃሱ ዝኣክል ግን ንበል ብዛዕባ ናይ ከተማታት ዘሎ ሕጽረት ኣገልግሎታት ዝተዋህበ ተስፋ ቆረጽ መግለጺኡ ንሃገረ-ኤርትራ ቦኹሪ ክድዓት ኢዩ። እዚ ብዓቕሚ ሕጽረት ጸዓ ት ዝቐረበ ምስምስ ልቢ ናይቲ ብሃገራውነቱ ዝኾርዕ በዓል ማል ኮነ ጉልበት ናይ ምስላብ ጥበባቱ ስለዝፈሸለ ኪኖ ናይ መንነቱ መጋለጺ ምዃኑሓሊፉ ዝፈየዶ የብሉን። ወዮም ብልሓታት መቸም ንበዓል ጉልበት ባርነት ኣዊጁ ከይኣክል ክሳብ መሸጣ ናውቲ ኣካላት ዝዘለቐ ኣረሜንነት ተራእዩ። ስርሒት ሲና ከኣ ብዙሕ ርቀት ዝሓተተ ፍጻመ ብምዃኑ ንከንቱ ኣይ ነበረን። መቐጸልታ ናይቲ ናይ ውሽጢ ሃገር ክትራ፡ ናብን ኣብን ስደት ድማ ዝኾነ ሰቡ ዘናግፍ በዓል ገንዘብ ዶላር ከው ሕዝ ስለዝነበሮ ማለተይ ኢየ።ንበዓል ማል‘ውን ንጉሆ-ንጉሆ ዘዘቑጸልጸለ ጥበባት እናገበረ ጃሕጃሕታ ዶላር ብምጽባይ ብሙሉኡ ሃብቲ ሃገር ኣብ ታስኪኑ ክድርግማ ተጋዲሉ።

“ካርካር.....ር“ ኢዩ ዝብል ዓርከይ ከምዝታት እንተሰሚዑ ቅድሚ ቃል ምዝራቡ ንነገር ኣጸቢቑ ስለዘስተማቕራ። ርእሱ እ ናሓኸኸ ድማ፡ “ ኣንታ ነታ ኣብ ቲቪ መደረ ማይ ለውጢ ዝጠለበት መንእሰይ ኣደ ድማ ‘ዓጋመ‘ ኢሎማ“ ድሕሪ ምባሉ ከምታ ኣመሉ ክርትም በለ። ኣቐድም ኣቢሉ‘ውን፡ “በል ተዳሎ ጥራይ፡ ግደፍ እንዳኮርያን መሰልቱንስ እታ ናይ ዘመነ-ደ ርጊ ‘ሓዳር ብግዲ‘ዃ ነይንረኽባ! ዓዓድና‘ውን ተኸያዲ ከይመስለካ“ ክብል ከምሕልና ፕረሲደንት ዓለም ብብርሃና ኣጸል ሚትለይ ጸንሑ ኢዩ። ኣይትተዓደልዎ‘ምበር  ዕድሎተይ ኮይኑ ኣነስ ንክልቲኦም ኢየ ተዓዲለ።

ቀጺሉ ድማ ንዓይ ዝኾነ ኩሉ ተራእየኒ። ብቐንዱ እታ “መን ኢዮም“ ትብል መጥመሪት ባሕሪ ሓሳብ መራሒና ኣዝያ ዓጀ በትኒ። “መን ኢዮም“ ትብል ከምዛዋዛ ስም ወናኒኣ ስዉእ ተ/ይ ስነ-ጥበባዊ ኢሳይያስ ጸጋይ ብምጥቃስ ከላህየና ፈቲኑ።

“መን ኢዮም“?  ኢየ ዝብለኩም ዘለኹ። “መን ኢዮም ማይ ዝጸምኡ? መን ኢዮም ገዛ ዝደልዩ? መን ኢዮም ፍቓድ ዋኒን ዝሓተቱ? መን ኢዮም ጽርግያን መሳለጥያን ዝበሃጉ? መን ኢዮም ሕክምና ዝተመነዩ? መን ኢዮም ባዕሎም ናብራኦም ክ መርሑ ዝተለሙ? መን ኢዮም ሰላምን ብልጽግት ሃገር ክትህልዎም ዝውጥኑ“?................። ህግደፍ ብደዉስ መን ኢዮም?

ዕግርግር ዕዳጋ ዝመችኦም‘ሞ እንተ ብገርሆም እንተ እንድዒ ብቐሊሉ ኣብቲ ሸረኽ ብምድርጋም  ንሳቶም‘ውን “መን ኢዮ ም“ ካብዝብል ገርሂ መሰል ሓሳብ ይትረፍ ጎደሎ ፊስቶ ብቀንዱ‘ምበር  ምጥማም‘ውን ተጋሂዱ ኣሎ‘ንዶ! ኣቐድም ኣቢሉ ኣብመንጎ ኣካረይትን ተኻረይትን ገዛ ብሞንጎኝነት ደላሎ ምኽንያቱ ብዘይገሃድ ሰበብ ኪኖ ቁጠባዊ ረብሓ ዝዓለመ ኣው ራጃዊ ወገንነት ምስሕሓብ ተኸሲቱ ከምዘሎ ንማንም ኣይተሰወረን። መን ኢዮም?

መን ኢዮም? ዓርከይ ግደፍ ንሓዳር ብግዲስኒ ከምቲ ፕረሲደንትና ዝበሎ ናብ ዓዓድና ምኻድ‘ውን ኣይተኣማመነላን። ከ መይ‘ቢሉ‘ሞ ክተኣማመን ኣብኣስ እንታይዶ ሒዝናላ ኢና? ትማሊ ክንዝክር ግደፍ ዝስተ ማይስ ፍቐዶ ጎዳጉዲ ነዳዲ ክት ነትዕ ከምዘይተጸበና ሎሚ ርኹባት ስኡናት ኴንና ተሪፍና። ምስራሕ ኣባይቲ እንዳኮርያ ኮነ መሰሉ‘ውን ወዲ ዳፍላ ዝነሓ ፎ ኪኖ‘ቲ እንርእዮ ዓላማ ኢዩ ዝነበሮ። መን ኢዮም‘ቶም ኣብኡ ገዛ ዝዕደሉ?

ናይ ሎሚ ዓመት መስከረም ቃል ብዙሓት ኢያ ኣስሚዓትና። ኣባል ሰልፊ ህግደፍ ምንባሩ ከምዘሐጉሶ ከይሓብአ ዝተዛረ በ ገዲም ተጋዳላይ ሎሚ ድማ ኣብታ ‘ዝቃለሰላ‘ ዘሎ ሰልፊ ኮይኑ ኣብ መጻኢት ኤርትራ ሕብረ-ሰልፋዊ ስርዓት እንተ ተ ተኺሉ ህግደፍ ከምሓደ ሰልፊ ክሳተፍ ከምዘይቃወም ከምዝገለጸ ኮይኑ ተሰሚዕኒ። ብሓፈሻኡ ኣባል ህግደፍ ምንባሩ እ ንተኣሐጎሶስ‘ዃ ሓቁ፡ ኩሉ ኣባል ህግደፍ ገበነኛ ከምዝኾነ ድማ ተጠቒሱ ኣይፈልጥን። ግናስ ከምቲ ሓንቲ እንዳ ብኣቦ ት ጽዋዕ ፡ ህግደፍ ከኣ በቲ ከምድላዩ ዘሽከርክራ ሰብ ስለትውነን ከምቲ ደርጊ፡ ናዚ.. ዝዓይነቱ ኣጠቓቕማ ክንጥቀም ግድን ኢዩ። ብፍሉይነት ንምዝራብ ካብ ኣድለየ ንርእሱ ከምገበነኛ ዝጥቀስ መራሒ እንታይ ካልእ ኣማራጺኸ ኣልይዎን ንመን ከደናግርን ኢሉ ኢዩ ክንድኡ ሸንኮለል? ዶስ ካብሕጁ ከምቲ ንኣባላት ናዝን ደርግን ዝወረዶም ዘዘኪሩዶ ተሰራጥዩ“? ዝ ብሉ ከምዘለዉ መጠን ጽባሕ ጨጭብጥኻ ሒዝካ ኣብዝውዕል መጋባእያ የውዕለና ጥራይ!

ብተመሳሳሊ፡ኢሳይያስ እዚ ኩሉ ሰብ እናፈተዎ ንስልጣንኑ ዝተጻብኦ ዘይብሉ ክንሱ፡ /ክሳብ ምርጫ እንተዝግበር 100% ንሱ ከምዝዕወት ጠቒሱ/ ንምንታይ በይኑ ክሳብ መሓውር ዜጋታቱ ክሸይጥ ከምዝመኸረ.... ብማለት ዝተሸገረት ሕቶ ድ ማ ነይራ። “ብሓቂ ዶኾን ንምንታይ ከምኡ ይግበር ከምዘሎ ተሰዊርዎ ይኸውን“? ኢልኩም ኣይትሸገሩ። ክሳብ ካብታ ዝ ገብራ ዘሎ ንላዕሊ፡/ብሓቂ ይገብር እንተኣልዩ / ሓንቲ ከምዘይገብር ምግላጹ ድማ ብመንጽር ዝጸንሐ ባዶ ጃህራን ትጽቢ ት ግዱዓትን ቅባጸትነቱ ኣገዳሲ ኢዩ እብል ብወገነይ። በዓል መን ኢዮም!!

“ገመል ሰሪቕካዶ ጉምቡሕ-ጉምቡሕ“ ከምዝበሃል ሎሚ-ሎሚስ እቶም ዝቐርቡ ናይ መሕብኢ ኣጫርቕ‘ውን ነቲ ጋህዲ ክ ሕደት ክጋርዱ ኣይብቑዓትን። መልሲ ናይቲ ኩሉ መንኢዮማት መቸም ህግደፍ ንዘይኮኑ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተረዲእኩሞ ትኾኑ። ብሕትውና ሓደ ሰልፊ ንርእሱ መርኣያ ብምዃኑ ተቛደስቲ ጸጋታት ሃገር ኣባላት ንጽል ሰልፊ ኢዮም‘ሞ ካብኡ ን ላዕሊ መንግስታዊ ትሕተ-ሃገራውነት እንታይ ኣልዩ! ሕጂ ዝመጽእ ዘሎ ሓድሽ ብወዛ እምበኣር ሓድሽ ኣይኮነን። ከምቲ ኩሎም ዝገለጽዎ ምንዋሕ ዕምሪ ክሓስብ ክኽላእ ኣይከኣልን። ጥራይ ‘ሃገራዊኸ እንታይ ክሓስብ ይግባእ‘? ንበል።

ሎሚ ጥልዕ-ምልዕ የለን። ሎሚ “እንታይ ንግበር“ ኢልካ ምምንታው የለን። ዜጋታት ወይ መን ምዃንና ኣሚንና ንሃገርና ሰብ ንኹና ወይ በቲ ናጻነት ኣርእዩ ዝኾለፈና ክቖጻጸ ጸኒሕ ሎሚ ዝተጋህደ ንጹር እኪት መንግስታዊ ትሕተ-ሃገራውነት ተሳዒርና ንደቅስ። ኣኸለ ባቃ!!

መስከረም ደጊምኪ ሓፋሻዊ ቅያታትኪ ንስዕና!

ዘልኣለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣትና!

ጎደፋ

{jcomments off}


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...