ሓይሊ ስነ-ጥበብ ዘበርገጎ ስርዓት

 

ካብ ቤ/ጽ ባህላዊ ጉዳያት ህግዲፍ

ተኣምራታዊ ሓይሊ ስነ-ጥበብ ዘርዓዶ መንግስቲ፡ ንስነ-ጥበባዊ ሓይሉ ንኸማህምን ዘይፍንቅሎ እምኒ የልቦን፡፡ ስርዓት ህግደፍ ዘመነ ስልጣኑ ብሓይሊ ብረት ንምንዋሕ ትርግታ ልቡ ኣድሚጾም ንህዝቢ ናይ ምቅላሰ መንፈሱ ዘበርኹ ስነ-ጥበባውያን ንሙቑጻይ ወርትግ ኣብ ከቢድ ዕዮ ምስተጸምደ ኢዩ፡፡ ስነ-ጥበባዊ ፍርያት፡ ፊልሚታት፡ ደርፍታትን ስነ-ጽሑፍን ህዝባዊ ባህሪ ስለዝውንኑ ብዘመናዊ ቴክኖሎጂ ተሓጊዞም ኣብ ኣእዛንን ኣዒንትን ሓፋሽ ህዝቢ ንኽበጽሑ ሓጺር ግዜ እዩ ዘድልዮም፡፡

ስርዓት ህግደፍ ከም ስግኣት ንዝሓሰቦም ነገራት ከይተበገሱ ናይ ምቑጻይ ባህሪ ስለ ዝውንን ከኣ ነቲ ዱልዱል ሰረት ዝጸንሖ ስነ-ጥበብ ሃገርና ካብ ሱሩ ሓግሒጉ ንኽምንቁስ ካብቲ ሑሙም ኣተሓሳስብኡ ዝተወልደ ምፍጻም ተግባራቱ ኣየድሓርሓረን፡፡

ስርዓት ህግደፍ ስነ-ጥበብ ሃገርና ንምቕታል ማእለያ ዘይብሉ እከይ ሜላታት እዩ ዝጥቀም፡፡ ሓደ ካብቲ እከይ ሜላታቱ ብመገዲ ኣብ ትሕቲ ሚ/ሪ ዜና ዝመሓደር ኣሃዱ ሰንሰርሺፕ እዩ ዝትግብሮ፡፡ ኣብ ሃገርና ዝፈሪ ኩሉ ዓይነት ስነ-ጥበብ ናብ ህዝቢ ቅድሚ ምብጽሑ በዚ ኣሃዱ’ዩ ዝኽተር፡፡ ብሃገር ደረጃ ዝቖውም እንኮ ኣሃዱ ሰንሰርሺፕ ኩሉ መደያዊ ኣፍልጦ ዘካተተ ክኢላዊ ዓቕሚ ሰብ ክውንን ከምዘለዎ ኩሉ ንምዕባለ ስነ-ጥበብ ብኣውንታ ዝጥምት ዝጽበዮ ኢዩ፡፡

ስነ-ጥበባዊ ፍርያት ብሰነ-ጥበባዊ መዳዩ ዝመምዩ፡ ኣብቲ ዓውዲ ዓሚቕ ኣፍልጦ ዝውንኑን ውህልል ተሞኩሮ ዝሓዘሉን ንምዕባለ ስነ-ጥበብ ከይተሓለሉ ዝጽዕቱ ክኢላታት፡ ብጉጅለ ተጠርኒፎም ስርሖም ዘሰላስሉ ከም ቀንዲ ኣካል ኣሃዱ ሰንሰርሺፕ ክነጥፉ ንቡር’ዩ፡፡ ህዝባዊ ባህሪ ስነ-ጥበብ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብቲ ህዝቢ ዘሕድሮ ጽልዋ ብኣግኡ ተረዲኦም ስነጥበባዊ ፍርያት ዝመምዩ ክኢላታት ስነ-ኣእምሮ ኣብ ኣሃዱ ሰንሰርሺፕ ከም ኣባላት ክነጥፉ’ውን ዝኾነ ሓላፍነት ዝስምዖ መንግስቲ ዘተግብሮ እዩ፡፡ ማሕበራዊ ኣቃውማ ናይ ህዝቢ ብምጽናዕ ብመገዲ ስነ-ጥበባዊ ፍርያት ባህሊ ከይጎድእ ክኢላታት ስነ-ማሕበረሰብ ኣብ ኣሃዱ ሰንሰርሺፕ ክሳተፉ የድሊ፡፡

ብስርዓት ህግደፍ ዝቖመ ኣሃዱ ሰንሰርሺፕ ግን ብሕጽረት ክኢላታት ዝሳቐ ጥራይ ዘይኮነ ጥር ዝብሉ ክኢላታት ዘይብሉ ብምኻኑ እቲ ስርዓት ንዕንወት ስነ-ጥበብ ከይተሓለለ ከምዝሰርሕ መረጋገጺ ኢዩ፡፡ ኣብ ኣሃዱ ሰንሰርሺፕ ህግደፍ ኣብ ስነ-ጥበብ መንቋሕቋሕታ ዘለዎ የለን፡፡ ክኢላ ስነ-ኣእምራዊ ከምኡ’ውን ክኢላ ማሕበረ-ሰብ የልቦን፡፡ እዞም ዝጠቐስናዮም ሊቃውንቲ እንተዘይሃልዮም እቲ ኣሃዱ ሞደሻ ዓጢቖም ንስነ-ጥበብ ዝቕጥቅጡ፡ ብሰኣን  ፍልጠቶም ስነ-ጥበብ ዘጥፍኡ ሰባት ተጐቢኡ ከምዘሎ ንምግማቱ ኣየጸግምን፡፡

ህግደፍ ንኣእምራዊ ንብረት ስነ-ጥበበኛታት ዝጣበቕን ዝሕሉን ትካል ብምቋም ንስነ-ጥበባዊ ፍርያት ስነ-ጥበበኛታት ካብ ግዳይ ኮፒራይት ኣብ ክንዲ ምክልኻል ነታ ውሕስነተይ ተረጋግጽ’ያ ዝብላ ኣሃዱ ሰንሰርሺፕ’ዩ ኣቒሙ፡፡ ስነ-ጥበበኛታት እዛ ሃገር ግን ስነ-ኣእምራዊ ፍረያቶም ብዘይሕጋዊ መገዲ ብዲቪዲ፡ ፍላሽን ብሉትዝን ተነጢቑ ብኮፎም ሃብቲ ብዘኻዕብቱ ስሱዓትን ለዋሃትን ክሽየጥን ክዝርጋሕን ይረአ ኣሎ፡፡ ህግደፍ ከኣ ንባዕሉ ክሳብ ዘይተንከፈት ንጻማ ራሃጽ ፍርያት ስነ-ጥበበኛታት ስለዘይቅጫጩ እናረኣየ ከምዘይረኣየ ንስርቆት ስነኣእምራዊ ንብረት ስነጥበበኛታት ዕሽሽ ኢልዎ ይነብር ኣሎ፡፡

ሕጊ ኮፒራይት ዘይኣውጸአት ሃገርና ብሓደ ሰብ ዝቖመ ኣሃዱ ሰንሰርሺፕ ግን ኣቒማ፡፡ ኣብዚ  ቤ/ጽሕፈት ኣሃዱ ሰንሰርሺፕ ብሃውሪ ዝተመደቡን ሒደት ተሓጋገዝቲ ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት እኳ እንተሃለው ተራኦም ግን ኣብ ምምማይ ስነ-ጥበባዊ ስራሕ ኢድ ዝሕውሱ ኣይኮኑን፡፡

ብሃገር ደረጃ ዝፈሪ ስነ-ጥበባዊ ፍርያት፡ ሃገር ክኢላዊ ዓቕሚ ከምዘይብላ ብሓደ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ‘’ወፍሪ ንልምዓት’’ ትብል ዓምዲ ዘዳሉ ዝነበረ ጋዜጠኛ ኤልያስ ማሕሙድ  ሃሩን ይምራሕ፡፡ ኤልያስ ከምሰብ ንምጽልእላእ ኣይኮነን ተደልዩ ዘሎ ነዊሕ ታሪኽን ተሞኩሮን ዘለዎ ስነ-ጥበባዊ ፍርያት ሃገርና ሞያዊ ናይ ምምማይ ብቕዓት የብሉን እዩ’ቲ ቁምነገር፡፡ ንዝሾሞ ኣካል ፖለቲካዊ ተኣማኒ ክኸውን ይኽእል ስነ-ጥበባዊ ምምማይ ግን ከምቲ ኣቐዲመ ኣብ ላዕሊ ዝገለጽኩዎ ብትምህርቲ፡ ተሞኩሮን ሞያዊ ስነ-ምግባርን ጥምረት ዝተረኽበ ሞያዊ ብቕዓት ስለ ዝሓትት’ዩ፡፡

ኤልያስ ናይ 1988 ተጋደላይ፡ ትምህርቱ ካብ 12+1 (ሰርቲፊኬት) ዘይሓለፈ ሰብ ብሃንደበት ናብቲ ኣሃዱ “ኣካል ፍቓድ ሕትመት ተወዚዕኻ ኣለኻ” ተባሂሉ ነቲ ስራሕ ዝዛመድ ሞያ ከይዓጠቐ ኣብ ጽዑቕ ስራሕ ሰንሰርሺፕ ተጸሚዱ፡፡

ሓደ ካብቲ ክኢላዊ ዓቕሚ ንዘይብሉ ኣሃዱ ሰንሰርሺፕ ግዳይ ዝኾነ ስነጥበባዊ ፍርያት ሓደ ፊልም ኢዩ፡፡ ሓንቲ ናይ 2 ሰዓት ፊቸር ፊልም ብመገዲ ኤልያስ ማሕሙድ ሃሩን ሓሊፋ መስርሕ ምምማይ ንክተጻፍፍ ካብ 2 ክሳዕ 3 ዓመት ይወስደላ፡፡ ኣብቲ መስርሕ ምምማይ ዋሕዚ ዛንታ ፊልም ሴፍ ናይ ኤልያስ ዓሪፍዋ ትበታተኽ፡፡ ኣፍረይቲ ፊልም ነናሻዕ ናብቲ ቤ/ጽሕፈት ብምምልላስ መስርሕ ስእሊ ዘጻፈፈ ፊልም ዝተሓበሮም ክፋሉ ነናሻዕ ክቕይሩ ሞኽ ስለዝብሉ ስነ-ጥበባዊ መንፈሶም ይዳኸም፡፡ እቲ ፊልሚ ኣብቲ ዝፈረየሉ እዋን ስለ ዘይቐርብ ቴምፖ (ግዜ) ኣይሕሉን፡፡ ኣብ ስነ-ጥበብ ብቑዕ ኣምር ብዘይብሉ ሰብ ስለዝተቆራረጸ’ውን ጥበባዊ ላዝኡ ይበንን፡፡ ስነ-ጥበበኛታት ናብ ህዝቢ ዘቕርብዎ ፍርያት፡ ህዝቢ ዕግበት ስለዘይረኽበሉ ኣብ ከቢድ ክሳራ ይወድቁ፡፡ ስርዓት ህግደፍ ግን መኽሰብ የኻዕብት፡፡ በዚ ኣቢሉ ከኣ ደይ መደይ ኢሉ ስነ-ጥበብ ናይ ምድኻም ዕላምኡ የተግብር፡፡

ህግዲፍ ስነ-ጥበብ ሃገርና ንምድኻም ከም ዕላማ ዝሰርሓሉ ብዘይ ምኽንያት ኣይኮነን፡፡ ሓቀኛ ስነ-ጥበባዊ ንጥፈታት ንህልውን ውድዕን ኩነታት ህዝቡን ሃገሩን ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ ስነ-ጥበባዊ ልባስ ኣሰንዩ ንነባራዊ ኩነታት ክገልጽ ስለዝግደድ ነዚኣ ብርሑቓ ንምክልኻል ድፋዕ ክሰርሕ ድቃስ ይስእን፡፡ “..ሕማቕን ጽቡቕን ጸይረ ፍሽኽታ ኣመለይ!” ዋንኣ ዘወፈየት ኣብነታዊት ፍርያት ስነ-ጥበብ’ያ፡፡ ንነባራዊ ኩነታት’ቲ እዋን ብመልክዕ ርእይቶታትን ሓበሬታን ናብ ህዝቦም ብብርዖም ዝዘርግሑ ኣዳለውቲ ፕረስን (ጋዜጠኛታት) ኣፍደገ ቤት ፍርዲ ከይረኣዩ እንሆ ጽባሕ 18 መስከረም 2013 ድፍን 12 ዓመታት ኣቑጺሮም፡፡

ፊልምን ድራማን ዝሰርሑ ስነ-ጥበበኛታት ኣብ ዝደለዮዎ ቦታን ቅርስታት ሃገሮምን ከይስእሉ (ከይቀርጹ)  ብኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ይኽልከሉ፡፡ ን Google earth ዝኽወሎ ቦታ ከምዘየሎ ግን ርዱእ እዩ፡፡ ኣድላይ እንተኾይኑ ኣብ ሕጓ ፕረዚዳንት ሃገረ ኤርትራ እንታይ ከምዘሎ ንምኽዋል ዘይከኣለሉ ዘመን እዩ፡፡

መቸም ካብ ቤት ማሕዩር ዒራዒሮ ንላዕሊ ንህግደፍ ሚስጢራዊ ቦታ ኣይክህሉን ይኸውን፡፡ ዒራዒሮ ከኣ ኣበይ ትርከብ ክንደይ ሸላታት ኣለውኣ ከይተረፈ ንዓለም ብክልተ ዓይና ዘጠምት ቴክኖሎጂ ካብ ዝፍጠር ምጽንሑ ነቶም ንከልከልቲ ዝልእኩ ሓለፍቲ ስውር ኣይኮነን፡፡ እቲ ሓቂ እዚ ካብ ኮነ ደኣ ንስነ-ጥበበኛታትና ኣብ ባህ ዝበሎም ቦታ ንከይሰኣሉን ከይቀርጹን ዝኽልከልሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ? ሓይሊ ስነ-ጥበብ ስለዘበርገጎ ስርዓት ንምቘጻዩ ካብ ዘተግብረሎም ሓደ መስርሕ ብምኻኑ ጥራይ’ዩ፡፡

ስነ-ጥበብ ማለት ንፕረዚዳንት ኢሳያስ ንኣፍሪቃውያን ምጽራፍ፡ ንሓቀኛ ክውንነቶም ምክፋእ፡ ንኣመሪካ ምሽይጣን፡ ንባዕሉን ንዕላምኡን ኣኽናፍ ዝሰዀዑ መላእኽቲ ኣምሲልካ ኮሓሒልካ ምቕራብ’ዩ፡፡

ብመንጽር’ዚ ዝተገልጸ ብኣሃዱ ሰንሰርሺፕ ምምማይ ዝተወደአ ናብ ህዝቢ ንከይቐርብ ግን ብላዕለዎት ሓለፍቲ ሚ/ሪ ዜና ዝተኣገደ ፊልምታት’ውን ኣሎ፡፡ ንኣብነት ብኣወል ስዒድ ዝተብሃለ ስነ-ጥበባዊ ዝፈረየት ፊልሚ ንሽድሽተ ዓመታት ዝኣክል ኣብ ሚ/ሪ ዜና ተሓይራ ኣላ፡፡ ነታ ፊልም ንምድላው ዝጠፍአ 400,000 ናቕፋ ድማ ኣብ መሬት ዝተሰትየ ማይ ኰይኑ ተሪፉ፡፡

ስነ-ጥበበኛታት ንህዝቢ ዝንቡዕ ሓበሬታ ብዘመሓላልፉ ትሕዝቶታት ደሪዕኻ፡ “ንበር’ታ ንበር ዓለም ክትርኢ ተኣምር…” ብዝኣመሰሉ ሞጐሰታት ኣሰኒኻን ንገለ ኪእላታት ኣወንጂልካን  ካብ ፕረዚዳንት ግንዖ ናይ ምርካብ ሽርሒ’ውን ብገለ ሐላፍቲ ህግደፍ ይሰርሓሉ’ዩ፡፡

ኣብ ኤሪቲቪ ብተኸታታሊ ትመሓላለፍ ዝነበረት ብኢሳያስ ጸጋይ ዝተደርሰት “ትማሊ” ዘርእስታ ፊልም መስርሕ ፈነወ ከይዛዘመት ብመገዲ ሓዳስ ኤርትራ ነቐፌታ ክዘንባ ጀሚሩ፡፡ እዚ ንተዓዘብቲ እታ ፊልም ብኩፉት ኣእምሮ ንከይከታተሉ ዓንቀጸ፡፡ እታ ፊልም ምስተዛዘመት’ውን ዓሊ ዓብዱ ንጋዜጠኛ ተስፋኣለም (ጫረ) ንኣሉታዊ ጐድኒ’ታ ፊልም ብጉልሕ ርእይቶታት ካብ ህዝቢ ንኽእክብ ኣዘዞ፡፡ ዓሊ ዓብዱ ኣብ ፊልም “ትማሊ” ዝተንጸባረቐ ኣብ እዋን ብረታዊ ገድሊ ብተጋደልቲ ዝፍጸም ዝነበረ ዘይስነ-ምግባራዊ ባህሪያት ብምጉላሕ ንኢሳያስ ጸጋይ ከጸልሞ ንኤረ ቲቪ ከም መጋበርያ ተጠቕመላ፡፡

ብህግደፍ ንዝተዳለወት ፊልም ዘምህረት የውሃንስ ኣብ ኤሪቲቪ ንክትፍኖ ቀጠልያ መብራህቲ ብምውልዑ ግዳይ ቈጠዐ ፕረዚዳንት ኰነ፡፡ ካብ መዝነት ኣዋሃሃዲ ሽማግለ ብዓላት ተኣልዩ ድማ ብዓሊ ዓብዱ ተተክአ፡፡ ዓሊ ዓብዱ ኣብ 2011 ዝተኻየደ መበል 20 ዓመት መዓልቲ ናጽነት ንታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ዘንጸባርቑ ኣሳእል ዝተለጠፎ ታቤላታት ናይ ምድላው ሓላፍነት ተዋሂብዎ ብኤዲተራት ሚ/ሪ ዜና ተሓጊዙ ብምስራሕ ነቲ ኣሳእል ኣብ ዱባይ ብምሕታም ካብቲ ዝተሰለዐ ባጀት ዝበዝሐ ክፋሉ ኣብ ረብሕኡ ኣውዓሎ፡፡

ኢሳያስ ጸጋይ ምስ ዓሊ ዓብዱ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ዝጅምር ዱልዱል ዕርክነት ጸኒሕዎም እኳ እንተነበረ፡ ዓሊ ዓብዱ ካብ ኢሳያስ ጸጋይ ሰሪቘ ዝወሰዳ ግጥሚ ኣብ ፈስቲቫል ውድድር ስነ-ጥበባዊ ፍርያት ብምዕዋታ ዕርክነቶም ተበትከ፡፡ ኢሳያስ ጸጋይ ፊልም “ትማሊ” ምስ ተዛዘመት ኣብ ኤሪቲቪ ቃለ-መጠይቕ ከካይድ ብዓሊ ዓብዱ ተሓቲቱ እቲ ቃለመጠይቕ ብቀጥታ (Live) ንክኸውን ንሚ/ሪ ዜና ቅድመ ኩነት ብምሕታቱ፡ ገምጋም ናይታ ፊልም ደራሲ ኣብ ዘይተረኽበሉ ኣብታ ፊልም ብዝተሳተፉ ካልኦት ስነ-ጥበበኛታት ኣብ መደብ ሞዛይክ ተኻይዱ፡፡

ደርፍታት ሃገርና ኣብ ዘመነ ህግደፍ ብቕዓቱ ባይታ ዘቢጡ፡፡ ህዝቢ ጥበብ ዝጐደሎ ደርፍታት ንከይሰምዕ “ዝባን ኣእዛና” ኣብ ዝብለሉ ደረጃ በጺሑ፡፡ ኣብ 60ታት ዝተደርፉ ዕምቆት ዘለዎም ደርፊታት ዘስተማቐረ ህዝቢ ብናይ ጐደና ቋንቋ ዝተጀለሐ ኢድ ተውህቦ ዝተዓደሉ ስነ-ጥበኛታት ዘይሓለፎ ደርፍታት ክሰምዕ ሃየንታ ኣለዎ፡፡ ኣብ ርሱን ዕድመ ዝርከቡ መንእሰያት ቁም ነገር ንከይሰርሑ ኣንፈቶም ንምጥምዛዝ ዝዓለመ ኣብ ሌታዊ ትልሂታት ንክለሃዩ ዝዕድም ዑምቆት ዝጐደሎ ደርፍታት ንኸፍሪ ብስርዓት ህግደፍ ይተባባዕ’ዩ፡፡ እቲ ደርፍታት ኣብ ክሊ ዕድመ ኩትትና ዝርከቡ መንእሰያት ብዘዘውትርዎ ቋንቋ ዝተጐብአን ንካልእ መደያት ህይወት ጐስዩ ኣብ ፍቕሪ ዘተኰረን እዩ፡፡ ካብቲ ገኒኑ ዘሎ ደርፍታት ንምጥቃስ ናይ ሕማመይ: ሞይተልካ: ዓርኪ ኣለኪ ዶ፡ ካልእ ከኣ …ኣድሃ ንበረልና ዓለም ጸገማታ ክትምርምር… ዝዓይነቶም ይርከብዎ፡፡ ብመራኸቢ ብዙሃን ዝፍኖ ደርፍታት ደረጅኡ ዝሓለወ ኩሉ እቲ ዝከታተል ኣብ ግምት ዘእተወን ክኾውን ይግባእ፡፡

ሓደ እዋን ግን “…ሓዲኣ’ላ ሎሚ ወይ ስሚ ወይ ጠስሚ…” ትብል ብሄለን መለስ ተዘይመት ንናይ ሚኒስተር ዓሊ ዓብዱ ኣሃዱ ሰንሰርሺፕ ፈንጢሓ ከምዝሓለፈት ሓለፍቲ ዘሕሸኹሹኹላ ደርፊ እያ፡፡ ኣበር’ዛ ደርፊ እንታይ’ዩ ኔሩ? ስለምንታይ ከ ደሓር ብሓለፍቲ ህግደፍ መዛረቢት ዛዕባ ኮይና? ንግዜ ንሓድጋ!!፡፡

ሚ/ሪ ዜና ኣብ ቴሌቭዥንን ሬድዮን ዝፍኖ ደርፍታት ግን ደረጅኡ ዘይሓለወን ጥበብ ዝጐደሎ ደርፍታት ንዘፍርዩ ምትብባዕ ተውህቦ ንዘለዎም ስነ-ጥበበኛታት ምቕታል ዝዓለመ ኢዩ፡፡

ኣብዚ እዋን ውሩያትን ሙኩራትን ስነ-ጥበበኛታት ካብ ሃገር ይስደዱን ይእሰሩን፡፡ ብካልእ ገጽ ሕጂ ዝፍጠሩ ዘለው ሓድሓደ ደረፍቲ ኣብ ውራያት፡ ለይታዊ ትልሂታትን ናይ ካልኦት ስነ-ጥበበኛታት ደርፍታት ጥበባዊ ላዝኡ ብምጥፋእ ዝደግሙ፡ ሕልንኦም ንሞያን ህዝብን ዘይኰነ ንህግደፍ ዝረዓሙ፡ ውጽኢት ስራሕቶም ብቴሌቭዥን ንኽትፍኖ ብምዕላም፡ ሓንቲ ዘይልምድቲ ደርፊ ቪዲዮ ክሊፕ ብምስራሕ ንመራኸቢ ብዙሃን መወዓውዒ ዘግልግሉ ሕጊ ጥበብ ዘይምልከቶም እዮም፡፡

ፍርያት ስነ-ጥበበኛታት ካብ ድሌት ህግደፍ ወጻእ ዋላ ጥር ትብል ቃል ከይትርከባ ብዋርድይኡ ይሕሉ፡ ብኮፒራይት ንኽስረቕ ድማ ቀጠልያ መብራህቲ ወሊዑ የሕልፎ፡  እንሆ እምበኣር ህግደፍ ስነ-ጥበብ ሃገርና ክመውት ብምርኣዩ ጸባ ይሰቲ፡፡

ስነ-ጥበበኛታት ኣእምራዊ ንብረቶም ንምውሓስ ከም ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝርከቡ ስነ-ጥበበኛታት ሞይኦም፡ ጥሪቶምን ዋንነቶምን ንምኽባር ቃልሲ የድሊ፡፡  ኣእምራዊ ንብረቶም ከይስረቕ፡ ፍርያቶም ዘውሕስሉ ሕጊ ኮፒራይት ክእወጅ፡ ሞያዊ ናይ ማሕበር ውዳበ ክህልዎም ይግባእ፡፡  ልክዕ ከምቲ ንምፍጻም ግቡእ ዝሕተቱ ንመሰሎምን ሞይኦምን ክኽበረሎም ክጣበቑን ብሞያ ተወዲቦም ክሓቱን ይግባእ፡፡ ጉዳይ ኮፒራይትን ሳዕቤናቱን ኣምልኪቱ ብመራኽቦ ብዙሃን ንህዝቢ መንቋቋሕታ ክግበረሎም … ተወዲቦም ንሰረቕቲ ክኹንኑ ይግባእ፡፡

ንህዝቢ ዘነቓቕሕ፡ ንፈጻሚ ኣካል ደወል ዘስምዕ፡ ካብ ዘሰኻኽፍ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ነጻ ክሳብ ዝኾነ፡ ኣእምራዊ ዋንነትካ ንምውሓስ እኩብን ውዕውዕን ሰለማዊ ስልፊ ምጽዋዕ ዘነውር ቃልሲ ኣይኰነን፡፡

9/18 ብርሃን ጉጅለ ህግደፍ ጸልማት ህዝቢ ኤርትራ!!

{jcomments off}       


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...