ፋሕ ዶ ኢላ ወያ ምስላ? ዓማጽ መንግስትን እኽልን ድማ ከይደቀሱ ይሓድሩ‘ምበር ዓማጽ ህዝቢኸ በየን ዝመጸ ኢዩ?

ቀደም ዘመን፡ ስልጣን ንፍሉያት ስድራ-ቤታት ጥራይ ተሓዚኡ እንከሎ ዝተመሰለ ብምዃኑ ሽዑ ዓማጺ ህዝቢ ከምዘሎ ኣይተፈ ለጠን ወይ ኣይተደፍረን ይኸውን። ኣብ ታሪኽ ሕ/ሰብ ቁጠባዊ ረብሓ ብፖለቲካን መንግስታዊ መሳርሕን ተሰንዩ ካብ ዝነጣጠፍ ዓ መጽ ካብ ቀንዲ ጠባይ ኮይኑ ኣሎ። ዓመጽ ሓደ ነቲ ካልእ። ከምርዱእ መንግስቲ ኩሉ ግዜ ናይ ህዝቢ ኢዩ። ህዝቢ ድማ ናይ መንግ ስቲ ስለዝኾነ ብዘይ ህዝቢ መንግስቲ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ብዘይ መንግስቲ‘ውን ህዝቢ ኣይነብርን። ስለዝኾነ ኣብ ንቡር ሂወት ሓደ ካብቲ ካልእ ኣይነጻጸልን፡ ነንሕድሕዱ ይመረዃኾስን ይከባበርን። እንተኾነ ብዙሕ ግዜ ዝለዓል ብግብሪ ግን ዘይምለስ ሕቶ ኣሎ። ህዝቢ መን ኢዩ?

ኣብ ኩሉ ሕ/ሰብ እቲ ብእኩብ  “ህዝቢ“ ዝበሃል ደረጃታት ይወሃቦ ኢዩ። ኣብዛ ጎረቤትና ተዛራቢት ትግርኛ እንተረኣና‘ዃ ንህዝቢ፡ ሰብ፡ ሰብያሰብ፡ ኣንካንኪኖስ ተባሂሉ ይከፋፈል ይብሉ። ኣንካንኪኖስ ብዙሕ ዝመጠኑ ጉጅለ ኢዩ። ፖለቲካዊያን ሰባት ስለዚ “ ን ሕና ኢና ህዝቢ“ ኢሎም ሃረርታ ናይቲ ውጹዕ ህዝቢ ዘማልኡ ተመሲሎም ስልጣን ይጭብጡ። ኩሉ ነገር ምስ ኣረጋገጹ፡ መንግስቶ ም ከምቲ ክኾኖ ዝነበሮ ምዃን እናሰኣነ ስልጣን እናተባሕተ፡ መንግስቲ ዋናታቱ ውሑዳት እናኾኑ ይመጹ። ስለዚ ህዝቢ ዝተተስፈ ዎ ቁጠባዊ፡ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካዊ ትጽቢታቱ ከይተማልአ ይተርፍ‘ሞ ምጉርምራም ይመጽእ። ምጉርምራም ናብ ነገራዊ ሓይሊ (ዓ መጽ) ክቕየር ግድን ይኸውን። ህዝቢ ኣንጻር መንግስቱ  ኣይኮነን። ኣንጻር‘ቶም ቅዋሙ፡ ሕገ-መንግስቱ፡ ባይቶኡ ጥሒሶም ፋሉል ዝ ኸዱ ሰበ-ስልጣናት‘ዩ። ሰበ-ስልጣናት ብወገኖም ስልጣኖም ክዕቅቡ ኩሉ ዓይነት መንግስታዊ መሳርዕ ናብ ረብሓኦም የዋፍርዎ። ከ ምሳዕቤኑ ሞት፡ ማእሰርቲ ውጹዕ ህዝቢ ከምቀለልቲ መዓልታዊ ግንዖ ይጽብጸቡ። ከም ኣውራጃዊ ዝኣመሰሉ ትሕተ-ሃገራዊ ስምዒ ታት እምበኣር ታሪኻዊ ኣመጻጽኣኦም ብፖለቲከኛታት ኢዩ እንተበልና ዝተጋገና ኣይመስለንን። ብፍላይ ከምኣብ ሃገርና ህዝቢ ነንሕ ድሕዱድኣ‘ሞ እንታይ ኣባአሶ። ነናቱ ሃይማኖት፡ ቦታ፡ ቛንቛ፡ ሓዙ ብሓደ ሃገራዊ ባህሊ ዝተጠምረ ስለዝኾነ ዝያዳ‘ዃድኣ ይከባበር ን ይነፋፈቕን። እሞ‘ቲ ኣበሳስ ካብቶም ፖለቲከኛታት ዝምንጩ ኢዩ። ምኽንያቱ ምዕቃብ ፈላሊኻ ግዛእ ናይ ኩሉ ግዜ ኣብቲ ኩሉ ስልጣን ዝጨበጠ ዝርአ ሕማም ኢዩ። ኣብ ኣተገባብራኡ ግን እቶም ርኡያት ከም ኣውራጃ ሃይማኖት ዝበሃሉ ተሪፎም (ብስዉር ዝ ያዳ‘ዃድኣ መሳርሒ ኢዮም) ብዝማዕበለን ዝረቐቐን ከም ደርቢ፡ ስዉር ሰልፊ ዝኣመሰሉ ተተኪኦም ጉዳይ ፈላሊኻ ግዛእ ይቕጽል። ገለ ብገለ ክዕመጽ ክጽቀጥ ውሁብ ፖለቲካዊ ምዕባለ ኢዩ። ስለዚ ፖለቲከኛታት ካብ ባሕሪ ፖለቲካ ፈሊኻ ምርኣይ ዘይከኣል ኢዩ።

ሰበ-ስልጣናት ካብ ቅድሚኦም ዝነበረ ገዛእን ካብቲ ካልእ ህዝብን ዝተፈለዩ ኮይኖም ክቐርቡ ኣለዎም። ነዚ ዘሳልጥሉ ጎነጻውን ብል ሓታት‘ውን  ይጥቀሙ። እቲ ጎነጻዊ ዝበሃል ኩሉ መንግስታዊ መሳርዕ ናይ ህዝቢ ምዃኑ ተሪፉ ኣብ ጎድኖም ንረብሓኦም ይስለፍ። ክሳብ ኣድላይ እንተኾይኑ “ግዝያዊ“ ብዝበሃል ዝቖመ ፍሉይ ሰራዊት፡ ፍሉያት ካድረታት፡ ፍሉይ ቤት-ፍርዲ፡.....፡ይርአ። ኣብ ግዜ ደርጊ ከምኣብነት “ቀይ ሽብር፡ ልዩ ፍርድ-ቤት፡....፡ ይበሃል ነይሩ። ፍሉይ ቤት-ፍርዲ ካብቲ ንቡር ዘፍልዮ ምስጢር ቀጥታን ዘየላ ቡን መሳርሒ በዓል ግዜ ምዃኑ ጥራይ ኢዩ ዝመስለኒ። ከምገለ ዕጫኡ ኮይና ኣብኣ እንተኣትዩ  ኣለ በዴርሺ! ኣውያቱ ዘይስማዕ ናይ በረኻ ቀብሪ ኮይና ትስምዖ ሰብ ዳርጋ ኩሉ ኢዩ። እቶም ኣብኡ ዝረኣዩ ገበናት ድማ መጥመሪኦም ብልሽውና“ ክኸውን ይኽእል።

“እሞ ብልሽውና ኣብቲ ልሙድ ቤት-ፍርዲ ክረኣዩ ኣይኽእሉን ዲዮም“? ኢልኩም እንተሓሲብኩም ነገሩ ጉድ ክኾነኩም ይኽእል። ስለዚ ስልጣን ዝሓዘ ሓይሊ ብዋልታ “ብልሽውና“ ስልጣኑ ክከላኸል ይኽእል ኢዩ። ፈራዲ ኣካል ርእሱ እንተኽኢሉ ድኣ‘ሞ በትሩ ንኩሉ ዓማጺ ከወጣውጠሉ እንድዩ። ህዝቢ ከይተበደለ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ርኢቶኡ ብናጻ ደርጕሑ ክሓድር ኢሉ ዝሓስብ ፖለቲከኛ የለን። ከምኡ ክኸውን ምተገብኦ። ምኽንያቱ ምስ ኩሉ ሕጽረታቱ ሃገራውነት ብዘይ ፖለቲካዊ ዕግበት ዝጸንዕ ኣይመስለንን። ይኹ ን‘ምበር ዘይዕምጽ መንግስቲ ቢዘን ክድይብ ከምዘለዎ ድሒርካ‘ውን ክፍለጥ ይከኣል ኢዩ። ስለዚ የግዲ ጥበባት ክሰኣሉ ኣለዎም። ን ሓደ በዓል ስልጣን ዋላ ምስኩሉ ድኽመታቱ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ዝውፈዩ ክኢላታት የድልዮ። ንናእዳ ንምርግጋእ፡ ንምፍርራ ህ ዝዓለመ ብታነ ዘረባ ዘዳልዉ ክኢላታት‘ዮም።ብኩሉ ዓይነት መራኸቢ ብዙሃን ተሰኒኻ ከኣ ዝተሰርሐን ዘይተሰርሐን ኩሉ ስሩሕ፡ ጥረን ብሱልን ኩሉ ብሱል፡ ሕማቕን ጽቡቕን ኩሉ ጽቡቕ፡ ዝተሓስበን ዘይተሓሰበን ኩሉ ሕሱብ፡ ኮታ ኩሉ ዓይነት መራጎዲ ይድር ጓሕ። ጉጅለታት ብዝጠለብዎ ልቦም ዝመልኣሎም ነገራት ይሰርሑ እንተ ኣልዮም ኣስማቶም እናቐያየሩ ምቕልቃሎም ዋላ ሓቂ እን ተዝህልዎም “ ሓቂ ዘይብላ መዓኮርሲ ማይ ሰትያ ትጠርጥ ክትብልዎ ትኽእሉ።

ኣብ ግዜ ደርጊ ወሃቢት ሞራል፡ /ሞራል ገምቢ/ ትበሃል ጉጅለ ነይራ። ኣካል ጉጅለ መመላኽዒት ኢያ። ኣብ ኢቲዮጲያ ንኣብነት ሃ ጸይ ሃይለስላሰ ከም ፍጹም ወዲ ኣምላኽ መጠን ክጽልዩስ ኣብ ማይ ድጋም ዝመልአ ገበራ ተኣሊኾም ከምዝሓድሩን፡ ክሳብ ብሓይ ሊ ኣምላኽ ስሞም አብ መጽሓፍ ቅዱስ “ሞኣ ዘኣንበሳ ዛኢምነገደ ይሁዳ ግርማዊ ቀዳማዊ ሃይለ-ስላሴ“ ተባሂሉ ከምዝኣተወ፡ ስለዚ ብዘይግብኦም ዋላ ብሞት ይፈለዩ፡ ሃገር ኣንጊሃ ደድሕሪኦም ትግዕዝ ኮይኑ ዝስምዖ መስኪን ህዝቢ፡ ኣማስያኡስ ሰብ ምንባሮም፡ እዃ ድኣ ጸረ-ህዝቢ፡ ‘ኣረሜን‘ ኮይኖም /ተባሂሎም/ መወዳእታኡስ።

መንጌ‘ውን ዲቕ ዝበለ ፈታው ድኻታት ወዲ ዴስነት ተወርይሉ ሳላ ሞራል ገምቢ። እንተኾነ ንሱ‘ውን ሕሉፍ ውልቀ-መላኺ ፋሺሽ ታዊ ምንባሩ ተኸሺሑ። ኣብ ጀርመን “ ኣርያን ልዕሊኩሉ“ ኢሎም ስምዒት ሰብ ሰማይ ኣዕሪገሞ። ኣርያን ኣይብኢዱ ኣይብእግሩ ኣ ይብእምነቱ ምስ ሙሉእ ዓለም ተባኢሱ። ኣባና ድማ ጉጅለ መመላኽዒት እንተደሊያ ከምዚ ስለእትብል ሰሚዕኩሞ ትኾኑ።

“ፕረሲደንት ቆልዑ ክፈቱ፡ ሰራዊት ክፈቱ፡ ድኻታት ክፈቱ ስንኩላን ክፈቱ፡ ህዝቢ ክፈቱ፡ ሓቂ ክፈቱ፡ ፍትሒ ክፈቱ፡ ዲሞክራሲ ክ

ፈቱ፡........፡ ክሳብ መሳርሕቲ ከምዝሰኣነ ይግለጸሉ። በቲ መግለጽስ ክሳብ ኣብዛ ዓለም ጌጋታቱ ኣሪሙ ካልኣይ ግዜ ዝተወለደ ኮይኑ ይስመዓካ። እሞ ድማ ምስኡ ኩባያ ሻሂ ሰትዮም ዘይፈልጡ ሰባት ክንድኡ ናእዳስ ይድንጽወካ። ጉጅለ መጸባበቒት ነገር ሰልዲ፡ ነገ ር መሃያ፡ ነገር ደሞዝ ዶኾን ኮይንዋ? ኣንታ ሰማዒ ድማ እንተኾነ መሊእካ፡ ብዝተረፈ ከምታ ዘላታ ጌርካ እንተዘየመሓላሊፍካያ፡ ብናይ ሜዳ ኣዘራርባ “ዝንቡል“ ኢኻ።

መመላኽዒት በቲ ካልእ ወገን ከተርዕድ እንተደሊያ‘ውን ትብሎ ኣለዋ። “ እከለ‘ኮ ተኣሲሩ ኢዩ። እከለ ድማ ክእሰር ይጽበ ኣሎ። በ ዓል እከለ‘ኮ ዓቕሚ የብሎምን፡ ሓዳሮም‘ዃ ዘይኣለዩ። እኒከለ ክድስክሉ ኢዮም፡ እከለ‘ውን ምህዳሙ ኣይተርፎን ኢዩ፡ ወረ ሃዲሙ ኢለሞ። ኣብውሽጥና ዘሎ ዘይምርድዳእ‘ኮ ቀሊል አዩ፡ እንታይከ መፈላለይ ነገር ኣልዩ ዘይስቕ ኢሎም ኢዮም እምበር በዓል እከለ ‘ኮ ሕጂ ይቕሬታ ሓቲቶም ኣለዉ ንመንግስቲ“ .......። ኣንቱም ሰባት እቲ ወረ ደረት የብሉን።

እዚ ዝላኻዕ ዘረባታት እምባአር መንቀሊኡን ዓላማኡን ሰኣን ምፍላጥ ህዝቢ ማአዝኑ ስሒቱ ነቲ ዝተደለየ ጉዳይ ብዕቱብ ከምዘይሕ ዞ ይገብር ኢዩ። ብዘይካ ውሑዳት ብካርቱናት ከይተረፈ “ክሃድሙልካ ተጻሉት፡ ጉዶም ከተውጽኦም ዘይትጽዕት“ ዝብሉ ገዲፍካ ሻ ቕሎት ይተዓዛዘር። ሽዑ ሰበ-ስልጣናት ኣረምቲ ኮይኖም ይቀላቐሉ። ኩሉ ነገር ከምዘየሰክፍን ዘየፍርህን፡ እዃድኣ እቲ ወረ ቤላቤሎ ከምዝኾነ ይግለጽ። ለካ ቤላቤሎ ማለት እዛ ኣብ ሜዳ ባዶ-ሰለስተ (03) ንብላ ዝነበርና ኢያ! ቤላቤሎ ካብ ኣበርክቶ ዘይብሎም ፈ ቐዶ ጐደናታት ዘወን ዝብሉ‘ምበር፡ ብመደብ ክስራሓሉ ከመይ ክፍለጥ? ናይዚ ኩሉ ሓጥያት ተወንጃሊ ድማ ህዝቢ ይኸውን። እን ተደልዮም ኣውራጃዊ፡ እንተደሊዮም ሃይማኖታዊ፡ ደማሚርካ “ህዝቢ ኣይነቕሐን“ ይብሉ ሽዑ።

ሳላ ህ.ግምባር ህዝቢ ብዛዕባ ፖለቲካዊ ክ/ሓሳብ ማዕከን ዝኽርታቱ መሊኡ ኣሎ። ንኣብነት፡ “ገዛኢ ወዲሃገር ዝኸፍአ ስለዝኾነ ህዝ ቢ ክጥንቀቕ ኣለዎ“ ዝብል ነይሩ። ከምሓሳብ ነቲ ናይ ሓባር ጉዕዞ ብሓደ ትኸዶ‘ሞ ኣብ ውሱን መድረኽ መጓዕዝትኻ ትቕይር ሓፋሽ ይርሳዕ። ንሱ ከይኸውን ቅዋማውን ሰልፋውን መንግስቲ ክቐውም ተሓንጺጹ። ሕጂ ኣብ ተግባር ምስተበጽሐ፡ ሕቶ ምስቀረበ፡ ብስ ም ናይ ቀደም፡ “ህ.ግምባር ተቐቢልዎ እንድዩ፡ ጽሒፍዎዶ ኣይንሀን፡ ሓድሽ‘ኮ ኣይኮነን“ እንተተባህለ፡ ንህዝቢ እንታዩ ኢዩ? ዶዋላስ ህ.ግምባር ስለዘይጠልም ህዝቢ ክጠራጠር የብሉን? ህግደፍዶ ኣይኮነን ነቲ ነጻነት ዘምጽአ ተጋዳላይ ኡይ እናበለ ዘባረረ? ብስም ‘ማሕበርኩም ተመስሪቱ ኣሎ‘ ኢሉ ቃንዛ ስንኩላኑ ምስማዕ ዝኣበየ? ህግደፍዶ ኣይኮነን ብስም “ሕቡእ ሰልፊ“ ተጋደልቱ ዝኸፋፈለ? ......ሕጂኸ እንታይ ውሕስነት ኣለና፡ እንታይኮን ይመጸና“ ኢሉ እዝግዮ ዝብል ዘሎ?

እዝግዮ‘ወ። ተመን ዝረ ኣየ ብልሕጺ እንተተዳህለ አንታይ የኽፋኣሉ? ትማሊ ትማሊ ብሰንኪ ወራር 1.5 ሚሊዮን ዝግምገም ህዝቢ ተመዛቢሉ። ክብረቱ ተደፊሩ ተዋሪዱ። ኣዝዩ ገዚፍ ሃብቱን ጥሪቱን ተዘሪፉ። እዚ ነገር‘ዚ ከይሰዓበ እንከሎ ክግበር ዝነበሮ እንተነይ ሩ ወይ ተደጋጋሚ ግዜ ተማሂርና ካብዘየጽናዕና ዝሕተት ሓይሊ ክህሉ ኣለዎ። ንሱ ዝፈጥሮ ጥራይ‘ዃ እንተዘይተባህለ ዝሰዓበ ናይ ኣራኣኢያ ፍልልያ መሪሕነት መፈወሲ ተባሂሉ ካብ ስልጣን ምእላዮም ንህዝቢ መዓስ ይእብዶ።

ኣብ ጥሪ ናይዚ ዓመት‘ዚ ዝተኻየደ ሰሚናር‘ውን ነዚ መከረኛ ህዝቢ ዝፈተነ ነይሩ። “ በሉ ኣብ ውሽጥና ወያነ እንተጸኒሓስ እሰርዎ ም ድኣ ኢሉ ሰላማዊ ሰልፊ ክገብር‘ሞ ህዝቢ ዝጠለቦ ተባሂሉ ንገለ ሓይሊ ቅፍድፍድ ኣቢልካ በጥ ተደልዩ ነይሩ“ ኢልና እንተተን ተንናስ እንታይኮን ይመጸና? ህዝቢ ከምኡ ስለዘይገበረ እቲ ሓደ „“ኣይነቐሐን ህዝቢ“ ክብል። እቲ ተቓዋሚ ድማ „“ህዝቢ ነቒሑ‘ም በር“ ክብል ኣብ ክልተ ተገሚዕና ንበኽየሉ ድኣ ሕጂ እንድዩ። ብኽያት ጥራይ ድማ ኣይምኾነን። ኩሉ ግዜ መንግስቲ ተካእቲ ሰበ-ስ ልጣናት ኣብ ውሽጡ ኢዩ ዘፍርዮም። ብሓደ ኮይኖም ክሰርሕዎ ዝጸንሑ ሓጥያት ክወናጀሉሉ ይጸንሒ‘ሞ ሓዲኦም እዋናውን ገስጋ ስን ሓሳብ ሒዙ ይዕብልል። ክሳብ ዝኾነ ዝኸውን ግን ኩሉኹም ሰበ-ስልጣናት ብፍላይ ህግደፍ፡ ሃገር ብህልኽ ስለዘይትመሓደር ፈቲኹም ጸሊእኩም ብዘይ ገለ ሸፈጥ ስልጣን ናብ ህዝቢ ከተሰጋግርዎ እንተዘይክኢልኩም፡ ዝተባህለ እንተተባህለ ዝተመደረ እን ተተመደረ ካብተን ሕጊ ቅዋም መንግስቲ ዝጥሕሳ ሃገራት ፈሊኻ ክርአ ስለዘይከኣል ግዜ ዝጠለቦ መስዋእቲ ትሕተቱ ኣለኹምኣን ታ ውጽዕ ህዝቢ ድማ ገና ንብዙሕ ፈተነታት ትዳሎ ኣለኻ። ሕጂ‘ውን ክትሕቆን እንተተደልዩ ስድራ ስዉኣት ምርዳእ፡ ህሉዋት ምጥ ያስ፡ ዶብ ምሕንጻጽ ኩሉ ዋጋዕዳጋ ከድልዮ ይኽእል ኢዩ። ዝኾነ እንተኾነ ግና ዓመጽ ካብ ዓመጹ ስለዘይሓልፎ ንሃገራዊ ሓድነትካ ከም ቀዳማይ ታሪኽካ፡ ታሪኽ  50ታት ዘክር። ብደረጃ ንቕሓትካ ንዝመጻደቑ ባይታ ኣይትሃብ። ዘይወግሕ ለይቲ ስለዘየለ፡ ኣብ ባ ኹራ ትሓርኣሉ ምኽንያት የለን።

ጸጽቡቑ ኣስማዓና ! ዎድሓንኩም።

ተስፋሚካኤል (ወዲ-ጥሮታ)

ማ.ስ. ኩ.ተ.ኤ.

ቀስተ-ደበና ረቡዕ 18 ሓምለ 2001

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...