ኣብ ከተማ ኦታዋ ካናዳ፡ ገለ ካብ ታቦት ዮሃንስ መጥምቅ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኤርትራ ተፈንጭሎም ዝወጹ ጉጂለ፡ ብስም ቅዱስ ጴጥሮስ ኢሎም ነብሶም ዘጠመቁ፡ ብፖሊቲከኛታት ዝተሸሙ ጳጳሳት ካብ ሕቡራት ሃገራት ኣመሪካ ናብ  ከተማ ኦታዋ ብምዕዳም ብምስምስ ሓድነት ናይ ቤተ-ክርስትያን ኣኼባኦም ኣካይዶም። እቲ ኣኼባ ልክዕ ሰዓት ሓደ ድ.ቀ. ዝጀመረ ክሳብ ሰዓት

ሸሞንተ ድ. ቀ. ዝተባለ፡ ኩሉ ኣኼባኦምን እኽለማዮምን ኣብ ሰዓት ሸውዓተ  ኣጋ-ምሸት ክድምድሙ ተገዲዶም።

ሕመረት ጸብጻብ ናይ ’ቲ ዘይ ቅዱስ ዋዕላ ልክዕ ክብገስ ከሎ ዝፈሸለ ኣብ ውጺእቱ መእተዊ ኣይብሉ-መውጺኢ ካብ ዝኾነ ይኹን  ስነምግባራት እዚዩ ዝረሓቀ፡ ካብ መንፈሳዊ ትሕዝቶ ዝኾነ ምትእስሳር ዘይብሉ ጥራሕ ዝበልናኩም ስምዑ፡ ዝኣዘዝናኩም ግበሩ ዝዓይነቱ ኮይኑ፡ ካብ ላዕላዋይ ልኡኹ ኣዛዚ ኣይተ ኢሳያስ ዝመጸ  ክመስል እዩ ትእዛዙ ኣማሓላሊፉ ነቲ ኣኬባ ዓጽዩዎ። ዋላ ተሳተፍቲ ኣኼባ ዝሓተትዎ ብተግሳጽ እምበር ብትሕትና ኣይመለሱን።

ኣብዚ ህሞት እዚ እዩ እምብኣር ገለ በዳሂን ምስ ስሚዒት ናይ ሕልናኻ ዚፈታተን ውሳኔታት ከሕልፍ ኪጅምር ከሎ ገለ ኣባላ ናይታ ሕጋዊት ቤተክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ናይ ዮሃንስ መጥምቕ፡ ተንሲኦም ዕቃቤታቶምን ተቃዉሞኦምን ከስምዑ ዝጀመሩ።

እቲ ናይ ረሲዐ ረሲዓን ልኡኽ ጳጳስ ከምኡ ጉጂለ ናይ ብስም ቅዱስ ጴጥሮስ  ዝፍለጡ ብሙዃን ነቶም ብግቡእ ንነብሳተ-ክርስቲያናት ንዝመርሑ ዘለዉ ቅዱስ ኣባት ነብሲ ኣባ ሓይልኣብ ቆሞስ ናይ ቅዱስ ዮሃንስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ኤርትራ ኣብ ኦታዋ፡ ከይ ሓፈሩ ዉጉዝ ቀሺ ኢዮም ብምባል፡ ወረቀት መዚዞም ናኣኼበኛታት ኣንቢቦምሎም። ቀጺሎም ውን ኣብዚ ታቦት ናይ ቅዱስ ዮሃንስ ኬድኩም መስዋእቲ ቅዳሴ ምስትካፈሉ ካብ ሎሚ ጀሚርኩም ዉጉዛት ኢኹም ክብሉ ነቶም መእመናን ናይ ቅዱስ ዮሃንስ ኣብቲ ኣኼባ ንዝተካፈሉ ከቢድ መጠንቀቅታ ሂቦም።

ገለ ኣባላት ናይ ቅዱስ ዮሃንስ ተንሲኦም ኣይተፈራርሑና ፡ ጽቕጠት ኣይትግበሩልና ዝብል መልሲ እኳ እንተሃቡ ተቐባልነት ኣይረኸቡን።

እስኪ ንውጋዜ ዝምልከ ገለ ሕቶታት ከነልዕል!

ካብ ቤተክርስቲያን ምውጋዝ ወይ ውጋዜ ማሌት እንታይ ማሌት እዩ?

ብመጀመርያ ዝኾነ መራሒ ካብ ቤተክርስቲኣይ ንኽውገዝ ሕጊ ናይ ቤተ-ክርስቲያን ክጥሕስ ኣሎዎ ወይ ሃይማኖቱ ክቅይር ኣሎዎ። እዚ ምስዝገብር ጥራሕ እዩ ተወጊዝካ ኢኻ ክብሃል ዝኽእል ንሓደ መራሕ ቤተክርስቲያ ወይ ዉን ዝኾነ ኣማኒ ክርስትና። ኣነ ዝኣመንኩዎ ናይ ፖሊቲካ ጸግዕነት ዘይኣመንካ ተባሂሉ ኣብ ከምዚ ዓይነት ፈታኒ ናይ ሂወት ፈተነ ምፍትታን በሓቂ ምልክት ናይ መናፍቓንን ረሲኣንን እዩ እሞ ካብ ከምዚ ነገር ምቅንጃው ምጥንቃቕ ንነብስና ድሕነት ምዃኑ ነገንዝብ።  ፖሊቲካን ሃይማኖትን ሓቢሩ ክሰርሕ ኣይክእልን እዩ። ልክዕ ’ዩ ቀሺ ወይ መራሕ ቤተክርስቲያን ፖሎቲካ ክዛረብ መሰሉ እዩ። ዝኾነ መራሕ ሃይማኖት ናይ ፖሎቲካ ጸግዒ ክሕዝ ግን ፍጹም ሕጋውነት የብሉን።

ስለዚ ጳጳስ ናይ ሕቡራት ኣመሪካ እምባር ነዚ ኣምር እዚ ስሒቱ ድልየት ናይ መንግስቲ ኤርትራ ወይ ናይ ኣተ ይፍታሕ ዲጴጥሮስ ንምርዋይ እዩ ክጎዪ ዝውዕለ ወይ ዝርአ ዘሎ።

ኩሉ ብዝምስክሮ፡ ኣባ ሓይልኣብ ሓወርያታዊ ምስክርነቶም ኣብ ህዝቦም  ጥራሕ ዘይኮነ ንኣብ ከባቢና ንዘለዉ ህብረተ-ሰብ ኣዚዮም መሳጢ ኣቦ ኮይኖም ብዘይፍርሒ ሓቂ ስለ ዘስተምሃሩ ዉጉዝ ኢዮም ክብሃሉ እኳ ልክዑ ዝሓለፈ ብድዔ ጥራሕ ተባሂሉ እዩ ዝሕለፍ።

ደሓርከ ክውገዝ ዘለዎ ናይ መንፈስ መራሒ ይኹን መሕደር ቤተክርስቲያ እንታይ ምስ ዝገብር እዩ? መን እዩ ኸ ንኽውግዝ ሕጋውነት ዘለዎ?

እምብኣርከስ ኣዕሚቕና ንኽንግንዘብ መንዩ ወጋዚ መንዩኸ ተወጋዚ ንዝኾነ መራሕ መንፈስ ይኹን መራሕ ቤተ-ክርስቲን ናይ ምውጋዝ ሕጋውነት ዘለዎኽ መን’ዩ ኢልና ኣርሒቕና ንኽንርእን ገለ ሕግታት ናይ ቤተክርስቲያን መጽናዕቲ ምግባር ከድልየና እዩ።

ንሓደ ካህን ወይ ጳጳስ ንኽውገዝ ከምቲ ኣቀዲምና ዝበልናዮ  ሕጋውነት ናይ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ምስ ዘፍርስ ጥራሕ እዩ። ካብዚ ወጻኢ ግን ናይ ውሽጥኻ ቂምታን ስሚዒትን ንምርዋይ ኢንተዝይኮይኑ ወላሓንቲ መሰረታዊ ሕጋውነት የብሉን። ዝኾነ ሰብ ኣብሊዕሊ ዝኾነ ፖሎቲካ ይኹን ወይ ጸግዒ ዘይተኸተልካ ተባሂሉ ክሳብ ናይ ምዉጋዝ ስልጣን ክህልዎ ፍጹም ኣይግባእን።እቲ ክውግዝ ስልጣን ዘሎዎ ከኣ እቲ ሕጊ ዘኽብርን ናይ ማንም ፖሎቲካ ጸግዒ ዘይክተልን ወይ ዘይብሉን ንሕጊ ቤተክርስቲያን ብግቡእ ዘኽብርን ዝግዛእን ጥራሕ እዩ ናይ ምውጋዝን ናይ ካልእ ቅጽዓትን ናይ ምሃብ ስልጣን ክህልዎ ዝኽእል።

እሞ እዚ እንተኮይኑ ቲ ኣጋባብ ቤተክርስቲያን ፡ጥፍኣት ናይ ብጹእ ኣቦና ሓይልኣብ ብምንታይ መለክዒ ኢዮም ብዘይካ ሓደ ሕፍረት ኣብመድርኽ መናፍቃን ኮይኖም ንቅዱስ ካህን ከምዚ ዓይነት ውሳኔ ክውሱኑሎም ዝወዓሉ? እዚ ነቶም ኣብኡ ንዝነበሩ ሰማዕቲ ንኽምልሱዎ ንገድፎ።

ሓድ ሓቂ ግን ኣሎ፡ ንጹህ መራሕ ሃይማኖት ናይ ክርስትና ኣባ ሓይላብ ብሕጊ ተመሪሖም ስለ ዝኸዱ፡ ከምኣታቶም ካብ መንፈስ ወጺኦም ኣብ ስርዓት ይፍታሕ ዲጴጥሮስ ስለ ዘይተምበርከኹ እንተኾይኑ፡ ካብ ሕጊ ቤተክርስቲያን ወጻኢ ስለ ዝኾነ ፍጹም ኣይክውዕልዎን ኢዮም። ከም ሓቀኛ መራሒ ቤተክርስቲያን መጠን ኸኣ ከምዚ ዓይነት ገደቡ ዝሓለፎ ናይ ብድዔ ካብ ኣጋባ ኣዚዩ ዝረሓቐ ቅጽዓት ንዓኦም ኣይምልከትን ኢዩ።

ብኣንጻሩ ግን እቶም ክውገዙ ዝነበሮም ጳጳሳትን ኻህናትን ዲያቆናትን ከምኡ መናፍቓን መእመናንን ናይቲ ጉጂለ እዮም ።

ኣብ ሕምብርቲ ስርዓት ህግደፍ ዝነብር ኣብ ሲኦላዊ ጐደና ዝጉዓዝ፡ ንቅዱሳንን ንቡጽዓንን ናይ ሂወት ፈተነ ካብ ምሃብ ኣይክቑጠብን  እዩ :ናይ ወትሩ ስርሑ ስለ ዝኾነ። እምብኣርከስ ንክቡር ኣቦ ቀሺ ሓይልኣብ ኮኒናዮ ዝብል ንኽንሰምዕ ክሕድሰና ኣይግባእን። ካብ ኩኑናት ኩኔኔ ጥራሕ ኢና ንጽበ። ከምቲ ቁዱሳን ኣብ ዘለኣለማዊ ሂወት ክትነብር ዝደልዩኻ ፡ ሰይጣን ከኣ ናቱ ግዙእ ንኽገብረካ ዘይሕለል ጻዕሪ እዩ ዝገብር እሞ፡ እዚ ኣኼባዚ ካብ ሰይጣናዊ ስራሓት ዝወጸ ኣይነበረን እሞ፡ ካብ ከምዚ ዓይነት ስሕታን ንጠንቀቕ።  ኣባ ሓይልኣብ፡ ነዞም ኩኑናት ብተግባሮም ኣይኩኑንዎምን ከመይ ንኩኑናት ናብ መንገዲ ሂወት ንኽመልሱ ስለ ዝኾነ እቲ ጻዕሮም፡ በኣንጻሩ ግን ኩኑን ይኹንነካ ከምዝብሃል እቶም ኩኑናት ነዞም ንጹህ መብራህቲ ሂወት ወረቐቶም መዚዞም ንክኹኑንዎም ግዜ ኣይወሰዱን።

እቲ ሓቂ ግን፡ ኣባ ሓይልኣብ ኣብ ቅዱስ ሂወት ዝመላለሱ ብጹእ ካህን ስለ ዝኾኑ፡ ሓቀኛ ምስክርነቶም ብዘይ ቃልዓለምን ፍርሒን ንምእመናኖም ዝምህሩ ሓቂ ተቐኒቶም ዝነብሩ፡ ምእዙዝን እሙንን ካህን ስለ ዝኾኑ ብስጋዊ ብሊጭሊጭ ዘይታለሉ ንእሙን መራሒኦም ስለ ዘይ ከሓዱ ፡ ተኣዛዝነቶም ብግቡእ ስለ ዘመስከሩ፡ ከምኡውን ግዙእ ናይ ፍትወተ ስጋ ስለዘይኮኑ፡ ብኸምዚ ዓይነት ብድዐ ክግዘቱ ክትርኢ ቁኑዕ ኣይኮነን።  እዚ ኦም ኣቦ ዚኦም እምብኣር ልክዕ ኣብ ወንጌል ማቲዮዎስ ከም ዝምህረና  ኢየሱስ ኣብቲ ዓቢ እምባ ደይቡ ንደቂ መዛምርቱ ከምዚሉ ክምሀሮም ከሎ፡ “ ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም መኣዲ ብዘይ ጨው እንተበላዕካዮ መቐረት የብሉን ተጓሒፉ ከኣ ይድርበ ከም ዝበሎም ” ስለዚ ንመእመናኖም መቐረት ንዝኾኑ ቅዱስ ካህን ብኽብሪ መሓዝ ደኣምበር፡ ከምዚ ዓይነት ግፍዒ ዘድሊ ኣይመስለናን።  ኣባ ሓይለኣብ፡ ልክዕ ከምቲ ቁዱስ ወንጌልና ዝምህረና መብራህቲኹም ኣብ ክብ ዝበለ ኾይኑ ይብራህ፡ “ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀመዛምርቱ ከምዝበሎም ፡ ንስኻትኩም ብርሃን ቀንዴል ኢኹም መብራህትኹም ኣብ ክብ ዝበለ በሪኽ እንተቀመጥክሞ ብርሃን ዘለኣለም ዪህብ ኣብ ቲሕቲ ከፈር እንተዕበጥክሞ ግን ጭልምልም ኢሉ ይጠፍ” ከምዝበሎም፡ ንስኻትኩም ከኣ ኣቱም መእመናን ናይ ቅዱስ ዮሃን ቅድስቲ ቤተክርስትያን ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ኤርትራ፡ ነዞም መብራህቲ ቀንዴል ንዝኾኑ ኣቦኹም ሓሉዉዎም፡ ማይ እንተፈሲሱ ኣይሕፈስን ኢዩ ሞ ኣብጣዕሳ ከይትኣትዉ።

ኣብ መጨርሻ ዝኾነ ኣማኒ ክርስትና ቃሉ ሓንቲ ጥራይ እያ ክትከውን ዘሎዋ፡ ነቲ እው እወ ንበል ነቲ እይኮነን ኣይኮነን ንበል ሓሪርና ከይንቅህም። ንምስክርነት ብቁዓት ንኹን። ብሕልናና ከኣ ንገዛእ።

ኩሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ንቕድስቲ ቤተክርስቲያና ጽላሉ ይሃባ።

 

ካብ ግዱሳት ኣባላት ቅዱስ ዮሃንስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ኤርትራ ኦታዋ ካናዳ!!!

August 10, 2013


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...