ማሕበር ምትሕግጋዝ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝን መሻርኽቱን፡ “ህይወት ስደተኛታት ንምቕያር ዘዝከኣለና ነበርክት!” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ትማሊ 16ን ሎሚ 17ን ነሓሰ ኣብ ኣደራሽ ኣምኒስት ኢንተርናሺናል ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ተጋቢኡ።

 

እቲ ዋዕላ፡ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ንዝርከቡ ሓተት’ቲ ዑቕባ ብሓፈሻ ብፍላይ ከኣ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ጉዳይ ጥዕናን መንብሮን፡ ትምህርትን ሽቕለትን፡ ከምኡን መንብሮን ስነ-አእሙራዊ ጉድለትን ንዘጋጥሞም ጸገማት መጽናዕታዊ ዳህሳስ ብምክያድ፡ ኣድላይ ዘበለ ሓገዛት ንምብርካት ዝዓለመ ኢዩ ነይሩ።

 

ከምኡውን ኣብቲ ኣስታት 85 ሽሕ ኤርራውያን ስደተኛታት ዝርከቡዎ ኣርባዕተ መዓስከራት ኢትዮጵያን ክንድኦም ዝኾኑ ኣብ ሸገራብ ሱዳን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንዘጋጥሞም ዘሎ ሕጽረት መሰረታዊ ቀረብ ማይን መግብን መጽለልን፡ ትምህርትን ሕክምናን ንምፍታሕ ምንገዲ ኪናደ ምሕጽንታ ኣቕሪቡ።

 

ልዕሊ ኹሉ ግን እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያንን ካልኦት ዜጋታትን፡ ኣብ ሲናይ ብበደዌን ዝካየድ ዘሎ ንኽትኣምኖ ዘጸግም ኣዚዩ ዘስካሕክሕ ግፍዕን ጭካኔን መግትኢ ኪግበሮን ኩሉ ዝከኣሎ ዘበለ ድምጹን ሓይሉን ኣወሃሂዱ ንዝምልከቶም መንግስታትን ማሕበረ-ሰብ ዓለምን ኣቤቱታኡ ብምቕራብ ኪገጥሞን መዓልቦ ኪገብረሉን ዝጽውዕ ከቢድ ምሕጽንታ ቐሪቡ።

 

ኣብቲ ዋዕላ መራሕትን ኣባላትን ኤርትራውያን ኮሚኒዩቲ ወከልቲ ኣህጉራውያን ማሕበራትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ማሕበራት ተደናገጽቲ ስደተኛታት፡ ኤርትራውያን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ጋዜጠኛታትን ጸሓፍትን ተሳቲፎሙዎ።

 

ኣብቲ ቐዳማይ መዓልቲ ኣቶ ሰሎሞን ዮሃንስ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ትምህርትን ሽቕለትን ኣብ ኣገልግሎት ጥዕናን ኣባይትን ንዘጋጥሞም ሕጽረታት ዝድህስስ ኣፈናዊ መጽናዕቲ ብምቕራብ ሓፈሻዊ ስእሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት እንታይ ከምዝመስል ነተጋብእቲ ኣቕሪቡ፤ ከምኡውን ሶማላዊ ዶክተር ዓብዱላሂ ፊዶ ሶማላውያን ስደተኛታት  አሕዋት ኣብ ስነኣእሙራዊ ኩነታት ጥዕና ዘጋጥሞም ብደሆን፡ ሓፈሻዊ ኣሰራርሓ ሃገራዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዓዲ ኢንግልዝ ብዘዕግብን ኣዚዩ መሃርን ብዝኾነ መገዲ ኣቕሪቡ። ድሕርዚ ጓል 18 ዓመት ተማሃሪት መንእሰይ ሩት ሳሙኤል፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሲናይ ብበደዌን ንዘጋጥሞ ስእልን ቪድዮን ድሕሪ ምርኣይ ዝተሰመዓ ልባዊ ጓሂ ብምግላጽ፡ “ኣውያት ሲናይ እናሰማዕና ከነጽቅጥ ኣይግባእን’ዩ” ብምባል ኩላትና ዜጋታት ነዚ ባርባራዊ ግፍዒ ጠጠው ንኸነብል ዝከኣለና ኪንጽዕር ዝጽውዕ ጽሑፍ ኣቕሪባ።

 

ካብኡ ቐጺላ እታ ኣርኣያን ኣብነትን ኤርትራዊ ኒሕ ዝኾነት ዶክተር ኣልጋነሽ ፍስሓ ጋንዲ፡ ኣብ በረኻታት ሲናይ ብኣካል በጺሓ ንዝሰነደቶ ልዕሊ ቓላት ዝዛረብ ኣረሜናዊ ጭካነ በደዌንን ዘስካሕክሕ ስቓይን ግፍዕን ኤርትራውይናን ብስእሊ ብምስናይ ንኤርትራውይና አሕዋት ዝወርዶም ዘሎ ዘይጽወር በደል ኣቃሊዓ።

እቲ ብዝመክኽ ፕላሲቲክ ዝተሞሽሎቐ ሰብነት፣ እቲ ብዝረሰነ ሓጺን ዝተጠብሰ ቆርበት፤ እቲ ብካራሩ ዝተጎየሐ ኣካላት፣ እቲ ደም ዝዛሪ ኣቑሳል አሕዋትናን ኣሓትናን እቲ ከብዲ ዝጾሮ፡ ዝወረዶ ዝሰትሮ ወይ ዝነግሮ ዘኢይትነገር ትንግርቲ ካብ ነዕንቲ ንልቢ ተሳተፍቲ ዘንበዐ ሰነድ ዶክተር ኣልጋነሽ ሓቢርና ኪንዓምም ሰሚርና ኪንገጥም ጸዊዑ።

ድሕሪኡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ማይክ ቶምሰን ፈጻሚ ዳይረክተር ምውህሃድ ስደተኛታት ኣብ ረፊዩጂ ካውንስል ኣቶ ፋዚል ከዋኒ ፎቶ ጆርናሊስት ለይላ ሰጋል ኣወሃሃዲ ማሕበር ምትሕግጋዝ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝን ኣቶ ጳውሎስ በዓታይ ናይ ዩኤንኤችሲኣር ላዕለዎይቲ ሕጋዊት ኦፊሰር ወይዘሪ ኤልሳቤጥ ሚፕይሲ ከምኡውን ዳይረክተር ረሊዝ ኤርትራ ወ/ሮ ሰላም ኪዳነ ወረቓቕቶም ብምቕራብ  ብኣላይነት ነናይ መድረኹ ኣለይቲ ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረበሎም ሕቶታት መሊሶም።

 

ሎሚ ቐዳም 17 ነሓሰ ከኣ ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ንዝርከባ ማሕበራት ረድኤት ዘጋጥመን ዘሎ ብደሆታት ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ቢርክቤክ ኮለጅ ዝምህር ዶክተር ሞክኑን ገማለዲን ኣሻሚ ከምኡውን ባህሊ እንካን ሃባን ኣብ ሶኣስ ዩኒቨርስቲ ለንደን ብዝምህር ኣቶ ብርሃነ ወልደገብርኤል ድሕሪ ምቕራብ ኤርትራውይና ተጋባእቲ ዘተን ክትዕን ብምክያድ ንመጻኢ እንታይ ኪግበር ከምዝከኣል ብምዝታይ እማመታት ኪቐርብ ኢዩ።


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...