ኣብ መሰልን ፍትሕን ዘለዎ ሃገር

ክትፈርሑዎ ነዚ ስርዓተ ዱሑር

ሊቀ መምበር ብሓሶት ዘዳናግር

20 ዓመት መብጽዓ ንዘይትግበር

ኣይትእመኑዎም ንገጅለ ፈገራግር

 

ስረኻ ዕጠቆ ጎበዝ ኤሪትራዊ

ክሳብ ምዓስ ተሓቢእካ ከተኢዊ

ከም ጓና ኣይትኹን ከም ባዕዳዊ

ይኣክል ፍርሒ ኣይትኹን ጀጃዊ

ሓዲኡ ምረጽ ከይትበሃል ኣዕናዊ

 

ንጠፍ ተሓባበር ምስ ተቓለስቲ

ዝዕዘቡ በዚሖም ሕቡኣን ፈለስቲ

ንድኽመቶም ክሽፍኑ ኣመኽነይቲ

ውድባት ኣይሰርሓን ኣለዋ በሃልቲ

ስዓቢ ተረኸቡ ከምኣቶም ሃደምቲ

 

ብህግደፍ ሪዒዶም ደሞም ተመጽዩ

መሰኪን የሕዝኑኻ እናበኸዩ ዝፋጽዩ

ክስዕስዑ ደም እናጠዓሞም ዝቋጻጸዩ

ከይብሉኒ ክብሉ ሓንጎሎም ዝተሃስዩ

ምስ ዝተጠላቓዩ ብህዝቦም ዝዋዘዩ

 

ሰሪሐን ኣይ ሰሪሐን ታይገደሶም

ከይተዋስኡ ክዋራዘዩ መሕነኾም

ሰባት ዘቃልሉ ኣብ ክንደይ ንሶም

ኣብ ውሻጠ ዝሕብኡ ኣመኽንዮም

ንዱኹማ ፍጥረት ዋጋይትሃብዎም

 

ካብዚኦምሲ ደገፍቲ ህግደፍ ይሕሹ

ዝኣመንሉ ሓቂ መሲሉዎም ዝቃለሱ

ክሳብ ዝነቕሑ ናብ ነብሶም ዝምለሱ

ንሕና ናትካ ንስኻ ናትና ናሉዝውድሱ

ህግደፍ ክሳብ ዝጠፍእ ክሳብ ዝፍደሱ

 

ሰብ ማዕዶኸ እንታዩ ኣበርክቶኹም

ብዘይካ ሕሜታ ሕሹኽ ተሓቢእኩም

ኣናብስ ውሻጠ ኣናብር ገደና ዲኹም?

ኣበይና ዘለናልኩም ፈትሹ ነብስኹም

ምረት ህዘብኹም ጎሊሑ ክረአየኩም

 

ካብ ፍርሒ ክትላቐቑ ጀጋኑ ክትኮኑ

ምስ ህዝብኹም ደው በሉ ኣብ ጎኑ

ብሕልና ተበገሱ ራህርሁ ኣይትጨክኑ

ክፉእ ናረኹም ክሳድኩም ኣይተድነኑ

ጸኒታያ ሃገር ብህዝብኹም ከይትኹነኑ

 

ይኣክል ብህዝብን ብሃገርን ምጽዋት

ጸወታ ይጽናሓልና ክሳብ ግዜ ዓወት

ነድሕኖ ብሓባር ዝጸንት ዘሎ ህይወት

ብእዋኑ ህግደፍ ከይወሓጣ ዛመሬት

ከይትኸውን ኤርትራ ከምዘይ ነበረት

 

ኤረና ኩሑሎ ሎም ዘመን ሓዲኡሎ

 

ተስፋማርያም ወ/ጊዮርጊስ

09/08/2013 Norway

 

 


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...