ኣብ ዝሓለፈ 4ይ ክፋል ጽሑፍ ሰነዳት ቢተወደድ ኣብርሃ ኣብ ዘቕረብናሉ ግዜ እታ ክፋል መወዳእታ ናይታ ሰነድ  ምንባራ ሓቢርና ኔርና። ስዒቡ ካብ ዝመጸና ርኢቶታት (ከምኣድላይነቱ ክንምለሶ ይካአል ኢዩ) ናቱ ተወሳኺ ወይ ድማ ናይ ካልኦት ሰነዳት እንተኣል ዩ ከነቕርብ ዘተባብዕ ነይሩ። ገለ‘ውን “ተግባር‘ዩ ተሳኢኑ‘ምበር ጥረ-ነገር ድኣ በዚሑ‘ዃ“ ዝብል‘ውን ነይሩ።

ብቐዳምነት ነቶም ወሃብቲ ርኢቶ እናመጎስና ብምቕጻል ብመሰረቱ ናይ መወዳእታ ሰነዳት ቢተው ማለትና ከምዘይነበረ ከነብርህ ን ፈቱ። ኣበሃህላናስ ነቲ ከነቕርቦ ዝመረጽና ብፍላይ ንዓሰብ ዝምልከት ማለትና ጥራይ ምንባሩ። ብዝተረፈ ከመይን መዓስን ይቐርቡ ማለት እንተዘይኮይኑ ሰነዳት ድኣ መዓስ መወዳእታ ኣልይዎ። ሂወት ንርእሳ ህያው ሰነድ እንዳኣላ። ንጥፈታት ሂወት ብኣፍ ብርዒ ክ ግለጽ እንከሎ ድማ ሰነዳት ሂወት ይኾነልና። ዑደት ሂወት ከኣ ኩሉ ግዜ ካብን ናብን መሬት ይመላልስ። ኤርትራዊት መሬት!!

ብዛዕባ ኤርትራዊት መሬት እንተኣልዒልና ጉዳይ ሃገርን ሃገራውነትን ንዛረብ ኣለና ማለት ኢዩ። እቲ መስርሕ ብሙሉኡ “ገድሊ“ ክስ መ ይካአል። ኣብ መስርሕ ገድሊ እቲ ቀንዲ ተዋሳኣይ (ብዕጥቂ ይኹን ብሰላም) “ተጋዳላይ“ ከምዝጽዋዕ‘ውን ኩልና ንርድኦ ኢና። ስለዚ ኢዩ ተጋዳላይ ንርእሱ ከምሰነድ ገድሊ ዝምሰል። ራኢታት ቢተው እምባአር ሓደ ኣካል ካብቲ ንጥፈታት ገድሊ ኢዩ።

ሰነዳት ገድሊ ማእለያ የብሉን። ኩሎም ድማ ንጽቡቕናን  ሕማቕናን ዘዘንትዉ ሰነዳትና ክኾኑ ግድን ኢዩ። ሂወት ኩሉ ነገር ኢያ ማ ለተይ ኢየ። እንተኾነስ ካብ ሰናይ ምንዮት ጥራይ ብምብጋስ ብዛዕባ ኣዎንታውነት ሰውራ ኤርትራ ጥራይ ክዝንቶን ክስነድን ዝዓይነ ቱ ጉድለት ይርአ ኢዩ። ካብ ከምኡ ዝተበገሰ ንኣብነት ህ.ግምባር ከምዛዛሚት ዓወት ኤርትራ መጠን ክሳብ ሎሚ ‘ጭራሽ ቅብእቲ‘ ዝሓስቡዋ ኣለዉ። ከምኡ ድማ ኣብ ህ.ግምባር ጽቡቕ ዝበሃል ጭራሽ ከምዘይነበረን ተገብረን ኣምሲልካ ዕንደራ ኣሎ። ዝኾነ ኮይኑ ኩሉ ታሪኽ ምስታ መሬት ኣሎ። ክሳብ ናጽነት ብዛዕባ ‘ይካኣሎ‘ እንተተዘንትዩን ብዓወት ስለዝተዛዘመ ተሳዕሲኦዑን፡  ድሕሪ ናጻነት ድማ መድረኽ ‘ዋርሳይ‘ ስዒቡ መወዳእታ ዘይብሉ ቅያታት ተራእዩ። ዘሕዝን ነገር መወዳእታ ታሪኽና “እዚ‘ውን ይሓልፍ“ ዝብል ሰነዳት ቅዝፈት ኮይኑ ምትራፉ ኢዩ።

ታሪኽ ብኣፍን ብጽሑፍን ክስነድ ይካአል። ብምቕጻል ድማ ታሪኽ ብዝወዓለ ክትረኽ ዝበልጽ ይመስለኒ። ምኽንያቱ ከም ናይ ኣዒ ንቲ ምስክር ዝመስልዎ ስለዘየለ። ብኣንጻረይ “ታሪኽ ብሞንጎኛታት ምስዝፍጸም ኢዩ ሓቀኛ ዝኸውን“ ክበሃል ይከኣል። በቲ ሓደ ካ ብ ናጻ ሰባት ናጻ ታሪኽ ክስነድ ዝሓለነ ይኸውን። በቲ ካልእ ትርጉም ናይታ ‘ታሪኽ‘ ትብል ቃል ተፈላሊና ንኸውን። ዝኾነ እንተኾ ነ ታሪኽ ብፈጸምቱ ጥራይ ኢዩ ዝምዕርግን ነባርነት ዝረክብን። እቲ ጸገም ኣብርእሲ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ዝወርድ ዓገብ ኢዩ። ዓለ ም ታሪኽ ንምብራስ ዝግበር ቅዝፈት ኣኮማሲዓቶ ኣላ። ኣብ ስራሕ ወፊሮም ገዛ ከይተመልሱ ልቦም ዝሰተኾቶም፡ ድሕሪ ዝሰተይዎ ወይ ዝበልዕዎ ነገር ዝተዋልኡ፡ ካብ ምድቃሶም ዘይተንስኡ፡..........፡ ገና ገና። ነገር ሰነድ ካብተላዕለ ማለተይ ኢየ።

እናሓንሳእ ንዘይምስማዕ ዝበሃገሉ እዋን ኣርኪብና። እተን ኣእዛን ዝሰምዐዖ ጽቡቕ ስለዘይብለን ብዓርባዕተ ህዋስ ምንባርከ እንታይ በሃላይ ምስማዕ ይትረፈን“ ዘብል እዋን። ደምበ ቤላቤሎ “ናይዚ ኩሉ እኪት ፈጸምቲ ኣወቲስታ ኢዮም“ ክትብል እንተሰሚዕካ ሓን ቲ እዝንኻ ምሕታም። “ዋእ ንሱ ድኣ ሰበይቱ ነስኒሳትሉ ኢዩ ዝበሃል“ ክትሰምዕ ክልተ ኣእዛንካ ምልዃት ንቡር ኾይኑ። እሞ ድማ ካብ ምስማዕ ዘየናግፍ ክንሱ ማለተይ ኢዩ። ቀደም ኣብ ሃገርና ዛንታ ሓሞት ሓርማዝ‘ዃ እንተነበረና ብፈውሲ ትጠፍእ ሂወት ኣይነ በረትን። አ......እ፡ ዝንተ ሎሚ ይስተር! ነገር ሰነድ ካብተላዕለ ክንደይ ኣሎ.....።

እዞም ኩሎም ውልቀ-ሰነዳት ተሰኒዶም ሃገራዊ ታሪኽ ክኾኑልና ኢዮም። እቲ ጸገም ንግዚኡስ እታ ሓቂ ክትቀብር ድግድጊት ተዓጢ ቓ ተውደኽድኽ ዘላ ህግደፍ ክሳብ ዘላ፡ ብዘይካ ሰልፋዊ፡ (ሰልፊ ህግደፍ) ሃገራዊ  ዝበሃል ነገር ከምዘይሕሰብ ግሁድ ኢዩ። እቲ ነ ዚ ዝፈለጠ ተጋዳላይ ግን ክሳብሕጂ ኣይደቀሰን። ካብ በረኻኡ፡ ብፍላይ ድማ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኣትሒዙ ብዘርኣዮ ተቓውሞ ንርእ ሱ ግዳይ ናይታ ዝፋን ዘዕተራ ሰልፊ ኮይኑ ምህላዉ ከኣ ጋህዲ ኢዩ። ማለተይ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ርእሲ ተጋደልቲ ዝተፈጸመ ግፍዒ ዘይፈልጥ የብልናን። ዝኾነ ኮይኑ ክንዲ ንውንኖ ወይድማ ክንዲ ንፈልጦ ክንዛረብ ዘይምቁር‘ዃ እንተኾነ፡ ነቲ ድሮ ዝቐረበ ከምንመ ወራረዲ ዝኣክል ገለ ካብኡ ኣብ ጋዜጣ ወጺኡ ካብዝነበረ ንዝኽሪ ክኸውን ሰለስተ ሰነዳት ተጋደልቲ እንሆ።

ብደብዳበታት ጀነራል ዑቕበ ኣብራሃ ንጀምር፡-

ደብዳበ ቁ. 1፡-

ክቡር ፕረሲደንት፡-                                                                                                            ብመጀመርታ ሙሉእ ጥዕና እምነየልካ።                                                                                 ድሕሪ ነዊሕ ምውራድን ምድያብን ናይ ሓሳባት፡ ኣብ መወዳእታ ክነግረካ ከምዘለኒ ዝኣመንኩሉ ከካፍለካ  መዲበ እንሆ ክብሎ ናይ ዝደሊ ሓሳብ ኣቕርበልካ።                                                                                            እዞም ነጥብታት እዚኣቶም ከቕርብ እንከለኹ፡ ኣብ ልዕሌኻ ዘለኒ ኣኽብሮት ኣብ ቦታኡ እናሃለወ ኢዩ። ካባይ ጀሚርካ ኩሉ ኣብ ዝለዓለ ቦታ ናይ ሓላፍነት ዘሎ ዝዛረበሎምን ዝሓምየሎምን ንምዃኖም እናበኣሰ ይኸይድ ብምህላዉን፡ ነዚ ክ ቡር ህዝብናን ሃገርናን ድሕሪ‘ዚ ኩሉ መስዋእትን በደልን ኣደራዕን ናይ ጸላእቱ፡ ብሰላምን ብስኒትን ክነብር፡ ሕማቕ ናይ መራሕቱ ከይሰምዕ፡ መፍቶ ጸላእቲ ከይንኸውን ምእንቲ ንኩሉ ብዕቱብ ርኢኻ ፍታሕ ከምትገብረሉ እምነተይ ኢዩ። ድ ሕነት ሃገርና ብኩሉ መዳያቱ ክሕሎ ስለዘለዎ። እንታይ ኢዮም እቶም ኣርእስትታት ካብዚ ቀጺለ ብዝተጾምቀ መልክዕ ከ ቕርቦ ክፍትን ኢየ። ምናልባሽ ገለ ሰባት ካብዚ ንላዕሊ‘ውን ይዛረቡ ይኾኑ። እቶም መብዛሕትና ንሓምየሎም ኮይኖም ዝ ተሰምዑኒ ግን፡ በዞም ዝስዕቡ ዝጠቓለሉ ኮይኖም ይረአዩኒ።

  1. ብጻይ ኢሳያስ ጠባይ ቀይሩ፡ ከመቀደሙ ኣይኮነን።

-ንቀረባ መሳርሕቱ ምምኻር ገዲፍዎ።

-ብዘይካኡ ካልእ ነዚ ሃገር ዝሰርሓሉ ዘሎ ኣይመስሎን።

-በይናዊ ውሳኔ ምውሳድ ኣማዕቢሉ።

-ናይ ካቢነ ኣኼባ ንማለቱ ኢዩ........ወ.ዘ.ተ።

  1. ትካላዊ ኣሰራርሓ የለን።

-ንማለቱ ኢዩ ዝምደረሉ‘ምበር ብመንግስቲ ተቐባልነት የብሉን።

-ትካላት ብመደበን ኣይሰርሓን ምትእትታዉ ይበዝሐን።

-ምድራትን እንታይ ገደሰንን ተሓታትነት ዘይምውሳድን ኣጋዲዱ።

  1. ዘይንጹርነት ፖሊሲ፡

-ኣብ ዝተፈላለዩ ሜዳታት ነተአታትዎ ፖሊሲ ቀዋምነት ይስእን።

-ከምሳዕቤኑ ፈተውትናን ተሓባበርትናን የርሕቕ።

-ንኣውፈርቲ ርእሰ-ማል ኣየተባብዕን።

-ኣብ ዝምድናታት ስራሕ ዘይንጹርነትን ምድርራብን የኸትል።

  1. ቅዋማዊ ኣሰራርሓ ዘይምህላው፡

-ሃገራዊ ድሕነትን ሰብኣዊ ክብርን ብሕጋውን ቅዋማውን መገዲ ዘይምሓዝ።

-ስሩዕ ሕጊ ዝገዝኦ ኣሰራርሓ ዘይምህላው።

እዚኦም‘ቶም ቀንዲ ኮይኖም ዝተሰምዑኒ በዚ ንኸዶ ዘለና እንተኼድና ሕማቕ ሳዕቤን ክኽተል ስለዝኾነን ብሕሜታ ስለዘ ይፍታሕን ተራኺብና ክንፍውሶን ድሕነት ሃገርና ክንሕሉን ዘለና ኮይኑ ይስመዓኒ።

ብወገነይ ዘለኒ ርኢቶ፡-                                                                                                                  ሀ- ሽሕ‘ዃ ኣብ ካቢነ ወሪዱ ክዝረበሉ ሕጋውን ኩሉ ኣባል ካቢነ በቢመገዱ መምስ ዘቕርቦ ዝሓምየሉን እንተኾነ ብወገነ   ይ ብዙሕ ኢዩ ዘሰክፈኒ። ክሳብ ክንደይ ንምእራምን ንቕኑዕ ኣተሓሕዛን ዝደሊ ይህሉ ብኑጹር ስለዝፍለጥን እንተተወዓዊ ዑ ንረብሓ ሃገር ስለዘይጠቅምን።                                                                                           ለ.. ከምካልኣይ ኣማራጽን ዝሓሸ ኮይኑ ዝተሰማዓኒ ግዱሳት ዝበሃሉ ብፍላይ ገለ ካብቶም ናይ ቅድም ኣባላት ፖለቲካ ቤ ት-ጽሕፈት ዝነበሩ ተራኺብና እንተንዝትየሉ ኢየ ዝብል።                                                                      እዚ ሕቶታት‘ዚ ብኣገባብ እንተዘይተፈቲሑ ሳዕቤኑ ሕማቕ ክከውን ስለ እኽእል ዝኸበርካ ብጻይ እሰያስ፡ ርኢቶይ ከየዕበ ርካ ዝስማዓና ዘሎ ክትሰምዕን ፍታሕ ጌርና ከምቀደምና ብስኒት ክንቅጽልን ህዝብና ብሕጋውን ስሩዕን መገዲ መሪሕና ና ብ ዝሓሸ ዕብየት ክድይብ ክሳብ ዘለናን ንትካእን ክንጽዕር ምእንቲ ይሓይሽ ዝበልካዮ ኣገባብ ርኢኻ ፍታሕ ክትገብረሉ  እጽበ።                                                                                                                       እዚ ሕቶ‘ዚ ከቕርብ ከለኹ ኣብ ሕማቕ ግዜ ምህላውና እናተረዳኣኒ ኢየ። እዋን እንተበሊዑ ግን ኣሉታዊ ሳዕቤኑ ክዓዝዝ ን፡ ዝኸፍአ ሕማቕ ነገር ከስዕበልናን ኮይኑ ይራአየኒ ስለዘሎ ኢየ። ኣብዚ መበል ሓምሳ ዓመተይ ዝኣትወሉ ዘለኹ ሳምን ትን ብድሕሪኡን ሕሜታ ክሰምዕን ከስምዕን ስዘይደሊ ምቕራቡ መሪጸ።

ዓወት ንሓፋሽ!                                                                                                               ብጻይካ ዑቕበ ኣብረሃ

ደብዳበ ቁ. 2 ብ/ ዑቕበ።                                                                                                                      ምዉቕ ሰላምታ።                                                                                                                  ብዕለት 27/11/99 ዝጸሓፍካለይ ውልቃዊት መልእኽቲ ርእየያ። ምስ ኣንበብኩዋ፡ ሰገጥ ኣቢላትኒ። ህውኽ ኢለ መልሲ ከይህበላ ከኣ፡ ነብሰይ ክምርምር ይሓይሽ ብምባል፡ ነቶም ዘልዓልካዮም ጉዳያትን፡ ትካል-ብትካልን  ሰብ-ብሰብን ኣድ ቂቐ ምምርማር ይሕሸኒ ኢለ፡ ግዜ ወሲደ። ኣብ መወዳእታ ከኣ፡ ኩሉ ነገር ኣስደሚምኒ፡ ኣይተቐበልኩዎን።

1-ጠባይ ቀይሩ ዝበለ መነ ኢዩ? ካብ መዓስ‘ዩ ምቕያር ጠባይ መጺኡ? “ዘይምምኻር“ ኣብ እንታይን ምስ መንን መዓስን? “ብዘይኩኡ ዘሎ ኣይመስሎን“ ዝብል ዘለፋ ዋላ ስምዒታዊ እንተኾነ፡ ብኸመይ ብጭብጢ ክግለጽ ይከኣል? ናይ‘ዚ ኩሉ በሃልቲ መነመን‘ዮም?

2- “ትካላዊ ኣሰራርሓ የለን“ ኣበየናይ ትካል ወይ ትካላት? ብኸመይ? “ትካላት ምትእትታው ኣይበዝሐን“ ኣየኖት ትካላ ት? መዓስን ብኸመይን? “ምድራትን እንታይ ገደሰንን“ ዝበለ መን? ስለምንታይ?

3- “ዘይንጹርነት ፖሊሲ“ ወይ ዘይቀዋምነት ፖሊሲታት“ ኣበየኖት ፖሊሲታት? ብኸመይ? “ምርሓቕ ፈተውትናን ተሓባ በርትናን“ ኣየኖት ፈተውትናን ተሓባበርትናን? መንን ብኸመይን ኣርሒቕዎም? “ዘይምትብባዕ ኣውፈርቲ“ መነመን? መን ኣየተባብዖምን? ብኸመይ? “ዘይንጹርነትን ምድርራብን ኣብ ስራሕ“ ኣበየናይ ስራሕ? ብኸመይ?

4-„“ቅዋማዊ ኣሰራርሓ ዘይምህላዉ“ ኣየናይ ቅዋማዊ ኣሰራርሓ ተጋሂሱ? መዓስን ብኸመይን? “ሃገራዊ ድሕነትን ሰብኣዊ ክብር ብሕጋውን ቅዋማውን መገዲ ዘይመሓዝ“ ዓቢ ገበን ስለዝኾነ፡ ሃገራዊ ድሕነት ብኸመይን መዓስን‘ዩ ተጎዲኡ? ሰብ ኣዊ ክብሩ ዝተጋህሰ መንን? ብኸመይን? “ስሩዕ ሕጊ ዘይገዝኦ ኣሰራርሓ“ ኣየናይ ንስሩዕ ሕጊ ዘይተገዝአ ኣሰራርሓ? መዓስ ን ብኸመይን? እዚኣቶም፡ እቶም ብዝወሓደ እቶም ኣብ ኣእምሮይ ዝተሳእሉ ሕቶታት‘ዮም። ሓመይቲ መነ-መን‘ዮም ኢለ ክግምት‘ውን ኣሸጊርኒ፡ ሕሜታ ዘይሰኣን‘ዃ እንተኾነ። “ሕማቕ ሳዕቤን“ ናይዚ ገና ክምለሽ ዘለዎ ጉዳያት ወይ ሕቶታት  ብሩህ ኣብርእሲ ዘይምዃኑ፡ ካብ መልሲ፡ መመሊሱ ሕቶታት ዘልዕል‘ዩ።

ዝሰማዕካዮን ዝተዓዘብካዮን ምቕራብካ አመስግነካ፡ ኪኖ‘ቲ ኣቕሪበዮ ዘለኹ ውሑድ ሕቶታት ኣዕሚቚ ክመራመር ሓጊ ዝኒ።ኮፍ ኢለ ክዛረበሉ ከኣ ሕጉስ ኢየ። ቅድሚ ምብጋሰይ፡ ክሳብ ንራኸብ ኣሰላሲልካዮ ንክትጸንሕ ዘቕርቦ ዘለኹ ኢዩ።

ዓወት ንሓፋሽ፡                                                                                                                     ብጻይካ ኢሳይያስ።                                                                                                            09/12/99

ደብዳበ ቁ.3

ዕለት 11-12-99

ብጻይ ኢሳይያስ                                                                                                                      ምስ ሙልእ ጥዕና ብሰላም ክትምለሰና እትምነ። ብዕለት 09-12-99 ንናይ ዕለት 27-11-99  ውልቃዊ ደብዳበይ ዝጸሓፍ ካለይ መልሲ በጺሕኒ ከምቲ ድልየተይ ቀልጢፍካ መልሲ ምጽሓፍካ ሕጉስ ኢየ።

ከምቲ ዝጠቐስካዮ ብወገንካ ኣይትቕበሎን ትኸውን ምኽንያቱ ኣብቅድመኻን ኣብ ኣኼባን ብዛዕባ‘ዚ ኣርእስቲ ዝተዛረበካ ስለዘይህሉ።                                                                                                                         - ገለ ሰብ ብዙሕ ዝዛረብ                                                                                                                 - ገለ ምጡን                                                                                                                                    - ገለ‘ውን ሰማዒ ይኹን‘ምበር ብወገነይ ዘይሓሚ ኣሎ ኢለ ኣይኣምንን (ሰሚዕካ ስቕ ምባል‘ውን ካብ ምሕማይ ስለዘየድ ሕን)

እዚ ክብል ከለኹ ምስኩሉ ተዛሪበ ኣረጋጊጸ ማለተይ ኣይኮነን። ዝወናጨፍ ዘረባታት ስለዘሎ እቲ ህሉው ሓቂ ንሱ ኮይኑ ኢዩ ዝራአየኒ (ሰብ ይሓሚ ኣሎ።)                                                                                                   ከምቲ ዘርዚርካዮ ዘለኻ ሕቶታት እከለ እዚ ኢሉ እከለ ከአ እዚ ኢሉ ክብለካ ኣይክእልን ምኽንያቱ ከምቲ ዝገለጽኩልካ ኩላትና ንሓምየሉ ኢና ኢለ ስለዝኣምን ናይ ሰባት ዝርዝር ክህበካ ኣይትጸበየኒ። ነጥብታት ዘርዚረ ከቕርብ ከለኹ እቲ ዓ በይቲ ዝብሎ ኮይኑ ዝተሰማዓኒ ብዝርዝር ክትርእዮን ክትሓስበሉን ብማለት‘ዩ። ናይ ጎራሓት ኣቀራርባ ኣይሓሰብኩን ብ ሓንቲ ሓረግ ኣጠቓሊለ ምዓጸኹ ዋላ ሕቶታት ዝስሕብ‘ውን እንተኾነ ከምቲ ዝዘርዘርኩዎ ነጥብታት ዝስሕቦ ሕቶታት ኣይምኾነን።                                                                                                                    ብወገነይ ሕማቕ ሳዕቤን ከኸትል ይኽእል ኢዩ ክብል ከለኹ ናይ ብሓቂ ከምኡ ኮይኑ ስለዝተራእየኒ ኢየ። ምኽንያቱ እዚ ዘረባታት‘ዚ ብቕኑዕ ኣገባብ ደው እንተዘይኢሉ ከምኡ እናበለ ናብ ታሕቲ ክዘሩቕን ንሓድነትናን ሓድነት ህዝብን ዝሃስን ኮይኑ ስለዝረኣየንን‘ዩ ናይ ውልቀይ ትንታነ‘ዩ።                                                                                          ንሕና ብፍላይ ኣብቲ ላዕለዋይ ጽፍሒ ዘለና ከም ውሳነ ሃገር ንወስድ መጠን ብሓደ ክንሓስብ፡ ኣውንታውን ኣሉታውን ውጽኢት ስራሕና ናይ ሓባር ሓላፍነት ክንወስደሉ‘ምበር ክንተሓማመየሉ ዘሎና ኮይኑ ኣይራአየንን። ብፍላይ‘ዃ ድኣ ኣብ ዚ ሕጂ ዘለናዮ እዋን ውግእን ሽግርን ዝያዳ ሓድነት ናይ ኣተሓሳስባ ዘድልየና ኮይኑ ስለዝተራእየኒ ኢየ ንምእላዩ ግዜ ክ ወስድ የብሉን ዝብል እምነት ዘሎኒ።                                                                                               ነፈታትሕኡ ዝምልከት ከምእንደገና ሓሲበሉ፡ ከምቲ ዝበልኩኻ ብገለ ሰባትዶ ምሓሸ ኢለ ነይረ ከምዚ ጌርና ከምዚ ፈጢ ርና ካብ ምባል ውሕስነት ዝህብ ዘይብሉ ኮይኑ ስለዝተራእየኒ ኣብ ሓንቲ ኣኼባ ናይ ካቢነ ከም ኣጀንዳ፡- “ ነሰራርሓና ብዝምልከት ክመሓየሽን ክእረምን ዝድለ እንተልዩ ርእይቶ ክንህብ እንተዝቐርብ“ ሽዑ ዝዝረብን ዝቐርብ ሓሳብንዶ ምር ኣይ ምሓሸ ዝብል ሓሳብ‘ውን እመጸኒ። ብዝኾነ ዝሓይሽ ዝበልካዮ ኣገባብ ርኢኻ ምውዱኡ ጽቡቕ‘ዩ።                                      ዓወት ንሓፋሽ                                                                                                                  ብጻይካ ዑቕበ

ደብዳበ ቁ. 4

ብጻይ ዑቕበ                                                                                                                   ሰላምታ፡ ምስ ሰናይ ትምኒት።                                                                                                   ብ11/12/99 ዝጸሓፍካያ መልእኽቲ በጺሓትኒ።                                                                                                           ብዛዕባ‘ቲ ብሕሜታ ዝዝረበሉ ዝበልካዮ ጉዳያት፡ ካብ ምስድማም ሓሊፈ ዝኾነ ካልእ መግለጺ ክረኽበሉ ኣይካአልኩን። ኣብ ናይ ዕለት 09/12/99 ዘልዓልኩዎ ሕቶታት‘ውን ገና ተመራሚረ መልሲ ክረኽበሎም ኣይከኣልኹን‘የ። መን ክብሎም ከምዝኽእል‘ውን፡ ሃሰስ ክብልን ክግምትን ኣይደለኹን። እቶም ዝሓምዩ ውሑዳት ክኾኑ ይኽእሉ። ምርቁሖም‘ውን ኣሸ ጋሪ ከይከውን ይኽእል። “መንን ስለምንታይን?“ ኢለ ናብ ዘይደልዮ መደምደምታ ክበጽሕ፡ ወይ ንግዚኡ ምስ ካልእ ጉዳ ያት ከተኣሳስሮ ኣይመረጽኩን።                                                                                                         ንዓይ‘ውን ክሕግዘኒ ምእንቲ፡ እቲ ጉዳይ ብጭብጥታት ክሕዞ፡ ነቶም በሃልቲ‘ውን ክፈልጦም ግቡእ ኢዩ። ብጽሑፍ ዝቐ ረበ “ከቢድ“ ጉዳይ ስለዝኾነ ከኣ ኣዕሚምካ ምሕላፍ ዘይቅኑዕ፡ ንምእራሙ‘ውን ሓጋዚ ኣይኮነን። መን ከምዝበለን? እን ታይ ከምዝበለን? እቶም ጉዳያት ብጭብጢታት እንታይ ከምዝኾኑን? ከይፈለጥኩ ከኣ፡ “እንታይ ትሓምዩ ኣለኹም?“ ብ ምባል፡ ኣብ መትሓዚ ዘይብሉ ጉዳይ ኣኼባ ምዕዳም፡ ንግዚኡ ጠቓምነቱን ኣድላይነቱን ስለዘይረኣየኒ፡ ኣኼባ ክጽውዕ ኣይኮንኩን። ኣብ ወረቐት ምምልላስ ክኣቱ‘ውን ቁሩብ ኣይኮንኩን። ሓድነት ህዝቢ ዝሃሲ ዝገበርኩዎ ኣበሳ እንተኣልዩ ከ ኣ፡ ሓላፍነቱ ተሰካሚ‘የ።                                                                                                              ዓወት ንሓፋሽ፡                                                                                                                   24-12-99

ደብዳበ ቁ. 5

ብ/ዑቕበ                                                                                                                            ሰላምታ                                                                                                                            ኣብዚ ቀረባ እዋን ኩነታትካ ጽቡቕ ከምዘየለ ተገንዚበ። ትዕዝብተይ ግን ናይዚ ቀረባ እዋን ጥራይ ከምዘይኮነ ይርዳኣኒ ኢዩ። ንነዊሕ እዋናት ከይቀሰንካ ኢኻ ጸኒሕካ። ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዝተኣሳሰረ ጉዳይ ገንዘብ ከምዘሎ ትፈልጥ ትኸውን። ኣነ‘ውን ብዙሕ እናፈለጥኩ እቲ ጉዳይ ብኸመይ ከምዝተሓዝ ከይተሃወኽኩሉ ክሓስበሉ ብምባል ዓቕሊገይረ እየ ጸኒሕ። ፍትሕን ርትዕን በቲ ሓደ ወገን፡ ምኽሪ ሰባት ከኣ በቲ ካልእ ኣብ ግምት ኣእትየ። ባዕልኻ ነቲ ጉዳይ ከተልዕሎ‘ውን ትጽ ቢት ነይርኒ ይኸውን። ኣብ መወዳእታ ግን ሓደ ምርጫ ክወስድ ግቡእ ኮይኑ ተራእይኒ።                                               ስለዚ፡ ክሳብ‘ቲ ጉዳይ መዕለቢ ዝግበረሉ፡ ካብ ኩሉ ሓላፍነትን ማዕርግን ተላቒቕካ ከምዘለኻ ከፍልጠካ እፈቱ።    ዓወት ንሓፋሽ፡                                                                                                           ብጻይካ ኢሳይያስ። 07/02/2000                                                                                                        ቅዳሕ፡- ንብጻይ ስብሓት ኤፍሬም።

ደብዳበ ቁ. 6

ብጻይ ኢሳይያስ                                                                                                                   ሰላምታ፡                                                                                                                             ብዕለት 07/02/2000 ዝጸሓፍካለይ ደብዳበ በጺሕኒ። ብወገነይ ናይ ቀረባ ይኹን ዝጸንሐ ዘይቅሳነት የብለይን። ደብዳበ ስለዝጸሓፍኩን ኣብ ባይቶ ስለዝተዛረብኩን እንተኾይኑ ካብ ጽቡቕ ናይ ምእራም ድሌት እምበር ከምቲ ዝተርጎምካዮ ስለ ዘይቀሰንኩ ኣይነበረን። ብዛዕባ ‘ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዝተኣሳሰር ገንዘብ ትፈልጥ ትኸውን‘ ዝበልካዮ ብወገነይ ዝሻቐለሉ ጉዳ ይ የብለይን ቅድሚሕጂ‘ውን ተሓቲተ ዝመለስኩሉ ኢዩ። ኣለካ ትብሎ ክሲ እንተኣልዩ ከኣ ካብ ሓቅን ሕግን ስለዘይክወ ል ምስ ቀረበለይ መልሲ ክህበሉ ድሉው ኢየ። ስለዚ ካብ ኩሉ ሓላፍነትን መዓርግን ምልቃቐይ ዝወሰድካዮ ምርጫ ናት ካ ስልጣን ስለዝኾነ ዝብሎ የብለይን የቐኔለይ።                                                                                   ዓወት ናሓፋሽ                                                                                    &n


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...