ወዲ ሰብ ምስ ኣብ ከባቢኡ ወይ ኣብ ዙርያኡ ዝርከቡ ደቂ ሰባት ብጥዑይ ዝምድና ተሳንዩ ምእንቲ ክነብር ንርኽክባቱን ዝምድንኡን ምስ ካልኦት ሰባት ዝቕየደሉን ዝግዛኣሉን  ሕግታት ናይ ምህላው ኣድላይነት ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ፍትሓውነቱ'ውን ወሳኒ ኢዩ።ዝዀነ ተቓዋማይ ውልቀሰብ ወይ ኣካል፡ ብጠባዩን ባህሪኡን ዘይኰነ ክምዘን ዘለዎ፡ የግዳስ በቲ ከዐውቶ ዝቃለሰሉ  መደብ ዕዮን ዕላማን ኢዩ ክኸውን ዝግባእ።ባህርይን ጠባይን ከምኡ'ውን ፍልጠትን ተመኵሮን ናይ ደቂ ሰባት ኣብ ቃልስን ምምራሕን ኣገዳስነት የብሉን ማለተይ ኣይኰነን።ብፍላይ'ኳ በቲ ቅኑዕ ሕግን ስርዓትን ዝተጸልወ ምስ ዝኸውን። እንተዀነ ግን ደምበ ተቓውሞ ክጸሪ ኣለዎ ዝብሃል ኣተሓሳስባ፡ መንዩ ጽሩይ መንዩ'ኸ ክጐሓፍ ዘለዎ፡ኣብ ፖለቲካዊ ቃልስን ኣተሓሳስባን ትርጉም ዘይብሉ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ንህግዲፍ ይቃወም ኣለኹ እንዳበልካ ካብኡ ዝገደድካ ክትከውን ምንብሃቝ ኢዩ። ብኹሉ ቕቡላት ዝበሃሉ (ዘይተሰውኡ ማለተ'ዩ) ንምዃኑ ዋላ ሓደ ሰብ ይህሉ'ዶኾን? እቲ መዐቀኒ፡ መምርሒ  ይኹን መግለጺ ናይዚ ኣተሓሳስባ'ዚ እንታይ ይመስል? ክጽሕፎ ዝኽእል ሰብ'ዶ ይህሉ? መንዩ'ኽ ንመን ከድክሞን ካብ ህዝቢ ከነጽሎን? ነንሓድሕድካ ኣንዳተጓሰጥካ ዓቕምኻ ተዳኽሞ እንተድኣኴንካ፡እቲ ንጸላኢ ዘንበርክኽ ሓይልን ዓቕምን ፋሕ እንዳኣበልካ፡ ሓድነት ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ጭርሖኻ ምስፋር፡ ፍሽን ዲዩ ቁምነገር? ዝዀነ ወዲ ሃገር ወይ ውድብ ፡ህዝቡን ሃገሩን ብኸመይ ክመሓደርን ክብልጽግን ክሓስብ ፡ ክምነ፡ ነቲ ናቱ ሃገራዊ ራእይ ከኣ ከዐውቶ ክቃለስ፡ መሰል ናይ ሃገራዊ መንነቱ ምዃኑ ምግንዛብ መባእታ ናይ ሃገራዊ  ሕልና ኢዩ።

 

ዝዀነ ውድብ ወይ ምንቅስቓስ፡እኮ  ህዝባዊ ሰረት ዘይብሉ መደብ ከዐውት ዝቃለስ እንተዀይኑ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ፋሕፋሕ ክብል ኢዩ ወይ ከኣ ዝስለፈሉ ሓይልን ዓቕምን ብምስኣን ይቕህም።ንመሰልን ረብሓን ሰፊሕ ህዝቢ ዘገልግል መደብ ዕዮ ከዐውት ዝቃለስ ውድብ ግን ብዝዀነ ወስታታትን ጸለመታትን ዝግታእ  ኣይኰነን።ንመደብ ዕዮን ዕላማን ናይ ውድባት ወይ ሰልፍታት ስነፍልጠታዊ ገምጋም ብመንጽር ጠቕሚ ህዝቢ ክትህበሉ ሓጥኣት ኣይኰነን፡ ኣብ ኣየናይ መድረኽ ትጥቀመሉ፡ ምስ ሓባራዊ ኣገባብ ቃልሲ'ኸ ብሰላማዊ መንገዲ ከመይ ጌርካ ኣወሃሂድካ ናይ ሓባር ሽቶ ተዐውት ግን ከቢድ ሃገራዊ ሓላፍነትን ዲሞክራሲያዊ እምነትን ኣገባብ ኣከያይዳን ይሓትት።

ንትሕዝቶ ናይ በዓል መኰነን ኣብ ኢደ በይዛ ናይ ጸላእን መሻርኽቱን ከቐምጦ ድንዕ ዘብለኒ፡ ነቲ ብእውጅ መደብ ዕዮኡ ንህዝቢ ኤርትራ ይጠቅም ኢዩ ኢሉ ዝኣመነሉ ውድብ ፡ጸለሎ ብምልካይን ትርጉምን መንፈስን ናይ ዕላምኡ ጠምዚዝካ ንህዝብን መንእሰያትን ከተደናግር ምፍታን ኢዩ። ምስ ንሱ ወይ ኣዋፈርቱ ዝኣምንሉ መደብ ዕዮ (እንተድኣ ኣልይዎም ኰይኑ) እንዳወዳደረ ገምጋም ሂቡ እንተዝኸውን ኣይምተጸልአን። ዝሓሸ እትብሎ መተካእታ ዘይብልካ ነቲ ድሮ ቆይሙ ዘሎ ትካላትን ዓንድን ይፍረስ ክትብል፡ ብሸነኸይ እቲ ሓቀኛ ትርጉም ናይ ሃላልነት ኰይኑ ይስምዓኒ።ንርእሰኻ ከይተወደብካ፡ ናብ ህዝቢ ከተቕርቦ እትኽእል ስኑድ ዕላማን መደብ ዕዮን ዘይብልካ፡ ሰብ ኣብ ዝመሰሎ ከይውደብ እሾኽ እንዳነዛሕኻ፡ ብዘይርኣ ፈትሊ ምስ ኣቦኽቦኽቲ ደምበ ተቓውሞ ተኣሳሲርካ፡ዕንወት ከተካይድ፡ብንጽህናን ዘይተመኵሮን ዘይንቕሓትን ናይ ደቂ ሃገር ምልጋጽን ምሽቃጥን'ዶ ኣይኰነን? ሓውና ንኣርእስቱ 'ተቓወምቲ ውድባት ህዝብና ንምጥርናፍ'ዶ ወይስ ንምብታን ' ኢሉ ሰምይዎ። ድሮ ሰለስተ ዲየን ኣርባዕተ ውድባት ተቓውሞ ክደኽማ ኣለወን ይብል ኣሎ። ምናልባት እቲ ቍጽሪ ይውስኽ ይኸውን። ንሱን ናይ ሕሹኽሹኽን ድሕረትን  መሻርኽቱን ገመዳቱን ጥራሕ ክተርፉ ዲዩ ባህጉ። ናይዞም ክደኽሙ ኣለዎም ዝብሎም ዘለው ኣካላት ሓይሊ፡ ንጸላኢ ኣብ ምውጋድ ኣድላዩ ኣይኰነን ዲዩ ዝብለና ዘሎ? ብሽም ሓድነት ንሓድነት ምዝራግ ምስ ምንታይ ይቝጸር? ተቓወምቲ ውድባት ክበሃል ከሎ፡ ንኹለን ኣብ  ደምበ ተቓውሞ ዘለዋ ውድባት ስለዘስምዕ፡ዲግ ዝበለ ናይ ጸላእን ምስ ጸላኢ ተጓዛጕዞም ክነብሩ ዘይጽግሞም ተቓወምቲ ኢና በሃልቲ መደብ'ዶ ኣይኰንናን ነካይድ ዘለና።ንኹለን ናይ ደምበ ተቓውሞ ውድባት ብዝትንክፍ ናይ ሓባር መጸውዒ ተጠቒምካ ከተነውረን ከለኻ፡ ንኹለን ውድባት በብሓደ መጽናዕቲ ተገይርለን ዝተበጽሐ መደምደምታ እንተዝኸውን እውን ሕማቕ ኣይምነበረን። ምእንቲ'ዚ ከኣ ኢዩ ቃልሲ ብዝተጸንዐ ሕግን መምርሕን  ኣንተዘይኰይኑ ብስምዒት ክምራሕ ዘይብሉ።ናይ ሕግን መደብ ዕዮን ውደባን ኣመንትን ተኸተልትን ክንከውን ይግባእ።ንዝዀነ ውድብ፡ ሰልፊ ወይ ምንቅስቓስ ከኣ ብመንጽር እዚ መለክዒ'ዚ ክንመዝኖ እቲ ኣንኮ ቅኑዕ ኣገባብ ኰይኑ ይስምዓኒ። ኣብ ዝዀነ ዝዝረብን ዝጽሓፍን ኣጋጣሚታት፡መተካእታ ናይቲ ዝንቀፍን ክዓኑ ዝድለ ዘሎን መደብ ወይ ውድብ ቀሪቡ ኣይፈልጥን።ከምዚ እንዳጸሓፍካን እንዳተዛረብካን  ኣብ ህዝቢ ስግኣትን ምጥርጣርን ክትፈጥር ድቃስ ዘይብልካ እንዳሓደርካ፡ ህዝቢ ክውድባ ኣይከኣላን፡ክዓብያ ኣይከኣላን ፡ ሓደሽቲ ከሰልፋ ኣይከኣላን ኢልካ ምንሻወን ምስ ቅንዕና ከመይ ኢሉ  ይቝጸር? ብትኽክል ስንፍንኣንን ድኽመተንን ምትንታኑ ክጥቀማሉን ክዓብያሉን ዝሕግዘን ምዃኑ ዝኣምና ውድባት የለዋን ማለት ኣይኰነን። ብዘይብቕዓት ዲዩ ወይስ ብትሕተ ሃገራዊ  ስምዒታትን ሓሳባትን ተደሪኸን ነዚ ቃልሲ ዕንክሊል ዘብልኦ ኣካላት ደምበ ተቓውሞ፡ ንጸቢብ ረብሓኻ ኢልካ፡ ሓበላ ዓይነን ክትሓብኣለንን ክትንእደንን ብፊን ዝበለካ መልክዕ ክትኵሕለንን  ድቃስ ክትስእን ከለኻ፡ ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ነቲ ናይ ሰላምን ዲሞክራስን ለውጥን ዓንድን  ጽላልን  ዝዀነ ናይ ህዝቢ ቃልስን ዕላማን ዝዀነ መደብ ዕዮን ህዝባዊ መትከልን፡ ጠማዚዝካን ዘይትርጉሙ ሂብካን ተቓዋማይ ንኽፍንፍኖ ዝድርበ መደረጓሕ ጠገለ ዝሰኣነ ኢዩ።ንህዝባዊ ዲሞክራሲያዊ መደብ ዕዮ ስጊንጢር ኢልካ ከተካፍኦ ክትህንደድ ከለኻ ፡ ናይ መን ጠቕሚ ክትሕሉ ከምዝደለኻ ብሩህ ኢዩ።  እቲ ህዝቡ ከገልግሎ'ምበር ፡ ኣገልጋሊ ህዝቡ ክኽውን ዘይመረጸ ተቓዋማይ ኢየ ዝብል ኣካል ዝብሎ ጥራሕ ኢዩ ክኸውን ዝኽእል።ንህዝቢ ኤርትራ ከኣ መብለይ ዝባኑ እንተዘይኰኑ፡ ካብዚ ሕጂ ዘለዎ ጸልማት ዝወጸሉ ዝሓሸ ራህዋ ከቕርብ ዝኸኣለ ጸረ ውድባት ዝዀነ ኣካል መን ኣሎ?። ንምሉእ ህዝቢ ኤርትራ ምስቲ ኩሉ ብዙሕነት ናይ ኣቓውምኡ፡ ቃልሱ ኣብ ዓወት ዝበጽሓሉን፡ ብማዕርነት፡ ብፍትሕን ሰላምን ዝነባበረሉን ዝምዕብለሉን ዝተማልአ ናይ ቃልሲ፡ ውደባን መትከልን ዝሕብር መደብ ዕዮ ከተቕርብ እንድሕሪ ዘይትኽእል ኴንካ ፡እቲ ኹሉ ላዕልን ታሕትን ከም ማሕለኻ ዘይብሉ ጸባ ክምስሎ እኽእል። ምኽንያቱ ኣብ ሓላፍነት ዝዝመጸ ሰብ ብኾፍካን ከይሰራሕካን ከተጸልም ቃልሲ ክዕወት ስለዘይክእል። ንምዃኑ እዞም ናይ እንታይነቶም ቅንጸላ (ካራክተር ኣሳሲነሽን) ዝካየደሎም ዘለው ተቓለስቲ ደቂ ሃገር ከመይ ምዃኖም፡ ህዝቢ ናይ ገዛእ ርእሱ መጽናዕቲ'ዶ ኣካይዱ ይፈልጥ? ምናልባት ብዙሓት ካብኦም ኣብ መኣዲ ጽሑፍን(መርበብ ሓበሬታ) መኣዲ ዘረባን (ፓልቶክ,ሬድዮ..ወዘተ) ስለዝሳተፉ፡ ባዕሎም ክምልሱ ይኽእሉ ኢዮም። በዚ ኣጋጣሚ ንሓደ ካብኦም ንተጋዳላይ ተወልደ ገ/ስላሴ ግን ካብ ነዊሕ ግዜ ኣትሒዘ ስለዝፈልጦ፡እቲ ኹሉ ምህዞን ጠቐነን ስለምንታይ ዝብል ነገር ብጣዕሚ ኢዩ ዘተሓሳስበኒ። ተወልደ ከም ሰብ መጠን ዕጉስ፡ትሑት፡ዘረብኡ እሩምን ጥንቑቑን ኣብ ኣተሓሳስባኡ ድማ መስተውዓልን ርጉእን ኢዩ።

 

ኣብ ምሉእ ደምበ ተቓውሞ ኣብ ዘሎ መራኸቢ ብዙሓን ወይ ኣብ ፈቐዶ ከተማታትን ሻርዓትን  ዝንዛሕ ናይ ምክፋእ ሕሹኽሹኽ ክንዲ ናይ ተወልደ ጌይሩ ዝተቐብኣን ዝጸለመን የለን። ሓደ ካብዚ ካብ ስልጣን መዋእሉ ወሪዱ ኣይፈልጥን ዝብል ኢዩ። ሓደ ሰብ ኣብ ስራሑ ጸዓትን ብቕዓት ኣመራርሓን እንተድኣ ዘርኢ ኰይኑ፡ ንቦትኡ ዝትክእ ዓቕሚ ክሳብ ዝጥረ፡ ክቕጽል  ናይቲ ዕማምን መደብን ሓላፍነት የገድደካ ኢዩ። ንስለ ምቅይያር ዝብሃል ዲሞክራሲ የለን። ነቲ ተመዲቡ ዘሎ ስራሕ መን ብብቕዓት የተግብሮ ኢዩ እቲ ወሳኒ መለክዒ።ልክዕ'ዩ መተካእታን መብረን ክትምልምል ሓደ ካብቲ መደብ ዕዮ ክኽውን ዘካትዕ ኣይኰነን። ሓላፍነት ወይ ስልጣን ምድላይ ብኸምዚ መብዛሕትና ሕጂ እንርድኦ ዘለና ክውሰድ እንተድኣኰይኑ ብሸነኸይ ሕማቕ ባህሊ ይብሎ።ብፍላይ ኣብ ቃልሲ ዝኽፈል ደሞዝ፡ ዝጥረ ንብረት፡እትነብሮ ራህዋ ስለዘየለ፡ ነቲ ሓላፍነት ካብቲ ክዕወት ዝድለ መደብ ዕዮን ዕላማን ፈሊኻ ክርኣ የብሉን በሃላይ ኢየ።ንስልጣንን ሓላፍነትን ብኣጋባብ ዘይሕልንን ዘይቃለስን፡ ናይ ህዝቡን ሃገሩን ራእይን ስምዒትን ሕልምን ክህልዎ ኣይክእልን ኢዩ።ዲክታተር ክኸውን ስልጣን ዝደሊ ኣሎ፡ ከምኡ'ውን ህዝቡን ሃገሩን ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ከሰጋግር ስልጣን ዝደሊ ከኣ ኣሎ። ስለዚ ንኹሉ ኣብ ስልጣን ዝመጸ ክንኵንን ወይ ኣብ ሓላፍነት ክትመጽእ ምድላይ ከም ግጉይ እምነት ምውሳድ ንርእሲኡ ጌጋን ሓደገኛን ኰይኑ ይስምዓኒ።ኣተኵሮና ንኣየናይ ዕላማን መደብ ዕዮን ንምዕዋት ኢዩ ሓላፍነት ዝድለ ዘሎ ኣቲ ቀንዲ ክንርድኦ ዝግባእ ኰይኑ ይስምዓኒ።ብመንጽር'ዚ ኣነ ከም ተራ ኣባል ዝምስክሮ፡ ተወልደ  ይኹን ዝተረፉ ኣባላት መሪሕነት ናይቲ ውድብ ጉባኤ ብዘጽደቖ ሕግን ኣገባብን ዝዋስኡ ኢዮም። ውድባዊ ጉባኤ ኩሉ ግዜ ቦዅሩ ኣይፈልጥን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ውድባዊ ጉባኤ ከኣ፡ ዝጸንሐ መሪሕነት ወሪዱ ሓድሽ መሪሕነት ከኣ እንዳተመርጸ ዝኸይድ ዘሎ ኢዩ።ተወልደ ከኣ ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ባዕሉ ወይ ብታህዲድ ዝሓዞ ስልጣን ክሳብ ሕጂ የለን።የግዳስ ንሱ ይኣኽለኒ ከዐርፍ ክብል፡ ኣባል ከኣ ስራሕን መደብን ብኡ ብኡ ከኣ እቲ ቃልሲ ከይብደል፡ብማለት በብመድረኹ  ነቲ ቦታ ዝበቕዐ ኰይኑ ስለዝረኽቦ ለሚኑ ናብ ሓላፍነት የምጽኦ። ብዛዕባ ኣመጻጽኣን ኣተዓዳድላን ናይ ስልጣን ላህመታዊ ፍርዲ ምሃብ ኣካል ናይ ጸላኢ ፕሮፓጋንዳ ወይ ድንቍርና ወይ ከኣ ናይ ክልቲኡ ሕውስዋስ  ኢዩ።

 

ነፍሲወከፍ ውድብ ወይ ምንቅስቓስ ኣገባብ ኣወዳድባኡን መደብ ዕዮኡን ኣብ ተግባር ኣወዓዕላኡን ብምጽናዕ ጥርሕ ኢና ፍርድና ክንህብ ዝግባእ።ኢሳያስ ኣፈወርቂ ብሕግን ብኣገባብን ዝወርድን ዝድይብን እንተዝኸውን እኮ፡ ብተደጋጋሚ ክምረጽ ጸገም ዘለዎ ነገር ኣይምዀነን። ብደም ዘይሕተት ሰብ ክነሱ፡ ምህዝ እቢልካ ኣባል ኢህኣደግ ኢዩ፡ ሓብቲ ስዩም መስፉን ተመርዕዩ፡ብዕራይ ዝወሓጡ ዝመስሉ ዋርድያታት ገይሩ፡ ብየማኑ ጸጋሙ ማርያማት ሒዙ ኣብ ሆተላትን ባራትን ብመስተ ክጥልቂ ዝውዕልን ዝሓድርን እንዳበልካ ኣብ መንእሰያትን ህዝብን ዝንዛሕ መርዛም ፕሮፓጋንዳ፡ ካበይ ኢዩ መጺኡ? መን'ከ ክፍሕሶ ይውዕልን ይሓድርን።መኻይን ዝውንን ዝዓበየ ሸቃጣይ ናይ ደምበ ተቓውሞ ተባሂሉ ዝንዛሕ ወረ ክሰምዕ ከለኹ ናይቶም ዘዋፍሩ ኣይኰነን ዘተሓሳስበኒ። ንሶም ሰብ ውራይ ኢዮም።ነቲ ምድንጋርን ምትላልን ምጽላምን ኣብ ኣእምሮኡ ዝሰዅዕሉ ዘለው ንጹህ ናይ ወዲ ሃገር ሓንጐል ክሳብ ክንደይ ብኣሽካዕላል ይቓራሰውሉ ኣለው ኢዩ። ተወልደ ሃብቲ እንተዝህልዎ፡ጁባና ምዓረፈ ወይ ደቕና ምጸገቡ። ክንደይ ሚልዮነራት ዲዮም ንኣመሪካ ዝመርሕዋ ዘለው? ምህብታም'ኮ ሓጥይት ኣይኰነን።ድኽነት ከኣ ጽድቒ ኣይከነን።ተወልደ ይኹን እቲ ውድብ ንብረትን ገንዘብን ከጥሪ እንተዝኽእል ነብሱ ክኢሉ ዝደልዮ ዓይነት ስራሕ ብቐሊሉ መሳለጠ። ነቲ ንረብሓን ጠቕምን ናይ ዝሰፍሐ ሸነኽ ህዝቢ ኤርትራ ዝሕለቕ ዕላማን መደብ ዕዮን ንምዕዋቱ ኣብ ዝካየድ ህዝባውን ዲሞክራሲያውን ቃልሲ ኣብ ምቅልጣፉ ዓብይ ግደ ምተጻወተ እብል።ዝዀነ ኣኼባ እንተተመሓላላፈ፡ ተወልደን ብጾቱን ካብ ስልጣን ህዝቢ ከውርዶም ስለዝቐረበ ፡ ዓቕሎም ጸቢብዎም ዝገብርዎ ዘለው እዩ ይብሃል። ኣኼባ እንተነውሐ፡ ተወልደ ኢዩ ገቲሩ ሒዝዎም ዘሎ ይውረ። ክንድ'ዚ ዓቕምን ሓይልን'ከ ካበይ ኣምጽኦ ዝብል ሕያዋይ ሓታቲ ከመይ ኢሉ ይስኣን? ነፍሲ ወከፍ ናይዞም ውርደቶም ዝርእዩ ዘለው ብሓደ ሸነኽ፡ ወግሐ ጸብሐ ዝነኣዱን ዝንጭብጨበሎምን ዘለው ከኣ ብኻልእ ሸነኽ ፡ ናብ ኣኼባታትን መጋባእያታትን እንታይ ኣጀንዳ ሒዞም ኣትዮም? እንታይ ርእይቶ'ኽ ሂቦም፡ ብተገዳስነትን ብዓሚቝ ሃገራዊ ሕልናን ክፈልጥን ከጻርን ዝተበገሰን ዝተገደሰን ተቓዋማይ ወይ ናይ መራኸቢ ብዙሓን በዓል ሞያ ኣሎ ኢልኩም'ዶ ትሓስቡ? እንታይ ኢዩ ክበሃል ዝድለ ዘሎ ጠፊኡኒ ኣሎ። ብምህዞን ብሓሶትን ቃልሲ ኣይዕወት ህዝብን ሃገርን ድማ ኣይህነጽን ኢዩ። መዋእሉ ምሉእ  ግዜኡን ዓቕሙን ንህዝቡን ሃገሩን ዘወፈየ ወዲ ሃገር ክብሪ'ዶ ኣይኰነን ዝግብኦ? እምበር'ዶ ሃገራዊ ውራይና ኣካይድና ክንክእሎ ኢና? ሓቂ ካብ ሓሶት፡ ቅኑዕ ካብ ግጉይ መሚና ከነጻርን ብኡ መጠን ክንምክትን እንድሕሪ ዘይንግደስን ዘይንብቅዕን ኴንና፡ ዕድልና ካልእ ኣካል ክውስነልና ከምዝኽእል ንምንታይ ንዝንግዖ? መንነትና ኣጥፊእና እንተድኣሊና ከኣ ሃሰስ ኢልናን ተማኺርናን ንምለሶ።

ይቕጽል....


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...