1ይ ክፋል....

 

ኣብዚ ሎሚ እዋን ኣብ መርበብ ሓበሬታ ዝጽሓፍን ኣብ ሬድዮ ይኹን ፓልቶክ ዝዝረብን ዛዕባታት ጉዳይ ሃገር፡ ክንደይ ካብኡ ኢዩ ሃገራዊ ሽግራትና ንምፍታሕ ዝጠቕመናን ናይ ቃልስና ኣገባባትን ናይ ዓወትና ውሕስነትን ዝሕብረና ንምፍላጡ ብጣዕሚ ኣሸጋሪ ይመስል።

ናይ ጽሑፈይ መበገሲ፡ ናይ ሓው መኰነን ዓንደሚካኤል ናይ ሎም ቅነ ጽሑፋት ድኣ ይኹን'ምበር፡ ብመሰረት እቲ ህንዱድን ፍረኣልቦን ናይ ኩሉግዜ ጽሑፋቱ፡ መርበብ ሓበሬታታት ንግዕዙይነት ትሕዝቶታቱ ብዘይፍላጥ ምእንጋደን ንኣንበቢ ይቕረ ዝሓተታሉ ብምዃኑ መልሲ ዝግብኦ ኣይመስለንን። እንተዀነ ግን እቲ ብቐጻሊ ብተቓወምቲ ኢና ዝብሉ ኣካላትን ውልቀሰባትን ተደጋጊሙ ክንዛሕ ዝጸንሐን ዘሎን  ሓሶትን  ጸለመታት ነቲ ንጹህ ሃገራዊ ሕልናን ሓንጐልን ሒዙ ሓቅን ፍታሕን ከናድን ክፈልጥን ሃንቀው ዝብልን ዝጓየን ዘሎ ተቓዋማይ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብፍላይ ከኣ ረኻብ መከራ መንእሰይ ወለዶ፡ነዚ ኣካቢብዎ ዘሎ ናይ ተንኰል መጻወድያን ምድንጋርን ጥሒሱ ኣብ ቃልሱ ዓወት ክጐናጸፍ እጃመይ ከበርክት ሃገራዊ ሕልናይ ስለዝድርኸኒ ኢዩ።

ኣብዚ ግዜ'ዚ ኣብ ኩሉ መኣዲ ዘረባን ስነጽሑፍን፡ ዝብሃልን ዝንበብን ትሕዝቶ ናይ ሓሳባት፡ ምስ ኣገባብ ቃልስናን ሃገራዊ ዕላማታቱን ዘተሓሕዝ ዘይብሉ፡ ብውልቀ ድዩ ወይስ ብዝተጠርነፈ መልክዕ፡ ናይ በለጽን ትሕተ ሃገራዊ ዝዀነ ጸጸር ውሒጥካ ሽም ውልቀሰባትን ውድባትን ምጥፋእ፡ ልሙድ መዓልታዊ ተርእዮ ካብ ዝኸውን ሓያለ ግዚያት ሓሊፉ ኢዩ። ኣብ መኣድታት ስነጽሑፍን ዘረባታትን ንደንበ ተቓውሞ ቅኑዕ ናይ ቃልሱ ጉዕዞ ሒዙ ናብ ዓወት ከይበጽሕ ፡ዝካየድ ማሕለኻታት ነቲ ንጹህ ሕልና ናይ ሃገራዊ ቃልሲ ካብ ምጕዳምን ምዝራግን ሓሊፉ፡ ዝተጠርየን ዝተሃንጸን ቁምነገር ወይ መተካእታ የለን እንተበልኩ ካብ ሓቂ ዝረሓቕኩ ኣይመስለንን።ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ነንሓድሕድካ ናይ እምኒ ኩርባባ ፡ብውድዕነቱ ኣገልጋልን ተሓባባርን ናይ ጸላኢ ድኣምበር ናይ ለውጥን ዲሞክራስን ካባ ዘልብሰካ ኣይኰነን።ስም ውልቀሰባት እንዳረቛሕካ ሓጢኣት ኢልካ እትጽብጽቦ ጽውጽዋይ ብምውቃጥ ዝዕወት ሃገራዊ ቃልሲ ከምዘየሎ ማንም ሰብ ዝስሕቶ ኣይኰነን። ንሓደ ህዝቢ ጠርኒፍካን ወዲብካን ብቃልሲ ናብ ዓወት ከተብጽሖ እትኽእል ፡ ነቲ ኹሉ ከም ሕብረተ ሰብ ኣቚምዎ ዝርከብ ናይ ባህሊ ፡ታሪኽ፡ሃይማኖት፡ብሔር፡ወገን፡ ኣውራጃ፡ ጾታ፡ዕድመ፡ትምህርቲ፡ደርቢ፡ሞያ...ወዘተ ፍልልያት ይኹን ግርጭታት ቅኑዕ

ፍታሕ ዘረጋግጽ መደብ ዕዮን ውደባን ፡ ንተግባራውነቱን ዓወቱን ውሕስነት ዝዀኖ ፍቱን ስትራተጂን ሜላን ምስ ዘሰንዮ ኢዩ።ዝዀነ ውልቀሰብ ፡ምንቅስቓስ ፡ ውድብ ወይ መንግስቲ ፡ ነዚ ዝተጠቕሰ ፍልልያት፡ ቅኑዕን ዲሞክራሲያውን ፍታሕ ምዃኑ ኣሚኑ ከም መምርሒ ስራሑን ናይ ትምህርትን መጽናዕትን መደቡ ክወስዶ እንተዘይበቒዑ፡ ወርቃዊ ቃላት እንተተጠቕመ ፡ ተሓጺብካ ኣብ ጭቃ ምዃኑ፡ እዚ ሕጂ እንርእዮ ዘለና ኵነታትና እኹል መረድኢ ኢዩ። ብሓደ ወይ ክልተ ጻድቃናት ዝመጽእ ለውጢ ከምዘየሎ ንፈላለየሉ ነጥቢ ከይከውን ተስፍ እገብር።እዚ ሓቂ'ዚ ዘይርኣየና እንተዀይኑ ናብቲ ሀ ሁ ናይ ስነ ሕብረተ ሰብ ክንምለስ የድሊ ኣብል።ብበለጽን ድሕረትን እንብሎን እንገብሮን እንተድኣ ኣሊና ከኣ ፡መንእስይ ይኹን ህዝቢ ብሓፈሽኡ ኣብ ግዜኣዊ ምትላልን ድንቍርናን ከምዘይነብር ምፍላጥ እኹል ይመስለኒ። ምስ ሕብረተ ሰብ እንዳተቐመጥና  ንባህሪ ናይቲ ሕብረተ ሰብ ዘይንፈልጥ እንተድኣ ኴንና ፡ መን ገዲድና እዩ ኣብ ናይ ምጽሓፍን ምዝራብን  ዕንቅፋትን ምድንጋርን ሸፈድፈድ ክንብል ቃልስና ዒንክሊል ነብሎ።ወይስ ብመዓልታዊ ሽግር ህዝቢ ኤርትራ ናይ ሓሶት ጓህን ሓዘንን እንዳቆዘምና፡ ነቲ ከምዘየዐውተና ኣንዳዕዲዕና እንፈልጦ ናይ ትሕተ ሃገራውን በለጽን ፡ ጸቢብ ኣረኣእያን ዝዕወት እንዳመሰለና ዲዩ? እቲ ወግሐ ጸብሐ እንግዕረሉን እነእውየሉን ስቓይ ህዝብና፡ ካብ ሽሕ ኣውያት  ንእሽቶ ተግባር ከምትበልጾ መን ይስሕቶ።ሽም ናይ ተቓወምቲ ዝብሃሉ ደቂ ሃገር ከም በዓል መስፍን፡ ኣድሓኖም፡ኣለና፡ተወልደ...ወዘተ ኣንዳጠቐስካ ንባህሪያቶምን ተመኵሮኦምን  ሓቂ ይኹን ሓሶት ብዘየገድስ ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ፡ኣብ መኣዲ ጽሑፍን ዘረባን ናብ ህዝቢ ምዝራው ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብኸመይ ይጠቕሞ ? ብዓል መኰነንን ካልኦት መሻርኽቱን ደፊሮም ክገልጽዎ ዝኽእሉ ኣይመስለንን።ብጌጋ ከይትርድኡኒ፡ ኣብ ናይ ተስፋይ ተምነዎ ብዙሕ ዘይሰማማዓሉ ሓበሬታን ርእይቶን ገምጋምን እኳ እንተሃለወኒ ንዘርኣዮ ተባዕ ተበግሶ ክብርን ሞጐስን ዝግብኦ ኢዩ።መስፍንን ኣድሓኖምን ኣብ ዝሃብዎ መልሲ፡ገለ ሓቅታት ዘለዎ መኣረምታ ሂቦም ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም፡ ስቕ ኢሎም ጸኒሖም፡ ዝፈልጦ ታሪኽ ንህዝቢ ኤርትራ ከክፍል ንዝመረጸ ግዱስ ወዲ ሃገር ብኸምቲ ዝተኸታትልክዎ መልክዕ ምቅዋሙ ኣይተዋሕጠለይን።  ተመኵሮ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ከም መምህሮም ክወስድዎ ኰነ ኢሎም ዘይመረጹ ኣንተዘይኰይኖም፡ ምልክትን መባእታን  ናይ ቅኑዕ ቃልሲ፡ ፈታዊኻን ጸላኢኻን ምልላይን ኣፈታትሓ ናይ ቀዳማውን ካልኣውን ግርጭታት ምፍላጥን ከም መምርሒ ናይ መደብ ዕዮኻ ምውሳድን  ከም መምርሒ ናይ ቃልሲ ክወስድዎ ዝግብኦም ዝነበረ ኢዩ።እዞም ዝተጠቕሱ ተቓወምትን ዝመርሕዎ ኣካልን ጐድንን ሓይልን ናይ ደምበ ተቓውሞ ምዃኖም እንዳፈለጥና መን ስለዝለኣኸና ወይ ናይ መን መደብ ዕዮ ከነተግብር ኢና ድቃስ ንስእን ዘለና።ካብ ደምበ ተቓውሞ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣካል ናይ ቃልሲ ኣልጊስካ'ኸ፡ ሓደ ዝተርፍ ንጹህ ሰብ ክርከብ ዲዩ?ንርእሲኡ እቲ ከምዚ ዝጽሕፍ ሰብ፡ መን ንጹህ ኢሉ ባጀላ ምስ ሃቦ ኢዩ ፡ ንክብሪ ደቂ ሃገር ዝደፍር።ብርእይቶይ እዚ ተግባር'ዚ ምስ ህዝባዊ ቃልስን ቅንዕና ኣገባቡን ዘራኽብን ዘተኣሳስርን የብሉን እብል።ነቲ ማእገርን ሓይልን ክዀነካ ዝግባእ ኣካል ምንዳሕን ምርጋሕን፡ ውድቀት ንስርዓት ኢሳያስ ኢልካ ምጭራሕ ኣንታይ ማለት ኢዩ? እቲ ዓወት ንደላይ ለውጢ ዝብል ጭርሖ ጓንጓ ምዃኑ በዚ'ዶ ክበርሃልና ኣይክእልን? ከም ደርሆ ነቲ ቃልስን ሓድነትን ክትጽሕትሮ ድቃስ እንዳሰኣንካ፡ ዓወት ንሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ምባል፡ ንዓይ ጥራሕ ዲዩ ምርዳእ ዝኣብየኒ ዘሎ? ንኸዐውተና እንተኣማመነሉ ናይ መላእኽቲ ሓይሊ ዝተዳለወ እንተድኣ ኣልዩ፡ሽሙን መደብ ዕዮኡን ዕላምኡን ክሳብ ሕጂ ክፍለጥ'ዶ ኣይምተገብአን።ድላይና ክንደርፍን ክንጻረፍን ዘፍቀደልና ናይ ዘለናዮ ናይ ወጻኢ ናይ መሰል ስርዓት፡ምስኡ ዝኸይድ ናይ ወዲ ሰብ ክብርን ስነስርዓትን ትሕዝቶን  ኣገባብን እውን ክንመሃረሉን ክንቅየደሉን ይግባእ እብል።

ንቃልስና ዘዐውቶ ከምኡ'ውን ንህዝቢ ኤርትራ ብቕንዕና ዝመርሖ፡ብኹሉ ዝምስገን ቅኑዕ ሰብ ክርከብ ኣለዎ በሃልቲ እንተድኣኴንና፡ተመሊስና ሓንጐልና ክንፍትሽ ይግባእ።ደቂ ሰባት ብተመኵሮ ፡ንቐይዲ ናይ  ሕጊ መንፈስን ዓለምን ወይ ባህሊ ፈሪሖም እንተዘይኰይኑ፡ከጋግዮም ዝኽእል ኵነታትን ባህግታትን ኣለዎም ኢዩ።እዚ ዝተጠቕሰ ቀይዲ እንዳሃለወ'ውን ከይተረፈ፡ ዘይምምእዛዝን ምጥሓስን ኣብ ዳርጋ ኩላትና ዘሎ ኢዩ።ንዝዀነ ባህርያት ፡ ተመኵሮ ፡ ኣተሓሳስባ ናይ ዝዀነ ኣካል ብመለክዒ ናይ ሕግን ዕላማን ኢዩ ክምዘን ዝግባእ።

ይቕጽል........


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...