ንርብዒ ዘመን መመላእታ፡ ኣብ ኤርትራ ሳዕሪሩ ዝገዝእ ዘሎ፡ መስፍንነት ዝናን-ባህታን መቸም፡ ንጎራዙት ኣማእሚኑ፡ ንጎናብለ ከም ምክትን ተስታይን ቀጥቂጡ መልሚሉ፡ ዓድን ዓውድን ዘማስነሉ ዘሎ ሽሕጣኑ፡ ከርትዓሉ ዝኽእል ምንቅጥቃጥ መሬት፡ ናይ ባሕሪ ማዕበል ወይ ድማ እሳተ ጎመራ ዝመስል ናይ ተፈጥሮ መዓት የብሉን። ኩሉ ብኢድ ደቂሰባትን ና’የሰራርሓ ባህሎምን ዝወርድ ኮይኑ፡ ብሓፈሽኡ ድማ ካብ ሕማም መኳንንቲ ንላዕሊ፡ ሕማም ደቂ ተባዕትዮ’ዩ ዝመስል ከብሎ ዝኽእል ሓበርቲ ምልክታት ዘለዎ ናይ ታሪኽ ኣበሳ’ዩ ምባሉ ምግናኑ ኣይመስለንን።

ማለት’ሲ፡ ወዮ ናብ ወርሒ ገጽካ ምስተናፈስካ’ዩ ዝለግበካ ዝበሃለሉ፡ ከም ናየ’ንስቲ ዘቐራ፡ ሕማም ደቂ ተባዕትዮ፡ ከም ናይ ሰብኡት ዣህራ ድማ ሕማም ደቀ’ንስትዮ ብዝብል ናይ ቅጽል ስም ዝፍለጥ፡ ተረፍ -ቀንጠብጠብ!! ማለተይ ኣይኮንኩን።

እወ ዝወረዳ ናጽነት’ሲ ብሰንኪ’ዚ ሕማም ደቂ ተባዕትዮ ዝመስል ሕማም ተላገብ፡ ጸለሎ ተቐቢኣ ትርአ ስለዘላ፡ ምናልባት እንተተመሰለላ፡ ከም በዓል ዶክቶር ኣልጋነሽ ፍስሃ ዝመስላ ወራዙት ክሳብ ዝበዝሓላ፡

http://tig.asmarino.com/tig/articles/1644-2013-07-15-05-46-34

ካብ ምኽሪ’ቶም ውሩይ ሳይንቲስት ኣልበርት ኣይንስተይን ንደቂ ተባዕትዮ ብዝያዳ፡

“ናይ ዓወት ዘይኮነ ናይ መትከል ሰብ ክትከውን ፈትን፡ Try NOT to become a man of success but rather a man of value.”

ዝብል ምኽሪ ምድጋም እንታይ በሃሊ፡ ማለተ’የ።

ከመይ’ሲ ይብላ Kathleen Barry, Professor Emerita of Penn State University፡

“ሰብኡት ዳግም ከይተወልዱ ኲናት ክተርፍ ኣይሕለንን’ዩ።” (War will not be unmade without remaking masculinity.) (2, 10)

“Many types of masculinities exist and the diverse experiences of being a man differ by culture, class, sexual orientation, and life interests. But core masculinity is imposed on boys by society through its expectations and requirements of manhood.”

(2 ,13)

ዝገርም’ዩ፡ ኣደታት ኤርትራ መሰንገሊ ሕጻናት ዝኸውን፡ ቅጫን ማይ-ሩባን፡ ማይ-በርበረን ጸባን’ኳ  ኣብ ገነት ከምዝሰፈሩ ደሃዮም ርሒቑወን፡ ብሕሱም ጓሂ መዓንጥአን እናሓረራ፡

 

ንግድን ዕዳጋን ኣብ እንዳኡ፡


ትንፋስ ስኢኑ፡ ፈቐዶ ደቡብ ሱዳንን ደቡብ ኣፍሪቃን ተበቲኑ፡ ክመሳሰል እናተራእየ ክሳዱ ኣድኒኑ፡

ኤርትራውነት ካብ መሕበጥ ጥራዝ ተመራመርቲ ክሳብ ናይ ሲናይ መጥባሕቲ ደሚቑ፡ ንውድቀትን ውርደትን፡ ዝዓኑ-ሕብረተሰብ ንምንጻር፡ ይምረጻ’ሎ ከም ግዝያዊ ኣብነት፡ ክሳብ ምባል ተበጺሑ እንከሎ’ሲ፡

 

ምኽንያት እንተዝኾነለይ ተባሂሉ፡

ምኽንያት ናይ’ዚ ብቐሊሉ ዘይፍወስን፡ ንቡር መለክዒ ዘይርከበሉን ናይ ሃገር ዕንወት፡ ኮይኑ ዘሎ፡ ህርፋን ጎብለልነት፡ ዘስከሮ መስፍናዊ ፖለቲካ ዝናን-ባህታን፡ ኣበ’እምሮ ቅዲ’መራርሓ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን (“anchor & cretor” 10 - 7) ህግደፍን ሰሪሩ ዘሎ ጋኔን …ጥራይ’ዩ … ዝጽዋዓሉ ዝብል፡ ካብ ሓላፍነትን ካብ ተሓታትነትን መህደሚ ዝመስል ናይ ሰብኡት ሜላ፡ ዝተዓዘባ ወራዙት፡

ጓለ’ዲኣኸ! እስከ እልይ በሉ’ታ! እዚ ስረኹም ዝዘለቐ’መስላ’ሎ።

ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ “ካብ 1996 ንነጅው፡ ኣብ መንጎ’ወዳትን ኣዋልድን ዝርአ ዘሎ ናይ ትምህርቲ ፍልልይ እንክምዘን ብዲግሪ ምምራቕ በ’ዋልድ ዝተዓብለለ ኮይኑ፡ ካብ ዓመት ናብ ዓመት ይሓን’ና’ሎ። ካብ 2012 ንነጅው ድማ ብማስትረይትን ዶክተረይትን ካብ ዝምረቑ ሰብኡት፡ ዝምረቓ ወ’ዘራዝር  ክበዝሓ ጀሚረና’ለዋ።

ኣብ ኣመሪካ ድማ ካብ’ተን ብጸብለልትነት ዝምዕብላ ዘለዋ 15 ናይ ስራሕ ዓይነታት (fastest growing job categories) እተን 13 በ’ንስቲ ተዓብሊለን ኣለዋ። እንተኾነ ግን ነዚ ክሳብ ሕጂ ዝሃምም ዘሎ ናይ ለውጢ ዝምባለ ከይረዓመ፡ ናብ ኢድ ደቀ’ንስትዮ ምዕላብ ኣብዩ ፍንጥርያዕ ዝብል ዘሎ ጉዳይ፡ ጉዳይ መሪሕነት’ዩ።” (3, 114 -126)

ይዋኣት ሰብኡት ብትኪ ናይ ክሽነ ከይቐይሕ ዓይኖም፡ ብምሕጻብ ድስቲ ኩስኩስቲ ከይትጉር ኢዶም፡ ይደናበሩ’ለዉ ሰንቢዶም። … የቕልለሎም።

ዕድመ ንምዕባለ ግን፡ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ፡ ፍሪጅን ማይክሮወይቭን፡ ከምኡ’ውን ሓጸብቲ ክዳውንትን ሓጸብቲ ድስቲ ኩስኩስትን ፈቕድኡ ይዝርኡ ስለዘለዉ ኣላሽ ኣይክብሉን’ዮም ሰብኡት። ሓዳር ክግበር’ዩ!

እቲ ጸገም፡ ኣብ ኮምብሽታቶ መብራህትን ኮረንትን ውልዕ ጥፍእ ምባል የብዝሕዎ ስለዘለዉ፡ ወዲ ኣፎም ብሪ ነ’ስመራ ኣምሲሉዋ ክሪስማስ ትሪ፡ ኣብ ዝበሃለላ ዓውዲ፡ ብኢድካ ምሕጻብን ብሓያል ትኪ ዓይንኻ ምሕሳይን ዘይተርፍ’ዩ። ምስ’ንዳ ዝናን-ባህታን’ኳ ንሱ’ውን እንተተረኺቡ’ዩ ደኣ’ምበር።

ስለ’ዚ ግደናዶ ወስ ክንብል፡ ብምባል ክሳብ ዝለዓላ ወራዙት ኤርትራ፡ … መስርሕ ለውጥን ዕርቅን ንቕድሚት ምእንቲ ክስጉም፡ ብሓፈሽኡ ንሰብኡት ኣንቱም ሰባት ይኣክል ናይ ስሓቂ ንላዘብ ናይ ብሓቂ ዘየብል ኣይኮነን ዕድልና።

ከመይ’ሲ እዚ ሕማም፡ ሕማም መኳንንቲ ጥራይ ዘይኮነ ብሓፈሽኡ ሕማም ደቂተባዕትዮ ክሳብ ዝመስል’ዩ ብዝያዳ ናብ ሰብኡት ተላቢዑ ዘሎ’ሞ፡ ብርሑው ልቦና፡ ገለ ዝሓይሽ ኣማራጺ እንተተረኽበ (ወላ’ውን ክሳብ ምግጋይ) ሃሰስ ምባል ከም ቁርን ኣሳሒታን ተፈሪሑ፡ ልክዕ ከም’ዚ ክሳብ ሎሚ ሰፊኑ ዘሎ ኣገባብ፡ ማለት ኣሰር ሓሰኻ ደምበ ናብ ዝለምለመሉ (ምስላ) ዝዓይነቱ ኣኻይዳ ምቕጻል እንተዘይተመሪጹ፡ ነዚ መዋርዶ ናብ ዘይቀረብናሉ ጸድፊ ምስሰቐልናዮ፡ ብጣቕዒትና ዓቢዱ ብሞያ ዝሞተን ኣብ ህልኽ ዝተሳዕረን ቅዲ’መራርሓ - ምጽራፍ ጥራይ፡ ንግዜኡ ጥዑም ጥዒሙ፡ ናይ ስራሕ ሰዓታት ክቐትል እንተዘይኮይኑ፡ ረብሓ’ብሉን።

ወያነን ሻዕብያን ተዘራርዮም ንደርጊ ስዒሮሞ’ዮም። እወ ብዘይንሕስያ ኣብ ወተሃደራውን ፖለቲካውን ግምባር ስዒሮሞ ክልተ ሃገራት ፈጢሮም፡ ኣብ መንጎ ነገስታት ዮውሃንስን ምንሊክን ዝተጀመረ ፍልልይ ኣተረጓጉማ ናይ ታሪኻዊ ፍጻሜታት፡ ብዛዕባ ኣኽሱምዶ ሸዋ ዝዓይነቱ ውድድር ከምብሓድሽ ሰራሪዖም፡ ጉዳይ ስግር ሩባ መረብ ብረፈረንደም ኣፍሪዶሞ’ዮም።

እንተኾነ ግን ኣብ ሓጺር ግዜ፡ ፍቕሪ ክልቲኦም ተወዲኡ፡ መን’ዩ ጎብለል ናይ’ዚ ዞባ ንምፍላይ ዝግበር ኲናት ምስ ገጠሙ ድማ፡ ውጽኢቱ ተራእዩ’ዩ።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ኤርትራ ብሞያ ዝሞተ፡ ኣብ ናይ ህልኽ ኲናት ዝተሳዕረ፡ መስፍንነት ዝናን-ባህታን’ዩ፡ ትንፋሱ ክሳብ ትሓልፍ እናተሳሕገ፡ ኣይተሳዓርኩን፡ ኣማውቱኒ ጥራይ ክብል ትልኽ ዝብል ዘሎ።

ስለ’ዚ’ምበኣርከስ ኣማራጺ ንጉስ ዘይኮነ’ሲ ኣማራጺ ሓሳባት’ዩ ዓዱ ርሒቑ ዘሎ።

ዝኾነ ኾይኑ፡ ምናልባት በ’ንጻሩ … ሕጂ’ኸ ናበይ ንምብጻሕ’ዩ ዝድለ ዘሎ ደቀይ፡ ተባሂሉ እንተወጢሩ ግን፡ ይኽደነና ደኣ’ምበር፡ ብዓይኒ ጸርፊ ጥራይ እንተተጠሚቱ’ሲ ናብ ካልኣይ ጸድፊ ክኸውን ይኽእል’ዩ መልሱ።

ምኽንያቱ’ሲ እዞም ሕጂ ኣብ ም’ዓሎም ዓዲ፡ ሓደ-ኽልተ መላጉም ሱቕታ በጢሶም፡ ህ’ሞ በሉ ዝብሉ ዘለዉ፡ ናይ ትማሊ መዋዕልትን መዓልልትን ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ንኣዳም ክሳብ ዝገርሞ ተጻሪፎምን ተኻሲሶምን ዝጻገቡ ኣይመስሉን’ዮም ዘለዉ።

ንህዝቢ ንተማህላሊ ናይ መሪሕነት ኣማራጺ ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም ከብሎም ዝኽእል፡ ካብ ትሕዝቶ ቅዲ’መራርሓ ፕረዚደንት ኢሳያስ ዝፈልዮም፡ ወይ ድማ ምስ’ቶም ብዛዕባ እዋናዊ ሕቶን፡ ናየ’ፈታትሕኡ ርኢቶን ብንጽጽር፡ ዝተፈልየ መርገጺ ከንጸባርቑ ዝፍትኑ ዜጋታት ዘመሳስሎም ብሩህ መርገጺ የብሎምን።

ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ብመጋረጃ ሕድሪ-ስዉኣት ክኽወል ዝፍትን፡ ናይ ዓወትን ዝናን ጨለነት ተወንዚፎም፡ ተጋጊኻ’ምበር ኣይተጋገኹን፡ ክበሃሃሉ እንተዘይኮይኑ፡ ክውረስን ክኹኮስን ዝበሃግ፡ ምስ እዋን ዝበላሓት፡ እሂን ምሂን ዘማዕበሎ ናይ ሓሳባት መንጸፎም፡ …. እንተኔሩ? ….፡ ክሳብ ሕጂ ክምስክሩሉ ኣይከኣሉን።

ካልእስ ይትረፍ፡ ይሕመቕ ይጸብቕ፡ ብዛዕባ’ቲ መዋእሎም ዝበልዐ ናይ ትማሊ ውዕሎኦም’ኳ፡ ኣብ እዋን ስምምዖም፡ ዝሰማምዑሉ ዝነበሩ ተመሳሳሊ ሓበሬታ ብሓባር ከንጸባርቑ ዝኽእሉ ኣይመስሉን’ዮም ዘለዉ።

እዚ ድማ ኦ …..! ጎይታ ነዛ ነብስና’ባ ካብ ነብስና ሓልወልና ዘብል መዓት’ዩ።

ስለ’ዚ ዝሓለፈስ ተራእዩ’ሎ፡ ሎሚ ግን ነዛ ደድሕሪ ጸርፊ ትፍጠር ዘላ ሓዳስ ጸድፊ፡ ህግደፍ ትኹን ኢትዮጵያ ስለዘይኮናኣ መዕረፊ፡ ብዘይቃልዓለም ኪነዉ ዘማዕዱ ሓሳባት እንተዘይማዕቢሉ፡ ኣብ ግራት ዝናን-ባህታን ጌና’ዩ ዝመስል ክሳብ ዝተሓዝ ኣማራጺ ዑርፊ።

ዝኾነ ኾይኑ ሽሕ’ኳ እቲ ሻቕሎት ብዓቢኡ ቀሊል መዕለቢ ዝርከበሉ እንተዘይኮነ፡ ነቶም ተንኮልን ፖለቲካን መጻምዲ ምዃኖም እናፈለጡ ዘጽቅጡ ሊቃውንቲ - ናይ ስሓቂ - ነ’ቶም ተንኮል ዘይብሉ ፖለቲካ ክህሉ ዝህንጠዩን፡ ክሰምዕዎ ዝብህጉ ቋንቋ መሪጾም ዘቛስዩን፡ ድማ ናይ - ብሓቂ - መሲሉ፡ ጎንፊ ዝናን- ባህታን’ሲ ኣብ ርእሲ: ማለት ምስ’ቶም ደቂ-ውሽጥን ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን (anchor & creator) ጥራይ’ዩ ዘሎ ዝብል ትንታነ፡ ልቢ ብዙሓት ምስላቡ ክቕጽል ይኽእል’ዩ። … ዛጊት’ውን ዝገደፈ’ብሉን።

እሞ’ዚ’ደራዕ’ዚ እንታ’ዩ ባህሩ እንተተባሂሉ’ምበኣርከስ፡ ልዕሊ ኹሉ እዞም ኣናፋሳ ንፋስ ኣስተባሂሎም ምጥቓዕ ዝመርጹ፡ ትማሊ ካብ በረኻ ቄባዕ ቅዲ’መራርሓ ሓዚሎም ዓዲ ከምዝኣተዉ እናፈለጡ ዘጽቀጡ፡ ኣብ እዋን ገድሊ ናይ ኢሳያስ (anchor & ceator) መጣቓዕቲ፡ ናይ ሎሚ ድማ ተጻረፍትን ናይ ተመኩሮ ተሓበንትን፡ ሕማም ደሓር ኮይኑዎም ዘንበድብድዎ ዘለዉ እሳት’ዩ።

እዚኣቶም ኣቪቮ ኢሳያስ ፕሪሞ ክብሉ ኣሪጎም፡ ሕጂ ድማ ኢሳያስ ግናይ ክብሉ ምማቶም’ዮም ዝመስሉ።

ምኽንያቱ “ባህርይ ወድሰብ’ዩ። ንመዋእል ናተይ ዝበሎ ሃብቲ ይኹን እምነት፡ ምስ ኣነነቱ’ዩ ዝዋሰብ። ስለዝኾነ ድማ ከምኡ ዝበለ ነገር ክእለ ምስዝድለ፡ ኣነነት’ውን ስለዝጽለ፡ ንድሕሪት ናበ’ተዓባብያ ተመሊስካ፡ ኣነነት ክዕረ ዝግበር ፈተነ፡ ከቢድ’ዩ። ብንግሁኡ ካብ መሰረት ኣትሒዙ ዝተጠቕለለ፡ ደሓር እንተ ዘይተደለ ብቐሊሉ ስለዘይፍለ።”  (1, 76) ናይ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዳኛ ኦሊቨር ወንደል ሆልምስ 1897

“It is the nature of a man’s mind. A thing which you enjoyed and used as your own for a long time, whether property or opinion, takes root in your being and cannot be torn away without your resenting the act and trying to defend yourself, however you came by it.” (1, 76) - Supreme Court Justice Oliver Wendell Holmes 1897.

ዝኾነ ኾይኑ ብዕለት (05/25/2013) ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲ ዝተገብረ ኣኼባ ከምዘነጽሮ፡ ኣንፈት ለውጥን ዕርቅን ሃሰስ ንምባል ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ፡ ደድሕር’ቲ ልሙድ ኣኻይዳ እንዳ ዝናን-ባህታን ጎሰስ ምባል ተናዒቑስ፡ ሓዲሽ ኣንፈት ንምትሓዙ ክሕግዙ ዝኽእሉ ሃነጽቲ ሓሳባት ብትብዓት ዝተቐልቀሉሉ ናይ ተስፋ መድረኽ’ዩ ወሊዑ እንተበልኩ ዘጋነንኩ ኣይመስለንን።

ከምኡ ዝበለ ዋዕላ፡ ተራ ደቀ’ንስትዮ ቁሩብ ዕዝዝ እንተበለሉ ብዝያዳ ክደምቕ ይኽእል’ዩ ብርሃኑ። ይመልኣሉ ጥራይ ንሓዋሩ።

ብፍላይ’ቲ ብፍሉይ ቆላሕታ ተጠሚቱ፡ ንህዝቢ ክቐርብ ብሰብ ጽቡቕ ድላይ ዝተመርጸ፡  መደረ ናይ ኣቶ ተስፋይ ተምነዎ ተቓሊሑ ምስተወደአ፡ ብቕጽበት ዝሰዓቦ ሕቶን ርኢቶን፡ ንመስመር መጻኢ ዕድል ካብ መስፍናዊ ፍልስፍና ዝናን-ባህታን ኣናጊፉ ከምብሓዲሽ ንምቕያሱ ክሕግዝ ዝኽእል ዑቑር ናይ ሓሳባት ሃብቲ፡ ካብ’ቲ ብምፍላጥን ብዘይምፍላጥን ተደቢኡሉ ዝጸንሐ ናይ ሳሕል ዕትሮ በጨቕ ክብል ከምዝጀመረ ዝሕብር፡ ደወል’ዩ ዝተደወለ።

እወ እቲ ጸገም’ሲ ኣበ’ስመራን ባጽዕን ኣበ’ዳራሽ መሳፍንቲ ህግደፍ ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሓፈሽኡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ወጻእን’ውን ሰፊኑ ዝርከብ፡ ፍሉይ ኤርትራዊ መለክዒ - ብዛዕባ ኣረኣእያን ኣተኣላልያን ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን’ዩ ዘሎ።

ኣብ ባድመ ዘላ ህድሞ መን’ዩ ዝድቅሳ፡ ወይ ድማ ግራት ገረህላሰ መን’ዩ ዝሓርሳ ዝብል ጽውጽዋይ ኣይኮነን፡ ነጥቢ ምፍልላይ።

ማለት’ሲ ትሕዝቶን መልክዕን ናጽነት ኤርትራውነት ዝልካዕ፡ ምስ ኢትዮጵያውነት ክላዘብ ዘሕፍሮ ዜግነት ብምኹስኳስ’ዩ ክበሃል ዝተደለ ክሳብ ዝመስል፡ ምብህራር ብኢትዮጵያን ኢትዮጵያውነትን’ዩ፡ ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ንኤርትራውነት መሬት ምርጋጽ ዝኸልእ ኳዂቶ ኮይኑዎ ዘሎ።

እወ ምስ ኢትዮጵያውነት ክላዘብ ዘሕፍሮ ኤርትራውነት ክኸውን ኣይክእልን’ዩ መለክዒ ናይ ናጽነት። ብናጽነቱን ልኡላውነት ሃገሩን ንዝኣምን ኤርትራውነት፡ እዚ ብሂል’ዚ ተኣምራት ኣይኮነን።

ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ደቂ ጁቢቲቪል ደቂ ላሙ ደቂ ባርባራ ደቂ ከሰላ ደቂ ሞምባሳ … ጥራይ ዘይኮኑ ካብ ሮማ ክሳብ ቻይና፡ ካብ ጋና ክሳብ መዲና፡ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክሳብ ኣመሪካ፡ ካብ ሩስያ ክሳብ ማለዥያ፡ ካብ ቱርኪ ክሳብ ህንዲ …. ዝተፈጥሩ ደቂ ኣዳም ምስ’ዛ ናይ ኣፍሪቃ ቻይና ክትመስል ትጓየ ዘላ ኢትዮጵያ፡ ተላዚብካ፡ ናይ ሓባር ረብሓ ምስሳን ማለት ጎደና ምዕባለ’ዩ እናበሉ፡ ብግብሪ ኣብ ዝምስክሩሉ ዘለዉ እዋን፡ ካብ ኤርትራውነት ብውሑዱ ከምኡ ዓይነት ተመሳሳሊ ምትዕጽጻፍ ምጽባይ፡ ሓላል’ምበር፡ ብዋጋ ናጽነቱን ልኡላውነት ሃገሩን ውረድ ደይብ ኣየስምዕን’ዩ።

ዘማትእ’ውን ኣይኮነን። ናይ ዶብ ሕቶ እነተኾነ’ውን ብኤርትራን ኢትዮጵያን ኣይተጀመረን። ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ ናይ ብዙሓት ሃገራት ዝምድና ዘቆራቑስ ዕለታዊ ተርእዮ’ዩ። ፍልልዩን ሳዕቤኑን ኣበ’ተረጓጉምኡን ኣተኣላልይኡን’ዩ ዝንጸባረቕ።

ትምህርቲ ካብ ቻይና ከምዝሕብሮ፡ ቻይና’ሲ ናይ ቲበትን ታይዋንን ሓሸውየ ከይኣኽላ፡ ምስ ዓበይቲ ሃገራት ከም በዓል ሩስያ ጃፓን ህንድን ቬትናምን ከይተረፈ ብሚሳይላት ከናቑት ዝኽእል ሕዱር ናይ ዶብ ጸገማት ብምድርን ብባሕርን ኣለዋ። እንተኾነ ግን ካብ ናይ ሊቀ መንበር ማኦ፡ “ፖለቲካዊ ሓይሊ ብጠበንጃ’ዩ ዝኹስኮስ። (Poletical power grows out of the barrel of a gun.) ዝብል እምነት፡ ናብ ሰላማዊ ምብርባር (Peaceful rise)” (8, 24) ቀይሮም ናብ ንግድን ዕዳጋን ዘተኩር ፖሊሲ ብምኽታል ንኹሉ ሰጊራ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ።

(1)  “ኣብ ውሽጢ ዕስራ ዓመታት (1981 – 2010) ክሳብ 680 ሚልዮን ዝበጽሕ ህዝቢ ጸጊቡ ዝሓድረሉ ናይ ናብራ ኩነታት ብምጥጣሕ፡ ኣብ 1980፡ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ቻይና 84% ዝነበረ ናይ ድኽነት ዝርጋሐ፡  ሕጂ ናብ 10% ኣውሪዳቶ’ላ።” (5, 11)

(2)  ኣዝዩ ዝገርም’ዩ ኣብ’ዛ ናይ ሎሚ ቻይና ኣብ መኣዲ ተረፍ ዘይገድፍ ቻይናዊ ይከሰፍ ዝዓይነቱ ኣመጋግባ ስለዝተለምደ’ሲ፡ እዞም ኩሎም (ቢ)ሚልዮናት ኣብ ቁርሲ ኣብ ምሳሕ ኣብ ድራር ዝገድፍዎ ዘለዉ ናይ ምግቢ ተረፍ-መረፍ መጓሕፎ  ጸቢብዎ፡ ነዚ ሓዲሽ ባህል’ዚ ክቕይሩ ይጓየዩ’ለዉ ቻይናውያን። ምኽንያቱ’ሲ ከክንዲ ባኒ ርትዓዊ ድኳን ዝኣክል ሓደ ሓደኦም እንተገዲፎም ጥራይ’ኳ ኣብ መዓልቲ ቢልዮናት ባንታት ክጉሕፉ’ዮም ማለት’ዩ። ዝገርም’ዩ ኣብ መሶብ ዝሓደረ እንጌራ ካብ ዝፈቅድ ሰብኣይን፡ ቆልዓ ሰበይቲ ቆጺሩ ባኒ ካብ ዝሸይጥ መንግስትን የድሕነና ጥራይ።

(3)  ብምዕባለ ድማ ምስ ኣመሪካን አውሮጳን ዘወዳድራ ድሙቕ ምንቅስቓስ ኣትሒዛ፡ ኣብ ሙሉእ ዓለም ገንዘባን ሃብታን ተዋፍራ’ላ።

“እግሮም ኣብ ዝዓለበታ ዓዲ፡ ቻይናውያን ዝግድሶም ረብሐኦም’ዩ። ወላ ንቓል ዓለም’ኳ፡ ከም ኣመሪካውያንን አውሮጳውያንን ዓይኖም ንዝተዓዘቦ ሕማቕ’ውን፡ ዓገብ ኣይብሉን’ዮም። ጥበቦም ንደቂ ዓዲ ኣይምህሩን’ዮም። ሃብትን ምህርትን ናይ’ታ ስራሕ ዝሃበቶም ሃገር ንምሽማት ብዙሕ ኣይሕሽሹን’ዮም። ሓይሊ ሰቦምን ናይ ስራሕ ናውቶምን ሒዞም ብምምጻእ’ዮም ኣብ ዝሓጸረ እዋን ኩንትራቶም ወዲኦም መኽሰቦም ናብ ዓዶም ከግዕዙ ዝጓየዩ።” (4, 77)

ናይ ቻይና ነገር ካብ ተላዕለ’ሲ፡ ካብ ጁቢቲቪል ናብ ኢትዮጵያ መንገዲ ባቡርን ኣውራ ጎዳናን ክሰርሑ ምስጀመሩ ከምዝበሃል፡ ደቂ ሃገር ከስርሑ ከምዘለዎም ኣብ ውዕል ስለዝፈረሙ፡ ሰብኣይ ሰበይቲ መዝጊቦም፡ በባዴላኦም ሂቦም ጽርግያ ክጸርጉ ሰርዕዎም ይበሃል።

ሽዑ ቻይና ኩሩሩ፡ ካቦ ኾይኑ፡ ስራሕ ክቆጻጸር ካብ ጠረር ናብ ጠረር ናብ ጠረር ኮረር ምባል ጀመረ። እንተኾነ ግን ተጓይዩ ተጓይዩ፡ ላዕልን ታሕትን ኢሉ፡ መዓልቱ’ኳ እንተተፋረቐት በቲ ዝተዓ’መ ዕማም ኣይዓገበን።

ስለ’ዚ እዞም ኩሎም ኣዋፊረ፡ መዓት መሃያ እናኸፈልኩ፡ እሞ ድማ ኣብ መዓልቲ እዛ ዝርእያ ዘለኹ ጥራይ እንተሰሪሐ’ሲ፡ ከሲረ’የ መስለኒ ክሳብ ምባል ኣንጸጸረ’ሞ። ካብኡ ናይ ጸሓይ ኦክያለ ወድዩ ኣብ ሓንቲ ዓባይ ደንጎላ ደይቡ፡ ኣ’ጻርጋ ጽርግያ፡ ናይ ሰራሕተኛታቱ ምምዕዳው ጀመረ ይበሃል።

ከም ትዕዝብቱ፡ ካብ ዝፈርሖ ኣይወጽአን። ምኽንያቱ መብዛሕትኦም ሸቃሎ፡ ጸሓይ መሪራቶም፡ ኣብ ርእሶም ነጸላ ጠምጢሞም፡ ባዴላ ኣብ ቱሽቱሾም ወቲፎም፡ ብጉዥለ ብጉዥለ ዑግግ ኢሎም፡ ጉዥም ክብሉ ተዓዘበ’ሞ፡ ቻይና ኩሩሩ ኣዝዩ ሰንበደ።

ብቕጽበት ድማ ነተን ኣብ ስራሕ ዝተፈተና ነዋሕቲ ባዴላታት ኣሕዲጉ ንጽባሒቱ ብሓጸርቲ ባዴላታት ዓዲሉ፡ ዳይ ፎርሳ ሸቅሉ ክብል ኣወጀ ይበሃል።

ሽዑ ዝገደፍኩ’ብለይን ተጣቢበ’ለኹ ብምባል ንርእሱ ኣእሚኑ ከም ኣመሉ ዝሳለጥ ዕዮ ከማዕዱ፡ ከምኡ’ውን ካብ’ቶም ሸቃሎ ሃካይን ትጉህን ክመሚ፡ ቢሮን ወረቐትን ሒዙ፡ ኣብ በሪኽ ኣብ’ታ ዓባይ ደንጎላ ደይቡ፡ ውጽኢት ናይ’ታ ሓዳስ ሜልኡ ክዕዘብ ጀመረ።

እንተኾነ ግን ሕጂ’ውን ዘይተጸበዮ ኩነታት ኣጋጠሞ። ወዮም ሸቃሎ ነጸላኦም ኣብ ርእሶም ጠምጢሞም ኣብ ልዕሊ’ተን ሓጸርቲ ባደላታት ኩድም ኩድም ኢሎም፡ ከም ኣመሎም ብጉዥለ ብጉዥለ ተቐራሪቦም  ጉዥም ክብሉ ተዓዘቦ’ሞ፡ ቶባእ ነገርባ ተበልሽዩ’ዩ። ነዚኣቶም ኣዋፊርካ ጽርግያ ኣይጽረግን’ዩ፡ ብምባል ምስ ኣመሓደርቲ ተኸራኺሩ፡ ነቲ ስምምዕ ናይ ስራሕ ኣቐየሮ።

ስለ’ዚ ማዕረ’ቶም ደቂ ሃገር ዝዋፈሩ ደቂ ሓው’ቦኡ ሸቃሎ ኣምጺኡ ስርሑ ክውድእ ተፈቐደሉ ይበሃል። ካብኡ ንደሓር ቁጽሪ ዘይብሎም ቻይናውያን ካብ ጂቡቲቪል ናብ ኢትዮጵያ መንገዲ ባቡራትን ጽርግያን ክጸርጉ ናብ ስራሕ ክዋፈሩ ተፈቕደሎም’ሞ፡ ቀትሪ-ቐትሪ ጽርግያ እናፈሓሩ፡ ለይቲ-ለይቲ ድማ ሊቸንሳ ዘይብሉ ሱቅ-በደረቴ ሒዞም ኣመት ዕዳጋ ክገብሩ፡ ከምኡ’ውን ብስዋን ብሜስን ክሰኽሩ ጀመሩ ይበሃል።

ቻይናውያን ለይትን ቀትርን ምስተዓዘብዎ ነቲ ሃገር፡ ካን ገሪሙዎም፡ ከም’ዚ ዝበለ ዓለምከ ኣሎ ድዩ? ለይትን ቀትርን፡ ናበ’እኻ? እንታይ ትገብራ’ለኻ? ዝብል ዘይብሉ ዓለም ከምዝዓለቡ ተገንዘቡ። በብቑሩብ ድማ ቋንቋን ሙዚቃን ኣጽኒዖም፡ ክሳብ እንጌራ ምሻጥን፡ ናብ ውሻጠ ምሕላፍን ጀሚሮም ኣለዉ ይበሃል።

ኣብ ውሻጠ ምስዓለቡ ድማ ከም’ቶም ኣብ ባጽዕ ተጫጪሖም ኩዕሶ ካልሲ ክጻወቱ ዝተራእዩ ናይ ኮረያ ጭጫሕ፡ ምእንቲ ክጫጭሑ ናብ ኣናእድ ምድያብ ጀሚሮም ኣለዉ’ውን ይበሃል’ዩ። …. ጌጋ’ኽለኣለይ!

ዝኾነ ኾይኑ ካብ ቻይና ዝቕሰም ኣብነታዊ ትምህርቲ፡ “ክሳብ 45 ሚልየን ዝገምት ህዝቢ ብጥሜት ኣብ ዝሃልቀላ ዝነበረ ቻይና 1958 - 62፡ ሊቀ መንበር ማኦ፡ ብዓቢ ዝላ ንቕድሚት፡ ንኢንግላንድ ሓሊፍና ንኣመሪካ ከነርክባ ኢና” (11, 84-88)፡ ዝብል፡ ናሽናሊዝምን ናይ ማኦ-ትምክሕትን ጥራይ ኣይኮነን።  ንሱ’ሲ ሰዓቱ ሓሊፉ’ዩ ኢሎም ቻይናውያን’ውን ኣብ መቓብር፡ ኣብ ትሕቲ መንበር ሊቀ መንበር ማኦ ሸኲዖሞ’ዮም።

እሞ ቻይናውያን’ኳ ክሳብ ክንድኡ ምስ እዋን ካብ ተመሳሰሉ’ሲ፡ መራሕትና ክሳብ መኣስ’ዮም፡ ናይ ማኦ ሓዋርያት ኮይኖም፡ ኣደንቊሮም ምእንቲ ክመርሑና፡ ንሕና ኩሉ ግዜ ንዕወት’ምበር ተሳዒርና ኣይንፈልጥን ኢና። ንኣና ዝመስል’ውን የለን እናበሉ፡ ብስላዕ ናይ ሊቀ መንበር ማኦ፡ ዝርዕርዑና’ዩ ዘሻቕለና።

 

 

ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ንመደረኽ ኤርትራውነት ማሪኹን ኣደንቊሩን ዝገዝእ ዘሎ መስፍንነት ዝናን-ባህታን፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውያንን ጸሓይ ብራቕ ዝሓደሮ፡ መን’ዩ ጎብለል ናይ’ዚ ዞባ፡ ኣኽሱምዶ ሸዋ ዝብል መንቀሊ ዘለዎ ቨኒስ-ጀነዋ ዝምስል ሰለሎ’ዩ፡

ዘመን እኒ-እኒ ቅድሚ ምጽኣት ሲኞር ሙሶሊኒ፡

ቅድሚ ዑደት በኑቶ ናብ ኮምብሽታቶ

ኣብ’ዛ ዓለም ዕዳጋ

ሀ! ክበሃል’ከሎ ብዛዕባ ደቢቶ ክረዲቶ

ምስ’ቲ ውሩይ ዘመን፡ ሳባ-ማይበላ ኣዱሊስ-ላሊበላ

ኲሓ መጠራ፡ ጉራዕ ዙቋላ

ዝተኣጉድ ጓይላ

ዝፈጠሮ ቅድድም ናይ ዝና፡

ካበ’ኽሱም ክሳብ ሸዋ

ቨኒስዶ - ጀነዋ፡ ክሳብ ዝመስል

ጣናን ኣስዋንን ከወዳድር

ዝተደወለ ቃጭል፡ ጥራዝ ደቢቶ ክረዲቶ

ከምዘውርስ ንባይቶ

ናይ ዓደ’ቦ

ናብ’ዛ ኤርትራ ንእሽቶ፡

ዝለሓመ ዛዕባ’ዩ፡ ዘይሓዊ ሕማም ክሳብ ዝመስል ህዝብን ሃገርን ዘማስን ዘሎ።

ወጮስ እንተገልበጥካዮ ወጮ። (ምስላ)

ስለ’ዚ ድማ’ዩ፡ እቲ ንግፍዕታት ቅዲ’መራርሓ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቅን ሓዋርያቱን ብትብዓት ብምትንታኑ፡ ኣድህቦ ብዙሓት ስሒቡስ፡ ምናልባት እንተሰለጠ ናይ ለውጢ ሓሳባት ክእምፍት፡ እንተዘይኮነ ግን ዝጀምሮ ንኽቕጽል፡ ዓቢ ትጽቢት ተወንዚፉሉ፡ ከም መዛዘሚ ናይ ፕሮግራማት ኮይኑ ክቐርብ ናይ ክብሪ ሚዛን ተዓዲሉ ዝነበረ ፖለቲካዊ- መደረ ኣቶ ተስፋይ ተምነዎ፡ … ስትራተጅያዊ ሕመረት ናይ መልእኽቱ ብንጽጽር ምስ’ቲ ብዘይዕረፍትን ብዘይዓቐንን ዝጸርፎን ዝምክሓሉን ናይ እንዳ ዝናን-ባህታን ናይ ቂምታ ፖለቲካ፡  “ወጮስ እንተገልበጥካዮ ወጮ” (ምስላ) ኮይኑ ኩድም ምስበለ ኣዳም ዘገረመ።

እዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከምዘነጽሮ’ምበኣርከስ ሕማም ዝናን-ባህታን’ሲ፡ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብ ዝበሃል ግለሰብን ህግደፍ ኣብ ዝበሃል ናይ ደቂ ውሽጢ ውድብን ጥራይ ዘይኮነ፡ ብንግሁኡ ኣብ’ቲ መስርሕ ዝሰረጸ ስለዝኾነ፡ ካልእስ ይትረፍ ነቶም ናይ ለውጥን ዕርቅን፡ ሃንደስቲ መሲሎም ክቕልቀሉ ዝፍትኑ፡ ቀደም ናይ ኢሳያስ መጣቓዕቲ፡ ናይ ሎሚ ተጻረፍቲ ኮይኖም ዘለዉ ተጋደልቲ፡ ምስ’ቲ ክወራዘይሉ ዝውዕሉ ዘለዉ ቅዲ’መራርሓ ከም ሃይማኖታዊ እምነት ዝጥርንፎም ፖለቲካዊ መልክዕ’ዩ።

በዚ ምኽንያት’ዚ ድማ’የን ናጽነትን-ሱቕታን ኣብ ትሕዝቶ’ቲ መደረ ዝተዓዘባ ምስተዓዘባ፡ ኣንታ እንታይ ክበሃል’ዩ ዝድለ ዘሎ ሎምኸ? …… ይኣክል’ባ! ካብ ዝብል መንቀሊ፡ ብዛዕባ ጸገም ይኹን ብዛዕባ ፍታሕ፡ እዚ ሕጂ ዝሰማዕናዮ ን’ንዳ ዝናን-ባህታን ዘጽደፈ ብላይ ናይ ቂምታ ፖለቲካ’ይኮነን መንገዱ ብምባል ኣንፈተን ዘነጸራ።

ብምቕጻል ድማ ናይ ብሓቂ ግን ንለውጥን ዕርቅን ከርብሕ ዝኽእል ኣማራጺ ወይ ድማ ሓዲሽ ሓሳብ የድሊ’ሎ። ከም’ዚ ሕጂ ዝተሰምዐ እንተኾይኑ ዕላማ ናይ’ዚ ትንታነ ግን፡ ንስኻን ሓሳብካን በጃኻትኩም ሓዙልና ወሰንኩም፡ ዝጥዕም ድምጸን ብቕጽበት ኣቃሊሐን፡ ነቲ መደረ በዲሀን ፊት-ንፊቱ  ደው ክብላ ዝደፈራ።

ኣብ’ዚ ኩነታት’ዚ ክዝንጋዕ ዘይብሉ ዛዕባ፡ ኣቶ ተስፋይ ተምነዎ ናብ መድረኽ ክቐርብ እንከሎ፡ ዘዐጀቦ ጣቕዒት ኣዝዩ ዕዙዝ’ዩ ዝነበረ። እዚ ድማ፡ እቲ መደረ ካብ ጌጋታት መስፍንነት ዝናን-ባህታን ለቢሙ ዝማዕበለ፡ ንቕድሚት ዝኣንፈተ ትምህርቲ ክህልዎ ዝጽበ፡ ዓቢ ተስፋ ኣብ’ቲ’ደራሽ ሰፊኑ ከምዝነበረ ዝሕብር’ዩ’መስለኒ። ዘመን ብጥዑሙ ብፕረሲደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ተባሒቱ ዝነበረ ጓይላን ጣቕዒትን ንምድጋም ኣይኮነን። …… ምጥቓዕ ዘደናግር ትርጉም እንተዘይተዓዲሉ።

ይኹን ደኣ’ምበር እቲ መደረ፡ ንቕዲ’መራሓ ፕረሲደንት ኢሳያስን ህግደፍን ካብ ምጽራፍ ዘይሓልፍ፡ ሕጂ’ውን ርብዒ ዘመን ድሕሪ ናጽነት’ሲ፡ … ቀደም ኣብ ግዜ ገድሊ ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝተኸልናዮ ናይ ቂምታ ፖለቲካና፡ ከም ቀደሙ’ዩ ዘሎ ዝዓይነቱ፡ ብናጽነትን ልኡላውነት ኤርትራን ዝጠራጠር፡ ሸፈጥ ዝናን-ባህታን ከሐድስ ዝፍትን፡ ናይ ታሪኽ ዕሙሙ ኮይኑ ምስ ተዛዘመ፡  መን ዘይተገረመ። … ንሱ’ውን ምስ ጣቕዒቱ ኮይኑ’ምበር።

ስለ’ዚ ኣብ’ዛ እዋን’ዚኣ ዘሎ ስግኣት እምበኣርከስ፡

ኢትዮጵያ ንኤርትራና ከይትጎብጣ፡ ወይ ድማ ንመድረኽ ተቓውሞ ናብ ድላያ ከይትጠ’ሞ፡ ዝዓይነቱ ስግኣት ድዩ?

ወይስ ባህርያዊ ርስትን ሃገራዊ ሃብትን ናይ ኤርትራ፡ ኣብ ቅርዓት ናጽነት፡ ጎረባብትና እናተማስሕዎ፡ ስለምንታይ’ዮም ..ዝናን-ባህታን .. ኣብ ከባቢ  ጣዖት ናይ ዙፋኖም ዕጉግ ኢሎም እናተማህለሉ ዘማዕድውዎ ዘለዉ፡ ዝብል ዛዕባ’ዩ ከዛርብ ዝግብኦ?

ብዘይ ቃልዓለም ኣብ’ዛ ብናይ ፍልጠት ባርዕ (explosion of knowledge) ኮምዩኒከሽን ከምኡ’ውን ማሕበራዊ ንቕሓት እናደቐቐት፡ ብውድድር ክትሓቅቕን ክትጸብብን ትሓድር-ትውዕል ዘላ ዓለም ዕዳጋ፡

ባህርያዊ ርስትን ሃገራዊ ሃብትን ናይ ኤርትራ፡ ብሰንኪ ናይ’ንዳ ዝናን-ባህታን ዳንኬራ፡

ሀ) ብመንገዲ ባቡራትን ዓበይቲ ጽርግያታትን ናብ ጎረባብቲ ክጉነኽ ይርአ’ሎ።

ለ) ቀርኒ ኣፍሪቃን ከባቢ ቀይሕ ባሕርን ክሳብ ሕጂ ዝጸንሖ ፖለቲካዊ ሕብሩ ጥራይ ዘይኮነ ናይ አኮኖሚ-ጂኦግራፉ’ውን (its economic geography) ከይተረፈ ዝቕይር፡ ንዓሰብን ባጽዕን ምናልባት ምስ ኣዱሊስን ዙላን ክሰርዕ ዝኽእል ሃብትን ምዕባለን ክህነጸሉ ይረአ’ሎ።

ቤላ-በለው መኣስ ኮይኑ። እስኪ ደሃይ ጂቡቲቪልስ ይጽናሕ ደሓን። እቲ ካብ ዓለም ዝነውሐ ፈለግ ኣባይ’ኳ ክሳብ ሎሚ ኣብ መወዳእታ ኣብ ጫፉ ጥራይ’ዩ ክሕለብ ዝጸንሐ። ሕጂ ግን እዚ ክዉንነት’ዚ ምስ ታሪኽ ተሰሪዑ፡ ኣብ ሱሩ ክወጽእ ይጅመራ’ሎ ኣንጉዑ፡ ኣብ ዝበሃለሉ እዋን፡ መሳፍንቲ ዝናን-ባህታን ናይ እዋን ምትዕጽጻፍ እና’ሰምዑን እናረኣዩን፡ ኣብ’ቲ ካብ ጣና ክሳብ ኣስዋን ዝሕቆን ታሪኻዊ ናይ ምዕባለ-ቅድድም ከጣቕዑ፡ ኣብ ጥቓ ሲናይ ኣብ ካይሮ ከዳኽሩ ከምዝሓደሩ ዘቃልሕ፡ ናይ ቲፎዞ ድምጾም ተሰሚዑ።

እዞም መሳፍንቲ’ዚኣቶም፡ በዛ ስጉምቶም እንተተመዚኖም፡ ዘይከኣል ኮይኑዎም’ምበር፡ ዝከኣል እንተዝኸውን ኔሩ’ሲ፡ ምእንቲ ህልኾም፡ ታሪኽና ጥራይ ዘይኮነ፡

ጂኦግራፍና’ውን መግዓዝዎ ኔሮም ካብ ቦትኡ ኣልዒሎም፡ ምባል ምግናን ኣይመስለንን።

ስለ’ዚ ድማ’ዮም ጣና’ንከሎ፡ ኣብ ሕጓ እንዳ መዓለ’ቦኦም’ሲ፡ ክሳብ ኣስዋን ናብ ገማግም በረኻታት ሲናይ ተቐልቂሎም ማ’ጨሎት ሩባ-ኣባይ ኣብ መበቆሉ ገዲፎም ኣብ ጫፉ፡ ኣበ’ድባራት ዓዲ ዓረብ ክንደይ? ሸውዓተ ዘሕጽብ ዕብዳን ሒዙዎም እሔው ክብሉ ተራእዮም ዝተባህሉ።

ምናልባት ናይ መገሽኦም ዛዕባ፡ ንሕና’ኮ ሓበሻ’ይኮናን፡ ኣዕራብ ኢና ንምባል’ዩ ዝመስል ኔሩ፡ ከይበሃል ዕዳጋ ልብን ኩላሊትን ናይ ኤርትራውነት ኣብ መርካቶ ናይ ካይሮ፡ ምስ ጨውን በርበረን ድንሽን ኮመደረን ተሰሪዑ፡ ጽንጽያ ይዝንብውሉ ከምዘለዉ፡ ተለቭዥን ናይ ፈረንጂ ጥራይ ዘይኮነ፡ “እዚ’ውን ይሓልፍ” ዝብል ጽሑፍ ና’የ’ኻውሕ ሲናይ ብንጹር ትግርኛ’ዩ ዝምስክሮ።

ስለ’ዚ መሳፍንቲ ዝናን-ባህታን  ካብ ኢትዮጵያ ይኹን ካብ ካይሮ እንታይ ይደልዩ ከምዘለዉ ንታሪኽ’ዩ ዝኸብዶ።

ሐ) ዝኾነ ኾይኑ ምዕባለ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመለክዒ እዋን እንተተመዚኑ ግን፡ እቲ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ፡ ንዘመናት፡ ንሰሜን ናብ ስግር ሩባ መረብ ገጹ፡ ክጥምት ቀልቡ’ጥፊኡ፡ እልቢ ዘይብሉ ሂወትን ሃብትን ከፍስስ ድሕር ዘይብል ዝነበረ ኢትዮጵያዊ ፖሊሲ፡ ናብ ልቡ ተመሊሱ፡ ኣንፈቱ ናብ ዝሕሾ ቀሊሱ፡ ሂወቱ ኣሓዲሱ ምስ ዓለሙ ንምንብባር ይመክር ይዝቲ’ሎ፡ እናተባህለ እንከሎ’ሲ፡ መደረ ኣቶ ተስፋይ ተምነዎ፡

“ሀ) ኢትዮጵያውያን ልቦም ክትረኽቦ ጸገም’ዩ። ንሶም ጥራይ ኣይኮኑን ለባማት። … ተሞኩሮ ንተጋሩ ጠቒማቶም’ያ። ለ) ኢትዮጵያ መቃለሲ ባይታ ኣይኮነን። ሐ)ገለ ካብ መራሕቲ ኢትዮጵያ፡ ኣዕሩኽተይ፡ መማህርተይ፡ መጋድልተይ እዮም። መ) ኢትዮጵያ ብላምባዲና ክድልዩና’ዮም።” ክሳብ ምባል በጺሑ።

“People are living now (after the war) just as they were before … and it is clear that they have learned nothing from the horrors they have had to deal with. The little intrigues with which they had complicated their lives before are again taking up most of their thoughts. What a starnge species we are.” Albert Einstein

Letter to lover and alleged Russian spy Margarita Konenkova, Dec. 30, 1945 (12, 23)

ጉድ’ዩ! ታሪኽ መምህር ዝኸውን እንተኾይኑ’ኮ፡ ዘውድን ንጉስን ብዙሕ ኣሕሊፎም’ዮም።  እቲ ንሳቶም እንተ ሰለጠ ብሕውነት፡ ንሱ እንተዘይሰለጠ ግን ወላ ብግድነት - ኣንድነት - ክብሉ እልቢ ዘይብሉ ሂወትን ሃብትን ለኪሞም ለኻኺሞም ሸለው ዝበሉሉ ገደል፡ ደርጋውያን ድማ ኣሰር ኣቦታቶም ክስዕቡ ዝተሃመሉሉ ናይ ታሪኽ መጻድፎ ርሑቕ መኣስ ከይዱ። ደሙን ቀለሙን’ኳ ዘይነቐጸ።

ሕጂ ድማ እዚ ኣተሓሳስባ’ዚ ካብ መድረኽ ኢትዮጵያውነት ተጓሒፉ’ዩ። ኣብ’ቲ ዞባ ዝጸንሐ ናይ ፖለቲካን አኮኖምን ትሕዝቶ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ጀኦግራፍ መልክዕ’ውን ክቕይር ዝኽእል ማዕበል ክሳብ ዝመስል፡ ኣብ ባብ ኣል መንደብ ንጂቡቲቪል ምስ የመን ዘራኽብ ቢንቶ፡ ኣብ ጣና ድማ ካብ ናይሮቢ ክሳብ ካይሮ …  ሓይሊ አለክትሪክ ዝደሊ እንተ’ሎ፡ ክብል ዝኽእል ዲጋ’ስራ’ሓሎ እናተባህለ እንከሎ’ሲ፡ እዚ ብላይ ኣተሓሳስባ’ዚ፡ ክሳብ መኣስ’ዩ ናብ መስርሕ ምኹስኳስ ኤርትራን ኤርትራውነትን ክቐርብ ዝድለ ዘሎ እንድዒ።

ብዘይምግናን ካብ ኤርትራውነት ዝኸኣለ ዘበለ፡ ሩባ መረብ ንኽሰግር ኣማኢትዶ - ኣሽሓት ዶላር ኣቐዲሙ ከምዝኸፍል ይግበራ’ሎ ዝብል ወረ ሁር እናበለ እንከሎ፡ ርብዒ ዘመን ድሕሪ ናጽነት፡ ኢትዮጵያውያን/ተጋሩ ልቦም ኣይርከብን’ዩ ዝብል መደረ ንህዝቢ ኤርትራ ዘርብሕ’ዩ ዝብሉ ዓበይቲ ኤርትራውያን ተቓለስትን፡ ተቓወምቲ መንግስትን ከምዘለዉ’ዩ ተጋሂዱ።

ንምዃኑ፡ ተንኮል ዘይብሉ ፖለቲካ’ኸ ኣሎ ድዩ?

ክቕጽል’ዩ።

ዳንኤል ተስፋዮውሃንስ ተኽለጊዮርጊስ

This email address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it.

References:

1.      The Winner’s Curse – Richard H Thaler

2.     Unmaking war Remaking men – Kathleen Barry

3.     The Masculine Mystique - The Atlantic July/August 2013

4.     The New Yorker Review of Books: Why, and What, You Should Know About Central Asia –

Ahmed Rashid

5.     Towards The End of Poverty – The Economist June 1-7, 2013

6.     Has The Arab Spring Failed – The Economis July 13 -19, 2013

7.     The Throne of Adulis: Red Sea Wars on The Eve of Islam – G. W. Bowersock

8.     Foreign Affairs  07/08, 2013: Why Trade Will Limit Conflict between China and Japan – Richard Katz

9.     Chatham House briefing paper: Djibouti Changing Influence in the Horn’s Strategic Hub – David Styan

10.    International Crisis Group, Eritrea: Scenarios for Future Transition Africa report # 200 (03/28/2013)

11.     The Hungry Years – Pankaj Mishra: The New Yorker 12/10/2012

12.    Special Issue Discover Magazine – 09/2013


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...