“ናይ ሓቂ ስምረት ብዘይደሞክራሲያዊ መገዲ ኪርከብ ኣይከኣልን። […] እወ! ብመንገዲ ዓመጽ፡ ብሓይሊ፡ ብዝኾነ ይኹን ዓይነት መጽቀጢ ስምረት ኣይመጽእን። ስምረት፡ ገርህነት፡ ብስጋይ ስጋኻ፡ ብመንገዲ ፍቕሪ ጥራይ ኢዩ ዚመጽእ።”

ነብሰሄር ኣቦይ ወልደኣኣብ ወልደማርያም (ወልወል) ኣብቲ ካልኣይን ሓድነታውን ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝሀብዎ መደረ፡ ዓራርብ ሳሕል(12-19 መጋቢት 1987)

 

ህግደፍ ብዕለት 19, 20 ከምኡውን 21 ናይዚ ወርሒ፡ ኣብ ራይስቫይክ ዝተባህለ ከባቢ ደን-ሃኽ (Den Haag) ነቲ መታለሊ ህዝቢ “ፌስቲቫሉ” ኣካይዱ። እቶም ወግሐ ጸብሐ ንፍትሕን ልዑላውነት ሕግን ዝቃለሱ ኤርትራውያን ከኣ፡ ስጋብ መጨረሽታ ነዚ ፈስቲቫል በዲሆሞ። ንዝመጽእ እውን ክብድህዎ እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ዐመት፡ ማለት ኣብ 2012፡  ህግደፍን ወከልቱን፡ ኣብ ሆላንድ ናይ “ጥልመትን ሓሶትን ፈስቲቫሎም” ከካይዱ ኣይከኣሉን። ካብ ሙሉእ ዐለም ንመጀመሪያ ግዜ ፈስቲቫል ናይ ህግደፍ ኣብ ሆላንድ በርዒኑ ተሪፉ። እቶም ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን (ኣብ ውሽጢ ኤርትራን ኣብ ወጻእን ዝርከቡ፡ እንተላይ ናይ እሱራትና) ዐቢ ዐወት ተጓናጺፎም።

 

ጸላኢ ጸለሎ ቀባኢ ከምዝበሃል፡ ህግደፍ ነቶም ዓገብ ዝብልዎ ከም ጸረ-ህዝቢ ኤርትራን ሃገር ኤርትራን ጌርካ ናይ ምቅራብ ኣመሉ እዩ፤ እዚ ከኣ ንገርሂ ጥራሕ እዩ ዝገርሞ። ንውልቐ-መላኺ ስርዓት ዓገብ ምባል፣ ነቲ ንሱ ዝግልገለሉ ዘሎ ፈስቲቫላት ምቅዋምን ምግላጽን፡ ኣንጻር ህዝብኻ ምዕጣቅ ዘይኮነስ፡ ብዝያዳ ንህዝብኻን ሃገርካን ምፍታው እዩ።

ደድሕሪ ውልቐ መለኽቲ እናኸድካ ንዕኦም ምውዳስ፡ ነቶም ናቶም ግዳያት ብዘይ ሓደ ጭብጢ ምጽላምን፡ እኮ ነቲ ሕሊንኡ ዘደንዘዘ ቀሊል እዩ።

ባህልናን ህዝብናን ንፈቱ ኢና። እዚ ሓቂ እዚ ከኣ ኩሎም እቶም እናፈለጡ ናይ ሓሶት ፕሮፓጋንዳ ዝዝርግሑ ዘለውን፡ ንግሩሃትን ንሓደሽቲ ወለዶ ዘጋግዩ ዘለውን፡ ኣጸቢቆም ይፈልጥዎ እዮም። ስለዚ ኣንጻር ህግደፍ ጠጠው ብማል ንሃገርካን ህዝብኻን ምፍታው እዩ።

 

ድሕሪ ባይታ

ህዝብና ኣብ ማእኸል ሃገሩ፡ ቅዋም የብሉ፡ ጳጳስ የብሉ፡ ከም ሽሉ ኮይኑ ብውልቐ-መላኺ ዝኾነ ስርዓት ይጽቐጥን ይስደድን ከምዘሎ፡ ንኹሉ ብሩህ እዩ። ህዝብና ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮይኑ ክቃወመሉ ዝኽእል መገድታት ዳርጋ ተጸንቒቑ እዩ፡ እንተተባህለ ካብ ሓቒ ዝርሓቐ ኣይኮነን። እቲ ህዝቢ ክእከብ እንተዘይተፈቒዱሉ፡ ናቱ ፈስቲቫል ክገብር እንተዘይተፈቒዱሉ፡ መራሕቱ ክመርጽ፡ ናቱ ባይቶ ክተክልን ክመርጽን እንተዘይተፈቒድሉ፣ ዓገብ ኣብ ዝበሎ ዝዳጎን እንተኾይኑ፤ ዓገብ ኢሉ ለውጢ ከምጻሉ ዝኽእል መገዲ ዳርጋ ስሑው ስለዝኾነ፡ እቶም ኣብ ሓርነት ዝሰፈነን ሃገር ዘለና፡ ክንቃወመሉ ኣሎና። ምኽንያቱ ንሕና ኣካል እቲ ህዝቢ ኢና።

 

ስለዝኾነ፡ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ሆላንድን ከባቢኣን፡ ብ2012 ነቲ ናይ “ህግደፍ ፈስቲቫል” ከምዝተርፍ ጌሮሞ።  ፍሽለት ህግደፍ ኣብ ሆላንድ እዚ ጥራሕ ኣይኮነን ነሩ። ናይ ሆላንድ ናይ ዜና ማዕኸናት ነቲ ስልጣን ህግደፍ ዝገብሮ ጸቕጢ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያንን ሆላንዳውያንን (ኤርትራዊ መበቖል ዘለዎም) ብብዝሒን ብተደጋጋምን  ስለዘጋለጻ[1]፤ እቲ ኣብቲ እዋን እቲ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ዝነበረ ሚኒስተር፡

“ኣቶ ኡሪ ሮሰንትሃል” ብፓርላማ ሆላንድ ስጉምቲ ክወስድ ተገደደ። ህዝቢ ሆላንድ ጸይቕን ብዕልግናን ስልጣን ህግደፍ መሊሱ በርሃሉ እሞ፡ እቲ ህዝቢ ሆላንድ እውን ነውሪን ዐገብን በለ።

ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሆላንድ ካብቲ ሓደ ከበድቲ ስጉምታት ኣብ ዲፕሎማስያዊ ጉዳያት ክወስድ ተገደደ። ንወካሊ መንግስቲ ኤርትራ ናብ ቤት-ጽሕፈቱ ክመጽእ ኣገደዶን መጠንቐቅታ ሃቦን[2]። ኤርትራውያን ናብቲ ቖንስላዊ ቤትጽሕፈት ከይዶም ብድልየቶም፡ ብዘይ ግዴታን ጸቕጥን ገንዘብ ክኸፍሉ ይኽእሉ እዮም፡ ግን ካብ ሕጊ ወጻኢ ጸቕጥን ግዴታን ክግበር ከም ዘይብሉ ኣጠንቐቖ። እቲ ጉዳይ: ዕንደራ ህግደፍ ኣብ ሆላንድ፡ እቲ ናይ ሆላንድ ናይ ውሽጢ ጉዳይ ሚኒስትርን፡ ናይ ፍትሒ ሚኒስትርን ይከታተሎ ከምዘሎን ብተኸታታሊ ከምዝድህስሶን እውን ተሓቢሮም። ኣስዒቡ እቲ ሚኒስተር ንፓርላማ ናይ ሆላንድ፡ ነዚ ዕንደራ ህግደፍ ኣብ ሆላንድን ካልኦት ናይ ኤውሮጳ ሃገራትን፡ ኣብ ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ኣጀንዳ ኣትዩ፡ ክዝተየሉ ከምምዃኑ ቃል ኣትዩሎም።

 

እዚ ምዕባለ እዚ ነቲ ፍትሒ ዝደሊ ህዝቢ ኤርትራ ዐቢ ታሪኻዊ ዐወት እዩ።

 

እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ናቱ ናውቲ ጌሩ ከምድላዩ ዝኣስሮን፡ ዝፈትሖን፡ ዝቐትሎን ዘሳድዶን ዘሎ ስርዐት-ህግደፍ፡ ሓያላት ምስ ረኸብዎ፤ ማለት ሕግታት ሆላንድን ካናዳን ከምአን ዝኣመሰላ ልዑላውነት ሕጊ ዝሰፈነን ሃገራት ሑሕ ምስበለኦም፡ ኣሉ ክብሉን ክሕስውን ጀመሩ። “ንሰብ ክልተ ኻብ ሚእቲ ክኸፍለና ኣይነገድድን ኢና።” “ንሕና ኣገዲድና ንናይ “ምክልኻል” ዝኸውን ገንዘብ ኣይንእክብን ኢና”፡ “ፈስቲቫላትና ናይ ባህሊን ልምድን፡ ናይ ሞዳ-ምርኢትን፡ መጻወት ኩዕሶን እዩ”፡ “ርእሱ ዝኸኣለ ማሕበር ኤርትራውያን እዩ ኣዳልይዎ እምበር መንግስቲ ኤርትራ ኢድ የብሉን” እናበሉ፡ ክውቕጡ ጀመሩ።

 

“ዓደየ ዕዲ ጀጋኑ፡ ዓደየ ዓዲ ጀጋኑ፡ ዓደየ ዓዲ ጀጋኑ፡ ዓደየ ዓዲ ጀጋኑ፡ በዐል መን’ዮም ዝጠለሙ፧ በዐል መንዮም ዝሃደሙ፧”

እትብል ደርፊ ነብስሄር ኣቶወብርሃን ሰጊድ ትዝክርዋ’ዶ፧ ኣብኣ ኣቶወብርሃን ከምዚ ይብል፡

 

“ ወዮም ዝሓሰው፡ ወዮም ዝወቀሩ፡ ምሳሖም በሊዖም ኣንታ ከይተደሩ፡

ንሕናን ኣበልናዮም ኣይገበርናን ኣሉ

ሰብኣይ ብሰብኣይዶ ሓወይ እሞ ይሕሱ

ኣንታ ከም ዑንጉለ ብሱሮም ይለሓሱ

ዝበላዕኹሞ ምለሱ ብሰማይ ከይትክሰሱ

ዝበላዕኹሞ ምለሱ ብዱላ ከይትኩልሰሱ።”

 

እቲ ብሱሮም ምልሓስን፡ ብዱላ ምኹልሳስን፡ ኣሕዋትናን ኣካልናን እዮም እሞ፡ ኣይንምነየሎምን። ክምከቱ ግን ኣለዎም። ወይ መገዶም ከዕርዩ ኣለዎም ወይከኣ ህይወቶም “ኣይገበርናን ኣሉ” እናበሉ ከሕልፍዋ እዮም።

ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ዝመረጾ ባይቶን ካልኦት ዴሞክራስያውያን ትካላትን ክተክልን፡ ወከልቱ ክመርጽን ዕድል ረኺቡ ነሩ እንተዝኸውን፡ ስጋ ሳርያም ኢለ[3]፡ ኢድካ ዘርግሕ እሞ፡ ኣገናዕ ክብል፡ “ህዝቢ ኤርትራ ነዞም ኣብ ርእሲኡ ኾይኖም ሸይሸይ ዝብሉ ዘለው ሰባት፡ ንሓንሳእን ንሓዋሩን መበሎም ነሩ “ኣይገበርናን ኣሉ።” እቲ ግዜ እቲ ኸኣ ቐሪቡ እዩ። ትዕቢት፡ በኹሪ ውድቐት ምዃና ታሪኽ ደጊሙ ደጋጊሙ ኣመስኪሩ እዩ።

ተዃሉ ኣሪጎምን ሓሚሞምን ክሞቱ እሞ ንመንግዛእቶም ብዕሸላት ተዃሉ ተኪኦሞ ክኸዱ ህዝቢ ኤርትራ ስቕ ኢሉ ኣይክርእን እዩ። “ተኹላስ እንተኣረገ ፀጉሩ ይረግፍ እምበር ትንኩሉንኡ ኣይገድፍን እዩ”፡ ይብሉ ሆላንዳውያን ክምስሉ ከለው። ክንደይ መግዛእትን ጭቖናን ሓሊፉ፣ እዚ እውን ክሓልፍ እዩ።

 

ንሓያልሲ ሓያል ድኣ ይፍጠረሉ ዝብልዎ ምሳሌ ወለድና ነቲ ድርቕናን ትዕቢትን ዝመልኦ ስልጣን ህግደፍ ፈጥፈጥ ከብሎ ርኢና። ከምቲ ንኤርትራን ንህዝባን ከም ናይ ውልቐ ናውቶም (ናይ ህግደፍ)፡ ከም ድላዮም ብዘይ ሕግን ቐይድን ሸይ-ሸይ ዝብሉሉ ዘለው፣ ንህዝቢ ዓለም ከኣ ከምኡ ክገብሩ ፈቲኖም፡ ይፍትኑ እውን ኣለው። ካብኣቶም ዝሕይል ሕግታትን ቀይድታትን ዘይነበረ እንተዝኸውን ነዛ መሬት ኣይትጹርና ምበልዋ ነሮም። ስዲ ቖልዓስ ኣብ ገዝኡ ዝለመዶ እንዳ ጎረቤት ከይዱ ይደግሞ እዩ ኾይኑ ናይ ህግደፍ ጉዳይ።

 

ዓብደላ ጃብር ኣበይ ኣሎ፧ እንታይ’ከ በዲሉ፧ ኣበየናይ ቤት-ፍርዲ’ኸ ቀሪቡ፧

ዓብደላ ጃብር ሓደ ካብቶም ላዕለዎት ሰበስልጣን ህግደፍ ዝነበረ ኤርትራዊ ምዃኑ ዝስሕቶ ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን። “ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ናይ ህግደፍ እዩ ነሩ”።           ድሕሪ ናይ ሰኑይ 21 ጥሪ ናይ ፎርቶ ፈተነ፡ ንሱ ምስ በዐል ኣማሓዳሪ ዞባ ደቡብ-ነበር፡ ሙስጣፋ ኑሩሑሴንን ካልኦትን ብዘይ ክስን፡ ፍርድን፡ ብዘይ ናይ መልሲ ምሃብ ዕድልን ኣብ እስር ቤት ናይ ህግደፍ ይርከቡ ኣለው። ተኣሲሮም ይበሃል እምበር ተረሺኖም ድዮም ብኻልእ መገዲ ተቐንጺሎም ዝፈልጥ የለን ኣብ ናይ ህግደፍ ኤርትራ።

 

በዓል ዓብደላ ጃብር፡ ዋላ’ኳ ላ ነቶም ቐዳሞት ኣሕዋቶም ይጥለምዎም፡ ሕጊ ሃገር ንኹሉ ስለዝምልከት እዞም ዝተጠቕሱ ሰባት እውን ብዘይ ክስን ፍርድን ክእሰሩ ክጠፍኡን ኣይነበሮምን። ንሕግን ፍትሕን ዝቃለስ ኤርትራዊ ከኣ ነዚኣቶም እውን ክሓተሎምን ክቃለሰሎምን ኣለዎ። ቅኑዕ ሕግን ፍርድን ገጽ ርአ ክኾን የብሉን። ንፍትሕን ንሕግን ንቃለስ እንተኾይንና ከም ህግደፍ ከነዳሉ የብልናን። ህግደፍ መጀመሪያ ኢሰያስ ኣፍወርቒ፡ ድሓር ህግደፍ ድሕሪኡ ከኣ ኤርትራውያን እዩ ዝሰርዕ።

 

እዚ ዘብለኒ ዘሎ፡ ህግደፍ ክሳዕ ክንደይ ከዳዕ ዝኾነ ኣተሓሳስባ ኣብቶም ሰዐብቱ ሰኹዑ ከምዘሎ ንከርኢ ኢለ እየ። እቶም መስተውዐልቲ ጠፊኡኩም ኣይኮነን፡ ግን እንተደገምክዎ ነውሪ ኣይመስለንን። ትማል ትማል ምስኡ ክትስኣል ትደፋፋእ ዝነበርካ፡ ጅግና እናበልካ ናይ ክብሪ ወንበር እትቕርበሉ ዝነበርካ፡ ከመይ ብዛዕብኡ ዘይትሓትት፧ ኣበይ ኣሎ፧ እንታይ በደሉ፧ ቤት-ፍርዲ ኸ መዓስ ክቐርብ እዩ፧ በዲሉ እንተኾይኑ፡ እሞ በደሉ ከኣ ብነጻ ዝኾነ ቤት-ፍርዲ ተረጋጊጹ እንተኾይኑ ከኣ፡ ክንበጽሖን መዋጽኢ ይፍጠረልካ ክንብሎን፡ ድሃዩ ክንገብርን፤ ኣይበሃልን ድዩ፧ ካን፡ ከምዚ ድዩ ባህልናን ኣተዓባብያናን፧ ትማል ትጉዝጎዞን ጅግና ትብሎ ዝነበርካ ሰብሲ፡ ሃለዋቱ ንምፍላጥ ክትፈርህ፡ ክትርዕድ፡ ከተንቐጥቕጥ፧ ቅድሚ በዐል ዓብደላ ጃብርን፡ ሙስጣፋ ኑርሕሴንን ብዙሓት ተኻሒዶም። ብሕጂ’ ኸ መን’ዩ ክስዕብ፧ ስእሎምን ታሪኾምን ካብ ስእሊታትን ቪድዮታትን ተሓኺኹ፡ መታን ህዝቢ ክርስዖም።

“ካድር ህግደፍ” ኣሰፋው ታፍላ፣ እሱር ዓብደላ ጃብር፣ ኮንስል ሰሎሞን መሓሪ ያቆብ

2012 (ድሕሪ እቲ ፈስቲቫሎም ምስ ተኸልከለ)

 

ዓብደላ ጃብር፡ ኣብቲ ብ2012 ዝፈሸለ ፈስቲቫል ህግደፍ ኣብ ሆላንድ፡ ሸሪጥ (ribbon) ናይ ፈስቲቫል ንኽቖርጽን ፕሮፓጋንዳ ክነዝሕን ናብ ሆላንድ መጺኡ ነሩ። ዝቑረጽ ሸሪጥ ግን ኣይነበረን። ይኹን እምበር፡ ካብ ቀርቃር መአከቢ ቦታ ናብ ቀርቃር መአከቢ ቦታ እናተሓብኡ “ኣኼባ” ከካይዱ ፈቲኖም። ኩሉ ዝተገብረ ግን ዘሕፍርን ዘሐንኽን እዩ ነሩ።

ህዝቢ ኣድራሻ ሃቡና ክንመጽእ እንተበሎም፡ ከመዮ ብተመን ዝሰንበደስ፡ ብልሕጺ ተዳህለ ዝብልዎ፡ “ስቕ ኢልኩም ናብ ስቴሽን ንዑ፡ ሽዑ ኣብኡ ሰብ ክጽበየኩም እዩ፡” እናበሉ ጭርጭር ዓበደ ይጻወቱ ነሮም።

 

እቶም ናይ ሕቡእ ካድራት ናይ ህግደፍን ወከልቱን ኣብ ሆላንድ: ጥቃ ዓብደላ ጃብር ኮይኖም ንኽሰኣሉ እደፋፍኡ ነሮም። ምስኡ ሻምባኝ ከፊቶም “ንጥዕናኻን ንዕድሜኻን” ኢሎም የምልኽዎ ነሮም። ውልቐ መላኺ ኢሰያስ ምስ ደጎኖ ግን ከምዘይፈለጥዎ ኮይኖም፡ ስእሉን ኩለንትናኡን ካብ ኩሉ ቦት ከምዘይነበረ ሓኺኾሞ ይርከቡ።

 

ህግደፍ ነቲ ብ2012 ኣብ ሆላንድ ብደለይቲ ፍትሒ ዝፈሸልዎ ፍሽለትን ውርደትን ንኸዐርዩ፡ ዓመት ሙሉእ ጽዒሮምሉ። ብናይ ህዝቢ ገንዘብ ጠበቓ ቖጺሮም፡ ናይ “ምእካብ መሰልና” እናበሉ ክቃለሱ ጸኒሖም። ስለምንታይ ድኣ እሞ ንህዝቢ ኤርትራ ናይ ምእካብ መሰል፡ ናይ ጠበቓ ምቑጻር መሰል፡ ንክሲ ናይ ምምላስ መሰል ዘይህብዎ፧ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጡ ሃገሩ መሰሉ መንዚዖም ኣብ ፈቐዶ ሃገራት እናኸዱ “መሰልና”  እናበሉ ዝካትዑ፡ ዘይሓንኩ ሰባት እዮም። ህዝቢ ኤርትራ ዝእከበለን ዝነበራ ቤተክርስትያናትን መስጊዳትን ግን ስኢኑ ይርከብ። ከም በዐል “ፈይዝ ሚሽን”፡ “ሙሉ ወንጌል”፡ “ቃለ-ሕይወትን” ዝኣመሰላ ናይ ምእመናን ቤተክርስትያናት፡ “ሓደሽቲ ኢኽን” “መሳርሒ ናይ ሲ.ኣይ.ኤ. ኢኽን ተባሂለን ተዓጽየን። ህግደፍ ድኣ ሓድሽ ኣምበር እዘን ዝተጠቕሳን ከምአን ዝኣመሰላ ቤተክርስትያናትንሲ ቅድሚ ህግደፍ  - ሕግሓኤ (ሕዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ)፡ ተሓኤ (ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ) ምምስራተን -  ኣካል ህዝቢ ኤርትራ እየን። ብዙሓት ኣባላት ናይዘን ዝተጠቕሳ ቤተክርስትያናት ኣብ ገድሊ ከይዶም ምእንቲ ሃገሮምን ህዝቦምን ተሰዊኦም እዮም። ስውኣት፡ ዝዐበኹምለንን ዝተማሃርኩምለንን ቤተክርስትያናት ተዐጽየን፡ ወለድኹምን የሕዋትኩምን ተኣሲሮም እንተዝሰምዑስ፡ እንታይ ምበሉ፧

ዘይሓንኩ ግን ኣብ ሕጊ-ዝሰፈነን ሃገራት መጺኦም፡ መሰልና እናበሉ፡ ክእከቡን ሓሶት ክነዝሑን ስቕ ኢልና ኣይንርእን። ከመዮ ኣብርሃም ሊንኮልን (መበል 16 ፕረዚደንት ናይ ኣሜሪካ) ዝበሎ፡ "Those who deny freedom to others deserve it not for themselves, and, under a just God, cannot long retain it."--Abraham Lincoln “እቶም ንኻልኦት መሰል ዝኸልኡ፡ መሰል ንገዛእ ርእሶም ክሓቱን ክረክቡን ኣይግብኦምን እዩ። ኣብ ትሕቲ ፍትሓዊ ዝኾነ ኣምላኽ ከኣ ክዕቕብዋ እውን ኣይክእሉን ኣዮም።”

እቶም ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ሆላንድን ከባቢኣን ዘለና ከኣ፡ ኣብዚ ሓቒ እዚ ብምምርዃስ ክንምክቶም ጸኒሕና፤ ኣምላኽ ሓይሊን ጥዕናን ክሳብ ዝሃበና ከኣ ክንቅጽል ኢና። መአከቢ ቦታን ግዜን ንነዊሕ እዋን፡ ካብቶም ሰዓብቶም ከይተረፉ ሓቢኦሞ ጸኒሖም። ይኹን እምበር፡ ደለይቲ ፍትሒ ብሓጺር እዋን እታ ቦታን ሽማን ድሕሪ ምፍላጥ፡ ነቶም ዝምልከቶም ኣካል ክሕብሩ ጀመሩ።

እቶም ኣመሓደርቲ ናይታ ሎም ዐመት ፈስቲቫል ዝተገበረላ ከተማ፡ ከተማ ራይስቫይክ (ከባቢ ደንሃኽ, The Hague)፡ ካብ ከንቲባ ጀሚርካ ስጋብ እቲ ታሕተዋይ ሰራሕተኛ ናይ ማዘጋጃቤት: ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ኣስካሕካሒ ምግሃስ መሰል ወዲሰብ ክፈልጡ ክኢሎም። እቲ ፈስቲቫል ከምቲ ዝሓሰውዎ ዘይኮነ፡ ብስልጣን ህግደፍ ከምዝተዳለወ ክፈልጡ ክኢሎም። ኩሉ ኣሎ ዝበሃል ጸብጻባት ናይ ኩለን ኣህጉራውያን ማሕበራት ብዛዕባ ስልጣን ህግደፍ ክበጽሖም ክኢሉ። እንተላይ ናይ ሆላንድ መንግስቲ ጸብጻብ ብዛባ ፈሲትቫላት ህግደፍን መሰል ወዲሰብ ምግሃስን ኣብ ኤርትራ።  እዚ ዓቢ ዓወት እዩ ንደለይቲ ፍትሒ።

ኩሉ ዘድሊ ሓበሬታ ምስ ረኸቡ፡ እቶም ወከልቲ ማዘጋጃ ቤትን ፖሊስን ሓቢሮም ነቲ ዋና ናይቲ “ኢፈንት ፕላዛ” ዝተባህለ ቦታ፡ ኣቶ  “ሮበርት ስኾልተስ” ከይዶም ሓቢሮሞ። ኣጠንቒቖሞ፡ ግን እቲ ወናኒ፡ ኣብ ክንዲ መሰል ወዲሰብ ንገንዘብ መረጸ[4]

ደለይቲ ፍትሒ ግን ኣይዐረፉን። ንህዝቢ ሆላንድን ራይስቫይክን ብናይዜና ማዕኸን ኮነ ብካልእ መገዲ ስጋብ መጨረሽታ ተቓለሱ። እዚ ፈስቲቫል ከም ዓሚ ጠጠው እንተዝይኢሉ፡ ብሰላምዊ ሰልፊ ጌርና ክንምክቶ ምዃንና እውን ሓበሩ። ከምኡ ከኣ ኮነ።

ኣቶ “ያን ሆፍዳይክ” ዝተባህለ ጠበቓና ነቲ ጉዳይ ኤርትራውያን ንመሰል ወዲሰብ ርእዩ፡ ሓንቲ ሳንቲም ከይከፈልናዮ፡ ምእንታና ተኻቲዑ፡ ነቲ ጉዳይ ኣጋሊጽዎ[5]

ተቐማጦ ራይስቫይክን ከባቢኣን፡ ህዝቢ ሆላንድን ብዛዕባ ግዕዘይ ህግደፍ ብዝርዝር ተሓበሩ። ናይ ህግደፍ ፈስቲቫል ንደለይቲ ፍትሒ ዓቢ ዕድል ሂብዎም፡ ነቲ ኣብ ኤርትራን ኣብ ወጻኢን ብህግደፍ ዝግበር ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ንምግላጽን ንምጉላሕን። ንሶም “መሰል ወድሰብ ኣይግሃስናን” “ቅዋም ኣይከልከልናን”፡ “ዴሞክራሲ ኣሎና”፡ “ፈስቲቫላት ብህግደፍ ኣይኮነን ዝምወል”  ክብሉ ከለው ንሕና ከኣ ምስ ነብስሄር ኣቶወብርሃን ሰጊድ ኮይና፡ ሓሶት ንብሎም። መረጋገጺን ጭብጥን ከኣ ነቕርበሎም።

 

“ዓደየ ዕዲ ጀጋኑ፡ ዓደየ ዓዲ ጀጋኑ፡ ዓደየ ዓዲ ጀጋኑ፡ ዓደየ ዓዲ ጀጋኑ፡ በዐል መን’ዮም ዝጠለሙ፧ በዐል መንዮም ዝሃደሙ፧

ወዮም ዝሓሰው፡ ወዮም ዝወቀሩ፡ ምሳሖም በሊዖም ኣንታ ከይተደሩ፡

ንሕናን ኣበልናዮም ኣይገበርናን ኣሉ

ሰብኣይ ብሰብኣይዶ ሓወይ እሞ ይሕሱ” …

 

ንሳቶም ነቲ ጌና ዘይቀምረረሎም ዘሎ ማህረምቲ ናይዝሓለፈ ዓመት ከሕውዩ፡ ላዕልን ታሕትን ኢሎም። ኣለው ዝብልዎም መራሕቶም ኣኪቦሞም። እቲ ንሽም ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ኣቶ ዖስማን ሳልሕ ነሩ።  እቲ ቀንዲ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተርን ኣማኻርን ውልቐ-መላኺ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ነሩ። ኣቶ ተስፋሚካኤል ገራህቱ ወካሊ ህግደፍ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ተኻፊሉ። ካልኦት ዝተሸሙ “ቖንስላትን”  “ኣምባሳድራትን” እውን ተኣኪቦም ነሮም። ብናህ ህዝቢ ገንዘብ ካብ ሓደ ፌስታ ናብ ሓደ ፌስታ ክዘሩ ይውዕሉ፡ ንህዝቢ ዘታልል ዘረባ ይዛረቡ። ፌስታ ትውዳእ፡ ምስካር የብቕዕ፡ መሬት ትወግሕ፡ ሰኑይ ትመጽእ፡ እቲ መዐልታዊ ናብራ ህዝብናን ሃገርናን ግን ከምኡ ኢሉ ኣሎ። ፈስቲቫላት ህግደፍ ከምዚ መደንዘዚ “ኦፕዩም ናይ ህዝቢ”  እዩ ኾይኑ ዘሎ።

ሰለሞን መሓሪ፡ ቀሺ ክብሮም ኪዳነ፡ ዑስማን ሳሊሕ፡ ??፡  ኣሰፋው ታፍላ

ዝሓለፈ ዓመት ኣብ  ጥቃ ዓብደላ ጃብር ተጓዛጉዞም ነሮም፣ ዓብደላ ጃብር ጠፊኡ፡ ትመጽእ ዘላ ዓመት’ከ ናይ በዓል መን ክሕደትን ምጥልላምን ከተርእየና እያ፧

ትርጓሜኡ ንኣንባባይን ተዓዛባይን ይገድፎ።

 

እቶም  መዋቲ ሰብ ክዕንድሩ ከለው ደለይቲ ሕግን ፍትሕን’ ከ፧

ኣብ ውሽጢ እቲ ናይ ሓሶትን ክሕደትን ፈስቲቫል እናተኻየደ ከሎ፡ ውሑዳት ደለይቲ ፍትሂ ኣብ ከተማ ራይስቫይክ ዝተፈላለየ ጭርሖታት ሒዞም፡ ንኩሉ ሓላፍ መገዲ ሓበሬታ ኣመሓላለፉሉ። ኩሉ ናይ ሕቡራት ሃገራትን ናይ ካልኦት ኣህጉራውያን ማሕበራትን ጸብጻባት ብዛዕባ ገሀሲ መሰል ወድሰብ ህግደፍ ዘርጉሑሉ።

ካብቲ ተሰኪሞሞ ዝኸዱ ዝነበሩ ጭርሖታት፡

“ኣበይ ኣሎ ኣቦይ፧”

“ኣበይ ኣላ ኣደይ፧”

“ኣበይ ኣሎ ኣቡነ ኣንቶንዮስ፧” (ሕጋዊ ጳጳስ ናይ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ)

“ኣበይ ኣለው ጋዜጠኛታትና፧”

“ሕጊ ይንገስ፧”

“እሱራትና ይፈትሑ፧”

“ኤርትራ ሰላምን ቅሳነትን ትርከብ”  ዝብሉ ይርከብዎም።

እዞም ሰባት እዚኣቶም ኤርትራውያን እዮም። ሕሊንኦም ኣደንዚዞም ምስቶም ኣምለኽቲ ውልቀሰባት ከይዶም ክስዕስዑን ሆ ክብሉን ይኽእሉ ነሮም። ግን ነቲ ዝበለጸ መሪጾም። ነቲ ንኹሉ ኤርትራዊ ፍትሕን ሰላምን ብልጽግናን ከምጽእ ዝኽእል፡ ልዑላውነት ሕጊ መሪጾም፡ ቅዋምና ይተግበር እብሉ ነሮም። ህዝብና ንህግደፍ ቖጽሊ ኣየንበረሉን። ህግደፍ ኣንጻር ቅዋም ኤርትራ ናይ 1997 እዩ። ስለዝኾነ፡ ዘይሕጋዊ እዩ። እቶም ሰላማዊ ሰልፊ ንሕግን ሰላምን ዝገብሩ ዝነበሩ፡ ንሳቶም እዮም ዝያዳ ሕጋውያን። መሰል ሰላማዊ ሰልፊ፡ መሰል ምቕዋም፡ ብኣምላኽን፡ ብስድራናን ብስዋእትናን ዝረኸብናዮ መሰል ድኣ እምበር ውልቐ መላኺ ኢሰያስ ወይ ህግደፍ ዝሃበና ኣይኮነን። ኣብ ኤርትራ ብህግደፍ ተነፊጉና፣ ኣብ ሆላንድ ግን ንኽንቓወሞም መሰል ረኺብና። ኣብ ኤርትራ ነርና እንተንኸውን ቀደም ናብ ዒራዔሮ መምራሕና ነርና።

ኣታ ኣንባቢ፡ ኣቲ ኣንባቢት፡ ሎሚ እት ቕኑዕን ናይ ሕልናን ምርጫ ምረጽ/ምረጺ።

እታ ናይ ህግደፍ ናብ ሞትን ዕንወትን እያ እትወስድ። እታ ሕጋዊት መገዲ ግን መገዲ ሰላምን ብርሃንን እያ። ንኹላህና ሓደ ዝገብር መገዲ ንምረጽ። መገዲ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ፈላልያቶን ዘርያቶን እያ እትርከብ ዘላ።

 

ሓንቲ ናይ ህግደፍ ግዕዘይ ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ክትዕንቕፍ ተላኢኻ…እነሆ እዚ ፖሊስ…

 

በዓል ብሽክሌታ የጠንቕቃ ኣሎ። እቶም ደለይቲ ፍትሒ ነብሶም ገዚኦም ንጸርፋን ንግዕዝየነታን (ክልተ ማእኸሎት ኢዳ እናውጸት መጺኣቶም።) ስቕ ኢሎም ከም ጽልልቲ ርእዮማ። ድሓር ግን ፖሊስ ብኽሳዳ ሓኒቖም ክኖ እቶም ደለይቲ ፍትሒ ደርብዮማ። (ዝስዕብ ዘሎ ስእሊ ርአ። ክልቲኡ ስእልታት ብሳኣላይ “ሚኺል ግሩን” ዝተላዕለ ኮይኑ፡ ንኽጥቀመሉ ፍቃድ ሂቡኒ እዩ።)

 

 

ነታ ግዕዘይ ከባርርዋ ከለው…                             credit pic: Michel Groen

እቲ በዓል ብጫ ሚሊታሪ ፖሊስ ይደፍኣ ኣሎ… እቲ ስነስርዐት ናይቶም ደለይቲ-ፍትሒ

ከየገረመኒ ኣይተረፈን። ሃዲኦም ክትነፍስ ጌሮማ።

 

 

“Waar is mijn vader?” ኣቦይ ኣበይ ኣሎ? ዝብል ናይ መሕሙድ ሸሪፎ ምስ ኣስቴር ፍስሓጽዮን” ከምኡን ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ) ምስ ኮፊ ኣናን ዝሓሰ ስእልታት ሒዞም

ብማእኸል ራይስቫይክ እናተጓዕዙ።

 

ደለይቲ ፍትሒ ኣብቲ ኣፍደገ ናይ ፈስቲቫል ቦታ ዓገብ ክብሉ ከለው….

ቀዳም 20 ሓምለ 2013


Latest

መቓልሕ ርእሰ ዓንቀጽ:- ብሕታውያን ጋዜጣታት ኣብ ሓደጋ

እዘን መርኣያ ንግስነት ዲሞክራሲያዊ ሃዋህው ሃገርና ኮይነን ዘሎዋ ብሕታውያን ጋዜጣታት ኤርትራ፡ ኣብ ህዝቢ ልዑል ተቐባልነት ረኺበን ምህላወን ናይ...

መበገሲ ጉዳይ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ጠንቅን ህሉው ደረጅኡን ካብ ጉዱሳት ተማሃሮ

እቲ ፍታሕ ናይ'ዚ ንከኹሉ ሃገራቒ ዘሻቀቓለ ጉዳይ ከተርእየና ዝተጸበናያ ዓርቢ ግን ካልእ ሰብ ዘይተጸበዮን ንከኹሉ ዘሕዘነን ዲፕሎማስያቒ ሃስያ(ውሽጣውን...

Eritrea: ኤርትራ ክውንቲ ክትከውን ካብ ዝወዓሉ ንሎሚ: ቃለ-መጠይቕ ምስ ሚኒስተር ጴጥሮስ ሰለሙን

ኣብ ህዝባዊ ግንባር እቲ ክእለት ዝበሃል ካብ ኣብ ውልቀ-ሰብ ዝያዳ ኣብቲ ውድብ ዝሰረጸ'ዩ” ኣቶ ጴጥሮስ ሰለሙን

ጋዜጣ ሰቲት ዓርቢ ነሓሰ 2001 - ዓሚዲ ንመኻኸር

ናይ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን ሳዕቤን ተሓታቲ መንዩ?ሄለን ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ኣነ'ውን ኣብ ኣፈታትሓ ግርጭት ርእይቶይ ክህብ፡-ኣበድ ተስፋይ ኩነታት ከተማ ከረን ከመይ ኣሎቴድሮስ ካብ...

Eritrea: Who is Jermano Nati ~ ተጋዳላይ ጀርማኖ ናቲ መን'ዩ?

The following article was posted on asmarino on May 16, 2004 via Dmsi Harnet (Voice of Liberty)

“ዝመረጽናዮም ሚኒስተራት በብተራ ነፍስ-ወከፎም ንሓደ ዓመት ፕረዚደንት ይኾኑ”

ኣብ ወርሒ ጥሪ 2001 3 ሰባት ዝሓቖፈት ስዊዘርላንዳዊት ጉጅለ ሰራሕቲ ፊልም መጺኣ ነይራ። እቶም ሰባት ኣብ'ዚ ዓውድ'ዚ ተሞክሮታት ዝደለቡ ኮይኖም...